|
ካብ ቦርድ ዳይሬክተራት ትግራይ ሚድያ ሃውስ (TMH) ዝተወሃበ እዋናዊ ሓበሬታ! (ኣዝዩ ኣገዳሲ)
1. ቦርድ ዳይሬክተራት ትግራይ ሚድያ ሃውስ ወራር ኣንበጣ ንምምካት ዝካየድ ዘሎ ምንቅስቓስ ካብ ልቢ ይድግፍ። ነዚ መሐበኒ ተግባር ንምሕጋዝ ኣብ ዝተኻየደ ወፈያ ገንዘብ ትግራይ ሚድያ ሃውስ ዝገብሮ ዘሎ ምንቅስቓስ ድማ ግቡእን ኣገዳስን ከምዝኾነ ይኣምን።
2. ቦርድ ዳይሬክተራት ትግራይ ሚድያ ሃውስ፤ ብመሰረት ናይቲ ትካል ኢዲቶርያል ፖሊሲ፣ ናይቲ ትካል መስርሕ ተሓታትነት፣ ግልፅነት፣ ስሩዕ መስርሕ ፋይናንስን ምሕደራን ሓይሊ ሰብን፣ ቅንዕናን ስነምግባርን ዘለዎ ትካላዊ ቁመና ንምርግጋፅን ሰላማዊ ፍታሕ ንምርካብን ዝጀመሮን ዘካይዶ ዘሎን ኩለ መዳያዊ ቃልሲ ኣበርቲዑ ክቕፅለሉ እዩ።
3. እዚ ፃዕሪ ንክፈሽል ብዙሓት ማሕለኻታት ይግጠሙና ድኣ እምበር ትካላዊ መስርሕ ንምዝርጋሕ ዝግበር ቃልሲ ፈፂሙ ኣይቋረፅን። እቲ ቃልሲ ዋለ'ኳ ፈታኒ እነተኾነ እቲ ሚድያ ናይ ዉልቀሰባት ወይክዓ ናይ ዝኾነ ጉጅለ ንከይኸውን እቲ ቦርድ መስርሕ ዘርጊሑ ናይ ህዝቢ ናይ ምግባር ከይዲ ሽትኡ ክሳብ ዝወቅዕ ብቅንዕና፣ ሓላፍነት፣ ብምሉእ ትረትን ምትሕብባርን ቃልሱ ኣበርቲዑ ከምዝቕፅለሉ የረጋግፅ::
ብተወሳኺ ዋላ'ኳ መዋሊን በዓል ዋናን እቲ ሚድያ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከብ ማሕበረሰብ ትግራይ ምዃኑ ዝፍለጥ እንተኾነ እቲ ሚድያ እስካብ ሎሚ ናይ ሒሳብ ምርመራ (ኦዲት) ተገይሩሉ ዘይፈልጥን ንዝምልከቶም ኣካል ሪፖርት'ውን ዘይቀረበሉ ምዃኑ እዩ። እምበኣር እዚ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተርኣዬ ኣብ ሞንጎ ዳይሬክተራት ቦርድን ኣባላት ኣመራርሓ ሚድያ ዋሽንግተን ዲሲን ዝተፈጠረ ቅርንሕቲ ቀንዲ መበገሲኡ እዚ ምዃኑ ክንሕብር ንፈቱ።
