Back to Front Page

መሰል ዓርሰ- ውሳነ ኣፍ ኣፍ ልጓም’ዶ ክበሃል ይግባእ?

መሰል ዓርሰ- ውሳነ ኣፍ ኣፍ ልጓም’ዶ ክበሃል ይግባእ?

ካብ ኣብይ ኢካቦድ (06-16-21)

ብቖሉዕትና  ኣብ ሞንጎ ዕዙዙን ዕንቡሩን ዋዕዋዕታ ዝሞልኦ ፃዋታ ማእኸል፤ ሓደ ቆልዓ “ኣፍ ኣፍ ልጓም!” እንተይሉ ሃንደበት እቲ ዓውዓውታ ናብ ፀጥታ ይቕየር። ድሕሪ እቲ ኣዋጅ “ኣፍ ኣፍ ልጓም” ሓዳ ቢሕም ወይከዓ ሓንቲ ቃል ተተንፊሱ/ተተናጊሩ፤ በቲ ናይ’ቲ ናይ ገዛ ወይከዓ ናይ ጫዋታ ደንቢ (House Rule or Game Rule) ትርንዕ/ስጥም ዝብለ ቅፅዓት ይፅበዮ ማለት እዩ።  “ኣፍ ኣፍ ልጓም” ዋላ’ካ ብፃዋታ መልኪዑ አይኩንም’በር በቁምነገር ኣብ ቅዱስ መጽሐፍ “ናይ ፅሞና እዋን” ይበሃል። እዚ እዋን ኩሉ ነገር ጠጠው አቢልካን ምንጋር ገዲፍካን ንኣምላክኻ ፅን ኢልካ ዝተሰምዐሉ እዋን እዩ። እሞ’ሲ ሕዚ ናይ ምንታይ ኣፍ ኣፍ ልጓም ክንብል ደሊይና ንኾን?

ዓርሰ-ውሳነኣ ንምርግጋፅ ትግራይ ህልክኻ ኣብ ዝፈታተን፤ ኩለ-መዳያዊ ከቢድ ቃልሲ ኣብ ዝትገብረሉ አዝዩ ተኣፋፊ እዋን ከምዝትርከብ ይፍለጥ እዩ። ናይ ዘመናት ፀላእታ ምስ ጎሮባቢቲ ሃገራት ኤርትራን ሶማሊያን ከምኡውን ናይ ተስፋፍሕቲ ክልል ኣምሓራ መንግስቲ ንኣስታት ሰለስተ ዓመት እሂን ሚሂን ተበሃሂሎምን ኾነ ኢሎም መኺሮምን ዘኪሮምን፤ እኒሆ ኣረሜናዊነት ዝተሞልኦ ምዓትን ግፍዒን ምውራድ ካብ ዝጅምሩ ዛጊድ ሸውዓተ ወርሒ ሓልፉዎ ኣሎ። እቲ ኩናት በሹም ወያነ ዝትወለዐ ዘርኢ ህዝቢ ትግራይ ንምፅናት ዝካይድ ዘሎ ምኻኑ ንምርኣይ ከቢድ አይኮነን።

ትግራይ ምስ ኢትዮጵያ ፌደሬት በምግባራ ከክንዲ ትርባሕን ትጥቀምን ተጎዳኣትን ተበዳሊትን ኮይና እያ። እቲ በደል ዝጀመረ ገና ካብ መበቆል እቲ ፌዴራሊዝም እንትኮን፤ ቀስ ብቀስ እናዓበየን አናተረረን መፂኡ እዩ። ጭቆና ህዝቢ ትግራይ፤ ካብ ንጉስ ሚኒልክ ጀሚሩ እስካብ መንግስቲ ደርጊ ብዘስካሕክሕ መልኪዑ አፍጢጡ ይግለፅ ዋላ’ካ እንተነበረ፤ ድሕሪ 17 ዓመት ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ዝዓነወ መንግስቲ ደርጊ፤ ፍታሕ ክረክብ እዩ ተባህሉ ነይሩ። ይኩን’በር ድሕሪ ምፅዳቕ ህገ-መንግስቲ ኢትዮጵያ’ውን በደል ህዝቢ ትግራይ ጠጠው ኣይበለን። ብፍላይ ኣብይ አሕመድ ናብ ስልጣን ካብዝወፀሉ እዋን ጀሚሩ፤ ትግራዋይ ፈሊኻ ምጥቃዕን ምብዳልን ናይ ዕለት ዕለት ልሙድ ተግባር እናኾነ መፂኡ እዩ።

