Back to Front Page

ትግራይ ብውሽጥን ብደገን

ትግራይ ብውሽጥን ብደገን

መግለፅታት ጉጅለ ዓለማዊ ቅልውላው(International Crisis Group)፣ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ሓይልታት ውሽጢ ዓድን

Faato, 16-08-2020

ትግራይን ተጋሩን ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ብዘካየድዎ ቃልስን ዘመዝገብዎም ዙርያ መለሽ ዓወታትን ስዒቡ ካብ ብዙሓት ጭቁናት ደለይቲ ፍትሕን ደገፍን ክብርን ተዋሂብዎም እዩ። ኮይኑ ግና ካብ ጉድለት ውሕሉል ፖለቲካዊ ኣተኣላልያን ሰኣን ቀፃላይ ፖለቲካዊ ቃልስን መንግስቲ ናብ ሕመቕን ግዕዝይናን ብምእታዉን ብካልኦት ግዳማዊ ፀገማትን ኣብ ሓዱሽ ቅልውላው ዝዓብለሎ ኣሰካፊ ምዕራፍ ንርከብ። መንግስቲ ኣብይ ኣሕመድን መሻርኽቶምን ብዝወሰድዎም ዘይሃገራዊ ፖለቲካዊ ሕርያን ግጉያት ስጉምትታትን ሃገር ኣብ ነቐነቐይ ትርከብ። ትግራይ ድማ መንግስታን ህዝባን ብዝገበርዎ ቅልጡፍን ውፅኢታዊን ምትዕርራይ ኣንፃራዊ ሰላማ ሓልያ ናይ ባዕላ ሕገመንግስታዊ ፖለቲካዊ ውሳነታት ትገብር። ቅትለት ስነጥበባውን ነጣፊ ፖለቲካን ሃጫሉ ሁንዴሳ ስዒቡ ዝመፀ ፖለቲካውን ድሕንነታዊን ከቢድ ቅልውላውን ፖለቲካዊ ሽርሕን፣ ኣብ ልዕሊ ፖለቲካኛታት ወላይታ ብዝተፈፀመ ኩሉ ዓይነት ሕጊ ዝጠሓሰ ማእሰርትን ፖለቲካዊ ውዲትን፣ ኣብ ጫፍ በፂሑ ዘሎ ፍትሕ ዘይምዕሩይ ኪዳን ኦርማራን ኣብ ብልጥግና ፓርቲ ዘስዓቦ ክዕበስ ዘይኽእል ፖለቲካዊ ሓጔፍ (ዘረባ ኣይተ ሺመልስ ኣብዲሳ ተሸፈንካ ዘይትሽፈን ሕም ርእሲ ፓርቲ ብልጥግና ኣምሓራ)፣ ዘይተገደበ ምንዋሕ/ምስራዝ ምርጫ ዘስዓቦ ፖለቲካዊ ወጥሪ ብፍላይ ድማ ኣብ ሞንጎ  ኣራት ኪሎን መቐለን ዘሎ ምትፍናንንካልኦት ዞባውን ዓለማውን ግዳማዊ ብድሆታትን ሽርሕታትን ኢትዮጵያኮምፓስ-ኣልቦ (መራሕ-ኣልቦ)መርከብ ክትከውን ገይሩዋ ኣሎ። ነዞም ረዘንቲ ቅልውላዋት መንቀልታትን መፍትሕታትን ዝምልከት ካብ ዓድን ደገን ብዙሕ ክበሃል ቀንዩ ኣሎ። እቶም ኣገደስቲ ውሑዳት ከምዝስዕብ በዝሓፀረ መገዲ ይቀርብ።

1. ጉጅለ ዓለማዊ ቅልውላው (International Crisis Group)

