ለካቲት 11 ብዝምልከት ካብ ዲያስፖራ ነበር ተጋደልቲ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዝተወሃበ መግለፂ !
• ዝኸበርካን ካብ ልቢ እንፈትወካን ህዝቢ ትግራይ !
• ዝኸበርኩም አብ ኩለን ግንባራት ኲናት ምእንተ ህልውና ክብርን መሰል ዓርሰ ውሳነን ህዝብኹም ብጅግንነት እትዋደቑ ዘለኹም ማእገርናን ኩርዓትናን ዝኾንኩም ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ
• ዝኸበርኩም ንኹሎም ዓይነታት ናይ ወረርትን ተስፋሕፋሕትን ባርባራዊ መርሸንቲ ቅትለት ዘመተ ወራርን ... ....መስፈርን መመዘንን ዘየብሉ ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ንምጥፋእ መወዳድርቲ ዘይርከቦ ግፍዕን በደልን ተፃዊርኩም ካብ አያታትኩም ዝወረስክሞ ናይ ጅግንነት ታሪኽ ንምድጋም ብሕራነን ህልኽን እትቃለሱ ዘለኹም .... .....ተባዓት ሓይልታት ህዝባዊ ሚሊሻ ትግራይ
* ብፍላይ ድማ ብ ወረርቲ ሰራዊት ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ዕሱባት ወታሃደራት ሳጥናኤል ኢሳያስን ትምክሕተኛታት ኣምሓራን ብዝበፀሐክን ዘሎ ፆታዊ ጥቕዓት ከይተምበርከኽክን ዓንዲ ሑቐ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ብምዃን ከምተን ናይ ትማሊ ዋዕሮታትን ሽግ ወየንትን ኣዴታትክንን ኣሓትክንን ብ ቐጥታ ባዕልኽን ብኣካል ኣብ ሓ/ም/ት/ ብምስላፍ .... ደቅኽን መሪቕክን ብምልእኣኽን ለይትን ቀትርን ኣብ ፊት ግንባራት ኲናት ብፅንዓት እትዋደቓ ዘለኽን ጀጋኑ ደቂ አንስትዮ ትግራይ !
* መንእሰይ ትግራይ ሙሁራት ትግራይ. ሰብ ሃፍቲ ትግራይ ዓንዲ ሑቐ ህዝብና ዝኾንካ ሓረስታይ ትግራይን ኩልኹም ነበርቲ ከተማታትን ገጠራትን ትግራይ !
•መራሕቲ ሃይማኖት ክርስትናን እስልምናን ኣብ ዘዝለኹሞ
•ከሚኡውን ዝኸበርኩም ካብ ትግራይ ወፃእ ኣብ መላእ ኢትዮጵያን አብ ዝተፈላለየ ክፍላተ ዓለም እትነብሩ ተቓለስቲ ተጋሩን ደገፍቲ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ዝኾንኩም ኣሕዋትናን ኣሓትናን !
•እኳዕ ንመበል 46 ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ትግራይ ኣብፃሓኩም ኣብፃሓና !
ህዝቢ ትግራይ ክትበሃል ታሪኽካ ዝነግረናን ዘምሃረናን እንተሎ ትግራዋይ ካብ ቀደም ጀሚሩ ታሪኽ ኣይግዛእን! ታሪኽ ኣይምብርከኽን ቅያ እምቢታን .... ክብረይ መንነተይን ሓርነተይን ንናይ ውሽጢ ዓድን ናይ ደገ ወረርትን ኣሕሊፈ ኣይህብን ብምባል ኣንፃር ኩሎም ጨቆንቲ ወረርትን ጨፍጨፍትን ዘየቋርፅ ናይ ወሎዶታት ቃልሲ ምክያድካ ዝፍለጥ እንትኸውን ... ... በዚ ድማ ሕቡን ኩሩዕ ህዝቢ ከምዝኾንካ ዓለም ዝምስክሮ ታሪኽ እምቢታ ኣብ ልዕሊ ጨቆንቲ ከምትውንን ኩሉ ዝፈልጦ እዩ ።
