Back to Front Page

ሕጂ ‘ዶ ሓይሽ ውይ ውይ

ሕጂ ሓይሽ ውይ ውይ

 

ሙሉጌታ ወልደገብርኤል 07-05-21

 

ጃህራን ፈኸራን ከም ጥሩምባ ካብ ምንፋሕ ሓሊፉም ኣብዚ እተው ዝበሃል ሞያ ዘይብሎም ደገፍትን መሳሰይትን ውልቀ መላኺ ኢሳይያስ ፈወርቂ ጽባሕ ዓወት ወያነ ትግራይ ከም ደርሆ ኣውደ-ኣመት ቀለብለብ ዘብሎምን ሓይ እናበለ ዘጉረዖምን ዘሎ ምኽንያት እንታይ? ካብ ህዝብና ሰሪቖምን ዘሪፎም ዝወሰድዎ ወርቅን ጨርቅን ህዝቢ ትግራይ ኣጊፅና ኣይፀገብናዮን ድዩ? ውልቀ መላኺ ኢሳይያስ ፈወርቂን ሠራዊቱን፥ ዝገበርና ጌርና፣ ዝበላዕና በሊዕና፣ ዝወሓጥና ውሒጥና፣ ዝጠሓና ጥሒና ከም ታቦት ተኸቢርናን ተሸሊምናን ክንቅመጥ ኢና ዝብል ሓሳብ እንተነይርዎም ተጋጊዮም። ኢሳይያስ ፈወርቂን ሠራዊቱን ህዝቢ ትግራይ ደፊሮም፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኢዶም ኣልዒሎም፣ ህዝቢ ትግራይ ኣብሪሶም፣ መንእሰይ ትግራይ ከም ቆጽሊ ኣርጊፎም፣ ከተማታት ትግራይ ኣዕንዮም፣ ደቂ ተነስቲዮ ትግራይ ተጋሲሶም፣ ኣብያተ ክርስቲያናት ትግራይ ኣውዲሞም፣ ዲያቆናትን ካህናትን ትግራይ ከም ደርሆ ሓሪዶም፣ ሀብትን ንብረትን ህዝቢ ትግራይ ሰሪቖምን ዘሪፎም ብሰላም ኣብ አስመራ ደቂስና ክንሓድር ኢና ኢሎም ምሕሳቦም ባዕሉ ዓገብዩ።    

 

ወለዲ እንትምስሉ፥ ትኒዕያ ዝበለካስ ዳርጋ ዝወቕዐካ ይብሉ። ኢሳይያስ ፈወርቂን ሠራዊቱን ትኒዕ ዘይኮነ ኢሎምና ዓቕሞም ክንዲ ዝፈቐዶ ወቒዖምናን ኣጋፊዖምናን ኢዮም። ህዝብና አደዳ ሞት፣ ስደትን ሕስምን ገይሮሞ ኢዮም። ካብ ጥይት ዝተረፈ ብሕማምን ብጥሜትን ኣንፂቶሞን ቀቲሎሞ ኢዮም። ካብዚ ንልዓሊ እንታይ ክገብሩናን ዘይገበሩናን? ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ሓሳብ ናይ ልቡ እንተዝሰምረሉ ነይሩ ከም ኣመጻጽኡ ኣይኮነንዶ ነቲጃንዳ ወያነእናበለ ወግሐ ዘብሐ ዝጥቅኖ ሓይሊ ብህይወት ክገድፎ ትግራዋይ ዝበሃል ዘርኢ ንጨና ኣይምገደፈን። ገለና ብጥይት፣ ዝተረፍና ድማ ብሕማምን ጥሜትን ምወደኣና ነይሩ። ከምዚ ሎሚ ከም በዓል ኒውዮርክ ታይምስ ዝኣመሰሉ ዓበይቲ መራኸቢ ማዕኸናት ዓለም ትግራይ ኣብ ኣፍሪቃ ሻድሻይ ደረጃ ዝሓዘ ብርቱዕ ሠራዊት ኢትዮጵያ ኣልሚሳ ኣፈራሪሳቶ ዝብል ዜና ክጽሕፉ ተሪፉ ብታሪኽ ትግራይ ትብሃል ዓዲ ነይራ ክብሃል ነይሩ። ትግራዋይ ዘበለ ኹሉ ጨርቀይ በትረይ ከይበለ ሓድነቱ ኣስጢሙ ብወነን ብሕራነን ሳላ ዝተቓለሰ ግን ሓይልታት ትምክሕቲ አስመራን ኣምሓራን መልሓሶም ኣሕዪኽናዮም ኢና፤ ክሳብ መጨረሻ ድማ ክንቀብሮም ይግባእ። እቲ ብሠራዊት ኤርትራ ብግፍዒ ዝበረሰን ዝተሰብረን ህዝብና ክነስክሮን ክንክሕሶን ይግባእ ዝብል እምነት ነፍሲ ወከፍ ተጋዳላይ ትግራይ ጊዜ ከይወሰደ ተግባራዊ ክኸውን ይጋባእ።