“ኢሳት” ዝትበሃለ ናይ ጉንበት ሸውዓተ ፓርቲ ልሳን፤ “ዓሳን ለማጥፋት፤ ባሕሩን ማድረቅ” ብዝብል፤ ዘሪኢ ናይ ምፅናት (Genocide) መሪሕ ቃል፤ እነሆ ብዕሊ ኣብይ ኣሕመድ ብግብሪ እናፈፀሞ እናረአና ኢና። ካብዙይ ብተወሳኺ እዚ ማዕከን ዜና፤ እቱ ኩናት ቅድሚ ምውልዑ “የኤርትራ ሰራዊት በጦርነቱ እንዲሳታፍ ጥሪ መደረግ አለበት” ብዝበሎ መሰረት፤ ኣብይ ኣሕመድ ምስ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ አፈወርቂን፤ ተስፋፋሕቲ ናይ ኣምሓራ ሊሂቃንን ልዕሊ ክልተ ዓመት መኺሮም ኮነ ኢሎም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኩናት ኣውጆም ዘደምም በደላት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ፈፂሞም ኢዮም። ኣብዚ ወዲሰብ ሪኢዎ ዘይፈልጥ ፅዑቕን መሪሪን መጥቃዕቲ፤ እጃም ደ/ር ብርሃኑ ነጋን፤ ኣንዳርጋቸው ፅጌን ዘይልዐልካ ምሕላፍ ኣይካኣልን። ድሕሪ መጋረጃ ኮይኖም እቲ ናይ መከራ ጽዋ  ካብ ዝጠጅይዎ እከይ ወልቀ ሰባት ኪልቲኦም ቀንዲ ተዋሳእቲ እዮም።

Videos From Around The World

ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ቅድሚ ምውፅኡ፤ ናይ ኣምሓራን ናይ ኦሮሞን ሊህቃን፤ ኣብ ኣምሓራን ኣብ ኦሮሞን ዓደይ እዩ  ኢሉ ተደላዲሉ፤ ወሊዱን ዘሚዱን ካብ ዝነበረሉ ብግፍዒ ቀቲለምዎ፤ አባሪሮምዎ፤ ንብረቱ ዘሪፎምዎ፤ ኣናሽምዎ። እዙ ኩሉ ኣበሳን መጥቃዕትን ትግራዋይ በዲሉን ኣጥፊኡን ዘይኮነስ፤ ትግራዋይ ብምኳኑ ጥራሕ እዩ። ኣብ ክልል ኣምሓራ በገዱ ኣንዳርጋቸው ልዕሊ 20 ሹሕ ተጋሩ ዋላ ሓንቲ በደል ዘይፈፀሙ ካብ መረበቶም ብግፍዒ ክባረሩ ምግባሮም ታሪክ በደሚቕ ቀይሕ ቀለም ዝፀሓፎ እዮ። ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝበጽሕ ዝነበረ በደል ዕለት ዕለት እናተርነዐን እናሓየለን መፀ’በር ኣይቀነሰን። እቲ ድግስ በደል ካብ ጓዳ ወፂኡ ብዕሊ ክራኣይ ጀመረ’በር፤ ክውገድ አይተገበረን። እዙይ ኩሉ ግፍዒ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ንምፍፃም፤ ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ልዕሊ 3 ዓመታት ዓሚቕ ምድላዋት ዝገበሩ እንትኮኑ፤ ነዚ ጉልባብ ገይሮም ዝጥቀምሉ ድማ፤ ሎሚ ኣሸባሪ ኢሎም ዝሰንዕዎ (TPLF) እዩ።

ብዝኮነ ማሕበረ-ሰብኣዊ መዐቀኒ  ይትረፍ’ዶ ኣብ  ህዝቢትግራይ ዝበጽሕ ዘሎ ግፍዒን በደልን፤ ህዝቢ ትንዕ ክባሃል ዘይግባእ እዩ። ኣብ ትሕቲ ሰማይ ህዝቢ ትግራይ ዝበጽሖ ዘሎ ኣሬሜናዊ በደል ዋላ ሓዳ ምኽንያት ፈፅምካ ምቅራብ ኣይካኣልን። ይኩን’በር ኣብይ ኣሕመድን መሻርኽቱን ብምድግጋም ዘቕርቡዋ ሓንቲ ሓንካስ ምክንያት “የስሜን ዕዝ ጦር ላይ የተወሰደው ክፉ እርምጃ ነው” እያ። ኣብ ላዕሊ ከምዝተገለፀ፤ ህዝቢ ለምብራስን ልምፅናትን እዙ ሱንኩል ምኽንያት ምቅራብ ተቐባሊነት ዘይብሉ እዩ።

ኣብ ትግራይ ልዕሊ 60 ሹሕ መሳኪን ህፃናት ኮነ ኢልካ (by design) ብዘይ ወላዲ ምትራፍ፤ ብሓቂ ናይ ስሜን ዕዚ ጥቕዓት መካሓሓሲን መወራረዲን ሒሳብ ድዩ? ብኣሹሓት ዙቑፀራ ንፁሃት ደቂ ሂዋን ተጋሩ በመንግሰቲን፤ እሱ ብዝዓደሞምን ርጉማት ሰራዊት ኤርትራን ተስፋሕፋሕቲ ሰራዊት ኣምሓራን ኮነ ኢልካ ክድፈራን ከዕመፃን ምግባር’ከ፤ ካብቶም ወላዲ አልቦ ዝተገበሩ ቆሉዑት ብተወሳኺ ዝኽፈል ተወሳኺ ዕዳ ምኻኑ ድዩ? ካብ ምዕራብን ደቡብ ትግራይ እግዚሄር ካብ ዝሃቦም ርስቲን ጉልቲን፤ ካብ ገዞኦምን ምውቕ ጉጆምን በግፍዒን ብጭካነን ዝቕተሉ ቀትሊካ፤ በህይወት ንዝተረፉ ካብ ሱሮም ነቒልካ ምብራርን ምስዳድን’ከ ተወሳኪ ናይ ቅፅዓት ዕዳ መክፈሊ’ዶ ይኾውን? እቶም በፍልጦ ዝዓነው ናይ ህዝቢ መሰረተ-ልምዓታት’ከ ብናማን ናይ ስሜን እዚ በደል ካሕሳ ድዮም? እዙ ናይ ስሜን እዝ ዝበሃል ምጉት፤ ሓንካስ፤ ማይ ዘይቛፅርን፤ ዝንተ ሞጎታዊ ፋይዳ ዘይብሉ ከንቱ ውእቱ  ሃተፍተፍ እዩ።