Videos From Around The World

ጉጅለ ዓለማዊ ቅልውላው (ጉጅ ቅልውላው ወይ ክራይስስ ግሩፕ) ኣብ ኢትዮጵያ ፍሉይ ድሌት ከምዘለዎ ናይ ቀትሪ ሓቂ’ዩ። ብፍላይ ካብ ዝሓለፉ ውሑዳት ዓመታት ጀሚሩ ካብ ዝኾነ ኢትዮጵያዊ ፖለቲካዊ ውድባት፣ መንግስታዊ ትካላት፣ ማሕበራት ወይ ሲቪክ ውድባት ንላዕሊ  መግለፂ ኣብ ልዕሊ መግለፂ ከውፅእ፣ ምኽረ ሓሳባት ወይ ለበዋታት ክህብ እንትደልውን ከጠንቅቕ ፀኒሑ እዩ። ንምንታይ ንዝብል መልሱ ንኩሉ ቅሉዕ ይመስለኒ። ዋላኳ ኣይተ ሃ/ማርያም ደሳለኝ ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ ኣፍሪካውያን “ዓበይትን” ፍሉጣትን ሰባት ኣባል ቦርድ ኣማሓደርቲ ዝምራሕ እንተኾነ ኣጣየሽቱን መወልቱን ግና ከም እኒ ጆርጅ ሶሮስን ፍሪዶም ሃውስን ዝኣምሰሉ ብናይ ምዕራባውያን ፖለቲካውን ሃይማኖታውን ድሌታትን ጥቕምን ዝጣበቑ፣ ዘየደልዩዎም/ዘይምእዘዙ መንግስታት ዝተኽሉን ዝነቕሉን ምሒር ኒዮሊበራሊስትን ኢቫንጀሊስትን እዮም። ስለዝኾነ ደማ ንምንታይ ክንድዙይ ተጨኒቖም ዝብል ናይ ጥቕምን ዕላማን ጉዳይ እዩ።

 

ናብ ጉዳይና እንትንምለስ ጉጅ ቅልውላው ኣብ ዕለት 14 ነሓሰ 2020 ኣ/ፈ ብዘውፀኦ Toward an End to Ethiopia’s Federal – Tigray Feud ዝብል መብርሂ ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ጠ/ሚ ኣብይ ኣሕመድን ትግራይን ዘሎ ግጭት ብዝምልከት ብዘተ ንኽፍታሕ ሓሳባት ኣቕሪቡ ኣሎ። ብዝኾነ መዐቀኒ ፖለቲካዊ ግርጭት ብሰላማዊ መንገዲ ብዘተን ልዝብን ንምፍታሕ ፃውዒት ምቕራብ ሰናይ ተግባር እዩ። ኮይኑ ግና እቲ መግለፂ ብቕርበት ምስእንፍትሾ ቅንዕና ጎዲልዎ ይርከብ። እዛ ሓፃር ፅሕፍቲ ድማ ምስቲ ኣብ ዓዲውሽጢ ኣብ ተመሳሳሊ ጉዳይ ዝሰላሰል ዘሎ ምንቅስቓስ ብምትሕሓዝ ውሱናት ትዕዝብቲ ንምቕማጥን እንታይከ ይገበር ዝብል ርእይቶ ንመሃብ እዩ።

 

ጉጅ ቅልውላው መግለፂኡ እንትጅምር እቲ ግጭት ምስ መንግስቲ ትግራይ ዘይኮነስ ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ተናሓናሕቱ ኢሉ እዩ ዘቐምጦ። እዙይ ኮነ ተባሂሉ ግርጭት ዝፈጥር ዘሎ ህወሓት ካብኡ ወሪዱ ድማ እቶም ኣብይ ካብ ስልጣን ዝሰጎጎም ውልቀ ሰባትከምዝኾኑ ጌርካ ብምቕራብ እቲ ወድዓዊ ኩነት ምውንባድ ምናልባሽ እቲ ሽግር ናብ ብረታዊ  ጎንፂ እንተምሪሑ ድማ ኣንፃር ሕጊ ዝጠሓሰ ጉጅለ ከምዝኾነ ንምቕማጥ ክኾን ይኽእል።

 