Videos From Around The World

 

v  ኣፍ ዘይብሉ እንቁላሊሕ ዝሰርቕ፣

v  ዝበልዐሉ ሸሓነ ዝሰብር፣

v  ዕርፍን ነዊትን ሰይሩ ጥሪት ሓሪዱ ዝበልዕ፣

v  ጽብሕን ሕሩጭን እናገልበጠ ዝወስድ፣

v  አድጊን ጤልን እናኾብኮበ፣ ጨውን በርበረን ተሸኺሙ ዝኸይድ፣

v  ብሽኹቲን ከረሜላን ካብ ኣፍ ቆልዑ እናወሰደ ኣንታ ኽጥዕም እናበለ ዝበልዓ፣

v  ክዳውንትን መጻውቲ ቖልዑን ዝዘርፍ፣

v  ካብ ዝባን ሰብ ክዳን ኣውጺኡ ናብ አስመራ ዝልእኽ፣

v  ንገጽና ዘይተረኽብስና ንመንደቕ እናበለ መስትቲያት ህንጻታት ከተማታት ትግራይ ዝሰብር፣  

v  ማዕፆ እንዳማቱ እናገንፀለ ንምዝራፍ ንኽጥዕሞ መላኪሎ ተሸኪሙ ዝመጽእ፣

v  ፓፓዮ በሊዑ ጉንዱ ዝቖርፅ፣

v  ዝኣኽሎ እኽሊ ሓረስታይ ጽዒኒ ዝተረፈ ምስ ሓመድ ዝሓውስን ናብ ቆፎ ማይ ዝመልስ መንደፍ ዝኾነ ድሁል ሠራዊት ኤርትራ ብህይወት ንኽነብር ክንፈቕደሉ አይግባእን። ካብ ብርስን ሱዳንን ማሸለ ወዲ ዓከርን ወፃኢ ካሊእ ዘይፈጥል እኽለማይ ዝሓረሞ ድሁል ሠራዊት ኤርትራ ብቐትርን ብለይት ሰሪቑ ዝወሰደን ሀብትን ንብረትን ህዝብና ናብ በዓል ዋና ክንመልሰን ይገባእ።

 

ባዕልኻ እምኒ ደርቢኻ ተመሊስካ ተጠሊዕኻ ካብ ምእዋይ ዘይምድርባይ

 

ተጋሩ ኣብ ጉዳይ ቀታሊ ነፍሲ ኢሳይያስ አፈወርቂን ሠራዊቱን ብዝምልከት እንታይ ክንገብር ከም ዘለና ክነግሩና ዝደፍሩ ዕሉላት እንተሃልዮም ይንዋሕ ይሕፀር ወያነ ትግራይ መዓልቲ ሓሊዩ ከም ዝመፅእ ፈሊጦም ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኢዱን እግሩን አኪቡ ንኽቕመጥ ኣቐዲሞም ሕሹኽ ምባል ይቐሎም ነይሩ። ጌረዌና ዓዲ ሃሎ ትማሊ ሓያል መሲሉ ተሰሚዕዎ ህዝብና አበሳቢሱዩ። እሞኸ ዝተረፍና ዘይደገመድ? ፍትሒ ክንገብር ኢና። ፍትሒ ምግባር ማለት ትኽክለኛ ዝኾነ ነገር ምግባርኣነ እግዚኣብሔር ንቕንዕና (ንፍትሒ) አፍቅራከም ዝብሎ እቲ ቃል ኣምላኽ (ኢሳይያስ 618) ብብሉይ ኪዳን ዘመን፥ ሓደ ሰብ ስሑት መዓልቲ ውዒሉ ህይወት ሰብ እንደተድኣ ኣጥፊኡ ናይ ሙሴ ሕጊ ከም ዝፈቕዶ ዋሕስን ጽላልን ናይ ምርካብ መሰል ስለ ዘለዎ ሃዲሙ ናብቲ ናይ ዕቑባ ስፍራ እንተኣትዮ ዝትንክፎ ሰብ ኣይክህሉንዩ። ብኻሊእ ወገን፥ እቲ ብፍላጥ ህይወት ሰብ ኣጥፉኡ እንትበቅዕ ዕቑባ ክረክብ እየ ኢሉ ናብቲ ናይ ዑቕባ ስፍራ እንተኣተወ ውን ኣውጺኻ ሕቲ ህጊ መሰረት ክቕፃዕ ከም መዘለዎን ከም ዝግባእን ይድንግግ። እዙይ ማለይ ዘጥፈኣ፣ ዝበደለን ዝዓመጸ ምቕጻዕ ፍትሒ ምግባር ከም ዝኾነ፤ ኢሳይያስ ኣፈወርቂን እቲ መንፈፍ ዝኾነ ድሁል ሠራዊቱ ናይ ኢዶም ንኽገብሩ ዘይምግባርን ንጹህ ኣየር ንኽትፍሱ ምፍቃድ ብኣንጻሩ ፍትሒ ምጉዳል ከምዝኾነዩ።

 