ብምቕፃል ኣብይ ኣሕመድ ብቐለበት ቃል ኪዳኑ ምስዝፈፀመሉን ዝኣሰረሉን ኢሳያስ አፈወርቂ ኮይኖም፤ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝጎንጉንዎ ሸርሒታት ብቑጽሪ ብርክት ዝበሉ እንትኮኑ፤ እቶም ጉልህ ጉልህ ኢሎም ዝረኣዩ ኣብዙይ ሓዳ ብሓደ ምጥቓስ ከድሊ እዩ።

1)     ኣብይ ኣሕመድ ብምድማር ሹም፤ ንተጋሩ ነፂሉን ፈልዩን ምስዳድን ምውንጃልን ምጅማሩ። ካብዙይ ሓሊፉ’ውን ንገሊኦም ብግብሪ ምእሳሩ።

2)    ኢሳያስ ኣፈወርቂ ምስ ኢትዮጵያ ዕርቂ ወሪዱ ብዝብል ጉልባብ፤ “Game Over” ብምባል ዝጨረሖ ብ T P L F ኣመክኒይካ ኣብ ልዒሊ ህዝቢ ትግራይ ዝገብሮ ጭፍጨፋ መበገሲ መግለፂ ከምዝኮነን፤ ኣብይ ኣሕመድ’ውን እዙ ጭርሖ ዝድግፎን ዝትግብሮን ሞኻኑ ይፈልጥ ከምዝነበረ ምርግጋጽ ይከኣል እዮ።

3)    ቅትለት ጀነራል ሰዓረ መኮንንን ጀነራል ረዳኢ ገዛኸኝን፤ ኣብ ውሽጢ “Game Over” ጭርሖ፤ በኢሳያስ ደፋፋእነት በኢድ ኣብይ ኣሕመድ ኢድ ዝተፈፀመ ገበን ቅትለት ነብሲ እዩ።

4)    ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብኣብይ ኣሕመድ ብዙሓት ስነ-ልቦናዊ ጉድኣትን ተጽዕኖን ዘሕድሩ ነውራም ሹማት ተለጢፍሉ እዩ። ንኣብነት “የቀን ጅብ”“ፀጉረ-ልውጥ”፤ ህዝቢ ትግራይ መሰሉ ንዝኮነ ምርጭኡ “የጨረባ ምርጫ”፤ “የጨረቃ ምርጫ” ብምባል አላጊፅሉ እዩ።

5)    ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ምድሪ ትግራይ  ብርቱዕ ሓደጋ ኣብ ዘብፀሐሉ እዋን መንግስቲ ኣብይ ኣሕመድ ተወሳኪ ናይ ትግራይ ህዝቢ ምፅናት ገይሩ ንምጥቃም፤ ምድሪ ወሎ ካብ ትግራይ ፈልዩ ናይ አንበጣ መከላኸሊ ኬሚካል ክንፀግ ፈቒዱ፤ ንትግራይ ከይንጸግ ገይሩ እዩ። ካብ’ዙይ ብዝልዓለ ብርኪ ልብኻ ዝሰብር፤ ኣብይ ኣሕመድ ዝተዛረቦ እዩ። ከምዙይ ኢሊ ተዛረቡ ነይሩ፤ “አንበጣም ከእኛ ጋር ተደምሯል”። እዚ ኣብሃህላ በጣዕሚ ትዕቢት ዝተመልኦ ካብ ምኻኑ ንላዕሊ፤ በመንፅር እምነት ክራኣይ ከሎ ዓብይ ግድፈት ዘላዎን፤ ንኣምላክ ዘናኣእስን ዘቋሽሽን፤ ንህዝቢ ድማ ሓጢኣተኛን ነውራም ገይሩ ዝሰርዕ እዩ። “ኣንበጣ’ውን ምሳና ተደሚሩ እዩ” ኢልካ ኣብ ኣደባባይ ምዝራብ፤ እግዚኣብሄር ንኣብይ ኣሕመድ ከሕግዝን ንትግራይ ህዝቢ ከጥፍእን ክጎድእን ከም ዝወገነ ዝገልጽ ትኮውን፤ ህዝቢ ትግራይ ድማ ሓጢኣተኛን ዝትረገመን ገይሪካ ምቅራብ ዘርእይ ኣገላልፃ እዩ።

