Back to Front Page

ሽደን ብወነ ሽደን ብውነ

'ሽደን ብወነ ሽደን ብውነ'

ብዕራይ ናብ ዘበለ ተበለ

ዕርፊ አፅንዕ እንዶ ተባህለ

እሞ ብብዕራይ ወለደ

ዝስከፍ ተሎ ካባና ይፈለ

መን ረዓደ

መን ተዳህለ

መን ፈከረ መን ዓለለ

ታሪኽ ይመስክር ስጋ 'ቦይ ኢለ

ኣሽምባይ ዶ ሎሚ መራፍአይ ስሒለ

ሐደ ኮይነ ከም ንህቢ ዓሲለ

ብህሩሰይ 'ኳ ማዓስ አስጊለ

እምበአር ተሐምበለ

ጉዕዞ አዲስ ካብ መቐለ

'ት ፋሺሽት ከይትአለ

ትምክሕቲ ከይሰንከለ

አብ ጎሮሮና ዝተተኽለ

እሾኽ ንሐዋሩ ከይተነቕለ

ደውታ ዝብልዎ ደጊም የለ

ንድሕሪት ክምለስ ከመይ'

ክምርሽ እምበር ተፈንጢረ ዘሊለ

ሕንጠይ ተዘለለ

አድጊ ተሀለለ

ዘራይ ወዲ ዘራይ ተሐዘለ

ጋዕ ገልጠም ዘሎ ዘየለ

ሽሾ ሰራዊት ጉራማይለ

ዕሸል ገና ዘይበሰለ

ላፃይ ፀጉሩ ዘይበቖለ

ብድምፂ መድፍዕ ዝተዳህለ

ወዮ ጉሒላ ፋኖ ዘራፍ ዝበለ

አብታ ዝኳዓታ ጉድጓድ ተተኽለ

ፈደራል ዝበሀል ዝበሰለ

Videos From Around The World

እግሩ ጠሊምዎ አላሽ በለ

እዚኦም  ክዓግቱኒ?ዘይተባህለ

እንተ 'ቲ አራዊት ዶብ ዝዘለለ

ተጋሲሱ ንብረት ዝጎሐለ

ተደሚሩ ምስ ደብተራ ብዓል ቖለ

ትግራዋይ ከፅንት ዝተላዕለ

አብ ዓለም ዘየለ

ናይ ፖለቲካ ሕፅቦ ዝበለ

ዕሽነት ድዩ ፅላለ

ባሀም ርእሲ ዕንጉለ

ሐንጎል ደርሆ ዝአጎለ

አብ ዘይምልከቶ አብ ሐመድ ዝልለ

መልእኽቲ  አብ ኹናት ዝወዕለ

እመፀካ 'ለኹ አይሰምዕን ኢለ

እንተ ንስኻ  ውሐለ

ክገልፀካ ከመይ '

ሽደን ብወነ

ሽደን ብውነ

ስረ  ወያነ

ምግላፁ ሲኢነ

ደንፂዩኒ አነ

አንታ ፈዳይ ሕነ

ትግራዋይ ብምኳነ

ከይነብር ደኒነ

ማዕረ ኮይነ

ክነብር  ቐሲነ

ብአኻ ተሐቢነ

ትግራዋይ 'ት ጅግንነቱ

ክንደይ 'ዩ ጥልቐቱ

ንታሕቲ ዕምቖቱ

ንላዕሊ ቑመቱ

ንጎኒ ስፍሐቱ

ሚዛኑ ክብደቱ

ታይ 'ዩ ብልሐቱ

መግለፂ ዓወታቱ

ገና ብጊሐቱ

ጅግንነት ወሪሱ

ናይ አቦታቱ

መሊሱ መላሊሱ

ናይ እኖታቱ

ይወራረስ ዝንተ ውእቱ

ደጊም አየትተሀማሉ

ታሪኽኹም ዓቕቡ አዋህልሉ

አዚሙ አንቱም ከየንቲ

ፅሐፉ አቱም ፀሐፍቲ

መርምሩ ተመራመርቲ

ታሪኽ ትግራዋይ ትግራወይቲ

ታሪኽ 'ጁንታ' ታሪኽ ወየንቲ

ሐድነትናን ፅንዓትናን ነባሪ ሐወልቲ

ከምዚ ዝበለ ቑዱስ መስዋእቲ

ንዓለም ኽኸወን ትምህርቲ

ትግራይ ተዓወቲ

 

አለና@2013

ታኀ ፳፴፣፳፼፻፵

 

 


Back to Front Page