ጉጅ ቅልውላው(ክራይስስ ግሩፕ) ኣብ ናይ መጀመርታ እንታይ ሓዱሽ ነገር/ምዕባለ ዝብል ሕቶ እንትምልስ “Abiy’s government is ready to consider any new regional administration illegitimate” ይብል። እዙይ ማለት ጉጅ ቅልውላው ዝፈልጦ ወይ ዝተነግሮ ክህሉ ከምዝኽእል ምግማት ይከኣል። ክራይስስ ግሩፕ ግምት ዘይኮነስ ርግፀኛ ኮይኑ’ዩ ቀሪቡ። እዙይ ማለት ኣካል እቲ ምፍርራሕ ኮይኑ ወጊኑ ኣሎ። ኣብ ልዕሊኡ ድማ ምኽንያት እቲ ግርጭት ትግራይ ካብ ፌዴሬሽን ምክር ቤት ውሳኔ ወፃእ ምርጫ ከተካይድ ምውሳና ምዃኑ ይሕብር። እቲ ሓቂ ግና መንግስቲ ኣብይ ዘይሕገመንግስታዊ ብዝኾነ ኣካይዳን ውሳነን ምርጫ ንዝይተወሰነ/ዘይተፈልጠ እዋን ክናዋሕ ምግባሩ እዩ። መግለፂ ጉጅ ቅልውላው ሓደ መዓልቲ ድሒሩ ምስዝወፀ ናይ ህዩማን ራይትስ ዎች (Human Rights Watch) መግለፂ ብምንፅፃር ጉጅለ ቅልውላው ምስ መንግስቲ ኣብይ ዘለዎ ዘይተኣደነ ውግንና ምቅላዕ ይከኣል። ከምዝስዕብ ንርአዮ።

 

ክራይስስ ግሩፕ ኣብ ገፅ 1 መግለፂኡ “Prime Minister Abiy Ahmed’s government and his rivals in Tigray are on a collision course over the latter’s plan to hold regional elections in defiance of federal authority.” ይብል። እዙይ ማለት ንተበኣሳይ ዘሪኻ በትሪ ምቕባል ማለት’ዩ። ግብሪ ክራይስስ ግሩፕ ብናይ ኣምሓሩ ኣበሃህላ ስራሕ ፅሉል ወይ ዕቡድ ማለት እዩ። ህዩማን ራይትስ ዎች ብኣንፃሩ ዋላ ናይ ድሌትን ውግንና  ኣፈላላይ እንተዘይሃለዎም Ethiopia: Opposition Figures Held Without Chargeብዝብል ኣብ ዝሃቦ መግለፂ እዚ ዝስዕብ ንረክብ። “The latest bout of violence reflects deeper socio-political tensions, which continued to build after the government’s decision to delay anticipated national elections due to Covid-19.” ህዩማን ራይትስ ዎች መንቀሊ እቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ጎነፃት ኣብ ልዕሊ ኣቐዲሞም ዝፀንሑ ማሕበረ ፖለቲካዊ ውጥረታት ብተደራብነት መንግስቲ ምርጫ ብምንውሑ ምዃኑ ብግልፂ የብርህ። ቅዋም ጉጅ ቅልውላው ወይ ክራይስስ ግሩፕ ክንደየናይ ዘራይን ዝንቡዕን ምዃኑ ካብ ምስክርነት ህዩማን ራይትስ ዎች ምግንዛብ ይከኣል።

 

