|
ጥባሕ ጥባሕ አብ በረኻታት ኳሕኳሕ ቶግ ቶግ ቶግ ኳሕኳሕ ኳሕ ጅግና ሰራዊት ትግራይ አብ በረኻ ይኳሻሕ ትምክሕተኛ ወራሪ ይህደን ከም ቖቓሕ ገሊአ ፋሕ ፋሕ ገሊአ ሰፋሕ ገሊአ ትስንክል ገሊአ ትሙቓሕ ዝተማረኸት ተማሂራ ትፍታሕ ዘራይ ወዲ ዘራይ ሰራዊት ልቓሕ አብ ረመፅ አትያ ትብል ጋሕ
አብ ከተማታት
ኳሕ ኳሕኳሕ ማዕፆ ኳሕኳሕ ኳሕ ክፍት ተበልካ ገፁ ጥባሕ ጥባሕ ዐንፆ ዐንጾ አንስቲ ምድፋር ንብረት ምጉሕጓሕ ዓይንኻ ሰም ይበል ቋሕ ኮፍ በል ዋላ ሐፍ ኳሕ ኳሕ ዐረር ኳሕ ኳሕ ምርሻን ዩ ስርሑ ጥባሕ ጥባሕ ሰራዊት ኤሪትራ ጋዕጋዕ ረሳሕ ጥባሕ ጥባሕ ይሐርድ ደሎ እወ ይቐትል ጥባሕ ጥባሕ ይፈግር ደሎ እወ ይጉሕል ጥባሕ ጥባሕ ይዕምፅ ደሎ እወ ክጋሰስ ይውዕል እዚ 'ዩ ት ሐቒ እንታይ ሞ ክንብል
አብ በረኻታት
ኳሕኳሕ ቶግ ቶግ ቶግ ኳሕኳሕ ኳሕ ሰራዊት ትግራይ ባዓል ፅቡቕ ስራሕ ንወራሪ ኮይንዎ ኩርኳሕ ከም ደቒ ዛግራ ፋሕ ጭንግራሕ ብቖረፃ አበሎም ፋሕ ፋሕ ዘራይ ወዲ ዘራይ ጎሐፍ ወዲ ጎሐፍ ሽሾ ወረርቲ እልፍ አእላፍ አላሽ አቢሉዎም ክንደይ ኢልካ 'ሞ ክፃሐፍ
አብ ከተማታት
ኳሕ ኳሕኳሕ ማዕፆ ኳሕኳሕ ኳሕ ደርሆ ነቖ ምኑሰባሕ ንጉሆ ወጋሕታ ጋሕጋሕ ሕጂ ውን ጥባሕ ጥባሕ ኳሕ ኳሕ ዐረር ኳሕ ኳሕ ህፃናት ይቐትል እንተይሉ ቖላሕ መላሕ አብዚ አብቲ ሬሳታት ይዝርጋሕ ቐምሽ ተኸደነ ኩሉ ይብሎ ቓሕ ፍትወተ ስጋ 'ዩ ቑርሲ ምሳሕ እንስሳ ከይትብሎ ብኽልተ እግሩ ይምራሕ ሰብ ከይትበሎ ሐንጎሉ በራሕ ክልቲኡ ማዓጉርቱ ጥባሕ ጥባሕ ማሽን ህግደፍ ጎብየ አባጉምባሕ ክእለቱ ጡኑሳት ምጥባሕ እዚ 'ዩ 'ት ሐቂ ይበልካ አይበልካ ቓሕ ጥባሕ ጥባሕ ይሐርድ ደሎ እወ ይቐትል ጥባሕ ጥባሕ ይፈግር ደሎ እወ ይጉሕል ጥባሕ ጥባሕ ይዕምፅ ደሎ እወ ክጋሰስ ይውዕል እዚ 'ዩ ትሐቒ እንታይ 'ሞ ክንብል
አብ በረኻታት
ኳሕኳሕ ቶግ ቶግ ቶግ ኳሕኳሕ ኳሕ ውዕሎታት ጀጋኑ እስኪ ይቓላሕ ወራሪ ይአቱ ብሰላሕ መላሕ ምውፃእ ግን የለን አብአ 'ዩ ዝስጣሕ ዓሻ ወራሪ ብዕሽነቱ ዝምካሕ መላኺ አዚዙ ን ጥባሕ ጥባሕ ከፅንት ነቲ ለባም ትግራዋይ ዘይምካሕ መን ይፀንት መን ይፀንሕ ውልቐ መላኺ ባሃም ጎራሕ ምስ ደጋፊኡ አፈኛ ፈራሕ ዶ ወይስ ህዝቢ ትገራይ ብመትከል ዝምራሕ መን ከም ዝረግሕ …መን ከም ዝርጋሕ መን ይዝርግሕ …መንከ ይዝርጋሕ ዓቓል ይገንሕ … ዑሱብ ይግናሕ ለባም ክመርሕ …ዓሻ ክምራሕ ክንሪኦ ኢና ፅባሕ ደሐን መሬት ትውጋሕ
አብ ከተማታት
ኳሕ ኳሕኳሕ ማዕፆ ኳሕኳሕ ኳሕ ክፍት ተበልካ ገፁ ጥባሕ ጥባሕ ዐንፆ ዐንጾ በትሪ ፈራህ ብአልማማ ምቕታል ዩ የለን ምርህራህ እዝጊ አይፈርሑ ዋላ አላህ ትግራይ መቓብሮም 'ያ ማሻላህ ጥባሕ ጥባሕ ይሐርድ ደሎ እወ ይቐትል ጥባሕ ጥባሕ ይፈግር ደሎ እወ ይጉሕል ጥባሕ ጥባሕ ይዕምፅ ደሎ እወ ክጋሰስ ይውዕል እዚ 'ዩ 'ትሐቒ እንታይ 'ሞ ክንብል
አለና@2013
|