|
መግለፂ ማእኸላይ ኮሚቴ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ
ጉጅለ ፋሽሽት ኣብይ ኣሕመድ ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ካብ ገፅ ምድሪ ንምጥፋእ፣ ትግራይ ድማ ካብ ካርታ ዓለም ንምፉሓቕ፣ ምስ መንግስቲ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ካልኦት ኣካላትን ብምሽራኽ፣ ማእለያ ዘይብሎም ኣፅዋራትን ተሓባበርትን ብምስላፍ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ቅሉዕ ወታደራዊ ወራር ካብ ዝፍፅም ሓደ ዓመት ኣቑፂሩ ኣሎ። እዚ ፋሽሽት ጉጅለ፣ ቅድሚ ቅሉዕ ወታደራዊ ወራር ምክያዱ ንዝሓለፊ ሰለሰተ ዓመትን ፈረቓን ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ዝነብር ትግራዋይ ብመንነቱ ተፈልዩ ክውቃዕን ክበሳበስን ዝተፈላለዩ ስማስም ክወሃቦን ብምግባር፣ ብመንግስቲ ሚድያታት ሓዊሱ መንነቱን ክብሩን ዘራኽሱ፣ ኣብዛ ዓዲ ንዘሎ ኩሉ ዓይነት ፀገማት ፍልፍል ከምዝኾነ ተጌሩ ክሰኣል፣ ናይ ኩሉ ሓጥያት ምንጭ ትግራዋይ ከምዝኾነ፣ ብሓፈሻ ትግራዋይ ብምኽንያት መንነቱ ተቆፂሮም ዘይውድኡ ግፍዕን በደልን ክበፅሖ መሰረት ጌሩ ሰርሕሉ እዩ። ናይዚ ኩሉ መበገሲ ድማ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈለየ ኣበር ኮነ ሓጥያት ስለዘለዎ ዘይኮነስ፣ ንተግባርን ባህርን እዚ ፋሽሽት ጉጅለ ኣብ ኣደባባያት ከይተረፈ ብትረት ክቃወሞ ስለዝጀመረ፣ ፌዴራል ስርዓትን ሕገ መንግስትን ክኽበሩ ድምፁ ስለዘስመዐ፣ ብመሪር ቃልሱን ብዝኸፈሎ ክቡር መስዋእትን ዝዓተሮ ናይ ባዕልኻ ዕድል ባዕልኻ ናይ ምውሳን መሰል ከምኡ እውን መሰል ዓርሰ ምሕደራኡ ተግባራዊ ስለዝገበረን፣ ኩሉ ከምዝፈልጦ ህዝቢ ትግራይ መረፃ እንተካይዱ ኣብ ልዕልኡ ክበፅሕ ዝኽእል ግፍዕን በደልን፣ ኣብ ልዕሊ ኣዴታት ትግራይ ክበፅሕ ዝኽእል ሓደጋ ከምኡ'ዉን ስምብራት ኣብ ኣደባባይ ብግልፂ ቋንቋ ገሊፁ'ዩ። ስለዝኾነ እዚ ፋሽሽት ጉጅለ ካብ ፅባሕ ኮረቻ ስልጣን ዝተቆናጠጠላ ዕለትን መዓልትን ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝከፈቶ ስነ ኣእምራዊ ኲናትን ወፍሪ ምስይጣንን ኣዝዩ ሰፊሕን ዘየቋርፅን ምንባሩ ይፍለጥ። እዚ ፋሽሽት ጉጅለ ድሕሪ ተኸታታልን ዘየቋርፅን ናይ ክልተ ዓመትን ፈረቃን ቶኽሲ ኣልባ ኲናት ድማ፣ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2013 ዓ/ም ማእለያ ዘይብሎም ወታደራዊ ኣፅዋራትን መሻርኽትን ኣኻኺቦም ትግራይ ብምኽባብ ከም ህዝቢ ነበረያ ነበረ ኽኸዉን ዓሊሞም ቅሉዕ ወታደራዊ ወራር ብምክያድ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ብቓላት ንምግላፅ ዝኸብድ ግፍዒ፣ ጭፍጨፋ፣ ማእለያ ዘይብሉ መጉዳእቲ፣ ብድምር እዞም ፋሽስትን ወረርትን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ጆኖሳይድ ከምዝፈፀሙ ዓለም ሙሉእ ዘረጋገፆ ግሁድ ሓቂ እናኾነ ይመፅእ ኣሎ። እዚ ብሓሶትን ምጭብርባርን ተወዳዳሪ ዘይርከቦ ፋሽሽት ጉጅለ፣ ንብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን እዛ ሃገር፣ ህዝቢ ትግራይን ብውድብና ህወሓት ዝምራሕ መንግስትን ትግራይ ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን መጥቃዕቲ ከምዝኸፈቱን ሕጊ ናይ ምኽባር ስጉምቲ ይወስድከምዘሎን ብምምሳል ኣደናጊሩ ሰራዊት ፋሽሽት ጉጅለ ኣብይ ኣሕመድን ሰራዊት መንግስቲ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂን ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዘብፅሕዎ በደል፣ ኣብ ልዕሊ ንብረቱን እንስሳታቱን ከምኡ እውን ኣብ ተፈጥሮ ሃፍቲ ትግራይን ዘብፅሕዎ ጉድኣት ንምግላፅ ዝኸብድ፣ ኣብ መዋእል ታሪኽ ህዝቢ ትግራይ ይኹን ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ህዝቢ ክፍፀሙስ ይትረፍ ክሕሰቡ እውን ዘይኽእሉ እዮም ። እንተኾነ ግን ነዚ ኣብ ልዕልና ዝተኣወጀ ጀኖሳይድ፣ ሙሉእ ህዝቢ ትግራይ ፖለቲካዊ ኣረኣይኡ፣ ሃይማኖታዊ እምነቱ፣ ዕድምኡን ፆቱኡን ብዘየገድስ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ኣብ ትሕቲ ዝመረፆ መንግስቱ ከም ህዝቢ ተሰሊፉ፣ ሓርነትና፣ ህላወናን ሓድነታዊ ግዝኣትናን ንምርግጋፅ ምስ ኩሎም ፋሽሽታውያን ሓይልታትን ተሓባበርቶምን ክገጥምን ዝተገደደሉ ኩነታት ተፈጢሩ'ዩ። በዚ መሰረት ማእኸላይ ኮሚቴ ህ.ወ.ሓ.ት ነቲ ኹነታት ብዕምቆትን ብዝርዝርን እናገምገመ፣ ነቶም ብልፍንቲ ከም ህዝቢ ከጥፉኡና ጀኖሳይድ ዝኣወጅልና ሓይልታት፣ ብልዑል ጥበብ፣ ጥንቃቀን ብቕዓትን ንምድምሳስን ምቅባርን ዘኽእል ኣወዳድባ ህዝባዊ መኸተ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ብምዝርጋሕ፣ ህዝባዊ መኸተና ከዐውቱ ዝኽእሉ ኣሰራርሓታት፣ ስልትን ስትራቴጂን ብምሕንፃፅ፣ ብፍላይ ባዓል ዋና እዚ ህዝባዊ ኩናት ሙሉእ ህዝቢ ትግራይ ህዝባዊ መኸተና ብዓወት ንኽዛዘም ልዑል ርብርብ ክገብር፣ ናይ ደጀን ስራሕትና ዘጠናኽሩ ኣንፈታት ብምንፃር ሰፋሕቲ ስራሕቲ ሰሪሑ እዩ። እዚ ድማ ኣብ ከይዲ ጉዕዞ ንዝጓንፉ ፀገማትን ጉድለታትን ብምምላእ፣ 'ስንቅና ካብ ህዝብና፣ ዕርድና ጎቦታት ዓድና፣ ዕጥቅና ድማ ካብ ፀላእትና' ዝብል ነባር መሪሕ ሓሳብ ውድብና ኣብ ተግባር ዘውዕል ቅኒት ብምሕንፃፅ ኣብ ኣዝዩ ሓፂር ግዜ ንፀላእትና ዝምክትን ዝስዕርን ዓቕሚ ክህነፅ ተኻኢሉ እዩ። ኮይኑ’ውን ደመኛታት ፀላእትና ኣብዝሓ ሓይሊሰቦም ኣብ መሬት