|
ትግራይ፣ ሐዚ ኸ ናበይ?
ታሪኩ ተዘራ 07-07-21 መእተዊ፦ ===== እዛ ጽሕፍቲ እዚኣ ቕድሚ ሓሙሽተ ወርሒ (ብ Feb. 6, 2021) ቐዳማይ ረቂቕ ዝተዳለወት ኾይና፣ ቕድሚ ሰለስተ ወርሒ (መጋቢት ፳፮፣ ፳፻፲፫ ዓ.ም. / April 04, 2021) ድማ ሐዚ ብዘለቶ መልክዕ ኮይና -- ቓልሲና "ቓልሲ ምስረታ ሃገረ ትግራይ እዩ!" ኢልና ካብ ብሐዚና እንተነፂርና ንጉዳእ ዶ ንርባሕ? -- ብዝብል ርእሲ ዝተዘጋጅወት እያ። ሐዚ ድማ ንቲ ሐዚ ዘለናዮ "ፍርቂ ዓወት" ብዝምቹ መልክዑ "ትግራይ፣ ሐዚ ኸ ናበይ?" ብዝብል ሓዳስ ርእሲ ተዋሂብዋ ዝቐረበት እያ። ነቲ ሐዚ ዘለናዮ መድረኽ ቓልሲ ከም ሓደ እታወት ትኸውይን እያ ኢለ ድማ እአምን። ~~~~~~~~~~
ፈተና ፀላእና፣ ካብ ዘሎ ነበራዊ ኩነታት (ድልየት ኣሜሪካ፣ ቻይና፣ ራሻ፣ ኣውሮፓ፣ ወዘተ) ይኹን፣ ወላ እውን ኩለን ሃገራት (እታ ትፈርስ ዘላ ኢትዮጵያ ሓዊሱ)፣ ሃገር ክንምስርት ምሳና እንተተሰማሚዐን እውን፣ ሃገር ምምስራት ቐሊል ኣይኮነን፣ እንተነኣሰ ዓሰርተ ዓመት ዝውድእ ዓብዪ ፕሮጀክት እዩ፤ እዙይ ፈሊጥና ሐዚ ዘሎ ቓልሲ "ቓልሲ መሰል ዓርሰ ውሳነ / ዓርሰ ምሕደራ " እምበር "ቓልሲ ምስረታ ሃገር እዩ" ዘይምባልና ትኽክለኛ ኣካይዳ እዩ በሃላይ እየ። "ቓልሲና ቓልሲ ምስረታ ሃገር እዩ ኢልና ብዘይምንፃርና ንኸስር ኣለና!" ዝብል ትርር ዝበለ ሪኢቶ ይዕዘብ እየ፣ ኣነ ድማ ንዙ ሪኢቶ ዙይ ኣይስማዕማዐሉን ጥራይ ተይኮነስ፣ ዝዓዘዘ ኪሳራ ዘኽስረናን፣ ጭራሽ እውን ንዝንተኣለም ከይንዕወተሉ ንኽእል ኪያዶን ስለዝኾነ፣ ከምዚ ዝብሉ ሓሳባት ኣትሪረ ይቃወሞ እየ። ኣብነት ክህብ ይፈቐደለይ፣ ፍሊስጤም (Palestine) ንልዕሊ ሰብዓ ዓመት ሃገር ዘይብሎም ዘለዉ "ቓልሲና ንምስረታ ሃገር እዩ!" ስለዘይበሉ ኣይኮነን፣ እንታይ ድኣስ "ሓየልቲ ሃገራት" (Supper Powers) ክሳብ ሐዚ ስለዘይደገፋኣ እያ ሃገር ዘይኮነት ዘላ፤ ንዝመፅእ ዒስራን ሳላሳን ዓመታት እውን ሃገር ትኸውን ኣይትመስልን። ብጠቕላላ ንልዕሊ ሚኢቲ [ንልዕሊ ሓደ ክፈለ ዘመን] ሃገር ኣይትኾን ዘላ ማለት እዩ። እሞሲ ካብ ናይ ፍልስጤም ተመኩሮ ወሲድና፣ ከመይ እዩ ንዓና ንተጋሩ እዚ ቓልሲ እዙይ "ቓልሲ ምስረታ ሃገር እዩ!" ብምባል ንርብሖ? ዝብል ሕቶ ክንምልስ ዘለና ይመስለኒ። ኣነ ግና እንትርፊ ጉድኣት ምንም ጥቕሚ ዘለዎ ኣይኮነን እየ ዝብል፤ ስለዝኾነ ድማ ኣካይዳ ህወሓት ልክዕ እዩ እየ ዝብል፤ ቓልሲና ቓልሲ መሰል ዓርሰ ውሳነ / ዓርሰ ምሕደራ እዩ ምባል እዩ እቲ ትኽክለኛን ዘርብሐናን ኣካይዳ እየ ዝብል።
