|
ማሕበር ልምዓት ትግራይ ትግራይ፣ "ትግራይ ሕብረትና ጥራይ ይቕይራ!"ብዝብል ቴማ ኣብ ዝተሳለጠ መርሃ ግብሪ መድረኽ ምትእኽኻብ እቶት (ቴሌቶን) ልዕሊ ብር 130 ሚልዮን ንምዉፋይ ቃል ተኣትዩ። ማልት 11/04/2012 ዓ/ም (መቐለ) ማሕበር
ልምዓት ትግራይ "ትግራይ
ጥራይ ይቕይራ!" ብዝብል
ቴማ ሎሚ 11 ታሕሳስ 2012 ዓ/ም
ኣብ ኣዳራሽ ማእኸል ሓወልቲ
ስማእታት ትግራይ ኣብ
ዝተሳለጠ መርሃ ግብሪ
መድረኽ ኣብ ዘፈር ትምህርቲ ልዕሊ 3 ሽሕ ዳስ መምሃሪ ክፍልታት ናብ ምዕሩይ መምሃሪ ክፍልታት ንምቕያር፣ ኣብ 12 ብከንቲባ ዝምሓደራ ዓበይቲ ከተማታት ትግራይ ንዝህነፃ 12 ኣሕዳሪ ዘይኮና ሞዴል ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርትን ካልኦት ንምምሕያሽ ፅሬትን ዝርግሐን ትምህርትን ከምኡ'ዉን መደባት ዘፈር ጥዕናን ዝኸዉን ወፃኢታት ንምሽፋን ዓሊሙ ዝተሳለጠ መርሃ ግብሪ መድረኽ ምትእኽኻብ እቶት (ቴሌቶን) ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል፣ ሰብ ሃፍቲ፣ ማሕበረሰብ ንግዲ ከተማ መቐለ፣ ሰራሕተኛታት ኣብያተ ዕዮ መንግስቲ ትግራይ ፣ ዓበይቲ ዓዲን መራሕቲ ሃይማኖትን ተረኺቦም 'ዮም።
ክብሪ ጋሻ እቲ ዕለት ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ኣብ ዘስምዕዎ መኽፈቲ ዘረባ፣ ልምዓት ዓዲ ብደቂ ዓዲ! ብዝብል ቅዱስ ሓሳብ ግዱሳት ተጋሩ ዝመስረቱዋ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣብ ትምህርትን ጥዕናን ካልኦት ልምዓታዊ ስራሕትን ብዝተሰርሑ ስራሕቲ ኣብ ልምዓት ትግራይ ትርጉም ዘለዎም ስራሕቲ ተሰሪሖም እዮም ብምባል ትግራይ ብልምዓት ንቅድሚት ክትስጉም ማልት መስሪቶም ብኣመራርሓን ብኣባልነትን ዝተሳተፉን ከምኡ'ዉን ኣብ ማልት ብምግልጋል ብኣካል ዘይርከቡ ህያዉ ሓርበኛታት ልምዓት ክምስገኑ ይግባእ ኢሎም። ኣብዚ እዋን ብቐንድኡ ክንረባረበሉ ዝግባእ ኣብ ምምሕያሽ ፅሬት ትምህርቲ እንትኸዉን ኣካል ምምሕያሽ ፅሬት ትምህርቲ ዝኾነ ምችዉነት ትምህርቲ ኣብ ዘተሓሳስብ ብርኪ ከምዘሎ ዝገለፁ ዶ/ር ደብረፅዮን ሎሚ ዝካየድ ዘሎ መርሃ ግብሪ ቴሌቶን ድማ ነዚ ኣብ ግምት ዘእተወ ስለዝኾነ ትግራዋይን ፈታዊ ልምዓት ህዝቢ ትግራይን ኣብ ፅላል ማሕበር ልምዓት ትግራይ ብምዕሳል ዘለዉና ፀገማት ኣብ ምቅላል ክሰርሕ ፀዊዖም። ምችዉነት ትምህርቲ ነመሓይሽ፣ንፍታሕ ክንብል እንተለና ዝተፀገሙ ንሓግዝ ማለት ኣይኮነን፣ ተመን ካብ ክላስ ኣዉፂእና ናብ መረበቱ ነእትዎ ማለት ጥራሕ ኣይኮነን፣ ዝሓሸ መምሃሪ ክፍሊ ምፍጣር፤ መንበር ምትዕርራይ ጥራሕ 'ዉን ኣይኮነን የግዳስ ቀፃሊ ትዉልዲ ናይ ምህናፅ ምዕሩይ ሰረት ናይ ምንፃፍ እዩ። ተረካቢ ትዉልዲ ካብ መረከቢ ብሉፅ ክኸዉን ህዝብና ንቕድሚት ክስጉም ናይ ምግባር ጉዳይ 'ዉን እዩ። ትግራይ ናብ ዝበረኸት ክትድይብ ናብራን ህይወትን ትግራዋይ ናብ ሓዱሽ ምዕቡል ምዕራፍ ናይ ንምስግጋር ነጥቢ መቐይሮ እዩ። ኣብዚ ዕለት ነዚ ታሪካዊ ሰናይ ልኡኽ ግቡእና ክነወፊ ኣብ ታሪክ ምዕባለ ትግራይ ናይ ባዕልትና ታሪክ ክንፅሕፍ ዝተምሃረ ኩለመዳይ ስብና ዝተላበሰ ብቑዕ ሓይሊሰብ ብምፍጣርን ሐዚ ንኹልና ኣተኣኻኺቡና ኣብ ዘሎ ቴሌቶን ንህልዉናናን ቀፃሊ ምዕባለ ትግራይን ወሳኒ እዩእሞ ኩሉ ትግራዋይ ኣብ ልምዓት ዓዱ ሓደ ዓይነት ኣተሓሳስባን ሓበራዊ ምርድዳእን ሒዙ ህዝቢ ትግራይ ክበፅሖ ናብ ዝደልዮ ልምዓት ክነብፅሖ ይግባእ ክብሉ ኣተሓሳሲቦም ዶ/ር ደብረፆዮን ገብረሚካኤል። ዶ/ር ደብረፅዮን ኣብ መወዳእታ ኣብ ዘሕለፉዎ መልእኽቲ እዚ መድረኽ ቴሌትን ኣብ ፅሬት ትምህርቲ ዘለና ፀገም ኣብ ምቅላል ዓብይ ግደ ከምዝፃወት ብምትእምማን ትግራይና ንምልዋጥ በብዘለናዮ ቃል ንእቶ ኣብ ቃልና 'ዉን ንረኸብ ድማ ኢሎም። ምክትል ፈፃሚ ዳይሬክተር ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣይተ ተስፋይ ገብረእግዚኣብሄር ብወገኖም ፤ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ብተፈጥሮን ሰብ ስራሕን ፀገማት ተሃስያ ዝነበረት ትግራይ ዳግም እግሪ ክትተክል ካብ ህዝቢ ዘይዛሪ ደገፍ እናተገበረላ ንዝሓለፊ 30 ዓመታት ኣብ ጎኒ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ብምስላፍ ኣብ ትምህርቲ፣ ጥዕና፣ ምዕባለ ባህልን ቋንቋን፣ ስፖርት መንገድን መጓዓዝያን ትኹረት ብምግባር ህዝቢ ትግራይ ካብ ድኽነትን ድሕረትን ተናጊፉ ኣብ ጎደና ልምዓትን ዕብየትን ክስጉም ከምዘኽኣለት ገሊፆም። ምዕብልትን ተብሃጊትን ትግራይ ምፍጣር ባህጊ ኩሉ ትግራዋይ እዩ። ባህግና ጋህዲ ንምግባር ድማ ካብ ሕድሕድ ትግራዋይ ዘይዛሪ ደገፍ ክገብር ትፅቢት ይግበር ዝበሉ ኣይተ ተስፋይ ካብዚ ብምብጋስ ትግራዋይን ፈታዊ ልምዓት ህዝቢ ትግራይን ብምትሕብባር ትፕሮጀክት ሓድነት ተጋሩ ዝኾነት ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዝሓንፀፀቶ ስትራተጂክ ትልሚ ሰለስተ ዓመት ናብ ስራሕ ከምዝኣተወትን እዚ ንምዕዋት ኩሉ ትግራዋይ ፈታዊ ልምዓት ህዝቢ ትግራይን 'ዉን ንምዕባለ ትግራይ እጃሙ ከወፊ ተላብዮም ።
ሰላማ ዘረጋገፀት፣ ድሕንነታ ዝሓለወት፣ መሰል ደቂ ሰባት ዝኽበረላ፣ ኣዝያ ምዕብልቲ ትግራይ ትግራይ ንምፍጣር ዝተምሃረ፣ ብኣተሓሳስባ፣ ክእለት፣ ፍልጠትን ቴክኖሎጅን ዝበለፀ፣ ፀጋታት ትግራይ ናብ ረብሓ ዝቅይር ሓይሊሰብ ኣብ ምፍጣር ክስራሕ እንተሎ እዩ። ስለዝኾነ ኣብ ኣብ ትምህርቲ ልዑል ትኹረት ገይርና ክንሰርሕ ኢና ዝበሉ ድማ ኣካቢ ቦርድ ኣመራርሓ ስራሕ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኢንጅነር ታደሰ የማነ 'ዮም። ማሕበር ልምዓት ትግራይ ሎሚ 11 ታሕሳስ 2012 ዓ/ም ኣብ ኣዳራሽ ማእኸል ሓወልቲ ስማእታት ትግራይ ኣብ ዝተሳለጠ መርሃ ግብሪ ቴሌቶን ልዕሊ 130 ሚልዮን ብር ንምዉፋይ ቃል ዝተኣተወ እንትኸዉን ድሕሪ እቲ መርሃ ግብሪ ቴሌቶን መልእኽቲ የቀንየልና ዘሕለፉ ኣካቢ ቦርድ ኣመራርሓ ስራሕ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኢንጅነር ታደሰ ፤ ማሕበር ልምዓት ትግራይ "ትግራይ ሕብረትና ይቕይራ!" ብዝብል ቴማ ኣብ ዘካየደቶ መርሃ ግብሪ መተኣኻኸቢ እትቶ (ቴሌቶን) ኣብ ዉሽጢ ዓድን ወፃእን ዘሎ ትግራዋይን ፈታዊ ልምዓት ህዝቢ ትግራይን ብመንፈስ ናህተይነት ንዝገበሮ ሓገዝ ገንዘብን ዝኣተዎ ቃልን ዘመስገኑ እንትኾኑ እዚ ቴሌቶን ድሕሪ መበል 45 ዓመት ብዓል ምስረታ ዉድብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ኣብ መላእ ዓለም ተጠናኺሩ ክቕፅል እዩ ክብሉ ገሊፆም።
|