ንአብነት ሩሑቕ እንተይከድና ጀጋኑ ኣያታትና ሃፄ ዮሃንስን ኣሉላ አባነጋን ዝመርሕዎ ሰራዊት ትግራይ አንፃር ባዕዳውያን ወረርቲ ጣሊያን ድርቡሽን ካልኦትን ....ካብ ውሽጢ ዓዲ ድማ ምስ ተስፋሕፋሕቲ ከምኒ ሚኒሊክን መሻርኽቶምን ምስ ናይ ውሽጥን ደገን ሓይሊታት ገጢሞም ታሪኽ ሰሪሖም እዮም፡፡
ቀፂሉ’ውን ብ ጅግና ኣቦና ብላታ ሃይለማርያም ዝምራሕ 1ይ ወያነ አንፃር ብንጉስ ሃፀይ ሃይለስላሰ ዝምራሕ ናይ ሽዋ ተስፋሕፋሕትን ግፍዓዊ አገዛዛአን ዝተኻየደ መሪር ቃልስን ዝተኸፈለ መስዋእትን አብ ማህደር ቃልስኻ ተመዝጊቡ ይርከብ፡፡
ብምቕፃል ብ 1967 ዓም ለካቲት 11ኣብ ምዕራብ ትግራይ ኣብ በረኻ ደደቢት ብ 5 ደቂቅቲ ብረትን 10 ቆራፃት ተጋደልትን ዝወላዓኻዮ ቃልሲ ብህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ እንዳተመርሐ .... ን 17 ዓመታት አንፃር ጨፍጫፍን ግፍዐኛን ወታደራዊ ኣጋዛዛኣ ደርግን ደገፍቱ ናይ ደገ ሓይልታትን ነዊሕን መሪርን ብረታዊ ቃልሲ ብምክያድን ከቢድ መስዋእቲ ብምኽፋል ፀላእትኻ ደምሲስካ .... አብ መቓብሮም ብሕገ መንግስቲ እትምራሕ ኢትዮጵያ ከምዝተመስረተት ዓለም ዝፈልጦ ናይ ትማሊ ታሪኽካ እዩ .... ....ኢትዮጵያ ድማ ኣብ ጎደና ዕብየት ስላምን ዲሞክራስን ኣብ ዓለም ቅድሚት ክትስራዕ እጃምካ ዓቢ ምንባሩ ዝሕባእ ኣይኮነን፡፡ ይኹን ዳኣምበር ዓወታት ህዝቢ ትግራይ ብዘላቒነት ተዓቂቦም ክኸዱ ኣይካኣሉን ስለ ዝኾነ ድማ ንፃኣት እውን እንተኾነ ደቂሶምልካ ዘይፈልጡ ፀላእትኻ ድሕሪ 30 ዓመታት ናይ ሰላምን ዕቤትን ግዜ....ደመኛታትካ ሕዱር ቂምን ሕነ ክፈድዩን ልፍንቲ ፈጢሮም ብናይ ደገ ባዕዳውያን ሓይልታት ተዓጂቦም ተመሊሶም ናብ ዘይደለኻዮ ውግእ ክትኣቱ ብምግባር ዘርእኻ ክጠፍእ ዘስካሕክሕ ግፍዕታት ይፍፅሙልካ ኣለው...ዳግም ከይትትስእ ኩሉ ኣብ ኢዶምን ሓንጎሎምን ዘሎ ናይ ጭካና ግፍዕታት ይፍፅሙ ኣለው፡፡
ሕጋዊ ብዘይኮነ መንገዲ ኣደናጊሩ ኮረቻ ስልጣን ዝጨበጠ ዕሉል ፋሽስት መንግስቲ አብይ አሕመድ ምስ ጎይትኡን ኣዛዚኡን በላዒ ሰብ ስርዓት ህግደፍ ጥምረት ብምፍጣር ከምኡውን በዚኦም ተሓዚሎም ዝኣተው ...ተስፋሕፋሕቲ ሓይልታት ትምክሕቲ ኣምሓራን ብሓደ ተሰሊፎም አብ ልዕሌኻ መዘና ዘይብሉ ግፍዓዊ ወራር ምክያድ ካብ ዝጅምሩ እነሆ ልዕሊ100 ማዓልቲታት አቁፂሩ ኣሎ፡፡
