መልሲ "ምዕባለታት ፍሉይ ምዕራፍ ቃልስን ቀፃሊ ኣንፈታትን" ብዝብል ርእሲ ብወርሒ ሰነ 2012 ዓ.ም ብቤት ፅሕፈት ህወሓት ተሓቲሙ ዝወፀ።
የውሐንስ መዝገበ 7-29-20 መዕተዊ
ብወገነይ መልሲ ንክህብ ዝግድደሉ ምኽንያት ካብተን ዝተጠቀሳ ሲቪክ ማሕበረሰባት፤ ውዳበታትን ፎረማትን እተን ብግዱሳት ተጋሩን ብተወከልቲ ካልኦት ብሄረሰባትን ዝተጣየሻ ሰለስተ 1) ሓልዮት ንማሕበረሰባዊ ለውጢ 2) ፎረም ምሕደራ ትግራይን 3) ውዳበ ሓርነት ኢኮኖሚን ክጣየሻ ከለዋ ኣነ እውን ናይ ዓቕመይ ብመጠኑ'ካ እንተኾነ ተሳቲፈ ስለዝነበርኩ እተን ዝተጠቐሳ ማሕበራት/ፎረማት/ውዳበታት "ብመን ተጣይሸን?"፤ "ንምንታይ ዕላማ ተጣይሸን?"፣ "ሐዚኸ ኣብ ምንታይ ኩነታት ይርከባ?" ዝብል ዝተወሰነ መብርሂ ንምሃብ ብምሕሳብ እዩ (ብዛዕባ ሓልዮት ገንዘቦም፤ ፍልጠቶምን ጊዚኦምን ሰዊኦም ዕላማ ነታ ማህበር ሽቶ ንክወቅዕ ዝሰርሑ ዝምልከቶም አባላትን መራሕቲ እታ ማሕበር ስለዘለዉ ንኦኦም ክገድፎ እየ)፡፡ አብተን ካልኦት ተበግሶታት ድማ ካባይ ንላዕሊ ክዛረቡ ዝግበኦም ብቅዓት፤ ክእለት፤ ሐላፍነት ዘሎዎም መረሕቲ ቀፃሊ ትውልድ ትግራይ ብዝርዝር መብርሂ ክህብሉ ተስፋ ይገብር፣ ኣነ ግን ንግዚኡ ቁሩብ ክብል፡፡ ኣንባቢ
ክርደአለይ ዝደልዮ ነገር
እቲ ብቤት ፅሕፈት ህወሓት
ተሓቲሙ ዝወፀ ነቲ "ጉዳይ
ዓደይ የገድሰኒ እዩ" ኢሉ
ሂወቱ ኣረኪዙ ብዙሓት
ፈተናታት ፀይሩ ዝቃለስ
ግዱስ ትግራዋይ ብኣልማሚት
ከም "ባንዳን ናይ ጥፍኣት
ሓይሊን" ገይሩ ዝጎጀለ
ዶክመንት በዚ መንገዲ
መልሲ ቅድሚ ምሃበይ፤
እቲ ዶክመንት ካብ ቤት
ፅሕፈት ህወሓት ንምውፅኡ
ከፃሪ ስለዝነበረኒ ዝምልከቶም
አመራርሓ እቲ ቤት ፅሕፈት
መብርሂ ንክህቡሉ እቶም
አመራርሐ ናይዘን አብቲ
ዶክመንት ሽመን ተጠቒሰን
ዘለዋ ውዳበታት ከምዝሐተቱ
ዘረጋገፅኩ እንትኸውን
ኣነ እውን ብውልቀይ ሓቲተ
እንተነበርኩ እኳ ኮይኑ
ግን መልሲ ክረክብ ስለዘይከኣልኩ
እዩ በዚ መንገዲ መብርሂ
ንክህብ ዝተገደድኩ፡፡
እቲ ፅሁፍ ሰለስተ ትሕዝቶ አለዎ፣ 1) ነቲ ናይ ህወሓት ዶክመንት ሙሉእ ትሕዝቶ ከይኮነስ ብዋናነት አብ ዝምልከተኒ ጥራህ ትኩረት ምግባር፣ 2) እተን ብናይ ህወሓት ዶክመንት ከም ባንዳ ዝተጎጀላ 3 ኣነ ዝተሳተፍኩለን ሲቪክ ማህበረሰባትን ፎረምን ከምቲ ናይ ህወሓት ሰነድ ዝብሎ ከይኮነስ ሓድነት ተጋሩን ህዝብታት ኢትዮጵያ ንምጥንኻር፤ ዕብየትን ዘላቂ ሰላም ኣብክልል ትግራይን ኣብ ኢትዮጵያ ንምርግጋፅ ዕላማ ብምግባር ከምትጀመራ ንምብራህ፣ 3) አብ መወዳእታ ኣብዚ ፅሑፈይ ሽም ውልቀሰብ ነባር አመራርሐ ህወሓት/ኢህወደግን እውን ዝጠቐስኩሉ ኩነታት ኣሎ እዩ፡፡ ናይዚ ምክንያት ድማ ከምቲ ዝረኣናዮ ፌደራል መንግስቲን ናይ ሚድያ መሓውሩን አብ ዝሓለፉ 27 ናይ ስልጣን ዓመታት ብዝሰርሕዎ ፅቡቕን ሕማቕን በብውልቀ ዘዝግብኦም ክብሎም እናተገበአ ናብ ብደፈና ንህወሓት ምውቃስን ምኽሳስን ምእታዎም ዝተገበረ ጌጋ ክደግም ስለዘይደሊ ብቐጥታ ነቲ ዓገበኛ ብስሙ ፀዊዐ ክወቅስ ስለዝደሊን እዩ።