Back to Front Page

ጎብለልነት ፀወታ መን ወሰደ

ጎብለልነት ፀወታ መን ወሰደ

በርሀ ተክለ 3-3-20

ውድድር መቐረትን ውድቀትን ሂወት እዩ። ሂወታዊያን ተባሂሎም ብተማራመርቲ ካብዝተመዝገቡ ካብ ተኸሊ እስካዕ እቲ ዓርሓ ኹሎም ፍጡራት ዝኾነ ሰብ ኣብ ኹሉ ግዜ ኣብ ናይ ውድድር ዓለም ይርከቡ። ውድድር ኣምበንጎ ተማሳሰልቲ ዓሌት ዘለዎም ፉጡራት ጥራሕ ከይኾነስ ምስ ኻልኦት ዓሌታት እውን እውን ልሙድ እዩ። ከምቲ ቻርለስ ዳርዊን ዝበሎ፣ መልዕሊ ኹሎም ውድድራት ምንባር እዩ። ምኽንያቱ ኣብ ዓለም እታ ሓንትን ዘይትቕየርን ሕጊ ውድድር ዝኸኣለ ይነብር ዘይኻኣለ ይቕበር እትብል እያ። እዚ ሕጊ እዚ ንደቂ ሰባት ጥራሕ ኸይኾነስ ንማንም እንስሳት እውን ብማዕረ ይሰርሕ። ኣብ ገጠር ኽልተ ኣብዑራት ወይ ኣጉማል ተባኢሱም ናቲ ኸባቢ ወይ ደማ ናይቲ ወቕቲ ሽደንን ተፈራሕን ዝብል መዓርግ እንትረኽቡ ካብቲ ብዕራይ ወይ ግመል ብላዕሊ ወናኒኦም እውን ይሕጎስ። ሰብ እውን እንተኾነ ብተማሳሳሊ ሕጊ ብዝተፈለየ መሳርሒ እናተቃለሰ ላሕለዋይን ታሕተዋይን ንምፍላይ መስዋእቲ ይኸፍል። እዚ ባህሪ እዚ ዘየቋርፅ ውድድር ኾይኑ ኣብ መላዕ ዓለም ካብ ጫፍ ስካዕ ጫፍ ብዘይምን ናይ ሕጊ ለውጢ እናተጓሃሃረ ዝርከብ ተፈጥራዊ ውድድር እዩ። እዚ ውድድር ካብ ውልቀ ሰባት ሓሊፉ ኣብ መንጎ ስድራቤታት፣ ዓሌታት፣ ሰፈራት፣ ጣብያታት፣ ወረዳታት፣ ዞዋታት፣ ክልላት፣ ሃገራት ኢሉ እውን ክፍለ ዓለማት ዘናሓንሕ መስርሕ እዩ። ኣብ ቓረባ እዋን ኣብ ታሪክ ዓለም ካብ እተመዝገቡ መስካሕክቲ ነገራት ቐዳማይን ኻልኣይን ኲናት ዓለም ናይቲ ውድድር ክፋላት እዮም። በዚ መሰረት መልዐሊኦም ብዘየገድስ ኣብ ዓለምና ካብዝተኻየዱ ኹሎም ውጋኣት መሪሕነት ንምትሓዝ እዮም።