ሓደ ሓደ ሰባት ኮሶቮ (Kosovo) ከም ኣብነት የልዕሉ እዮም፤ ኮይኑ ግና ኮሶቮ ዝተፈለየ እዩ ካብ ናትና ናይ ተገሩ/ትግራይ ኩነታት። ሓደ ኮሶቮ ኣውሮፓዊት እያ፤ ምዕራባውያን ድማ ንኣውሮፓን ንኣፍሪካ ዝሪኡሉን መነፀር ሰማይን መሬትን እዩ። ካልኣይ ድማ ሚሎሶቪች (Slobodan Milošević) (ብግዘ ቓልሲ ምስረታ ሃገረ ኮሶቮ ናይ ሰርቢያ/ዩጎዝላቪያ መራሒ ዝነበረ) ዓርኪ ራሻ እዩ ነይሩ፤ ስለዝኾነ ድማ ራሻ ክትዳኸም ዝደልዩ ምዕራባውያን ሃገራት ንኮሶቮ ንምሕጋዝ ብዙሕ ርሕቐት ምኻዶም ዝገርም ኣይነበረን፤ ኮይኑ ግና ኣብይ ኣሕመድ ወላኳ "ኢትዮጵያዊ ሚሎሶቪች" (ኢትዮ360 ሚድያ ሓደ ሻብ "ኣብዮቪች" ኢሎምዎ ነይሮም) ናይ ጦር ወንጀለኛ እንተኾነ፣ ኣመፃፅኣኡ ዓርኪ ምዕራባውያን ኾይኑ ድኣ እምበር ዓርኪ ራሻ ኾይኑ ኣይኮነን በትረ ስልጣን ዝጨበጠ። ሐዚ እውን ኣብይ ኣሕመድ [ምስ ተስፋሕፋሕቲ ሓይልታት ኣምሓራን ኢሳያስ ኣፈወርቂን ኮይኑ] ድሕሪ ዝኹሉ ናይ ኵናት ወንጀል (#WarCrimes) ኣብ ልዕሊ ተጋሩን ካልኦት ብሔራትን ብሔረሰባትን ምፍፃሙ፣ ምዕራባውያን ጠቕሊሎም ሕቖኦም ከምዘይሃብዎ እዩ እቲ ዘሎ መግለፂታት ምዕራባውያን ዘመላኽት፤ ስለዝኮነ ድማ ኮሶቮ ንዓና ንተጋሩ ፅቡቕ ኣብነት ክትኾን ኣይትኽእልን እየ ዝብል። በባይ ርዲኢት፣ ፍልስጤም እያ ንዓና ክንመሃረላ እንኽእል "ሃገር"፣ ወይድማ ብማንም ሃገር ሕጋዊ ኮይና ዘይትፍለጥ ሃገር (De facto state) "ዳርጋ ሃገረ" ሶማሊላንድ (Somaliland) እውን ካልእ ፅቡቕ ኣብነት ክትኾን ትኽእል ኣያ። ሓደ ሓደ ሰባት ድማ ኤርትራ ኣብ ጥቓና እንተላ ንምታይ ኮሶቮን ፍልስጤምን ስር ኣበለካ ይብሉ፤ ሓደ ኤርትራ ድሕሪ ሳላሳ ዓመት ቓልሲ እዮም ሃገር ወኒኖም፣ እሞስ "ቓልሲና ሓፂሪን መሪሪን" ተይኮነስ "ቓልሲና ነዊሕን መሪሪን" እዩ ክንብል ክንግደድ ኢና ማለት እዩ ዝኾን ዘሎ። ንነውሕ ቓልሲ ኸ ተዳሊና ዲና? የዋፀአና ዶ? ዝብሉን ዝመሳሰሉን ሕቶታት ክምለሱ ኣለዎም። ካልኣይ [ቕድሚ ሳላሳ ዓመት / ብ፹፫ዓ.ም.] ህወሓት/ኢህወዴግ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ተዘይቕበሎን፣ ንምዕራባውያን ድማ ድሕሪ ምምስራት ሃገረ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ ሰላማ ዘውሓሰት ሃገር ከምዝገብርዋን ዓርኪ ምዕራባዊያን ክኾኑ ከምዝደልዩን ተዘየእምንዎም ነይሮም፣ ኤርትራ ከም ሶማሊላንድ ("ዳርጋ ሃገረ"/ De facto state) ናይምዃን ዕድላ ሰፊሕ እዩ ነይሩ፤ ስለዝኾነ ድማ ሐዚ ዘለናዮ ኩነታት ኣብ ኢትዮጵያ ንዓና ንተጋሩ ከም ናይ ቕድሚ ሰላሳ ዓመት ህወሓት፣ ፈትዩ "ዘፋንወና" መራሒ ኢትዮጵያ ከምዘየሎ ርኡይ ሓቂ ስለዝኾነ፣ ኤርትራ ከም ኣብነት