ዓርሰ-ውሳነ፤ ምስረታ ናፃ መንግስቲን ህዝበ-ውሳነን/Referendum ካብ ኣቢይ ኢካቦድ 08/09/21 “ንኩሉ እዋን/ግዘ ኣለዎ” ኢሉ ጥበበኛ ንጉስ ሰለሞን ከምዝትዛረበ፤ እዙም ኣብ’ዙ ርእሲ ዝተጠቐሱን፤ ምስኦም ዝትተሓሓዙ ካልኦት ዛዕብታት አድቂክኻ ንምርኣይን ንኣፈፃፅምኦም ቀዲምካ ፍሉይ ኣራኣእያን ኣተሓሕዛን ምግባር እዋኖም/ግዚኦም እዩ። መሰል ዓርሰ-ውሳነ፤ ምስረታ ናፃ መንግሰቲን፤ ሬፈረንደምን ኣዝዮም ዝተተሓሓዙ ዋላ’ካ እንኾኑ፤ እቲ ሓደ ነቲ ካልእ ዘይትክእ ዝተፈለያዩ ፅንሰ ሓሳባት እዮም። ምሁራትን ሊህቃን ተጋሩ በዚ እዋን እዙይ ቀለቦም ኣብዞም ዓበይትን ኣገደስትን ዛዕባታት ገይሮም፤ ዑምቕን ስፍሕን ብዝበለ ኣግባብ ኣብ ዝትፈላለዩ መድረኻት ብዝርርብን ብፁሑፍን ምቕራብ ከድሊ እዩ።
ትሕዝቶ መብዛሕቲኦም ማሕበራዊ መርበባት/ሳሻል ሚድያታት ፀቢብትን ሓፀርትን ብምዃኖም፤ ብዙሕ ቦታን ትንተናን ዝጠልቡ ዛዕባታት ንምቕራብ አይምቸውን። እዙይ ማለት ግና ረብሓ የብሎምን ማለት ኣይኮነን። ንኣብነት Twitter, Face book ን Youtube ን ሓፀርቲ ንዝኾኑ ኣገደስቲ ሓበሬታትን ዛዕባታትን ንምፍናው ኣዝዮም ጠቐምቲ እዮም። ይኹን’በር ዓሙቕን ሰፊሕን ትንታነን መብራሪሂ ንዘድልዮም ዛዕባታት ንምቕራብ ዓቕሚ የብሎምን። ካብዙይ ብተወሳኺ መብዛሕቲኡ ሰብ፤ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ሓፀርቲ ናይ እዋኑ ሓበሬታ ምስማዕን ምንባብን’በር ዓሚቑን ሰፊሕን ትሕዝቶ ዘለዎም ዛዕባታት ግዘ ወሲድካ ምስማዕን ምንባብን ኣይደልን። መብዛሕቲኦም ናይ ትግራይ ሚድያታት ኣብ ሓፀርቲ ሓበሬታትን ዛዕባታትን ዘትኾራ እንትኾና፤ ዓሞቕቲ እዋናዊ ትሕዝቶ ዘለዎም ጉዳያት ከምዘየቕርባ ምዕዛብ ይከኣል እዩ። ብፍላይ ሓፀርቲ ሓበሬታን ንውሕ ዝበሉ ቃላዊ ክልሰ ሓሳባት ዘቕርቡ ምዃኖም ዋላ’ካ እንተተይከሓዳ ዓመቕትን ሰፈሕትን እዋኑ ዘንፀባርቖም ስነ-ፁሑፋት ብምቕራብ ግን ዝሕመዩ እዮም። ዓሞቕቲ ርእስታትን ጉዳያትን ንተከታተልቱ በፁሑፍ ብምቕራብ ዝትፈለጠ ዓይጋ ፎረም (Aiga Forum) ተዘየመስገንካ ምሕላፍ ግና ኣይከኣልን። ቐፂሉ መሰል ዓርሰ ውስነ፤ምስረታ ነፃ መንግስትን ሬፈረንደምን ብዕምቐት ሕድሕድ ብምትንታን ዝቐርቡ እንትኾኑ፤ ምስረታ ነፃ መንግስቲ ካብ ዓለም-ለኸ ህጊ ኣንፃር ከመይ ከምዝረኣይን ከምዝእለይን ክቐርብ እዩ። ካብዙይ ብተወሳኺ መፃኢ ዕድል ትግራይ ከመይ ከተሓዝን ክእለየን ከመዘለዎ፤ ብመንፅር ዓለም-ለኸ ሕጊ ከመይ ከምዝረአን ገላ ሃገራት ናፃነቶም ከመይ ከብዘርከቡን፤ ናፃ መንግስቶም ንምርካብ ዝሸባሸቡ ዘለዉ ህዝብታት ከም ኣብነት ክቕርብ እዩ። ቐንዲ ዓላማ ናይዚ ፁሑፍ ኣብ ትግራይ ብዛዕባ ከይዲ መሰል ዓርሰ-ውሳነ እንትኾን፤ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዘካይዶ ሬፈረንደም ከህልው ዝግብኦ ንፁርን ግልፂን ከይዲ ንምሕባር እዩ። ሀ) መሰል ዓርሰ-ውሳነ (Self-determination)፦ ብትሕዝትኡ መሰል ዓርሰ-ውሳነ ሓዳ ህዝቢ ናይ ባዕሉ መፃኢ ዕድል ባዕሉ ናይ ምውሳን ዘይገሃስ ዴሞክሪያሳያዊ መሰሉ እዩ። ፍልይ ብዝበለ መልኪዑ እዚ መምርሒ እዙይ ንቱ ህዝቢ ዝመርፆ ፖለቲካዊ ባይታ ዘመቻችውን፤ ናይ ባዕሉ ማሕበራዊ፤ ምጣነ- ሃብታዊን ባህላዊ ዕብየት/ምዕባለ ንምውሳን በሪ ዝኸፍት እዩ። እዚ መሰል እዙይ ንምልምማድ/ንምስትምቓር ብዝተፈላለዩ መንገዲታት ዝግለፅ እንትኾን፤ ውፂኢቱ ካብ ፖለቲካዊ ሓርነት/ነፃነት እስካብ መሉእ ብሙልእ ምስ ሓደ መንግስቲ ብዝተፈላላዩ መንግዲታት ንኣብነት ብፌደረሸን ወይከዓ ብኮንፌደረሽን ከምኡውን በሪጂናል ኦቶኖሜ ተፀንብሪካ ምንባር ዝሓቁፍ እዩ። ስለዝኾነ መሰል ዓርሰ-ውሳነ ዝትግበር በሬፈረንደር/ብናይ ህዝቢ ምርጫ እንትኾን ትነብረላ ምስ ነበረት ሃገር ብዝተፈላለዩ አግባባት ብናይቲ ህዝቢ ድለየትን መረፃን ምን ሓቢሪካ ምንባር ምቕፃል እስካብ ናፃ ዝኾነት ናይ ባዕልካ መንግስቲ ምምስራት ዝዝርጋሕ ሰፊሕ ትሕዝቶ ዘለዎ መሰል ህዝቢ እዩ። መሰል ዓርሰ-ውሳነ ዘይግደብን ዘይክልከልን ናይ ህዝብታት መሰል ዋላ’ካ እንተኾነ፤ ብግብሪ ንምትርጓም ግና ብዙሕ ተጓንፎታት ዝገጥሞ እዩ። ብፍላይ ህዝቢታት ካብ’ታ ሓቢሮም ዝነበሩላ ዘላ ሃገር ወፂኦም ናፃ ናይ ርእሶም መንግስቲ ንምምስራት ዝሓቱ እንተዳአ ኮይኖም፤ ብርትዕን ኽርር ዝበለ ተቓውሞ ካብታ ዝነብሩላ ዘለው ሃገር መንግስቲ ክገጥሞም ዝኽእል እዩ። ህዝቢ ትግራይ እንተስ ብፌደረሽን ወይከዓ ብኮንፌደረሽን ምስ ኢትዮጵያ ንምቕፃል፤ እንተሰ ናይ ባዕሉ ናፃ ሃገረ-መንግስቲ ንምምስራት ሬፈረንደም ምክያዱ ግድን እንትኾን፤ ናይ ርእስካ ነፃ ሃገረ-መንግስቲ ንምቁቓም ንዝገጥሞ ክብድ ዝበለ ፈተናታት ንምሽናፍ አድላይ ኩሉ ቅድመ-ምድላዋት ምግባር ከድሊ እዩ። እዙይ በዋናነት በቲ ናይ ህዝቢ ድልየት በህዝቢ ድምፂ ዝውሰን እዩ። ኣብዚ እዋን ገዛኢ ዝኾነ ናይ ኢትዮጵያ ህገ-መንግስቲ ናይ ህዝብታት ናይ ርእስኻ ዕድል ባዕልኻ ምውሳን እስካብ ምግንፃል ስለ ዝፈቅድ (ዓንቀፅ 39) ህዝቢ ትግራይ ካብ ዘጋጦሞ መስካሕኪሒ ጥሕሰት ሰብኣዊነት ተበጊሱ ናፃ ናይ ባዕሉ መንግስቲ ንምምስራት ዕድሉ ዝለዓለ እዩ። ከም ብዓል ደ/ር ብርሃኑ ነጋን ንዑ ዝመስሉ ኣሃዱዊያን ቀንዲ ድልየት ኣብ ስራሕ ካብዘሎ ህገ-መንግስቲ ኢትዮጵያ ዓንቀፅ 39 ሰሪዝካ ናይ ህዝብታት መሰል ዓርሰ-ውሳነ እስካብ ምግንፃል ንምእጋድ እዩ። ብሪጂናል ኦቶኖሚ (Regional Authonomy) ሓብሪካ ምንባር ብመንግስታት ብዙሑ ተቓውሞ ዘይገጥሞ ትኾን፤ ካብታ ሃገር ተፈንጭሊካ ናይ ባዕልኻ ነፃ ሃገረ-መንግስቲ ንምንባር ዝግበር ሕቶ ግና ትሩር ተቓውሞ ዝገጥሞ እዩ። ኣብዙይ ናፃ ሃገር ምምስራት በዓይኒ ዓለም-ለኸ ህጊ ከመይ ይረአ? ከመይ’ከ ይፍታሕ ዝብሉ ሕቶታት ምርኣይ ከድሊ እዩ። በዓይኒ ዓለም-ለኸ ህጊ መሰል ዓርሰ-ውሳነ ብሓፈሽኡ ማለት ድማ ምግንፃል “Secession” ዘይገሃስ መሰል ህዝቢ ከምዝኮነን፤ በህዝቢ ድምፂ (ሬፈረንደም) ዝወሰን እዩ። መሪሒ ዓርሰ-ውሳነ ኣብ ናይ ዓለም መንግስታት ቻርተር (ዓንቀፅ I) ብዘየማትእ ዝተሓቖፈ እዩ። ናይ ሓደ ህዝቢ ካብ ዝነበሮ ሃገር ምግንፃል (Secession)፤ ኩሉ ናይ ዓርሰ-ውሳነ መማረፂታት ፀንቂኪኻ ምስወዳእኻ ዝውስድ ናይ መወዳእታ መመራፂ እንትኾን፤ ቁጠባ ሃብታዊ፤ ማሕበራዊን፤ ባህላዊን ዕብየትን መሰልን በምንፋጉ/ብምክልኻሉ ብህዝቢ ዝወሰድ ስጉምቲ እዩ። እታ-ኣዶ ሃገር ካብቶም በዓርሰ-ውሳነ ዝተኣሳሰሩ ህዝብታት ንሓደ ወይ ድማ ንዝተወሰኑ በደልን ግፍዕን ዝትፍፅም እንተ ኮይና፤ ወይ ድማ ሰብኣዊ መሰልን ናይ ህዝቢ ድልየት ዘይማላእ እንተ ኮይኑ፤ ብድምፂ ህዝቢ ተገንፅልካ ናይ ርእስኻ ናፃ መንግስቲ ምምስራት ይከኣል እዩ። ኩነታት ምስረታ ነፃ ሃገር-መንግስቲ ትግራይ ክርአ ከሎ፤ በኩሎም ህዝቢታት ስምምዕነት ብዘወፀ ህገ-መንግሰቲ መሰረት ኣብ ትሕቲ ፅላል ሕብረ-ብሄራዊት ፌደራል ኢትዮጵያ ይትረፍ’ዶ መሰል ህዝቢ ትግራይ ክኽበር፤ ዓለም ብምሉኡ ብዘሐዘነን ብዘናደደን መልኪዑ ናይ ባዕሉ መንግስቲ ምስ ካልኦት ግፍዐኛታትን ርጉማትን ሃገራት ሰራዊት ተላፉኑን ተባሩዩን ካብ ገፅ ምድሪ እቲ ህዝቢ ንክጠፍእ ብዙሓት ግሃድ ዝኾኑ በደላት ፈፂሙ እዩ። ስለዙይ ህዝቢ ትግራይ ካብዙይ ተልዒሉ፤ “ድሕሪ ሕዝስ ሓበረ ምንባሩ ኣዙዩ ጎዲኢኒ’በር ዋላ ሓንቲ አይረብሐኒን” ብምባል ብሬፈንደም እንተ ወሲኑ ናፃ ሃገረ-መንግስቲ ትግራይ ንምምስራት ዝኸልኦ ነገር ኣይክህልውን። መምሪሒ መሰል ዓርሰ-ውሳነ ኣብዚ ክፍለ ዘመን እዙይ ብፖለቲካዊን ብህጊ ትርጉሙ ብርክት ዝበሉ ለውጥታት እናርአየ ዝመፀ እዩ። ኣብ መጀመርታ፤ ዓለም ለኸ ህጊ ህዝቢ ካብታ ዝነብረላ ሃገር ተገንፂሉ ንክነብር ኣይፈቕድን ነይሩ። መሰል ዓርሰ-ውሳነ እስካብ ምፍንጫል ኣፍልጦ ክዋሃቦ ዝጀመረ፤ ብ 1945 ዓ/ም ብናይ ዝተሓባበሩ መንግስታት ቻርተር (ኣንቀፅ ሓደ) መሰረት እዩ። ምስረታ ነፃ ሃገረ-መንግሰቲ በዓለም ለኸ ህጊ ብፈላማ ኣፍልጦ ዝትወሃቦ ኣብ ትሕቲ ቅኚ ግዝኣት (under colony) ንዝነበራ ሃገራት ጥራሕ ነይሩ። መሰል ዓርሰ ውሳነ ዴሞክራስያዊ መሰል ህዝቢ’በር መሰል ውልቀ ሰብ ኣይኮነን። ዜግነታዊ ዴሞክራሳያዊ መሰል በምሙላእ ኩለ-መዳያዊ ዴሞክራሳያዊ መሰል ክማላእ ይኽእል እዩ ዝብል ኣራኣእያ ጌጋ እዩ። ዴሞክራሲ ምሉእ ንሙኻን ናይ ዜጋ መሰልን ናይ ህዝቢ መሰልን ምስዝማልኡ እዩ። ኣብ መንጎ 1945ን 1970 ዓ/ምን ሃምሳን ሓሙሸተን ሃገራት ብመሰል ዓርሰ ውሳነ ነፃ ሃገረ-መንግስቲ መስሪተን እየን። ድሕሪ ዘበን ቅኝ ግዝኣት (Post colonial period)፤ ዓለም ለኸ ማሕበረ-ሰብ ትሕዝቶን ትርጉምን ዓርሰ-ውሳነን/ምግንፃልን ንምክላስ ፈቲኑ። ካብ ቅኝ ግዛኣታዊ ትሕዝቶ ብተወሳኺ፤ ኣብ ሓንቲ ሃገር ዝነብሩ ህዝቢታት በመንግሰቶም ግለፂ ዝኾነ በደልን መጥቓዕትን ዝብፅሖም ምዃኖም ብጭቡጥ ማሰረጃ እንተ ቐረቡ ናይ ባዕሎም ናፃ መንግስቲ ክምስርቱ ከምዝኽእሉ ዝፈቅድ እዩ። ኮሶቮን፤ ደቡብ ሱዳንን ናፃ ሃገረ-መንግስቲ ዝመሰረታ በዚ ኣግባብ እዙይ እዩ። ምስ’ዙይ ጎድኒ ንጎድኒ ኣረኣኢኻ ምስረታ ሃገረ-መንግስቲ ትግራይ በህዝቢ ድምፀ-ውሳነ ክህልዎ ዝኽእል ሰፊህ ዕድል ምርኣይ ይከኣል እዩ። ብህዚቢ ድምፀ-ውሳነ ዝምስረት ናፃ ሃገረ-መንግስቲ እቲ ጫፍ ከይዲ ዓርሰ-ውሳነ ትኾን፤ ብ 1990 ምሁራት ብቶም ናይ ውሽጢ መሰል ዓርሰ-ውሳነ ዘይቐስኑን ብፍላይ ድማ ስብኣዊ መሰሎም በዘይ አግባብ ዝገሃሶምን ህዝቢታት ተገንፂሎም ናፃ መንግሲቲ ንክምስርቱ ፍቱን መፍትሒ ከመዝኾነ ሓቢሮም እዮም። ብምኻኑ “መፍትሔያዊ ምግንፃል” “Remedial