እሞማ፥ እተን በቲ ድሁል ሠራዊት ኤርትራ ተሰሪቐን ዝኸዳ ሀብትን ንብረትን ህዝብና እርይ ቁጽር ኣቢልና ናብ ሰብ ዋና ክንመልሰን ኢና ክበሃል ከሎ ሓዙኒ ሓዛኒየ ዓራርቦ ፀሓይዶ በይነይ ክሰዳንየ! እናበለ ዘጉርዕ ሰብ ክህሉ አይግባእን። ይትረፍዶ እናነቐለ ዝወሰዶ መሳርሕ ፋብሪካታትና፥ ጸብሒ ሓጢጡ በሊዑ ክነሲ ዝወሰደን ድስትን ማንካን፣ እቲ ፍሓም ኣብ ፌስታ ቆፂሩ ዝወሰደን ፈርኔሎ መሽረፈትን መንቀርቀርን፣ ገዛ እንዳማቱ ኣትዩ ስእሊ እንዳማቱ ኣውሪዱ ዝወሰዳ ፍሬም፣ ዓራት እንዳማቱ እናገፈፈ ዝወሰደን ኮበርታን አንሶላን ኣይክንገድፈን ኢና፤ እትተርፈና መርፍእ ድማ ኣይክትሁሉንያ። ምስዚ ተተሓሒዙ ንዝለዓል ሕቶ ፍትሒ ካብ ኩሉ ንላዕሊ ወያነ ትግራይ ናቱ ዘይህብ ናይዳማቱ ዘይደሊ፣ ዝተግፈዓ፣ እንክርዳድን ስንዳይ ዝፈልይ፣ ዝመሽመሸን ዝተበላሸውን ኮሚደረ ኣውፂኡ ዝድርብይ ህዝባዊ ሠራዊት ምኻኑ ክፈልጥ ይግባእ።  

 

ፕሬዝዳንት ደብረጽዮን መትከል ህዝብን ሠራዊትን ትግራይ ኣመልኪቱ ግልጺ ብዝኾነ ቋንቋ ከም ዝሓበሮ፥ ህዝቢ ኤርትራ ኾነ ህዝቢ ኣምሓራ ጸላኢና ኢሉ ዝኣምን ትግራዋይ የለን። ትግራዋይ ህዝቢ ኤርትራ ኾነ ህዝቢ ኣምሓራ ጸላኢና ኢሉ ኣይፈልጥን። ህዝቢ ትግራይ ኮነ ወያነ ትግራይ ህዝቢ ኤርትራ በዲልና ኢሉ ኣይኣምንን። ዝበደለና ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ንኸፀንት ምስ ኢትዮጵያ፣ ምስ ሱዳን፣ ምስ ሶማሊያን ኢምሬትን መኺሩን ዘኪሩን ዝወረረነና ውልቀ መላኺ ኢሳይያስ አፈወርቅን ህዝብና ዘባሳበሰ ድሁል ሠራዊቱን ዩ።

 

ሎሚ ሕርሕራይ ጌርና ምስ ሰባበርናዮ ኣብ አስመራ ኾይኑ ዓለም ርድእኒ ወያነ ይመፀንሎ እናበለ ስለ ዘእወየ፤ እቶም ደም ንጹሃን ተጋሩ ክሪኡ ኸለው ጠስሚ ልቦም ዝሰትዩ ኣብ ደገ ዘለው ደገፍቲ ናይቲ ህዝቢ ትግራይ ንኸፅንት ሰራዊቱ ናብ ትግራይ ዘእተወ ውልቀ መላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ተጠሊዖም ስለ ዘእወዮ ተጋሩ ክንገብሮ ዘለናን ዝግበኣናን ክንሓድግ ኢና ማለት አይኮነን። ሎሚ ዕድልን ኣጋጣሚን ረኺበ ንህዝቢ ትግራይ እንተበዲለዮ ጽባሕ አይገድፈንን ኢሉ ዝኣምን ሰብ ቀንጠብጠብ ኣይብልንዩ። ኣብዘይ መንጠቢኽን ኣይተእትዋ ኢድክን እኳ ይበሃል የለ። ብህይወት ክነብር ዝደሊ ሰብ ህይወት ሰብ ኣየጥፍእዩ። ዘጥፍኣ እንትርከብ ድማ ይቕጻዕ። መቼም እዚኣ ትመስል ጻዕዳ ሕጊ ኣብ ትግራይ ከም ዘይተጀመረት ንኹልና ግልጺዩ። ሰባት በትሪ ወያነ ምሕረት ንዘይብሎም፣ ንዘይፈልጡን ዘይግበኦምን ምሕረት ከም ዘይትገብርን ከም ዘይተናሕሲ እናፈለጡ ንዝብድሉ ሃንዛታት መዓልታ ሓሊያ ከም እትመጽእን ሕርሕራይ ጌራ ከም ተሰራጢ ክስሕትዎ ኣይምተገበኣን። ሕጂ ሓይሽ በጥበጥ፤ ሕጂ ሓይሽ ውይ ውይ!

 

E-mail: mahbereseytan@gmail.com

Back to Front Page