Back to Front Page

ጉጅለ ሻዕብያ ንምንታይ ሕዝቢ ትግራይ ኸጥፍእ ደልዩ

ጉጅለ ሻዕብያ ንምንታይ ንሕዝቢ ትግራይ ኸጥፍእ ደልዩ?

“Game over for Esaias”

 

ዋና ዓላማ ጽሑፈይ ንሻዕብያ ኸምቲ ብጦርነትን፣ዲፕሎማስን ጥርሑ አውፂእናዮ ዝንሄና ምስ ሕዝቢ ኤርትራውን ኽንበታትኾ አለና ኢለ ስለዝአመንኩ፣ብመርትዖ ንኤርትራዊያን ናይ ምርዳእ ቓልስና ኽጉልብትን ፍረ ፃማና ድማ ረብሓ ኽልቲኡ ሕዝቢ ክኸውን እዩ ኢለ ስለዝአምን እዩ ።ሰናይ ንባብ ቕድሚ ናብ ዝርዝር ጽሑፈይ አቴ ሃሳበይ ምግላጸይ፣ተጋሩ ንነዊሕ እዋን ብዝተፈላለየመንገዲ ሓሳብናን እምነትናን ንኸይንገልጽ ተለጚምና፣ተሸቢብና ብፍላይ ድማ ኻብ ምዝራብ፣ኻብመልሲ ምሃብ እናተዓቐብና መፂእና ኢና፤ግልፂ ዝኾነ ትዕግስትናን፣ ዓቕልናን ግን ጸላእትናኸም ፍሪሒ ወይኻዓ ዘይንፈልጥ ጌሮም ኽወስዱና ባዕልና መንገዲ ዝኸፈትናሎም ይመስለኒ፣ነዙይድማ ዓገብ ኢልና፣ ሓዊ ብሓዊ ከከም አመፃጽኡኡ ኽንምልስ አለና ኢለ ይአምን።

 

ፈለማ አርጊፀ ኽዛረቦ ዝደልይ ዋና መልእኽተይ፣ሕዝቢ ኸም ሕዝቢ ኽፃላእ አይኽእልን፤ዝብል ጽኑዕ ቕዋመይ ይፈለጠለይ።መራህቲ ፖለቲካዊ ስርዓት ሓደ ሕዝቢ፣ ብዝኽተልዎ እምነትን፣ፖለቲካዊ መስመርን ኻብ ሓደ ሃገር፣ናብ ኻሊእ ሃገር ኽፋላለይ ይኽዕልሞ፣እቲአብ ባይታ ዘሎ አፈላላይ ኽሳብ እቲ መራሒ ውድብ፣ወይኻዓ መራሒ መንግስቲ እምነት ዘይተቐየረ፣እቲ አፈላላይ እውን ይቕጽል ማለት እዩ።

 

እቲ ስርዓት ወይ ድማ መስርዕ እንትእለይ ድማ፣ እቲ አንፃር ሕዝቢዝኾነ መስርዕሓቢሩ ይእለይ ማለት እዩ።እቲ ሕዝቢ ድማ ኸምዘለዎ ይቕጽል።

 

እምባአርከስ እዙይ ምስ በልኩ፣ናብ ዋኒነይ ኽምለስሞ ኸምቲ አርእስተይ ዝሓቶንምንታይ ? ዝብል ሕቶ ቕድሚ ምምላሰይ፣ ብዙሕ ብዛዕባ ሻዕብያ እንተዘይ በልኩ እመርጽ ፣እቲምንታይ ኻብ ልቢ ዝገበርኩሉ እዋን፣ ማለት ጊዜ ደርጊ ጀሚሩ፣ ምንም ዝዝረብ ጽቡቕ ነገር ስለ ዘይሰማዕኹሉ፣ጥራሕ እንተይኮነስ፣ ፍጹም ንኽስምዕ ድሌት ስለ ዘይነበረኒን፣ስለዘይብለይንጥራሕ እዩ።

 

ሕጽር ብዝበለ መግለፂ ሻዕብያን፣ መራሕቲ ሻዕብያን፣ ብዘለዎም ብሕታዊ ድሌት፣ሓደኻበይ ኸምዝበቑል ዘይፍለጥ(ትግራዋይነት ዝኻሓደ)ማንነት፣ንክተኽሉ ዕማም ሒዞም፣ቓልሲ ሓርነት ሕዝቢ ኤርትራ ንረብሕኦም ለዊጦም”ጠውዮም”ንሕዝቢ ኤርትራ ንዝሓለፉ ዓመታት፣ንስደትን መከራን ዳሪጎም፣ሕዝቢ ኤርትራ ብራዕድን፣ብሓሳድ ናብራን ሸሚሞም፣ “ኻብ ምንባር፣ዘይምንባር” ዝመርጸሉ ጊዜ እናጎልበተን፣ እናሓየለን እንትኸይድ እናርአኹን፣ እናሰማዕኹን ስለዝዓበኹ፣ ቐልበይ ኮነ መንፈሰይ ኽስሕቡኒ ስለዘይኻአሉ፣ ኻብ ቐደም ጀሚረ ዝነፀክዎ ውድብ ስለ ዝኾነአቓልቦይ አይረኸበን።

 

የግዳስ ግፍዒ እዚ ውድብ እዙይ ግን፣ ኻብ ማዓልቲ ናብ ማዓልቲ፣ ብዝፍጽሞሓሳድ አረሜኒያዊ ተጋብሩ፣ ፍፁም ክፍንፍኖን ኽጽየፎን መሪጸ። ብፍላይ ብፍላይ ድማ፣ ንግደፎሞ አብልዕሊ ተጋሩ ዝፈጾሞ ኽሕደትን በደልን፤ ንገዛእ ተጋዲሎም ናብ ኾረቻ ስልጣን ዘብፅሕዎ አባላቱ፣ሕቶ አልዒልኩም ኢሉ መጉዳእቲ አካል ዝነበሮም ኤርትራዊያን፣ ዝርሽን ሓሳድ “በላዒ ቑስሉ” ምዃኑ ምስ ሰማዕኹማ ፈንፊነዮ።

 

እዙይ ኻብ በልኩ፣ እስኪ ናብ ረኽብን መሰረት”ኤርትራዊነትን፣ትግራዋይነትን” ኽምለስሞ መን እዩ እዚ ሕዝቢ እዙይ ንምንታይከ ይጋፋዕ አሎ? ብመንከ እዩ ዝጋፋዕ ዘሎ? ብምባል፣ኻፍቲ አነ ዘንበብክዎን ታሪኻዊ ጭቡጥነትን አመፃጽአ እዚ ሓደ ሕዝቢ፣ አብ ኽልተ ሃገራት፣ዝነብር ማሕበረሰብ አሕጽር አቢለ ኽገልጽ፤እዛ ጽሑፈይ እተንብቡ እሕዋተይን፤አሓተይን ዝመሰለኹምን እትአምንሉን ሓሳብኩም ድማ ግለጹ።ጸርፊ አየድልን፣ ጭጉራፍ ዝኾነ መልሓስ ስለ ዝሓዝኹመልሲ ኽህብ እየ።

