ትሕቲ መስዋእቲ ዘለዉ ፀገማት ብፅንዓት ንሓልፎም ፣ ኣብ መስዋእቲ ዝሓትት ድማ ንስዋእ!! ================= እንቃለሰሉ መሬት ኣይኮነን እንሕበአሉ መሬት ሰኢና። ኣብ ዓለም ተርእዩን ተሰሚዑን ዘይፈልጥ ዘራይ ዝበዝሖ ናይ ክባ ወራር ገጡሙና። ኣነ ከም ግለይ ክሓስቦ ከለኹ ዓለም ክንድዙይ ተጓንየና እያ ኢለ ፍፁም ሓሰበ ኣይፈልጥን ። ዓለም ክሳብ ክንድዙይ ካሕዳም ኣይመስለንን ነይሩ።እዚ ኹሉ ናይ ዕሸላት ኣውያት ፣ናይ ኣረጋውያን ልመናን ምሕፀንታን፣ ናይ ለጋልግ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን መናእሰይ መግረፍቲ መቕተልትን ግፍዓዊ ዓመፅን እናረኣየት እሞ ድማ እዚ ኹሉ ናይ ዲያስፖራ ተጋሩ ናይ ብፅሑልና መፀዋዕታ ዓለም ፀማም እዝኒ ሂባ በይንና ደርብያትና። ሓርነትና ብደምና ኢልና ዳግማይ ከምንለዓል ኣሚንናን ተቀቢልናን "ዕጥቅና ካብ ፀላእትና ስንቅና ካብ ሓፋሽ ህዝብና " ኢልና ደጊምና ጨሪሕና ጥራሕ ኢድና ንበረኻ ወፂና ። መገዛ መሬትናን ዓድናን ብኣግባቡ ከይንዕለም ፀላእትና ናብ ዝኣተናዮ እናኣተዉ ብዝሓዝዎ ናይ ኣፅዋር ጋዕገልጠም ብሰማይን ምድርን እናደብደቡ ናዕና ክብትኑ ዘይኣተዉዎ ሽንጥሮ ዘይወፅዎ ዓቐበትን ትግራይ ኣይነበረን። እቲ ኣፈላላይ ዝነበረ ፣ንሶም ስለ ምምፅኦም እምበር ስለ ምምላሶም ፍፁም ኣይሓስቡን ነይሮም። ንፀላእትና ናብቲ እንደልዮ ቦታ ስሒብና ክንቅጥቅጦም ንመዓልትታት እንተነዊሓ ናይ 2 ሰዓት ዕረፍቲ እናተፈቐደና ብእግርና በረኻታት ኣቋሪፅና ዕቅበት ቁልቁለት ደይብና ወሪድና ዝገጥሙና ገደላት ብብልሓት ሓሊፍና ፀላኢ ድማ ንዓና መዓልትታት ዝወደኣልና ብመኪና ብሰዓታት ናብቲ ንደልዮ ቦታ ኣብቲ ንደልዮ ሰዓት ሓሊፉ ይፀንሓና ።ንሕና ድማ በቲ ንሕና ጥራሕ ንፈልጦ ስልቲ ኲናት ተጠቂምና ከምዘይምለሱ ጌርና ደምሲስና ተሸኪሞሞ ዝመፁ ኣፅዋር ንዕጠቖ ፀላእትና ድማ ተቐቢሮም ይተርፉ ።
በዚ ምኽንያት ድማ ንኩሉ ተዓላማይ ታዕሊም ብተግባር ኮየና ተሪፋ። ኣብ ጉዕዞና ኩሉ ትሕቲ ሞት ዘሎ ፀገማት፣ድኻምን ጥምየትን ንኽእሎ ኢና ። እቲ ክንፀሮ ዝኸብደና ዝነበረ ግና ኣብ ኲናት ዝገበርናሉ ቦታ ዝነብር ህዝብና ፀላኢ ንሕና ካብቲ ቦታ ምስ ለቐቕና ሓዱሽ ሓይሊ ፀላኢ ሒዙ መፂኡ ነቲ ነባራይ ዋላ ሓንቲ ኣበሳ ዘይብሉ ንፁህ ህዝቢ የንገላትዖ፣ይቐትሎ፣ዘለዎ እኽሊ የቃፅሎ ዝነበረኦ ጥሪት እውን ሓሪዶም በሊዕመን ይኸዱ።ዝቕልበና ዝነበረ ህዝብና ንባዕሉ ቀለብ ስኢኑ ይፀንሐና ።ካብ ድኻምና ኣዕሪፉ እታ ዛርካቡ ዝዕንለናን ዘፀገዐናን ዝነበረ ህዝብና ንባዕሉ ገዝኡ ተቓፂሉ መፅለሊ ስኢኑ ይፀንሓና ። እዚ ንኹሉ ተጋዳላይ ፀንዓቱ ዝፈተነ ኩነታት ኮይኑ ፀኒሑ እዩ።