ጉጅ ቅልውላው ምርጫን ኣጠቓቕማ ቋንቋን እንትርእይ ድማ ካሊእ ባህሪያት እቲ ዘራይ መግለፂ ንዕዘብ። ኣብ ዝወሃቡ ምኽረ ለበዋታት እቲ መግለፂ ዝጥቀመሎም ቃላት ንትግራይን ንመንግስቲ ኣዲስ ኣበባን ሓይሎምን ኣገዳድነቶምን የዐርዩ ይፈላለ። እንታይ ይገበር ኣብ ዝብል ለበውኡ (ገፅ 1) “Tigray should pause its election” ይብልሞ ቀፂሉ “Addis Ababa should embrace talks over potential compromises ... Abiy should alsoconsider backing a national dialogue” ኣብ ልዕሊ ትግራይ ቀጥታ ትእዛዝ ይህብ ንመንግስቲ ኣዲስ ኣበባ ድማ ዘይንፁር ካብ ምዃኑ ንላዕሊ እንተዝሓስብሉ ወይ ኣብ ግምት ከእትውዎ ዝምዕድ ጥራሕ እዩ። ብተመሳሳሊ (ገፅ 3) “it is time for the prime minister and other Ethiopian leaders to giveserious consideration to a national dialogue” ከምቲ ንትግራይ ዝበሎ “should” ንምባል እውን ተሰኪፉ ጉጅ ቅልውላው። ኣብ ጉዳይ ድርድር ንኣደራደርቲ ለበዋ እንተቕርብ ድማ (ገፅ 10) “The [mediating] statesmencouldstart by encouraging Abiy and his administration to avoid provocative measures” ይብልሞ ትግራይ ብዝምልከት ግና “they [the mediators] could press Mekelle to pause its election plans” ብዝብል ተሪር ቋንቋ ይጥቀም። ኣብ ሙሉእ እቲ መግለፂ ዘለዉ ኣጠቓቓማ ቃላት ከምዚኦም ዝኣምሰሉን ዝገደዱን እዮም። ኣብ መጠቓለሊ ሓሳባት እቲ መግለፂ (ገፅ 11) “Tigray’s elites should understand that their electoralgambitishazardous” ብምባል ትግራይን መራሕታን ንፍርራሕ ይፍትን ፈራሕ እንተረኺቡስ። ናብ ጠ/ሚ ኣብይ እንትመፅእ ከኣ “Abiy ... should assume the moral high ground, translate his conciliatory words” ብምባል ተደራደርቲ ሓይልታት ላዕልን ታሕትን ክገብር ይፍትን። በዚ ደ ድማ  ዓቕምታት ምድርዳር ትግራይ ከናእስ ይፅዕር። ጉጅ ቅልውላው ባዕሉ ኣመንጫዊ ሓሳብ ድርድር ክኸውን ብኻሊእ ገፁ ድማ ናይ  ድሕሪ መጋረጃ ኣደራዳሪ ክኾን ዝምነ ወይ ዝሃቀነ ይመስል። ሰላምን ድርድርን ልዝብን ኩሉ ጊዜ ተመራፅን ክንድዝከኣል ድማ ብሙሉእ ድሌት ክፍፀም ዘለዎ እዩ። ኮይኑ ግና ምዕሩይ መጫወቲ ሜዳ የድልዮ።ስኽፍታታት ለበዋ/መግለፂ ጉጅ ቅልውላው ብርክት ዝበሉ እዮም። ካብ ናይ ሓሳባት ግጭት ክሳብ ዝተዛብዑ ሓቅታት ይርከቡ። ክሕለፍ ዘይግበኦ ናይ መወዳእታ ነጥቢ ግና ብርክት ዝበሉ ኣብ ልዕሊትግራይን ህወሓትን ዝቐርቡ ዘለዉ ክስታትትን ውንጀላታትን ከምዘለዉ ብምቕራብ ናይ ትግራይ ቅዋም እንተይገለፀ ብምሕላፍ ሚዛኑ ዘይሓለወን ሻራዊ መልእኽቲ ንምሕላፍ ዝተገበረ ጠንቃምን ሰራምን ተግባር ክራይስስ ግሩፕ እዩ። ናይ ኣምሓራ ክልል ናይ መሬት ይግበአኒ ሕቶ ከምዘሎ ኣቕሚጡ ምሕላፍ ጥራሕ ዘይኮነስ ምኽንያት ጎንፂ ገይሩ ብምውሳድ ኣንፃር ትግራይ ብዙሓት  ተፃባእቲ ከምዘለዉ ብምጉላህ እግረ መንገዱ ከፈራርሕን ከሰኩንን ይፍትን ኣሎ ዝፈርሕ የለን’ምበር።

 

