Back to Front Page

ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ልዑላውነትን ነጻነትን ኤርትራ ኣመልኪቱ ዝሃቦ-ንህዝቢ ኤርትራ ጸርፊ ዝኾነ ቃል ኣጥቢቕና ንኹንን!

ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ልዑላውነትን ነጻነትን ኤርትራ ኣመልኪቱ ዝሃቦ-ንህዝቢ ኤርትራ ጸርፊ ዝኾነ ቃል ኣጥቢቕና ንኹንን!

ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፣ ወሃብ ቃል ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ ዝኾነ ኣምባሳዶር ዲና ሙፍቲ ብ29 መጋቢት 2021 ንጋዜጠኛታት ዝሃቦ ሓደገኛ መግለጺ፣ ኣትሪሩ ይኹንን። ኣምባሳዶር ሙፍቲ ኣብ መግለጺኡ:- “ጽባሕ ኤርትራውያን ነፍሲወከፎም ብዛዕባ ካብ ኢትዮጵያ ዝተፈልዩሉ መዓልቲ እንተዝሕተቱ፣ ከም ዘየኽብርዎነ ዘይፈትዉዎን ምተዛረቡ። ንሕና እውን ከምኡ፤”ኤርትራውያን እያንዳንዳቸው ነገ ቢጠየቁ ከኢትዮጵያ የተለዩበት ቀን ኣያከብሩትም ኣይወዱትም፣ እኛም እንደነሱ”. ይብል ብቋንቋ ኣምሓርኛ። ብተወሳኺ እቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ኤርትራውያን እውን እንተኾኑ ከምኡ ኢዮም ዝብሉ፣ ይብል ደጊሙ። እዚ መሰረት ዘይብሉ መግለጺ’ዚ ኣዝዩ ሓደገኛ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ንክልቲኤን ሃገራት ዘለወን ዝምድና ኣረሓሒቑ ናብ ውግእ ክመልሰን ዝኽእል መግለጺ እንተላይውን እዩ። ኤርትራውያን ድሕሪ እቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን መንግስቲ ኤርትራን ብ1952 ተፈሪሙ ዝነበረ ፈደራዊ ውዕል፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብኢደወነኑ 1962 ኣፍሪሱ ንኤርትራ ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያ ድሕሪ ምቚራኑ፣ ህዝቢ ኤርትራ ዕጥቃዊ ቃልሲ ኣልዒሉን  ኣስታት 70 ሽሕ መንእሰያቱ ኣሰዊኡን እዩ ነጻነቱን ልዑላውነቱን ኣረጋጊጹ።

ኤርትራ ኣብቲ ሕጂ ዓመት-መጸ ብኹሎም ዜጋታታ ብዝለዓለ ወኒ ዝኽበረሉ መዓልቲ ነጻነት፣ ኣብ ግንቦት 24, 1991 ሓርነታ ተበሰረት። ቀጺላ ድማ 98.5% ናይ ህዝባ ዝተሳተፈሉ ረፈረንደም ብ99.83% “እወ ንነጻነት” ኣድሚጹ መሰል ርእሰ ውሳኔኡ ብምርግጋጽ፣ ከም ሓንቲ ልዑላዊት ሃገር ከኣ ብ1993 መበል 193 ኣባል ሕቡራት መንግስታት ዓለም ኮይና ከም ትስራዕ ገበረ። ብድሕሪ ነጻነት ግን ህዝቢ ኤርትራ በቶም “ሓራ ኣውጺእናያ” ዝብሉ መራሕቲ ህግደፍ ተጠሊሙ፣ ቅዋማዊ መንግስቲ ናይ ምትካል መሰሉ ተነፍጎ።  ብኣምሳይኡ ከኣ ኢስያስ ኣፈወርቂ ኤርትራ “ዝወደቐት ሃገር” ተባሂላ ናብ ኢትዮጵያ ክትምለስ ንዝነበሮ ናይ ነዊሕ እዋን ሕልሚ ንምትግባር፣ ንመንእሰያት ናብ ስደትን ናይ ገደብ ኣልቦ ውትህድርና ባርነትን ቆሪኑ፡ ጎረባብቲ ሃገራት ብቀጻሊ እናወረረን፣ ቁጠባዊ ወፍርታት እናኣበርዓነን፣ ዋኒናት እና ዓጸወን፣ ህንጸት ኣባይትን ትሕተቕርጻን እናኣወናዘፈን፣ ኮታ ፋብሪካታት ከም ዝዓንዉ ጌሩ፣ ነታ ሓንቲ ዝነበረት ዩኒቨርሲቲውን ዓጽዩ ብወተሃደራዊ መኮንናት ዝመሓደራ ናይ ሞያ ኮለጃት ተኺሉ፣ ንህዝቢ ኤርራ ኣብ ኣደዳ ድኽነት ኣውደቖ።    

