የካቲት ካዓ መፀት የካቲት ካብ ተወለድትሉ ደደቢት ፈታዊአ መሐበኒት አደ ዓወት ወላዲት ስድራና ሐብሐቢት ፀላኢ መሰኮኒት ትምኽሕቲ ሰባሪት ትዕቢተኛ ቀባሪት ነፍጠኛስ ያኢ ኮይና አሳሪት ብኽሕደት ሐሶት ውዲት ሐቢራ ምስ አራዊት 'ት ቀታሊ ዓማፂ ሰራዊት ሑልኩስ ጉሒላ ሸያጥ ኩሊት ሽማግለ ካብ ቤቱ አሲራ ሳዕስዒት ዓድና ከተብርስ ህዝብና ከተፅንት ግና ተወከስ አቕርብ ሕቶታት ታሪኽ አቦታት አያታት ዘይበሊ ድሙቕ ዛንታታት ዘይሀስስ ናይ ተጋሩ ቅያታት ተቐበልቲ ሕድሪ አለዉ ሚልዮናት ቓልሲ ክቕፅሉ ብ ናህሪ ብፅንዓት እምበር ፍጡር ድአ ክእሰር ክቕተል ክመወት ንቡር 'ዩ ዝፀንሐ ካብ ኦሪት ሐሳብ እንዳአላ ነባሪት ካብ ውሉድ ናብ ዉሉድ ተሳጋሪት ዝመጸት ተመጸት ምድረ ወራሪት ዘጠራጥር የለን መስመር 'ያ ሰዓሪት ናይ ለብዘበን የካቲት ፍልይቲ ህዝብና ኩሉ አብ ማእሰርቲ ሐዚኑ በዚ ረዚን መስዋእቲ ግና ሐሪኑ ጠጠው ኢሉ ከም ሐንቲ ክትሐልፍ 'ያ 'ዛ ተካል ማዓልቲ ክትወግሕ ውን 'ዛ ፀላም ለይቲ ፅባሕ ሞት ሺሾ ጸላእቲ ግብአተ መሬት ትምክሕቲ አብታ መቓብር ዓዶም ብትንቲ ኩዕንቲ ሐንቲ ሐያል ጥምርቲ ትምስረት ትግራይ ውርይቲ ቃል አትዮሙልና ወየንቲ ካብ 'ዚ ዝዋሐደ ህዝብና ዳረጋ ዝተዋረደ
ዝቕበል ውን ዋላ ሐደ እንተ 'ት በዓል ስረ ብዕድመ ዝኸበደ ገና ብንኡሱ ዓወት ዝለመደ ዘይሳዐር ሐሳብ አስሪጹ ተኸደ ብአምሳሉ ሚልዮናት ስለ ዝወለደ ከይሰምበደ ከይራዐደ ኡካ ድአ ብሕራነ ኩሉ ተዋደደ እምበአር ናይ ለዘበን የካቲት ዓሰርተ ሐደ ሰብና ተወዲኡ ክሳብ ዝተርፍ ሐደ ጥይት ' ውን ተተወድኤ ብዳርባ እምኒ ብጉራደ ቓል ንአትወልኩም ሕነኹም ከም ዝፍደ እንተ ናይ 'ዚ ዑቡድ ከልቢ ዝገደደ ዓዲ ውዕል ዝርሽን ሐመድካ ዕደ ደም ህዝቢ ምስታይ ዝለመደ ጌም ኦቨር ኢሉ ዝሀደደ ክሕደት አቦታቱ ካብ ጥልያን ጀሚሩ ዝወረደ ከም አመሉ ክቐትል ክዘምት ተሀንደደ ጌም ኦን ከይኑ ተቐቢሩ ከይተቖሽመደ እሱር ከይተፈትሔ ዝተቐየደ ህዝበይ ናይ ዓወት ኩዳ ከየኹደደ ሐድሽ አቦ ሀገር* ከይተወልደ ወይ ከ ፈተኽ ማዐስ ዓቢደ
* Father Land alena@2013
|