.... እዞም ወረርትን መብረስትን ኣራዊት ሰራዊታት ዕሉል ፋሽስት ኣቢይ አሕመድን መዘንኡ ግብረ እከይ ኢሳያስ አፈወርቂን ትምክሕተኛታት / ፋኖን ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓሩን ሚሊሻን / ብሓባር .... ብናይ ሕቡራት ዓረብ ኤምሬትን ናይ ሃገረ ሶማሊያን ድጋፍ ተወሲኽዎ አብ ልዕሊ ተጋሩን ትግራይን ዘርኢ ናይ ምጥፋእ ቅሉዕ ወራር ካብ ዘካይዱ ብዓሰርተታት ኣሻሓት ዝቑፀሩ ወገናትና ብዘይምሕረት ረሺኖም ....ከምኡውን ኣሻሓት ደቂ አንስትዮ ትግራይ ተደፊረን ከተማታትን ቁሸታትን ትግራይ ብቁምብላታት መዳፍዕን ናይ ድሮን ሚሳይላትን ባዲመን ኣለዋ
...ማእለያ ዘይብሉ ናይ ህዝቢ ትግራይ ፋብሪካታት፤ ሆስፒታላትን፤ ዩኒቨርስቲታትን ኮታስ ኩሎም ዓይነታት ትካላትን ተዘሚተንን ዓንየን እየን፡፡ ከምኡውን
መሳጊድን ኣብያተክርስትያንን ገዳማትን ተደብዲበንን ቅርስታተን ተዘሚቱ .... ኣቅሽትን ሽኻትን ብግፍዒ ተቐቲሎም፤ ንብረታትን ቅርስታትን ትቓፂሎምን ዓንዮምን ኣለው፡፡
እንስሳታት ትግራይ ብወረርቲ ተሓሪደን መፅዓኛ ኣድገ በቅልን ኣግማልን ተኾብኴበን ተወሲደን ኣለዋ
ህዝቢ ትግራይ ንዝሓለፉ ልዕሊ 3 ኣዋርሕ ፀላእትኻን ደመኛታትካን ኣሜን ኢልካ ክትግዛኣሎም አብ ልዕሊ ወዲ ሰብ ክፍፀም ኢዩ ኢልካ ዘይሕሰብ ግፍዕን ጭፍጫፍን አብ ልዕሊ ህዝብና መሬትናን ፈፂሞም ይፍፅሙን ገና ተወሳኺ ህልቂትን ብርስትን ኣብ ልዕሌኻ ከውርዱ ኣይደቀሱን ኣለው ።
ክንዲ ዘኾለስኩ ኢደይ ተንኸስኩ ከምዝበሃል ...ንባዕልኻ ሕልፊ መስዋእቲ ብምኽፋል ሰላምን ልምዓትን ብተነፃፃሪ ዲሞክራስን ፍትሕን ብማዓረ ንኹሉ ህዝቢ ኢትዮጵያ ክንዲ ዘረጋገፅካ ናይ ስልጣን ጓሓሉ አብ ልዕሌኻ ሰይጣናዊ ክሕደት ብምፍፃም ርእስኻ አድኒኖም አዋሪዶም ጎይታይ እምበይተይ ኢልካ ክትግዛኣሎም ብምሕሳብ .... ....ሰሪሕኻ ብራሃፅካን ብድኻምካን ዘጥረኻዮ ሃፍቲኻ ወሪሮም፤ ባንኪ ዓፅዮም፣ መብራህቲ አጥፊኦም፤ ተሌኮሙኒኬሽን ቆሪፆም፤ መድሓኒትን መግብን ከይትረክብ ...ኮታስ ኩሎም መራኸቢ መንገዲታት ቆሪፆም ምስ ህዝቢ ዓለም ከይተራኸብን ጉዶምን ኢስብኣዊ ግፍዕታቶምን ከይቃላዕን ከቢቦም ከፅንትኻ ....ሓገዝ ካብ ወፃኢ ከይተረክብ ከልኪሎምኻ ኣለው፡
ቀንዲ ፀላእትኻ ስርዓት ፋ / ኣብይን ኢሳያስ ኣፈወርቅን ትምክሕተኛታት ኣምሓሩን ምስ ናይ ወፃእ ደገፍቶም ኮነ ኢሎም ኣውጢኖም መግቢ ከም ሓደ ናይ ኩይናት መሳርሒ ተጠቒሞም ኣጥሚዮም ክቐትልኻ ወሲኖምን፤ ካብ ኩሉ ኣግሊሎም ብጭካነ ከብርሱኻ ለይትን ቀትርን ብዘይ ዕረፍቲ ይስርሑ ኣለው::
እዚ ከይኣክል ሕዚውን ብሽም ሽምግልና በቶም ኲናት ኣብ ልዕሌኻ ክካየድን ክትበርስን ኣብ ጎኒ ስርዓት ፋሽስት አብይ ኣሕመድን ኢሳያስ ኣፈወርቅን ተስሊፎም ...ንሓይልታት ምክልኽል ኢትዮጵያ መሪቖም ዝስነዩ መራሕቲ ሃይማኖትን ሽማግለታትን ኢና ባሃልቲ ቆርበት በጊዕ ዝተኸደኑ ብደም ዘጠልቀዩ ተዃሉ ነውረኛታት መልክዖም ቀይሮም እንደገና ብጎቲም ካራ ክሓርድዃ. ላዕሊ ታሕቲ ክብሉ ትዕዘብ ኣለኻ ...