2. መንግስቲ ፌዴራልን መሻርኽቱን ዝምውሎም ሚዲያታትን ነጠፍቲ ፖለቲካን

ም ሰልፍታትን ሓይለታትን ጠንቅታት ኩሉ ሽግር ደጋዊ ጥራሕ እዩ። ገለገሊኡ በዓል ዋና ይህብሉ። ንሶም ድማ ህወሓትን ኦነግን እዮም። መቸም ህወሓት ብክንፍታት ዝበርር ኣብ ሓንቲ ሰዓት ኣብ ኩሉ ቦታ ዝርከብ ስውር መንፈስ ኮይንዎም ኣሎ። ምሒር ፍርሒ ዝወለዶ ጭንቂ! ካብ ኦጋዴን ክሳብ ወለጋ፣ ካብ ወላይታ ክሳብ ቤንሻንጉል፣ካብ ቦረና ክሳብ ወሎ ኣብ ዘለዉ ጎነፃትን ህውከትን  ምስ ህወሓት ከላግቡን ላሕ ይብሉ ኣለዉ። ፍርሖም ግልስ እንትብለሎም ድማ ኣብ ሓንቲ መፃብቦ ቀርቂርናዮ ይብሉ። ሓይሊ ሓይሊ እንትብሎም ከኣ መፃናካ ወረርናካ ክብሉ ይስምዑ።መፍትሒኡ ሀወሓት ታሪኽ ምግባር ከምዝኾነ ይፍክሩ። ትማሊ ተማሪኾም በማዕዳ ዘተፋነዉ ከይተረፉ! ከቢድ ዓቕሊ ፅበት!

 

ትግራይን ነቲ ኽልል ዝመርሕ መንግስትን ውድብን ንምምብርካኽተቓወምቲ ሓይልታት ብምምዋልን ብምወፋርን ተፈቲኑ ኣይሰመረሎምን። ፈንቅል ኢሎም ዘይስሞም ኣሸኪሞም በሚዲያታቶምን ገንዘባቶምን ደጊፎምን ወዲቦምን ኣዋፊሮም ኣይኮነሎምን። ኣፈራሪሖም ዝፈርሕ ጠፊኡ ሓዲግናዮ ኢና ኢሎም። ህዝቢ ትግራይ ንምክፍፋል ዝዓለመ ብመንግስቲ ኤርትራን ሰበስልጣን ኣዲስ ኣበባን ዝተመልመሉን ዝምወሉንሓደሽቲ ተዋሳእቲ ደማ ተቐልቂሎም በሚዲያታት ኣዲስ ኣበባ ከም ከልቢ ደድሕሪ ግመል ወይ መኪና ክነብሑ ጀሚሮም ኣለዉ። እዚኦም’ውን ሰማዒ እንተይረኸቡ ተዘሪኦም እንተይቦቖሉ ከሓሩ እዮም። ኣብዛ ቁርፂ እዋን ኣንፃር ህላወን ድሕነትን ረብሓን ትግራይን ተጋሩን ደው ዝበለ ሰብ ይኹን ጉጅለ ታሪኽ ገድሊ ከድሕኖም ኣይኽእልን። እዙይ ንምርግጋፅ ካብ ተጋዳላይ ነበር ኣረጋዊ በርሀ  ነላዕሊ መርኣያ ምምፃእ ዝከኣል ኣይኮነን።

 