6)    በግብሪ’ውን ኣብይ ኣሕመድ ናብ ትግራይ ዝወስድ ክልል ኣምሓራ ኣቆራሩፁ ዝሓልፍ ፌዴራል መንግስቲ ዝቆፃፀሮ ኣውራ ጎዳና ፋኖ ብዝተባሃሉ ናይ ኣምሓራ ቀይደ-ፈታሕ  ዕጡቓት ልዕሊ ክልተ ዓመታት እንትዕፆ ኣፋልጦ ሂቢዎ ተዓፅዩ እዩ። እዙይ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተሃቀነ ሓደገኛ ተግባር ከምዝኮነ ንምርዳእ አያፀግምን።

7)    ንትግራይ በፌዴራል መንግስቲ ዝምደብ ዝነበረ በጀት መንግስቲ ኣብይ ኣሕመድ ጠጠው ካብ ምባል ሓሊፉ፤ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዝፍፀም ብዝነበረ ከቢድ መጥቃዕትን ስጉምትን፤ ተመረፅቲ ፓርላማን አባላት ፌዴረሽን ቤት-ምኽሪን ሊቒቆም ንክወጹ ተገዲዶም እዮም። ካብዘይ በተወሳኺ ኣብ ልምዓት ተዋፊሮም ዝነበሩን ሰብ ሞያን፤ ትግራይ ንምርኣይ ዝመፁ ዝነበሩ ደቂ ወፃኢ ዜጋታትን፤ ብተደጋጋሚ ካብ ቦሌ መዕረፊ አይሮፕላን ካይሓልፉ ተከልኪሎም እዮም።

እዚኦምን ንዚኦም ዝመስሉ ብዙሓት ግልፂ በደላት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀሙ እንትኾኑ፤ እቲ ብዕሊ በሰንኪ “መጥቓዕቲ ናይ ሰሜን ጦር” ተባሂሉ ዝትወለዐ ኩናት ናይ’ዚኦም ምዕባለ እዩ። እዞም ዓበይቲን ገሃድ ዝኾኑን በደላት ዝተዓዘበ ሰብ፤ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝትኣወጀ ኩናት ብሓንደበት ብጠንቂ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ስሜን ዝትወሰደ ስጉምቲ እዩ ኢሉ ልምውሳድ ፈፂሙ ዘይከኣል መሰረት ዘይብሉ ጠቐነ ምኻኑ ልምርዳእ ኣይከብዶን።

ህዝቢ ትግራይ ባዕሉ ንባዕሉ ንምድሓን፤ ናይ ምክልካልን ምምካትን ተግባራዊ ግብረ መልሲ ወስዲ እዩ። ትግራዋይ ኣብ ዙሩያ ቀንዲን ቀዳሚን ኣጀንድኡን ዕማሙን ዓሲሉን ዓሚሙን፤ በውሽጢን ብደገን ሓደ ልቢ ኮይኑ ይዋጋእ ከምዘሎ ዝፍለጥ ትኾን፤ እዙይ መተካእታ ዘይብሉ ቀዳማይን ቀንዲን ተግባርን ርእስ ጉዳይን እዩ። ኣብ ልዕሊ’ዙይ ክለዓል ዝኽእል ዋላ ሓዳ ርእስ ጉዳይ ኣይክህለውን። ይኹንድኣ’በር ምስዙይ ጎና ጎኒ ክልዓሉ ዝግብኦም ካልኦት ወሰንቲ ርእስ ጉዳዮት የለውን ማለት ግን ኣይኮነን። እኳ ድኣስ እዞም ኣገደስቲ ርእሰ ጉዳያት ክቐርቡ ዝለዎም፤ ነቲ ብዝተፈላለየ መልኪዑ ዝቐረብ ዘሎ ናይ ምምካት ስራሕቲ ብዘይትንከፍ ክኸውን ይግብኦ እዩ። ካብቶም አገዳስቲ ዝኾኑ ክዝረበሎምን መይይጥ ክግበረሎም ዘድልዮም ዛዕባታት እቲ ሓዳ “መፃኢ ዕድል ትግራይ ታይ ክኾን ኣለዎ?” ዝብል እዩ። እዙ ዛዕባ እዙይ ሕዚ ምልዓል ኣየድልን ተባሂሉ ኣፍ ኣፍ ልጓም ክበሃል አይግባእን። ውዕሊ ሓዲሩ ሰላም ዝረጋገፅ፤ ህዝቢ ትግራይ ንናይ ባዕሉ ዕድል ባዕሉ ርእሰ ውሳነ ብዘይስኽፍታ ተካይድ ከሎ እዩ። እዙይ እቲ ናይ መጨረሻ ናይ ትግራይ ዕድል ዝውስን መሰረታዊ ስታራቴጂ ስለ ዝኾነ ብሰበብ ኣስባቡ ከሕባዕ የብሉን።

