ንሕና ንዓድና ዓድና ንዓና!! Getachew Aregawi(Wurayna) 01-01-22 1. ግድነት ዝዕወት ቃልስና ~ ስቓይና ምብዝሑ ንዓወት እዩ፡ ' suffering.... success, "no pain, no gain" ኣብ ህዝብና ዝበፅሕ ዘሎ ኩለመዳያዊ ስቅያት ገዚፍን ብዙሕን ብምዃኑ እቲ ብግድን እንዕወተሉ ቃልስና ብሓፂር ግዜ ክውዳእ ምብሃግና ግቡእ እዩ። ብዝኾነ ይኹን ምኽንያት ቅሩብ ዘናውሕ ነገር እንትርከብ ኣብኡ እንተሎ ስቓይ ህዝብና ምንዋሕ ስለዝኾነ ስቓይና በዚሑ፡ ነዊሑ ኢልና ነንፀርፅር። ግቡእ ኽኣ። ሓቂ እኮ እዩ። ህዝብና እኮ ክሳብ ሐዚ ምንቅስቓሱ ተገዲቡ (ነዳዲ የለን)፥ ባንኪ የለን፡ ዋላ ቅርሺ ይሃልዎ ምንም ክገብር ኣይኽእልን፥ መብራህቲ የለን (ዋላ ብቕልፅምና ባዕልና ዝገበርናዮ ውሱን መፍትሒ እንትሃለወ)፥ ስልኪ የለን፥ ሸቐጣሸቐጥ የለን፥ መሃያ የለን፥ መድሓኒት የለን፥ ዝኾነ ባጀት የለን፥ ብኡ ልክዕ ምፍራይ የለን፥ ሓገዝ የለን....ዋይ ክትሓስቦ መደመሚ። ኣረ ኸመይ ኢሉ ይነብር ኣሎ እዚ ህዝቢ እዙይ? ግን ክኣ ይቃለስ። እቲ ስቓይ ብዙሕ እዩ፥ ገዚፍ እውን እዩ። ህዝብና በቢመዓልቱ ብድሮናት እታ በስናዕ ክሓዲት ሃገረ ኢትዮጵያን መወልታን ይድብደብ፣ ይጭፍጨፍ ኣሎ። ካብ ትግራይ ወፃእ ኣብ ካልኦት ክፍላት እታ ካሕዳምን ጨፍጫፊትን ሃገር ብፍላይ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ትግራዋይ ኣብ 'ገሃንም' ከምዘሎ እዩ። ምዕራብ ትግራይ ህዝቡን መሬቱን ኣብ ምንታይ ኩነታት ኣሎ ዝፍለጥ እዩ። እወ እቲ ስቓይ ብዙሕ እዩ እዙይ ሑስካ ኣይህረስን። ደቒቓ ኣይኮነን ሰከንድ እውን ክትባኽን የብላን። እቲ ስቓይ ግን ንምቑዛም ንምንፅርፃር ኣይኮነን ነልዕሎ፥ ንቓልስን ዓወትን እዩ። "success requires suffering, toil,and effort: no pain, no gain " እዩ። እዛ ለመቕነ ክንደይ ሓሳባት ከምዘሸራሸርና ርኢናያ ኢና። ንሱ እዩ ዘዕውት። 2. ድሃይ ሰራዊትና መዳርግቲ ኣልቦ ሓየት ሰራዊት ትግራይ ከም ወትሩ ምስ ልዑል ተኽእልኡ፥ ድላዩ ተልእኾ ንምፍፃም ኣብ ዘኽእሎ ዘተኣማምን ቅሞናን ድልውነትን ኣሎ። ተጋዳላይና ኣዝዮም መደመምቲ ዓወታት እንሓፈሰ፡ ኩሎም ተፃብኦታትን ፈተናታትን ብፅንዓት፣ ብትብዓት፣ ብጥበብ፣ ብምህዞን ተዓፃፃፋይነት እናሰገረን ናብ ረብሕኡ እንዳውዐለን፥ ንህዝቡን ወገኑን እንድሓበነ፥ ንፀላእቱ እንድሓምሸሸን እንዳኾምሸሸን፥ ንዓለም እንዳገረመን እንዳምህረን. ..ኣብ ኣፍ ኣዲስ ኣበባ በፂሑ ምምላሱ ብዋናነት ተዓዋታይነቱን ተኽልኡን ዘርእየን ገዘፍቲ ዓቕምታት ከጥሪ ዝገበሮን እኳ እንተኾነ፥ ተጋዳላይና ብምምላሱ ፅቡቕ ተሰሚዒዎ ኢለ ግን ክሕስዎኩም ኣይደልን። ናይቲ ምምላስ ምኽንያት ድላዩ ይኹን (ብዓቕሚ ምንኣስ ሰራዊትና ዘይምዃኑ ግን ርግፅ ስለዝኾነ) ንተጋዳላይና ኣኾርይዎ እዩ፣ ኣቖጢዕዎ እዩ። ንዝብለፀ መደብ ንዝተማልአን ዘላቕን ዓወት እዩ ተባሂሉ እቶም ዝፍለጡ ናይ ፖከቲካዊ፣ ዲፕሎማስያውን ወታደራዊን ምኽንያታት ብዝርዝር ብምምያጥ ምትእምማን ዝተፈጠረ ዋላ እንተኾነ ኮርዩ ምቕናዩ ግን ዘይክሓድ ሓቂ እዩ። ንድሕሪት ምምላስ ብባዕሉ ሕቶ ዘልዐለ ኾይኑ (ስቓይ ህዝቡ ንምሕፃር ቀልጢፉ ክዕወት ካብ ዘለዎ ሰናይ ድሌት ዝብገስ) ንቲ ምምላስ ዝፈለጠ ቁማርተኛን ፀረሰብን መንግስቲ ኢትዮጵያ ክብለፀሉ ስለዝተረባረበ ኣብ ምምላስ ንዝነበረ ሰራዊትና ፅዑቕ ናይ ድሮን ደብዳባት ብምክያድ፡ ከምኡ እውን ዕጥቂ ከትርፍ እንተኺኢሉ እውን ኣሃዱታት ክቖረፅ ፈተነታት ብምግባር (ብሃርቡ፣ ጋሸናን ዞብልን ዝፈተኖም) ፀቕጢ ፈጢሩ እዩ። ሓየት ሰራዊትና ግን ንዚኦም ብብቕዓት ብምስጋር እኳድኣስ ፀላኢ እናደምሰሰን ተውሳኺ ዕጥቂ እንዓጠቐን ምስ ሙሉእ ዓቕሙ ድኣ መፀ እምበር ንጣር እውን ኣየንጠብጠበን። ብሰንኪ ድሮን ዝኸፈሎ ክሳራ ግን ብውሱን እውን እንተኾነ ንከንፀርፅር ገይርዎ እዩ። ከምዙታት ምግጣሙ ኽኣ ንተቓላሳይ መሊሱ ዘፅንዖን መሃዛይን ተዓፃፋይን ክኾን ዝገብሮ እዩ። ከምኡ እውን ይኾን ኣሎ።
ሰራዊትና ዘለዎ ቦታ ተንቀሳቒስካ እቲ ዘለዎ ኹነታት ጠቕላላ መንፈሱን ዘለዎ ዕጥቅን ዓቕምን እንትትርኢ ንነብስኻ ፍሉይ ፍናን ይስመዐካ። እቲ ዝገርም ድማ ኩሉ ንዋታዊ ዓቕሙ፡ ካብታ ሓንቲ ፍረ ጥይት ክሳብ እተን ታንክታትን ብኤማትን ሙሉእ ብሙሉእ ካብ ፀላኢኡ ዝተዓጠቖ ምኽያኑ እዩ። መዳርግቲ ኣልቦ ጅግና ሰራዊት ህዝቢ ትግራይ ኣብ ቀረባ ልቢ ህዝብና ዘተርክስን፣ መሰረታዊ ረብሓን ክብረን ህዝብና ዘረጋግፅን ዕዉት ስራሕ ብምስራሕ ከቕስነና እዩ። ኩሉ ግዜ ሙሉእ ልብናን ዓቕምናን ከይተሸራረፈ መድሕን ህዝብናን ዓድና ንዝኾነ ሰራዊትና ይኹን። #TDF ዘተኣማምን፣ እምነት ተሕድረሉ ፣ ብትኽክል ንኽብረታትን ባህግታትን ትግራይን ትግራዋነትን ዝምጥን ሰራዊት እዩ። እዙይ ምግናን ኣይኮነን፥ ክኾነልና ንደልዮን ንምነዮን ንዛረቦ ዘለና እውን ኣይኮነን። ኣብ ኢድና ዘሎ ክውን ሓቂ እዩ። ናይ ትማሊ እኮ ኣይኮናን ንዛረብ ዘለና፥ ዛንታ እኮ ኣይኮነን። ሐዚ ንሕናን ዓለምን፡ ዋላ ፀላእትና እውን ብሓባር ንሪኦ ዘለና እዩ። ካብ ምንም ተላዒሉ tremendous ዓቕምታት ዝወነን ብቕፃልነት ዝውነንን ዘሎን እዩ። ናይ ተኹሲ ዓቕሚ ጥራይ ኣይኮነን፣ ናይ ዕጥቅን ስንቅን ዓቕሚ ጥራይ ኣይኮነን። ተኽእሎ እዩ። ፅንዓት፣ ብቕዓት፣ ተፃዋርስይነት፣ መሃዛይነት፣ ተዓፃፃፍነት፣ ክእለት፣ ፍልጠት፣ ፀገም ፈተሓይነት፣ ሓልዪት፣ ህዝባዊነት፣ ልዑል ፍቕሪ ህዝቡን ዓዱን ዝወነነ እዩ #TDF ሰራዊት ህዝቢ ትግራይ። ብሓፂሩ ንትግራይ ዝምጥን እዩ። ኣብ ትካላውነት፥ ኣብ ዘላቕነት ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ክሰጣጠም ዝግብኦ፣ ክውሰኽ ክድልድል ኣብ ዝግበኦ ናትና ኢልና ብቕንዕና ኣሒልና ንሰርሕ። ሙሉእን ዘላቕን ክኾን ብውነ ብሓልዮት ንሰርሕ። 3. ሚድያታትናን ሰራሕቲ ፕሮፖጋንዳን ? ? ሚድያታትና እንታይ ይብላ ኣለዋ? ናይ ፖሮፖጋንዳ ኣንፈትና ኸ ትሕዝትኡን ኣይካይድኡን ግቡእ ድዩ ዝኒሀ? እንታይ ከ ንግበር? ብስሩ ግን ሚድያታትና ንሰምዐን ዶ? ንሪአን ዶ? የምህራና ዶ? ሓዱሽ ሓበሬታ ይህባና ዶ? የዘናግዓና ዶ? የዕጥቓና ዶ? ሓቦ የትሕዛ ዶ? ስቓይና ይዛረባ ዶ? መፍትሒ የቕምጣ ዶ? ተስፋ የትሕዛ ዶ? ትግራይን ትግራዋይነትን ይጨንዋ ዶ? ክብርታት ህዝቢ ትግራይ ኣብኡ ንረኽቦ ዶ? ንሃርፈን ዶ? ከይሓልፈና ዶ ንህንጦ? ፕሮፖጋንዳና ሓቦ ዘትሕዝ፣ ንፅረት ዝፈጥር ኮይኑ ዶ ንረኽቦ ወይስ.... ? ሚድያታት ትግራይ ዝምርሓሉ ኣንፈት፣ ፖሊሲ እኒሀ ዶ? መን ከ ይመርሐን ? መራሒ ኣለወን ዶ? ኣጀንዳ መን ይህበን? ኣጀንዳ ከ መን ይቐርፀለን? መን ከ እዩ ክቕርፀለን ዘለዎ? ጭርሖታት መን የውፅኦም? እንታይ እዮም ከማልኡ ዘለዎም? መን ከ እዩ ዝውንነን? ቅቡል ብዝኾነ ባህርያዊ መግለፂ ሚድያ ሓበሬታ ዝህብ፣ ዘምህር፣ ዘዘናግዕ ክኾን ኣለዎ። ሐዚ ንሕና ከም ተጋሩ ኣብ ቃልሲ እንዲና ዘለና ሚድያታትናን መስርሕ ፕሮፒጋንዳናን ንወገን ዘትብዕ፣ ዘሕርን፣ ዘዕጥቕ፣ ንፅረት ዝፈጥር፣ ሓድነትን ስምረትን ዘደልድል፣ ተስፋ ዝህብ ወዘተ ክኾን፥ ንደገ ድማ ፈታዊ ዘብዝሕ፣ ፈታዊ ዝእክብ። ንፀላኢ ድማ ዝብትን፣ ዘደናግር፣ ዘርዕድ፣ ፀላኢ ዘውሕድ ወዘተ ክኾን ኣለዎ ይብል። እዚ ዛዕባ ብሰፍሑ ክምለሶ ዘለኒ ይመስለኒ ብወገነይ፡ ሓሳብኩም ግን ኣካፍሉ። 