ፀላእትና እውን በዚኣ ጥራሕ ይስዕሩና ነይሮም ። ግን ድማ የሕርነና ፀላእትና እውን ምሒር ፀላእትና ምዃናኖም ግልፂ ይገብሮ። ኩሉ ተጋዳላይ እውን ዕድመ እዞም ግፍዐኛታትን ጨካናትን ወረርቲ ሓይልታት ንክሓፅር ኩሉ ዓይነት መስዋእቲ ከም ዝኸፍል ደደጊሙ ቃል ምስ ህዝቡ እናኣተወ ህዝብና እውን ኣጆኹም ፀገማት ክንድድላዩ ይኮመር ምሳኹም ኣለና እናበለ ናይ ዘዝኣምኖ መልኣኽ ፀበል እናኣሰረ ኣፉ ገዲፉ ንዓና ዘለዎ እናሃበ የፅንዐና ሓቦ እውን የስንቐናን ነይሩን ኣሎን። ኣነ ብጣዕሚ ዝገርመኒ ባዕለይ ዝገበርኩዎ ግን ድማ ክሳብ ሐዚ ሕልሚ ዝመስለኒ ውግኣትና/ቁስላትና/ ክንሽከም ከለና እዩ ።ኣብ ሕድ ሕድ ውግእ መስዋእትን መቑሰልትን ግድን እዩ ።ኣብ ኩሎም ዘካየድናዮም ውግእ ዝቖሰሉ ብፆትና ኣብ ማእገርና ተሸኪምና ኢና ከርተት ነብሎም ንብልን ነይርና ።ቀዋሚ ሕክምና ኣይነበረናን ፀላኢ እውን ዕድል ኣይህበናን ነይሩ። ኩነታት ክንዲ ዝመረረ ይምረር ዝቖሰለ ብፃይካ ገዲፍካ ኣይኽየድን።እቲ ዝገርም ዝበለክዎ ኣብ ከባቢ ግጀትን ደንጎላትን ካልኦት ከባቢታትን ኣብ ዝተገበረ ኲናት ዝተወቕዑ ብፆትና ካብ ለካቲት 27 ክሳብ ጉንበት 1 ካብ ደቡብን ደቡብ ምብራቕ ትግራይ ዝተሸከምናዮም ብኣፅቢ ዜርና ብመጋብ ናብ ፃኢ ፣ካብ ፃኢ ብማይ ቅኔጣል ናብ ዓዴት ፣ካብ ዓዴት ናብ ከባቢ ዛና ካብ ዛና እንደገና ተመሊስና ንዓዴት ፣ ወርዒ ሸጊርና ብበረኻታት ቆላ ተምቤን ጌርና የጭላ ሓሊፍና ናብ ከባቢ ግጀት ካብ ግጀት ድማ ሳምረ ኣቋሪፅና ናብ ደቡብ ትግራይ ተመሊስና ኣቲና ።ሰራዊትና እዙይ እንትገብር ኣብ ሕድ ሕድ ምንቅስቃሳትና ንዘጋጡመና ፀላኢ እናገጠምና ኣብ ዝመቸወና እናደምሰስና ኣብ ዘይምቹ ድማ እናተኸላኸልና ፣ብቃላት ክትገልፆ ብጣዕሚ ዝኸብድ ፅንዓትን ጀግንነትን ናይቲ ሓዱሽ ወለዶን ሓቦን ኒሕን ናይቲ ነባር ተጋዳላይን ዝነበሮን ዘለዎን ምውሃድን እቲ ብጣዕሚ ዝገርም ፍፃመ እዩ ። እዚ መስተንክራዊ ስርሒት እዚ ኣብ ምዕራብ ትግራይ እውን ብዝለዓለ ወነ እናቐፀለ እንትኸውን ፣ደቂ ሰባት ክፀርዎ ዘይኽእሉ ግን ድማ ካብ ህዝቢ ትግራይ ኣብራኽ ዝተፈጠረን ብህዝቢ ትግራይ ዝድገፍን ተጋዳላይ ትግራይ ጥራሕ ካብ ሰባት ፍልይ ኢሉ ዝሽከሞሞም ተፈጥራውን ሰብ ስራሕን ፀገማት ብፀንዓት እናሸገረን ዓወት እናሓፈሰን ይግስግስ ኣሎ ። ህዝብና ዓንዲሑቖና ኢኻ ብኣኻ ኮሪዕና ። ሳላኻ እቲ ዝኸፈኣ ሓሊፍናዮ ገና ድማ ኩሉ ክንሓልፎ ኢና!! ሙሉእ ዓወትና ቀሪባ እያ ... ትግራይ ትዕወት !! #ተጋዳላይ_ገብረሂወት_ኣብርሃ #ግንባር_ምዕራብ Source
|