ክትኾነና ኣይትኽእልን በሃላይ እየ። ወላ ኢትዮጵያ እንተፈረሰት እውን ከም ሶማልያ ንሶማሊላንድ ንሳላሳ ዓመታት ኣፍልጦ ኣይህበክን ትብላ ዘላ፣ ፍራስያ ኢትዮጵያ (failed state Ethiopia) እውን ተንከርከር እናበለት ኣብ ኣፍሪካ ሕብረትን ኣብ ሕቡራት መንግስትታትን ዘለዋ ወንበር ተጠቒማ ኣፍልጦ ኣይክትህበናን። ኣመፃፅኣ ሃገረ ደቡብ ሱዳን (South Sudan) እውን ካብ ኣመፃፅኣ ሃገረ ኤርትራ ብዙሕ ዝተፈለየ ሰለዘይኮነ ኣብነት ክትኾነና ትኽእል ሃገር እያ ኣይብልን። ሓደ ሓደ እውን ታይዋን ከም ኣብነት ክትኾን ትኽእል ይብሉ፣ እዙይ ስሕተት እዩ፣ ሓደ ታይዋን ብመብዛሕትአን ምዕራባውያን ትድገፍ እያ [ካብ ድሕሪ ፪ይ ኵናት ዓለም ኣት ሒዛ]፣ በተለይ ሐዚ ድማ ንቻይና ከዳኽሙ ዝደልዩ ምዕራባውያን ታይዋን "ዳርጋ ሃገረ"/ De facto state ኮይና ክትወፅእ [ተተኻኢሉ እውን ሃገር ክትኾን ይደልያን ይሰርሓን እየን፤ ንትግራይ ግን ሃገር ወይ "ዳርጋ ሃገረ"/ De facto state ክትኾን ዝደልያሉ ምንም ምኽንያት የብለንን፣ ስለዝኾነ ታይዋን ኣብነት ክትኾነና ኣይትኽእልን።
ኣይኾንን ግን ንስነ-መጎቱ (for the sake of argument) ==================================== ኣይኾንን ግን ንስነመጎቱ (for the sake of argument) ከምዚ ኢልና ንሕሰብ፣ ብሳላ ዓወታት ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ (TDF)፣ ሓየልቲ ሃገራት (super powers) ፣ እታ ትፈርስ ዘላ ኢትዮጵያ፣ ተስፋሕፋሕቲ ሓይልታት ኣምሓራን ጎረቤትና ኤርትራን፣ ካብ ዝወረርዎ ቦታታት ትግራይ ወፂኦም፣ ብታ ቕድሚ ኵናት ዝነበረት ካርታ ትግራይ፣ “ሃገር” ክንኾን ተዝስማዕምዑ ኸ፣ ብኹሉ ሸነኽ ብፀላእቲ ዝተኸበበት ትግራይ ሒዝካ ሃገር ምዃን የዋፅአና ዶ?! ኢልና ንሕተት። ሓፂር መልሲ፣ ኣየዋፀአናን። ስለዝኾነ፣ ሓደ ሓደ ሰባት እቲ ሐዚ ዘሎ ቓልሲ ካብ ብሐዚና “ንምስረታ ሃገር እዩ!” ንበል ክብሉ ከለዉ፣ ኣየና ካርታ ትግራይ እዮም “ሃገረ-ትግራይ” ትኹን ዝብሉ ዘለዉ?! ንዓይ እንተነኣሰ ግልፂ ኣይኮነን፣ እንተበዝሐ ድማ፣ ንትግራይ ዘለቐታዊ ሰላምን ልምዓትን ዲሞክራሲን ዘየውሕስ ጉጉይ ኣካይዳ እዩ። ስለዝኾነ፣ በዙይ መዳይ እውን እንተገምጊምናዮ፣ “ቓልስና ንመሰል ዓርሰ ውሳነ/ዓርሰ ምሕደራ እዩ” ምባልና እዩ እቲ ትኽክለኛ ኣካይዳ።
