|
ፕሮጀክት ሓድነት ተጋሩ ዝኾነት ማሕበር ልምዓት ትግራይ ምስ ትካል ገባሪ ሰናይ ኤ ግሊመር ኦፍ ሆፕ ብምትሕብባር ትገብሮ ዘላ ሓገዝ፤ ኩለ መዳያዊ ስብእናን ዓቕምን ደቂ ኣንስትዮ ተምሃሮ ኣብ ምህናፅ ዓብዪ ግደ ኣለዎ ተባሂሉ ማልት፤ ለካቲት 2012
ክለብ ደቂ ኣንስትዮ ብምጥንኻር ተሳትፎን ተጠቃምነትን ደቂ ኣንስትዮ ብምዕባይ ዘለወን ማሕበራዊ ፀገማት ንምፍታሕን ዝሓሸ ውፅኢት ንከምፅኣን ዋና ዕላማ እቲ ፕሮጀከት ምዃኑ ዝገለፃ ኣብ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ላዕለወይቲ ክኢላ ሶፍት ፕሮግራማትን መተሓባበሪት ክለብ ደቂ ኣንስትዮ ወ/ሮ ንግስቲ ፀጋይ እቲ ፕሮጀክት ዓቕሚ መዕበይ ስልጠናታት ንርእሳነ መምህራን፣ ኣመራርሓን መምህራንን ቀዳማይን ካልኣይን ኣብያተ ትምህርትን ተምሃሮ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ፣ ኣመራርሓ ክለብን ተወከልቲ ማሕበረስብን ከምዝተውሃበ ሓቢረን። እቲ ፕሮጀክት ብ1.2 ሚልዮን ብር ይሳለጥ ከምዘሎን ክሳብ ሐዚ ብኽልተ ዙርያ ን620 ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕ/ሰብ ኣብ ዙርያ ስርዓተ ፆታን ጥዕናን ዓቕሚ መዕበይ ስልጠና ከምዝተውሃበ ወ/ሮ ንግስቲ ፀጋይ ይዛረባ። ኣብ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ፍረፅባሕ ተምሃሪት ዝኾነት ራሄል መንግስቱን ተምሃሪት ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ደብረብርሃን ለተብርሃን ፍስሃን በቲ ፕሮጀክት ሓገዝ መቐበሊ ወርሓዊ ፅግያን ከምኡ'ውን ማሕበር ልምዓት ትግራይ ምስ ትካል ገባሪ ሰናይ ኤ ግሊመር ኦፍ ሆፕ ብምትሕብባር ፅሬተን ዝሕልዋሉ ክፍሊ ብምድላው ወርሓዊ ፅግያት እንትርአየን ዘዕርፋሉን መቐበሊ ወርሓዊ ፅግያት ዝቕይራሉን፣ ብተወሳኺ ኣብ ዙርያ ስርዓተ ፆታ ስነ- ተዋልዶን ካልኦት ዝተፈላለዩ ዛዕባታትን ዝመያየጣሉ ምቹው ባይታ ከምዝተፈጠረለን ይገልፃ። እቲ ሓገዝ ደቂ ኣንስትዮ ተምሃሮ ብሰንኪ ተፈጥሮኣዊ ውህብቶ ወርሓዊ ፅግያት ካብ መኣዲ ትምህርቲ ከይተርፋ፣ ከይተኣጓጎላን ከየቋርፃን ከምኡ'ውን ዓርሰ እምነተን ብምጉልባት ተወዳደርትን ብቑዓትን ንክኾና ዓብዪ ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ ዘረድኣ ተምሃሮን መምህራንን እተን ኣብያተ ትምህርቲ፣ እቲ ዝተገበረ ሓገዝ ደቂ ኣንስትዮ ተምሃሮ ምሉእ ዓቕመን ኣብ ትምህርተን ትኹረት ንክገብራ ኣዝዩ ሓጋዚ ከምዝኾነ ብምሕባር ብማሕበር ልምዓት ትግራይን ግሊመርኦፍ ሆፕን ንዝተገበረ ደገፍ ናእደኦም ገሊፆም።
|