|
ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንምንታይ በረኻ ወጺኡ? ሉዓላዊt ሃገር ክምስርት ካብዘለዎ ድሌት ወይስ ካልእ ልኡኽቶ ሒዙ?
ገብረ ሥላሴ ኣርኣያ March 2021 ዓ.ም.ፈ
ብዙሓት ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ተንተንቲ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝምልከት ዝተፈላለዩ ዝቃረኑ ኣተሓሳስባታት ኣለዎም። ገሊኦም ኢሳያስ መቐጸልታ ናይቲ ብግብፂ ተደጊፉ ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ክንፅል በረኻ ወሪዱ ኣብ ከይዲ ግን ተኸፋፊሉ ዝፈረሰ ውድብ ጀብሃ እዩ እንትብሉ፣ ገሊኦም ድማ ኢሳያስ ንታ ብእስላማውያን ትዕብለል ናተብሃለ ዝንገረላ ጀብሃ ውሽጣዊ ሕንፍሽፍሽ ፈጢሩ ክብትና ካብ ኣፄ ኃይለ ሥላሴ ስዉር ልኡኽቶ ሒዙ በረኻ ዝወረደ ኢትዮጵያዊ ዕሱብ ከምዝኾነ ይትንትኑ። ኢሳያስ ንናፅነት ዝተቓለስን ናፅነት ዘምፅአን ጥራይ ዘይኮነስ ኢሳያስ እንተዘይህሉ ናፅነት ኣይምተግሃደን ኢሎም ዝኣምኑን ድኽመቱን ክፍኣቱን ዘይረኣዮም ደገፍቱ እውን ኣለዉ። ብወገነይ ኢሳያስ ንጀብሃ ክብትን ስዉር ልኡኽቶ ሒዙ በረኻ ወሪዱ ዝብል ስነሞገት ሓቅነት ክህልዎ ይኽእል እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ። ከምቲ ዝበሃል ሉዓላዊ ሃገር ክምስርት ከም ዕላማ ሒዙ በረኻ ኣይወፅአን። እንተኾነ ግን በቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈጠረ ፖለቲካዊ ኩነታት ኢሳያስ ነቲ ነፃ ሃገር ምስረታ ዝብል ኣጀንዳ ክቕበል ዝተገደደሉ ኩነታት እዩ ዘሎ። ብካልእ ኣባህላ ውድቀት ንጉስ ኃይለ ሥላሴን ስርዓቶምን ንኢሳያስ በዘይ ጎይታ ኣተሪፉዎ ካሊእ መገዲ ክኽተል ተገዲዱ እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ፡፡ ከመይ ኢሉ ንዝሓትት ለባም እተን ዝስዕባ ታሪኻዊ ሓቂታት ኣንቢቡ ይፍረድ።
ከምቲ ብዙሓት ዝብሉዎ ኢሳያስ ንቶም ብዓረብ ሃገራት ዝድገፉ ከም ጀብሃ ዝበሉ ውድባት ንምብታን ተልእኾ ሒዙ ንበረኻ ዝወጽአ እምበር ካሊእ ኣጀንዳ ኣይነበሮን። ከምዚ ዓይነት ተልእኾ ሒዙ ንበረኻ ዝወጽአ ኢሳያስ ግና እቶም ንጉስ ምስ ሞቱ ስርዓቶምውን ምስ ወደቐ ናብ ዝኸዶ ኣይነበሮን። ናብ ደርጊ ምእታው ድማ ሓደገኛ ኮይኑ ስለዝረኽረቦ ኣብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ካብ ምቕፃል ካሊእ ዕድል ኣይነበሮን። ስለዚህ ጀብሃ ብናይ ውሽጣዊ ሕንፍሽፍሽ ተኸፋፊላ (ፅንሕ ኢላውን ጠፊኣ) ኢሳያስ ድማ ሓደ ክፋል ሒዙ ኣብ ብረኻ ቐፂሉ። ተስፋሚካኤል ጆርጆ ድማ ንዚ ሚስጥር ብጽሑፍ ኣውጺኡዎ። ብዚኣ ዝተቐየመ ኢሳያስ እውን ደርጊ ምስወደቐ ሽዑ ንሽዑ ቐተልቲ ናብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብምስዳድ ኣብ ከባቢ ኢትዮጵያ ሆቴል ንተስፋሚካኤል ጆርጆ ከምዝቐንጸሎ ኣብ ፅሑፍ ኣንቢበ። ቃኘው ሻለቃ ዝነበሩ ወከልቲ መንግስቲ ኣሜሪካ (ሲ.ኣይ.ኤ) ንኢሳያስ ዝሃቡዎ ናይ ተቖፃሪ ሰራሕተኛ ታሴራ እዙይ ይመስል ነይሩ።
Source: http://www.ehrea.org/issaacuse.php 2- ኣብ 1968 ዓ.ም ህወሓት ትግራይ ሪፓብሊክ ዝብል ማኒፌስቶ ምስ ኣርቀቐት ቀዲሙ ዝተቓወመ ኢሳያስ እዩ ነይሩ። እዚ ብክልተ መንገዲ ክንሪኦ ንኽእል ኢና። ሓደ፡ ኢሳያስ ኣብቲ እዋን ዝነበሮ መርገፂ ኢትዮጵያ ተመሊሱ ክመፅኣን ክሸየመላን እምበር ክትበታተን ዝደሊ ኣይነበረን ኢልና ንውሰድ። ክልተ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ከም ናይ ሻዕቢያ ዝበለ እስካብ ናፅነት ዝኸይድ ቃልሲ ክህሉ ኣይደልን ነይሩ። እዚ ካልአዋይ እቲ ናይ ቀረባ ዝነበረ ብፃዩ ሚኒስተር ነበር መስፍን ሓጎስ ከምዝሰማመዐሉ ኣብ ዝተፈላለየ ቃለ መሕትቱ ገሊጹ ነይሩ። 3- ንህወሓት ኮነ ንኻሊእ ወድባት ኢትዮጵያ ቀልጢፎም ናብ ኢህኣፓ ተዘይተዋሂዶም ምንም ዓይነት ትሕብብር ከምዘይገብረሎም ደጋጊሙ ነጊሩዎም። መለስ ዜናዊ ዝርከቦ ጉጅለ ኣይነዛርበኩምን ኢሉ ከምዝመለሶም ተፃሒፉ ኣሎ። እዚ ዝኾነሉ ድማ ደርጊ ቀልጢፉ ካብ ስልጣን ከውርዶ ዝኽእል ኢህኣፓ እዩ፣ ኢህኣፓ ዝመርሖ መንግስቲ እንተተፈጢሩ ድማ ብዝነበሮ ጽቡቕ ርክብ ኣቢሉ እቲ ብረታዊ ቃልሲ ኣቋሪጹ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ስልጣን ድርድር ክኣቱ ድሌት ነይሩዎ ኢለ ይኣምን። ንዚኣ ጭቡጥ መረዳእታ ክትከውን ትኽእል እቲ ምስ ደርጊ ኣብ ምብራቕ ጀርመን፡ በርሊን ዝገበሮ ሕቡእ ድርድር እዩ። ዳዊት ወልደጆወርግስ፣ ካሣ ከበደን ኣሻግሬ ይግለጡን ምስ ኢሳያስ ዝነበሮም ርክብን ርድኢቲን ኣብዚ ቐረባ ዓመታት እውን ዝበሉዎ ንዙይ የጠናኽር። ኢሳያስ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ምስ ደርጊ ናይ ስልጣን ድርድር ክገብር ድሌት እንተርኢ ሽዑ ኣብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝነበረት ህወሓት ድማ ብክሕደት ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ናኸሰሰቶ ነይራ። 