ከም ሶማሊላንድ (Somaliland) ትመስል "ዳርጋ ሃገር" [="ዲፋክቶ ስቴት"] ኸ የዋፅአና ዶ? ======================================================== ከም ሶማሊላንድ (Somaliland) ወይ ታይዋን (Taiwan) ትመስል "ዳርጋ ሃገር" [="ዲፋክቶ ስቴት"] "መማረፂ ሓሳብ" ኣብዚ ሐዚ ግዘ ብዙሕ ዘዋፅአና ሓሳብ ኣይኮነን እየ ዝብል ኣነ። ምስ ኢትዮጵያ ክንቕፅል ተኾይንና፣ ሙሉእ ስልጣንን መብትን እንረኽበላ ኢትዮጵያ እምበር ከም እኒ ታይዋን / ሶማሊላንድ ዝበለት ["ዳርጋ ሃገር" / "ዲፋክቶ ስቴት" ትግራይ] "ፅግዕተኛ ትግራይ" ምንም ኣይረብሐናን። ከም ታይዋን / ሶማሊላንድ ዝበልት ትግራይ ["ዳርጋ ሃገር" ትግራይ]፣ ድሕሪ ዝኹሉ ጨፍጫፍን ዅናትን ዘየዋፅእ መማረፂ እዩ ኢለ እየ ዝኣምን ኣነ። ቕድሚ ኹናት ተትኾን ግን ደሓን መማረፂ ነይሩ። ህወሓት እውን ቕድሚ ዅናት ኣብዚ ሓሳብ እናሰርሐትሉ እያ ነይራ፤ ኵናት ተዘይእወጀና ናብኡ ገፅና ኢና ናምራሕና ነይርና። ብተወሳኺ እኒ ሶማሊላንድን ታይዋንን ዝመሰላ ዳርጋ ሃገራት ምስ ዓለም ዝራኸባሉ ናይ ባዕለን ናይ ባሕሪ በሪ ኣለወን ምዃኑ እውን ኣይንረስዕ። ስለዝኾነ ድሕሪ ዝኹሉ ጨፍጫፍን ኵናትን፣ ባሕሪ በሪ ዘይትውንን ዳርጋ ሃገር ትግራይ ኣይተዋፅአናን።
መማረፂ ሓሳባት =========== ብዝተፈላለዩ ውሽጣዊን ደጋዊን ምኽንያታት፣ ንዝመፅእ ዒስራ ሰላሳ ዓመታትን ሃገር ናይ ምዃን ተኽእሎ ዳርጋ ሕልሚ እዩ ካብ በልኩ፣ ከም ሶማሊላንድ (Somaliland) ትመስል "ዳርጋ ሃገር" [="ዲፋክቶ ስቴት"] እውን ድሕሪ ዝኹላይ ጨፍጫፍ ኣየዋፅአናን ካብ በልኩ፣ እንታይ ድኣ ንግበር???? ቕድም ቐዳድም፣ ወረርቲ ሓይልታት ካብ ትግራይ ጥራይ ተይኮነስ መሊኦም ክቃበፁ [ካብ መላእ ኢትዮጵያን ካብ መላእ ኤርትራን] ናይ ግድን እዩ። ድሕሪኡ ብዙሓት መማረፂታት ሰሪዕኻ ዘዋፅእ ምግባር እዩ። ብናይ ምዃን ተኽእሎኦም ዕብየትን (high probability) ብናተይ ኣረኣእያን ንዓና ንተጋሩ የዋፅኡ እዮም ብዝበልክዎም (long run advantage)፣ ሓደ ሰለስተ መማረፂታት ከቕርብ፣
፩፦ ዓበይቲ ሕገመንግስታዊን ጂኦግራፊያዊ ዶባትን ምምሕያሻት ጌርኻ ምስ ኢትዮጵያ ምቕፃል [ባሕሪ ትውንን ትግራይ+ዓፋር / ስእሊ ፩] ==================================================================================== ክልተ ዓበይቲ ተናሓናሕቲ ጥምረት ፖለቲካ ተፈጢሩ፣ ትግራይ ምስ ሕብረ ብሄራዊያን ፌደራላዊያን ሓይልታት ኾይና [እቲ ኻልአዋይ ኣሃዳዊ ጨፍላቒ ሓይሊ ኮይኑ፣ ብትኽለኛ መረፃ ተቓዋሚ (ኣብ ክልል ኣምሓራ ድማ ገዛኢ ውድብ ኾይኑ)]፣ ዓበይቲ ናይ ሕገመንግስቲን ናይ ጂኦግራፊን ምምሕያሽ ተኻይዱ፣ ኢትዮጵያ ንኽትቕፅል ምግባር። እዙይ መብዛሕትአን ሓየልቲ ሃገራት (Supper powers) ብዙሕ ዘይቃወሞኦ ስለዝኾነ ናይምዃን ተኽእሎኡ ሰፊሕ እዩ። እተን ዋና ዋና ናይ ሕገመንግስቲን ናይ ጂኦግራፊ ዶባትን ምምሕያሻት ከምዝስዕብ ሓደ ሽዱሽተ ዝኾና ክዝርዝር፣ ካልኦት እውን ሓሲብኻን ኣፅኒዕኻን ክውሰኹ ይኽእሉ፦ i. በዝሒ ህዝቦም ብዘየገድስ ኩሎም ብሄራት ኢትዮጵያ ማዕረ ክልተ ክልተ ወይ ሰሰለስት ኣብ ፌደረሽን ምክርቤት ዝውከሉሉ መስርሕ ክህሉ ሕገመንግስቲ ምምሕያሽ። [ልክዕ ከም ናይ ኣሜሪካ ሰኔት ዋዮሚንግን ካሊፎርኒያን ማዕረ ክልተ ሴናተራት ዘለውወን።] ii. ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ብወሳንነት ንፌደረሽን ምክርቤት [ልክዕ ከም ተወከልቲ ምክርቤት] ተሓታቲ ክኾነ ምግባርን፣ ናይ ፌደረሽን ምክርቤት ስልጣን ክዓቢ ምግባር። [ልክዕ ከም ናይ ኣሜሪካ ሉዑል ስልጣን እታ ሃገር ኣብ ሰኔት ዝኾነ፣ ኣብ ፌደረሽን ምክርቤት ክኾን ምግባር።] iii. ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር ስልጣን ተቐኒሱ ናብ ፌደረሽን ምክርቤትን ናብ ርዕሰ ብሔር (ፕረዚደንት) ክኸድ ምግባርን፣ ከም ኣብይ ኣሕመድ ዝበለ ሓደ ደንቆሮ እንተስ በጋጣሚ እንተስ ብምጭብርባር ስልጣን እነተሒዙ ብዙሕ ጉድኣት ኣብ ሕገመግንስታዊነትን ኣብ ሃገርን ዘየብፅሐሉ መስርሕ ምፍጣር። iv. ፌደረሽን ምክርቤት ምሉእ ናይ ሕገመንግስቲ ትርጉም ስልጣን ክህልዎ ምግባርን፣ ከም እኒ ወ/ሮ መዓዛ አሸናፊ ዝበለት ሓንቲ ደደብ ጠቕላይ ፍርድቤት ፕረዚዳንት እንተኾይኑ/ና ብዙሕ ፀገም ዘይበፅሓሉ ጌርካ ሕገመንግስቲ ምምሕያሽ። v. ዋና ከተማ እታ ሃገር ሓደ ምዃኑ ተሪፉ ሓደ ሰለስተ ክኾና ምግባርን፣ መቐለ ናይ ፌደረሽን ምክርቤት፣ መከላከያ ሚኒስተር፣ ዝኣመሰሉን ሓደ ሰለስተ ወሰንቲ ዋና ሚኒስተር መስርያ ቤት ክህልዋ ምግባር። እዙይ ከም ኣብይ ኣሕመድ ዝበለ ሓደ ደንቆሮ እንተስ ብምጭብርባር እንተስ በጋጣሚ ስልጣን እንተሒዙ ብዙሕ ጉድኣት ከየብፅሕ ዕድል ይህብን፣ ብተወሳኺ ድማ ኢኮኖሚ እታ ሃገር ካብ ኣዲስ ኣበባ ቐኒስኻ ካልኦት ክፍሊትት እታ ሃገር እውን ክጥንክራ ይገብር። vi. ኤርትራ ብጠቓላላ ናብ ኢትዮጵያ ተመፂኣ ፅቡቕ፣ ተዘይመፂኣ ግን [ብሓይሊ] ናይ ኤርትራ ዓፋር ናብ ናይ ኢትዮጵያ ዓፋር ክሕወሱ ጌርኻ፣ ኢትዮጵያ ብዓፋር (ትግራይ+ዓፋር) ኣቢልኻ ባሕሪ ክትውንን ምግባርን ዓፋር ድማ ምስ ኣዲስ ኣበባ ብመሬት ምርኻብን ወዘተን ዝመሳሰሉ ዓበይቲ ጂኦግራፍያዊ ዶባት ምምሕያሻት ምግባር። ንዚኦምን ዝመሳሰሉን ዓበይቲ ጂኦግራፍያዊ ዶባትን ሕገመግንስታዊን ምምሕያሻት ንኽግበሩ መፅናዕትታት ካብ ብሐዚኻ ምግባር፣ ንኽትግበሩ ምቅላስን። ሓደ ሓደ ሰበት ኣብ ትግራዋይ ብትምክሕቲ (ኣሓዳዊ ጨፍለቕቲ) ሓይልታት ዘሎ ዝኸሓነ ፅልኢት ከም ኩሉ ብሄራትን ብሄረሰባትን ንትግራዋይ ዝፀልእ ጌርኻ ምቕራብ ኣሎ፣ ስለዝኾነ ድማ ድሕሪ ሐዚ ተመሊስኻ ናብ ኢትዮጵያ ዝበሃል ዘረባ ዘይኾን እዩ ይብሉ፣ እዙይ ግን ስሕተት እዩ።
