|
ኣሰላልፋ ሓይልታት ዞባናን፡ ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራን ከመይ ይመስል?
ክብርኣብ ተክለጊዮርግስ ሳንድያጎ - ካሊፎርንያ 05-21-21
ዝኸበርኩም ተኸታተልቲ መርበብ ሓበሬታ ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን፡ ኣብዚ ብጣዕሚ ካብ ማንም ግዜ ፈታኒ ዝኾነ እዋን፡ ንኸቢቡና ዘሎ መድረኽ ኣቓልቦን ምስትውዓልን ክንገብረሉን፡ ነቲ ምስቅልቅል ኢሉ ዘሎ ኩነታት ዞባናን ሃገርናን ካኣ መፍቲሕታት ክንደልየሉን ግድነት ይኸውን። ሎሚ ነቲ ብብርዒ ስም ዝፍለጥ “ማቴዎስ ዘለኣለም” ዝባሃል ኣብ ዕለት 4/25/21 ንኣማኒኤል እያሱን ተለቪዥን ኣሰናን ኣመልኪቱ ምስ ወያኔ ኣታኣሳሲሩ ንርእሱ ካብ ህግደፍ ቁሩብ ርሕቕ ኢሉ፡ ከም ሓላይ ኤርትራዊ፡ ነታ ድምጺ ዕቡስ ህዝብና ዝኾነት ኣሰና ከዋርዳን ክፈርዳን ምስ ሰማዕኹ እኖሆ ብርዐይ ኣልዒለ ዓገብ ክብል ተገደድኩ። ነዚ ዕድል እዚ ተጠቒመ ኻኣ ጉዳይ ዞባናን መርገጽ ደለይቲ ፍትሕን እንታይ ክኸውን ኣሎዎን ይግቦኦን ዝብሉ ክልተ ነጥብታት ኣቶኪረ መልእኽተይ ክትከታተሉኒ ብኽብሪ ይዕድም። ናብቲ ቀንዲ ቀዳማይ ነጥበይ ብምቱዃር ጉዳይ ዞባና ኣመልኪተ እስከ ገለ ክብል። ነቲ ኣብ 2018 ናይ ሰላም ሆይሆታ ብሞንጎኝነት ሃገራት ኣዕራብ ማለት ስዑድያን ኢማራትን ሕቡእ ሰነዳቱ ኣብ ሞንጎ መራሒ ብልጽግና ዶክቶር ኣቢይን ኢሰያስ ኣፈወርቅን ምስተገብረ፡ ዋእ ሰላምስ ጽቡቕ እዩ፡ መን ይጸልኦ ብምባል ዝርዝራቱ ከይፈለጥና ተቐበልናዮ። ህዝቢ ዘይፈልጦ፡ ሰነዳቱ ዘይግሉጽ፡ ጉዳይ ዶባት ንወሰን ዝገደፈ፡ ንጎረቤትና ክልል ትግራይ ዘዋሰነ፡ ሽርሕን ቶንኮልን ከምዘሎዎ ጸኒሕና ክንርዳእ ካኣልና። ነቲ ካብ እምኒሓጀር ስጋብ ባድመ፡ ካብ ራማ፡ ጾሮና፡ ዛላምበሳን ዓሊቴናን ዝዳወበና ሓው ዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ገዲፉ፡ ብሰማየ ሰማይ ኣዲስ ኣበባ፡ ባህርዳር፡ ጎንደር፡ ኣዋሳ፡ ጅማ፡ ናዝሬትን (ኣዳማ) ደብረዘይትን (ብሽፍቱ) ምምልላስ ምስ በዝሐ፡ ጉዳይ ልዕላውነት ሃገረ ኤርትራ ዝገበረ ማእከሉ ከምዘይኮነ ክበርሃልና ጀመረ።