Sescession” ተባሂሉ ክፅዋዕ ኺኢሉ እዩ። ብዝተሓባበሩ ናይ ዓለም መንግስታት ከምዝተሓበረ፤ መሰል ዓረሰ-ውሳነ ከም መሰል ገይርካ ንምቕባል ክድርትዎ ዝኽእሉ ኩነታት ከመዘለውዎ ምርዳእ ከድሊ እዩ። ኩሎም ዘርኢ፤ ቋንቃዊ ጉጅለን፤ ሃይማኖታዊ ማሕበራትን ናፃ መንግስቲ ንምምስራት ዝሓቱ እንተ ኮይኖም፤ ንምፍልላይን ንምብትታንን ዓርሞ/ዶብ ኣይህልዎን። ብምዃኑ መሰል ዓርሰ-ውሳነ ኣድላይነቱ ፍሉጥ ዋላ’ካ እንተ ኾነ፤ አዳላይ ዘይኮነ ምንፅፃልን ምብጥጣስን ንከይዕድም ብጥንቃቐ ክእለይን ከተሓዝን ዝግብኦ እዩ። መሰል ዓርሰ-ውሳነ እስካብ ምግንፃል ክዝርጋሕ ከምዝግብኦ ብዙሓት ተንተንቲ ፖለቲካ ዝስማምዕሉ እዩ። መሰል ዓርሰ-ውሳነ ኣብ ክልተ ዝኽፈል እንትኾን፤ እቲ ቐዳማይ ምስታ ትነብረላ ዘለኻ ኣዶ-ሃገር ብፌደሬሽን፤ ብኮንፌዴሬሽንን ብሪጂናል ኦቶኖሚን መሰል ማሕበረሰባዊ፤ ቁጣበ- ሃብታዊን ባህላዊን ብኣግባቡ ተኸቢሩ ምስዝትነበረሉ እዩ። እዙይ፤ “ውሽጣዊ ዓርሰ-ውሳነ” (Internal Self Determination) ተባሂሉ ዝፅዋዕ እዩ። ውሽጣዊ መሰል ዓርሰ-ውሳነ እንተ ተዘይኸቢሩ ግና ናይ ግድን ህዝቢታት ናይ ምግንፃል (Secession) ሕቶ ከቕርቡ እዮም። እዙይ ኻልአይ ናይ ዓርሰ-ውሳነ ዘርፊ እንትኾን፤ “ደጋዊ ዓርሰ-ውሳነ” (External Self Determination) ተባሂሉ ዝፅዋዕ እዩ። ብውሽጣዊ ዓርሰ-ውሳነ ኣግባብ ቅድሚ ቀረባ ዓመታት ናፃ ናይ ርእሰን ሃገረ-መንግስቲ ዝመስረታ ኤርትራ፤ ኮሰቮን ደቡብ ሱዳንን እየን። ካብዙይ ተበጊስካ ናፃ ሃገረ መንግስቲ ትግራይ ብህዝቢ ውሳነ ከምስረት ዝኽእለሉ ዕድል ኣዙዩ ዝለዓለ እዩ። ይኹን’በር ንምግንፃል ዝድግፍ ንፁር ዓለም-ለኻዊ ህጊ ስለ ዘየለን ሃገራት ብፍላይ ከም ብዓል ኣሜሪካን እንግሊዝን ነቲ ዝምሰረት ሓራ መንግስቲ ኣፍልጦ ክህባ ስለ ዘለወን፤ እቲ ከይዲ ዕንቅፍቅፍ ክበዝሖ ክኽእል እዩ። በዚ ፅዖቕን ቀፃልን ዴፕሎማሳያዊ ስራሕቲ ዝጠልብ እዩ። ንኣብነት ኣሜሪካን ሕብረት አዉሮፓን ካብ ዝተፈላለዩ ናይ ባዕሎም ፖለቲካዊ ረብሓ ተበጊሶም፤ ኢትዮጵያ ንክተገነፃፀል ኣይደልዩን። እዙይ ምሰቱ ከባቢ ዘለዎ ጂኦ-ፖለቲካዊ ጥቕሚ ኣዙዩ ዝተተሓሓዘ’ውን እዩ። ኣሜሪካ ኢትዮጵያ ንክተበታተን ከመዘይደልዩ ድልየቶም ምስ ረብሓኦም ኣተሓሒዞም ገሊፆም እዮም። ብርግፅ ናፃ ሃገረ-መንግስቲ ንምምስራት ብንድፈ-ሃሳብ ደረጃ ወሳኒ ዝኾነ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ሓሳሩ ዝረኣየ ህዝቢ ትግራይ ዋላ ይኹን’በር፤ ብኻሊእ ሸነኽ ናይ ሓያላት ሃገራት ፅልዋ ምርኣይ ከድሊ እዩ። ለ) ዝትፈላለያ ሃገራት ብዛዕባ ዓርሰ-ውሳኔ ዘለወን ኣረኣእያን ፍፀሜታትን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት መሰል ዓርሰ-ውሳነ ከመይ ከምዝርኣይን ከምዝፍታሕን በምርኣይ፤ ትግራይ ዝፀበያ ዘሎ ዓረሰ-ወሳነ ንምድላው ክሕግዝ ይኽእል እዩ። ብፈለማ ዓባይ ብሪታንያ ኣብ ቐረባ እዋን ክልተ ዓበይቲ ውሳነ-ህዝቢ/ሪፈረንደም ከምዘካየደት ይፍለጥ እዩ። እዚኦም ድማ ህዝቢ ስኮትላንድ ናይ ባዕሉ ሃገረ-መንግስቲ ንምምስረት ዘካየዶ ውሳነ ህዝቢ እንትኾን፤ እቲ መረፃ ተካይዱ፤ ውፂኢቱ ድም ንምግንፃል (Secession) ኣይፋሉን! (No!) ዝብል እዩ። እቲ ካልአዋይ፤ ዓባይ ብሪታንያ ካብ ሕብረት አውሮፓ ንምውፃእ ዝተኻየደ ውሳነ ህዝቢ እዩ። ኣብዝሓ ህዝቢ ዓባይ ብሪታንያ ብዓብላላይ ቐፅሪ ምግንፃል መሪፁ፤ በህዝበ ወሳነ መሰረት ዓባይ ብሪታንያ ካብ ሕብረት አውሮፓ ወፂኣ ኣላ። ቅድሚ እቲ ውሳነ ህዝቢ በቲ እዋን ገዛኢ ፓርቲ ዝነበረ ናይ ኮንሰርቫቲቭ ፓርቲ በስልጣኑ ተጠቒሙ ዝገበሮ ፀቕጢ ነቲ ህዝቢ ውሳኔ ከምዝፀለዎ ብምርኣይ፤ ትግራይ ቅድሚ ውሳነ ህዝቢ ምክያዳ እቲ ብእዋኑ ዝመርሕ ፓርቲ ተመሳሳሊ ተፅዕኖ ከየሕድር ብኣግኡ ምጥንቃቕ ከድሊ እዩ። ዓባይ ብሪታንያ ዓርባዕተ አባላት ህዝቢታት ዝሓፎቐት በታሪክ ዝትፈለጠት ሃገር እያ። እዚኣን፤ ኢንግላንድ፤ ዌልስ፤ ስኮትላንድን፤ ስሜን ኣየርላንድን እየን። በዚ እዋን ብዝሓት ህዝቢ ዓባይ ብሪታንያ 66.65 ሚልየን ትኾን፤ ቑፅሪ ህዝቢ ኢንግላንድ 55.22 ሚልየን እዩ። ዝተረፈ ንእሹተይ ናይ ህዝቢ ቑፅሪ እተን ሰለሰተ ዝከፋፈልኦ እዩ። ህዝቢ ኢንግላንድ በዘለዎም በዚሒ ቑጽሪ ተፅዕኖ ኣብ ዝገበሩ ህዝበ ውሰነታት ዓብላልቲ እዮም። ካብዙይ ብተወሳኺ መብዛሕቶም ህዝቢ ኢንግላንድ ኣቀንቀንቲ ሪኢቶ ዓለም ኮንሰረቫቲዝም እዮም። እንግሊዝ ካብ ሕብረት ኣውሮፓ ንምውጻእ ኣብዝሓ ህዝቢ እንግሊዝ ምትሓዝ እኹል ነይሩ። ብምኻኑ ገዛኢ ፓርቲ ዝኾነ ናይ ኮንሰርቫቲቭ ፓርቲ፤ ስልጣኑ በምጥቓም ምግንፃል ምእንታን ክመርፁ ንህዝቢ ኢንግላንድ ምግንፃል ዝጮርሑ ኣባላት እቲ ፓርቲ ብፃዕቒ ንክቕስቕሱ ባይታ ክፈጥረሎም ከሎ፤ ነቶም ምግንፃል ዝቓወሙ ሌበር (Labour) ፓርቲን ዝመሰሉን ከይቕስቕሱ ዕድል ኣይሃቦምን። በምዃኑ ቅድሚ ናይ ትግራይ ህዝበ ውሳነ ምክያዱ ገዛኢ ዝኾን ፓርቲ በዘየገድስ ተመሳሳሊ ኣግባብነት ዘይብሉ ፅልዋ ከይገብር ኢዱ ክእርንብ ይግብኦ እዩ። ዓባይ ብሪታንያ ከም ካልኦት ሃገራት ኣብ ሓደ ሰነድ ተጠርኒፉ በዓንቀፃት ዝተዳለወ ህገ-መንግስቲ ዘይብላ ሃገር እያ። ካብዙይ ተበጊሶም ገለ ሰባት ዓባይ ብርታንያ ብዘይ ህገ-መንግሰቲ ብፓርላማ ውሳነ ዝትነበር ሃገር እያ ይብልዋ። ዋላ ሓዳ ጥርኑፍ ህገ መንግሰታዊ ሰነድ ኣይሃልዋ’በር ዓባይ ብርታንያ ብየ ኣርእሰቱን መደቡን ብዝተፈላለዩ ሰንዳት ዝትቐመጡ ብዘሓት ናይ ፁሑፍ ሰነዳት ዘለዋ ሃገር እያ። ዓባይ ብሪታንያ ኣብ ህጋ በዛዕባ ምግንፃል፤ ዝድግፍን ዝቓወምን ህጊ የብላን። ኣብ ፓርላምኣ ግን ዓርሰ ውሳነኔን ምግንፃል ኣመልኪቶም ዝለዓሉ ዛዕባታት ካብ ሰብኣዊ ዴሞክረሳዊ መሰል ተበጊሶም፤ ፅዑቕን ዕሙቑን ምይይጥ በምክያድ ኣብ ምርድዳእ ብምብፃሕ ዝውስንዎ ከይዲ እዩ። ሕቶ መግንፃል ስኮትላንድ ንህዝበ ውሳነ ንክቐርብ ዝተገበረ በዚ ኣግባብ እዩ። ቐፂሉ መንግስቲ ኣሜሪካ ዓርሰ-ውሳነን ምግንፃልን ከመይ ይሪኦ? ዝብል ሕቶ ምፍታሽ እዩ። መንግስቲ ኣሜሪካ በህገ-መንግሰቲ ዝመሓደር ብዙሓት መንግስታት (States) ዝሓቐፈ ሃገር እዩ። ካብቱ ናይቱ ሃገር ህገ-መንግሰቲ ተበጊሶም፤ ሕድ ሕድ መንግስቲ ናይ ባዕሎም ህገ መንግስቲ ኣለዎም። ኣብ ሓደ መንግስቲ ነብሲ ዘጥፈአ ሰብ፤ ብሞት ክቕፃእ ዝውስን ትኾን፤ ኣብ ካሊእ መንግስቲ ድማ በዕድመ ይፍታሕካ ዝውሰን እዩ። ህገ መንግስቲ ኣሜሪካ መሰል ዓርሰ-ውሳነ ዋላ’ካ በግልፂ ዝድግፍ እንተይዘኾነ፤ ናይ ዝትበደሉ ህዝብታት ምግንፃለ’ውን ዝቃወም ኣይኮነን። ምግንፃል ዝተበደሉ ህዝብታት ኣይቃወምን ማለት ምግንፃል ብዕሊ ይድግፍ እዩ ማለት ከምዘይኮነ ምርዳእ ከድሊ እዩ። ካብዙይ ብዘተፈለየ መልኪዑ ህገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብግቡእ ምኽንያት ንዝተበደለን በዘይ ኣግባብ ዝትጠቕዐን ህዝቢ ብዕሊ ናይ ምግንፃል መሰሉ ሕልው ከምዝኾነ ዝገልጽ እዩ። ብስነ ሓሳብ ደረጃ ንምግንፃል ህዝቢ ስኮትላንድ ዋላ ከምናይ ትግራይ ህዝቢ ዘስከሕክሕ በደል በናይ ባዕሉ መንግሲቲ ተዘይበፅሖ ዕድል ምግንፃል ብውሳነ ህዝቢ እንተ ረኺቡ፤ መጠነ ሰፊሕ ዝኾነ ዓለም በምልኡ ዘሕዘነ በደል ብመንግሰቲ ኢትዮጵያ ዝተፈፀመሉን ዘርኡ ንክፀንት ብዙሓት ግፍዕታት ዝተኻየደሉን ንህዝቢ ትግራይ ንርእሰ-ውሳነኡ ክኽልኸል እዩ ኢልካ ምሕሳብ ኻቢድ እዩ። ኣብ ኣሜሪካ ኮነ ኣብ ካልኦት ዴሞክራሲ ኣዝዩ ዝዓንበበለን ዝጠጠዐለንን ሃገራት መስል ዓርሰ-ውሳነ ህዝቢ ተበዲሉ ምምራር ቕድሚ ምጅማሩን ናይ ምግንፃል ሕቶ ቅድሚ ምልዓሉን፤ እቲ ዝጎደሎን ከማለአሉ ዝግብኦን ፈሊኻ በምፍላጥ ቀልጢፍካ ምምላእ እዩ። ህዝቢ እናተጨፍጨፈን፤ እናተቐተለን፤ እናተላገፀሉን ብግዲ ኣብዛ ሃገር ንበር ተባሂሉ ኣይ ክግደድ የብሉን። ብጠንቂ ናይ ሓደ ሃገር ልዓላዊ ግዝኣትን ዝፀንሐ ታሪካዊ ዶብን ህዝቢ እናቐጥቐጥካን እናፅነትካን ግድን ሓቢሪኻ ትነብር ኣለካ ዐርዑት ኣብዝባኑ ምፅዓን ብዴሞክረሳዊ ኣሰራርሓ ፈፂሙ ተቐባሊነት ኣይብሉን። ካብ ናይ ግዝኣት ታሪካዊ ዶብን ሉዓላዊነት ሃገር ብላዕሊ ዋጋ ዘለዎ ደሕንነትን ሰላምን ህዝቢ እዩ። ናይ ሓደ ሃገር ዶብን ልዓላዊነትን ንክቕፅልን ንክጠፍእን ዝውስኖ ናይ ህዝብታት መሰል ዓርሰ-ውሳነ ምስዝኽበር ጥራሕ እዩ። ኣሜሪካን እንግሊዝን ከምኡ’ውን መብዛሓቲአን ኣበላት ማሕበር ኣውሮፓ ሃገራት ንናይ ከሶቮ ህዝቢ ብህዝቢ ውሳነ ዝትወሰነ ናፃ ሃገር ናይ ምምሰራት ምርጫ ኣፍልጦ ከምዝሃባ፤ ንናይ ህዝቢ ትግራይ ዓርሰ-ውሳነ ክከምዘይነፅግእኦ ዝለዓለ ተሰፋ ኣሎ። እዙይ ምርካብ ዝከኣል ድማ ፁዑቕን ዘይቋርፅን ዴፕሎመሲያዊ ርክብን ስራሕትን ብዕቱብ ብምስላጥ እዩ። ዋላ’ካ በዓለም ለኸ ብርኪ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝበፅሐ መጠነ-ሰፊሕ በደል ዝትጋወሐ ይኹን’በር፤ ዓለም ከይስምዖም ትዓፊኖም ዘለው እከይ ስራሕቲ ሰራዊት መንግሰቲ ኢትዮጵያን መላፍንቶም በላዕቲ ነብሲ ሰራዊት ኤርትራን፤ ሩጉማት ከይሲ ተስፋፈሕቲ ናይ ኣምሓራ ነፍጠኛተት ዘበፅሕዎ መዐቀኒ ዘይብሉ ገበንን ግፍዕን ንዝምልከቶም ሃገራትን ውድባትን ምቕራብን ምቅላሕን ንኩሉ ትግራዋይ ዝተርፍ ዓብይ ዕማም እዩ። ኣብ ስፔይን ካታሌና ዝባህሉ ህዝቢ፤ ብርእሶም ንምግንፃል ብዝካየድዎ ሪፈረንደም ኣዙዩ ዓብላላይ ብዝኾነ ድምፂ ንክግንፀሉ ወሲኖም ነይሮም። ይኹን’በር ህገ-መንግስቲ ሰፔይን ብኑፁር ናይ ምግንፃል ሕቶ ዝእግድ ስለ ዝኾነ እቲ ናይ ህዝቢ ካቴሌና ምርጫ ውድቒ ገይርዎ ኣሎ። ህገ-መንግስቲ ስፔይን ኣካል መሰል