ውድድር ንምጅማር ብንኡስ ኽልተ ተወዳደርቲ ስለዘድልዩ እቲ ውድድር መዓዝ ተጀሚሩ ዝብል ሕቶ መልሱ ሓቢርኻ ምንባር ምስተጀመረ ይኸውን። ሓደ ዓሌት ቕድሚ ሓቢርኻ ምጅማሮም ግን ምስኻልኦት ዓሌታት ይወዳደሩ ነይሮም ምባል ይካል።ንኣብነት ማንቲለ ወይ ድማ  ሚዳቕ ንምብላዕ ኣብ መንጎ  ሰብን ቡኻርያን ወይ ድማ ኻልኦት ከም እኒ ዝብኢ፣ ኣምበሳን ካልኦትን ውድድር ይሁሉ። ለስ ብሮውን ዝባሃል ተዛራቢ ከምዝበሎ ኣብ ኣፍሪካ ኣድጊ በረኻን ኣምበሳን ንጎሆ ካብ ህራሶም ምስተልዓል ዘስታውስዎ መዓልታዊ ትልሞም፤ ኣምበሳ፡ ኣድጊ በረኻ ገይይ ተዘይሒዘያ ብጥሜት ክመውት ስለዝኽእል ልዕሊ ኣድጊ በረኻ ክፈጥን ኣለኒ ይብል። ብተማሳሳሊ ናይ ኣድጊ በረኻ ትልሚ እውን፡ እምበሳ ፈጢኑ ጎይዩ ክበልዐኒ ስለዝኽእል ልዕሊኡ ብምፍጣን ክነብር ኣለኒ ዝብል ኢዩ። ተወዳደርቲ ካብቲ ውድድር ዝረኽብዎ ሽልማት ናይ ምንባር ጥራሕ ከይኾነስ ናይ መሪሕነት ካባ ወይም ስልጣን እዩ እውን ይሓውስ። ኣሸናፊ መራሒ ወይም ላዕለዋይነት እንትረክብ ተሸናፊ ድማ ሞት ወይ ድማ ዕድመ ልክዕኻ ተኸታሊ ወይም ትእዛዝ መራሒ ኣፈፃሚ ምዃን እዩ። እዚ መራሕን ተመራሕን ካብ ሰባት ሓሊፉ ኣብ ኹሎም ፉጥራት ዝሰርሕ ናይ መን ኸኣለ (survival of the fittest) ውድድር እዩ። ኹሉ ግዜ ተወዳደርቲ መወዳድርቶም ኣብ ጎኖም ዘሎ ብዓይኖም ወይ ብሕሊኖኦም ዝራኣዮም እዩ። ነዚ እውን እዩ  ሰብ መወዳደርቲ ተስኢዩ ምስ ኻልኦት ፉጡራት ወይ ምስ ፅላለቱ እውን ዝባኣስ። ኣብ ንግዲ ወይ ኻልኦት ስምምዕነታት ኹሉቲኦም ኣካላት ኣሸነፍቲ ክኾኑሉ ዝኽእሉ መስርሕ ኣለና ዝብሉ ብዝተፈላለየ መስርሕ እምበር ብተመሳሰሊ መዓቀኒ ሓሰት ኢዩ። ምኽንያቱ ተወዳደርቲ ብድሕሪት ኣብ ርእሶም ዘሎ ሕጊ ዝሓሸ ትርፊ ወይ ናብራ ንምርካብ ከይኾነስ ካብ ኣብ ጎኖም ዘሎ ሰብ በሊፅኻ ምርካብ ኢዩ። ንኣብነት ኣብ ገጠር መወዳድርትኻ ሓደ ብዕራይ እንተልይዎ፣ ኽልተን ልዕሊኡን ክህልየካ ወይ ድማ መወዳድርትኻ ብዕራይ ከይሕልዎ ምግባር እቲ ዝላዓለ ስራሕ ይኸውን።

Videos From Around The World

ኣብ ውድድር ኣሸናፊ ኾይንኻ ንምውፃእ ኣብ ጥቕሚ ዝብዕሉ መንገድታት ኽልተ እንትኾኑ ንሳቶም እውን ናይ ባዕልኻ ጉልበት ምጥቓም ወይ ድማ ርእስኻ ተጠቂምኻ ናይ ኻልኦት ሰባት ጉልበት ምጥቓም እዮም። ናይ ባዕልኻ ግልቦት ምጥቓም እቲ ኣብ ቐረባ ርሕቐት ዝርከብ ኾይኑ ግን እስኻዕ ሞት ዝበፅሕ መስዋእቲ ዝሓትትን እዩ። ርእስኻ ተጠቒምኻ ናይ ኻልኦት ሰባት ጉልበት ብጥበብ ምጥቃም ድማ ዝነኣሰ ጉድሓት ዘለዎ ግን ብዙሕ ፃዕርን ግዜን ዝጠልብ እዩ። ብኸምዚ መንገዲ ኣብ ዘመናዊ ዓለም ናይ ሰባት ጉልቦት ንምጥቓም ጁባኻ ወይ ርእስኻ ትመልእ ይግባእ። ነዚ ብኣብነት ክረእ ዝኽእል ግን ኣብ ቤት ትምህርትና ዝነበረን ዘሎን ኹነታት ውድድር መን ወሰደ ምርኣይ ይካኣል ኢዩ።