 

እወ ብወገነይ ናይ ሎሚ ኤርትራ፣ናይ ቐደም “ባሕረ ነጋሽ” ታሪኻ፣ አብ ውሽጢ ትግራይ ዝዕኹለል እምበር፣ ኻብ ትግራይ ወፃእ ዘሎ ታሪኻ እንተልዒልና፣ድሕሪ መስዋእቲሃጸይ ዮውሃንስ ንጉሰ ነገስት ዘኢትዮዺያ ዘሎ እዩ ዝኸውን። ተጋሩ ዋላዃ እቲ ታሪኽአንዳዕዲዕና እንፈልጦ እንተኾነ፣ብወገን ኤርትራዊያን እሕዋተይን፤አሓተይን ዝቐርብ ታሪኻዊ አመፃጽአኾነ አፈጣጥራ ኤርትራ፣ኸይዱ ኸይዱ መዛዘሚኡ አኽሱም እዩ።አኽሱም ናይ ባዕላ ዝኾነ ዘሕብን ታሪኽን፣ ስልጣነን ዝነበራ ታሪኻዊት ኸተማ እንትትከውን፣ከተማ አኽሱም ትማሊ ትግራይ፣ሎሚ ትግራይ፣ጽባሕውን ትግራይ እያ።

 

ታሪኽ ትግራይ በብሸነኹ ዘሎ ማሕበረሰብ ትግራይ ዝካፈሎ፣ዝሕበነሉ፣ተፈንጺሕናንኾርዓሉ ታሪኽና ኻብ ምዃኑ ብተወሳኺ፣ኩናመታይ፣ራዮማይ፣ተምቤነታይ፣ኢሮበታይ፣እንደረታዋይ፣አኽሱመታይ፣አስላማይምስ ኸስታናይ፣ ዓብይ ምስ ንኢሽተይ፣ሰብአይ ምስ ስበይቲ .. ኾታስ ኩሉ አብ ውሽጢትግራይ ዝነብር ማሕበረሰብና፣ ናይ ባዕሉ ባህሊን ቋንቋን፣ተውፊትን፣ውሽጣዊ ስነልቦናዊ ዓርሰእምነት ሒዙ ስለ ዝቐርብ፣ ማዓረ ትግራዋይነት ይስምዖን ይሕበንን፣ እቲ “ትግራዋነት ምሽጢር” ምዃኑ ድማ አንዳዕዲዑ ንትግራዋነቱ፣ሂወቱ እንተይሰሰዐ ብእንተ ትግራይ ይስዋእ። እዙይ እንታብ በልኩ ብወገነይ ብዛዕባ ኤርትራዊያንን፤ትግራዎትን፣ ንትግራዋይነትዘለና ርድኢት ዝተፈላለየ እዩ ኢለ ይአምን።ኸመይ ? እወ ! አነ ብዝርዳአኒ ተጋሩ ንኤርትራዊያን እሕዋትናን፤አሓትናን እዮም እንትንብልእንተለና፤ ኻብ መበቆልና፣ ኻብ ስድራ ሓደ ገዛ ዘተወለድና፣ ሓደ ዓይነት ባህሊ፣ ሓደ ዓይነት ቋንቋ፣ሓደ ዓይነት እምነት፣ ሓደ ዓይነት ታሪኽ፣ ሓደ ዓይነት ጀግንነትን ስነልቦናን ዘለና እሕዋት፣ኸም ዓብይን ንኢስቶይን፣ ዋላ እንተተጓነጽና፤ ጎንፂ ኽልተ ዓሕዋት፣ እዩ ዝብል ሙሉእ እምነትእዩ ነይሩኒ፣ ሎሚም ዘለኒ፣ ንቕድሚትውን ዝህልወኒ፣ ብደም ዝተአሰረ ሕውነት። እዙይ ከም ማሕበረሰብ ትግራይ ብዕሊ ኾነ ብስዉር፣ኸምተጋሩ ቕዋምና እዩ ኢለ ይአምን።

 

ብወገን ኤርትራዊያን እሕዋተናን፤አሓትናን ድማ፣ፍልይ ብዝበለ ርድኢትን፣ እምነትን፣ይርእይዎን ። ንሱ ድማ ኤርትራን፣ ኤርትራዊነትን ድሕሪ መስዋእቲ ሃጸይ ዮውሃንስ ንጉሰነገስት ዘኢትዮዺያ፣ተፈጠረን፣ ዝተፈጠረትን፣ አብ ኢድ ወራሪ ፋሽቲ ጣልያን ዝወደቐት፣ አብትሕቲ መግዛእቲ ጣልያን ኮይና ብዝተዋሃባ ሓዱሽ ማንነት፣ እንተይ ሰተየት “ክትሰክር ዝተፈረደት” ኤርትራን ኤርትራዊነትን ተፈጠረ፣ተፈጠረት።

 

ናይዛ ሓዳሽ ሃገር ኤርትራንኽትህነጽ ድማ፣እቲ እንኮ ማንነት ሕዝባ ኽሓስርን፣ኽረክስን፣ብዘየለ ዘይታሓዝ፣ ዘይጭበጥ፣ ዘይራአይ “አነኾ ኤርትራዊ እየ”፣ብዝብል ስሚዒታዊነትዝመልኦ ሃገራዊ ፍቕሪ፣ ብዋጋ ተጋሩን፣ አብ ልዕሊ ተጋሩ ብዘሕድርዎ ጽልኢት ኽሃነፁ ተገብረ። ሎሚውን ጉጅለ ሻዕብያ ድማ ይቕጽለሉ አሎ።

ንምሳሊኡ፣ብመግዛእቲ ጣልያን ኸምዝሰማዕኹዎ፣ሓደ ኤሪትሪያዊ ኻብ ፬ይ ኽፍሊ ንላዕሊ ኽማሃር እይኽእልን ነይሩ ይባሃል።ብተወሳኺም አብ ጊዜ ጣልያን ኤሪትሪያዊያን ስብዓዲ፣ ዝኸድሉን ዝአትውዎን ቦታ ውሱን ነይሩ ይባሃል። ከምኒ “ኮምፒሽታቶ” ኤርትራዊያን ዘወር ዘይብሉሉቦታ ከምዝነበረ ይንገር። ብናሃተይ ዕድመ ደቡብ አፍሪካ ብናይ ጽዓዱ “አፓርታይድ” መንግስቲ ትማሓዳደር ስለ ዝነበረት ጸለምቲ ደቡብ አፍሪቃዊያን፣ዘይአትዉሉን፣ዘይአትውሉን ሆቴላትን፣ድንኳናትን ከምዝነበረ ታሪኽ ይገልጽ። ብተወሳኺ ናይ ህዝቢ አውቶብሳትናይ ፃዓዱን፣ናይጸለምትን ከምዝነበራ ታሪኽ ይሕብር።አብ አስመራም ኾምፒሽታቶ ናይ ጣልያን መጋየፂት፣ ንደቂባት ኽልኹል ከምዝነበረ ይዝንተው።

