Back to Front Page

አቦ ታሪኽ

                       አቦ ታሪኽ

ሐደ ጊዜ ምስ ሐደ ጅግና ሰብአይ

አቦ ታሪኽ ተማራማራይ

ተራኸብና አብ ትካል ናተይ

ዘቖኩምክዎ አብ ትግራይ ዓደይ

ሐቒ 'ዩ ከይመስለኩም ፅውፅዋይ

ከምዚ በሉኒ  'ዞም ሕያዋይ

ስማዕ ዝወደይ

ክነግረካ ናይ ልበይ

እዚ ህንፃ አብ ዓዲ'ምሐራ ተዝኸውን

ዝሀነፅካዮ ብኹዉን

ሰባት ይጥይቑ 'ሞ ብመን ከምዝውነን

'የ አንድ ትግሬ ነው' ይብሉ ብመን ይኹን መን

Videos From Around The World

ሽምካ ክንዲ ዝላዓል ክንዲ ትምስገን

መርዚ ይተፍኡ ከም ተመን

ዘርእካ መታን ክጠፍእ ክመናመን

ግና እዚ ትካል እብ ዓድኻ ስለተተኽለ

ሰብ ናይ መን'' ህንፃ እንተበለ

ሽምካ ይፅዋዕ እናተባህለ

ናይ እገለ ወዲ እገለ

ነባሪ ይኸውን አብ ታሪኽ እናተላዕለ

ግና እዚ ጥራይ አይኮነን

ብዘዕባ ኤርትራን ትግራይን

ዝተፈጥረ ዝነገሩኒ ዘሕዝን

ሽርሒ ጥልያን ሽርሒ ሽዋን

ህዝብታት ፈላሊኻ ን ነዊሕ እዋን

ከም ድሙን አንጭዋን

ንክነብሩ ህዝቢ ምጩቕዋን

ከምዘሕዝኖም ናይ ሰብ ምዕዋን

ከምኡ 'ውን

ማህበረ ቕዱሳን

ማህበረ ሩኹሳን

ናይ ፅልኢ መማህራን

ናይ ሐሶት መዘምራን

ምኳኖም ነጊሮምኒ ገብረኪዳን

እዚ ዝበሉኒ ወሐለ

ወናኒ አእምሮ ከምዚ ዝበለ

ኩሉ ስርሖም ክገልፆ ከመይ '

ግና ሎሚ

ጋህዲ ዲዩ ሕልሚ

ሕልፈቶም ሰሚዔ

አብ ሐዘን ጥሒለ

ንውሽጢ ነቢዔ

ልደት ሀገረ ትግራይ አይርአዩን

ብደቖም ግን አይጎሀዩን

መንእሰይ አፍርዮም በሽሐት ዝስስን

ዝቐንዕ እምበር ዘይደንን

መመሊሱ ዝሻድን

መመሊሱ ዝሕርን

መመሊሱ ዝውይን

ቓል አቦታቱ አየዕብርን

ሕርሕራይ ፀላእቱ ዝሐቑን

መንነቱ አውሒሱ ዘሕብን

ተሰርቐ ባህሉ መሊሱ ዝውንን

ግዝአቱ መሊሱ ህዝቡ ዘቕስን

ትግራይ ሀገር ክትኸውን

ምሰ ዓዶም አትዮም ኪዳን

ከም ሽሞም ገበረ-ኪዳን

ሞት ዶ ይበሃል እዚ 'ውን

ሞት ዝበሃልስ ናይ ዞም ዓያሹ

ሐዎም ከፅንጹቱ ዝገሹ

ህፃናት ክጋሰሱ ዝምርሹ

ብንዳማቶም ንብረት ኽጣየሹ

አብ ዘዝኸድዋ  ዝሕምሸሹ

ኹሩጃት ደቒ ሻሹ

ክቡር አቦና  ድአ

ዓዶም ክትረክብ ፍረ ፃምአ

ቕድሚ ሐምሳ ዓመት መሬት ብአግአ

ህዝበይ ከይነቕሐት ገና ብጥሪአ

ቓልሲ ዝጀመሩ ስሌአ

እምበአር ለበዋ ናይ 'ዞም መምህር

ትግራይ ከም ሀገር

ተኸቢራ ኽትነብር

አእጃምና ንግበር

ቓሎም አይነዕብር

ንሳ 'ያ ደበሶም ትግራይ ትስዕር

 

መዘከርታ ን መምህር ገብረኪዳን ደስታ

አለና@2013

 

 

 

 

Back to Front Page