4. ህዝብና!.... ህዝቢ ትግራይ!! 'ቲ ፅንዓትካ!! ~ ህዝቢ ትግራይ ብምሕዝነትን ስኒትን ክነብር ዝደሊ ንማንም ግን ጉምብስ ጥልዕ ክብል ከቀባጥር ዘይደሊን ዘይግባእን፣ ቀብጠርጠር ዘይፈቱ ኩሩዕን ነፃን ህዝቢ እዩ ህዝቢ ትግራይ ተቓላሳይ ህዝቢ እዩ። ፀዋር ህዝቢ እዩ ብሓቂ። ዓቃል ህዝቢ እዩ። ዕጉስ ህዝቢ እዩ። ፃዕራም እዩ። ተቓላሳይን ተዓዋታይን እዩ። ብዙሕ ቅያ ዘለዎ ህዝቢ እዩ። ብዙሕ ክብረታት ዘለዎ ህዝቢ እዩ። ብዙሓት ፀገማት ዘጋጠምዎን ዝበድሀን ህዝቢ እውን። መመስገናይ እዩ። ፅቡቕ እንተገርካ፣ እንተሰሪሒኻ ወይ ዝሰራሕኻ እንተመሲልዎ ፍሉይ ክብርን ምስጋናን ዝህብ ህዝቢ እዩ። ይቕረ ብሃላይ እውን እዩ። ቅመኛ ኣይኮነን። ይቕረ ይብለልካ ጥራይ ዘይኮነ ይሕብሕበካ ይከላኸለልካ እውን እዩ። ኣሕሊፉ ኣይህብን። ዘይስኣኖ ኩሉ ግዜ መፍትሒ ዘለዎ ኣዝዩ ክቡር ህዝቢ እዩ። እዙይ ምፍላጥን ምርዳእን የድልየና እዩ። ምፍላጥን ምርዳእን ጥራይ ኣይኮነን ደጋግምና ክንብሎን ምስ ውዕሎና ክነተኣሳስሮን ውን ይግባእ። ስለምንታይ እንተይልና? መልሱ ምእንቲ ክንቃለስ፣ ምእንቲ ከይንጋገ፣ ምእንቲ ከይንሰንፍ፣ ምእንታን ክንደፍር፣ ምእንታን ከቢርና ክነኽብር እዩ። ህዝቢ ትግራይ ንማንም ዘይብድልን ክብድል ዘይደልን ህዝቢ እዩ። ዘይፀልእን ክፀልእ ዘይደልን ህዝቢ ውን እዩ። ህዝቢ ትግራይ መሓዛ ዝደልን መሓዙት ክፈጥር ዝኽእልን ህዝቢ እዩ። ምስ ጎረባብቱን ካልኦት ህዝብታትን ዓድታትን እውን ብስኒትን ብምሕዝነትን ክነብር ዝደልን ዝግበኦን ህዝቢ እዩ። ብሰሜን ይሃልው ዋላ ብምብራቕ ብምዕራብ ብስኒት ክነብር ዝደልን ዝግበኦን እዩ። ምሕዝነት ይደሊ ይፈጥር። ኣረ ምስ ገሊኦምስ ሓድነት እውን ይደሊ፡ ኣይተርፍን ክኣ። ህዝቢ ትግራይ ዕድሉ ኣብ ባዕሉ፡ ከምቲ መለስ ዝበሎ ኣብ ቅልፅሙ፣ ኣብ ብርኩ፣ ኣብ ለባም ኣተሓሳስብኡ ዝምስረት ንማንም ጉንብስ ጥልዕ ዘይብል፣ ዘየቀባጥር፣ ቀብጠርጠር ዘይፈቱ ኩርዕን ነፃን ህዝቢ እዩ። ህዝቢ ትግራይ በደል፣ ኣድልዎ፣ ወፅዓ ዘይፃወርን ንዚኦም ብቓልሱ ዝስዕርን ህዝቢ እዩ። ቃልስና ኣብዚ መትከል ምህላው 'ቼክ' እናገበርና ንቃለስ። 