ዓርሰ-ውሳነ ዝኾነ ናይ ምግንጻል ዕድል ዘይምፍቓዱ ኣካታዒ ኮይኑ፤ ብዛዕባ ዴሞክራሲ ግዲ ዝብሎም ፖለቲከኛታትን ምሁራትን ግና ብዛዕባ እቱ ኩነታት ደጋጊሞም የልዕልዎ ኢዮም። ፅብቑነቱ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ስራሕ ዘሎ ህገ-መንግስቲ ብዛዕባ መሰል ዓርሰ-ውሳነ እስካብ ምግንፃል ኢሉ ምቕራቡ ዘየማትእ እዩ። መሰል ዓርሰ- ውሳነ ዘይተረጋገፀሎም ህዝቢታት፤ በደልን ግፍዒን ኣብ ዝባኖም ከይዕንብብ ወሓስ ዝኾኖም ምግንፃል እዩ። ናይ ምግንፃል ሃዋህው ቅድሚ ምምፅኡ ውሽጣዊ ዓርሰ-ውሳነ ዝገጥሞ ዘሎ ኖኻል ቕድሚ ምሕታም፤ እናቐጥቐጥካዩን እናደዓክኻዮ ንምንባር ምግንፃል ብደንደስ ልዑላዊነትን ናይ ግዝኣት ሓደነትን ምእጋድ፤ ኣብ ህዝቢ ዘምፅኦ መዘዝ ኣዝዩ ዝለዓለ እዩ። ብኣሁዳዊያንን ብተስፋፍሕትን ኣንቀፅ 39 ንምስራዝ ዝግበር ጉያ ብዙሕ እዩ፤ ብምዃኑ በደል ዝበፅሖምን እናበፅሖምን ዘለው ህዝቢታት ዋሓስ ህልውንኦም ንዘኾነ ህገ መንግስቲን ብፍላይ ድማ ዓንቀፅን ኣፅኒዖም ክጭብጥዎን ከትሕዝዎን ይግብኦም እዩ። ሐ) ትግራይ ናፃ ሃገረ-መንግስቲ እንተ መስሪታ ብቑዕ ዝኾነ ዓቕሚ ኣለዋ’ዶ? እዙይ ብመብዛሕትና ዝቐርብ ብቑዕ መልሲ ዘድልዩ ጠቓሚ ሕቶ እዩ። እዙ ሕቶ ኣብ ብዙሕ ዘርፊታት መቓቒልካ ሰፊሕ ሙሕራዊ ትንታነን ዳህሳስን ዝሓተት እዩ። ናይ ዝተፈለያዩ ሰብ-ሞያ ፍልጠት’ውን ከጥይቕ እዩ። ብምኻኑ ሃገረ-መንግሲቲ ትግራይ ንምምሰራት ዘለው ተፈጥራዊ ፀጋታትን ዑቑረ ሃፍታትን ብዑምቐት ምድህሳሰ ከድሊ እዩ። ትግራይ ኣብ ትሕቲ ምድራ ዘለው ናይ መኣድን ዑቑረ ሃብታት ታይ ይመስሉ? ዝብል ካብ ጂኦሎጂሲታት ትግራይ ብዙሕ መፅናዕቲ ክንፅበ ኢና፤ ዛጊድ ብርክት ዝበሉ መፅናዕታት ብትግራይ ማኣድን ቤት ዕዩ ከመዘሎ ይፍለጥ እዩ። ብኻልኦት ዘርፊታተውን ብሳይንሳዊ መንገዲ ዝትፀንዑ ስራሕቲ ምቕራብ ከድሊ እዩ። ኣብዙ ጉዳይ እዙይ ኣመልኪቱ እቲ ናይ መልእኽቲ ኣቕራቢ፤ ንሕድሕድ ጉዳይ ብዝርዝር ተንቲኑ ንምቕራብ ዘይኮነስ ዝተፈላለዩ ኪኢላታት ኣብዚ ወሳኒ ጉዳይ ብዕቱብ ንክዓሙ ንምጥቋም ዝኣክል እዩ።
ንሓንቲ ሃገር ካብዘድልይዋ ወሰንቲ ግብኣታት እቲ ሓደ ምንጪ ሓይሊ/ፀዓት (Energy) እዩ። ብዘይ ብቑዕ ጠለብን ቐረብን ፀዓት/ኤነርጂ ህልውናን ዕብየትን ሓንቲ ሃገር ፈፂምካ ዝሕሰብ ኣይኮነን። ሃገረ-መንግስቲ ትግራይ ዝሓስብ ሰብ፤ ግድን ፍልፍል ዓይነታት ኤነርጂን ኣጠቓቕሙኡን (Integrated Reesouses and Utilization of Energy) ክፈልጥ ይግብኦ እዩ። ዝትዋደደ ቐረብን ኣጠቓቕማን ኤነርጂ ኩለን ሃገራት ዝጥቀማሉ ስልቲ አጠቓቕማ እዩ። ትግራይ ብዙሓት ንኣናእሽተይ ልምዓት ሓይሊማይ (Micro Hydropwere) ክውዕሉ ዝኽእሉ ሩባታት አለውዋ። ዳርጋ ኩሎም ኣናእሽተይን ዓበይትን ሩባታት ትግራይ ናብ ሩባ ተከዘን መረብን ዝፈሱን ዝውሑጁን እዮም። ኣብ ሩባ ተከዘ ዛጊድ ዝለምዐ ሓደ ናይ ሃይድሮፓወር ነቑጣ ትኾን፤ ኣብ ካልኦት ኣርባዕተ ነቑጣታት (Sites) ንመስኖ ግልጋሎት ክውዕሉ ዝኽእሉ ብርክት ዝበለ ሜጋዋት ክሕፈሰሎም ዝኽእል ነቑጣታት ከመዘለው ዝፀንሑ ፅንዓታት ይሕብሩ እዮም። ካብዙይ ብተወሳኺ ትግራይ ብፅሓይ ሓይሊ ዝትባረኸት ምዃና ይፍለጥ እዩ። ዋጋ ሶላር ፓነል (Solar Panals) በዚ እዋን ዋላ’ካ ክባር እንተኾነ፤ ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናረኸሰን ተጠላቢን እናኾነ መፂኡ ኣሎ። ንገፀር ድልየት ፀዓት ኤለክትሪክ፤ ንውልቀን ንክሊneክ ሪፍረጂሬተራት፤ ንሬድዮን፤ ቴለቪዥንን፤ ማእኸላይ ዑምቐት ካብ ዘለዎም ጉድጋዳትን ሩባታትን፤ ንመስተን ንመስኖን ምጥቓም የዋፅእ እዩ። በዚ ሞያ ዝሰልጠኑ ምሁራት ምድላው ድማ እቲ ሓደ ናይ ገዛ ዕዩ እዩ። ኣብ ትግራይ ብርክት ኣብዝበሉ ቦታታት ናይ ንፋስ ተርባይን ምጥቓም ይከኣል እዩ። ጠለብ ሓይሊ ነፋስ ኣብ ትግራይ ኣዝዩ ገጂፊን ኣብ ዝተፈላለዩ ነቑጣታት በግልፂ ዝረኣይ እዩ። እዙይ ቐዲሚካ መፅናዕቲ ኣብቶም ነቕጣታት ምክያድ ዘድሊ ትኾን በዚ መዳይ ኪኢላታት ንምትኻልን ንምፅጋንን ምስልጣን ከድሊ እዩ። ኣብ ትግራይ ኣብ ግልጋሎት ውዒሉ ዝርከብ ናይ ነፋስ ሓይሊ ነቑጣ ኣብ ኣሸጎዳ ኣብ ጥቓ ኹሓ ዝግነ ጣቢያ ጥራሕ እዩ። ንሓዋሩ ናይ ተርባይን ምምሃር ስራሕ እናሓሰብካ፤ እቶም ዘተረፉ ኣካላት ናይ ነፋስ ተርባይን ግና ዓዲ ቦቀል ብዝኾኑ ፍብሪካታት ምስራሕ ዝከኣል እዩ። ኻልእ ንርእሱ ገፊሕ ትንታነ ዘድልዮ ብጣዕሚ ጠቓሚ ፍልፍል ሓይሊ፤ ባዮማስ (Biomass) እዩ። ባዮማስ ብዋንነት ውፂኢት ደኒን እንስታትን እንትኾን ፤ ዕንፀይቲ፤ ቃንጫ፤ ዒባን ዝሓቁፍ እዩ። ከምዝፍለጥ ምብዛሕቲኡ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ገጠር ብሕርሻ ዝነበርን ናይ ኤለክትሪክ ተጠቃሚ ዘይኮነ እዩ። እንተይ ኣገደድካ ምዕባለ ቀስ ብቀስ ገጠራት እና ከተሙ ስለ ዝመፁ ኣጠቓቕማ ሓይሊ ኤለክትሪክ እናተርነዐ፤ ባዮማስ ድማ እናነከየ ከመፅእ እዩ። ይኹን ድኣ’በር እዙይ እስካብ ዝኸውን ንዝተወሰኑ ዓሰረተ ዓመታት መብዛሕትኡ ኣብ ገጠር ዝነብር ገባር ትግራዋይ ተጠቃሚ ፍልፍል ሓይሊ ባዮማስ ምኻኑ ዘይተርፍ እዩ። ኣብ’ዙ እዋን ናይ ባዮማስ መጠቐምቲ ባህላዊ ኣቑሑት ብቓዓቶም (Efficiency) ኣዝዩ ትሑት ብምኻኑ ብዘይ ጥቒሚ ዝባክን ፍልፍል ባዮማስ ብሚእቲ ካብ 90 ብላዕሊ እዩ። እዙ ብኽነት በዘመናዊ ቆጠብቲ እቶናት (Modern efficient biomass cooking ሰቶቭሰ/utencils) ብምፍልላጥን ብምዝርጋሕን ምስራሕ ዝሓተት እዩ። ጥቕልል ብዝበለ መልኪዑ እቶም ናይ እምኒ ኩርናዕ ዝኾኑ ናይ ሓይሊ ፍልፍላት (Energy Resources) ንምጡቃም ዝኣክል’በር ኩሎም ኣብዙ ባይታ ኣስፊሕካ ንምቕራብ ዘይፈቅድ እዩ። ምናልባሽ ካልኦት ተጋሩ ወገናት፤ ካብ ኩሉ ንላዕሊ ወሳኒ ዝኾነ ብዛዕባ ፀጋን ሃፍትን ሕርሻን ኣጠቓቁሙኡን ምቐራብ ከድሊ እዩ። ኣብ ላዕሊ ከምዝትሓበረ፤ ዓይጋ ፎረም (Aiga Forum) ሓሳባት ብፁሑፍ ንምቕራብ ስፍሕ ዘብለ ቦታን ባይታን ዝህብ ስለ ዝኾነ፤ ኣብ ትግራይ ዘለኹምን ካብ ትግራይ ወፃኢ ዝትነብሩ ግዱሳት ተጋሩ፤ ብዛዕባ መፃኢ ብሩህ ዕድል ትግራይ ጠቓሚ ፁሑፍኩም ክተቐርቡ ከምዝትኽእሉ ከጥቁም ይደሊ። ምዕባለን ዕብየት ኣዶና ትግራይ ቐፃሊ ዕማምና ኢዩ። እግዚሃር በሰላም የገንየና!! |