ዘይምዕዳል ኮይኑ ዛዕባ ኦዲትን ሪፖርትን ብምልዓልና ንሕና ኣባላት ቦርድ ዳይሬክተራት ኣደዳ ፀለመን ጠቐነን ኾይንና ኢና። እንተኾነ ኣብ ልዕሌና ዝካየድ ወፍሪ መፀለምታን ምጥፋእ ስምን ክንዲ ዝመፀ ይምፃእ፤ ካብ'ዚ ጀሚርናዮ ዘለና ነቲ ሚድያ ናይ ምድሓንን ስራሕን ካብ ኢድ ውልቀ ዋንነትን ፋሉልነትን ኣናጊፍካ ናብ ስሩዕ መስርሕ ንምእታው ዝግበር ፃዕሪ ንፃት እኳ ንድሕሪት ከምዘይንብል ክንገልፅ ንፍቱ። እቲ ምንታይሲ ቀንዲ ውራይና እቲ ሚድያ ናይ ማሕበረሰብ ጥሪት’ምበር ናይ ውልቀሰባት/ጉጅለ ንብረት ዘይምዃኑ ምርግጋፅ ስለዝኾነን ብቀፃልነት ድምፂ ህዝቢ ኮይኑ ክቅፅል ምሕጋዝ ብምዃኑን።
4. ንሕና ኣባላት ቦርድ ዳይሬክተራት ኣብ መቐለ ዘሎ ጨንፈር ከም ሓደ ናይ ማሕበረሰብ ሚድያ ሕጋዊ ህልውንኡ ንምርግጋፅን ብናይ ሃገርና ሕጊ ተገዛኢ ኮይኑ ክሰርሕን ዘካይዶ ዘሎ ፃዕሪ እናነኣድና እቲ ጨንፈር ፍቱዋትን ኣብ መሬት ዘሎ እዋናውን አገዳሲን መደባት እናሰናደአን እቲ ማ/ሰብና ተጠለብቲ ስራሕቲ እናፈፀመን ክኸይድ ንዝገብሮ ዘሎ ምንቅስቓስ'ውን ንንእድን ንድግፍን። ኣብ ቀፃሊ ብዝሓሸ ንክሰርሕ'ውን እጃምና ክንፃወት ኢና።
5. እቲ ቦርድ ክሳብ ሐዚ ኣጋጢሙ ዝፀንሐ ፀገም ንምፍታሕ ብዙሕ ፃዕሪን ፈተነን ዝገበረ እኳ እንተኾነ እቲ ፀገም ክፍታሕ ኣይከኣለን። እቲ እዋናዊ ፀገም ክቕረፍ ፣ ህዝባዊ ዋንነት እዚ ትካል ክረጋገፅ ፣ ናይ ተሓታትነትን ግልፅነትን መስርሓት ክተኣታተው፣ እቲ ትካል ተጠናኺሩን ህዝባዊ ዋንነቱ ኣረጋጊፁን ንክኸይድ እቲ ቦርድን መላእ ሕብረተሰብናን ብዝምነዮ መጠን በቲ ኻልእ ሸነኽ ተመሳሳሊ ኣረዳድኣን ድሌትን ብዘይምህላው እቲ ፃዕሪ ክሰምር ኣይከኣለን ፤ እቲ ነዚ ፃዕሪ የዋድድ ዝነበረ ጉጅለ እውን ድሕሪ ናይ ሰሙናት ፃዕሪ ስርሑ ከቋረፅ ከምዝተገደደ ተረዲእና ኣለና። ብዘሕዝን ኩነታት ግን እዚ መዋደዲ ጉጅለ ብናይ ክልቲኡ ኣካል ስምምዕነት ናይ ሓባር ሸምጋሊን መርማሪን ጉጅለ ንምጥያሽ ላዕሊን ታሕቲን ይብል ኣብ ዝነበረሉን እቲ ቦርድ እቲ ፀገም ክቕረፍ ብትዕግስቲ ይፅበ ኣብ ዝነበረሉ እዋን እውን እቲ ማነጅመንት ውሽጢ ንውሽጢ በብኸባቢኡ ምስ ናይ ትግራይ ማሕበረሰባት ብምርኻብ ንህዝቢ ግጉይ ሓበሬታ ኣብ ብምሃብ ሓቂ ኣብ ምሕባእ፣ ነቲ ቦርድ ኣብ ምፅላም፣ ነቲ ፀገም ዝበለፀ ኣብ ምግዳድ ተፀሚዱ እዩ ፀኒሑ። በዚ በለ በቲ እቲ ተጀሚሩ ዝነበረን እቲ ቦርድ ብሙሉእ ልቢ ዝኣተዎን ኸይዲ ክፈሽል ተገይሩ ኣሎ።