ዓምፆ ዓምፆ ንማዕፆ ከም ዝበሃል ካብ ትግራይ ወፃእ ኣብ ዝነብሩ ገለገለ ሰብሃፍትን ተራ ተጋሩን ምእሳር፣ ካብ ስራሕ ምብራርር፣ ኣብ ናይ መንግስቲ ፕሮጀክትታትን ቀረብ ዕዳጋን ከይሳተፉ ምእጋድ፣ ናይ ውልቀ ጉዳዮም ከይፍፅሙ ምትዕንቃፍ ወዘተርፈ ዓይነት ዘይዜግነታዊ በደላት ይፍፀሙ። ኣብ ልዕሊ ተጋሩን ትግራይን ዝፍፀሙ በደላት ይትረፍ ንህዝቢ ትግራይ ሕልና ንዘለዎ ሰብ ኩሉ ቅሉዕ እዩ። ብፅልእን ቂምን ንዝተሸመሙ ድኹማት ግና ንግዚኡ ከበሮ ልቦም የውቀዖም ይኸውን ንገለ ገለ ገርህታት ድማ ሳዕቤኑ ኣይረደኦምን። ካብ ኩሉ ንላዕሊ ኣብ ጉዳይ ፖለቲካ ምንም ዓይነት ተራ ዘይብሎም ርሂፀ-በላዕን ክኢላታት ተጋሩን በዘይ ሓደ ምኽንያት ዝግበር መጥቃዕቲ፣ ምፍርራሕን ዝተፈላለዩ ዓይነታት ማህሰይትን ሓደገኛ ገበን ጥራሕ ዘይኮነስ ዘላቒ ሓድነትን ሰላምን እዛ ሃገር ክፈታተን ዝኽእል እከይ ተግባር እዩ። መግስቲ ኣዲስ ኣበባ ግና እዚ ሽግር ኣንፃር ዜጋታቱ ምዃኑ ተገንዚቡ ንምፍታሕ እዙይ ዝበሃል ፃዕሪ ክገብር ኣይተርኣየን ኣብ ብዙሓት ጉዳያት  ከኣ እቶም ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዝፍፀሙ በደላት ናይቲ መንግስቲ ኢድ ከምዘለዎ ተርእዮታት ኣለው። ንኣብነት ብዘይ ምንም ዓይነት ስሩዕ ክስን ቤት ፍርዳዊ ከይድን ምእሳር፣ ምስዋር፣ ንብረት ምእጋድ ወዘተርፈ።

 

ካብቶም ዝሓለፉ ክልተ/ሰለስተ ዓመታት ጀሚሩ ክፍነዉ ዝነበሩ ኣንፃር ትግራይን ተጋሩን ጅምላዊ መጥቃዕትታን ሃቐነታትን ብተወሳኺ ኣብ ቀረባ እዋን ብፍሉይ መልክዑ ኣብ ሃፍትን ቁጠባን ተጋሩ ዘመተ ይጎሃሃር ኣሎ። ነዚ መርኣያ ሓደ ነጣፊ ፖለቲካ’ዶ ተንታኒ’የ በሃላይ ውልቀ ልሂቀ ኣምሓራ ኣብ ኢቲቪ ቀሪቡ ዝሃቦ ሃሳብ እዩ። እዙ ውልቀ ሰብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ህንፃታት ዝውንኑ ተጋሩ ኩሎም ኣባላት ህወሓት (ብናቱ ኣባህላ ትህነግ) እዮም ይብል ብዘይ ምንም መርትዖ። እዞም ዝጠቐሶም ሃፍቲ ተጋሩ ዝበሎም ህንፃታት ብዘይ ምንም ሕንኽታ (ብርግፅ ሕንኽታ ኣይፈልጥን) ምንጭ ሃፍቶም ዘይሕጋውን ምስ ህወሓት ተፀጊዖም ዝረኸብዎ ከምዝኾነ ብድፍረት ይዛረብ ግና እንታይ መርትዖ ኣለካ ኢሉ ዝሓትት የለን ጉዳዩ  በዕላማ ስለዝኾነ።  ስርዓት ሕጊ እንተዝህሉ ዘቕረቦ ዘይተረጋገፀ ውንጀላ ብገበን መኽሰሶን መቕፀዖን ግና ነዚ ዘግብር ሰርዓት የለን። ኣባል ህወሓት ምዄኖም መረጋገፂ ኣየቕረበን እንተዘቕርብ እውን ኣባል ውድብ ሃፍቲ ኣየፍርን ዝብል ሕጊ የለን። ዋና ዕላምኡ ፀለመን ስራሕቲ ንግዲ እቶም ውልቀ ሰብሃፍቲ ምጉዳእ እንተተኻኢሉ ከኣ ንከምኡ  ዝኣምሰሉ መጥቃዕቲ ክፍፅሙ ዘለዓዕል ዓሌተኛ ተግባርን ኢኮኖሚያዊ ሽርሕን እዩ። ንምንታይ ናይ ተጋሩ ጥራሕ ቆፂሩ?ኣብ ሞንጎ እዞም ናይተጋሩ ዝተብሃሉ ትካላት ዘለዉ ናይ ካልኦት ብሄራት ተወለድቲ ዝውንንዎም ህንፃታት ክቖፅር ንምንታይ ዘይተገደሰ? ኣብ ካልኦት ከባቢታት ኣዲስኣበባ ዘለዉ ህንፃታትከ ናይመን ከምዝኾኑ ንምንታይ ዘይቆፀረ?እዙይ ብተራ ዘረባ ዓይኒ ጠባን እዩ ኢልካ ዝሕለፍ ዘይኮነስ ፃዕዳ ገበን እውን’ዩ። ሎሚ ብዙ ውልቀሰብ ዝተጀመረ ኣይኮነን። ቅድሚ ዓመታት ሓደ ዕሉል ፀረ ተጋሩ ፕሮፌሰር እውን መቀሌ ሰፈር ዝበሃል ኣሎ ኢሎም ተባራዒ ዘረባ ሾው ኣቢሎም ከምዝነበሩ ይፍለጥ። ብዙሕ ፖለቲካዊ ጎስጓስ እውን ይግበር ከምዝነበረ ዝፍለጥ ስለዝኾነ እሞ እንታይ እዩ ሐዚ ክበሃል ይከኣል ይኾን ግና ዝግ ኢሉ ዝነበረ ሓዱሽ ፀረ ተጋሩ ምልዕዓል ይግበር ከምዘሎ መርኣያ እዩ ስለዝኾነ ምስትውዓልን ጥንቃቐን ዝደሊ እዩ።

