ወርኀ የካቲት ወረርቲ ንሐምሽሽ አፅኒዕና መትከላት 11 የካቲት ንሳ ጥራይ 'ያ ዋሕስ ሀገረ ትግራይ መፃኢት ናይ ዑሱባትን ትምክሕትን ፍትንቲ መድሀኒት ህዝቢ 'ዩ ዝስዕር መወዳእታ ውፅኢት ወርኀ የካቲት ቓልሲ ህዝቢ ፈላሚት እንተ ናይ ለ'ዘበን ገራሚት ሕድሪ ስውአት ሰማዒት ወፍሪ ስዩመይ ጀማሪት ወፍር አባይ ወፍሪ አስመላሽ ቐፃሊት አሎ ገና ወፍርታት አማኢት ክሳብ ትጎድል ትምቐል ተደማሪት ብዜሮ ተራቢሐ ትቕበር ፀላኢት ብሐሶት ተላዕጢጣ ብፅልኢት ከም ናይ አቦታታ ብጥምየት ብጥይት ትግራይ ከተብርስ ህዝቢ ከተፅንት ዑሱብ ገዚአ ህዝብና ክትህንክት እምበር ምድማር ጥራይ ዘይኮነስ ምብዛሐት ከም ሰብ ዘይቑፀሩ ዝነበሩ ደቒሰባት
ማዕርነት ብሄር ብሄረሰባት ገና ብዓንተቦ ብጊሐት ኢላ ዝአወጀቶ ሕዋሐት መሲልዋ ዝኾንዋ አሐት ገሊኦም ብንዋት ገሊኦም ብፍርሐት ተሰልቢጦም ከዳዓ አውሪዶምላ ማዓት እምባአር አኺላ 'ላ 'ታ ሳዓት ንሳቶም ናብ ቐደሞም ስርዓት እንተ ንሕና ብናፅነትና ኩሩዓት ንጣልያን ይኹን ንሀፀያት ንምንሊክ ይኹን ንደርግታት ንመለኽቲ ይኹን ንዑሱባት ሕሽክርና ዘየውረሱና አያታት ታሪኽና ዝሰነዶ ቕያታት እነሆ ይደግሙ መንእሰያት እዚ 'ዩ ደበስ ስዉአት ናይ ሎምን ትማልን ሰማእታት ህያው ህያብ ዉሉድ ወለዶታት ወረርቲ ንሐምሽሽ አፅኒዕና መትከላት 11 የካቲት ንሳ ጥራይ 'ያ ዋሕስ ሀገረ ትግራይ መፃኢት ናይ ዑሱባትን ትምክሕትን ፍትንቲ መድሀኒት ህዝቢ 'ዩ ዝስዕር መወዳእታ ውፅኢት ሐመድ ድበ ጥባሕ ጥባሕ አራዊት መላኺ ብአምሳሉ ዝሰርሐ ሰራዊት እንተ 'ታ ንጉስ ክትከውን ሐላሚት ዓለም ዘዳናገረት ብሐሶት ኖቤል ተሸላሚት ዘምፀአት ተምፀት ዘራይ ብውዲት ዓለም ብዓለማ ተኾነት ጠላሚት ወይከ ፈተኽ ወይን ወዲ የካቲት አነ ክስዋእ ንስኻ ፅናሕ ባሃሊት አላ 'ንድያ ዋዕሮ ጅግና ተጋዳሊት ተቐባሊ ሕድሪ ወያነ ፈልፋሊት ፅላል ህዝቢ ፈራይት ወላዲት ወረርቲ ንሐምሽሽ አፅኒዕና መትከላት 11 የካቲት ንሳ ጥራይ 'ያ ዋሕስ ሀገረ ትግራይ መፃኢት ናይ ዑሱባትን ትምክሕትን ፍትንቲ መድሀኒት ህዝቢ 'ዩ ዝስዕር መወዳእታ ውፅኢት ወርኀ የካቲት… ንብዓት ደቓ ሐባሲት ስዉእ ደባሲት… ጥሙይ ዓንጋሊት ፅሙእ መርወይት… ዕሩቕ ከዳኒት ፀበባ መርሀዊት… እሱር ፈታሒት ብሰላም ንዝመፃ ርግቢት ብወራር ንዝመፃ ዕንቕርቢት ናይ ማንም ርኹስ መንፈስ ወዲ ኾማሪት ኮይና አይትፈልጥን መዐንደሪት ሎሚ ንዝበደላ ፅባሕ ቐባሪት ወረርቲ ንሐምሽሽ አፅኒዕና መትከላት 11 የካቲት ንሳ ጥራይ 'ያ ዋሕስ ሀገረ ትግራይ መፃኢት ናይ ዑሱባትን ትምክሕትን ፍትንቲ መድሀኒት ህዝቢ 'ዩ ዝስዕር መወዳእታ ውፅኢት ወርኀ የካቲት ማሕተም ሕራነ ክታብ ፅንዓት ሕማም ድሐር ንዕሱባት ሐተላ ታሪኽ ኸዳዓት እንተ የካቲት ናይ ሎሚ ዐመት ህዝብና ይፅበ ዝያዳ ዐወት አይንስከፍ እንተደንጎየት አብ ዝጥዕመና መሬት አብ ዝመረፅናዮ ዕለት ብዝደለናዮ ኩነት መብረቓዊ መጥቓዕትታት ቓልሲ ይቕፅል ክሳብ ትግራይ ትዕወት ናብ ቐደማ ናይ አኽሱም ዕብየት መቦቐል ስልጣነ አብ ዱልዱል ሰረት ነግ ፈረግ ዘይብል ፅኑዕ መሰረት ከውሒ 'ዩ ገዛና ዘይፈርስ ሀንደበት ማዓስ ተሀኒፁ ብመሽረፈት ተንኮበት ብኽሐደት ብሐሳዊ አንደበት እምባአር ሀገረ ትግራይ ሐያል ኮይና ኽትምስረት ዶባታ ፍሉጥ ዘይትድፈር ብጎረቤት ወዳ ጓላ ኩላ ትኽተት ዓቢ ምስ ንእሽቶ ኩላ ትዝመት ፀላእቲ ከይአተዉ አብ ደልሀመት ሰለም አይነብርን ሕርመት ወረርቲ ንሐምሽሽ አፅኒዕና መትከላት 11 የካቲት ንሳ ጥራይ 'ያ ዋሕስ ሀገረ ትግራይ መፃኢት ናይ ዑሱባትን ትምክሕትን ፍትንቲ መድሀኒት ህዝቢ 'ዩ ዝስዕር መወዳእታ ውፅኢት
አለና@2013
|