እቲ ቦርድ እዚ ፀገም ዝውገድን ሕጋዊ መስርሕ ዝሕዝን ንማሕበረሰብና ኣገደስቲ ስሩዓትን እዋናውን ሓበሬታታትን መግለፅታትን በቢእዋኑ ብምሃብ ህዝብና ነቲ ሓቂ ተገንዚቡ ብንቅሓት ብምስታፍን ምዃኑ ብምእማን ዝህልው ምዕባለታት ብቀፃልነት እናፍለጠ ዝቕፅል ምዃኑ ይሕብር፡፡
እቲ ቦርድ እዚ ሓበሬታ ኣብ ዘውፀኣሉ እዋን ህዝብና ሐዚ ዘለሉ ኣዝዩ ፈታንን ተደራራቢን ብድሆታት እናመከተን እናተቃለሰን ዝርከበሉ እዋን ምዃኑ እውን ይፈልጥ::
ይኹን እምበር ሰብኣዊን ተፈጥራዊን ብድሆታት እንዳመከትና እተን ብድሆታት ናብ ዕድላትን ረብሓታት ንምቕያር ዘኽእል መገዲ ክንፈጥር ይግባእ። ጎና ጎኒ ደጋዊ ቃልሲ ውሽጣዊ ሕመቓትና ምቅላስ ኣገዳሲ ምዃኑ ንኣምን። እቲ ምንታይሲ እቲ ንትግራይና ንድሕሪት ዘትርፋ፣ ብቀፃልነት ዘጥፈኣናን ኣደዳ ጥቕዓት ዝገብረናን ኣብ ውሽጥና ዘሎ ዘይትካላዊ ውልቃዊ ረብሓ መሰረት ዝገበረ አሰራርሓን ስለዝኾነ። ነዚ እንዳተቓለስና እነተኣታትዎ ትካላዊ ኣሰራርሓ ንትግራይናን ንመላእ ህዝብናን ብዘላቕነት ፅፉፍን ስሉጡን ማሕበረሰባዊ ግልጋሎት ንምሃብን ሰናይ ምሕደራ ንምድንፋዕን ዝሕግዝ ከምዝኾነ ክነረጋግፅ ንፈቱ::
እዚ ዳይረክተራት ቦርድ ዝተጣየሸሉ ዋና ምኽንያት: ንሕና ከም እባላት እዋናዊ ፃዊዕት ህዝቢ ብሙልእ ፍቓደኝነት ዝተቐበልናሉ ምኽንያት: እቲ ዝነበረ ናይ ሕዝቢ ትግራይ ናይ ሚድያ ፃምኢት ንምርዋይ ሓደ ስድሪት ንቕድሚት ክትወስድ ብግዱሳት ተጋሩ ዝተጣየሸት ሚድያ TMH ብክልተ እግራ ጠጠው ክትብል : ናይ ብሓቂ ናይሕዝቢ ክትከውን ዝገብርዋ ትካላዊ አሰራርሓታትን ክትዕጠቕ: ከምኡ እውን ብኑፅር ስትራተጂን ክእለትን ክትምራሕ ንምፅዓርን ንምስራሕን እዩ ነይሩ::
ሓደ ብጣዕሚ ግልፂ ክኸውን ዘለዎ ነገር ንሕና ኣባላት ቦርድ ምስ TMH ናይ ክፍሊት ይኹን ካልእ ምንም ዓይነት ናይ ጥቕሚ ምትእሳር ዘይብልና ብውፍይንት ጥራሕ ክምእንሰርሕ እዩ::