image.png
ስእሊ ፩፦ ትግራይ+ኣገው+ቆቦ+ቅማንት/ስጋብ መተማ+”ምሉእ ዓፋር”[ባሕሪ ትውንን]+ምስ ኣዲስ ኣበባ ብመሬት ትራኸብ ትግራይ።
፪፦ ትግራይ+ኣገው+ቆቦ+ቅማንት/ስጋብ መተማ+ዓፋር+ኤርትራ [ባሕሪ ትውንን]+ምስ ኣዲስ ኣበባ ብመሬት ትራኸብ [ስእሊ ፩] =============================================== ኤርትራ ምሳና ክኾኑ ዝደልዩ ተኾይኖም፣ ምስ ዓፋርን አገውን ወዘተን ተሓባቢርኻ፣ ናብ ሰሜን ገፅና ምኻድን፣ ዓፋር ድማ ምስ ኣዲስ ኣበባ እትራኸበሉን ኣብኡ ዘሎ ዓሰርተ ሚኢታዊ ዝኾን ህዝቢ ዓፋር፣ ትግራይን ኤርትራን ብመሬት ምርኻብን ፣ ኣዲስ ኣበባ ሓበራዊት ከተማ ኮይና ንኽትቅፅል ምቅላስን።
፫፦ ትግራይ+ኣገው+ቆቦ+ቅማንት/ስጋብ መተማ+”ምሉእ ዓፋር” [ባሕሪ ትውንን]+ምስ ኣዲስ ኣበባ ብመሬት ትራኸብ [ስእሊ ፩] =============================================== ኤርትራ ምሳና ክኾኑ ተዘይደልዮም፣ ምስ “ምሉእ ዓፋር” [ናይ ኢትዮጵያን ናይ ኤርትራ ዓፋርን] አገውን ወዘተን ሒዝካ፣ ዓፋር ድማ ምስ ኣዲስ ኣበባ እትራኸበሉን ኣብኡ ዘሎ ዓሰርተ ሚኢታዊ ዝኾን ህዝቢ ዓፋር፣ ትግራይን ወዘተን ብመሬት ምርኻብን፣ ኣዲስ ኣበባ ሓበራዊት ከተማ ኮይና ንኽትቅፅል ምቅላስን ሓዳሽ "ዳርጋ ሃገር" [="ዲፋክቶ ስቴት"] ምፍጣርን። ካልኣይን ሳልሳይን መማረፂታት ናይ ምዃን ዕድለን ፀቢብ እዩ፤ ምኽንያቱ፣ ትግራይ ካብ ኢትዮጵያ ተወፂኣ፣ ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ኦሮሞን ኣምሓራን ተሓባበርቶምን ብዝግበር ሕድሕድ ኵናት ክትሕመስ ስለዝኾነት፣ ምዕራባውያን ድማ እዙይ ስለዘሻቕሎም፣ ከምቲ ኢትዮጵያ ገንዘብ እናተከፈላ ሶማልያ፣ ደቡብ ሱዳን፣ ላይበርያ፣ ወዘተ እናኸደት ሰላም እተኽብር ዝነበረት፣ ሐዚ ድማ ትግራይ ንኢትዮጵያ ሰላም ክተኽበረሎም ስለዝደልይዋን፣ ትግራይ ሃገር ክትኾን ኣይፈቕዱን። እኒ ኣሜሪካ ተዘይፈቒዶም ድማ ያው ቕድም ኢለ ከምዝበልክዎ ሕልሚ እዩ ዝኾን ዘሎ፣ ንዝመፅእ ዒስራ ሰላሳ ዓመታት ኣይሳኻዕን።
መደምደሚ ======= ሐዚ እቲ ቓልሲ ንመሰል ዓርሰ ውሳነ ወይ ዓርሰ ምሕደራ እዩ ምባልና ትኽክል እዩ፤ ድሕሪ ምቅባፅ ወረርቲ [ካብ ኣዲስ ኣበባን ካብ ኣስመራን] እውን ተጓይና ናብ ዓርሰ ውሳነ ተይኾነ ንኸድስ ዘዋፅኡና ኣየናይ እዮም ኢልና፣ ናይ ምዃን ተኽእሎኦም እውን ብድምቢ ገምጊምና፣ ኢና ክንውስንን ንሕና ብንደልዮ ክንቓንዮን ዝግባእ እብል። እዙይ ክኸውን ግና ሐዚ ብዘለዎ ጓህሪ ቓልሲ ክቕፅልን ወረርቲ ሓይልታት ተሎ ክቃበፁን ክንብርትዕ ግድን እዩ።