ኣብ ዓለም ዝርከባ ቤት ትምህርትታት ማዕረ ዝገብረን ባህሪ እንተሃለወ ናይቲ ሕብረተሰብ ባህሪ ዝንፃባረቐሉ መልክዕ ውድድር ምህላው ኢዩ። ነዚ እው ሓደ ነቲ ኻሊእ ክዕብልል ላዕልን ታሕትን እንትብል ኻልኦት ድማ ኣብቲ ብጉልበቱ ወይ ደማ ብርእሱ ፀብለልታ ዝረኸ ኣፅሊሎም ዕድመኦም የናውሑ። እዚ ባህሪ እዚ ካብ ቤት ትምህርቲ ወሪዱ ናብ ክላስ ስለዝኣቱ ኣብ ውሽጢ ክላስ ዘሎ ባህሪ ንርአ። ኣብ ሓደ ክላስ ወይ ጉጅለ ብጉልበት ዓብለልቲ ወይ ድማ ፉልጣት ዝኾኑ ሰባት ብጣዕሚ ይኽበሩን ይፍሩሑን እዮም። እዚ ተርእዮ እዚ ብግልፂ ዝረኣየሉ ኣብ እዋን ዕረፍቲ ሰዓት ኾይኑ ተምሃሮ ኣለና ዝብልዎ ተወካሊ ናብቲ ውድድር ኣእትዮም እትሽነፍ ወይ ድማ እንተሸንፍ ዝኽሰት ይኸውን። እዚ ናይ ዓብላላይነት መንፈስምን ስምዒትን መበገሲኡ ኣካላዋዊ ብቕዓት፣ ካብ ባዓል ስልጣን ምውላድ፣ ስፖርት ዝሰርሕ፣ ካብ ጠንካራን ተፈራሕን ስድራ ምምፃእን በመምህር ክንክን ዝግበረሉ ሰብ ምኻኑን ክኸውን ይኽእል።

ካብ ካልኦት ልዕል ኢሎም ዝረኣዩ ተምሃሮ ንደጋፊኦም ንምሕጓስ ክብሉ ናይ ልዕልነኦም መግለፂ ዝኾኑ ስራሕቲ ይሰርሑ። ካብቶም ዝሰርሑዎም ስራሕቲ ረብሻ ምፍጣር፣ ድሕሪ መምህር ኾይንኻ ምቅላድ፣ ናይ ቤት ትምህርቲ ሕጊ ምጥሓስ፣ ንብጣዕሚ ዝፈርሑ ደቂ ክላሶም ተምሃሮ ምፅራፍን ምንሻውን ይሓውስ። ኸምዚ ዓይነት ስራሕ ዝሰርሑ ተምሃሮ ሓለዋን ኣፍልጦን ብዝደልዩ ተምሃሮን ዝተዓጀቡ ወይ ዝተኸበቡ እዮም። ዓጀብቲ ነቲ ላዕለዋይነት ድምቀት ክብሉ መራሒኦም ወይም ኣርሓኦም ንዝቐለዶ ኹሉ ይስሕቁን የንጨብጭቡን። በዚ እውን እቲ ጉጅለ ብምኽንያት መራሒኦም ዝተፈጠረ ጥንካረ ንምርኣይ ላዕልን ታሕትን ይብሉ። ካብዚ ዝተልዓለ እውን ሓደ ሓደ ተምሃሮ ኣባል ናይቲ ተፈራሒ ጉጅለ እዛ ክላስ ንሙኻን ካብ ስብእነኦም ቀኒሶም መስዋእቲ ይገብሩ።  እቲ ብኸምዚ ዓይነት ኣባልነት ዝተመስረተ ጉጅለ ኽሉ ግዜ ዘየቋርፅ ምንጭብጫብን ኣድናቖትን ይፅበ። እዚ ጉጅለ ኣባላት ንዘይኾኑ ተምሃሮ ሸለል እናበለ ዝሓልፎም ተምሃሮ ዋላ እንተሃለው ዒላማ ዝግበሩን በቲ ጉጅለ ዝሳቐዩን እውን ኣለው። በቲ ጉጅለ ዝሳቐዩ ተምሃሮ ምስተመረፁ ዘሳቕዩ እውን ካብቶም ኣባላት ይምረፁ። ኣብዚ ዘሳቕዩ ተምሃሮ ናይቲ መራሒኦም ትእዛዝ ንምፍፃም ስለዝኾነ ካብ መራሒኦም ዝናን ተቐባልነት ንምርካብ ኢሎም ንዝፈልጥዎ  ወዲ ክላሶም በደል ብምብፃሕ ኣባልነቶም የጣናክሩ። ኣብ ዒላማ እቲ ጉጅለ ዝኣተወ ተምሃራይ ብጣዕሚ ጠንካራ ኾይኑ ተተረኺቡ ግን ናይቲ ጉጅለ ላዕለዋይነት ካብ ምፍትታን ሓሊፎ  ዋና ተናሓናሒ ይኸውን። ዝተወሰነ ናይቲ ኣብ ቤት ትምህርት ዝተፈጠረ ጉጅለ ዒላማ ዝኾኑ ተምሃሮ ውሽጣዊ ጥንካረ ዘይብሎም ናይ ሕሊና ጉድኣት በፂሕዎም ዕድመ ልክዖም ጠበሳ ይፈጥሩ። እቶም ዝተረፉ ድማ ከይፈተው እቲ ጉድኣት ፈሪኦም ናብቲ ዓብላላይ ዝኾነ ጉጅለ ይፅምበሩ። እዞም ብፍርሒ ዒላማ እቲ ጉጅለ ካብ ምኻን ኣባልነት ዝመረፁ ሰባት ናይቲ ጉጅለ ብጣዕሚ ሕማቕ ዝባሃል ስራሕቲ መፈፀምቲ ስለዝኾነ ኹፋኣት እዮም።