ኣብዚ ክፍለጥ ዘለዎ እዚ ቦርድ ብቕርፂ፣ ኣወቓቕራ፣ ሕጋዊ ሰብነትን ስያመን ፈላማይ እኳ እንተኾነ ብስራሕ(function) ግን ናይ ትግራይ ሚድያ ሃውስ ፈላማይ ኣይኮነን፤ የግዳስ ቅድሚኡ ብርክት ዝበሉ ግዱሳት ተጋሩ ዝሓቖፈ መሰጋገሪ(ግዝያዊ) ቦርድ ተሓርዩ ተጣይሹ ስራሕ ጀሚሩ ነይሩ እዩ። ኮይኑ ግን እቲ መሰጋገሪ ቦርድ በቲ እዋን ብዝነበረ ዓቕሚ እቲ ትካል ናይ ትካላውነት፣ ተሓታትነትን ግልፅነትን መስርሓት ንምእትታውን ራኢ እቲ መራኸቢ ሓፋሽ ኣብ ምንፃርን ኣብ ዝንቀሳቐሰሉ እዋን ካብቲ ግዝያዊ ማነጅመንት ብዝገጠሞ ተፃብኦን ፀቕጢን ኣብቲ ትካል ብዝነበረ ንትካላውነት፣ ተሓታትነትን ግልፅነትን ድሉው ናይ ዘይምዃን ኩነታት እቲ መሰጋገሪ 'ቦርድ' ብኣጋ ተደፊኡ ካብ ሓላፍነት ነብሱ ከግልል ከምዝተገደደ እዚ ቦርድ ኣብ ቀረባ እዋን ተረዲኡ እዩ። እዚ ቦርድ(ቦርድ ዳይሬክተራት ትግራይ ሚድያ ሃውስ) ነዚ ሓላፍነት ተሓርዩ ናብ ስራሕ ኣብ ዝኣተወሉ እዋን ብዛዕባ እቲ ተደፊኡ ዝወፀ ዘይስሩዕ ፈላማይ ቦርድ ኾነ ብዛዕባ ተደፊኡ ዝወፀሉ ኣግባብ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይነበሮን ፤ እቲ ሓበሬታ ዘይምንባሩ እዚ ቦርድ መንጠሪ ነጥቢ ክኸውን ዝኽእል ኣዝዩ ኣገዳሲ ሓበሬታ ከምዝሰኣነ ይወስድ። ብምዃኑ እውን እዚ ቦርድ ንትግራይ ሚድያ ሃውስ ስትራቴጂያዊ ዶክመንት ምምሕያሽን ምድላውን፣ ራኢዩን ዕላምኡን ናይ ምንፃር፣ ናይ ኢዲቶሪያል ፖሊሲ ምምሕያሽን ቁፃር ሓይሊ ሰብን ፋይናንሳዊ ምሕደራን ዝምልከቱ ናይ መምርሒ ማንዋላትን ካልኦት ምስ ትካላዊ ህንፀትን ተሓታትነትን ግልፅነትን ዝተሓሓዙ ስራሕቲ ከጠናኽርን ከሰናድውን ፀኒሑ እዩ:: ኣብዚ ግን ህዝብና ሓደ ኣገዳሲ ሕቶ ከልዕል ይግባእ ፤ "ንዓዱ ከገልግል፣ ነዚ ትካል ናይ ውልቀሰባት መናበሪ ዘይኮነስ ናይ ህዝቢ ትግራይ ዓው ኢሉ ዝስማዕን ዝእመንን ድምፂ ንምግባር ዝፍትን ፤ ኣብዚ ትካል ሕጋዊ ትካላዊ ኣሰራርሓታት ንምትእትታው፣ ተሓታትነትን ግልፅነትን ንምስፋን፣ ብፍላይ ፋይናንሳዊ ተሓታትነትን ግልፅነትን ንምስፋን ፣ ነዚ ትካል ንምጥንኻር ዝንቀሳቐስ ኹሉ ተደፊኡ ዝወፀሉ ምኽንያት እንታይ እዩ?" ኢሉ ክሓትት ይግባእ ። ነቲ ቕድሚ እዚ ቦርድ ዝነበረ ብኽፋል ናይ ቦርድ ስራሕቲ ክሰርሕ ተሓርዩ ተጣይሹ ዝነበረን ተገዲዱ ተደፊኡ ዝወፀን ኣካልን ካልኦት በብእዋኑ ነዚ ትካል ብሞይኦም፣ ብግዝኦምን ጉልበቶምን ክሕግዙ ክንዲ ዝመፁ ተቖናፂቦም ዝወፁ ብዙሓት ግዱሳት እውን ኣቕሪቡ እቶም ኸይዲታት ፣ እቶም ሓቂታት እንታይ ከምዝነበሩ ክሓትት ይግባእ ንብል።