5. እናተቓለስና ንመዓራረ እናተመዓራረና ንቃለስ! ብዙሓት ግዱሳት ወገናት ዝተፈላለዩ መማረፂ ሓሳባት የልዕሉን የቕርቡን ቀንዮም። ኣብዚ ማሕበራዊ ሚድያ ጥራይ ዘይኮነ ከካብ ገዝኡ ጀሚሩ ኣብ ዝራኸበሉን ስሩዓት መድረኻትን ሓዊሱ ብዙሓት ሓሳባት ክብላዕልዑን ክሸራሸሩን ቀንዮም። ብዙይ ስግኣት ዝሓደሮም ወገናት እውን ነይሮም። ክልቲኡ ካብ ሓልዮት ዝብገስ እዩ(ገለ ካብ ስሰዐ ስልጣኖምን ገለ ሕዱር ቅሞምን ዝዘርጉ ይህሉ እዮም ግን ትርጉም ኣይንሃቦም)፡ ንቲ ብሓልዮት ዝለዓል ግን ግቡእ እዩ። እቲ ቓልሲ ነዊሕ ግዜ ክወስድ የብሉን፡ ቀልጢፍና ህዝብና ካብዚ ስቓይ ነውፅኣዩ እዩ መበገሲኡ። ኣብዙይ ገሊኡ ቃልስና ዘደናጉዮ ዘሎ ፀገማት ኣለሊና መፍትሒ ንሃብ እንትብል ገሊኡ ኽኣ ክኸፋፍለና እዩ፡ ክጎተና እዩ፡ ንፀላኢ ከቃለዐና እዩ ወዘተ እንዳበለ ብይሕደር ክሓልፎ ይደሊ። ከምከማይ ግን ፀገማትካ ብዝግባእ ምልላይን መፍትሒ እንሃብካ ምኻድን ግቡእ ይመስለኒ። እናተቓለስና ንመዓራረ፡ እናተመዓራረና ንቃለስ ዝብል ናይ ገድሊ ህዝቢ ትግራይ ኣብሃህላ እኮ ኣሎ። ኩሎም ገምጋማትና ኣብ ኣደባባይ ንገብሮም ማለት ኣይኮነን፡ ምስ ዝመስለና ኣብ ዝግበኦ መድረኽ ነብስሎ፡ መፍትሕታት ድማ ነቕምጥ ብዙሕ ግዜ ከይወሰድና ተሎ ኢልና ነፈፅም። ናብ ሚድያ ወይ ኣደባባይ ነውፅኦ ምናልባት ሓይሊ ወይ ድጋፍ ክንእክብ ንብዙሕ ክነእምን እንትንደሊ እዩ ዝኾን፡ እዙይ ድማ ብውሕሉል መንገዲ ምምራሕ እዩ። ካብ ጉድለተይ ፀላኢ ከይሰምዖ ወይ ከይኸፋፍለኒ እናብለካ ሕመቕካ ትሓብእ ግን ኣጋሊፅካ ምፍታሕ እዩ ዝምረፅ። ንቶም ኣብ ሓድነትናን ስምረትናን ኣድሂቦም ኣሒይሎም ዝሰርሑ ዘለዉ ጥንቁቓትን ግዱሳትን ግን ከየድነቕኩን ከየመስገንኩን ክሓልፍ ኣይደልን። ከም ህዝቢ ስጡም ሓድነትናን ስምረትናን ዘደልድል እምበር ዝሸራርፍ ነገር ነውሪ ክብሃል ኣለዎ ኩሉ ግዜ። ኣብተን መፍትሒታት ማለት ቃልስና ቀልጢፉ ክዕወት ዝገብራ ኣንፈታት ምንፃርን ንተግባራዊነት ምቅላስን ኣሕይልና ንቐፅል። ኣይንሰከፍ ንሓደጋ ዘየቃልዕና ውሕስና ዝህበና ሰራዊት እኮ ኣለና፥ ትሕቲኡ ዘሎ ከምድላይና። 6. 'ዲያስፒራ' ተጋሩ ኣብ ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ብፍሉይ ዝፅራሕ ንዓና ጥራይ ዘይኮነ ንኻሊእ እውን ዘገርምን ዘሕብንን ከምኡ እውን ዘምህር ቃልሲ፣ ንወለዶ ዝሓልፍ ብኹርዓት ዝዝንቶ ቓልሲ፣ ፅባሕ ደቅኹም ዝሕበንኩ ቃልሲ ብዘይምስልቻው ተካይዱ ኣለኹም። ንሪኦ ኣለና። የሕብናና ኣሎ። ሓይሊ ይኾነና ኣሎ። ብዙሕ ነገር ተሰኪምኩም። ገንዘብ ክተዋፅኡ፣ ንቤተሰብኩም፣ ንፈተውትኹም፣ ንተቓለስትን ስድራ ተቓልስትን፣ ንመንግስቲ፣ ንገድልና ብሓፈሻ ገንዘብ ክትህቡ...ኣረ ጋዳ ዘይውድኣኩም? ተሸኪምኩምና፡ ሸኽሚ ኣብዚሕናልኩም። ዘቕንእ ቃልሲ ትገብሩ ኣለኹም። ንስኹም ባዕልኹም ኣምባሳደራት፣ ባዕልኹም ክንዲ ህዝቢ፣ ክንዲ መንግስቲ፣ ክንዲ ውልቀኹም ክንዲ ኹሉና ኾይንኩም ግዜኹም፣ ሞያኹም፣ ፍልጠትኩም፣ ጉልበትኩም፣ ፍቕርን ግዜን ቤትኩም፣ ገንዘብኩም ኣወፊኹም፥ ብቑሪን ካሊእ ተፃብኦን ከይተበዳህኹምን ከይተሃከኹምን ብዘይምቁራፅ ብዘይዕረፍትን ንቲ እትፈትዎ ህዝብኹምን ትፈትውዋ ዓድኹምን ብምቅላስኩም ክትሕበኑ ይግበአኩም። ትዕድልቲ እዩ። ክብረት ይሃበልና ብኣኹም ንሕበን!! ግድን ድማ ንዕወት!! 7. ፖለቲካዊ ኣመራርሓ. ...መሪሕነትና ? ? ቃልስና ከይደናጒ፡ ግዜ ከይወስድ ብምስጋእ (ከምንዕወት ኩሉ ርግፀኛ እዩ) 'ኣበይ እዩ ዝኒሀ ፀገምና'? 'እንታይ ንግበር' ብምባል ኣብ ዝግበሩ ምይይጣት ናይ ስትራተጂክ መሪሕነት ጉድለት ኣሎ ዝብል ይዛይድ ኣሎ። እዙይ ምባል ዘፍርሖም ክኣ እኒሀው። እዙይ ምባል እንታይ የፍርሕ? ንምቅላስ፣ ንምዕዋት ኢሉ ንዘልዕሎ ሓጋዚ እምበር ዘስግእ የብሉን። ብትኽክል ናይ መሪሕነት ጉድለት እንተኾኑ መፍትሒ ይቕመጥ። እንድሕር የለን ዝብሃል ኮይኑ ድማ ግቡእ መብርሂ ይወሃቦ እምበር ኩነታት እናተጠቕምካ ተኣጃጅልካ ንኽትከይድ ምምኽናይ እማ ካሊእ ወንጀል እዩ። ኣብዛ ስዓት እዚኣ ካብ ህዝቢ ትግራይን ተጋሩን እትቐርበሉ ነቐፈይታ ብውነን ብቕንዕናን ሪኡን ተቐቢሉን ቅልጡፍን ግቡእን መፍትሒ ክህብ ዘይደልን ዘይኽእልን መርሕነት እንተልዩ መራሒ ኣይኮነን ወይ ክኾን ኣይግብኦን ጥራይ ዘይኮነስ ዘይሰብ እንድዒ ግዛዕ ኣራዊት ክኾን ኣለዎ። ኣነ ከምዙይ ክህሉ እዩ ኢለ ክቕበል ይኣብየኒ እዩ። ብቲ ንህዝብና ዝበፅሖ ዘሎ ስቓይ፥ ብቲ ህዝብና ዝገብሮ ዘሎ ኩለመዳያዊ ተጋድሎ ተለዓዒሉ ተመሃራይ፣ ሰማዓይ፣ ሓቛፋይን መፍትሒ ወሃባይን ኣካይዳ ዘይኸድ መራሒ እንተልዩ. .. እንታይ እሞ ኽንብል ቅድሚ መደምደምታ ምሃብብና