4- ሲዳማ ኣርነት ግምባር (ሲ.ኣ.ን) ዝመርሑ ዝነበሩ ኣቶ ወልደኣማኑኤል ዱባለ ንኢሳያስ ኣብ መቓድሾ ረኺቦም ሲዳሞ ክፍለ ሃገር ካብ ኢትዮጵያ ንኽንጸሉ ይቃለሱ ከምዘለዉን ቀደሙውን ተጎቢጦም እምበር ኢትዮጵያዊያን ከምዘይነበሩን ይገልጽሉ። ኢሳያስ ተናዲዱ ሓዊ ኮይኑ 'ከመይ ገይርኩም ከምዚ ዓይነት ኣጀንዳ ትሕዙ። ታሪኽኩም ንምታይ ትክሕዱ' ብምባል ካብ ኣጼ ቴዎድሮስ እስካብ መንግስቱ ኃይለማሪያም ዘሎ ናይ ኢትዮጵያ ታሪኽ ብምትራኽ ሲዳሞ ኣካል ኢትዮጵያ ከምዝኾነት ተረጊጹ ብምንጋር ንምንፃል ‘’ፈጺምና ኣይንሕግዘኩምን’’ ኢሉ ኣፋነዎም። የማነ ተስፋ ገርግሽ፣ ኣብ እዋን ብረታዊ ቓልሲ ኣብ መቓድሾ ናይ ሻዕቢያ ስለያ (ወኪል) ዝነበረ ኣብ መጽሃፉ ዝበሎ ኮይኑ እቲ ምስ ኢሳያስ ዝተገበረ ርክብ ንሱ ከምዘፈጠሮን ኣብቲ ርክብ ከምዝነበረን ዝገልጽ እዩ። ኢሳያስ ንቲ ሕቶ ዝነጸጎ ምኽንያት ድማ ካብታ ናይ 1968 ዓ.ም ዝነበረት ናይ ትግራይ ሪፓብሊክ ጉዳይ ዝተፈለየት ኣይትኸውንን።
5- ደርጊ ናተስዓረ ኣብ ኣፍ ደገ ኣስመራ ምስ በጽሑ በፃዩን ሚስጥረኝኡን ዝነበረ መስፍን ሓጎስ ዝርከቦም ሸሞንተ ማእኸላይ ኮሚቴ ኣኪቡ ''ንሕና ንምንታይ ኢና ብጸቢቡ ንሓስብ ዘለና። ኣግፍሕ ኣቢልና ዘይንሓስብ። ምስ ወያነ ንዘራረብ ኣለና ኢና። ተደራዲርካ እኮ ሓደ ገዚፍ ሃገር ምምስራት ይከኣል ኢዩ።'' ምስበሎም ኩሎም ደንጊጾምን ፍርሒ ውሒጡዎምን ሱቕ ኢሎም። ሽዑ መስፍን ሓጎስ ደፊሩ ''እንታይ ማለትካ ኢኻ፣ ሰላሳ ዓመታት ፎቖዶ ከርተት ክንብል መስዋእቲ ዝተኸፈለ ከምዚ ንምግባር ድዩ፣ እዚ ብወገነይ ዘይቅበሎ ነገር እዩ።'' በሎ። ኢሳያስውን ''እሞ ይትረፍ እንዶ ኣንስ ከም ሓሳብ እየ ኣቕሪበልኩም'' ኢሉ እዛ ዘረባ ኣይደገማን (መስፍን ሓጎስ ብ2018 ዓ.ም.ፈ ኣብ ስዊድን ምስ ዝርከብ TV Sened Eritra ዝገበሮ ቃለ መሕትት)። 6- ኢሳያስ ኣብ ቅድሚ እቲ ሪፈረንደም ይኹን ድሕሪኡ ኣብ ዝሃቦም ቃለ መሕትታት ምስ ኢትዮጵያ ብዝኾነ ኣሬንጅመንት ኣብ ሓደ ምቕፃል ዕጽው ኣይኮነን ክብል ተዛሪቡ ነይሩ። ምስ ጋዜጠኛ ጸሃየ ደባልቀው ዝገበሮ ናይ እንግሊዝኛ ቃለ መሕትት ተወከሱ። 