 

ብካሊእ ገፅ ድማ  እዙ ሰብኣይ ሃያ ሁለት ዝበሃል ከባቢ ጎላጉል፣ ቴሌ መድሃኒኣለም ዝነበረ ኢድና ሞል ተባሂሎም ንምንታይ ይፅውዑ ኢሉ የዐሪዩ ይጉሂ የንፀፅር። እዙይ መሪርን ሕሱምን ፅልኣት ተጋሩ ጥራሕ እዩ ዘሪአና። ንምንታይ ንዝብል መልሱ ቀሊል ስለዝኾነ። በሓደ ገፅ ሱም ሰፈረ መንግስቲ ኣይኮነን ዘውፅኦ ህዝቢ እዩ። ብዋናነት ግና ከምቲ ለዕል ኢሉ ዝተፀርሐ እዙ ውልቀሰብ ደም ዓይኑ ኣብ ተጋሩ ጥራሕ’ዩ። ሱም ሰፈራትን መንደራትን ኣዲሰ ኣበባ ስርዓት ዝሓዘ ስለዘይኮነ ብዘፈቀደ ዝወፅ እዩ። ብሱም ሓንቲ/ሓደ ውልቀሰብ ዝፅውዑ ኣለዉ። ንኣብነት ወርቁ ሰፈር፣የሺ ደበሌ፣ ሸጎሌ (ሼህ ሆጀሌ) እና ሓኪም ማሞ ሰፈር ዝበሃሉ ኣለዉ።ካልኦት ድማ ብተግባራትን ስራሕትን ነበርቲ’ውን ይስየሙ ንኣብነት ምቀኛ ሰፈር፣ ሰራተኛ ሰፈር፣ ዘበኛ ሰፈር  ወዘተርፈ። ብስራሕቲ ንግድን ህንፃታትን ቤተ እምነታትን ዝስየሙውኣለዉ። ንኣብነት ወሰን ግሮሰሪ፣ ኣያት፣ ቫርኔሮ፣ ኣልታድ፣ ሳን ሻይን፣ ኢምፔሪያል፣ ላንቻ፣ ሲኤምሲ፣ ጨርቆስ/ቂርቆስ፣ ልደታ፣ ኡራኤል፣ ፈረንሳይ ለጋስዮን፣ ሳሚ፣ ቄራ ወዘተርፈ። እሞደኣ እዙ ውልቀሰብ ሱም ባዕዳዊ ኩባንያታት ጥልያን ዝኾና ከባቢታት እናረኣየን እናሰምዐን ዘየጓሃየ ብትካላት ተጋሩ ምፅወዐን ዘንፀርፀረሉ ምኽንያት ካብ ፅልኢት ወፃእ በካሊእ ኣይክግለፅን። ገርጂ ዝበሃል መበቆላዊ ስም ብኤምፔሪያል ክፅራሕ ዘይሕሞ ጎላጉል ክበሃል ቆርበቱ ዘሕኽኾ ሕሉፍ ኢትዮጵያዊ ክኾን ዝደሊ ክልተ መልሓሱ መላገፂ እዩ።(ብቋንቋ ፈረንጂ ንምግላፅ hipocratic ይበሃል ከምዚ ዓይነቱ መርሆ-ኣልባ ከንቱ ሰብ)። ሕልፍ እንትብል ድማ ከምዚ ዓይነት ጎደሎስብእና ተጋሩ ንምንታይ ሃፍቲ የጥርዩ ካብ ዝብል ድንቁርናን ትምክሕትንዘንቀሎ ድሑርን ሓሳድን እዩ።

 

3. እሞኸ?

ለባማት ዘላቒ ኣንፈት ንምቕማጥን ዝገጠሞም ዓፀባን ሽግርን ንምፍታሕ ዘተ እንትኽንብቱ እሞኸ ይብሉ። እሞማ ኣኽላባት ይንብሑ ኣግማል ግን ጉዕዘኦም ይቕፅሉ ይምርሹ። ፀላእትና ብምምካት ሰላምናንድሕነትናን ውሑስ ክንገብር ንኽእል ልምዓትናን ዕብየትናን ካብ ወትሩ ንላዕሊ ብምሕያል፣ ዴሞክራሲ  ብቕልጡፍ ብምትግባር ከምኡ ድማ ከጋጥሙና ዝኽእሉ ኩሎም ዓይነት ብድሆታት፣ ሽርሕን መጥቃዕትን ብሳይንስን ጥበብን ብብልሒን ብውሕልናን ኣቐዲምካ ብምእማት ምፍሻል፣ ምምካት  ኣድላይ ተኾይኑ ድማ ሕጋውን ግቡእን ኣብ ልዕሊ ፀላኢ ስጉምቲ ምውሳድ ኣድላይ ይኸውን። ነዚ ዝቐረበ ናይ ልዝብን ድርድርን መፀዋዕታ ኣድላይ ምድላው ምግባር ናይ መደራደርቲ ነጥብታት ምንፃርን ምምርማርን ፈተነታት ምክያድን እንተተኽኢሉ ድማ  ሓበራዊ ድርድር ክገብሩ ዝኽእሉ ከም እኒ ኦነግን ማሕበረሰብ ዲያስፖራ ኦሮሞን ልዝብ ዝጅመረሉ ባይታ ብጥንቃቐ ምንፃፍ ጠቓሚ ክኸውን ይኽእል እዩ።

 

ኣብይን መንግስቱን መሻርኽቱን ምእማን ኣይከኣልን። ንድርድር ይኹን ንውድድር ወይ መኸተ ቁልፊ ጉዳይና ንዝመፀ ስግኣት ክምት ዝኽእል ኩለመዳያዊ ዓቕሚ ምህናፅ፣ ብግብሪ ምፍታሽ፣ ወትሩ ድልውነት ምርግጋፅ በዚ መሰረት ድማ ናይ ምድርዳር  ዓቕሚ ትግራይ ክብ ምባል። ከምቲ ተጀሚሩ ዘሎ ፀውያ ተሰምዕ ትግራይ ምህናፅ። ጉጅ ቅልውላውን ካልኦት ሃገራውን ዓለማውን ሓይልታት ትኹረት ክገብሩ ዘኽኣለ ትግራይ ዝሓዘቶ ፍትሓውን ሕጋውን ቅዋም እቲ ቀንዲ ምኽንያት እንትኾን ህንፀት ሓይሊ መኸተን ድልውነትን ግን መተካእታ ዘይብሉ እዩ።ስምረትን ሓድነትን ታጋሩ፣ ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ሲቪላዊ ማሕበራትን ቁልፊ ዋኒና ክኾን ይግባእ።  ካብ ወላይታን ካልኦት ክልላትን እንመሃሮ ሓደ ነጥቢ እዙይ እዩ።

ሰላም ወሰናይ

======///=====


Back to Front Page