Back to Front Page

ኣብ ጉዳይ ምፅናት ዘርኢ (ጀኖሳይድ) - ንፁር መርገፂን ግብራዊነትን ይሃልወና

ኣብ  ጉዳይ ምፅናት ዘርኢ (ጀኖሳይድ) - ንፁር መርገፂን ግብራዊነትን ይሃልወና

ገብረ ሥላሴ ኣርኣያ

ነሓሰ 2013 ዓ.ም

እዚ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ፣ መንግስቲ ኤርትራን ኣምሓራ ክልልን ምስ ዓረብ ኤሚሬትን ሶማሊያን ኮይኖም ዝኸፈቱዎ ውግእ ቐንዲ ዕላምኡ ህዝቢ ትግራይ ኣፀኒትካ ኣብ ናይዚ ዞባ ቐርኒ ኣፍሪካ ትግራዋይ ዝበሃል ህዝቢን ትግራይ ትበሃል ክልልን ካብ ፖለቲካዊ ካርታ ሓኺካ ንምጥፋእ ከምዝኾነ ኩሉ ትግራዋይ ይኣምን። መንግስቲ ትግራይ፣ ሓምት፣ ኩለን ተጋሩ ወድባት፣ ሲቪክ ማሕበራትን ተጋሩ ሊሂቃን እውን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ጀኖሳይድ ከምተፈጸመ ዝጠራር ሰብ የለን። ከምኡ ብምኳኑ ድማ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘሎ ህዝቢ ኩለንተንኡ ሂቡ ዓጢቑ ይቃለስ ፀኒሑ ኣሎን። ኣብ ስደት ዝንበር ህዝቢ እውን ኣጋጢሙ ዘሎ ውግእ ምፅናት ዘርኢ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ክፍለጦ ቀትሪን ለይቲን ተቓሊሱ። ፀሓይን ቁሪን፣ ዓብይን ቆልዓን፣ ሰበይቲ ሰብኣይ፣ ኣስላማይ ከስታናይ ብዘይ ኣፈላላይ ብሰልፊ፣ ደብዳቤ ብምፅሓፍ፣ ብዝተፈላለዩ ሚዲያታት ጎስጓስ ብምግባር ህዝብና ብኹሉ ተዓፊኑ ብቑምብላ ፀላእቲ ከይበርስ ኣብ እዋኑ ዓለም ክፈልጦ ብምግባር ታሪኽ ዘይርስዖ ትርጉም ዘለዎ ስራሕ ሰሪሑ እዩ።   

‘’Stop Tigray Genocide’’ ዝብል ካልእን ጭርሖታት ፃዊዒትን ብምስማዕ ማሕበረሰብ ዓለም ትግራይ ኣበይ ከም ትርከብ ንምፍላጥ ተኻኢሉ ኣሎ። ዓበይቲ መራኸብቲ ሓፋሽውን ትግራይ ቐንዲ መዛረቢቶም ኮይና ከሪማን ሓጊያን እያ። አዞም ሚዲያታት ብዋናነት ከም መግለፂ ዝወሰዱዎ Ethnic Cleansing; Crime Against Humanity; War Crime፣ Genocide ኮይኑ ንዚኦም ዝድግፉ ጭቡጥ መረዳእታታትውን ብስፍሓት ምቕራቦም ይፍለጥ። ብሓፂሩ ኣብ ወፂኢ ዝነብር ህዝቢ ትግራይን እቶም እስካብ ትግራይ ከይዶም ዝጸብጸቡ ዓለምለኸ ሚዲያታትን ትካላትን ንቲ ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ሓደጋ ብተመሳሳሊ ቋንቋ ክገልጹዎ ፀኒሖም እዮም። ምፅናት ዘርኢ ወይ ድማ ጀኖሳይድ ተፈፂሙ ዝብል ይሰማምዑሉ። Genocide Watch ዝተብሃለ ትካል ገና ካብ ወርሒ ሕዳር ጀሚሩ ካብተን ጀኖሳይድ ንምፍፃም ዝተቐመጣ ዓሰርተ ቅድመ ኩነት ኢትዮጵያ ኣብ መበል ዓሽራይ ኣላ ክብል መጠንቀቕታ ምሃቡ ይፍለጥ።  