እንተ እቲ “ኣይከሰርናን፡ ካብ ሎሚ ንንየው ንስኻ መራሒና ኢኻ፡ ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ እዮም፡ ሓደ ኣይኮኑን ኢሉ ዝሓስብ እንተልዩ፡ ኣብ ካልእ ዓለም ዝነብር ክኸውን ኣሎዎ” ምስ በለ እሞ፡ ቶባ ድሕሪ ደጊም፡ ኣብቅዐ ጉዳይ ኤርትራ በልና። ብቐደሙስ ንሕና ህዝቢ ኤርትራ ኢና ግጉያት ዝነበርና እምበር፡ ንሱስ ንፍርቂ ሓይሊ ሰውራ ተሓኤ ምስ ወያኔ ኮይኑ ክሃርም ከሎ፡ ኣብ 1991 ምስ ኢትዮጵያ ተሓዊሱ ክነብር ክእምት ከሎ፡ ጸኒሑ ዶባት ናብ ትርጉም ኣልቦ ክብርኽ እዩ ክብለና ከሎ፡ ኮታ ነቲ ን 30 ዓመታት ድሕሪ ነጻነት ንሃገረ ኤርትራን ህዝባን ኣባዲሙ፡ መሬት ምድረ-በዳ ክገብራ ከሎ፡ ሃብትን ምህርትን ኤርትራ ን 11 ውድባት ተቕወምቲ ኢትዮጵያ ባጀት ክምውል ከሎ፡ ንልዕላውነት ኤርትራ ዘይኣምኑ ደርጋውያን፡ ጉንበት 7 ን መድያ ኢሳትን ባጀቶም እንዳሸፈነ፡ ሎሚ ኻኣ ምስ መራሒ ብልጽግና ኮይኑ ንሓው ዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ክቐትልን ክዘምትን ክትሪኢ ከለኻ ከመይ ጌርካ ኣጀንዳ ኤርትራ ኣሎዎ ክባሃል ይካኣል። እቲ ህወሓት ንምሉእ ነጻነት ኤርትራ ደሙ ዝኸፈለ፡ ንርፍረንዶም ህዝቢ ኤርትራ ነጻነት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ መለስ ዜናዊ ዝፈረመ እንዳራኣኻ፡ ወያኔ እውን ንዝሓለፉ 30 ዓመታት ኣብ መትከሉ ጸኒዑ ንልዕላውነት ኤርትራን ነጻነትን ከም ቃሎም ኣኽቢሮም እንዳነበሩ፡ ኣንጻር እዚ ሓይሊ እዚ ስለምንታይ ጠጠው ክንብል ይድለ። ብፕረሲደንት ትራንምፕ ቀጠልያ መብራህቲ ዝተዋህቦ፡ ሃገራት ኣዕራብ ቀይሕ ባሕሪ ንምቁጽጻር ሽርሒ እንዳገበራ፡ መስፋሕፋሕቲ ሙሁራት ኣምሓራ ዓሰብ እንዳሓለሙ፡ ሩስያን ቻይናን ዓሌታዊ ምጽናትን ዓመጽ ደቂ ኣንስትዮን ሸለል እንዳበሉ፡ ንሕና ኤርትራውያን ከም ጎረቤትን ሓው ዝኾነና ገዲፍካ፡ ዋላ ከም ሰብ እውን ሎሚ ምስ ህዝቢ ትግራይ ዘይወገነ፡ ሰብኣውነት ዝጎደሉ ጥራሕ እዩ። ርእሰ-ውሳኔ ሃገረ ትግራይ፡ ሎሚ ጋህዲ ከምዝኸውን ብዙሕ ምልክታት ዘሎዎ ኮይኑ፡ እዚ ንምዃን ሓይሉ ኣብ ህዝቢ ከም ዛራ ማይ ዝተሰረተ፡ ብታሪኽ ጅግንነቱ ዝተፈልጠ፡ ክቡር ጽቡቕ ስብእና ዘሎዎ ህዝቢ፡ ህዝባውን ፍትሓውን ቃልሲ ምክያዱ፡ ናይ ዓወቱ ምስጢርን ውሕስነትን እዩ። ልኡላውነት ዘርኢ ኦሪ ካብ 4470 ስጋብ 3244 ቅድመልደተ ክርስቶስ፡ ልኡላውነት ግዝኣተ ዩቕጣን 1930 ቅድመ-ልደተ ክርስቶስ ስጋብ ሳባማክዳ ወይም ንግስተ ሸባ 982 ቅድመ-ልደተ ክርስቶስ መሰረት ዘሎዎ ህዝቢ፡ ስርወ መንግስቲ ምኒሊክ ቀዳማይ ስጋብ 9 ዓ.ም. ሉኡላውነት ባዜን መሰረት ሃገረ ትግራይ እዩ። ካብ መጀመርያ ሚእታዊት ዓመት ግዝኣተ ሳርቱ ጸንታ ኣስገድ ስጋብ 100 ዓ. ም. ግዝኣተ ኣኽሱም ኣብ ትግራይ ዝተፈጥረሉ፡ ቀይሕ ባሕሪ - ኣዶሊስን ምጽዋዕን ከም ወደባትን ናይ ንግዲ ማእከላትን ዝጀመራሉ፡ ስጋብ ሳልሳይ ሚእቲ ዓመታት ግዝኣተ ኣኽሱም ንሃገራት ሰሜናዊ ምዕራብ ዓረብ ዝበጽሓሉ፡ ግዝኣተ ሪማ ጽዮንገዛ፡ ገዛ ኣጾጎሃ ሰይታ ኣራድ፡ ታዘርን ንግስተ ኣይዋ ሶፍያ ስጋብ ምምሕዳር ኣብራሃ-ኣጽባሃ 332-341 ዓ. ም. ዝነበረት ትግራይ፡ ኮታ ስጋብ 890 ዓ. ም. ዮዲት ጎዲት ናይ ፍላሻ ንግስቲ መጺኣ መንግስተ እኽሱም ተፍርስን ስጋብ ሃጸይ ዲል ናኡድ መንግስትነት እኽሱም ናብ ሽዋ ዝወሰዶ ኣብ 1029 ዓ. ም. ቅድሚኡ ኩሉ ኢትዮጲስ፡ ኢትዮጵያ፡ ቀዳማይ ምኒሊክ፡ ኣብራሃ-ኣጽባሃ ኣኽሱማዊት ነገስታት ኣብ ኢድ ትግራይ እዩ ዝነበረ። ኣብ 615 ዓ.ም. ካኣ ንኣመንቲ መሓመድ ምስልምና፡ መንግስቲ እኽሱም ዑቕባ ሂቡ ክቕበሎም ከሎ፡ እቲ መስጊድን ቤተ-መዘክርን ኣል-ነጋሺ ህንጻ ህሉዊ ምስክር እዩ። ካብ 1268 ዓ.ም. ማለት ካብ ግዝኣተ ይኩኖ ኣምላክ ስርወ ንግስና ጀሚርካ፡ ኣብ ሞንጎ ብዙሓት ዝተቕራረጸ መድረኻት ገዲፍካ፡ ግን ካኣ ብሓፈሽኡ ብዓብላልነት ኣምሓራ ስጋብ 1974 ኢትዮጵያ ግዝኣተ ኣምሓራ ነበረት። ኣምሓራ ዝብል ከም ዓሌት ወይ ውን ከም ብሄር ኣይነበረን ስጋብ ግዜ ኢሀደግ። ኣምሓራ ካብ ቛንቛ ምዃን ሓሊፉ ከም ሰባት ሞቦቆሎም ካብ ትግራይ እዮም። ሎሚ ግን ታሪኽ ንበይኖም ክውንኑ ንኤርትራ፡ ንትግራይ፡ ንኦሮሞ ኮታ ንኹሉ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣምሕርኛ ተዛረቡ እንዳበሉ፡ ሑሞራ፡ ወልቃይት፡ ራያ፡ መተከል፡ ሃረር ናትና እዩ እንዳበሉ፡ ኢትዮጵያን ኣምሕርኛን