፡ ስለዚ እቲ ወቐሳይ ነቶም ውልቀ ሰባት እምበር ንውድቦም ዝገልፅ ከምዘይኪነ መልዕክተይ ንከተሓላልፍ ስለዝደሊ እዩ። እቶም ሽሞም ዝጠቐስኩዎም አባል ነባር ህወሓት/ኢህወደግ አብቲ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ናይ ንእስነት ዕድመኦም ሰዊኦም ምእንቲ ህዝቢ ኢሎም ንዝገበርዎ ተሳትፎ ዓብዪ ክብሪ አለኒ፤ አብ ዝሓለፉ 30 ዓመታት አብ ኢትዮጵያ ንዝመፀአ ናይ ኢኮኖሚያ ዕብየትን ምርግጋፅ መሰል ብሄረሰባት ኢትዮጵያ ንዝገበርዎ ተሳትፎ እውን ከምኡ። ከም ናተይ እምነት ነቶም ብቅንዕና ዕድመኦም ሙሉእ ህዝቦምን ዓዶምን ዘገልገሉ መራሕቲ ነበር መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝግበኦም ክብሪን ሽልማትን እምበር ካሊእ ከምዘይኮነ ይኣምን፤ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ንሱ ንክገብር ይላቦ፤ እቶም ናይ ህዝቢን መንግስት ሓላፊነት ንውልቂ ረብሓ ዝገበሩ፣ ህዝቢ ዝዓመፁ፣ ህዝብን ሃገርን ዝጎድኡ ብውልቆም ብዝሰርሕዎ ጥራሕ ብሕጊ ክሕተቱን እምበር ብሰንኪ ንሶም ካሊእ ክልከም የብሉን ይብል፡፡
ምዕባለታት ሃገራዊ ፖለቲካዊ ኩነታት እቲ ናይ ህወሓት ሰነድ "ምዕባለታት ፍሉይ ምዕራፍ ቃልስን ቀፃሊ ኣንፈታትን" ክግምግም ከሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ቅድሚ ክልተ ዓመት ጀሚሩ ካብ ዝሰረሖም ስራሕቲ እዩ ዝጅምር፡፡ ብወገነይ እዚ ከይዲ ትክክለኛ ዝኮነ ስእሊ እቲ ምዕባለታ ሃገራዊ ፖለቲካ ይህብ እዩ ኢለ አይዓምንን፡፡ እዚ ሐዚ ስልጣን ሂዙ ዘሎ መንግስቲ ብልፅግና ናይቲ 30 ዓመት መንግስቲ ኢህወደግ ስራሕቲ ውፂኢት እምበር ካብ ሰማይ ዱብ ዝበለ ሐይሊ አይኮነን፡፡ በዓሎም ፎትዮም አብቲ ጉባኤ ዝመረፅዎ ሐይሊ ምካኑን አካል እቲ ውድብ ኢህወደግ ከምዝነበረ ምዝካር የደሊ ይብል፡፡ ምዕባለ-ፖለቲካዊ-ኩነታት-ትግራይ