ትግራይ ብምድምሳስ ዝበዝሕ ክፋል ትግራይ ሓራ ክወፅእ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ጎኒ ውድብና ዝመርሖ መንግስቲ ተሰሊፉ ብዘካየዶ ተጋድሎ ብምልኣተ ህዝቢ ዝተመረፀ ህዝባዊ መንግስትና ናብ ቦትኡ ክምለስ ኪኢሉ ጥራሕ ዘይኮነስ ብጉልበት ዝተመንዘዐ ናይ ባዕሉ ዕድል ባዕሉ ናይ ምውሳን መስል ኣብ ቅልፅሙ ምዃና ዘረጋገፀላን ኣብ ውሽጥን ደገን ዝነብር ህዝብና ዝለዓለ ብሄራዊ ኩርዓትን ሓበንን ክስምዖን፣ ህዝባዊ መኸተና ናብ ዝለዓለ ናህሪ ዘሰጋገር ዕድል ፈጢሩ'ዩ። ኣብዚ ህዝቢ ትግራይ ሎሚ እውን ከም ትማሊ ኣብ ፅላል ውድቡን መንግስቱን ዓሲሉ፣ ብዘካየዶ ኣዝዩ ከቢድን መሪርን ተጋድሎ ናይ ሰዓራይነት ኣክሊል ክደፍእ ክኢሉ እዩ። ኣብዚ ከይዲ'ዚ መላእ ኣባላትን ኣመራርሓ ውድብና ህ.ወ.ሓ.ት ዝተወሃቦም ህዝባዊን ውድባዊን ሓላፍነት ተሓንጊጦም ህዝባዊ መኸተና ብዓወት ክዛዘም እጃሞም ተፃዊቶም ካብኡ ሓሊፍ ድማ ምእንተ ህላወ ትግራይን መሰል ርእሰ ውሳነንሓርነትን ህዝቢ ትግራይ ካብ ህዝባዊ መትከሎምን ዕላምኦምን ንፃት እዉን ዝንብል እንከይበሉ ዝተጋደሉ ላዕለዎት መራሕትን መስረትን ውድብና ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ ተጋደልቲ ህወሓት ክቡር መስዋእቲ ከፊሎም እዮም። ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝነብር መላእ ህዝብናን ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ዓለም ዝነብሩ ዲያስፖራ ትግራይን ከም ማይን ፀባን ተዋሃህዶምን ተናቢቦም ዘካይድዎ ተጋድሎ፣ ተፈጥራዊ ብድሆታት ብዝለዓለ ፅንዓት ተፃዊሮም ስቓይን መከራን ህዝቦም ማሕበረሰብ ዓለም ክፈልጦን ኣወንታዊ ኣበርክትኦም ክዐዝዙን ዝፈፀምዎ ንዘንትእለት ዘይሃስስ ታሪኽ ተጋድሎ እናተዘከረ ዝነብር እዩ፣ ህዝባዊ መኸተና ብዓወት ንቅድሚት ክግስግስ ቅድሚ ኹሉን ልዕሊ ኹሉን፣ ህዝባዊ መኸተና ፍትሓዊ፣ ሕጋዊን ተቐባልነት ዘለዎን ምዃኑ እንትኸውን፣ ፍልፍል ሰዓራይነትናን ፅንዓትናን ድማ ክብሪታት ወያነና ኣፅኒዕና ብምሓዝ ሰራዊትና እውን በዞም ክብሪታት እዚኦም ክህነፅ ስለዝተገበረን እዩ፣ እዚ ንኽከዉን ኩሎም ዓቕምታትና ውፅኢት ቃልሲ ህዝቢ ትግራይን ወያንኡን ዝኾኑ ብብቕዓትን ጅግንነትን ዝተመስከረሎም ፖለቲካዊን ወታደራዊን መራሕቲ፣ ምስቲ ሓዱሽ መንእሰይ ትግራይ ብምጉርራስን ሓያል ውህደት ብምፍጣርን፣ ከም ህዝቢ ንኹሎም ብድሆታት ተፃዊርና ብዝለዓለ ፅንዓትን ጅግንነትን ተወዲብና ሳላዝተቃለስናን፣ ንዝገጠመና ቅሉዕ ወታደራዊ ወራር ምምካት ተኻኢሉ እዩ። ብሓፈሻ ኣብዚ ዝሓለፈ ሓደ ዓመት ቃልስን መኸተን እዋን፣ ንኹሎም ናይ ህልዉና ሓደጋታት ከም ህዝቢ፣ ውድብን መንግስትን ብዝለዓለ ብቕዓትን ተፃዋሪነትን ክንሰግሮም ብምኽኣልና ኣብዚ እዋን'ዚ ዕድመ ኩሎም ፋሽሽታውያንን ወረርቲን ፀላእትና