|
ሰራዊት ኤሪትራ ሰላሳ ዓመት ተዋጊኡ ናፅነትና ብፅንዐትን ሐቦን አውሒሱልና ናይ ትማሊ ጅግና ሰራዊትና ኢልና ከም ዘይተመካሕና አማሲኡ ታይ ረኸቦ እስኪ ንገሩና ሰብ ይሐርድ ዘስካሕኽሕ አመና እንቑዕ ንሐው ዘየምኒ ንጓና ድስቲ ኩስኩስቲ ፍንጃል ጀበና ማሪኩ ኢሎም አርዲኦምና ምስጢር እዚ ዝቕጠት እስኪ ንገሩና ትማሊ ታንክታት ከምዘይማረኸ ሺሾ ፀላእቲ ከምዘየምበርኸኸ አነስ እነሃልኩም ሐኒኸ ሰላሳ ዓመት ገድሊ ህልኪ ሰላሳ ዓመት ትሕቲ ምልኪ ንገሊአ አብ ሳዋ ናብ አራዊት ቀይርዋ ንገሊአ አብ እንዳ ስዋ ዓዲ አውዒልዋ ከይትሐስብ አልሚስዋ ትምህርቲ ሐሪምዋ ንቡር ጠፊኡዋ ዓለም ደንፂዋ መብዛሕትአ አብ ፅምዋ ህግደፍ አርዒድዋ ሞት አላማሚድዋ ጥንቕልዒት ትሸይን ብደዋ ዝመቲ ተበልዋ ትጉሕል ከም አንጭዋ ቕተሊ ተበልዋ ትርሽን ሐዋ ፈታውን ፀላእን ተሐዋዊስዋ ርኹስ መንፈስ ሰሪርዋ ዓዲ ሀሎ ብ ሪሞት አዚዝዋ ሮቦት እምበር ሰብ ዶ ትብልዋ እዚአ 'ያ ሰራዊት ኤሪትራ ናታ ሀብዋ አነ ዝገርመኒ ናፅነት መን 'ዩ'ምፂኡዋ እንተ 'ታ ደንበ ተቓወምቲ ትብልዋ ህግደፍ ሰርሲሩ አትዩዋንኸይትሳማማዕ አሳማሚዕዋፍቕርን ስኒትን ሐሪምዋአብ ጓል መንገዲ ሸሚምዋ
አየብዚ አየብቲ መንነታ ጠፊእዋአብ ስደት መሬት ዓሪብዋ ገሊአ ተኹድድ አብ ዳስ ሐውያገሊአ ትውግን ምስ ሰብ ጀለብያገሊአ ትቓወም ምቕላስ ግን አብያመንነት አልቦ ትጥመቕ አብ ደንቢያወርቂ ገዲፋ ፋንድያአዝማሪኖ ባሃሊት አብ ሞንጎ ተደርብያማክያቶ ኪያሮ ኮፍ ኢልካ ሕከያኮሪዶዮ ኮምቢሽታቶ ሐላው ፅርግያታይ ግዳ ሳ ዝመፀ ይምፃእ እንድያወይ ካአ ዝሐዝካ ሒዝካ ንወፃእ ጉያ ግና ታ መንነታ ዘነፀረት ኤሪትራውነት ዜግነትትግራወይ ግን መንነት ምኳኑ ዝአመነትትቓለስ ትዕወት እንተ ስዕረት ዘበት
ህግደፍ መንደፍ ታሪኽ ገድልኻ አብ ጎድፍ ምስ ነፍጠኛ ቆንዳፍ ደርቢኻዮ እንዳ ጉሐፍ ተሕሹካስ ኪድ ተናሐፍ እዚ ዩ ታሪኽካ ሐርፋፍ
ተጋዳላይ ተረፍ መረፍ ለኪሙካ አመና ህረፍ ብህዝብኻ ትኻዓብ ትፅረፍ አካ ርአና ብ ወይን ክትግረፍ መስጣ ስዉእ ታሪኹ ዘይሐልፍ ሕድሩ አብ መቓብሩ ብኽሕደት ዝቑልፍ ዓዱን እንዳማቱን ንገደል ዘፅድፍ እዚ 'ዩ ንደቕና ዝንገር ዝልፈፍ ዕዳኻ ንዘርእካ ዝማሐላለፍ ን መፃኢ ወለዶታት ንእልፍ አእላፍ ነበሪ ኮይኑ ክዝንቶ ክፀሐፍ
አለና@2013
Back to Front Page |