ኻልኦት ተምሃሮ ግን ነቲ ካብቲ ዓብላላይ ጉጅለ ዝመፅእ ፅዕንቶን ብምፅዋርን ዓፀፋ ስጉምቲ ብምውሳድን ናብ ባዕሎም ሂወት ይመርሑ። እዞም ናይቲ ጉጅለ ዓብላላይነት ከየፍረሖም ብናይ ባዕሎም መንገዲ ዝኾዱ ኻልኦት ሰባት ንምፅራፍን ንምስቓይን ከይኾነስ  ኽብርን ተቐባልነትን ንምርካብ እዩ። እዚ ብባዕሉ ነፃነቱ ዝኣወጀ ጉጅለ ምስኻልኦት ጥምረት ፈጢሩ ጥንካራ ምኻን ከምዝኽእል እናፈለጠ እቲ ባዕላውነት ደስ ስለዝብሎ ግን ኣብ ነፃነቱ ወይ ሓርነቱ ይነብር። ካብዚ ወፃኢ ዘሎ ተምሃራይ ግን ካብቲ ናይቲ ክላስ ምንቅስቓስ ባዕሉ ዘግለለን ምንም ተሳትፎ ዘየርእን ተምሃራይ ይኸውን።

እዚ ኣብ ቤት ትምህርትታት ዘሎ ውድድር ላዕለዋይነት ካብ ቤት ትምህርቲ ወፃኢ እውን ኣብ ማንም ሰብ ይሰርሕ እዩ። ሰባት ብሓሳብ ይኹን ብኣካል ካብቲ ሓደ ናብቲ ሓደ ጉጅለ ብምውጋን ጉጅለኦም ካብቲ ኻሊእ ጉጅለ ዓብላላይን ተኸባራይን ኾይኑ ክረእየሎም ምድላይ ልሙድ እዩ። ናይ መን ወሰደ ጉጅለ ግን ካብ ኣብ ውሽጢ ማሕበረሰብ ዝፍጠር ምጉጅጃል ሓሊፉ ኣብ መንጉ ሃገራት እውን ኣሎ። እዚ ብምኽንያት ጉለባላይዜሽን ወይ ድማ ዓለም ለኻውነት ዝመፀ ጉጅለ ሃገራት ብቁጠባ፣ ወታደራዊ፣ ሳይነሳዊን ኻልኦትን ልዕልና ብምፍጣር ጉጅለኻ ንላዕሊ ተናሓናሒኻ ንታሕቲ ክኸውን ምፅዓር ፀሓይ ዝወቕዖ ሓቂ ኢዩ። እዚ ተፈጥራዊ ሕጊ ካብ ውልቀ ሰባት ሓሊፉ ኣብ መንጎ ሃገራት ዝገበር ንሕንሕ መን ክኽበር መን ክቕበር ፅዋዕ መንወሰደ መወዳእታን መጀምርታን ዘይብሉ ምኽንያት ውድቀትን ዕብየትን ደቂ ሰባት እዩ። ግን ድማ ከምቲ ጠቅላይ ሚኒስተር ነበር መለስ ዜናዊ ዝበሎ ግሎባላይዜሽን ኣይደሊይ ኢልኻ በሪ ዋላ እንተዓፀኻ ብመስኾት ምዕታው ስለዘይቐርዮ ኣብቲ መወዳእታ ዘይብሉ ጉያ ማራቶን ካብ ደረጃ ተመልካታይነት ናብ ደረጃ ተፃዋታይነት ምዕባይ ንህልውናኻ ኢልኻ ምእታው ግድን እዩ።