እቲ ሰነድ ህወሓት ትግራይ ናብ ዝኸፈዐ ደረጃ ክወስዳ ዝክእል ኢኮኖሚያዊ ሽግር ምኻኑ ይገልፅ፤ ብወገነይ ድማ እቲ ንትግራይ ንዓመታት ይመርሕ ዝነበረ ዝግብኦ ዕብየትን ልምዓትን ከምፅእ ዘይከዓለ ፖለቲካዊ አተሐሳስባውን ናይ ትግራይ ሽግር ምኻኑ ተረዲእኻ ስር ነቀል ዝኾነ ለውጢ ንምምፃእ ድልውነት ጥራሕ ከይኮነስ ናይ ፖለቲካ ውፍይነት ዝሐትት ጊዜ ከምዘለና ክንቅበሎ አለና ኢለ ይዓምን፡፡ አብ መወዳዕታ አብ ትግራይ እቲ ውድብ አብ ስራሕቲ መንግስቲ ክልል ትግራይ ጣልቃ እንዳአተወ ኣብቲ ክልል ዝተጀመሩ ናይ ለውጢ መንገዲ ከየተአጓጉል ናይ መንግስትን ናይ ውድብን ስራሕ ፈላሊካ እቲ መንግስቲ ክልል ትግራይ አብ ትግራይ ዴሞክራስን ሰናይ ምምሕዳርን ንክስፋህፋህ ክሰርሕ አለዎ ይብል፡፡
ሓልዮት ንማሕበረሰብ ለውጢ እቲ ሰነድ ህወሓት ዘይተወደቡ ክራይ አከብትን ፀበብትን ሓይልታትን ፖለቲካ ትግራይ ኢሉ ከም ናይ ጥፍዓት ሐይሊ ጎጂሉ ህወሓት ብግልፂ ክገጥምዎ ካብ ዝሐረዮም አባላት ሲቭክ ማሕበረሰብ እቲ ሐደ ሓልዮት እዩ፡፡ ብወገነይ ዝብሎ ብዶ/ር አብይ ዝምራሕ ናይ ብልፅግና መንግስቲ ገና ናብ ስልጣን ቅድሚ ምምፅኡ እቲ ማሕበር ክጅምር ከሎ ካብቶም ጀመርቲ እቲ ሐደ ስለዝነበርኩ፤ ናይቲ ማሕበር መመስረቲ ልዑክ ዝብሎ አብ ሀገርና ኢትዮጵያ ዕብየት፤ ናይ ህዝቢ ትግራይ ሐድነት፤ ሰላማዊ ናብራን ምዕባለን ቀፃልነት ንምርግጋፅ አብ ኢትዮጵያን ካብ ኢትዮጵያ ወፃኢ ዘለዉ ፈቃደኛን ውፍያትን ተጋሩ ንምትዕክካብን ንምቅላስን እዩ፡፡
እቶም መሐዙተይ መስረቲ፤ አባላትን መረሕትን እታ ማህበር ንረብሐ ትግራይን ተጋሩን ተገዲሶም ጊዚዖም፤ ገንዘቦምን ፍልጠቶምን ዝወፈዩ፤ ዕላሞኦም ሽቶ ንክወቅዕ ክሕገዙ ዝግበኦም ኪኢላታትን ውፍያት ተጋሩ እዮም፡፡ አብዚ ክጠቕሶ ዝደሊ ጉዳይ፤ ሓልዮት ንማሕበረሰባዊ ለውጢ ንምጥያሽ ነዊሕ ጊዜ ዝወድአ ምድላው ክንገብር ከለና (እቲ በዝሒ አኬባታት አብ ካዛንቺስ ዝርከብ ዝነበረ ናተይ ቤት ፅህፈት ስለዝነበረ) ኣብ ከይዲ ምስረታ እታ ሲቪክ ማሕበረሰብ ካብ ቤት ፅህፈት ደህንነት ዝተልአኩ ኣባላት ደህንነት ሽፋን ነቲ State of Emergency ገይሮም ከተአናቅፉና ጀሚሮም ነይሮም፡፡
ፎረም-ምሕደራ-ትግራይ
ውዳበ ሓርነት ኢኮኖሚ እቲ ውዳበ ሓርነት ኢኮኖሚ ከም ውድብ ንክጣየሽ ካብ ክልላት አዲስ አበባ፤ ኦሮሚያ፤ አምሓራ፤ ደቡብን ድሬዳዋን ዘድልዮ ፊርማ አኪቡ (ካብ ትግራይ ወላ ሐንቲ ፊርማ ዘይወሰደ) ጊዜያዊ ፍቃድ ካብ ምርጫ ቦርድ ረኪቡ ዝነበረን ክሳብ ሎሚ ዋና ፍቃድ ዘይወሰደ፤ አብ ናይ ፖለቲካዊ ስራሕ ዘየለ፤ ማዕከሉ ድማ ኣብ ትግራይ ዘይኮነስ ኣብ አዲስ አበባ ክገብር ዝሐሰበ ውዳበ እዩ፡፡ እቲ ውዳበ ክጅምር ከሎ ነዘን ኣብ ታሕቲ ዘለዋ ሕቶታት መሰረት ገይሩ እዩ ራዕይ ናይቲ ውዳበ ዝቐረፀ፡፡ 1. ሁላችንም የምንፈልጋት ኢትዮጵያ ምን አይነት መሆን አለባት? 2. ይች ኢትዮጵያስ እንዴት እንፍጠራት? 3. የባለድርሻው አካላትስ ሚና ምን መሆን አለበት?
ራዕያችን Back to Front Page |