Videos From Around The World

 

ናይ ደቡብ አፍሪካ አፓርታይድ ስርዓት፣ሕዝቢ ዓለም ብሓደ ድምፂ ዘውገዞን፣ዝኾነኖንተርእዮ ዓለምና እዩ። ዘሕዝን ተሞኹሮ ሂወት ከም ዝኾነ ይርዳእ።እቲ ኻሊዕ ጣልያን አብርእሲ ኤርትራዊያን ኻፍቲ ዝፈጠሮ ናይ ስነልቦና ጸቕጢ፣ ወይኻዓ ምዝባዕ ስነልቦና ማሕበረሰብ፣ንኤርትራዊያን ባህሊ ጣልያንን፣ አበላልዓ ጣልያንን ስለ ዘምሃሮም፣ ከምዝሰልጠኑ ጌሮም ንኽወስድዎ፣ እምነትን ጸቕጢን እውን አሕዲሩ እዩ።ንአብነት ሓደ ቤተሰብ “ስድራሓበሻ” በመኸምበያ ከም ስድራ አብ ማአዲ “ብመሶብ” ዝበልዕ ዝነበረ ሕብረተሰብ፣ ብናይጣልያን ሰተታን ሽሓነን ምብላዕ፣ ብኢዱ ዝበልዕ ዝነበረ ማሕበረሰብ፣ ብማኻን፣ ፎርኬታን ምብላዕ፣ጀዲድን፣ኩታን አእሊሙ ዝኽደን ዝነበረ፣ብካኪን ናይ ጣልያን ስረን እንትልወጥ፣ ብጥራሕ እግሩ ዝኸይድዝነበረ ማሕበረሰብ፣ናብ አስካርባ፣ ጫማን፣ባርኔጣን ምዕባይ ከም ዕቤት ተወሲዱ እዩ ጥራሕእንተይኮነስ፣ ንቲ ኸምኡ ዝበለ ፍንጻሕ መሰንገሉ ሓዉ፣ሕዝቢ ትግራይ ኽንዕቆን ከንቛሽሾን ጀሚሩእዩ። ምዕባለን ስልጣነን ሓደ ማሕበረሰብ ዝልካዕ ግን፣ብምብላዕን ምኽዳንን ወይድማ ብናይ ገዛኢኻቛንቋ ምዝራብን እንተይኮነስ፣ብትረኽቦ ትምህርቲ፣ብትረኽቦ መሰረተ ልምዓት፣ብትረኽቦ ማሕበራዊ ዕቤትን ሰብአዊ ምዕባለን፣ብትረኽቦ ፍትሕን ርትዒን፣ብትረኽቦ ሰላምን ፍቅርን፣ብትረኽቦማሕበራዊ ግልጋሎትን እዩ።እዘን ኩለን ዝጠቐስክወን ዝውሃባ ግልጋሎት ብቶም ገዛእቲ ሰብ ሞያእንትኸውን ሓደ ሓደ መስተርጎምትን በቲ ሞያ ግልጋሎት ዝህቡ አይነበሩን ማለተይ ከምዘይኮነግን ይፈለጠለይ።

 

ጣልያን ግን ኸምዙይ እንትገብር ዓላማን፣ሽቶን ነይርዎ፣ ንሱ ድማ ፣ፈላሊኻምግዛእ፣አብ ሞንጎ ኽልተ አሕዋት፣ ንንሕድ ሒዶም ኸይዘራረቡን፣ ከይረዳድኡን በብማዓልቱ አብ ርእሲ ጽልኢት፣ተወሳኺ ጽልኢት እናፈጠረ ነገራት እናጋወሐ፣እቲ አብ ትሕቲ ቑጽፅሩ ዘእቶዎሕዝቢ፣ ሰጥ ለጥ ኢሉ ንኽግዛአሉ ብምግባር ንኤርትራዊያን፣ኻፍቶም ታሕተዎት ኽፍሊ ትግራይ፣ ንስኻትኩም ምዕቡላትን፣ ስልጡናትን ኢኹም እናበለ ኽሳብ ጠቕሊሉ ዝወጽእ ንኤርትራዊያን ረጊጹገዚእዎም እዩ። እዙይ ዝፈጠሮ በሰላ “wrong self image” ዋላ አፍቲ ሎሚ ዝንሄ ወለዶ ፣ብዝበለጸንብዝሓየለን መንገዲ ውድብ ሻዕብያ ተጠቒሙሉ እዩ።

 

ዝኸበርኹምን ዝኸበርኽንን እሕዋተይ አነ ዝተወሰነ ሓሳበይ እንትገልጽ ኸምመርትዖ ንምጥቃስ ዝአክል እምበር፣ ዋና ነጥበይ አብ ሻዕብያ እዩ፣ ሻዕብያ ንሕዝቢ ትግራይ ኸጥፍእዘደለየሉ ቐንዲ ምኽንያት፣አብ ልዕሊ ተጋሩን፣ ውድብ ...ትን ብዝተጠጀዐ፣ጥጅእምበር፣ኻሊእምኽንያት የብሉን። ሻዕብያ ኻብ አፈጣጥርኡ ዓላማ ኾነ፣ መጻኢ ራኢ ዘይነበሮ፣ናይ አምባገነናትእኽብኻብ እዩ። ላዕለዎት መራሕቲ ሻዕቢያ,ኻብ ላዕሊ ኽሳብ ታሕቲ ብስምዒት፣ ዝምርሑ ደናቑርተላአአኽቲ፣ መሰረቶም ብሓደ ውልቐ መላኪ፣ ዝእዘዙ መሕፈርቲ እዚ ዘመን እዮም።

 