ግን እተን እንደልየን ነቕርብ እሞ ኣይሰምዕን የለኹላን ምስበለ ሽዑ ንብሎ ክንብል። ሐዚ ትብሃል ዘላ እንታይ እያ? ሀ. ኩሉ ዓቕሚ ትግራይ ኣካቲትኩም ምርሑ፡ ትግራይ ገጢምዋ ዘሎ ፈተና ኣዙይ ገዚፍ ስለኾነ እሞ ድማ ንዕኡ ክፃወር ጥራይ ዘይኮነ ስዒሩ ክወፅእ ዝኽእል ኩለመዳያዊ ዓቕሚ ሓይሊ ሰብ ዘጥረየት ስለዝኾነት ንዙይ ብግቡእ ተጠቐምሉ፣ ኣስርሕዎ ለ. ተወሳኺ ኣወዳድባ ይሃሉ ትግራይ ዝተመረፀ መንግስቲ ኣለዋ። እቲ ዝተመረፀ ውድብ ህወሓት እዩ። ዝመረፅናዮ ስለዝኾነ ንሱ ይመርሕ ብእኡ ንውከል ምባል ሕጋውን ግብኡን እዩ። ግን ድማ እቲ ዘለናዮ መድረኽ መሪሕነት ህወሓት ኣይኮነን ዶ ኣብ ብቕዓቱ ዝለዓልዎ ጉዳያት እነሃለዉ ኣዙይ ብቑዕ እንተዝኾን እውን በይኑ ጥራይ ክመርሕን ክስከሞን ኣይኽእልን ኣይግባእን እውን። ንዙይ ዝምልእ ብቲ መንግስቲ ኣፍልጦ ዘለዎ ብቐጥታ ንህዝቢ ዝውክል ኩለመዳያዊ ዓቕሚ ዘካተተ ዝኾነ ካውንስል ዋላ ኮምሽን ዋላ ድላዮ ንበሎ (ዝርዝሩ ብውሽጢ ዝቐርብ ይኾን) ክጣየሽ ኣለዎ። ንዚ መንግስቲ ውረድ ዝበለ የለን። ሕቖፍ፣ ዓቕሚ ህዝቢ ተጠቐም፣ ዓቕሚ ኣይትበትን ኣይተባኽን እዩ። ሐ. ኣብ ዲፕሎማስያ ርክባት፥ ንትግራይ ወኪልካ ኣብ ዝግበሩ ርክባት ብመሪሕነት ህወሓት ጥራይ ካብ ዝኾን ብቲ መንግስቱ ዝጣየሽ ንህወሓት ሓዊሱ ንኹሎም ውድባት፣ ውዳበታት፣ ሙሁራትን ፉሉጣት ሰብ ተመኩሮ ሰባትን ዘካተተ ይኹን እዩ። ብዙሓት ብኣካል ዝቐርቡ መማረፅታት ይህልዉ እዙይ ተቐበል እዩ። እዚታት ኣይትበሉና ገለታት ዝብሃል እንተልዩ፡ ዘይክኣለና እውን እንፈርሖ እውን ስለዘየለ ሽዑ ነርክበሉ። ዋንኡ መትከልናን ዕልማናን ህልውናን ውሕስናን ህዝቢ ትግራይ ንምርግጋፅ ንግብሮ ቓልሲ ክሳብ ዝኾነ ሃናፃይን ሓጋዛይን እዩ። ካብዚ መትከል ወፃኢ ንዘሎ እዝኒ ኣይንሃቦ። 8. ባህግና እንታይ እዩ? ዕላማና ይነፅር.... ይንፀርን ፈረቓን። ፈለማ ህልውናና ምርግጋፅ እዩ። ህልውናና ውሕስ ምግባር፡ ውህስነት ህዝብና ምርግጋፅ። ንዘመናት ዝመላለስ ዕንክሊል ምብጣስ እዩ፡ ንሓንስብን ንሓዋሩን። ንዙይ ነፃን ላእላዊትን ሃገረ ትግራይ ኢና ንደሊ ሓደ ክልተን የብሉን። እዙይ ሐዚ ምርጫ ኣይኮነን ህልውና እዩ። ካብዚ ወፃእ ኣይትህሉን ይብለካ ኣሎ እቲ ነባራዊ ሓቂ። ካሊእ ኩሉ ተፈቲኑ እዩ ኣይኮነን። ኣይኸውንን 'ውን ኣይንድከም እየ ዝብል።
ከም ውልቀሰብ፣ ከም ተቓላሳይ፣ ከም ውዳበ ወዘተ እዙይ ብዝመስለካን ብዝኣመንካሉን ምዝራብን ምስጓምን ቅዋም ምግባርን ግቡእን ዝምረፅን ዝክኣልን እዩ። ምናልባት ከም መንግስቲ ንዚ ዕላማ እዙይ ንባህጊ ህዝቡ፣ ንማሕረሰብ ዓለም፣ ንእንታይነት ፀላእቱ ኣብ ግምት ኣእትዩ ከመይ ገይሩ ይገልፆ? እንታይ ኣካይዳ ብዝሓሸን ዝሓፀረን ከዕውተኒ ይኽእል ኢሉ ኣብ ኣቀራርባ፣ኣካይዳን ልዝባትን ዝጥቀሞ ጥበብ ክህሉ ይኽእል። ኣብቲ ዋና ዕላማ ግን ክፍለ ኣይኽእልን፡ ኣብ ኣካይዳ ጥራይ እዩ። 9. እነካይዶ ውግእ ንምንታይ? እንታይ ኣመዝጊቡ ? እንታይ እዩ ከመዝግብ? ክሳብ ሐዚ ካብ ጥፍኣት ኣድሒኑ፣ ተኣምራዊ ዓቕምታት ሃኒፁ፣ ንፀላእትና ደዃዕዃዕ ኣቢሉ ዕጥቆም መንጢሉ ተዓጢቑ፣ እንታይ ከምዝገብር ብተግባር ኣርእዩ፣ ዓለም ኣዛሪቡ፣ ንፈትዊን ፀላእን ኣገሪሙ. ..ይቕፅል ዕፅዋ ክኸፍት እዩ፥ መሬትና መሊእና ነምለስ፣ ኣብ ታሪኻዊ ግዝኣትና ንሸክል፣ ጣጥ ፍርንጣጥ ንዝብሉ ዘለው ኣደብ ከትሕዝ እዩ፥ ወግሐ ፀብሐ ብሕሶት ህዝብና ንዘፀልሙ ታሪኽና ክድይኑ ህርድግ ንዝብሉ ኣደብ ከትሕዝ እዩ፥ ንእከያት ግብረ እክያት ክነቅል ከምህር እዩ፥ ንሓሰውቲ ሸየጢ ዓዲ ፀረሰብ ከውግድ ክነቅል ከምህር እዩ። ዕልማና ክዕወት ክገብር እዩ። ንኸባብና ውሕስነት ዝህብ እርኑብን ሰላማዊን ከይዲ ስግግራት ክህሉ ምችው ኩነታት ክፈጥር እዩ። ዓለም ዝቐንአሉን ዝምሃረሉን ዘብህግ ውፅኢት ከምፅእ እዩ። 10. ንሕና ንዓድና ዓድና ንዓና!! ተጋሩ ምእንተ ዓድና ንኣሽሓት ዓመታት ተቓሊስና ኢና። ንባዕልናን ንኻሊእን ብዙሕ ኣበርኪትና ኢና። ሐዚ እውን ንቃለስ ኣለና። ዘለኣለም ግን እናተቓለስና ኣይንነብርን። እናተሰዋእና እንዳኸፍአና ኣይንነብርን። ኣብ ዝኾነ ጠጠው ክብል ኣለዎ። ሐዚ ግዚኡ እዩ። ሎሚ ንገብሮ ዘለና ቓልሲ ንዓና እውን እትኾን፡ ከምቲ ንቃለሰላ ትቃለሰልና፣ ውሕስነት ትህበና፣ ትሓልየልና ትከናኸነና ዓዲ ክትልወና ኣለዋ። ንማቻና ትሓስብን ትሰርሕን ዓዲ ተድልየና እያ። እዚኣ ሎሚ እያ። ተማሂርና ኢና እኹል። ተቓሊስና ኢና እኹል። ተፀጊምና ኢና እኩል፡ የዋይ ሕልፊ። ሐዚ ከምታ ንሕና ንዓድና ንኾና ከምኣ ንዓና ትኾነልና ዓዱ ግድን ይኸውን። ብቓልስና። ንሕና ንዓድና ዓድና ንዓና!! ብስሙር ሓድነት ንቕኑዕ ዕላማ ተወዲብና ብፅንዓት ንቃለስ፡ ንዕወት ድማ!! .... ትግራይ ትስዕር!!
|