Videos From Around The World

ስርዓት ኢሰያስ ኣብ ርእሲ’ቲ ኣዝዩ ጨቋኒ ዝኾነ፣ ንመእሰያት ሃገር ኣደዳ ስደትን፣ መውጽኢ ኣብ ዘይብሉ ባርነት ወተሃደራዊ ዕስክርናን ቆሪኑ፤ ዝኾነ ፖለቲካውን፣ ማሕበረ-ቁጠባውን ፖሊሲታቱ ኣብ ልዕሊ ምትግባር፣ ንበዓል ነጎዳ ሓዊ ተኩሶ ከም ዝበሃል፣ ነቲ ብሕሹኽሹኽ/ሕሜታ ካብ መዋእለ ቃልሲ ሓርነት ዝኸይድ ዝነበረ ንክልቲኤን ሃገራት መሊስካ ኣብ ሓደ ናይ ምቚራን ተልእኾ ኣብ ሓምለ 2018 ንህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝገበሮ መደረ ኢሰያስ ኣፍወርቂ ናይ ሕልመይ ተጋሂዱ  ዝዓይነቱ ህሞት “ካብ ሕጂ ንድሕሪት ንስኻ፣ዶር ኣቢ፣ ኢኻ ትመርሓና” ብማለት ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ብዕሊ ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር ናይ ጎረቤት ሃገር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ኣመሓላለፎ። መደርኡ ብምቕጻል ድማ ድሕሪ ሕጂ ኣነ ናብ ኢትዮጵያ ገይሸ ናብ ቃሕ ዝበለኒ ቦታት ክዛወር ዝኽልክለኒ የብለይን ንስኻ እውን ከምኡ ክብል ውሳኔኡ ኣወጀ። እዛ ኣዋጅዚኣ ድማ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ተሸላሚ ናይ ኖቤል ብልጫ ክኸውን ኣብ ርእሲ ምግባራ፣ ንኢሰያስ ኣፍወርቂ ድማ ናብ ናይ ኢትዮጵያ ስትራተጅያውን ጸጥታውን ቁጠባውን ጸጋታት መጠነ ሰፊሕ ኣፍደገ ከስተትሉ። ኢትዮጵያ ከኣ ብሕቡራት መንግስታት ኣብ ልዕሊ መራሕቲ ህግደፍ ተኣዊጁ ንዝነበረ ቁጠባዊ ማዕቀብ መጠነ ሰፊሕ ወፈራ ኣካይዳ ከም ዝለዓለሉ ጌይራ ከሓሰቶ።

መንግስቲ ኤትዮጵያ ምስ መላኺ ስርዓት መንግስቲ ኤርትራ ብዝገበሮ ዘይቅዱስ ዝምድና፣ ካብ ዝነበሮ ቦታ ናይ ዞባዊ ጸጥታዊ ምርግጋእ ልዕልና ናብ ናይ ልፍንቲ ዞባዊ ግርጭትታት ምቕያሩ ኣዝይ እዩ ዘሕዝነና። ህዝቢ ኤርትራ ናይ ህግደፍ ጭቆና ዒቕ ኢሉዎ ኣንጻር መንግስቲ ኤርትራ ኣብዚ ቀረባ እዋን ከቲቱ ሓደ ሰፊሕ ምልዕዓል/ሰውራ ክትኩስ ግድነት ኮይንዎ’ሎ። ኣምባሳደር ሙፍቲን መንግስቲ ኢትዮጵያን ከኣ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ግንቦት ህዝቢ ኤርትራ መበል 30 ዓመት በዓል ነጻነቱ ንምብዓል ብፍሉይ ኣገባብ፣ መንግስቲ ህግደፍ ጒሒፉ ቅዋማዊ ዲሞክራስያዊ መንግስቲ ዝተኽለሉ ናይ 100% ቨርቿል ድምጺ ረፈረንደም ኣከባብራ በዓል ክትዕዘቡ ኢኹም። መንግስቲ ኤትዮጵያ ዞባዊ ሰላምን ጸጥታን፣  ብልጽግናን ናይ ክልቲኤን ሃገራት ንምዕቋብን ንምሕያልን፣ ነጻነትን ሎዑላውነትን ህዝብን ኤርትራን ከኽብሩ ኣጥቢቕና ነማሕጽን። እዚ ጥራይ ከኣ እዩ ከኣ እቲ እንኮን ናይ መጀመርያን ኣማራጺ ዝኸውን!!!

 

ኤርትራ ንኤርትራውያን!

ሓይሊ ዕማም ዲፕሎማሲ

ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ

ምያዝያ 1, 2021

 

 

Back to Front Page