ነዚኦምን ተንኮሎምን ተረዲእኻ ዘርኣኻዮ ካብ ገዛ ንዘይምውፃእ ተቃውሞን ቅሉዕ ስልፍን...ናይ ዘይምንብርካኽ ወነኻ ብተግባር ስለዘርኣኻ
ሽርሖም አፈሺልካዮ ኣለኻ’ሞ ኣገንዕ ንብለካ ንሕና አብ ዝተፈላለየ ክፍለ ዓለማት እንነብር ተጋደልቲ ነበርን ሕዚውን ለይትን ቀትርን ብዝተፈላለየ አንፈት ቃልሲ አብ ምግዳል ንርከብ ደቕኻ ኮሪዕናልካ ኢና
ሕዚውን ናይ ፀረ መግዛእቲ እምቢታ ቃልስኻ ኣበርቲዕኻ ቀፅለሉ ክንብለካ ንፈቱ፡፡
አንፃር እቶም ፅባሕ ዘይወግሕ መሲልዎም ንኸብዶም ዝሓድሩ ናይ ታሪኽ ሓተላ ባንዳታት ተጋሩ እትገብሮ ዘለኻ ዘሕብን ቃልስኻ ኣበርቲዕኻ ቀፅለሉ
ነዙይ አንፃር ኩሎም ወረርቲ ሓይልታት ኣብይ ኣሕመድን ኢሳያስን ከምኡ’ውን ተስፋሕፋሕቲ ትምክሕተኛታት አምሓራን ዝግበር ዘሎ ኩሉ መዳያዊ ዘይተሓለለ ቃልሲ ኩሉ ትግራዋይ ብሓድነት ስሚሩ ይግጠሞም
ደቅኻ ኣብ ቅድሜኻ ካብ ዝሕረዱን ዝርሽኑን ዕሽላት ደቂ ኣንስትዮ ደቅኻ ካብ ዝድፈራን ከምቲ ልሙድ መሪቅካን ሽሊምካን ኣብ ጎኒ ህዝባዊ ሓ/ ም/ ት ክስለፉ ክትገብሮም ዝፀናሕካ ብቓዓትን ሕራነን እንዳነኣድና ...
ፀላእቲ ክሳብ ኣብ ናይ መወዳእታ መቓብሮም ዝኣትው ክትቅፅለሉ ንሕና ነባራት ተጋደልቲ ንፅውዕ
አብ ወፃእ ይኹን አብ ውሽጢ ዓዲ ዝነበር ኩሉ ትግራዋይ ዘካይዶ ቃልሲ ብዝያዳ ኣጠናኺሩ በቢዘለዎ ግንባራት ናብ ዝላዓለ ጫፍ ቃልሲ ከስጋግሮ.... ፃዊዒትና ነቕርብ !
ንሕና ኣብ ወፃእ ሃገራት እንርከብ ነባራት ተጋደልቲ ነዞም ከም ህዝቢ ካብ መሬትና ከጥፍኡና ዝተበገሱ ፋሽሽታውያን ወረርቲ ፀላእትና ብዝላዓለ ናይ ቃልሲ ሕራነ ኣብ ኩሉ መዳይ ቃልሲ ብወነ ብምስታፍ ፀላእትና ህዝብና ከየጥፍኡ ንሶም ክጠፍኡ ናይ ሞትን ሕውየትን እነካይዶ ዘለና ቃልሲ ኣሐይልና ክንቅፅሎ ምዃና ደጊምና ቃል ብምእታው .... አብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለም ንርከብ ነባራት ተጋደልቲ ህወሓት ሕዚ እውን ብዘለና ኽእለት ብምግዳል ብተወሳኺ ኩሎም ፋሽሽታውያን ፀላእትና ሓንሳብን ንሓዋሩን ስዒርና አብ መቓብሮም ዘላቕን ዘተኣማምንን ዓወት ህዝብና ክሳብ ዝረጋገፅ..... ..... ብኹሉ መዳይ ቃልሲ ክሳብ ናይ ሂወት መስዋእትነት ንምኽፋልን ኣብ ጎኒ ህዝብናን አብ ጎኒ እቶም አብ ግንባር ዝኳሽሑ ዘለው ሓ/ ም/ ት/ ብምዃን ብኹሉ ዓቕምና ንምድጋፍ ድልዋት ምዃና ንህዝብና ክነረጋግፅ ንፍቱ! " መትከላት 11 ለካቲት ኣፅኒዕና ወረርቲ ንሕምሽሽ!"
" ሕድሪ ናይ ትማልን ሎምን ስውኣትና ከየዐበርና ንኹሎም ወረርቲ ፀላእትና ክንድምስሶም ኢና "
" ክብርን ሞገስን ንኹሎም ጀጋኑ ሰማእታትና! ሎሚ’ዉን ከምትማሊ፤ አብ ጎኒ ህዝብና ተሰሊፍና ንምስረታ ዲሞክራሳዊት ትግራይ ንቃለስ! ቃልስና ሓፂርን መሪርን እዩ ዓወትን ናይ ግድን እዩ!
ዓለምለኸ ዲያስፖራ ነበር ተጋደልቲ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ
ለካቲት 8/ 2013 ዓ.ም
|