ዓለም ከም ጠረፔዛ ቴንስ ኣብ ሓንቲ ብምቕማት ፅዋዕ መን ወሰደ ዝግጠመላ ሜዳ ካብ እትኸውን ፀኒሓ ኣላ። ኣብቲ ጠረፔዛ ቴንስ ኣሸናፊ ንምኻን ዝግበር ቓልስን ዝሕፀፁ ስትራቴጅን ካብ ናይ ቃላት ጣሩነት እስካዕ ናይ ወታደራዊ ጦሩነት ይበፅሕ። እዚ ዝግበረሉ ምክንያት ከም ወልቀ ሰብ ከይኾነስ ከም ሃገር ኣብ ዓለም ዘለካ ተሰማዕነት ንምውሳኽ ኢዩ። ላዕለዋይነት ማለት ተሰማዕነት ስለዝኾነ እቲ ሓያል ወይም ጎብለል ዝብል ስም ንምትሓዝ ከምቲ ኣብ ቤት ትምህርትታት ዝረአ ብውልቀ ወይ ብጉጅለ እናተወደብኻ ምቅላስ ልሙድ ኢዩ። ኹለን ሃገራት ኣርሓ ነታ እንፈልጣ ዓለም ንሙኻን ሽምጠን ተዓጢቐን ላዕልን ታሕትን ይብላ ኢየን። ንኣብነት ካብታ ዝነኣሰት ከም ሃገር እኳ ኣፍልጦ ዘይረኸበት ፑንት ላንድ ኣብ ክልላ ፀብለልታ ንምርካብ እትገብሮ  ቓልሲ እስካዕ እታ ልዕለ ሓያላን ሃገረ ኣመሪካ ላዕለዋይ ዓብላላይነታ ቐፃልነት ንክህልዎን ብቻይና ከይትምንጠልን ንምእማን ዘፀግብ ስትራቴጂ ብምሕንፃፅን ብምትግባርን ፀወታ ጎብለልነት መን ወሰደ ብዘይሙቁራፅ ይፃወታ እየን። እቲ ላዕለዋይነት ፀወታ ግን ናይ ኣውዲቕኻ ምሕላፍ ፀወታ ስለዝኾነ ኹሎም ርክባትኻ ብኣንፃር ረብሓኻ ኢኻ እትሪኦም። ኣብዚ ኸምዚ ዓይነት ፀወታ ኣብ ዓለም ዘለዋ ሃገራት ናብ ዓብላልን ተዓብላልን ኢልና ምምቓል ይኻኣል ኢዩ። ብሓገር ደረጃ ዓብላላይ ንምኻን ካብ ዝጠቕሙ መሳርሕታት እቶም ውሱናት ስነ ቁጠባ፣ ወታደራዊ፣ ባህልን ቴክኖሎጂን ምግላፅ ይካኣል ኢዩ። ልዕልነትን ብሙሉእ ወይም ብኽፋል ዝተመንጠላ ሓገራት ቀስ ብቀስ ዝነበረን ተሰማዕነት እናወረደ ካብ ባዕላውነት ናብ ፅግዕተኝነት ይኸይድ። ከምቲ ኣብ ውልቀ ሰባት ዝረአ ባህሪ እውን ቀስ ብቀስ ናዛ ላዕለዋይነት ብስም ተሰማዕነት ወይም ተቐባልነት ንምውሳኽ ብዝብል ምኽንያት ነተን ጠንካራታት ዝበሃላ ሃገራት ኣሕሊፈን ምሃብ ይመፅእ። እዚ ካብ ዓቕሚ ምንኣስን ኣብ ዓለም ተሰማዕነት ንምውሳኽ ዝግበር ውድድር ውድድር ተስፋ ቖሪፅኻ ካብ ምውፃእ ዝለዓል ኢዩ። ካብዚ ብዝተፈለየ ግን ሃገራት ብኻልኦት ተማሳሰልቲ ሃገራት ተፈራሒ ንምኻን ብዝብል እውን ከም ሕንጠይ ኣብ ማእገር ሓንቲ ሓያል ሃገር ተሓንጊርካ እታ ሓያል ሃገር ናብዝደለዮቶ ክትወስደካ ምግባር እውን ኣሎ። ብኸምዚ ዓይነት ኣካይዳ ካብዝነብራ ሃገራ ንኣብነት ንምግላፅ ከም እኒ ጁቡቲ ኣብ ማእገር ፈረንሳይ ኢያ።

ሃገራት ሓያልነትን ዘይስመዓን እንተኾኑ ንዝሓሸ ናይዛ ዓዲ ድሕንነት ብዝብል ኣብ ፅላል እተን ሓያላት ዓድታት ከፅልላ ይግበር። እዚ ኣሰራራሓ እዚ ዋላ ብክልስ ሓሳብ ይኹን ኹለን ሃገራት ዓለም ኣብ ባዕለን ዝተኣማመናን ፅግዕተኛታትብ ዝብል ጉጅለታት ዝተኸፈላ ኢየን። ንኣብነት እንተወሲድና ሓይሊ ኒክለር ዘለወን ሃገራትን ኣባላት ፀጥታ ውድብ ሕውራት መንግስታት ዝኾና ሃገራትን ምርኣይ ይካኣል ኢዩ። እዘን ድምፂ ብድምፂ ናይ ምስዓር መሰል ዘለዎን ቖወምቲ ኣባላት ፀጥታ ውድው ሕቡራት መንግስታት ካብ ድሌተን ክትወፅእ ንዝበለት ማዕቀብ፤ ሓሰበን ንዘፈፀመት ሞጉዚትነት እናሃባ ዓለም ከምድሌተን ካብዝገብራኣ ፀኒሐን ኢየን። ንኣብነት እንተርኢና ነበር ፕረዚደንት ዑማር ኣል በሺር ብዓለም ለኸ ገበነኛታት ተደላይ ሰብ ይንበሩ እምበር ቻይና ብዘለዋ ድምፂ ብድምፂ ናይ ምስዓር መሰል ከለላ ገይራትሉ ኢያ። ብ 2009 ዓ/ም ምክንያት መኽሰሲ ዑመር ኣል በሸር ካብዝነበሩ እውን ናይ ዂናትን መሰል ሰባት ብምጥሓስ ዝብል ገበን ነይሩ። ዑመር ኣልበሸር ኣብ ፅላል ቻይና ኾይኑ ኣይንከአ ዝብለሉ ዝነበረ ምኽንያት ካብ ቻይና ናይ ድሕንነት ዋሓስ ንምርካብ ንቻይና ነዳድን ዝሕረስ መሬትን ስለዝሃባ ኢዩ። ስለዚህ ቻይና ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዘለዋ ድምፂ ብድምፂ ናይ ምስዐር መሰል ናብ ቁጠባዊ ረብሓአ ብምውዓል ኣብ ዞባውን ዓለም ለኻውን ዓብላላይነታ እናወሰኸ ይርከብ። ንናይ ሱዳን ተመሳሳላይ ጉዳይ ኣብ ማእኸላይ ምብራቃዊት ሃገረ ሰሪያ ተፈፂሙን ይፍፀም ኣሎ። መንግስቲ ሶርያ ብተቓወምቲ ዝበፅሖ ፀቕጢ ንምፅዋር ክብል ካብ ሳልሳይ ኣካል ማለት እውን ካብ ራሻ ሓገዝ ሓቲቱ ረኺቡ ኢዩ። ራሻ ክትሕግዝ ዝኸኣለት ንጂኦፖለቲካዊ ጥቕምታታ ንጥንኻር ኢዩ። እቶም ንፕረዚዳንት በሸር ኣልዓሳድ ዝቃወሙ ሓይሊታት እውን እንተኾነ ብኣመሪካ ድጋፍ ይግበረሎም ኢዩ። በዚ ምኽንያት ኣብ ሶርያ ዘሎ  ዘይምርግጋዕ ዝገሃሃር ዘሎ ኣብ መንጎ ዓሳድን ተቓወምትን ብዘሎ ኣፋላላይ ከይኾነስ ኣብ መንጎ ራሻን ኣመሪካ ዘሎ ታሪካዊ ኣፋላላይ ኢዩ።