ካብ ቅንዕና ተበጊሶም ገለ ገለ ወገናት ተጋሩ “እኒ ብዓል አሜሪካ ናይ ኢትዮጵያ ምብትታን ስለ ዘይደልዩ፤ በሰንኪ እዙይ ሓገዞም ጠጠው ከብሉ ስለ ዝኽእሉ፤ እዚ ጉዳይ እዙይ ሕዚ ክልዓል የብሉን” ይብሉታ እዮም። ላዕላይ ላዕላዩን (at face value) ብጊዜያዊ ጥቕሚ ኣንጻር ክርአ ከሎ ተቐባሊነት ዘለዎ ሪኢቶ ዝመስል እዩ። ይኹን’በር እዙ ኣመለካክታ እዙይ ብዕምቐትን ብዝርዝርን ክረአን ክድህሰስን ዘለዎ ዛዕባ ምኻኑ ምርዳእ ከዲሊ እዩ።

መፃኢ ዕድል ህዝቢ ዝውሰን ህዝቢ ትግራይ በዘካይዶ ድመፀ-ውሳነ (Referendom) ከምዝኮነ ኣዕሪካ ከስመረሉ ዝግባእ አገዳሲ ጉዳይ እዩ። ህዝቢ ትግራይ መንግሰተይ ብዝብሎ ናይ ፌደራል መንግስትን፤ ናይ ኤርትራ አራዊት መንግስትን ከምኡውን በክልል ኣምሓራ መንግስቲ ዘተፈፀመሉ ካብ ኣእምሮ ንላዕሊ ዝኮነ በደል፤ ሕማቕ ስነ-ልባዊ ፅልኢት ከምዝፈጠረሉ ዝፍለጥ እዩ። እዙ ጥቓዓት እዙይ ምስትወገደን መስትኣለየን፤ ህዝቢ ትግራይ ከመይ ክነብር ከምዘለዎ ባዕሉ ክውስን ዕድል ክረክብ ኣለዎ።  እንተስ በፌዴሬሽንን ብኮንፌዴሬሽንን ክነብር፤ ዋላ ንበይነይ ናይ ርእሰይ ናፃ መንግስቲ መስሪተ ከነብር ኢየ እንተይሉ፤ ማንም ዝህቦን ዝክልክሎን መሰሉ ስለ ዝኮነ በተግባር ድልየቱ በህዝበ-ውሳኔ ክረጋገጽ ኣለዎ። ናይ ሓዳ ህዝቢ ኣነባብራ ዝውስን በቲ ህዝቢ ዝገብሮ ርእሰ ውሳኔ’በር፤ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ፤ ብናይ ኣሜሪካ ፖለቲካዊ ረብሓ፤ ብድልየት ዘተፈላላዩ ናይ ትግራይ ፓርቲታት ወይ ከዓ ብድልየት ዝተወሰኑ ሊሂቃን ኣይኮነን። ኣብ’ዙ እዋን እዙይ ምዕራባዊያን ሃገራት በደል ትግራይ ሓቂ ምዃኑ ተረዲኦም ኣብ ጎኒ ትግራይ ጠጠው ምባሎም ዝናኣድን ዝላዓለ አስተዋፅኦ ዘለዎ ምኻኑ ዋላ’ኳ  እንተተፈለጠ፤ ብስንኪ እዙይ ግን ዓርሰ-ውሳነ ህዝቢ ትግራይ ናብ ዋጋ ዕዳጋ ከቐርብን፤ ብዝኾኑ ምኽንያታት፤ ኣፍ ኣፍ ልጓም ከብሃል ዘይግብኦ እዩ።

ኣሜሪካ ኣብ ትግራይ ዝበጽሕ ዘሎ በደል ጠጠው ኣብ ምባል ዕዙዝ ግደ ዋላ ይሃልዋ’በር፤ “ናተይ ናይ ፖለቲካ ረብሓ ክሕሎ ዝኽእል ኢትዮጵያ ክሳብ ዘይተገነፃፀለት ስለ ዝኾነ፤ ትግራይ ክትግንፀል ኣይትኽእልን” እንተይላ፤ ዴሞክራሲ ክዕንብብ ዝተግህ ዘለኩ ወሓስ ዴሞክራሲ እየ ዝትብል ዓዲ፤ ቃላ ምስ ግብራ ዝፃበኣ ክትኾን እያ። ዓርሰ-ውሳነ ብናይ ብርቱዓት ናይ ደገ ሃገራት ፖሊቲካዊ ረብሓ ዝትልውጦን ዝተሽርፎን ተኾይንኻ ሱር ዴሞክራሲ ቦቂስካ ምድራባይ እዩ።

ኣሜሪካ ሃብታም ንዝኮነት ንታይዋን ካብ ቻይና ንክትፍለ ወይ ከዓ ንክትቕፅል ብህዝቢ ታይዋን ድመፀ-ውሳነ ክዛዘም ዝትደሊ ተኾይና፤ ብዙሕ በደል ብጋህዲ ንዝበፅሖ ህዝቢ ትግራይ “ናትና ጥቕሚ ኢትዮጵያ ሓደ ኮይና ምስትቕፅል እዩ’ሞ፤ ናትኩም ዓርሰ ውሳኔ  ኣይቅበሎን” ምባል ተቐባልነት የብሉን። እዙይ ምስ ዴሞክራስያዊ ኣሰራርሓን መምሪሒን ፊት ንፊት ዝጋጨ እዩ። ኩሎም ፖለቲከኛታት ትግራይ ነዚይ ብትግሃት ካብ ብኣግኡ ክዝትይሉን፤ ብዝኾነ መስፈሪ ክዕፀፍን ከዕንቀፈን ዘይኽእል ምዃኑ ሽኲሎም ከምጉትሉ ዝግባእ ወሳኒ ዛዕባ እዩ።