ንምሕፃርን ንመወዳእታ ግዜ ንምቕባርን ዘኽእሉ ተደራረብቲ ዓወታት እናመዝገብና ጉዕዞና ንቕፅል ኣለና፣ ብኣንፃሩ ኩሎም ፋሽሽታውያን ፀላእትና ድማ ስርዓተ ቀብሮም ዝፍፀመሉ እዋን እናተቃረበ ምዃኑ ስለዝተገንዘቡ ዝገብርዎ ሓርቢትዎም ኣብ ሓያል ስነ ኣእምራዊ ፀቕጢ ተሸሚሞም ይርከቡ። እዚ ዘረጋግፆ ሓቂ ድማ ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ዕድመ፣ ሃይማኖት፣ ፖለቲካ፣ ፆታ እንከይዓገተና ሓርነትና፣ መንነትናን ብሄራዊ ክብረትና ንምውሓስ ሰሚርና ቃልስና ምስ እነካይድ፣ ፍትሓዊን ሕጋዊን ህዝባዊ ኲናትና ካብ ምዕዋት ዝዓግተና ምድራዊ ሓይሊ ክህሉ ከምዘይኽእል ደጊሙ ዘረጋገፀ ፍፃመ እዩ። ብዘካየድናዮ ዕዉት ህዝባዊ መኸተን ብዘመዝገብናዮም ድሙቓት ዓወታትን ድማ፣ ድሕንነትን ህልውናን ትግራይን ህዝባን ብዘተኣማምን ኣገባብ ንምውሓስ ዘኽእል ዓቕምን ተኽእሎን ክንሃንፅ ክኢልና ኣለና። ሕዚ'ውን ኩሎም ዓቕምታትና ኣጠናኽርና፣ ውዳበታትና ኣሰጣጥምና ስራሕቲ ደጀንና ዝያዳ ኣሐይልና ብምቕፃል፣ ኣብ ቅድሜና ዝንሄ ሓድሽ ምዕራፍ ቃልሲ ብጥበብ፣ ብጥንቃቀን ብብቕዓትን መሪሑ ንምስጋርን ህዝባዊ ኩናትናን መኸተናን ብዓወት ንምኽንባትን ማእኸላይ ኮሚቴ ህ.ወ.ሓ.ት ከም ዝስዕብ ፃውዒቱ የቕርብ። ዝኸበርካ ህዝቢ ትግራይ ን17 ዓመታት ብዘካየድካዮ መሪር ቃልስን ዝኸፈልካዮ ረዚን መስዋእትነትን ኣብ ልዕልኻ ተፃዒኑ ዝነበረ ብሄራዊ ዕብለላን ምሒር ደርባዊ ምዝመዛን ወፅዓን ብምግላህ ዘረጋገፅካዮ መሰል ዓርሰ ውሳነን ምሕደራን ንምግሃስን ከም ህዝቢ ንክትጠፍእን ሕዱር ፅልኢ ዘለዎም ሓይልታት ትምክሕትን ፋሽሽታውያንን ምስ ኣብ ልዕሌካ ዝኸሓነ ቂም ዘለዎ ፀላኢ መንግስቲ ውልቀ መላኺ ኢሰያስ ኣፍወርቂ ብልፍንቲ ቅሉዕ ጆኖሳይዳዊ ወተሃደራዊ ወራር ኣዊጆም ብምድርን ብሰማይን ብምድብዳብ ኩሉ ዓይነት ግፍዕን በደልን ኣብፅሐሙልካን የብፅሑልካን ኣለው። ኣብ ልዕልኻ ብዝተፈፀመን ይፍፀምን ብዘሎ ጫፍ ግፍዒ ከይተሰኮንካ ብሓፂናዊ ሓድነትካን ስሙር ውዳበኻን ኩሎም ብድሆታት መኪትካ ፀላእትኻ ብምድርዓም መብዛሕትኡ መረባኻ ኣጽሪኻ እዞም ብጥሜትን ጥይትን፤ ፆታዊ ዓመፅ፤ ዕንወት ማሕበረ ኢኮኖሚ፤ ጉሕለት ባህላዊ ሓድግታትን ክትፀንት ዝፈረዱልካ ፋሽሽታውያን ሓይልታት ሓመድ ድብኦም ክትፍፅም ኣብ ኣፍ ደገ መቃብር ኣብፂሒካዮም ኣለኻ። ነዚ ፍፁም መትከላውን ፍትሓውን ህዝባዊ መስመር ተሓንጊጥካ ተካይዶ ዘለኻ ኩለመዳያዊ ቃልሲ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ዝለዓለ ክብሪ ከምዝስምዖ እንትገልፅ ፀላእትና መሊእና ከነቃብፆምን ልዕልነት ሕጊ ኣረጋጊፅና ንበደልና ፍትሒ ክንከሓስን ንህዝባዊ ኹናትና ዓርሞ ዝኾነ መሰል ዓርሰ ውሳነና ኣብ ሸትኡ ክበፅሕ መስመር ከየዛረኻ ከምቲ ልሙድ ከም እምኒ ዓረ ፀኒዕኻ ቃልስኻ ክተጠናኽርን ሙሉእ ዓወትካ ክተረጋግፅን ፃውዒቱ የቅርብ። ዝኸበርካ ሰራዊት