ሓንቲ ዓዲ ኣብ ሓደ ከባቢ ተሰማዕነታ ትሑት ተኾይኑ ምስ ኻልኦት ሃገራት ጥምረት ፈጢራ ናይቲ ኸባቢ ሚዛና ትውስኽ። እዚ ሕብረት ዝፍጠር ተሰማዕነት ንምውሳኽ ጥራሕ ከይኾነስ ድኽም ንዝበላ እውን ከም ፅላል ኾይኑ የገልግል ኢዩ። ኣብ 1862_73ን 1873_90 ጠቅላይ ሚኒስተር ፐርሺያ ብተወሳኺ 1871_90 ቻንስለር ጀርመን ዝነበረ ኦቶ ቮን ቢስማርክ ከምዝገለፆ፡ ሃገራት ተነፂለን ላዕለዋይነተን ባዕልና ኣለናሉ ዝብላ ምጥፈኣን ኣይቐርየንን ይብል ነይሩ። ዋላ እተን ብቁጠባ ኣብ ማእኸላይ ዝምደባ ሃገራት ብድፍኢት እተን ሓያላት ሃገራት ምንም ናብ ዘየድልየን ጦሩነት ብምእታው ክዳኸማን ናይ ሓያላት ሃገራት ሃገዝ ክሓታን ይግበር ኢዩ። እተን ሓያላት ዝበሃላ ዓድታት ድማ ምንም ናብ ዘይምልከተን ስትራቴጂካዊ ረብሓ ናብ ዘይረኽባሉ ወታህደራት ሓገዝ ይልእኻ። እዚ ወታደራዊ ልእኽቶ ካብቲ ከባቢ ህዝባዊ ናዕብን ድፊእትን ከይለዓል ኣብ ሚድያ ንመሰል ደቂ ሰባትን ናይ ዲሞክራሲ ምህዳር ንምስፋሕን ተባሂሉ ኢዩ ብዝብል ሽፋን ወግሐ ፀብሐ ስብከት ይግበረሉ። ይኹን ደኣ እምበር እተን ናይተን ሓያላት ሃገራት ወታደራዊ ምሽግ ክኽፈታ ዝፈቐዳ ሃገራት ዝረኽበኦ ረብሓ እንተሃለወ ሓዱሽ ደጋዊ ፀላኢ ምውሳኽን ውሽጣዊ ዘይምርግጋዕን ኢዩ። እቲ ሓዱሽ ፀላኢ ጦሩነት ኣብ ውሽጢ እታ ሃገር ስለዝኸፍት ነታ ሃገር ናብ ዘየድሊ ቁልብላብ የእትያ። እቲ ቁልብላብ ህዝባዊ ናዕቢ ፈጢሩ እታ ሃገር ባዕላ ንባዕላ ንኽትመውትን ካብ ማእኸላይ እቶት ናብ ታሕተዋይ ከምኡ እውን ናብ መንግስት ኣልባ ከም ሶማልያ፣ ሊብያን ሶሪያን ትግበር ማለት ኢዩ።

ኣብ ላዕሊ ብዘሎ ዓብላልን ተዓብላልን ሓሳብ ብምኽንያት ረብሓ ስለዝውሰን ብዙሕ ስትራቴጂካዊ ይኹን ኢኮምያዊ ረብሓ ዘይብለን ሃገራት ተገሊለን ይነብራ። እዘን ሃገራት ኣብ ትሕቲ ኻልኦት ሃገራት ክወድቓ እውን ድሌት ስለዘይብለን ዓለም ለኻዊ ጫፍ ብምሓዝ ተቓወምቲ ኾይነን ይነብራ። እዚ ዓማፂ ወይ ድማ ተቓወምቲ ዝብል ስም ዝባሃወን ብውድው ሕቡራት መንግስታት ኾይኑ ንኣብነት ከምኒ ሰሜን ኮሬያ፣ ኩባን ኤርትራን ዝበላ ሃገራት ምርኣይ ይካኣል።

ዓለም ከም ዓለም ብግልፂ ሕጊ ናይ ሓያልነት ፀወታ ንምግባር ብሚያዝያ 9፣ 2015 ዓ/ም ዝወፀ ዘይታሓታትነት ዝብል ናይ ጸፀታ ስትራቴጂ ኣሎ። ኣብዚ  ናይ ድሕንነት ስትራቴጂ ከምዝብሎ፤ ሓንቲ ሃገር ኣብ ዓለም ለኸ ሓያልነት ፀወታ ኣይሳተፍን ኢላ ብናይ ባዕላ መንገዲ እንተኸይዳ ኣብ ሓደጋ ትወድቕ ይብል። ንኣብነት ባዕለን ንባዕለን ናይ ሓደ ዞባ ላዕለዋይነት ንምቁፅፃር ብዝብል ዝፈጥሮኦ ማሕበር ንምጥቓስ ዝኣክል ናይ ሶዓዲ ዓረብያ፣ ቱርኪ፣ ግብፂን ኢራንን ምጥቃስ ይካኣል። እዘን ሃገራት ባዕለን ንባዕለን ናብቲ ቐጠናዊ መራሕቲ ኢና ብምባል ናይቲ ኸባቢ ማእኸላይ ምብራቕን ሰሜንን ምብራቕን ኣፍሪካ ተቐባልነት ንምውሳኽ ኢዩ። እዚ ኣብ ዞባዊ ፅልዋ ንምሕዳር ዋላ ይስማዕማዓ እምበር ዓለም ለኻዊ ምስ ሓያላት ሃገራት ዝገብርኦ ውድድር ተቖጢበን ኢየን። እዚ ቁጠቡነት ድማ ምስተን ሓያላት ዝባሃላ ሃገራት ንዘይምፅላእ ኢዩ።