ሓደ ፓይለት፤ እታ ኣይሮፕላን ካበይ ተልዒላ ኣበይ ከምዝትዓልብ ምፍላጥ ቀንዲ ዓላምኡ እዩ። ናብ ኣየር ደይቡ፤ ኣበይ ከምዝዓርፍ ዘይፈልጥ ተኾይኑን፤ ስቕ ኢለ ምብራርን ምብራርን’በር ኣበይ ከምዝዓርፍ አይግድሸንን አይፈልጥን’ውን እንድሕር ዝብል ኮይኑ እዙይ ትክክለኛ ኣብራሪ ኣይኮነን። ናይ ሓዳ ህዝቢ ናይ መጨረሻ መዕረፊን መዕለቢን ነጥቢ ድማ ናይ ህዝቢ ድምፀ-ውሳነ (Referendom) እዩ። ዓርሰ ውሳነ ዓሽሽ ዝትብሎን፤ በዝኾነ ምኽንያት ዝትሓብኦን ይውዓል ይሕደር ዝትብሎ ኣይኮነን። ነገራት ኹሉ ምስትመዓራሪዩን ምስትመቻቸውን ሓቢአ ፀኒሐ ድሓር ከልዕሎ እየ ዝበሃል ኣይኮነን። ናይ ብዱላት ህዝብታት ናይ መወዳእታ መዛዘሚ መተካእታ ዘይብሉ ዓርሰ-ውስነ (referendum) ምዃኑ ፈጽምካ ክዝንጋዕ የብሉን። ምእንተ ረብሃ ብርቱዓት ሃገራት ኢልካ ዓርሰ ውሳነ ምድህፃፅን ምጭፍላቕን ኣግብብነት ዘይብሉ እዩ። ስለዙይ ብመንፅር እዙይ ተጋሩ ብዛዕባ ዓርሰ-ውሳነ ዝህልዎም መትከል ንፁርን ዘየማትእን ከኾን ይግባእ።

ናይ ኣሜሪካን ምዕራባዊያን ቀንዲ ስግኣት 110 ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋ ኢትዮጰያ እንተተበታቲና፤ ብዙሓት ስደተኛታት ናባና ክፈልሱ ኢዮም ዝብል ትኾን፤ ኣሸበርቲ ናይ እስልምና ፅንፈኛታት ንክስፋሕፍሑ በሪ ዝኸፍት እዩ ዝብል ተወሳኺ ምኽንያት እዩ። እዙይ ኾነ እቱይ፤ ህዝቢ ትግራይ ብዛዕባ ናይ ርእሱ ዕድል ባዕሉ ንምውሳን ዝእግዶ ኩነታት ከምዘየለ ምፍላጥ ከድሊ እዩ። እዙይ ኣመልኪቱ ድማ ዝምልከቶም ውድባት ትግራይ ውዓል ሕደር ከይበሉ ብኣግኡ ካሓስቡሉን ክዝትይሉን’በር ዳሓር ክንሪኦ ኢና ኢሎም ክሓብእዎ ዝግባእ ዛዕባ አይኮነን።  ትግራይ ናብ ድርድር ክትቐርብ ከላ፤ ዓርሰ-ውሰነ ሓደ ነጥቢ ኮይኑ ክቐርብ ከምዘለዎ ፖለቲከኛታት ትግራይ ክራዳድኡ ይግባእ እዩ።

ኣብ ላዕሊ ከምዝትሓበረ ድምፀ-ውሳነ ህዝቢ ትግራይ ነቲ በእዋኑ ቀደማይ ዘሎ ዛዕባ ማለት’ውን መኸተ ፀላእቲ ጠንቂ ኣፈላላይ ኮይኑ ክቐርብ ኣይብሉን። ናይ ኩሉ ትግራዋይ ዋና ዕማም ዝኾነ መኸተ ፀላእቲ ርእሲ ኩሉን ቅድሚ ኩሉን ስለ ዝኾነ ንዑዑ ዝህውክን ዝዘርግን ኣጀንዳ አይክህልውን። ምስኡ መሳ ንመሳ ግና፤ በስልጡንን ጥበብ ብዝተመልኦን መንገዲ መሰል ርእሰ-ውሳነ ኣብ ትግራይ ንምክያድ አዳላይ ኩሉ ምድላዋት ካብ ሕዚ ጀሚሩ ክሳለጥ ይግባእ እዩ። ኣብ ርእስ ውስነ ህዝቢ ትግራይ ዋላ ሓንቲ ምድርዳር ከምዘይድሊ ኩሉ፤ እቲ ኣጀንዳ ሕዚ እንድሕር ተላዒሉ ጉድኣት ክህልዎ ይኽእል እዮ’ሞ፤ አቱ ጥጡሕ ባይታ ክሳብ ዝፍጠር ሓቢኢና ነፅነሓዮ ክበሃል የብሉን።