7- ቅድሚ ዶብ ኣመኽኒዩ ምውራሩ ድማ ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ዶብ ትርጉም ዘይብሉ እዩ ከብል ሰሚዕናዮ። ብስሩውን መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሃገረ ኤርትራ ከም ካልኦት ጎረባብቲ ክሪኣ ኣይግባእን ብዝብል ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘዝወጽአ ፖሊሲ ይቃወሞ ነይሩ። 8- ካብ 1983-1990 ዓ.ም ዝነበረ እዋን ቑጠባ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ፅግዕተኛ ኮይኑ ኣብ ዝቕጽለሉ ዝነበረ ኩነታት ድማ ናይ ክልቲኤን ሃገራት መኸላኸሊ ብሓባር ክሰርሕ ሓቲቱ ውዕል ተፈሪሙ። ኢሳያስ ንኢትዮጵያ ከም ድሌቱ ዝገብራ ሃገር እምበር ክፋታሓ ድሌት ከምዘይነበሮ እዩ ዘርኢ። 9- ሓደ ናይ ኤርትራ ኣምባሳዶር ኣብ ኣውስትራሊያ ዝነበረ (ሽሙ ረሲዐዮ ግን ኣማኒ እስልምና ምዃኑ ይዝክር) ደሓር ናይ ፖለቲካ ዑቑባ ሓቲቱ ኣብ ኣውስትራሊያ ዝተረፈን ኣብ SBS Radio Australia ቀሪቡ ከም ዝመስከሮ፡ ናይ ኢሳያስ ናይ ቐረባ ብፃዩ ዝኾነ ናየዝጊ ክፍሉ ኣዲስ ኣበባ መጺኡ ንጠ/ሚ መለስን ዜናዊን ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ስዩም መስፍንን ይረኽቦም። ‘’ንምንታይ ከምቲ ቀዳሞት ኣያታትና ዝሓስቡዎ ዝነበሩ ትግራይ ትግርኚ ኮይና ሓደ ሃገር ዘይንፈጥር ኢሉዎም’’ ይብል። መለስ ዜናዊ ድማ ‘’ፅቡቕ ሓሳብ እዩ ኮይኑ ግና ኣብዚ እዋን ኣብ ዘዘለናዮ ኮይና ንስራሕ። ቀስ ናበልካ ድማ ምዝርራብ ይከኣል እዩ’’ ዝብል ምላሽ ከምዝሃቦ ናይዝጊ ክፍሉ ንቲ ኣብ ኣውስትራሊያ ኣምባሳደር ኤርትራ ዝነበረ ገሊጹሉ (ናይ ኣምባሳደር ቃለ መሕትት ምስ ጋዜጠኛ በየነ ሰመረ ኣብ SBS Radio)። ናየዝጊ ክፍሉ ብዘይ ናይ ኢሳያስ ፍቓድ ከምዚ ዓይነት ኣጀንዳ (ትግራይ ትግርኚ) ሒዙ እስካብ ኣዲስ ኣበባ ክመፅእ ኣይኽእልን። 10- ኢሳያስ እታ ሎሚ ምስ ኣብይ ኣህመድ ዝገብራ ዘሎ ሸፈድፈድውን ንህወሓት ንምቕፃዕ ጥራይ ደሊዩ እዩ ኢልና ኣቃሊልና ኣይንሓልፋን። ኢሳያስ ኣብ ኣዲኣ ኣበባ ናተመላለሰ ብዙሕ ዓዘፍዘፍ ኢሉ እዩ። ሓደ ሓሙሽተ ዝኾና ዘረብኡ ግን ኣቕሊልና ኣይንርኣየን። ሓደ፡ እታ ኣብ ውግእ ዘሕለፍናዮ 30 ዓመታት ከንቱ እዩ። እኹል ምኽንያት ኣይነበሮን ትብል ዘረብኡ። ካልኣይ፡ ኣብይ ኣብ ኤርትራ ኣነ ኣብ ኢትዮጵያ በዘይፍቓድ ከም ድሌትና ክንንቀሳቐስ ኢና ዝብል እውን ቀሊል ጉዳይ ኣይኮነን። ሳልሳይ፡ "እኔና ኢሱ የምንካፈለው ኣሰብ ነው" ትብል ዘረባ ኣብይ ካብ ኢሳያስ እምበር ካብ ጅቡኡ ዘውጽኣ ኣይነበረትን። ራብዓይ፡ "ኣብይ ምርሓና። ንቓል ዓለም ኣይኮነን ኩሉ ሂበካ ኣለኹ" ዝብል ናይ ኢሳያስ ዘረባ ብሓቂ ኢሳያስ ብዝኾነ ፍጡር ክምራሕ ድሌትን ፍቓደኝነትን ከምዘይብሉ ንልዕሊ ክልተ ወለዶ (በረኻ ካብዝወጽእ ጀሚሩ) ብግብሪ ኣመስኪሩ እዩ። ክመርሖ ኣይኮነን ክነቕፎ ዝደፈረውን መወዳእቱ ሞትን ቤት ማእሰርትን ከምዝኾነት ዓለም ብዓለማ ትምስክር። እሞ "ንስኻ ትመርሓና" ክብሎ እንተሎ ኣብይ ኣብ ኢሳያስ ዝለዓለ እምነት ኣሕዲሩ ኢትዮጵያ ንኸረክቦ ምእንታን እዩ። ኮነ ድማ። ሓምሻይ፡ "ኣብ ኢትዮጵያ ንዝካየድ ዘሎ ለውጢ ኢድና ኣጣሚርና ኣይንርኢን" ዝብልውን ኢሳያስ ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ፖለቲካ ሙሉእ ኢዱ ሓዊሱ ክሰርሕ ምሕሳቡን ብግብሪውን ምስርሑን ቐንዲ ምኽንያት ኢሳያስ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዎ ዘይጽንቀቕ ናይ ስልጣን ድሌት እዩ ዘመላኽት። ኢሳያስ ካብ ኢትዮጵያ ነፃ ስለዘይወጽአ ንታ ናፃ ዝወጽአት መሬት ኤርትራ ናብ ዑና ቐይሩ ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ፖለቲካ ተዘፍዚፉ ይነብር ኣሎ። 11- ኣብ ቀረባ 2019 እዋን ኣቦይ ስብሓት ንEthio Forum ዝሃቡዎ ቃለ መሕትት ከምዝገለጹዎ እንተኾይኑ ወኪል መንግስቲ ኣሜሪካ ምስ ሓደ ሱዳናዊ ጀነራል ኮይኖም ኣብ ጽባሕ ናጽነት ኤርትራ ንኢሳያስ ረኺቦም ኤርትራ ሒዝካ ካብ ምንፃል ኣብ ኢትዮጵያ መራሒ ክትከውን ዝብል ሓሳብ ከምዘቕረቡሉ ገሊጾም። እሞ ኢሳያስ ድሌት ከምዝነበሮን ግን እቲ ሕቶ ደንጉዪ ከምዝመጽኦ ምግላጹ ይሕብሩ። 12- ኣብ ሱዳን ኣምባሳድር ኣሜሪካ ዝነበረ ፓውል ሄንዝ ኣብ 1990 ዓ.ም.ፈ ምስ መለስ ዜናዊ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ናይ ኤርትራ መፃኢ ዕድል ሓቲቱዎ ነይሩ። ህዝቢ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ እንተዝቕፅል ሕጉሳት ምኾና ነይርና። እንተኾነ ግን ህዝቢ ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ተነፂሉ ሃገር ክምስርት ዝለዓለ ድሌት ስለዘለዎ ንመሪሕነት ህዝባዊ ግምባር ከሸግሮም እዩ ይብል። መለስ ይቕፅል’ሞ ኢሳያስ ድሕሪ ናፅነት ዝመጽእ ውሽጣዊ ሽግር ስለዝርዳእ ናፅነት ኤርትራ ቐልጢፉ ንምእዋጅ ኣይደልን። እንተኾነ ግን ኢሳያስ ኣብዚ ጉዳይ ንክውስን ሙሉእ ስልጣን የብሉን ይብል መለስ። እዚኣ ምስታ ኣብ ቁ.5 ዝጠቐስኩዋ ንመሪሕነት ሻዕቢያ ምስ ኢትዮጵያ ናይ ምቕፃል ሓሳብ ኣቕሪቡሎምስ መስፍን ሓጎስ ዝነፀጋ ኣተሓሒዝካ ምርኣይ እቲ ጉዳይ ንምርዳእ ይጠቅም። 