ሐዚ እቲ ቓልሲ ንምስረታ ሃገር ዶ? ንመሰል ዓርሰ ውሳነ ወይ ዓርሰ ምሕደራ? ዝብል ሕቶ ክንምልስ ብምፍታን ኣብ ህዝቢ ትግራይ ክፍፍል ከይመፅእ ክንጥንቀቕ ይግባእ። ናይ ግድን ክንምልስ ኣለና እንተ ኢልና ድማ ትግራይ ዘለቐታዊ ሰላም፣ ድሕንነት፣ ልምዓት፣ ዲሞክራሲን ዘውሕስ፣ ናይ ግድን ባሕሪ በሪ እትውንን ሃገር እምበር ቕድሚ ኵናትን ጨፍጫፍን ትግራይ ዝነበረት ካርታ ትግራይ ሓሲብና ክንንቀሳቐስን ክንቃለስን የብልናን በሃላይ እየ። የቐንየለይ። ክብርን ሞገስን ንሰማእታትና። ትግራይ ትስዕር። #ታሪኩ_ተዘራ
=========================================== ተወሰኽቲ ምስዙ ርእሲ ዙይ ዝራኸቡ (ከም ኣድላይነቶም ትሕዝቶ እቶም ጽሑፋት ክቐርቡ ዝኽእሉ) ማራጎድቲ ጽሑፋት፦ =========================================== (1) የ "ምሰሦ" እና "ጭራሮ" ፖለቲካ በኢትዮጵያ / "Majority" vs. "minority" politics in Ethiopia [March 02, 2019] (2) ክልተ የዕሩኽ ነይሮም፤ ሓቢሮም ነጊዶም ሃፍቲሞም፤ ቢልየናት ትርልየናት ወኒኖም፤…. [Dec. 07, 2020] (3) ቻው ኢትዮጵያ እና ኢትዮጵያዊነት!!! [Jan. 15, 2021] (4) ኣዲስ ኣበባ ከም እየሩሳሌም [Jan. 15, 2021] (5) ናይልቡ ዝገብር፣ ንንኡ ዘይነግር [Jan. 20, 2021] (6) ቓልሲና "ቓልሲ ምስረታ ሃገረ ትግራይ እዩ!" ኢልና ካብብሐዚና እንተነፂርና ንጉዳእ ዶ ንርባሕ? [Feb. 5, 2021] (7) "በትክክለኛ እና ፍትሓዊ ምርጫ ኢትዮጵያን ማስቀጠል"፣ ወይስ "የየራሳችን ክልል ይዘን መገነጣጠል"? [Feb. 28, 2021] (8) የኢትዮጵያ የፖለቲካ ኃይሎች ወቅታዊ ቁመና እና የማይቀረው ድርድር [Mar. 13, 2021] (9) ኣብ ፹፫ ዓ.ም. ብዓወት ዝተዛዘመ ቓልሲ (፪ይ ወያነ) ዝተገበረ ጌጋ ኣይነበረን!!! [Mar. 15, 2021] (10) ሐዚ ኸ ትግራይ ናበይ ገፃ? ናብ ሰሜን ዶ፣ ናብ ደቡብ? [Mar. 15, 2021] (11) [ሕቶን መልስን ፩] -- ሐዚ ኸ ትግራይ ናበይ ገፃ? ናብ ሰሜን ዶ፣ ናብ ደቡብ? [Mar. 16, 2021] (12) [ሕቶን መልስን ፪] -- ሐዚ ኸ ትግራይ ናበይ ገፃ? ናብ ሰሜን ዶ፣ ናብ ደቡብ? [Mar. 16, 2021] (13) [ሕቶን መልስን ፫] -- ሐዚ ኸ ትግራይ ናበይ ገፃ? ናብ ሰሜን ዶ፣ ናብ ደቡብ? [Mar. 17, 2021] (14) ሐዚ ኸ ትግራይ ናበይ ገፃ? ናብ ሰሜን ዶ፣ ናብ ደቡብ? [ክፋል ፭] [Mar. 19, 2021] (15) ድሕሪ ዓወት ኣዲስ ኣበባ ከመይ "ሓበራዊት" ከተማ/ክልል ክትኾን ትኽእል? [Mar. 20, 2021] (16) "ዳርጋ ሃገር" [="ዲፋክቶ ስቴት"] ንዓና ንተጋሩ የዋፅአና ዶ? [Mar. 26, 2021] (17) "ዳርጋ ሃገር" [="ዲፋክቶ ስቴት"] ንዓና ንተጋሩ የዋፅአና ዶ? [ክፍሊ ፪] [Mar. 28, 2021] (18) "ዳርጋ ሃገር" [="ዲፋክቶ ስቴት"] ንዓና ንተጋሩ የዋፅአና ዶ? [ክፍሊ ፫] [Mar. 28, 2021] (19) ትግራይን ዓፋርን ድሕሪ ዓወት ኵናት ትግራይ! [Mar. 29, 2021] (20) ታች ካለው ስታትስቲክስ/ቁጥር በስተጀርባ ምን እንገነዘባለን?[Apr. 01, 2021] (21) ቓልሲና "ቓልሲ ምስረታ ሃገረ ትግራይ እዩ!" ኢልና ካብ ብሐዚና እንተነፂርና ንጉዳእ ዶ ንርባሕ? [April 04, 2021] (22) እቲ ዋና ፀገም፣ "ኣይድዮሎጂ" ዶ ወይስ "ሃገረ-ትግራይ ክንምስርት ኢና" ምባልና? [April 08, 2021] (23) 'ውናት' ልክዕ ኣይነበረትን! [April 20, 2021] (24) "ሃገረ ትግራይ ሎሚ ወይ ፅባሕ" ትብል ኣጀንዳ ንቐንስ፣ "ዝተመረፀ መንግስቲ ትግራይ ናብ ቦቱኡ ይመስለ" ትብል ግን ብደምቢ ነራጉዳ ነገውዳ!!! [May 14, 2021] (25) ፀላእትና ነለሊ! [May 28, 2021] (26) ፀላእትና ነለሊ! [ቑፅሪ ፪] [June 11, 2021] (27) "ግዘን መስዋእትን ክነሕፅር ኣብ ደገን ኣብ ውሽጥን ዘለና ክንሓብር ኣለና!!!!" ~~~ ጀነራል ምግበይ [June 17, 2021] (28) ፌደረሽን ምኽሪቤትን ወሰንቲ ሚኒስተር መስሪያቤታትን ኣብ ትግራይ ሽኻሎም ክኾን ምግባር ትርጉሙ ቐሊል ኣይኮነን፣ ዘላቒ መፍቲሒ ዝኾን ደኣእምበር! [June 18, 2021] (29) "ረኺብናዮ ዘለና ደገፍ ዓለም ከይንስእኖ፣ እንዛረቦምን እንገብሮምን ነስተውዕል!!!" ~~ ኣያና ተጋዳላይ ስየ ኣብርሃ [June 20, 2021] (30) ደስ ዝብልን ብዓወታት ወፍሪ ኣሉላ ኣባነጋ ዝተሰነየን ናይ ሰማእታት ዕለት መግለፂ! [June 22, 2021] (31) ትግራይ ድሕሪ ዘይተርፍ ዓወት!!! [June 22, 2021] (32) ከመይ ዝበለት ኢትዮጵያ እያ ንዓና ንተጋሩ ተዋፅአና?! [June 29, 2021] (33) ከመይ ዝበለት ኢትዮጵያ እያ ንዓና ንተጋሩ ተዋፅአና?! [ቑፅሪ ፪] [June 30, 2021] (34) ከመይ ዝበለት ኢትዮጵያ እያ ንዓና ንተጋሩ ተዋፅአና?! [ቑፅሪ ፫] [June 30, 2021] (35) ናይ ፲፯ ክፍለ ዘመን ካርታ ትግራይ ኸ ተዋፅ አና ዶ? -- [Jul. 05, 2021] |