ብተዛማዲ ህዝብና ክፈልጦ እንደልዮ ሓቂ፣ ቦርድ ዳይሬክተራት ትግራይ ሚድያ ሃውስ ካብ ዝጣየሽ ጀሚሩ ኣብ ዝሓለፉ 20 ኣዋርሕ ብርክት ዝበሉ ብዓወት ዝፅርሑ ውፅኢት ዝተመዝገበልም ስራሕቲ ዝሰርሐ ምዃኑ ግሁድ እኳ እንተኾነ እዚ ቦርድ ኣብ ፋይናንሳዊ ምሕደራ፣ ኣብ ድረ-ገፃትን ሳተላይትን ፣ ኣብ ምዝገባን ዋንነትን እቲ ትካልን ካልኦት ተዛመድቲ ጉዳያትን ተበፃሕነትን ቁፅፅርን ክህልዎ ብተደጋጋሚ ዝሓተተ እኳ እንተኾነ እቲ ኣቐዲሙ(ቕድሚ ምስረታ እዚ ቦርድ) ብዝጥዕሞ፣ ንሱ ጥራሕ ብዝፈልጦን ሓታቲ ብዘይብሉን መንገዲ ነዞም ነገራት ኣብ ትሕቲ ቑፅፅሩ ገይሩ ዝፀንሐ ማነጅመንት ግን በቲ ሓደ ሸነኽ ብሎሚ ፅባሕ ነገራት ብምድንጓይ፣ በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ ኣብቲ ኣብ ወረቐት ዝሰፈረ ሕጋዊ ምዝገባ እቲ ትካል በብእዋኑ ዘየድልዩ ምትንኻፋት ብምግባር እቲ ፀገም እናተደመረ መፂኡ ናብቲ ሐዚ ዝርከበሉ ብርኪ ክበፅሕ ኽኢሉ እዩ።
በዚ አጋጣሚ ንሕዝብና ክንሕብሮ ንደሊ እቲ ቦርዲ ዳይሬክቴራት በሰራርዓ ላዕለዋይ ወሳኒ ኣካልን እቲ ቁፅሪትን ምፍናውን መተሓዳደርቲ (ማነጀራት) እቲ ትካል በቲ ቦርዲ ትእዛዝ ዝተሓላለፍ ከምዝኾነ እዩ:: ካብኡ ወፃኢ ዝግበር ዝኾነ ስጉምቲ ሕጋዊ ከምዘይኮነ ንሕብር::
ነቲ ቦርድ ስርሑ ብዝግባእ ንምውጋንን ነቲ ሚዲያ ናይ ህዝቢ ንምግባር ኣብ ዝካየድ ቃልሲ ይሕግዙ እትብልዎም ኣገደስቲ ሓሳባትን ሓበሬታታትን ክትልግሱልና ንእትደልዩ ግዱሳት ተጋሩ በዚ ዝስዕብ ኢሜይል ኣቢልኩም (Email) board.tmh@gmail.com ኽትልእኹልና ትኸእሉ ኢኹም:: ብተወሳኺ ድማ ናብ ናይቲ ትካል ናይ ቦርድ ዳይሬክተራት ናይ ፌስቡክ ገፅ እወን ምልኣኽ ይከኣል እዩ።
ቦርድ ዳይሬክተራት ትግራይ ሚድያ ሃውስ
ጥቅምቲ 15፣ 2013 ዓ.ም.ት
|