ንአብነት ውድብ አባላት ...ትኻብ ሜዳ ጀሚሮም እንትዋግኡ ዓላምኦም ንጹር፣ በብእዋኑ ኸይዶም እናገምገሙ፣ ዝማሓየሽ እናማሓየሹ፣ ስልጣን ቕድሚ ማሓዞም፣ ኢትዮዺያ ብምንታይ? ብኸመይ? ምስን መን ? እንታይ ኽገብር ከምዘለዎ፣ ተሊሙ ዝኸይድውድብ እዩ ነይሩ። ከምታ ዝዓለሙዋ፣ ምስ ኩሎም ተቓወምቲ ሓይልታት ተዛቲዮም፣ ናይ ስግግርመንግስቲ ፈጢሮም፣ ሕገ መንግስቲ አርቒቖም፣ ሃገራዊ መረፃ ብምግባር፣ ኢትዮዺያ አብ ዓለምኻብ ዝርከባ ጽቡቕ ለውጢን ልምዓትን፣ ብግብሪ ዘርአየ ውድብ እንትኸውን፣ ብተፃራሪኡ ጉጅለ ሻዕብያገና፣ ስልጣን ምስ ሓዘ ንፕሮፓጋንዳ፣ ኽጥዕመኒ ይኽእል ኢሉ አብ አፉ ዝመጸሉ “ጻዕዳሓሶት” ኸምዙይ ኽብል ተጃሃረ፣ ኤርትራ “ናይ አፍሪካ እስራኤል” ኽንገብራ ኢና፣ብምባል ምስ የመን፣ምስ ጁብቲ፣ምስ ሱዳን አብ መወዳእታ ድማ 1998 ዓም ምስ ኢትዮዺያ፣ ብሰበብ ባድመጦርነት ፈፂሙ እዩ።

 

ሓንቲ ተማሳሳሊት ተሞክሮ ዓለምና ምስ ጉጅለ ሻዕብያ ትማሳሰል ኽጠቅስ፣ንሳ ድማፓርቲ “ናዚ ጀርመን” እንትከውን፣ኢሳያስ ድማ ምስ ሂትለር፣ብብዙሕ ይማሳሰል፣ንአብነት ሂትለርትምህርቲ ዘይርዶኦ ድኹም ናይ ፮ኽፍሊ ተማሓራይ እንትኸውን፣ትውልዱ ድማ፣አውስትሪያዊ እምበር ጀርመናዊ አይነበረን። ሂትለር ብዙሕ ምስ ስብ ዘይሳነ፣ቕልውላው ማንነት ዝነበሮ፣ሓሳድን ብጣዕሚ ቐናእን ሰብ ነበረ፣ኾይኑ ግን አብ ውትድርና ዓለም አትዩ ብዝረኸቦ አጋጣሚ፣ንጀርመናዊያን ብማንነቶም አቲው፣ንሕና ፍሉያት ዘርኢ፣ምሳና ዝዋዳደር ዝኾነ ይኹን ፍጥረት የለን።ብምባል ብስነልቦና ጀርመናዊያን አላጊጹ፣ጀርመናዊያን አብ ልዕሊ አይሁዳዊያን፣ዘስኻሕክሕ ግፍኢብምፍጻም፣ዓለም ፈፂማ ኽትርስዖ ዘይትኽእል ጸሊም ታሪኽ ሓዲግሎም

 

ኢሳያስ ድማ ተማሳሳሊ ባህሪያት ዘወነነ፣ብቕልውላው ማንነት ዝሳቐ፣ ትግራዋይነቱብምኽሓድ ዘየለ ሓዱሽ ማንነት ኽፈጥር፣ ንሕዝቢ ኤርትራ ዘሕሰረ “ሕሱር” ውልቀ ሰብ ስለዝኾነምስ “አዶልፍ ሂትለር” ይማሳሰል።

 

አይሁዳዊያን እቲ “አዶልፍ ሂትለር”አብ ርእሲኦም ዝተፈጸመ ግፍዒ እንተሓደግዎ፣ኽሳብ ሎሚን፣ ንወደፊትን ግን አይረስዕዎን። ዓለም ድማ ብዘሕፍርን ብአስኻሕካሓይነቱንምጽናት ዘርኢ አይሁዳዊያን ብሃገረ ጀርመን ኢላ መዝጊባቶ ትርከብ። ሎሚ ብሰንኺ ኢሳያስን፣ ጉጅለሻዕብያን, አብ ልዕሊ ተጋሩ ዝተፈጸመ፣ዝፍጸም ዘሎ፣ዝፍጸምን ናይ ተጋሩ ዘርኢ ምጽናት ወፍሪ፣ዋላብውልቀ ሰብ ይኹን እምበር፣ጽባሕ ታሪኽ እንትምስክር “ብሃገረ ኤርትራ” አብ ልዕሊ ንጹሃትሕዝቢ ትግራይ ዝተፈጸመ፣ ናይ ዘርኢን/ዓሌትን ምጽናት ወራር ተፈፂሙ ኢላ እያ ክትምስክር። ታሪኽይቕረ ዘይብሎ ኢሰብአዊ፣ኻብ ሓደ ዝሓስብ ፍጥረት ወዲ ሰብ ዝኾነ, ኽፍጸም ይኽእል ዘይባሃልበደልን መከራን፣አብ ርእሲ ሕዝብና ዋላ እንተተፈጸመ፣ንሕና ኸም ተጋሩ ጸኒዕናን ሰሚርናን፣ብምምኻት እናፍሸልናዮ እንትንከውን፣ጽባሕ ድማ ብሙሉእ ዓርሰ እምነት፣ጉጅለ ሻእብያ ቐቢርና፣ኢሳያስ አፈወርቒ አብ ናይ “ዓለም ቤት ፍርዲ” ኽሳዱ ሓኒቕና ከምነረክቦ፣ ዝጣራጠር ሰብእንድሕር ሃሊኡ፣ አባልን ደጋፊ ሻዕቢያን ጥራሕ እዩ።

 

ተጋሩ ኻብ ታሪኽና ምርዳእ ከምዝካአል ንማንም፣ብማንም ዘይንግዛእ “አናብር” ሕዝቢ ኢና።ሎሚ ውዕሎ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ጭቡጥ ምስክር እዩ። ንጀርመናዊያን “አዶልፍ ሂትለር”ኻብ ወለዶ፣ናብ ወለዶ ርእሶም እናድነኑ ዝኸድሉ “መሕፈሪ ታሪኽ” ሓዲግሎም ኸይዱ።ጉጅለ ሻዕቢያውን፣ ኢሳያስ ከም ሂትለር ናይ ዘመና ናይ ፳፩ ክፍለ ዘመን፣ናይ “አፍሪካ ሂትለር” እምበር፣ ናይ “አፍሪካ እስራኤል” ክሃንፅአይኽአለን።እዙይ ድማ ዘሕፍር ታሪኽ መፃኢ ወለዶ ኤርትራዊያን እዩ።

የግዳስ አብ አፍሪካ ኸም እስራኤል እናተኾለዐ ዝወጽእ ዘሎስ, ለጀው ዳአ።

 