ከም ኢትዮጵያ ስሩዕ ህገ-መንግስቲን ጥርኑፍ ሰነድን ዘይብላ ዓባይ ብሪታኒያ፤ ዋላ’ካ ከም ዓንቀፅ 39 ዝመሰለ እስካብ ምግንፃል ዝበፅሕ መሰል ንህዝቢታት ብዕሊ ዝትደንገገ አይሃሉው’በር፤ ህዝቢ ስኮትላንድ ናይ ትግራይ ዝኣክል በደልን ጥቕዓትን ከይበጽሖ፤ ዝበለፀ ተረባሕቲ ክንኾውን ንኽእል ናይ ባዕልና ናፃ መንግስቲ ተመስሪትና እዩ ኢሎም ሬፌረንደም ተኻይዱ፤ ህዝቢ ስኮትላንድ ብሓባር ምንባር ይሕሸና ዝብል በኣብዝሓ ስለ ዘሸነፈ፤ ብሓበር ምንባሮም ቐፂሎም ኣለው። ሕዚ’ውን ናይ ስኮትላንድ መሪሕ ፓርቲታት፤ ብሪታኒያ ካብ ሕብረት አውሮፓ በሬፌረንደም ስለዝወፀት፤ ህዝቢ ስኮትላንድ ካብ ምስ ዓባይ ብሪታኒያ ዝበለጸ ተረባሕቲ ክንኾን ዝንኽእል፤ ምስ ኣውሮፓ ሕብረት ተተሓዊስና እዩ ብዝብል ሓዱሽ ምልከታ፤ ሬፌረንደም ዳግም ክሓትት እዩ ይበሃል።

ኣሃዳዊያን ናይ ኢትዮጵያ ፖለቲካ መራሕቲ፤ ንኣብነት በዓል ዶ/ር ብርሃኑ ነጋ ካብ ህገ-መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ህዝብታት ዓረሰ ውሳነ እስካብ ምግንፃል ዝጠቅስ ዓንቀፅ 39 ንምፏሕቅ ንምንታይ ቕንዕ ጥልዕ ክብሉ ይራኣዩ? “ሓቢረ ክነብር እየ፤ ወይ ድማ ኣይፋሉን ሓቢረ ምንባረይ ኣዙዩ ጎዲኡኒ እዩ፤ ንምጥፋእ ኮነ ተባሃሉ ተዳሊዉ፤ ክሕልወኒ እዩ ብዝብሎ ሰራዊትን ምሳየ ቂምን በቐልን ምስዘለዎ ናይ ጎሮበት ዓዲ ጨካንን ርጉምን ሰራዊት ተወዲዶም ኩሉ ናይ ጥፋኣት ስጉምትታ ኣብ ልዕለይ ተፈፂሙ ዓለም ሪኡ “ጉድ ዓይኒ!” እሉ መስክሪ እዩ፤ ብምዃኑ ምእንታን ህልውናይን ጥዕናይን ፍትሕ ይሕሸኒ” እንተይሉ፤ ብግዲ ክትነብር ኣለካ ክብሃል ኣይብሉን።

ህዝቢ ትግራይ ገጢምዎ ካብ ዘሎ ኩለ-መዳያዊ ዘስካክሕ ኣረሜናዊ በደል ምንጋፍ ካልኣዋይ ዘይብሉ ዘየማትእ ቀዳማይ ጉዳይ እዩ። እዙይ ማለት ግን ምስዙይ መሳ ንመሳ ካልኦት ንምይይጥ ዝቐርቡ ሓሳባት ክህልው ኣይክእሉን ማለት ኣይኮነን። ይኹን’በር ኣብ ልዕሊ እዚኦም ክፍጠር ዝኽእል ናይ ኣራኣእያ ፍልልይ፤ ነቲ ዓንዲን ቐደማይን ኣጀንዳ ብዘይትንክፈሉ ስልጡኑን ዉሕሉልን ዴሜክራሳያዊ ኣግባብ ከእለን ክተሓዘን ይግባእ።

