Back to Front Page

ህንፀት ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ማሕበር ልምዓት ትግራይ ተጠናኺሮም ይቕፅሉ ኣለው።

ህንፀት ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ማሕበር ልምዓት ትግራይ ተጠናኺሮም ይቕፅሉ ኣለው።
==============================================


ፕሮጀክት ሓድነት ተጋሩ ዝኾነት ማሕበርኩም ማሕበር ልምዓት ትግራይ ስትራተጂክ ትልሚ ሰለስተ ዓመት 2012-2014 /ም ብምሕንፃፅ ኣብዚ ዓመት ሓደ ቢልዮን ብር ወፃኢ ዝሓቱ ሰፋሕቲ ውራያት ህንፀት ትካላት ትምህርትን ጥዕናን ትውግን ኣላ።

104124091_3475463335816956_5868935466090432362_n.jpgኣብዚ ስትራጂክ ትልሚ ሰለስተ ዓመት ኣስታት ሰለስተ ቢልዮን ብር ኣብዚ ዓመት ድማ ሓደ ቢልዮን ብር ወፃኢ ዝሓቱ ስራሕቲ ምስግጋር 1 ሽሕ ዳስ መምሀሪ ክፍልታት ማለትውን 4 መምሀሪ ክፍልታት ዝሓዙ 250 ብሎካትን ህንፀት 12 ፍሉያት ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርትን እናወገነት ዝፀንሐት ማሕበርኩም ብርኪ ከይዲ ህንፀት እዞም ፕሮጀክታት ኣብ ፅቡቕ ኩነታት ይርከባ።

እቶም ኣብ ላዕሊ ካብ ዝተጠቐሱ ዓበይቲ ፕሮጀክታት ብተወሳኺ ኣብ 2012 .ም ማሕበርኩም ማሕበር ልምዓት ትግራይ 28 ቀዳማይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ፣ 19 ማእኸላት ሳይንስን ቴክኖሎጅን፣ 11 ዝተፈላለዩ ትሕዝቶ ዘለዎም ትካላት ጥዕና፣ 9 ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ፣ 2 ማእኸላት መሰልጠኒ ቴክኒክን ሞያን መዘናግዒ መናእሰይን ኣብ ከይዲ ህንፀት ዝርከባ ፕሮጀክታት እንትኾና መብዛሕቲአን ድማ ኣብ ምዝዛዛም ዝርከባ።

ብተወሳኺ 5 ዝተፈላለዩ ትሑዝቶ ዘለወን ሶፍት ፕሮጀክታት ብምውጋን ከምኡ’ውን ኣብ 50 ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ 50 ማእኸላት ቨርችዋል ኮምፒተር ንምጥያሽ 2400 ዘመነዎት ኮምፒተራት ናብ ኣብያተ ትምህርቲ ኣባፂሓ’ያ።

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣብዚ ዓመት ዝሓዘቶም ፕሮጀክታት ንምፍፃም ሓደ ቢልዮን ብር ዝጠልብ እኳ እንተኾነ ክሳብ ሐዚ ካብ መላእ ህዝብናን ዓለምለኸ ውሃብቲ ሓገዝን ልዕሊ 253 ሚልዮን ብር ብምእካብ ልዕሊ 247 ሚልዮን ነቶም ፕሮጀክታት መፈፀሚ ዝተኸፈለ እንትኸውን ነቶም ኣብ ከይዲ ህንፀት ዝርከቡ ፕሮጀክታት ልምዓት በቲ ዝተትሓዘሎም ግዘ ገደብ ንምፍፃም ኣብ ዝሓፀረ እዋን ልዕሊ 700 ሚልዮን ብር ካብ ህዝብናን ዝተፈላለዩ ሓገዝ ውሃብቲ ትካላትን ደገፍ የድልያ።

ስለዝኾነ ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃኢን እትርከቡ ተጋሩን ፈተውቲ ልምዓት ህዝቢ ትግራይን ሸቶታትን ውራያትን ልምዓት ማሕበር ልምዓት ትግራይ በቲ ዝተትሓዘሎም ግዘ እዋን ንክዛዘሙ ብገንዘብ፣ ብንዋት ከምኡ’ውን ፕሮጀክት ፕሮፖዛል ብምቕራፅ ዝክኣለኩም ሓገዝ ክትገብሩ ፃውዒትና ነቕርብ።

ናብ 6831 OK ዝብል ቃል እንግሊዝኛ ፅሒፎም/ፈን ብምልኣኽ ኣብ መዓልቲ ሓንቲ ብር ንማሕበር ልምዓት ትግራይ ይሓግዙ/!