ትግራይ መዘና ኣልቦ ፅኑዕ ጀግና ህዝባዊ ሰራዊት ትግራይ ንስለ ክብርን መንነትን ህዝቢ ትግራይ ዝተኸፈለ መስዋእቲ ኣያታትካ ዓቂብካ፡ ተፈጥራውን ሰብ ስራሕን ማሕለኻታት ተፃዊርካ፣ ወርቃዊ መዋእል ዕድሜኻ ከየዘናገዐካ ንመንነትን ክብርን ህዝብኻ፡ ኣብ ቅድመ ግንባር ተካይዶ ዘለካ ተኣምራዊ ተጋድሎ ታሪክ ዝሃበካ ሓላፍነት ኣብ ክቱር ህዝባዊ መትክል ዝተሞርኮሰ ምኻኑ ተመዝግቦ ዘለኻ ዓርሞሸሻዊ ዓወት ምስክር እዩ። ነባራት ተጋደልትን ኣመራርሓን ውልቃዊ ናብራኹም ከየሰሰዐኩም፣ ናብራ ዓለም ከይሰዓረኩም፣ ስቃይ ሕዱር ሕማም ተዓጊስኩም ፤ዕድመ ዘምፅኦ ድኻም ከይዓገተኩም፤ በሰላ መጉዳእቲ ተፃዊርኩም ቅድሚት ተሰሊፍኩም መስዋእቲ ወለዶ ብምካን ምስ ሓድሽ ወለዶ ማይን ፀባን ኮይንኩም ዓቕሚ ሃኒፅኩም ትኸፍልዎ ዘለኹም ኩሉ ዓይነት መስዋእትነት ታሪኸ ዝሰነዶ ህያው ሓቂ እዩ። ኣብ ቃልኩም ፀኒዕኩም ክቡር መስዋእቲ ዝኸፈልኩም ኣባላት ሰራዊት ትግራይን ነባራት ወተሃደራውን ፖለቲካውን ኣመራርሓን ቅያኹም ንዝንተኣለም ብደም ዝተጻሓፈን ፍፁም ዘይሃስስን እዩ። እዙይ ትፍፅምዎ ዘለኹም ዓለም ዘስደመመ ንምእማኑ ዘፀግም ተጋድሎ ሞሳኹም ክቡር ካሕሳኹም ክቱም ብምኻኑ ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ዝለዓለ ኩርዓት እንትስምዖ ፀላእትና መሊኦም ክሳብ ዝቅበሩ ጅግንነትኩም ክትቅፅለሉን ስነ-ስርዓት ቀብሪ እዞም ፋሽሽታውያን ወረርቲ ሓይልታት ክተሳልጡን ፃውዒቱ የቅርብ። ዝኸበርካ ዲያስፖራ ትግራይ ኣታ መሪሕ ኣምባሳደር፣ ህዝቢ ትግራይ ፅላለይ፣ ትግራይ መኣዲ ቤተይ ዝብል ህዝባዊ መስመር ተዓጢቅካ ትግራይ ናብራኻ ገይርካ ግዜካን ገንዘብካን ኣወፊካ ቁሪ፤ ፀሓይ፤ በረድ ካልኦት ፅዕንቶታትን ተፃዊርካ ህፃናት ደቅካ ኣሰሊፍካ ንልዕሊ ሰለስተ ዓመትን ፈረቃን ኣብ ልዕሊ ህዝብኻን፣ ፀጋ ዓድኻን ዝበፀሐን ዝበፅሕ ዘሉ ግፍዕን በደልን ብምቅላዕ ትግራይ ኣጀንዳ ማ/ሰብ ዓለም ክትከውን ትገብሮ ዘለኻ ዘይተሓለለ ፃዕርን ዛጊድ ዘመዝገብካዮም ዓወታትን ኣብ ታሪክ ህዝቢ ትግራይ ፍሉይ ቦታ ኣለዎ፡፡ ሐዚ ውን ኣብ መበል 21 ክፍፀም እዩ ተባሂሉ ዘይሕሰብ ኣብ ልዕሊ ህዝብካ ዝተፈፀመ ጀኖሳይድ ዓለም ብዝግባእ ተረዲኡ ሓቅነቱ ተቀቢሉ ክድምድምን ነዙይ ዝሓንፀፁ፤ ዝመርሑን ዝፈፀሙን ሲቪልን ወተሃደራዊ ኣመራርሓን ኣብ መጋባእያ ዓለም ክተቅርቦም ቃልስኻ ክተጠናክር ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት እንትንፅውዕ ከምቲ ልሙድ መሰል ዓርሰ ውሳነ ህዝቢ ትግራይ ክሳብ ዝረጋገፅ ዝጀመርካዮ ዲፕሎማስያዊ ቃልሲ ኣጠናኺርኩም ከምእትቅፅልሉን ኣብ ዳግመ ህንፀት ትግራይ ካባኻ ዝድለ ኩሉ ከምትፍፅሙ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ፃውዒቱ እንተቅርብ ከምትውግኖ ብምትእምማን እዩ። ዝኸበርኩም ፎረም ውደባት ትግራይ!! ኣባላት ፎረም ውድባት