13- በዓል ጸጋ ዕድመ ኤርትራዊ ኣቦይ ሃብተማሪያም ኣብርሃ (ለንዶን) ድማ ኣብ Tigray Media House ቀሪቦም ቅድም ኢሉ ዘይተሰምዐ ሓበሬታ ሂቦም። ድሕሪ ውድቀት ደርግ ናጽነት ኤርትራ ኣመልኪቱ ካብ ቡትሮስቡትሮስ ጋሊ (ናይቲ እዋን ዋና ጸሓፊ ሕቡራት መንግስታት) ናብ ኢሳያስ ዝመጽአ መልእኽቲ ነይሩ። ንሱ ድማ ህዝቢ ኤርትራ ሪፈረንደም ድሕሪ 8 ዓመት ክገብር ከምዘለዎ ገሊጹሉ። ኢሳያስ ኣበ ኣዲስ ኣበባ ክህልዎ ዝኽእል ናይ ስልጣን ህርፋኑ ንምርዋይ ክብል ጥራይ ሕራይ ኢሉ ከምዝነበረ ይገልጹ። እንተኾነ ግና ይብሉ ኣቦይ ተስፋማሪያም ናይ ሽዑ ፕረዚደንት መለስ ዜናዊ ንቡትሮቡትሮስ ጋሊ ህዝቢ ኤርትራ ንናጽነቱ ከምተቓለሰ ብምግላጽ ኣብ ክልተ ዓመት ሪፈረንደም ክካየድ ከምዘለዎ ብምግላጽ ብቲ እቲ "ጅግና መለስን ናይ ወያነ ብጾቱን" ዝበሉዎ ሪፈረንደም ተገይሩ ኤርትራ ናጽነታ ክትረክብ ኪኢላ እያ ይብሉ። 14- ኣቦይ ሃብተማሪያም ብዛዕባ ደጃዝማች ሰሎሞን ኣብርሃ (ን ኢሳያስ ሓው ኣቡኡን ዘምሃሩዎን) እውን ምስ ጉዳያት ኢሳያስ ኣዛሚዶም ዝብሉዎ ኣለዎም። ኣብ ዘበን ፌደረሽን ብገለ ተወለድቲ ኤርትራ ማሕበር ሓማሴን ከጣየሽ ፃዕሪ ኣብ ዝግበረሉ ዝነበረ እዋን ደጃች ሰሎሞን ኣብርሃ ናብቲ ማሕበር ክጽምበሩ ሕቶ ቀሪቡሎም’ኳ እንተነበረ "ኣነ ኢትዮጵያዊ እየ፡ እንታይ ኣለኒ ምሳኹም" ብምባል ንቲ ዝቐረበሎም መጸዋዕታ ነፂጎምዎ እዮም። ኢሳያስውን ይብሉ ኣቦይ ሃብተማሪያም 'እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ናይ ኣቦ ሓጉኡ መቓብር ክሪኢ ናብ ጎንደር ክይዱ ምስተብሃለ ገሪሙኒ' ብምባል ኣብ መንነት ኢሳያስ ዘለዎም ጥርጣረ ይገልጹ። እወ ኢሳያስውን ኢትዮጵያ ዝምልከት ካብቶም ዘምሃሩዎ ሓው ኣቡኡ ዝወረሶ ኣመለኻኽታ ክህልዎ ከምዝኽእል ምግማት ይከኣል። 15- ''ኢሳያስ ኣፈወርቂ ቅድሚ ፕረዚደንት ምዃኑ ክረኽቦ ዕድል ረኺበ ነይረ። ብሬዚደንት ምስ ኮነውን ኣብ ካልኦት ሃገራት ረኺበዮ ነይረ። ናይ ኢትዮጵያ ምፍርራስ ፍጹም ከምዘይደሊ፣ ንሱ ንከይኸውን ድማ ብዝርዝር ዘረዳኣኒ ኣሎ። ንእኡ ብምእማን ድማ ኣነውን ዝነበረኒ ሓብሬታ ተወሲኹዎ ከምዚ ኢለ ክሓስብ ኣብቂዑኒ እዩ።'' ኣብ 2016 ዓ.