|
መግለፂ
ማእኸላይ ኮሚቴ
ህወሓት!
ኣብዚ እዋን ህልውና ሃገርና ካብ ዝሓመቐ ናብ ዝኸፈአ ደረጃ ክወስድ ዝኽእል ብመጠኑ ይኹን ብስፍሓቱ ኣዕርዩ ኣብ ዘተሓሳስብ ኩነታት በፂሕና ኣለና። በቢእዋኑ እናተዋህለለ ዝመፀ ብፍላይ ድማ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ህልውና ሃገርና ናብ ሓደጋ ዘእቱ ኩነታት እናተባራኸተ ካብ ማዓልቲ ናብ ማዓልቲ ቅልጣፈ እዚ ሓደጋ እናወሰኸ መፂኡ ኣብ ቀረባ ማዓልትታት ዝተዋደደን ነዊሕ ምድላው ዝተገበረሉን ኣብ ልዕሊ ላዕለዎት ወታደራዊ መራሕቲ ሃገርናን ኣመራርሓ ክልል ኣምሓራን ብግፍዒ ናብ ምቕንፃል ደረጃ በፂሑ ኣሎ። ትማሊ ንህልውናን ክብርን ሃገርና ኣሕሊፎም ዝሃቡ፣ ምብትታን ኢትዮዽያ ንክጋሃድ ለይትን ቀትርን ሃሪሶም ምስ ዘይፈልጡ ሓይልታት ብሽም ለውጢ ግንባር ብምፍጣር ሰልፊ ብዘይፈሊ ኩሉ ተሓዋዊሱ ብሓባር ክነብር ስለዝተገበረ ጥፍኣት ኣብ ልዕሊ ጥፍኣት እናተደራረበ ናብዚ ደረጃ በፂሕና ንርከብ። ብኣንፃሩ ንክብርን ህልውናን እዛ ሃገር ዕድመ ልክዖም ዝተቓለሱ ዝህደንሉ፣ ዝእሰርሉን ዝፅለምሉን ኩነታት ተፈጢሩ ኣሎ።
ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት በቢመዓልቱ እንታይ ክፍጠር ከምዝኽእል ንምግማቱ ኣብ ዘፀግም ብርኪ በፂሑ ኣሎ። ኩነታት ሃገርና ናብዚ ደረጃ በፂሑ ምህላው እናተፈለጠ ነቲ ብግልፂ ዝተፈፀመ ላዕለዎት መራሕቲ ቀንፂልካ ብቐሊሉ ስርዓት ናይ ምፍራስ ተግባር ብዕሊ ዝኹንን ይኹን ንፁር ቅዋም ሒዝካ ቃልሲ ኣይግበርን ዘሎ። የግዳስ ኩሎም ናይ ለውጢ መራሕቲ እዮም ነይሮም እናተብሃለ ነቲ እኩይ ተግባር ክቕፅል ዝገብርን ኣብዚ ኢድ ዝነበሮም ኣካላት ከይሕተቱ ኮነ ኢልካ ንምሕባእ ብዘይሕንከት ይፃዓር ኣሎ። ካሊእ ተሪፉ ሰላምን ድሕንነትን እዛ ሃገር ውሑስ ክኸውን ሓላፍነት ዝተሰከሙ ኣካላት ፀጥታን ድሕንነትን ኣብዚ ዝተፈፀመ ጥፍኣት ተሓታትነት ብዘረጋግፅ መንገዲ ኣይስራሓሉን ዘሎ። እዚ ኩነታት ህልውና ሃገርና ናብ ዝኸፈአ ሓደጋ ይኣቱ ከምዘሎ ብምግንዛብ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ኣቕዲሙ ዘነፀሮም ኣንፈታት ቃልሲ ብምጥንኻር ምስዚ ኣብ ቀረባ እዋን ዝማዕበለ ኩነታት መበገሲ ገይሩ ዝስዕብ ውሳነታት ኣማሓላሊፉ ኣሎ።
1. ኣብ ልዕሊ ጀጋኑ ላዕለዎት ኣመራርሓ ሓይልታት ምክልኻል ሃገር ዝተፈፀመ ገበን ቅንፀላ ካብ ሓሳብ ክሳብ ተግባር ብቀጥታን ብተዛዋዋርን ተሳትፎ ዝነበሮም ውሽጣውን ደጋውን ሓይልታት ብሃገራዊ ገለልተኛ ወገን ብቅልጡፍ ክፃረ፣ ትካላትን ኣመራርሓን ፀጥታን ድሕንነትን ኣብዚ ውዲት ዝነበሮም ግደ ይኹን ጉቡእ ሓላፍነቶም ብዘይምውፀኦም ዝተፈፀመ ጥፍኣት ተሓተትቲ ክኾኑ እዚ ምፅራይ ኣብ ኣካይድኡን ውፅኢቱን በቢእዋኑ ንህዝቢታት ኢትዮዽያ ግልፂ ክግበር ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ይፅውዕ። 2. ኣብዚ
እዋን ዓዲ ዝብትን
ዘሎ ካብዝን ካብትን
ዝተኣኻኸበ ደንበ
ትምክሕቲ እዩ። እዚ
ሓይሊ ዕድል ረኺቡ ከም
ድላዩ ክዕንድር
ዝገብር ዘሎ ድማ
ኣዴፓ እዩ። ብምዃኑ
ኣዴፓ ኣብቲ ጥፍኣት
ብሓፈሻ፤ ብፍላይ ድማ
ኣብ መንጎ መሪሕነት
እቲ ውድብ ዘጋጠመ ቅትለት
ብዝርዝር ገምጊሙ ናብ
ተሓታትነት ክሰጋገር
ክገብርን ቅዋም ክወስድን
ካብዚ ተበጊሱ
ንህዝቢታት ኢትዮዽያ
ይቅርታ ክሓትት
ይግባእ።
3. ክሳብ ሕዚ ኣጋጢሙ ዘሎ መሰረታዊ ፀገም ኣብ ውሽጢ ኢህወዴግ ብዝተፈጠረ ናይ ኣሰላልፋ ምትሕውዋስን ኣብ ንፁር ውግንና ዝምስረት ቃልሲ እናተገደፈ ኩሎም ዓይነት ፅግዕተኛ ደባል ኣረኣእያታት ተሸኪሙ ዝነብር ውድብ እናኾነ ስለዝመፀ እዩ። ብምዃኑ እውን ድሕንነትን ህልውናን ሃገርና ንምውሓስ ኢህወዴግ ናብቲ ንቡር ዝፍለጠሉን ዝልለየሉን ባህርን እምነትን ተመሊሱ ካብ ደንበ ምትሕውዋስ ዝፀረየን ኣብ ንፁር ውግንና ዝተመስረተን ቃልሲ ክካየድን ኣብ ቀፃሊ ዓመት ብመሰረት ሕገ መንግስትና ክካየዱ ዝግበኦ ሃገራዊ መረፃ ከም ግንባርን ከም መንግስትን ቅዋሙ ንህዝብታት ኢትዮዽያ ግልፂ ክገብር ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት የተሓሳስብ።
4. ሓይልታት ምክልኻል ሃገር ሕገ-መንግስታዊ ስርዓትን ልኡላውነት ሃገርን ካብ ዝኾነ ዓይነት ሓደጋ ንምክልኻልን ንምሕላውን ዝተዋሃበኩም ሕገ-መንግስታዊ ሓላፍነት ካብ ዝኾነ ግዜ ንላዕሊ ውሽጣዊ ሓድነትኩም ብምጥንኻር ሰላምን ድሕንነትን ሃገርኩም ኣብ ምሕላው ጉቡእኹም ክትፍፅሙ እናፀዋዕና ነዚ ንምፍፃም ኣብ ትገብርዎ ቃልሲ ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ሎሚ እውን ከም ቀደሙ ኣብ ጎንኹም ኮይኑ ብፅንዓት ከም ዝቃለስ የረጋግፀልኩም።
5. ህወሓት ከም ሓደ ሕገ-መንግስታውን ፌደራላውን ሓይሊ ህዝብን ሃገርን ካብ ህልውን መፃእን ሓደጋታት ንምድሓን ምስተመሳሰሊ ዕላማ ዘለዎም ሕገ-መንግስታውን ፌደራላውን ሓይልታት ሰፊሕ መድረኽ ፈጢሩ ክቃለስን ብህፁፅ ናብ ተግባር ክሰጋገርን ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ወሲኑ ኣሎ። 6. ኣብ ክልል ብ/ብ/ህዝብታትን ደቡብ ዝላዓሉ ዘለው ክልል ናይ ምኳን ሕቶታት ሕገ-መንግስታዊ ብዝኾነ መንገዲ ክፍታሕ ይግባእ። ካብዚ ወፃእ ሕቶ ህዝቢ ብሓይሊ ወይ ብኻሊእ መንገዲ ንምፍታሕ ዝግበር ፃዕሪ ፍፁም ተቐባልነት የብሉን።
7. ፌደራል መንግስቲ ኣብዛ ሃገር ዘተኣማምን ሰላም ከረጋግፅ፣ ሕግን ልዕልነት ሕግን ከኽብር፣ ናይ ዜጋታት ሰብኣውን ዲሞክራሲያውን መሰላት ክረጋግፅ፣ ሕገ-መንግስትን ሕገመንግስታዊ ስርዓት ከይተሸራረፈ ብጥብቂ ክትግብር ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ሕዚ እውን ደጊሙ የተሓሳስብ።
ዝኸበርካ
ህዝቢ ትግራይ
ዝኸበርኩም
ብሄራት፣
ብሄረሰባትን
ህዝብታትን ኢትዮዽያ ዘለኣለማዊ ክብርን ሞጎስን ንስውኣትና!! ማእኸላይ
ኮሚቴ ህዝባዊ ወያነ
ሓርነት ትግራይ
Back to Front Page |