ናብ 8160 ዝኾነ ፊደል ብምፅሓፍ ኣብ ሓደ ግዘ ብዝልእኹዎ መልእኽቲ 10 ቕርሺ ንማልት ይሓግዙ/ዛ በዚ ኣቢሎም ህፃናት ትግራይ ካብ ዳስ ናብ ምዕሩይ መምሃሪ ክፍሊ ንምስግጋር ኣብ ዝግበር ምንቅስቓስ ዝክኣሎም ሓገዝ የውፍዩ!

ትግራይ ሕብረትና ጥራይ ይቕይራ!

 

ዋና ቤት ፅሕፈት ማልት ዓለም ለኸ ስሩዕ ዝኾነ ማልት ጨንፈር ኤዥያ ብዕሊ ኣጣይሻ
==============================================

ዋና ቤት ፅሕፈት ማልት ዓለም ለኸ ስሩዕ ዝኾነ ማልት ጨንፈር ኤዥያ ብዕሊ ኣጣይሻ።

ማሕበርኩም ማልት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብብርኪ ኤዥያ ዝተኻየደ ኣኼባ ኣብ ሃገረ ጃፓንን ደቡብ ኮርያን ስሩዕ ንኡሳን ጨናፍር ማልት ንክምስረታ ፅቡቕ ምንቕስቓስ ዝገበረት ማሕበርኩም ሐዚ ድማ ብብርኪ ኤዥያ (ቻይና፣ ደቡብ ኮርያን ጃፓንን ዝጠመረ) ስሩዕ ጨንፈር ማልት 5 ሰነ 2012 ብዕሊ ኣጣይሻ።

104211172_3477798318916791_3651230599428556782_o.jpgኣመራርሓ ቦርድ ማልት ጨንፈር ምብራቕ ኤዥያ ድማ እዞም ዝስዕቡ’ዮም፤
1.
/ብረሂወት ሃይለጂወርግስ ኣቦ ወንበር ካብ ቻይና
2.
ቴዎድሮስ ኣለም ም/ኣቦ ወንበር ካብ ደቡብ ኮርያ
3.
ሃይላይ ገብረፃዲቕ ፀሓፊ ካብ ቻይና
4.
ኪሮስ ንጉስ ፋይናንስ ካብ ቻይና
5.
ሓጎስ ኣለማ ፋይናናስ ካብ ደቡብ ኮርያ
6.
ኣሉላ ተስፋይ ርክብ ህዝቢ ካብ ጃፓን
7.
ኣሰፋ ምስጉን ርክብ ህዝቢ ካብ ቻይና ኮይኖም ተመሪፆም ኣለው።

ኣብ ዝሓለፈ'ውን ማልት ጨንፈር ካናዳ ብብርኪ ሃገር ዝተጣየሸ እንትኸ'ውን ጨናፍር ማልት ኣብ ዝተፈላለዩ ኵርነዓት ዓለም ብምጥያሽ ኣብ ወፃኢ ዓዲ ዘሎ ኩሉ ትግራዋይ ብዝተወደበ መገዲ ምዕብልትን ተብሃጊትን ትግራይ ጋህዲ ንምግባር ኣብ ዝግበር ምንቅስቓስ ልምዓት ክልልና ብምስታፍ እጃሙ ዘወፊየሉ ምችዊ ሃዋህው ንምፍጣር ብዕቱብ እናተሰርሓሉ ይርከብ።

ውዳበ ሓይሊ'ይሞ ጨናፍር ማልት ዝርከባሉ ሃገራት ወፃኢ ዓዲ እትነብሩ ተጋሩ ኣባላት ማልት ብምዃን ሎሚ'ውን ከምትማሊ ውዳበኹም ብምጥንኻር ማልት እትውግኖም ውራያት ልምዓት ትምህርትን ጥዕናን፣ ምንካይ ስእነት ስራሕ መናእስይን ምብቃዕ ዓቕሚ ደቂ ኣንስትዮን ብምድጋፍ ግደኹም ክተበርክቱ ንላቦ!

ውዳበሓይሊ'!
ልምዓት ዓዲ ብደቂ ዓዲ!

 

 

Videos From Around The World


Back to Front Page