አምባገነናት አዚርኻ ምሕሳብዝባሃል ፍልጠት የብሎምን፣ንአብነት መንግስቱ ሃይለ ማርያም እንትፍክር፣የሻዕቢያና፣የወያኔ ወንበዴዎችን ብቻሳይሆን ተፈጥሮንም በቁጥጥራችን ስር እናደርጋለን !ይብል ነበረ፣ሕዝቡ ብድንቁርናን ብጥሜትን እናተወደዐ ምስ ተፈጥሮ ይላገጽ።

 

ኢሳያስ አፈወርቒ፣ ንሕና ካብ ባድመ ወጻእና ማለት ጽሓይ ብምዕራብ ገጻ ወፂአ ማለትእዩ! ወያነ ድማ ወፍሪ ጽሓይ ዓራርቦ ኢሎም ግስም አበለቶ።

ወያኔ ጌም ኦቨር ! ንኢትዮዺያ ፖለቲካዊ ሕጽቦ ኽንገብረላ ኢና! ዝብሉ ናይ ዒዋሉን፣ደናቑርን አባሃህላ ተፈጥሮአዊ መግለጺ ኢሳያስ እዮም።

ንዙይ እየ ድማ ኢሳያስ ፍልጠት ዘይቀረቦ “ጻዕዳ ወረቐት” እዩ ዝበልኩሉ ቐንዲምኽንያት። ዋላ መሽረፈት እውን ጽቡቕ ጌሩ ይዕልሞ አሎ፣ ብዝገበርናዮ ናይ ቴክኖሎጂ ፈጠራ ማይ አብ ምዕራብ ሽዋን፣አብ ጎጃምን አዝኒብና ! ድሕሪ ፴ዓመት ኢትዮዺያ አብ ዓለም ኻብ ዘለዋ ኽልተ ሓያላት ሃገራት እታ ሓንቲኽንገብራ ኢና ! እና በለ ንሕዝቡ አሽካዕላል ይጻወተሉ ይውዕል አሎ። ምስ አድጊያ ዝዋዓለ ዝራቢዕስ ህላ ተዘይለመደ ጥራጥ ለመደ ኾይኑና።

“ናይ አፍሪካ ሲንጋፑር”ብምቕፃል እቲ ኻሊእ ጃህራ ሻዕብያ ድማ፣ ኤርትራ “ናይአፍሪካ ሲንጋፑር” ኽንገብራ ኢና ድማ በለ፣ እዚኹሉ እንትዛረብን፣እንቲ ጃሃር ግን ከመይ ? ንምንታይ ? በበይ ? ኢሉ ዝጠየቐ አይነበረን፣ነዙይ እውንየ ጉጅለ ሻዕብያ ደናቑር ተማእዘዝቲኢሳያስ እዮም ዝበልኩ። ሕልሚ ጉጅለ ሻዕብያን፣ኢሳያስን ብዕሊ ተፈጥራዊ ጸጋታት ኤርትራ አብ ዘይፈልጡሉ፣ መጽናዕቲን ጭቡጥ ዝተረጋገጸ ሃፍቲ ኤርትራ እንተይአጽናዕኻ፣ ባሕሪያ አለዋ ኢልኻ”ሲንጋፑር” ምምናይ ከምሕልሚን ትምኒትን ዋላኳ ጽቡቕ እንተኾነ፣ኻበይ ብዝመጸ ሃፍቲ? ኢልኻምሕታት ድማ፣ ዘለኻ ተፈጥሮአዊ ሃፍትን፣ዓቕምኻን ንኽትፈልጥ ይረድአኻ እዩ።

 

እወ አፍቲ እዋን እቱይ ኢትዮዺያ እትጥቀመሉ ወደብ ዓሰብ ስለዝነበረ፣እሞኻዓ ብዙሕ ናይ ኢትዮዺያ ጥራምረን፣ቡንን ይስረቕን ይጠፍእን ስለዝነበረ መራሕቲ ጉጅለ ሻዕብያ ዘንተእለቶም እናዘረፉን፣እናጭበርበሩን ኤርትራ ንምህናጽ እዩ ሕልሞም ነይሩ። እቲ ዝገርም ኽስተት፣እቲ እዋን እቱይ ኤርትራ ቡን ዝባሃል ወይኻዓ ናይ ቡን ሕርሻ የብላን፣አይነበራን፣ ግን አብናይ ዓለም ውድድር ቡን ተወዳዲራ፣ናይ ቐዳማይነት ወርቒ ሽልማት ተሸሊማ እያ።ኻበይ ዝመጸ ቡን? ምስኢ....ግ ወይኻዓ “ውድብ ...” ድማ ኻብ ዝነበረ ታሪኻዊ ርክብ እናተፋላለዩ ምኻድጀመሩ፣ ልክዕ እዩ ሻዕብያን ...ትን ፍቕሪ ብፍቕሪ ነይሮም እንተዘይተባሃለ፣ ብፍላይ ውድብ ሻዕብያአብ ውድብ ህ...ትን “ሕዝቢ ትግራይን” ኽሕደት ዝፈጸመሉ ናይ መጀመርያ እዋን 1977ዓምብዝተፈጠረ ድርቒ ፣ኻብ ሱዳን ረዲኤት ሒዘን ንትግራይ, ኽአትዋ ዝፈተና መካይን፣ ብመሬትናአይትሓልፉን ብምባል ኸምዝዓገተን፣ ኻብ ታሪኽ ሰሚዕና አለና።

 

ሻዕቢያ ግን ቕድሚኡ ንጀብሃ ኻብ መሬት ኤርትራ ጸራሪጉ እንተባርሮም፣ ዋናሓገዝ ዝረኸቦ ኻብ ውድብ ... እዩ ነይሩ ይባሃል ።ብተወሳኺ ደርጊ ናይ ቐይሕ ኾኾብ ዘመቻኢሉ “ንሻዕብያ” ንሓንሳብን፣ ንሓዋሩን ኽድምስስ ምስ ወሰነ፣ ከምታ ዝበላ ድማ፣ ንሻዕብያ ጸራሪጉአብ ሳሕል ምስ ኾየጦን፣ ሻዕብያዶክመንቱን መዛግብቱን አቃፂሉ ንሱዳን ክሃድም ምስ ጀመረ ”አብ አፍ አርክቡ” ብነብሱ ዝበጽሕሉ ሰራዊት ትግራይ (ብተጋዳላይ ስየ፣ተጋዳላይ ሓየሎም፣ተጋዳላይ አርከበዝምርሑ ሰራዊት ወያነ)ኸተፍ ኢሎም፣ ንሻዕብያ ሂወት ዘሪኦሙሉ ተመለሱ። ብምቕፃል ወያነ አዲስ አበባ እንትቖፃጸር፣ጉጅለ ሻዕብያ ድማ አስመራ ምስተቆፃጸረ፣ቕድሚ ዓለም ናጽነት ሃገረ ኤርትራ ብዕሊ አፍልጦ ዝሃቦ ብኽቡር ነብስሄር / መለስዜናዊ ዝምራሕ ውድብ ... ነበረ።እምባአርከስ ደሙ አፍሲሱ፣ሂወቱ ገቢሩ ነፃነት ዘረኸበሕዝቢ ትግራይ፣ብቶም ዝአመኖም ተጠሊሙ! ተኻሒዱ ንዘርኡ ኸጥፍኡ ዶብ ሰጊሮም ብምእታው፣ምስቶም ታሪኻዊ ጸላእቲ ሕዝቢ ትግራይን፣ሕዝቢ ኤርትራን፣ዝኾኑ አምሓሩወጊኖም ቐቲሎምና!