ማዕረ ክገብሩወንን ምስፍሕፋሕ ኣመሎም ዓብሊሉዎም፡ እኖሆ ግን ሎሚ በቲ ዝንዕቑዎ ዝነበሩ ኦሮሞ ምስ ትግራይ፡ ምስ ቢንሻንጉል ኣዊጊኡዎም፡ ሕጂ ኻኣ ምስ ኦሮሞ ሓዊ ክውላዕ ሎምስ ዝተረፎ የለን። ኣብ 1300 ክፍለ ዘመን ካብ ዓረብ ናብ ግእዝ ብምቱርጓም ክብረ-ነገስታት (Glory of Kings) ብምጽሓፍ ናብ ታሪኽ ኣምሓራ ዝወገነ ጌሮም ጽሒፎሞ። ኣብ 1753 ዓ.ም. ታሪኽ ሚኪኤል ሱሑል፡ ካብ 1872 ስጋብ 1889 ን 17 ዓመታት ንጉሰ ነገስት ሃጸይ ዮውሃንስ ራብዓይ፡ ካላኣይ ወያኔ ኻኣ ን 17 ዓመታት ብምቅላስ ንግስነቶም 1991 ከመልሱ በቒዖም እዮም። ሕጂ ኻኣ ካላኣይ ውያኔን፡ ሳልሳይ ወያኔን፡ ድጂታል ወያኔን ምስ ህዝቦም ኮይኖም ነቲ ዘይተርፍ ዓወቶም ክንዲ ዝመረረ ይምረር ኣብ ልኡላውነት ሃገረ ትግራይ ከብጾሖም እዩ። ደላይ ፍትሒ ህዝቢ ኤርትራ ኻኣ ትግራይ ከም እስትራተጂካዊ መሓዘና ኣብ ኤርትራ ሙሉእ ለውጥን ስላምን ደሞክራስን ስጋብ ዝነግስ ቃልስና ክነተሓባብር ይግባእ። ናብቲ ካላኣይ ነጥበይ ከብሎኩም እሞ እቲ ብናይ ብርዒ ስም ተኸዊሉ ብሽም “ማቴዎስ ዘላኣለም” ብዝብል ንኣማኒኤል እያሱን ሳተላይት ተለቪዥን ኣሰናን፡ ኣስናኑ እንዳሓራቐመ “ናይ ደርሁ ዕንትርና፡ በሎም ደጋግሞም በቲ ዘሕሞም፡ ድሮን” ብምባል ደፋርን ፈላላይን ብርዑ ስለ ዝስደመመንን፡ ስለ ፍትሒ ምዝራብን ክብል ተገዲደ እጽሕፍ ኣለኹ። ተለቪዥን ኣሰና ድኣ “ፍትሊ ኩኑና፡ መርፍእ ክንኮነልኩም ኢና” ብዝብል መጸዋዕታ ንህዝቢ ኤርትራ ምስ ተገብረ፡ እኖሆ ኻኣ ብመን ይዕወት ካብ ኣመሪካን፡ ኤውሮጳን፡ ማእከላይ ምብራቕን፡ ኤስያን ኣፍሪቃን ህዝቢ ኤርትራ ኢደይ ኢድካ ኢሉ ይርሓሰና ብምባል ዝተመወለን ዝተተኽለን ድምጺ ውጽዕ ህዝቢ ኤርትራ ማዕከን ዜናን መራኸቢ ቡዛሓንን ሜድያ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ኻኣ ኣብ መላእ ዓለም ኮይኑ፡ እንተላይ ካብ ሕምብርቲ ሃገርና ኣስመራ ዝከታተሎ ኣጆኹም ተዓወቱ፡ ድምጺ ዕቡሳት ኮይንኩምልና እንዳበለ እንድዩ ዝምሩቖ ዘሎ። ስለዚ ኣሰና ካብ በረኻታት ትግራይ ከምዘይትምወል ባዕሉ ህዝቢ ኤርትራ እቲ ዘዋጸኦ ናይ ሂወት ምስክር እዩ። ኣሰና ድኣ ኣይኮነን ዶ ሎምስ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሕሱም ቁጠባዊ ሽግር ከሎ፡ እቲ ኣብ ኣራት-ኪሎ ከሎ ወያኔ ኸማን፡ ሳላ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምምዋል ልመና ኣይወደቐን። እቲ ዑሱባት ዶ መናፍስቲ፡ ከም በቕሊ ደሳለይ ባዓል ውዕለትኩም ዝኾኑ ኣይትስእኑን ኢኹም ዝብል ነውራም ፈላላይን መልእኽትኻ፡ ድሓን፡ መን’ዩ ንህዝቡን ሃገሩን ዝኸሓደን መን እዩ ኸ ሕሱም ዕዳ ዝኸፍል ግዜ ክፈርደና እዩ። እዚ ግን ነዊሕ ሱር ዘሎዎ ፖለቲካ እዩ ዝመስል፡ ከም ህዝብን ሃገርን ናብ ፍልልይ ዘምርሕ ዓሚቕ መልእኽትኻ ብቐሊሉ ዕሽሽ ኢልካ ዝሕለፍ ኣይኮነን። ካብ ቀደም ካብ ጥንቲ እውን እንተኾነ ጥልያን፡ ካላኣይ ምኒሊክ-ኣምሓሩ፡ ሕጂ ኻኣ ጉጅለ ዶክቶር ኣብይ፡ ክልተ ትግርኛ ተዛረብቲ ህዝቢ ንኸይሳማምዑን ንኽፈላለዩን ለይትን መዓልትን ሽርሕታት ይስራሕ ኣሎ። ግን ህዝቢ ኤርትራ ካብዚ ንስኻ ትብሎ ዘለኻ ንላዕሊ ምኻኑ፡ ቀደም ኣመስኪሩዎ እዩ። ዋላ እዃ ኣብ ግዜ እንግሊዝ ምምሕዳር፡ ከበሳ ናብ ኢትዮጵያ፡ መታሕት ካኣ ናብ ሱዳን ክጽንበሩ እንተተሓስበ፡ ኣይፋሉን ንሕናስ ኣይንፈላለን፡ የግዳስ ብሓባር ኮይና ፈደረሽን ከም መወዳእታ ምርጫ ወሲድና ንእቶ ብምባል ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ኣትሪሮም ብሓባር ውዑል ፈደረሽን ፈረሙ። ንሱ እውን እዩ ውሕስነት ሃገርን ሓድነትን ኮይኑ፡ ሰውራ ኤርትራ ሓቢርና ተቓሊስና ኣብ ነጻነት ክንብጽሕ ዘብቃዓና። እሞ ከም ሕያዋይ ገያሻይ ኬድካስ፡ ሓውልቲ ስዋኣት ትግራይ ክትስንድን፡ ኩሉ በብሓደ ብኣትኩሮ ከም ስለያ ዝመስል ተዓዚብካ መጺእኻስ፡ ምስኪንን ገርህን ጭዋን ተቐባሊ ጋሻን ህዝቢ ትግራይ ካኣ ሰላሊ ከይበለ ዋላ እዃ ብገንዘብካ ይኹን እምበር ከይተቶናኾለ ኣብ ፕላኔት ሆቴል ኣምሲሑካ ይኾውን። ነቲ ክቡር ናይ ስዋኣት ሓውልቲ ኻኣ፡ እንተላይ ኣብ መላእ ኤርትራ ከይተረፈ ዝተዘርአ ኣዕጽምቲ ስዋኣት ዝውክል ሓውልቲ ከተራኽስ ከምቲ ናይ ሊቀ ኣጋንንቲ ኢሰያስ፡ እግሪ ደርሆ ዶ ዋላስ ደሳለይ በቕሊ ኢልካ ክተላግጽ ብሓቂ ሃየንታ ኣሎዎ። ብዝኾነ እቲ ኣብ ዘይውራይካ ምውዓል እዩ ንወያኔ ምድጋፍ ዝበልካዮ፡ እቲ ጉዳይ ንሱ ኣይኮነን፡ ኤርትራዊ መንእሰይ ትግራይ ከይዱ፡ ተገዲዱ ሂወቱን፡ ሂወት ህዝቢ ትግራይን ናብ ተራእዩ ዘይፈልጥ ናይ ከባቢና ዓዘቕቲ እንዳኣተወ እንዳራኣኻ፡ እዚስ ብስም ኤርትራዊ ዶ ዋላስ ወያኔ ዘገማምት ኣይኮነን።