ፖሊሽ ኣመሪካዊ ናይ ፖለቲካል ሳይንስ ሙሁር ዝቢኚው ብርዘዚንኪ ኣብ መንጎ ተፃወቲ ጂኦፖሊቲካን ጂኦስትራቲጂን ግልፂ እንትገብር። ዋላ እካ ኹሎም ናይ ጂኦፖሊታክ ጠቐምትን ሓያላትን ተፃወቲ ማዕረ ኣይኹኑ ከምዚኦም ዝበሉ ተፃወቲ ግን ከም ሃገር ግን ካብ ወሰኖም ወይ ድማ ግዝኣቶም ወፃኢ ሓይሊ ብምጥቓም ተሰማዕነቶም ንምውሳኽ ዝሰርሑ ኢዮም። ካብዚ ብዝተፈለየ ግን ኣብ ጂኦስትራቴጂ ዝሳተፋ ሃገራት ግን ንቁጠባዊ ወይም ባህላዊ ረብሐአን ክብላ ብኻልኦት ሃገራት ብሰናይ ፍቓድ ክኣትዋ ፍቓን ምርካብ ዝገብረኦ ቓልሲ ኢዩ። እዚ ኣካይዳ ኣብ መሬት ዘለዎ ኣቓማምጣ እውን ስለዝውሰን ንኣብነት ንምግላፅ ዝኣክል ከም እኒ ዩክሬን፣ ኣዘርባጃን፣ ደቡብ ኮርያ፣ ቱርኩን ኢራንን ምግላፅ ይካኣል።

ዓለም ብኽምዚ መንገዲ ሓደ ንላዕሊ እትኸይድ እቲ ኻሊእ ንታሕቲ ይወርድ። ኣብ ታሪክ እውን ካብ ፖለቲካዊ ምጥልላፍ ሓሊፉ ናብ ግልፂ ዝኾነ ሕግታት ተቐይሩ ዘላኣለማዊ ሓያል ኾይንኻ ንምንባር ዝግበር ቓልሲ ይቕፅል ኣሎ። ብሃገር ደረጃ ዝግበር ላዕለዋይነት ቓልሲ ኣብ ሕድ ሕድ ዜጋ እታ ሃገር ዘሕድሮ ስነ ኣእምራዊ ረብሓን ጉድኣትን ተራእዩ  ኢዩ። ንኣብነት ናይታ ሓያል ሃገር ሃገረ ኣመሪካ ዜጋታት ኣብ መላእ ዓለም ዘለዎም ተቐባልነት ቡኡ ልክዕ ልዑል ኢዩ። ስለዚ ሃገር ከም ሃገር ፖሊስን ስትራቴጅን እናሓንፀፀት ኣብ ዓለም ዋላ ሓያል እንተይኾነት ካብ ኢድ ኣእታውነት ሓያላት ሃገራት ነፃ ንምዃን ዝፅዕራ ዘለዋ። ነዚ እውን ንዓወት ኣጉሊህኻ ንውድቀት ሓቢእኻ ታሪክ ከም እኒ በዓል ዓድዋ ምፅሓፍ ልሙድ ዝኾነሉ ዘመን ዝበፃሕና።  ብሓፈሻ ግን ፀወታ ላዕለዋይነት መን ወሰደ ካብ ቁሳዊ ልዕልና ሓሊፉ ናይ ስነ ኣዕሙራዊ ጥቕሚ ስለዝህብ ሃገራ ዘለዎን ሃፍቲ እናፍሰሳ ክብራን ተሰማዕነታን እትሕሊ።

 

 

 

Back to Front Page