Back to Front Page

ንትግራይ ዝረብሕ ኣፈላላያትና ብምርድዳእ ምፍታሕ ‘ዩ፥ ትግራይ ትዓቢ!

ንትግራይ ዝረብሕ ኣፈላላያትና ብምርድዳእ ምፍታሕ ‘ዩ፥ ትግራይ ትዓቢ!

 

ሙሉጌታ ወልደገብርኤል 08-24-21

 

 

ትርጉም፥ “መሪሕነት ትግራይ” ዝብል ቃል መንግስቲ ትግራይ ማለት ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብቲ ናይ ሀገራዊ ጉዳይን ፖለቲካዊ መድረኽን ንጡፍ ተሳትፎ ዘለዎን ዝገብርን ናይ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ውድባት አካል ዝኾነ ማሕበረሰብ ብሓፈሻ ንምምልኻት ዓሊሙ ኣብ ጥቕሚ ዝወዓለ ቃል ’ዩ።  

 

ዓላማ ናይዚ ጽሑፍ፥ ሃለዋትናን ድሕንነትናን ንምርግጋፅ ኣብ ዝገብረ ህዝባዊ ቃልሲ ውፅኢታዊ ንክኸውን ካብ ዝገበሩ መስተጋብራት ሓደ ስጡም ትግራዋይ ሓድነት ይጥቀስ። መፃኢ ዕድል ህዝብናን ዓድናን ከምኡ ‘ውን ቀፃሊ ህንፀት ሀገራዊ ጉዕዞና ስሉጥን ምዕሩግን ስሙርን ዕውቱን ንክኸውን ዓላማ መሰረት ዝገበረ ትግራዋይ ሓድነትና ብቐፃልነት ምድንፋዕ ስለ ዝሓተናን ዝግበኣናን እዚ ንምግባር ዘኽእለና ድማ ኣብ መንጎና ክፍጠር ዝኽእል ናይ ሓሳብ ኣፈላላያት ብምርድዳእ፣ ብምክእኣልን ምቅብባልን ክንፈትሖ ይግባእ ንማለት ዝተዳለወ ሓፂር ፅሑፍ ‘ዩ። 

 

መእተዊ፥ ኣብ መንጎ ደቂ ሰባት ዘሎን ክህልው ዝኽእልን ናይ ሓሳብ ኮነ ካሊእ ኣፈላላይ ባህሪያዊ ‘ዩ። ደቂ ሰባት ብተፈጥሮና ብቑፅርና ልክዕ ኣፈላላይ ዘለና ፍጡራት ‘ውን ኢና። ናይ ሓሳብ አፈላላይ ኣባና ኣብ ተጋሩ ኣይተጀመረን ኣብ ሎሚ በፂሑ ንዓና ንተጋሩ ክብል ድማ ደው ዝብል ነገር ኣይኮነን። መሬት ክሳብ ዘላ ሰዓት ንፋስ ክህልው ግድነት ስለ ዝኾነ ድማ ኣብ መንጎ ደቂ ሰባት ዘሎ ኣፈላላይ ግድን ኮይኑ ክቕፅል ‘ዩ። ብኻሊእ ኣባህላ፥ ህልውና ንፋስ ከብቅዕ ዝኽእል ህልውና መሬት እንተብቅዕ ጥራሕ ስለ ዝኾነ ኣብ መንጎ ክልተ ሰባት ክእልው ዝኽእል ኣፈላላይ ደው ክብል ዝኽእል ሓዲኦም ካብ ሰብነት ናብ በድንነት እንትልወጡ ጥራሕ ‘ዩ። ቅልል ብዝበለ ትግርኛ፥ ኣፈላላይ ኣካል ህልውና ደቂ ሰባት ጥራሕ ዘይኮነስ መቐረት ህይወት ኣፈላላይና ምኻኑ ‘ዩ። እቲ ዝገርም፥ ልምዓት ኮነ ጥፍኣት ናይ ኣፈላላይ ውፅኢት እንትኾን ኣፈላላይ ባዕሉ ግን ፀረ-ህልውና ደቂ ሰባት ኮይኑ ኣይፈልጥን።

 

እቲ ሓቂ፥ ኣፈላላይ ባዕሉ ናይ ዕንወትን ጥፍኣት መሳርዕ ተዝኸውን ነይሩ ዓለም ብዓለማ አሸሓት ዓመታት ኣይመቑፀረትን ነይራ። አፈላላይ ፀረ ህልውና ደቂ ሰባት ኮይኑ ከም መሳሪሒ ዝውዕለሉ አጋጣሚ ግን ኣዝዩ ሰፊሕ ‘ዩ። ንኣብነት፥ ኣነ ዝደልዮ ነገር ኣሎ ንበል። እዚ ኣነ ዝደልዮ/ዝደለኽዎ ነገር ግን ናይ ካልኦን ኣካላት ግዝኣት ዝትንክፍን ዝዕድምን እንተድኣ ኾይኑ፥ ዝደለኽዎ ንኽረክብ እንተንኣሰ ክልተ አንጻራዊ ኣማራፂታት ኣለውኒ። እቲ ሓደ፥ ፈትየ ድዩ ከይፈተኹ ድልየተይ ምስ ዘተናኸፈኒ ኣካላት ክዘራረብ፣ ክመያየጥን ክረዳዳእን ዝጠልብ እንትኸውን ንኽቕበል ክህቦ ዝግበኣኒ ነገር እንተ ድኣ ሃልዩ ድማ ንምቕባል ብዘለኒ ህርፋን ልክዕ ናይ ምሃብ ድሌት ክህልወኒ ክኽእል ኣለዎ። ዝደለኽዎ ንኽረክብ ብግልፂ ምሕታት ጥራሕ ዝሓትት እንተ ድኣ ኾይኑ ብተመሳሳሊ ካባይ ዝሕለው ፍቓድ ምሕታት እንተ ኾይኑ ፍቓድ ክሓትት ክኽእል ኣለኒ። እዚ ኹሉ ከይገባርኩ (ከተማኸርኩን ኢህን ምሂን ከተባሃልኩ) ድልየተይ ንምርካብ ዝኽተሎ ፍትሓዊ ዘይኮነ መንገዲ ግን እቲ ካልኣይ መማረፂ መንገዲ ‘ዩ። መዋዳእትኡ ንኹሉ ናብ ሁከትን ዕግርግርን ዘእትው ተመራፂ ዘይኮነ መንገዲ ‘ዩ።

Videos From Around The World

 

ኣፈላላይ ከመይ ይፍታሕ?

 

ኣብ መንጎ ክልተን ካብኡ ንላዕልን ዝኾኑ አካላት ክፍጠር ንዝኽእል አፈላላይ ናይ ጎንጽን ቅርሕንት ምኽንያት ቅድሚ ምኻኑ ተዋሳእቲ አካላት ኣፈላላዮም ብሰላማዊ መንገዲ ናይ ምእላይ ባህጊ እንተሃሊዎም፤ ፀዓዱ፥ “Where there's a will there's a way” ከም ዝብልዎ ንዝተፈጠረን ክፍጠር ንዝኽእልን ኣፈላላይ ንምእላይ ኮነ መፍትሒ ንምንዳይ ብዙሕ ዘፀግምን ዝተወሳሰበን ከም ዘይኮነ ‘ዩ። መጽሐፍ፥ “ሓውኻ እንተ በደለካ ኪድ ንስኻን ንሱን ኣብ በይንኹም ግንሓዮ፤ እንተ ሰምዓካ ንሓውኻ ረባሕካዮ፤ እንተ ዘይሰምዓካ ግና ብኣፍ ክልተ ወይስ ሰለስተ ምስክር ኵሉ ነገር ክጸንዕ ሓደ ወይ ክልተ ምሳኻ ውሰድ፤ ንኣታቶም እንተ ዘይሰምዖም ከኣ ንማሕበር ንገራ፤ ነታ ማሕበር እንተ ዘይሰምዓ ግና ከም ኣረምን ከም ተጋውን ርኣዮ” ከም ዝብሎ (ማቴ 18፥ 15-17)። ኣብ መንጎና ንዝፍጠር ናይ ሓሳብ ኣፈላላይ፥ ነንሕድሕድና ብምዝርራብ፣ ብምይይጥ፣ ብኢህን-ምሂን፣ ጭብጥን መርትዖን መሰረት ብዝገበረ ሞገትን ናይ ሓሳብ ልዕልናን ብምእማን ክንፈትሖን ክንኣልዮን ንኽእል ኢና። ኣፈላላያትና በምይይጥ ክንፈትሖ እንተ ዘይክኢልና ድማ ብህዝበ ውሳኒ ዕልባት ንኽረክብ ናብ ህዝብ ንኽወርድን ንክቐርብን ብምግባር ይከውን።

 

እቲ ዋና ቑምነገር ኣፈላላይ እንትፍጠር መፍትሒ ዘይብሉ ኣፈላላይ ክህልው ከም ዘይኽእል ብምእማን ኣፈላላይና ብሰላም መፍትሒ ንኽረክብ ድልዋት ምኻን ጥራሕ ‘ዩ ዝሓትት። ቅድሚ ሐዚ እዚኣ ብዘይምግባርናን ብዘይምኽኣልናን ዝተልዓለ ተጋሩ ከም ህዝቢ ዝኸፈልናዮን ዘኽፍለናን ዘሎ ማህሰይቲ ንፀላኢ ኣይምነየሉን። ብሰሜን ኮነ ብደቡብ በምዕራብ ይኹን በምብራቕ ዘለዉን ዝርከቡን ናይ ትምክሕቲ ሓይልታት ካብ ውሽጦም ብዝምንጩ ዓቕሚን ጉልበትን ተላዓዒሎም ቅድሚ ሕዚ ንትግራይን ህዝቢ ትግራይን ዝተታናኾልሉ ዘመን ብታሪኽ ንጨና ደሊና ኣይንረክብን። መሪሕነት ትግራይ ሰላም አላርጂክ ኮይንዎ ኣብ ውሽጡ ብዝፍጠሩ ዘይምቅድዳዋት ዝተለዓለ ዝጥጥዕ ሰንኮፍ ግን ነንባዕልና እናተናኸስና ከም ኣሜባ እንትንቆራረጽ ህዝብና አደዳ መድሓርሓርትን ጉሒላታት አስመራን ኣዲስ ኣበባን ኮይኑ ሕሰምን መከራን ሞትን ህልቂትን ክስንይዎ ብዓይንና ርኢና ኢና። እዚኣ ግን ሎሚ ኣብዚ ደው ክትብል ኣለዋ።  

 

ብኸመይ? ልዕሊ ኹሉን ቅድሚ ኹሉን መሪሕነት ትግራይ ቅንዕናን ግልጽነትን ገንዘቡ ይግበር፤ ሃሳብ ዘለዎም ሰባት ሓሳቦም ብነጻነት ክገልጽሉ ዝኽእልሉ ነጻን ፍትሓውን ዝኾነ መድረኽ ይፈጠር፤ ህዝቢ ትግራይ ዘዋፅኦ ዝፈልጥ ህዝቢ ኢዩሞ ከም ህዝቢ፥ ዝቕበሎ፣ ዝኣምነሉ፣ ዝሕሾን ዝጠዓሞን ሃሳብ ንኽድግፍን ንኽሽምትን ዘኽእሎ ባይታ ይፈጠረሉ (ሪፈረንደም)፤ ህዝቢ ትግራይ ዲሞክራሲያዊ መሰሉ ተሓሊይሉ ብመስዋዕቲ ደቁ ንዝጎናጽፎ ዓወትን ሓጎስን ዓወትና ‘ዩ! ኢልና ኩልና ከም ተጋሩ ምስ ህዝብና ንተሓጎስ።  

 

ዓሰርተ ትእዛዛት ዳግመ ህንፀት ትግራይ

 

1.      ራእየይ፣ ሸኽመይን ተልእኾይን ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ውሑስ ምግባር እዩ፣ ዋኒነይ ዋኒን ህዝቢ ትግራይ እዩ! ኢሉ ዝኣምን መሪሕነት ትግራይ ቅድሚ ኹሉ ኣብ ናይ ሓሳብ ልዕልነት መሰል ዲሞክራስን ማሕበራዊ ፍትሕን ህዝብና ከረጋግፅ ዝኽእል ኣብ ትካላዊ ዝኾነ ዲሞክራሲያዊ መስርሕ ክኣምን ይግባእ። ባህግን ድሌትን ውድብና ምዕቡልን ስልጡንን ማህበረሰብ ምርኣይ፣ ከምኡ ድማ፥ ሰላማን ድሕንነታን ውሑስ ዝኾነት ትግራይ ምፍጣር ‘ዩ ዝብል እንተ ድኣ ኾይኑ ሕዚ ‘ውን ቅድም ቀዳድም፥ ሕድሕድና ክንቀባበል፣ ሓሳብ ንሓሳብ ክንለዋወጥ፣ ክንራዳዳእ፣ ክንክአኣል፣ ክንከባበርን ክንተሓላለው ይግባእ።

2.     ብቋንቋ፣ ብባህሊ፣ ብስልጣነ፣ ብፖለቲካ፣ ብምሕደራ ምስ ዘይመስሉና ህዝብታትን ሓይልታትን ተሰማሚዕናን ተጠዓዒምና ከም ኣካል ኮነ ከም ጎረቤት ህዝብታት ናይ ምንባር ፅኑዕ ድሌት ኣለና እንብል ሰባት መጀመሪያ ነንባዕልና ክስንሰማማዓን ክንረዳዳእን ከም ዘለናን ከም ግባእን ክነስምረሉ ይግባእ። እዚኣ ከይገበርና፤ ከም ተጋሩ ኣብ መንጎና ክህልውን ክፍጠርን ንዝኽእል ኣፈላላይ ብውሕሉል መንገዲ ከይፈታሕና ምስ ካልኦት ህዝብታትን ሓይልታትን ተሰማሚዕና ክነብር ንኽእል ኢና ዝብል ድጋም ሓቅነት ዘይብሉ ነበረያ ነበረ ኢዩሞ ካብ ከምዚ ዝበለ ዓርሰ ቅጥለት ነጻ ክንከውን ይግባእ።

3.     ንትግራዋይ ዘለቶ ብሕቲ ከረንሲ ትግራይ ‘ያ። ኣብ ህልውና ትግራይ ዝዋጋ ሰብ ድማ ኣይናህናን ‘ዩ። ከም በዓል አረጋዊ በርሀ ቦ ጥሪት ዘአልቦ እውቀት ዝኣመሰሉ ካብ ዕድመና ንላዕሊ ዘቑፀረ ቂምን በቀልን ዘሳድዱ፣ ኣብርሃም በላይ ዝኣመሰለ ሓሳብ ዘይብሉ ዘመናዊ ሓለዊ ማዕፆ፥ ህልውና ህዝቢ ትግራይ ድቃስ ለይቲ ምስ ዘስኣኖም ወረርትን ተስፋሕፋሕትን ናይ ትምክሕቲ ሓይልታት ንኽመዓራረዩ ነፍሶም ዝሸጡ ግለሰባት እንተ ዘይኮይኑ ድሕሪ ገዲም እነጓንዮ፣ እንቖርፆ፣ እነርሕቆን እነግልሎን ትግራዋይ ክህልው ኣይገባእን። እዚ ማለት፥ ረብሓታት ትግራይ ውሕስ ንምግባር ኣስተዋፅኦ ክህልዎ ዝኽእል ሓሳብ ዘለዎ ዓደይ ዝበለ ትግራዋይ ዘበለ ኹሉ ክንሰምዖን ክስማዕን ይግባእ። 

4.    ሃፄያዊት ኢትዮጵያ ከምዚ ገበረትና፣ መሪሒነት ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ከምዚ ዝበለ ሽርሕን ተንኮልን ፋሓሱልናባ እናበልና ክንሲ ተገልቢጥና ድማ ገሌና ብዝተዓጠቕናዮ መሳሪያን ብዝሓዝናዮን ስልጣን እናተመካሕና ገሌና ድማ ኣብ ሶሻል ሚድያ ብዘለና ተዓፃፃፊነት ከም ሸርፊ ወፃኢ ብምጥቃም ኣነ ዝበልኩዎ ጥራሕ ይኹን፣ ናተይ ሓሳብ ትቕበል እንተ ኾይንካ ምሳይ ኢኻ እንተዘለ ፀላኢየይ ኢኻ! እናተበሃልና ነንባዕልና ምብላዕ ኣብዚ የብቅዕ።

5.     መሪሕነት ትግራይ፥ ኣነ-በልጽ የለን ኣነ-በልፅ ዝዓነቱ ናይ መሽረፈት ሕማቕ ሕማም ተሰከምቲ ብምኻን ኣብ መንጎ ግለሰባት ዝፍጠር ፍሕፍሕ ልምዓትን ቃልስን ህዝቢ ትግራይ ንድሕሪት ዝመልስን ዘተዓናቕፍን እሾኽ መርገም ምኻኑ ተረዲኡ ኣብ መንጎ ግለሰባት ዝፍጠር ረጽኒንን ጎነጽን ሀገራዊን ፖለቲካዊን መልዕን ቅርጽን ንኽሕዝ ብምግባር ህዝብን ሀገርን ካብ ምሕማስ ይቆጠብ። እቲ ሓቂ፥ ዋላውን ዕረ እናጠዓመና፣ እናመረረናን ቅር እናበለናን ምእንቲ እታ ደም አሸሓት ዕሸላት ደቃ ገቢራ ህልውናኣ ውሕስ ዝገበረት ትግራይ፥ ዘይንፃወሮ፣ ድሓን ይኹን ይሕሸሉ ኢልና ዘይንሓልፎ ዘይምርድዳእ ክህልው ኣይግባእን። ካብ ረብሓታት ውልቀይን ውድብን ትግራይ ትዓቢ! ብማለት ክህልወና ዝኽእል ሕለፍ ክሓልፍ ኣፈላላታት ብምርድዳእ ጥራሕ ዕልባት ክንገብረሎም ይጋባእ።

6.    ንሕና ከም ህዝቢ፥ ሕማቕ ስራሕ ዘይሕደግ ኣመል ኮይንዎ ሎሚ ‘ውን ናይ ትማሊ ኣመሉ ዝደግም ኮይኑ ጥራሕ እንተ ዘይረኺብናዮ፥ ትማሊ ብዝሰርሖ ሓጢኣት ሎሚ እነሳቕቖ በዓል ሥልጣን ኮነ እንወቕሶ ውድብ ክህልው ኣይግባእን። ሓሳብ ዘለዎ ሓሳብ ሒዙ ካብ ምምጓት ወጻኢ ኣረጊት ፋይል እናገላበጠ ‘ንስኻትኩም ከምዚ ኢኹም ንስኻትኩምባ ክምዚ’ እናተብሃለ ህዝብን ዓድን ዘጋላብጥን ዘደናግርን ሓሜን ንትግራይ ኣይረብሓን ‘ዩሞ ኣብ ከምዚ ዝምሰለ ናይ ሃረፃ ፖለቲካ ዝተዋፈሩ ንፈልጥ ኢና በሃልቲ ሰባት ብንቕሓት ክንቃለሶምን ሸቐጦም ዘራግፍሉ ባይታ ክነስእኖምን ይግባእ።  

7.     ቅድሚ ሕዚ ዘተዓፅወ ዛጊድ ዘይተኸፍተ ማዕፆ ትግራይ እንተሃልዩ ይከፈት። ዝረብሕ ሓሳብ ዘለዎ ሰብን ውድብን ዝፈርሖ ነገር የብሉን። ንዕዳጋ ቐሪቡ ንመሸጣ ዝውዕል ሓሳብ ዘይብሉ ሰብን ውድብን ግን ብኣንጻሩ ዘላለም ሁከትን ዕግርግርን እናፈጠረ ካብ ምንባር ወፃኢ ካሊእ መማረፂ ስለ ዘይብሉ ከምዚ ዝበለ ውልቀሰብ ኮነ ውዳበ ፍልፍል ድኽነትን ስእነት ሰላም ህዝብናን ዓድናን ኮይኖም ኩርኳሕ ከይኸይኮኑና ዝተዓፀ ማዕፆ ከፊትና ኩልና ንፋለጥ፣ ንፈታተሽ። ዘዋፅኦ ዝፈልጥ ህዝቢ ትግራይ ፍርዱ ይሃብ፤ ትግራይ ተድምፅ።

8.    ንሕና ከም ህዝቢ፥ ኣብ መንጎና ኣፈላላይ ክፈጥር ዝኽእል ሓሳብ እንትኽሰት ንነገራት ዘይኮነ ትርጉም እናሃብና ብዝጥዕመና መንገዲ እናሸረፍናን እናሸራረፍናን ዘይበሰለ ሓሳብ ካብ ምቅብላል ንቆጠብ። ብፍላይ ብናይ ሻዕቢያ ሰባት ብሽምናን ብቋንቋናን ዝነዝሕዎ ስፍርን ቁፅርን ዘይብሉ፣ ኣፈላላይ ዘስፍሑ፣ ሁውከትን ዕግርግርን ዘሳልጡ፣ ናይ ሐሶትን ፀለመን ፕሮፓጋንዳ ኣብ ዝኣተናዮ ስፍራ ዘበለ ኹሉ ከም ዘሎ ፈሊጥና ከምታ ትግራይ ትስዕር! ኢልና ኣብ ሜዳ ምውትን ምርኹን ጌርና ላሽ ዘበልናዮም ሕዚ ድማ ትግራይ ትዓቢ! ኢልና አፈላላያትና ብምርድዳእ ብምፍታሕ ጉሒላታት ኣስመራን ኣዲስ አበባን ዳግም ካባ ሕፍረትን ውርደትን ብምኽዳን ሙሉእ ዝኾነ ዓወት ትግራይ ክነረጋግፅ ይግባእ።