Videos From Around The World

እሞ መንግስቲ ትግራይ እውን ኣብዚ ጉዳይ ዘለዎ መርገፂ ነጹር ክኸውን ኣለዎ ጥራይ ዘይኮነስ ብጭቡጥውን ክሰርሐሉ ይግባእ። እዙይ ማለት ኢትዮጵያን ትግራይን ኣመልኪቱ ኩሉ ዝግበር ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ፣ ድርድር፣ መግለፂ፣ ዝጸሓፉ ደብዳቤታትን ብጀኖሳይድ ዝተቓነየ ክኸውን ይግባእ ማለት እዩ። ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝወረደ በደል ብድሌት፣ ብዕላማ፣ ብተግባር እንትርአ ከም ህዝቢ ኮነ ኢልካ ንምፅናት ዝተፈጸመ እዩ። ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ምፅናት ዘርኢ ከምተፈጸመ ይእመን እምበር ንዙይ ብትኽክለኛ ሽሙ ንምፅዋዕ ግን ከምተፀገመ ንኹሉ ግልፂ እዩ። ብምኳኑ ድማ እቲ ጨፍጫፍን ኣጥሚኻ ምፅናትን ጠጠው ንምባል ዝተገበረ ፃዕሪ ብዙሕ ዝነኣድ ኣይኮነን። ሓደ ካብቶም ዝወሃቡ ምኽንያታት ማሕበረሰብ ዓለም ጀኖሳይድ ኢሉ እንተበይኑዎ/እንተፈሪጁዎ ጣልቃ ኣቲዩ ጠጠው ከብሎ’ውን ሓላፍነት ኣለዎ ዝብል እዩ። ከምኡ ስለዝኾነ ድማ ካብ ሓላፍነት ንምህዳም ዝግበር ዘይሓላፍነታዊ ኣካይዳ ንርኢ ፀኒሕና ይቕፅልውን ኣሎ።

ንሱ ብዘየገድስ ግን እዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈጸመ ጀኖሳይድ ምዃኑ ሓደን ክልተን የብሉን። ንቶም ብጀኖሳይድ ዋች ዝተቐመጡ ዓሰርተ ቅድመ ኩነት እንተሪኢና’ኳ ሕድሕዶም ከምተፈጸሙ ዘረጋግፅ ኣዚዩ ብዙሕ ጭቡጥ መረዳእታታት ስለዘሎ ንዙይ ብስርዓት ሰኒድካን ሕጋውነት ኣልቢስካን ጉዳይካ ናብ ዓለም ማሕበረሰብ ምቕራብ ናይ ህዝቢ ትግራይን ስራሕ እዩ። ህዝቢ ትግራይ ድማ ብኩሎም ፖለቲካዊ ውድባት፣ ሲቪክ ማሕበረሰብ፣ ሰብ ሙያ ውልቀሰባትን ዝተፈላለዩ ኣካላትን ወኪሎምዎ ብሓደ ድምፂ ናብ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ይቕረብ፣ ይጉስጎሰሉ፣ ክዝተየሉ ይገብር፣ ኣብ መወዳእትኡ ድማ እቲ ተግባር ብሽሙ ተፀዊዑ ፍትሒ ክወርድ ይግበር። ከም ህዝቢውን ንወስዶ ፖለቲካዊ ውሳነታት ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ብዙይ ልክዕ ክርድኦ ግድን ይኸውን።