ትግራይ፥ ኣብ ህዝባዊ ኲናትናን መኸተ ህዝቢ ትግራይን፥ ዓሲልኩም ዝገበርኩሞ ቃልሲ ዝንኣድ እዩ። እዚ ዘርኣኹሞ ተወፋይነት፥ ዕላማታት ህዝባዊ ኲናት ህዝቢ ትግራይ ክሳብ ዝዕወት መኸተኹም ኣዛይድኩም ክትቅፅሉ በዚ ኣጋጣሚ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ፃወዒቱ የቕርብ። ዝኸበርኩም ፈተውትን ደገፍትን ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ህዝቢ ትግራይ ብመስዋእቱ ዘረጋገፆ መሰል ዓርሰ ውሳንኡን ምሕደርኡን ብወረርቲ ሓይልታት እንትድፈርን ከም ህዝቢ ንክጠፍእ እንትፍረደሉን ኣብ ጎኒ ህዝቢ ትግራይ ተሰሊፍኩም ዝበፀሖ ግፍዒ ኮኒንኩም ድምፅኹም ዘስመዕኩም፣ ህዝቢ ትግራይ ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ ዝደገፍኩምን ዓወት ህዝቢ ትግራይ ዓወትና ዩ ኢልኩም ዝተቀበልኩም ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ዘለኹም ኩሉኹም ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ዝለዓለ ምስጋና እንተቅርብ ሐዚ ውን ሰብኣውን ህዝባውን ድገፍኩም ብምጥንካር ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀመ ጨፍጫፍ ጀኖሳይድ ዓለም ብዝግባእ ተረዲኡ ሓቅነቱ ተቀቢሉ ክድምድምን ፋሸሸታውያን ወረርትን ሓይልታት ኣብ መጋባእያ ዓለም ቀሪቦም ብወንጅል ኩናት ክሕተቱ እጃምኩም ክትዋፅኡ ማእኸላይ ኮሚቴ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ይፅዉዕ፡፡ ዝኸበርኩም ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ብቃልስን ኽቡር መስዋእቲ ህዝብታትን ዝተኸተመ ኣብ ፌደራላዊ ስርዓት፣ ሓድነታዊ ማዕርነትን ልዕልነት ሕግን ዝተመስረተን ፤ መሰል ዓርሰ ውሳነን ምሕደራን ህዝብታት ዘረጋገፀ ሕገ-መንግስቲ ብፋሽሽታውያንን ትምክሕተኛ ሓይልታትን ተጣሒሱ ናይ ደገ ፀላኢ መንግስቲ ከይተረፈ ብምዕዳም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ቅሉዕ ጆኖሳይዳዊ ወተሃደራዊ ወራር እንትእወጅ ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ንክጠፍእ እንትፍረደሉ ዕድመ ፋሽሽታውያን ንምንዋሕን ፃምእ ስልጣኖም ንምርዋይን ደቅኹም ኣብ ዘይምልከቶም ኩናት ህይወቶም ብከንቱ ይጠፍእ ኣሎ። እዚ ፃውዒት ሰላም ተሓሲሙ ስነ-ስርዓት ቀብሩ ኣብ ዝሳሰየሉ ቦታ ኾይኑ ንዝተወደአን ውፅኢቱ ንዝተፈልጠን ጦርነት ደጊምኩም ደቅኹም ክትግብሩ ዝግበረልኩም ዘሎ ፃወዒት ፋሽሽታውያን ብምቅዋም ባዕልኹምን ዓድኹምን ህይወት ደቅኹምን ንክተድሕኑ ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት የተሓሳስብ። ዝኸበርካ ህዝቢ ኤርትራ ህዝቢ ትግራይ ንክብርኻን ብሄራዊ መንነትካን ኣብ ዘካየድካዮ መሪር ብረታዊ ቃልሲ ኣብ ጎንካ ተሰሊፉ ክሳብ ናይ ህይወት መስዋእትነት ከፊሉ ብምቅላስ ብደምካ ዘረጋገፅካዮ መሰል ዓርሰ ውሳነን ምሕደራን ተጠቂምካ ህንፀት ሓዳሽ ሃገረ ኤርትራ እንትውስን ውን ሙሉእ ድጋፍን ኣፍልጦን ሂቡካ ዩ። ህዝቢ ትግራይ ንነፃነትካ ብዘርአዮ ህዝባዊ ድጋፍ ውን ብመርዚ ዝተላዕጠጡ ናይ ፕሮፖጋንዳ ወፍርታት ኣብ ልዕሊኡ ተካይድሉን ይካደሉን ኣሎ ዋጋ ውን እንትከፍለሉ ምንም ዘናስሕ ነገር ከምዘይብሉ ኣዕርዩ ይኣምን፡፡ ይኹን ‘ዳኣምበር ዝተመነኻዮ ባህጊ ነፃነትካ ብግጉይ ፖሊሲ መንግስቲ ውልቀ መላኺ ኢሰያስ ኣፍወርቂ ተኾሊፉ ደቅኻ ኣደዳ ስደትን ባሕርን ኮይኖም ንሞትን ኣካላዊ ስንክልናን ተቃሊዖም ትምኒትካ'ውን ተጨውዩ ተሪፉ። ካብዙይ ሓሊፉ ንክትሰምዖን ኣሚንካ ክትቅበሎን ዝኸብድ ግን ድማ ህያው ሓቂ ዝኾነ እዚ ሸቃጢ ስርዓት መንግስቲ ውልቀ መላኺ ኢሰያስ ኣፍወርቂ ምስቶም ትማሊ ብቅልፅምካ ዝሰዓርካዮም ኣንፃር መሰረታዊ ረብሓታትካ ደው ዝበሉ፤ ዶብና ቀይሕ ባሕሪ እዩ ኢሎም ዝድስኩሩ፤ ዕድል ተረኺቦም ውን ባሕርኻ ተመንዮም ክጎብጡኻ ምስ ዝደልዩ ሓይልታት ተሰሊፉ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ቅሉዕ ጆኖሳይዳዊ ወተሃደራዊ ወራር ብምፍፃም ምስ ክብርኻን ፀጋኻን ፍፁም ዘይራኸብ ንቡርን ነውርን ዝሓረሞ ህዝቢ ትግራይ ንምንፃት ዘኽእል ኩሉ ዓይነት ግፍዒ ፈፂሙ እዩ። ደቅኻ ውን ኣብ ዘይምልከቶም ኩናት ተሳቲፎም ኣብ ፍቃዶ ጎቦታት፣ ሽንጥሮታትን ሜዳታትን ትግራይ ከም ቆፅሊ ረጊፎም እዮም። ነዙይ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ይፍፀም ዘሉ ምፅናት ህዝቢ ብምኹናንን ብምቅዋምን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዓለም ትነብሩ ኤርትራውያን ብፍላይ ዲያስፖራ ኤርትራወያን ብስቪላውን ፖለቲካውን ውዳበታትኩም፣ ብሚድያታትኩምን ተዓጂብኩም ንዋታዊ፤ ፋይናንሳዊን ሞራላውን ደገፍ ብምግባር ተካይድዎ ዘለኹም ቃልሲ ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት እናመስገነ ብዘላቅነት ባህግን ትምኒትን ህዝቢ ኤርትራን ትግራይን ዝሰምር ኣብ ልዕሊ መቃብር መንግስቲ ውልቀ መላኺ ኢሰያስ ኣፍወርቂ ምኻኑ ብምእማን ንክብርን ነፃነት ህዝቢ ኤርትራ ክትብሉ ኣንፃር እቲ ስርዓት ዝጀመርክምዎ ቃልሲ ኣጠናኺርኩም ክትቅፅልሉን ታሪካዊ ሓላፍነትኩም ክትዋፅኡን ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ፃውዒቱ የቅርብ። ዝኸበርኩም ማሕበረ-ሰብ ዓለም ኣብ ዓለም ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመን ብዓይነቱን ኣፈፃፅምኡን ተራእዩ ዘይፈልጥ ማእለያ ዘይብሉ በደልን ግፍዕን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ እንትበፅሕ መትከል ሰብኣውነት ተላቢስኩም ዝኮነንኩምን ዝተቃወምኩምን መንግስታት፤ ዓለም ለከ ትካላት፤ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት፤ተማጎቲ ሰብኣዊ መሰላት ኩሉኹም ኣብ ዝተፋላለዩ መድረኻት ጉዳይ ትግራይ ኣጀንዳ ክኸውን ዘካየድክምዎ ቃልሲ ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ዝንእድ ኮይኑ እዋናውን ግብራዊ ስጉምቲ ብዘይምውሳዱ ግን ስቃይ ህዝቢ ኣብ ልዕሊኡ ይፍፀሙ ብዘለው ገበናት ተናዊሑ ይርከብ። ስለዝኾነ ውን ህዝቢ ትግራይ ብተደጋጋሚ ዘቅርቦ ዘሎ ኣብ ልዕሊኡ ዝተፈፀሙ ኩሎም ዓይነት ገበናት ብዘይሻራዊ ኣካል ክፃረን ህልዊ ኩነታት ትግራይ ማእኸል ዝገበረ ብዘይወዓል ሕደር ተግባራዊ ስጉምትታት ክውሰዱ ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት እንትፅዉዕ ብኣንፃሩ ስቃይ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምንዋሕ ብፍላጥን ብዘይፍላጥን ትሳተፉ ዘለኹም ኣካላት ውን ደው ኢልኩም ክልተ ግዘ ክትሓስቡን ብታሪኸን ተሓተትቲ ካብ ምኻን ባዕልኹም ክተድሕኑ ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ይላቦ። ኣብ መወዳእታ ዕማማት ህዝባዊ ኩናትና ማለት ውን ኩሎም ወረርቲ ሓይልታት ሓምሺሽካ ግዝኣት ትግራይ ሓራ ምግባር፤ መንግቲ ትግራይ ናብ ንቡር ቦትኡ ተመሊሱ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ መሓውራቱ ዘርጊሑ ስርሑ ክጅምር ከምኡውን መሰል ዓርሰ ውሰንኡ (ረፈረንደም) ብምውጋን ዕላማ ህዝባዊ ኩናትና ኣብ ሸትኡ ክበፅሕ ህዝቢ ትግራይ ከምቲ ልሙድ በቲ ፅኑዕን ዘይናወፅን ህዝባዊ መትከልካ ቀያሕትን ፀለምትን ደቅኻ መሪቅካ ናብ ግንባር ብምልኣኽን ደጀንን ማእገርን ሰራዊት ትግራይ ብምኻን ክብርኻን መንነትካን ንምዕቃብ ትገብሮ ዘለኻ ኩለመዳያዊ ቃልስካ ኣጠናኪርካ ከም ትቅፅለሉን፤ ሰራዊት ትግራይ ውን ብፍፁም ተኣምራዊ ጀግንነት ሓመድ ድበ ፀላእትኻ ከምተፋጥንን እምነት ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት እዩ። ህዝብን ሰራዊትን ትግራይ ብደም ቃልኪዳን ደጀንን ግንባርን ተኣሳሲርኩም ኣብ ልዕሊ እቶም ከም ህዝቢ ክንጠፍእ ዝፈረዱልና ናይ ዕድመ ልክዕ ፀላእቲ መሰረታዊ ረብሓታትና ዘየደግምን ዘየተስእን ወያናይ በትሪ ብምዕራፍ ንሓንሳብን ንሓዋሩን ካብ ሱሮም ምሒውኩም ከምተቃብፅዎም ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ንፃት ውን ኣይጠራጠርን። ዘልኣለማዊ ክብርን ሞጎስን ንስዋኣትና! ሃለዋትናን ደሕንነትን ብቅልፅምና ! ትግራይ ትስዕር! 28 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም |