Back to Front Page

ጥባሕ ጥባሕ

ጥባሕ ጥባሕ (ቐዳማይ ክፋል)

 

አብ በረኻታት

ኳሕኳሕ  ቶግ ቶግ ቶግ  ኳሕኳሕ ኳሕ

ጅግና ሰራዊት ትግራይ አብ በረኻ ኳሻሕ

ትምክሕተኛ ወራሪ ይህደን ከም ቖቓሕ

ገሊአ ፋሕ ፋሕ ገሊአ ሰፋሕ

ገሊአ ትስንክል ገሊአ ትሙቓሕ

ዝተማረኸት ተማሂራ ትፍታሕ

ዘራይ ወዲ ዘራይ ሰራዊት ልቓሕ

አብ ረመፅ አትያ ትብል ጋሕ

 

አብ ከተማታት

ኳሕ   ኳሕኳሕ ማዕፆ  ኳሕኳሕ ኳሕ

ክፍት ተበልካ  ገፁ ጥባሕ ጥባሕ

ዐንፆ ዐንጾ አንስቲ ምድፋር ንብረት ምጉሕጓሕ

ዓይንኻ ሰም ይበል ቋሕ

ኮፍ በል ዋላ ሐፍ

ኳሕ ኳሕ ዐረር ኳሕ ኳሕ

ምርሻን ዩ ስርሑ ጥባሕ ጥባሕ

ሰራዊት ኤሪትራ ጋዕጋዕ ረሳሕ

ጥባሕ ጥባሕ ይሐርድ ደሎ እወ ይቐትል

ጥባሕ ጥባሕ ይፈግር ደሎ እወ ይጉሕል

ጥባሕ ጥባሕ ይዕምፅ ደሎ እወ ክጋሰስ ይውዕል

እዚ 'ዩ ት ሐቒ እንታይ ሞ ክንብል

 

አብ በረኻታት

ኳሕኳሕ  ቶግ ቶግ ቶግ  ኳሕኳሕ ኳሕ

ሰራዊት ትግራይ ባዓል ፅቡቕ ስራሕ

ንወራሪ ኮይንዎ ኩርኳሕ

ከም ደቒ ዛግራ ፋሕ ጭንግራሕ

ብቖረፃ አበሎም ፋሕ ፋሕ

ዘራይ ወዲ ዘራይ ጎሐፍ ወዲ ጎሐፍ

ሽሾ ወረርቲ እልፍ አእላፍ

አላሽ አቢሉዎም ክንደይ ኢልካ 'ሞ ክፃሐፍ

 

አብ ከተማታት

ኳሕ   ኳሕኳሕ ማዕፆ  ኳሕኳሕ ኳሕ

ደርሆ ነቖ ምኑሰባሕ

ንጉሆ ወጋሕታ ጋሕጋሕ

ሕጂ ውን ጥባሕ ጥባሕ

ኳሕ ኳሕ ዐረር ኳሕ ኳሕ

ህፃናት ይቐትል እንተይሉ ቖላሕ መላሕ

አብዚ አብቲ ሬሳታት ይዝርጋሕ

ቐምሽ ተኸደነ ኩሉ ይብሎ ቓሕ

ፍትወተ ስጋ 'ዩ ቑርሲ ምሳሕ

እንስሳ ከይትብሎ ብኽልተ እግሩ ይምራሕ

ሰብ ከይትበሎ  ሐንጎሉ በራሕ

ክልቲኡ ማዓጉርቱ ጥባሕ ጥባሕ

ማሽን ህግደፍ ጎብየ አባጉምባሕ

ክእለቱ ጡኑሳት ምጥባሕ

እዚ ''ት ሐቂ ይበልካ አይበልካ ቓሕ

ጥባሕ ጥባሕ ይሐርድ ደሎ እወ ይቐትል

ጥባሕ ጥባሕ ይፈግር ደሎ እወ ይጉሕል

ጥባሕ ጥባሕ ይዕምፅ ደሎ እወ ክጋሰስ ይውዕል

እዚ 'ዩ ትሐቒ እንታይ 'ሞ ክንብል

Videos From Around The World

 

አብ በረኻታት

ኳሕኳሕ  ቶግ ቶግ ቶግ  ኳሕኳሕ ኳሕ

ውዕሎታት ጀጋኑ እስኪ ይቓላሕ

ወራሪ ይአቱ ብሰላሕ መላሕ

ምውፃእ ግን የለን አብአ 'ዩ ዝስጣሕ

ዓሻ ወራሪ ብዕሽነቱ ዝምካሕ

መላኺ አዚዙ ን ጥባሕ ጥባሕ

ከፅንት  ነቲ ለባም ትግራዋይ ዘይምካሕ

መን ይፀንት መን ይፀንሕ

ውልቐ መላኺ ባሃም ጎራሕ

ምስ ደጋፊኡ አፈኛ ፈራሕ

ዶ ወይስ ህዝቢ ትገራይ ብመትከል ዝምራሕ

መን ከም ዝረግሕ …መን ከም ዝርጋሕ

መን ይዝርግሕ …መንከ ይዝርጋሕ

ዓቓል ይገንሕ … ዑሱብ ይግናሕ

ለባም ክመርሕ …ዓሻ ክምራሕ

ክንሪኦ ኢና ፅባሕ

ደሐን መሬት ትውጋሕ

 

አብ ከተማታት

ኳሕ   ኳሕኳሕ ማዕፆ  ኳሕኳሕ ኳሕ

ክፍት ተበልካ  ገፁ ጥባሕ ጥባሕ

ዐንፆ ዐንጾ በትሪ ፈራህ

ብአልማማ ምቕታል 'ዩ የለን ምርህራህ

እዝጊ አይፈርሑ ዋላ አላህ

ትግራይ መቓብሮም 'ያ ማሻላህ

ጥባሕ ጥባሕ ይሐርድ ደሎ እወ ይቐትል

ጥባሕ ጥባሕ ይፈግር ደሎ እወ ይጉሕል

ጥባሕ ጥባሕ ይዕምፅ ደሎ እወ ክጋሰስ ይውዕል

እዚ ''ትሐቒ እንታይ 'ሞ ክንብል

 

ጥባሕ ጥባሕ (ካልአይ ክፋል)

ዓሰርተ ሽሕ ዶ ዕስራ ሽሕ

ካልአይ ክመፅእ 'ዩ ኢሎሞ ጥባሕ ጥባሕ

ደም ትግራዋይ ክሰቲ ኢሉዎ ቓሕ

መፂእካለይ ዶ ክፅበየካ

ጥባሕ ጥባሕ ና በጃኻ

አነ ክመፅእ 'ናበልኩ ናባኻ

ናባይ ክትመፅእ ደሊኻ

ስራሕ ቐለለ ወይለቦኻ

ተጎርቢትካ ዲኻ በይንኻ

ተፈደል ዘይከምዚአ 'የ ደልየ

ሕሳብ ክንገብር አብ ዝሀለኹ ሀልየ

ግና

'በጊዔይ በጊዔ

ባዕለይ ተዘንጊዔ'

አይድህለልን ደጊም ከም ትማሊ

አሰከሚካኒ ዝኸድካ ቑስሊ

ማዓስ ሐውዩ ብዕሊ

ሐፍተይ ዲያ

አደይ ዲያ

'ታ ዝደፈርካያ

ትፅበ 'ላ ተሀንጥያ

ሕኒአ ክትፈዲ 'ታ ብዓልቲ ቕያ

በይና ትአኽለካ አይትደልን ሰብአያ

ምግሳስ እንዳአሉ ናትካ ሙያ

ምጉሐል ናትካ ማሃያ

ፅንዓት ናታ መርአያ

'ከም ቐደም ይመስለክን

ውሕጅ ይወስደክን'

ሕጂ ድአሞ

ካብ ድቓሰይ ተባራቢረ

መራፍኤይ ሲሒለ አፅዋረይ ዓቲረ

አሽምባይ ዶ ጀለብያስ ዝዓጠቐ 'ኳ ስረ

ብፅልኢ ትግራይ ዓይኑ ዝዔረ

ብደርፊ ሕጊግደፍ ዝደንቖረ

ይምፃእ እምበር ዘይክቕበረ

ቓል አደ ትግራይ እምበአር ክነግረካ

ጥባሕ ጥባሕ ዘሎ አብ ምዕጉርትኻ

ክትከትቦ 'ያ ብርግፅ አብ ናውትኻ

ትግራይ ከምዘየማዕድዋ አዒንትኻ

መሬታ ከይረግፃ  ዳግም አእጋርካ

ከምዝቕርነባ ጠንቓማት አፃብዕትኻ

ሐንሳብን ንሐዋሩን ቓል ትአትወልካ

እምባአር

ንዮ ነጆ መረብ

ሰብ ሐደ ሱር ሐደ ገረብ

ሐቢርካ ተረባረብ

ወጊድ ግዝአት ቱርኪ፤ፀሊምጥልያን፣ዓረብ

ዑኑድ ንመሰልካ ተዛረብ

ነፃነትካ ተውሕስ ወይ ተረክብ

ወይ ትነብር ወይ ትዓርብ

ወይ ክብ ወይ ግብ

እዩ 'ታ ሰብ

ተቓለስ አይተብዝሕ ሰበብ

እንተ ፅንተት ትግራይ ዘይሕሰብ

እኳ ድአ ነፃነቱ ይዕቐብ

መንነቱ ንሐዋሩ ይሕብሐብ

 

አለና@2013

11-11-21

Back to Front Page