ረሺኖምና!እሕዋትና ደፊሮምልና!አዴታትናን አቦታትናን ቐቲሎምልና! ጥሪት ኸፍቲ ላሕሚ ብዕራይና፣ ሓሪዶም ስግኦም በላዖም ደርቢዮምልና! ሓረስቶትና አጉዶታቶም፣ መረቦኦምን፣ ሓሰራቶምን አቓፂሎምላቶም ! ማንኻታትና፣ድስቲታትና ሰተታና አብሲልና ኸይንበልዓሉ ሰሪቖሟቶ ! ሓገዝ ረድኤት ኸይበጽሖ ሕዝብና፣መንገድታት ዓጺዮም፣ናይ ረድኤት ዝመጸ ሓገዛት አቃጺሎማቶ ! ማሪያም አኽሱምና ደፊሮማ፣አልነጃሺ መስጊድና ደፊሮሞ፣ገዳማትናንኸምን አቡነ አረጋዊ፣ማርያም ድንግላት ደፊሮሞ፣ታሪኻዊ መጻሕፍትናን፣ብራናታት ታሪኽና ወሪሮሞ፣ አቓጺሎሞ ! እቲ አብ ልዕሊ ሕዝብና “ሕዝቢ ትግራይ” ዝተፈጸመ ገበን፣ጉጅለ ሻዕቢያን፣መራሕቲሻዕቢያን ጥራሕ እንተይኮነ፣ ሙሁራት ኢና ዝብሉ ኤርትራዊያን ኾላይ፣ ብዕሊ ዝተሳተፉሉ እዉን እዩ።ንአብነት ዝአክል ፕሮፌስር አስመሮም ዝተባሃለ ሓደ ጋዕጋዕ ወዲ ፺ዓመት፣ አብ ዝሓለፈ ጊዜታሪኽ ሕዝቢ ኤርትራ ብምባል ንመንእሰይ ኤርትራ “ዘይሓውይ ቕርሕንቲ” ንምግዳፍ ዝበሎ ምስማዕየድልይ። እዚ ሰብአይ እዙይ ጣልያን ኻፍቶም ርእሶም መሪዙ ዝሰርሖም ሓደ እንትኸውን ብፍላይ ሙሁራትታሪኽ ኢና ዝብሉ ኤርትራዊያን፣ ታሪኻዊ ፍልጠቶም እንድሕር ትም(ሱቅ) ኮይኑ ደገፍቲ እቲዝንሄ ስርዓት ኢሳያስ ምዃኖም የማላኽት። እቲ ምንታይ ? ዘይምቕዋም ምድጋፍ ስለዝኾነ። ሙሁራት ኤርትራ አብዚ እዋን እዙይ፣አፎም ለጚሞም ሱቕ እንድሕር መሪጾም፣ ትምህርቶም ዳአ ማዓስን፣ብኸመይን ? እዮም ንረብሓ ኤርትራዊያን ኽገብርዎ፣ እቲ አነኮ ኤርትራዊ እየ ! ንማዓስ እዩ ? ጽባሕ ምስወግሐኸ ? አፎም ኸፊቶም ብዛዕባ ኤርትራን፣ሕዝቢ ኤርትራን ይግድሸና እዩ፣ንሕና ሙሁራት ኤርትራ ንሕዝቢ ኤርትራ ንውክል ኢና። ኽባሃል ድዩ ? እምባአርከስ እዙይ ብዛዕባ ሻዕብያን፣መራሕቱን ምኽንያት ዝፈጸምዎ ወራር፣ ቕንኢ፣ ንዕቐት፣ ሓሳድነት፣ ታሕተዋይነት፣ ጽልኢት፣ብማንነትኻ ዘይምቕሳን ዝወለዶ “ዓርስ ቕትለት” እዩ ብምባል እንትውድእ፣እሞ ሕዝቢ ኸም ሕዝቢኸ ? ብወገን ተጋሩእወ ኸምቲ አብ ላዕሊ ብዝተወሰነ መልኽዕ ኽገልጾ ዝፈተንክዎ፣ ኤርትራ ብፍላይ ድሕሪ አብ ትሕቲ መግዛእቲ ጣልያን ምውዳቓ፣ጣልያን፣እንግሊዝ፣ኢትዮዺያ፣ንዝሓለፉ ፴ ዓመታት ድማ፣ ብአምባገነን ውልቐ መላኺ ኢሳያስ ንሕዝቢ ኤርትራ ንሱ ብዝደልዮን፣ዝተመነዮን፣ዝብሕጎን መንገዲ እንተይኮነ ገዛእቱ ብዝደልዩዎን ብዝወሰኑሉንመንገዲ ሂወቱ እናመርሀ ኽሳብ ሎሚ ይነብር አሎ።

 

ብአንፃሩ ንሕናተጋሩ ብሸርሒ ንጉስ ሚሊሊኽምስቲ ፍንፃሕ ጎንና ዝኾነ ንኢሽተይ ሓውና ሕዝቢ ኤርትራ፣ዓቕምን ሓይልን ረኺብና መከርኡን፣ቑስሉን ክንሕክሞ ዕድል ዋላ እንተዘይረኸብና፣አፍታ ዝኻአልናያን፣ዝረኸብናያ እዋን ግን፣ኽሳብ እቲ ኽቡር ደምናን፣ሂወትናን ኻብ ምውፋይንላዕሊ፣ አብ ሃገሮም ቐሲኖም ኽነብሩ ዘይኻአሉ፣ስርዓት ሻዕቢያ ፈንፊኖምን፣ነጺጎምን ዶብ ሰጊሮምንዝመጹ እሕዋትናን አሓትናን ድማ፣አዕቒብና፣ሓብሒብና፣አብሊዕና፣አስቲና፣ሓኪምና ኽሳብ ዩኒቨርሲቲ አምሂርና፣አብ ትግራይ ማዕረ ትግራዎት ኽነብሩ ጥጡሕ ባይታን ሃዋሁውን ፈጢርናሎምከም ዝነብሩ ጌርና፣ ጥራሕ እንተይኮነስ ብአና አቢሎም ናብ ዝደለይዎ ሃገር ንኽኸዱ አድላይዝኾነ ባይታ ፈጢርናሎም ኢና።