ይኹን እምበር እቲ ኣብ ልዕሌና ዝወረደ በደል ዓለምለኸ ማሕበረሰብ በሽሙ ክፅውዖ ንምግባር ኣዚዩ ጽዑቕን ቀፃልነት ዘለዎን ቃልሲ ከድሊየና እዩ። ኣርመኒያውያን ብቱርኪ ዝወረዶም ጨፍጫፍ ጀኖሳይድ ዝብል ኣፍልጦ ክወሃቦም ብኹሉ ዓይነት መገዲ ተቓሊሶም እዮም። እንተኾነ ግን ሃገራት ምስ ቱርኪ ዘለወን ርክብን ብሄራዊ ረብሐአንን ከይትንከፍ ክብላ ኣፍልጦ ከይሃባ ን100 ዓመት ፀኒሐን እየን። ንብነት ኣሜሪካ ንቲ ብኦቶማን ቱርክ ዝተፈጸመ ናይ ኣርመኒያውያን ጀኖሳይድ ኣፍልጦ ከይሃበት ዝጸንሑትሉ ቐንዲ ምኽንያት ተገይሩ ዝጥቀስ ምስ ቱርክ ዘለዋ ናይ ነዊሕ ዘበን ምሕዝነት፣ ኣባል ኔቶ ምዃናን ምስ ሩሲያውን ነዊሕ ጉርብትና ስለ ዘለዋን ኮይኑ ኣብ ቀረባ እዋን እውን ኣንፃር እስላማዊ ኣይሲስ ብምስላፋ እዩ። መንግስቲ ቱርክ ንባዕሉውን ንዚ ኣብ ልዕሊ ኣርመኒያውያን ዝተፈጸመ ፅንተት ዘርኢ ኣፍልጦ ክይህባ ከም በዓል ኣሜሪካ ዝበላ መሓዙታ ተፈራርሐሉን ተውግዘሉን ኩነታት ነይሩ እዩ። ኣብ መወዳእታ ግና ኣብዚ ዓመት 33 ሃገራት ጥራይ ኣፍልጦ ሂበን ኣለዋ። ሃገራት ንውልቃዊ ረብሐአን ክብላ ኣፍልጦ ንምሃብ ተፀጊመን ብምፅንሐን መንግስቲ ቱርኪ ሓላፍነት ክስከም ይትረፍ ኣብዚ ቐረባ እዋን እውን ምስ ኣዘርባጃን ኮይኑ ተወሳኺ በደል ኣብ ልዕል ኣርመኒያ ፈፂሙ እዩ። ካብዚ ንመሃሮ እንተሊኡ ኣሸንኳይዶ ባዕልኻ ሰጋእ መጋእ እንዳበልካስ ልክዕ ከም ናይ ኣርመኒያውያን ብውዳበ፣ ብመረዳእታ፣ ብሰነዳት፣ ብቀፃልነት ዘለዎ ጎስጓስን ዲፕሎማሲን ዝተደገፈ ቃልሲ ገይርካ እውን ንቲ ፍፃመ ብትኽክለኛ ሽሙ ክፅዋዕ ገይርካ ፍትሒ ንምርካብ ኣዚዩ ኣፀጋሚ እዩ። ዘይከኣል ግን ኣይኮነን።