ካብቶም ክላዓሉ ዝኽእሉ ዛዕባታት እቲ ሓዳ፤ ድሕሪ እዙ ኩሉ በደልን ጥቓዓትን፤ ናይ ትግራይ መፃኢ ዕጫ ታይ ክኾን ኣለዎ? ዝብል እዩ። እዚ ሕቶ ኣፈላላይ ፈጢሩ እቲ ኣብ ባይታ ሓደ ኮይኑ ንዘቃለስን ዝምክትን ዘሎ ሓይሊ ክኸፋፍሎ ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ኣብ ገለ ገለ ወገናት ክህልው ይኽእል እዩ። ብርግፅ እቲ ጉዳይ ብዴሞክራሳያዊ ኣግባብን ብጥበብን እንተይተታሒዙ ችግር ምክሳቱ ኣይተርፍን። ይኹነ’በር  ኣብቱ ቐዳማይ ባእታ ሰጢምካ ብምችኻል፤ ብዛዕባ መፃኢ ዕድል ትግራይ ካብ ብሕዚኡ ብስልጡኑን ስኹኑን መንገዲ ምዝታይ ክዕፆ የብሉን። መሰል ርእሰ-ውሳነ ንዘቅርቡ ሰባትን ውድባትን “እዚ አጀንዳ እዙይ በዚ እዋን እዙ ክልዓል ኣይብሉን” ኢልካ “ባንዳ” ኢልካ ዘይግባእ ሹም ምጥቃዕን ምልጣፍን ተቐባሊነት ዘይብሉ እዩ። መሰል ዓርሰ ውሰነ ናይ መጨረሻ ዶቡ/ጫፉ ናፃ መንግስቲ መስሪትካ ምፍላይ እንትኮን፤ እንተስ በኮንፌዴሬሽን ወይ ከዓ ብፌዴሬሽን ሓብሪካ ምንባር’ውን ዘጠቓልል እዩ።

ኣብ ትግራይ ቕድሚ ኩናት ኣብ ዝተኻየደ ናይ ተናሓናሕቲ ፓሪታት ምጉት፤ ብዛዕባ መፃኢ ዕድል ትግራይ ኣመልኪቱ ዝተፈላለዩ ሪኢቶታ ዝቐረቡ እንትኮን፤ ብጠንቂ ኣብ ትግራይ ዝትፈጠረ ተቐባሊነት ዘይብሉ ኩናት፤ እቶም ፓርቲታታ ዳርጋ ናብ ሓደ ሓሳብ እናቐረቡ ዝኸዱ ከምዘለው ካብ ባይታ ምርዳእ ኣየፀግምን። ሓደ ሓዳ ውልቀሰባትን ውድባትን “ትግራይ ዘድልያ ፌዴረሽን እዩ” እንተይሎም፤ ኣመለካክትኦም በሓሳብ ፀብለልታ በሊፂካ ምምጓት’በር፤ ከውገዙን ክኽልከሉን ዝትገበአ ኣይኮነን። ህዝቢ ትግራይ ብዛዕባ ናይ ርእሱ መፃኢ ዕድል ንምውሳን ኩሉ መመራፂ ኣብ መኣዲ ክቐርበሉ ይግባእ።

ገለ ገለ ሰባት “መፃኢ ዕድል ህዝቢ ትግራይ ዝውስን፤ ህዝቢ ትግራይ በዝውስኖ ድምፀ ውሳነ (Referendom) ሰለ ዝኾነ፤ ንኣና ዘገድስ ኣይኮነን” ትብሉ ይስምዑ። ብርግፅ እቲ ውሳነ ናይ ትግራይ ህዝቢ እዩ። ይኩን’በር ቅድሚ እቲ ናይ ህዝቢ ቅድመ ውሳነ ተናሓናሕቲ ፓርቲታትን ወልቀ ሰባትን ብዛዕባ መፃኢ ዕድል ትግራይ ቀዲሞም ሪኢቶኦም ከስርፁን ከተኣታቱውን በሪ ክኸፈት ይግባእ።

ኣብ ሃገረ ዓባይ ብሪታንያ ኣብ’ዚ ቐረባ እዋን ናይ ስኮትላንድ ህዝቢ ዘገበሮ ህዝበ-ውሳነ (Referendom) ከም ኣብነት ገይርካ ምውሳድ ፅቡቕ እዩ። ንናፅነት ዝድግፉን ዘተባብዑን፤ ንሓደነት ዝድግፉን ዝትፈላለዩ ፓርቲት፤ ልዕሊ ክልተ ዓመት ዝወሰደ ናፃን ውዑይን ክትዕ ንህዝቢ ስኮትላንድ ኣቕሪቦም፤ በሚእታዊ ሓደነት ይሕሸና ዘብል በዚሑ ብሓባር ምንባር ቐፂሎም እዮም። ከምዙይ ዓይነት ብስለትን ስልጥናን ዝትመልኦ አካያይዳ ናይ ትግራይ ህዝቢ ወኪለን ዝነጥፋ ፓርቲታ ካብ ብኣግኡ በዘይ ገለ ሰኸፈት ክጅምራ ዝትገበአ አዩ። ዘየድሊ፤ ሓያላት ዓዲታት ምእንታን ደገፎም ከየቋሩፅልና “መስል ዓርስ ውሳነ በዚ ሕዚ እዋን ኣፍ ኣፍ ልጓም ክብሃል ይግብኦ እዩ” ዝብል ኣመለካክታ እዩ። ትግራይ ንሓዋሩ ኣብዝትገብሮ ድርድር መሰል ዓርሰ-ውሰነ ንዋጋ ዕዳጋ ዘይቐርብን፤ ሎሚ እዋኑ ስለይዘይኮነ ኢልካ ዝሕባእን ኣፍ ኣፍ ልጓም ክባሃል ዘይግብኦ ሎሚን ፅባሕን አገዳሲ ዝኾነ ኣገዳሲ ዛዕባ እዩ።

Back to Front Page