9.    ኣብዚ ሓዚ ሰዓት በለካ ለኸዓካ ዝዓይነቱ ናይ መበለት ስራሕ ንዓና ንተጋሩ ዝረብሕ ኣይኮነንሞ ሓሸው ብዝበለ ቑፅሪ ዝሓዝካ ሒዝካ ናብ ሶሻል ሚድያ ብምውፃእ “ስምዑለይ ረኣዩለይ” ማለት ይትረፍና። ከምዚ ዝበለ አካይዳ ሓንኳላት ዝበኣሰ ከናቑረናን ከናኽሰናን ከም ዝኽእል ተረዲእና ትዕግስትን ተጻዋሪነትን ሃሊዩና ኣለና እንብሎ ኣፈላላይ ሒዝና ምስ ዝምልከቶ ኣካል ብምርድዳእ ክንፈትሖ ይግባእ። ንሕና ‘ውን ከም ህዝቢ፥ ብአሉ ስለ እንሰምዖ ወረ ሓቅነቱ ከየረጋገፅና ነንባዕልና ኾነ ኣብ ልዕሊ መራሕትና ናይ ተቓውሞ ድምፂ ንምስማዕ ካብ ምፅዳፍ ንቆጠብ።  

10.   ካብ ኩሉ ንላዕሊ ግን፥ ኩለና ብሓደ ሃሳብ ምስምዕማዕ እንተ ተሳኢንና ነናህና ሒዝና ሓቢርና ብሰላም እንነብረሉ ባህሊ ንኽንፈጥር ፃውዒተይ የቕርብ።   

 

ኣብ መወዳእታ፥ ፅሑፈይ ቅድሚ ምዝዛመይ በዚ አጋጣሚ ስግኣተይ ከቐምጥ። እቶም ብየማነ ጸጋም፣ ብላዕልን ብታሕትን፣ ብሰሜንን ደቡብን ብምዕራብን ምብራቕን እልፊ ኣእላፋት ሠራዊት ሒዞም መፂዮም ዝወረሩና ናይ ሰብ ፍጥረት ዘይብሎም ጻላእትና ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ዓድናን ብጽፈጸምዎ ግፍዕን በደልን ዘይተሳኸዓሎዎ ጥፍኣትን ብርሰትን ህዝብናን ዓድናን ኣፈላላያትና ብምርድዳእ ምፍታሕን ምእላይን ተሳኢንና ብገዛ ኢድና መሊእና ከይንቃበጽ እፈርሕ። ፀላእትና፥ ስፍርን ቁፅርን ዘይብሉ ናይ ጉረባብቲ ሀገራት ሠራዊት ከይተረፈ ሒዞም መፂኦም ዘየጥፉእና ሰባት ዓወት ሰላምን ራህዋን ኣለርጂክ ኮይንና ነንባዕልና ክንባላዕ ተተሓሒዝና ከይንጠፍእ ነስተውዕል እየ ዝብል ዘለኹ “ምኽሪ ኽትሕልወካ ምስትውዓል ከኣ ከተዕቍበካ እያ” ከም ዘበሎ መጽሐፍ። ብዝተረፈ፥ “ካብያ ዝጠመየስ ዝፀገበ የሕዝነኒ” ከም ዝበሃል፥ እንተ ኣነ ግን ንዝፀገበ ሰብ ዝሓዝን ልቢ ስለ ዘይብለይ ዝፀገበ ሰብ ሰካራም ከም ዝረገፆ ጣሳ ሓሸው ሸው ኢሉ ተተሰባበረ ‘ውን ፅጋቡ ምኽኣል ስለ ዝሰኣነ እዩ ‘ሞ ደጊመ እንረግፆ ነስተውዕል፣ ከም ኣእዱግ ምርጋሕ ይትረፈና፣ ካብ ሕሉፍ ንመሃር፣ ልብና ነስፍሕ፣ ሕድሕድና ንቀባበል፣ ከም አሕዋት ንከባበር፣ ዓቕሊ ትዕግስትን ተጻዋራይነት ይሃልወና፣ ከምኡ ድማ ፅጋብና ንኽኣል ክብል ከለኹ ብኣኽብሮት ‘ዩ።

 

ትግራይ ትዓቢ! ዘለኣለማዊ ክብርን ሞገስን ንሰማእታትና  

E-mail: mahbereseytan@gmail.com

 

Back to Front Page