እወ ንዓኻ ኣይታይካን እዩ ዝመስል ዘሎ። ናዓና ንህዝቢ ኤርትራ ግን፡ ውዲ ሓውናን ወዲ ሓፍትናን ኤርትራዊ እንዳሞተ፡ ጎረቤት ህዝብና ብኽትገልጾ ዘስካሕክሕ ዓመጽ እንዳተደፍረ፡ ንስኻ ኻኣ ዝሓለፈ ዓመት ብሄረ ትግርኛ ኣብ ስልጣን ኔሩ እዩ እሞ፡ ሕጂ ዝመጽእ ለውጢ ብኻልእ ብሄራት ክምራሕ ኣሎዎ ብዝመስል ስውር ኣምር ተበጊስካ፡ ኣብ ምፍልላይ ክልተ ትግርኛ ተዛረብቲ ህዝቢ ፍልልይ ክትዘርእ ምውዓልካ ዓገብ ክብለካ ይፈቱ። እወ ህዝቢ ኤርትራ ኣብዘሐ ብሄራትን ዓሌታትን እዩ። ህዝቢ ትግራይ ካኣ ከምቲ ንስኻ ትሓስቦ ዘይኮነስ፡ ብኣኽብሮት ንኹሎም ብሄራት ኤርትራ ብማዕረ ከም ዝርእይዎም፡ ኣብ ልኡላውነትን ነጻነትን ኤርትራ ከምዝኣምኑን ምንም ጥርጥር የብለይን። ስርዓት ኣረሜን ኢሰያስ ግን ሰርዓት ከበሳ ወይ ውን ስርዓት ብሄረ ትግርኛ ከምዘይኮነ፡ በቲ ኣብ ኤውሮጳን፡ ኣመሪካን ሱዳንን ኢትዮጵያን ፎቖዶ ልብያን ሲናይን እንዳሞተን እንዳተሰደን ዘሎ ህዝቢ ካልእ ምስክርነት ትደሊ ኣይመስለንን። “ወዲ ዓሻስ ክልተ ግዜ ይጽፋዕ” ዝባሃል ምስላ ኣሎ። ሕጂ ብኢሰያስ ሓመድ ድከኑ ከም ካልእ ህዝቢ ኤርትራ እንዳበልዐ ከሎ፡ ንስኻ ኣብ ወጻኢ ክትማሃር ጸኒሕኻስ፡ ኣብቲ ዝመጽእ ለውጢ ኻኣ ክትሕርሞ ትህቅን ከምዘላኻ ንምርዱኡ ኣየጸግምን እዩ። እንተ እቲ “ሓይሊ ዕማም ናይ ስደት መንግስቲ” ዝበልካዮን ጉዳይ ሃብታኣብ የማነን፡ ሳሚኤል ኣምሃን፡ ከምኡ እውን ሳልሕ የኑስን፡ ኣነ’ውን ብዙሕ ፍልልይ የብለይን። ግን ክልተ ዓመት ምሉእ ዝወሰደ ናይ ፖለቲካዊ ሓይልታት ናብ ሓደ ሃገራዊ ጽላል ንምትካል ምስ ተቓራረበ፡ እሞ ፖለቲካዊ ቻርተርን ፎኖተካርታን ሕገ ህንጻን ሰነዳት ምስ ረቐቐ፡ ሕጂ ብጎድኒ ናይ ስደት መንግስቲ ብዝብል ጎስጓስ ምቕልቃሉ ቁሩብ ናይ ሕቶ ምልክት የቕምጠልካ እዩ። ብዝተረፈ ኣነ እዃ ክልቲኦም ሓቢሮም ተመላላኣይ ክኾኑ እየ ዝምነ። ዓወት ንቓልሲ ህዝቢ ኤርትራ Back to Front Page |