 

እዙይ ዝገበርናሉ ቐንዲ ምኽንያት፣ ኻብ ውሽጥና ሎሚ ውን እሕዋትና እዮም፣እሕዋትናእየን  ኢልና ስለንአምን እዩ።እሞ እዚ ንኢሽተይ ሓውና ሕዝቢ ኤርትራ፣ንልዕሊ ዓመትትርጉም፣ ናጽነትን፣ ሰላምን፣ ራህዋን ዝሓረሞ ሓውና፣ ብኸመይ ኽንሕግዞምን፣ኽንርዶኦምን ንኽዕልኢልና ነብስና ንጠይቕ፣

“ስጋ እንተወደቐት ሓመድ ሒዛ ትላዓል” እዩ።  ሎሚ አብ ሃገርና ትግራይ ናይ ፫ማዓልቲ ጾመ ትግራይ ተአዊጁ አሎ፣እዚ ጾመ ምህሌላ እዙይ እንታይ ማለት እዩ ?እንታይልናኸ ኢናኽንጽልይ ? ጸሎትና ድማ ኻብ ውሽጣዊ መንፈስና ከምዝኸውን ይአምን። ጸሎትና ድማ ፈጣሪ አቦና ሃገርና ትግራይ ሰላም ግበረልና ! ሕዝብና ምሕረትኻ አውርደሉ ! ጸላእትና ብሓይልኻ ሓዘልና ! ደቒ ሰብ ኢናሞ ዝበደልናዮ ሓጢያትና ይቕረ በለልና ! እየን እተን ቐንዲ ጸሎትና፣ፈጣሪና ድማ

ይቕረ ኽብለልኹም ንስኻትኩም ድማ ይቕረ ባሃልቲ ኹኑ ! እዩ ኽብለና አብ ሰማይ ትነብር አቦና ስምካ ትቀደስ መንግስትኻ ትስፋሕ፣ንሕና ንዝበደሉና ይቕረኸም እንብል ኩሉ በደልና ይቕረ በለልና ዝብል ልመና አምላክና ብግብሪ ኻብ ውሽጥና ንእመነሉ።ሓደኻፍቲ ምሽጢር ትግራዋይነት ሕድገት እዩ።ትማሊ ንኸይምለስ ሓሊፉ እዩ ሎሚ እንጽልዮንጽባሕ ስንቅናን፣ስንቒ ደቕናን እዩሞ ንሕደግ ! ፍጹም ግን አይንርስዕን።እግዚአብሄርናድማ ሓይልን ጽንዓትን ሂቡና እዛ ፀባብ ጊዜ ኽንወፃ ኢና ብወገን ኤርትራዊያን እሕዋተይን፣አሓተይን ድማ ናብ ጭቡጥ ዝርአይን፣ዝእመንን ሓቂ እተው። ሓደ ሓደ ጊዜ፣ ሓቒ ዕረ ዕረ እዩ ዝጥዕም፣ይኹንምበር “ፈትሊያ ሓቒስ፣ትምንምንእምበር አይትብጠስን” ዝባሃል ምስላ ወለዲ ተረድኡ፣አብዛ ዓለም እዚአ፣ ኻብ ሕዝቢ ትግራይንላዕሊ ዘኽብረኹምን፣ ዝፈትወኹምን፣ዝጣበቐልኹምን የለን። እዙይ ንዝሓለፈ ፶ዓመት ብግብሪ አርእይኩም እዩ።