ም.ፈ ኣብ ዋሽንግቶን ዲሲ Vision Ethiopia ኣብ ዘዳለዎ መድረኽ ኣምባሳደር ደርግ ካሣ ከበደ ''ኢሳያስ ኣፍወርቂ ኢትዮጵያ ክትብተን ኣይደልን'' ኢሉ ብምዝራቡ ብESAT ንዝቐረበሉ ሕቶ ዝሃቦ መልሲ እዩ ነይሩ። 16 - መንግስቲ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ምስ መንግስቲ ኣብይ ኣህመድን ኣምሓራን ኮይኑ ኣብ ትግራይ ኣቲዩዎ ዘሎ ወራር ብሓደ ወገን ኣብ ትግራይ ዘለዎ ሕዱር ቂም ንምፍዳይ እንትኸውን በቲ ካሊእ ግን ሰብ ዘይብላ ኤርትራ ፈጢሩ ከም ሃገር ከምዘይትቕፅል ንምግባር እዩ። ብዙይ መሰረት ሙሉእ ሰራዊት ምክልኻል ኤርትራ ኣብ ሓዊ ኣእቲዎ ይርከብ። እቲ ዝገርም ካብ 27 ዓመት እስካብ ልዕሊ ሰባዓ ዝገበሩን ኣካላዊ ስንክልና ዘለዎም እውን ኣሰሊፉ እዩ። ኢሳያስ ናብዚ ዓይነት ፅላለ ኣቲዩ ዘሎ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ናይ ምምላስ ሕልሙ ንምግሃድ ጥራይ እዩ ክኸውን ዝኽእል። ንሱ ንምስኻዕ ድማ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዓብይን ንእሽተይ ወለዶ ኣጥፊኡ ዝከላኸለላ ዘይብላ ሃገር ምፍጥር ግድን ገይሩ ስለዝወሰዶ ሰራዊት ኤርትራ ምስቶም ናይ ትማሊ ጨፍጨፍቱ ኣምሓራ ኣሰሊፉ ኣብ ዘይምልከቶ ውግእ ኣእቲዩ የብርሶ ኣሎ። ናይ ትግራይ ህልውና እውን ንቲ ዝሓስቦ ከም ቐንዲ ስግኣት ገይሩ ስለዝቖጽሮ ትግራይውን ክጠፍእ ኣለዋ ኢሉ ይኣምን፤ ይሰርሐሉ ድማ ኣሎ። እዞም ኩሎም ደሚረ ኢሳያስ ዝተናውሐ ብረታዊ ቃልሲ ይኹን ናይ ምንፃል ኣጀንዳኡ ብዘይ ድሌቱ ኩነታት ኣገዲዶዎ እዩ ሃገር መስሪቱ እምበር ምልእቲ ኢትዮጵያ ክገዝእ ሕልሚ ነይሩዎ እዩ እንተበልኩ ዝተጋነነ ኣይኸውንን። እዚ ግን ብሓደ ወገን ህወሓት ምስ ዝሓዞ ፖለቲካዊ ዕላማን መደብን ስለዘይሳነ፣ በቲ ካልእ ድማ ህወሓት ካብ ኣብ ኢሳያስ ኣብ ድሌት ህዝቢ ኤርትራ ዝተመርኮሰ መርገፂ ክሕዝ ስለዝነበሮ ንዝሓለፉ 27 ዓመታት ክሰርሐሉ ኣይከኣለን ነይሩ። ሎሚ ኢሳያስ ዘበን ወፂኡሉ ንዛ ሕልሙ ከሳኽዕ መናእሰይ ኤርትራ ኣብዘይዓውዶም ኣእቲዩ የወድኦም ኣሎ። ኢሳያስ እዚኣ እንተዘይተሳኺዓትሉ እሞ እብ ስልጣኑ እንትቐፂሉ ግን ኣጀንድኡ ኢትዮጵያ ንምብትታን ብትብዓት ምስርሑ ክቕፅል እዩ። ሳላ ድንቁርናን ትምክሕቲን ሊሂቃን ኣምሓራ ድማ ኢትዮጵያ ናይ ምብትታን ጉዳይ ዝቐለለ ኮይኑሉ ኣሎ።
|