እሞ ልዕል ኢሉ ከምዝተጠቐሰ ዓለም ለኸ ሚዲያታት፣ ትካላትን ገለ መንግስታትን ጀኖሳይድ ምፍፃሙ ዳርጋ ኣሚኖም ልካ ምውሳድ ይከኣል እዩ። ካብ ውሽጢ ትግራይ፣ ማለትውን ካብ መንግስቲን ሚዲያታቱንከ ንዙይ ዝድግፍ ስራሕ ዶ ይስራሕ ኣሎ? ኣነ ዝፈልጦ ሓበሬታ የብለይን። እተን ምስ ሃገረይ ኣብ መራኸቢ ሓፋሽ ዝሪኤን ዘለኹ መንግስታዊ መግለፂ፣ ቃለ መሕትትን ናይ ሚዲያታት ፀብፃብን ግን ንቲ ንብሎ ዘለና ዘይምጥን እዩ። ብስሩውን ንቲ ዝወረደና በደል ከም ተራ ወንጀል እምበር ብዕላማን ብተግባርን ከም ምፅናት ዘርኢ ወይ ጀኖሳይድ ገይርካ ንምቅራብ (ፍሬም ንምግባር) ዝግበር ፃዕሪ ኣዚዩ ትሑት እዩ። ጭቡጥ መረዳእታት መሊኡ ተትረፍሪፉ እንዳሃለወ ንቲ ፍፃመ ዓውዲን ትርጉም ጀኖሳይድን ንምትሓዝ ዝግበር ፃዕሪ ትሑት እዩ። ቐሊል ኣብነት ንምሃብ፡ ብኣሽሓት ዝኾኑ ሙርከኛ ኣቐሚጥካ ከም ኣውጫጪኝ ሓበሬታ ኣብ ኣደባባይ ክዛረቡ ምግባር ናይ ባዕሉ ጽቡቕ ነገር እኳ እንተሃለዎ ካብቲ ዝወፅእ ሓበሬታ ተበጊስካ ንቶም ኣብ ቅድሚ ሓፋሽ ዝተዛረቡ ሰባት ስሒብካ ዝዓሞቐ መረዳእታ ንምእካብ ዝግበር ፃዕሪ እንተሃሊዩ ሀዚውን ኣይፈልጥን። ክንርድኦ ዘለና እዞም ሙሩኻት ብ
ውጫጭኝ ኣብ ቅድሚ ሰብ ኩሉ ዝረኣዩዎ ክዛረቡ እዮም ኢልካ ኣይሕሰብን። ኣብ ማህብረዴጎ ዝተፈጸመ ጨፍጫፍ ባዕሉ ብካሜራ ቐሪጸዮ ዝብል ሰብ ሙሩኽ ኮይኑ ናተዛረበ ኣብ ዓለም ሚዲያታት ከም ዓብይ ዜና ክወፅእ ነይሩዎ። ነገር ግን ከም ቐሊል ጉዳይ ተራእዩ ተሓሊፉ ድዩስ ወይስ ካብታ ዝሃባ ምስክረነት ንላዕሊ ክንጥቀመሉ ከምዝግብአና ኣይተረደአናን?

እምበኣርከስ ኣብ ትግራይ ጀኖሳይድ ሙሉእ ብሙሉእ ተፈጺሙ እዩ። ትግራይ ምስ ኢትዮጵያን ኤርትራን ትገብሮ ፖለቲካዊ ርክብ ጀኖሳይድ ከም እምኒ ኩርናዕ ዘቐመጠ ክኸውን ግድን እዩ። ከም ክልል ቀፀልና ሕዳሽ ሃገር መስረትና ብዘየገድስ እቲ ዝወረደና ጀኖሳይድ ከምዝኾነ ዓለም ብዝጀመረቶ ኣፋ ብሽሙ ክትፅውዖ ኣሐይልና ክንሰርሕ ይግባእ። ንቲ ኩነታት ብውግእ ስዒርና ብምውፃእ እውን እቲ ዝተሰከፉዎ ሓላፍነት ዘይምስካም ጉዳይ እንተ ኣቃሊልናሎም ፍርቂ መገዲ ክነቕርቦም ንኽእል ኢና። ብድሕሪኡ ዘሎ እውን ንስዑር መንግስቲ ጀኖሳይድ ፈጺምካ ክብሉዎ ዘስዕበሎም ዝኾነ ዓይነት ዲፕሎማሲያዊ ኪሳራ ስለዘየለ ብዘይስኽፍታ ናይቲ ሰዓራይ ሕቶ ተቐባልነት ክረክብ ባህሪያዊ እዩ። እሞ እዚ ጉዳይ ከም ተጋሩ፣ ዝተፈላለዩ ሲቪክ ማሕበራትን ከም መንግስቲን ኣሐይልና ክንሰርሐሉ ይግባእ ይብል።

ትግራይ ትስዕር!

 

Back to Front Page