ኻብ ቓላት ንላዕሊ ብግብሪ መሪሕነት መንግስቲ ትግራይ፣ ብዝተፈላለየ እዋን ናይሕዉነት ፃዊዒት እናገበረ መፂኡ እዩ።ሎሚውን አብ ዘውጽኦም መግለፂታት ንሕዝቢ ኤርትራ ፃውዒት እንተይገበረ አይዛዝምን። ልኽዕ እዩ ሓደ ሓደ ኤርትራዊያን እሕዋትናን፣አሓትና አብዚ ዝኻየድዘሎ ናይ ዘርኢ ምጽናት ዄናት አብ ጎኒ ሕዝቢ ትግራይ ጠጠው ዝበልኩም ከምዘለኹም ንርእይ አለና።ብሚዲያ ዘሕብን ስራሕቲ እትሰርሑ ከምዘለኹም ንፈልጥ፣ነዙይ ድማ የቐንየልና፣ኽብረት ይሃበልናንብል። ይኹንምበር ንዓና ኻብ ብውልቀ ሰባትደገፍ ንላዕሊ፣ተወዲብኩም ንረብሓ ሕዝቢኤርትራ፣አብ ጎኒ ሕዝቢ ትግራይን፣ቓልሲ ሕዝቢ ትግራይን እንተትሓብሩ፣ውድባዊ ሓይልን፣ጉልበትን ስለዝኸውን፣ ንአስተዋጽኡኡንተሳታፋይነቱን ድማ ዕላዊ፣ ውድባዊ ስለዝኸውን አፍልጦ ንምሃብን፣ንሕና ተጋሩ ድማ ፈተውትናን ጸላእትናን ብዝበለጸ ንኽንፈልጥ ይሕግዘና ኢለ ይአምን።(ጸላእትናአይንፈልጥን አይኮነን ዝብል ዘለኩ፣ኻብ ጸላኢ መዝገብ ትዕለዩ) ብተወሳኺ ድማ ኩሉ ኤርትራዊደጋፊ ሻዕብያ ስለዘይኮነ፣ እቶም ብአፎም ንሻዕብያ እናተቓወሙ፣ብግብሪ ደገፍቱን መሚኻ ንምፍላጥ ይጠቕመና፣እንተዘይኮይኑ እዛ ሕማቕ ጊዜ እዚአ ደገፍትና ብዕሊ አብ ዘይርአናሉ እዋን፣ሰልፊ ዝወጻእኻ ኤርትራዊ፣ ፈታዊ ትግራይ ማለት ከምዘይኮነ ንምርዳእ ዝኸብድ አይመስለኒን።ሎሚ ላንጋ፣ላንጋ ኾይንኻ ምኻድ የለን።ወይ ፈታዊና ኢኻ፣ወይኻዓ ጸላኢና ኢኻ።ተወዲኡትግራዋይ ብቕልጽሙ ማንነቱ፣ኽብሩ ሰላሙ፣ኸረጋግጽ እዩ።ጽባሕ ብርሃን እንትወጽእ፣ ሽምዓ ንምሓዝ ዝጎይይ ሙሁርየ ባሃሊ፣አነኮ ኤርትራዊ እየ ዝብል ፈኸራ ነዛ ብሓዊ ትጥበስ ዘላኤርትራ ናይ አፍ በረም በረም አይክጠቕማን፣ሎሚ እዚ ብወገን ትግራይ ተፈጢሩ ዝንሄ ዕድል ጊዚኡ እንተይሓለፈተጠቐሙሉ፣ተወደብሉ፣ለውጢ አምጽኡሉ፣ንልዕሊ ፳ዓመት ተሰሊፍኩም፣ተቓዊምኩም፣ተወዲብኩም፣ጥብ እትብል ለውጢ ወይኻዓ ፍረ ግን አይረኸብኹምን፣ሻዕብያ ዘለዎ ዕድመ ምናልባት አዋርሕ ኽኸውን ይኽዕል እዩ፣ተጋሩስርዓት ጉጅለ ሻዕብያን ኢሳያስ አፈወርቒን ብቱይ ይኹን ብዙይ ኸምዘውግዶ ምንም ጥርጥር የብለይን፣ደገዘለኻ ኤርትራዊ ዳያስፖራ ዓይንኻ ኽፈት ዓለም ረዐያ፣ኻብ ሓውኻ ትግራዋይ ተማሓር።አብመወዳእታ ሎሚ ግምቦት ፳፬ መበል ፴ዓመት ናጽነት ኤርትራ እተኽብሩሉ ማዓልቲ እዩ፣አብ ኽንዲ ልምዓት፣ራህዋን ሰላምን አብ ኤርትራ ናብራ ሰማይ ተሰቒሉ ባኒ ብሰልፊ፣ሽኮር ብሰልፊ፣ሜሎቲ ቢራ ብቑፅሪ ይዕደለኩም አሎ።ወለድኹምን አሕዋትኩምን አሓትኩም ንናጽነት ደሞም አፍሲሶም ዘምጽእዎ ነፃነት፣ደቆም ብደሞም ንመግዛእቲ ኢትዮዺያ አብ ትግራይን፣ዓዲ ኦሮሞንይሞቱ አለው።ርሑስ ባዓል ናጽነት ኻብ ምባልስ ርሑስ መግዛእቲ ምባል ይሓይሽ ? ምርጫ ንኤርትራዊያን ኽገድፎ ስላም ወዳሓንኩም። መዛዘሚ ንሓበራዊ ረብሓአነ ብወገነይ ስላምን ፍቕሪን፣ራህዋን ንወዲ ሰብ ዝምነይ እየሞ፣ስላም ንኹሉ እብል።ሕዝቢ ምስ ሕዝቢ እንተተኻኢሉ ብሓባር ዝነብረሉ ባይታንሃዋህውን እንተዝመጽእ ንፈጣሪ እልምን፣እንተዘይኮይኑ ብጉርብትና፣ ነናህና ሒዝና ተኸባቢርናንኽንነብር እምነ።ብጭቡጥ ኹነታት ኤርትራን ትግራይን ናይ ሓባር ጸላኢ አለና፣ንሱ ድማ አምሓራይእዩ። ንኤርትራ ባሕራምበር ምስ ሕዝባ ፍቕሪ ኸምዘይብሉ ምስክር “ባጽዕን” ኻልኦት ብናይደርጊ ሚጋት ዝበረሳ ኸተማታት ምርአይ ይአክል።አምሓራይ ስሱዕ ሰሪቑን መንዚዑን ዘይዓግብ ገበልእዩ። ንትግራይ ፊደላትና፣ታሪኽና፣ቅርስታትናን፣ጀግንነትናን ኽወርስን፣ኽውንን ስለዝምነይ፣እንተኺእሉ ንኽልቴና እሕዋት ኸጥፍእ፣ እንተዘይኮይኑ ድማ ንኽልቲኡ ሓው ሕዝቢ እናባአሰ፣ነንሕድሕድና ኽንዋጋእን ኽንቃተልንሞ ንሱ ብስላም ኽነብር እዩ ትምኒቱ።ኦሮማይ ሓሳቡ ሰሚርሉስ፣ጉጅለ ሻዕብያ እዚ እንርእዮ ዘለና ዄናት ወልዑ የዋድዐና አሎ።ኻብ ዝሓለፈ ስሕተትና ዘይንማሃርደናቑር ድማ፣ ህዝብና ነውድእ አለና።ስለዝኾነ ድማ፣ ቕድም ቐዳድም፣እዞም ናይ ሓባር ጸላእትናዝኾኑ ጉጅለ ሻዕብያን፣ወረርቲ አምሓራን ብቕልጽምና ሓቢርናን ሰሚርናን ናብ መቓብሮም ነእትዎምእሞ ድሕሪኡ ዝስዕብ ሓበራዊ ዕማም ድማ ንዝትይ፣ንትልም።እንተዘይኮይኑ ተጋሩ ቓልስናሽቶና፣ነፃ ዝኾነት ኽብራን ማንነታን ዝተዓቐበት ትግራይ ብደማ ከምትሃንጽ አሽምባይ ዶ ፈተውትና፣ጸላእትናም አንዳዕዲዖም ይፈልጥዎ እዮም። የቐንየለይ ! ኽብረት ይሃበለይ !ኽብርን ምስጋናን ንብእንተ ሕዝብኹም ሕዝቢትግራይ ለይትን፣ቐትሪን ምስ ጸላኢ ትኳሽሑ ዘለኹም መራሕቲ ሓይሊ ምክልኻል ትግራይን፣መንግስቲ ትግራይን !ኽብርን ምስጋናን ንብእንተ ሕዝብኹም ሕዝቢ ትግራይ ለይትን፣ቐትሪን ምስ ጸላኢ ትኳሽሑ ዘለኹም ሓይሊ ምክልኻል ትግራይ ! ኽብርን ምስጋናን ንብእንተ ሕዝብኹም ሕዝቢ ትግራይ ለይትን፣ቐትሪን ደኺሙና፣ቖሪሩና እንተይበልኩም ድምጺ ሕዝብኹም ዝኾንኩም አብ ሙሉእ ዓለም ዘለኹም ዳያስፖራ ትግራይ ! ኽብርን ምስጋናን ንብእንተ ሕዝብኹም ሕዝቢ ትግራይ ኢልኹም አብ አፍ ምንጋጋ ጸላእቲ ኾይንኹም ግፍዕን፣በደልን ሕዝብኹም ዘቓላዕኹም ስፖርተኛታት፣ከየንቲ፤ ተማሃሮን መንእሰያት ኩሉኹም ኮሪዕናልኩም። የቐንየልና ኽብረት ይሃበልና።

 

ትግራይ ብደቓ ክትዕምብብን ከም ወርቒ ክትኹላዕን እያ። ትግራይ ትዕወት

ሙሉጌታ በሪሁን

05/24/21 mba1277@gmail.com


Back to Front Page