|
ጀግና መን .....!
ያሬድ ሑልፍ 7-21-20
ጀግና መን ይወልዶ ሓሞት ወይስ ኣዶ?
ኻበይ ይውለድ ጀግንነት ኻብ ተሽከሞካዮ ፆር ኽብደት ብረት እንተዘይኾነስ ኢስብኣዊ ውርደት::
ኻብ ዝብላዕ ምስኣን ጥምየት ኻብ እርቃን ድኽነት ኻብ ዐልየት ጭቆና ባርነት ምሕሮ የለ ዕድገት ሕክምና ኣልቦ ሞት ድንገት::
ጀግና ኣቦ ኣይብሉን ኣዶ ሓሞት የብሉን ዘንድዶ እኻዳኣ ሓቦ ምስነደዶ::
ብረት ንኽእጠቅ ዝግደድ ኸሳድድ ንኽሳደድ ኽድይብ ንኽወርድ ኽፋሗኽ መሬት መሬት ፀላዒ እንትገጥሞ ፊት ንፊት መዳፍዕ እንትውርወር ንቅድሚት: ቡምባታት እንትባራዕ ሓዊ የማን ፀጋም እንትባላዕ:;
መሬት ስማይ እንትደባለቅ ልቢ እንተንፈርፍር እንትጭነቅ ኸምጨጎራ ንቅድሚት እንትፋሗኽ ንድሕሪት ወይ ፈንትኽ::
ቆላሗ እንትብል ኽዝክር እንታይ ኣሎ ተገደፈ ብድሕሪት ዘይችግር ለካስ ኣለኹ እናበለ ጠጠው ኢሉ ሞት ሞትንሞቱ መረፀ ናይፀላኢ ጥይት:: ዘሊሉ ትጠጉግ ዓሣ ኸምዝረኣየ ዐንጉግ::
ለካስ ተዋጋእቲ ኽልተ ኣይነት ሓደ ብዱል ቆራፅ ንኽመውት ሓደ እሱብ እጡቅ ንኸብዱ ዝዘምት::
ብረት ትሽኪምካ ዙራፍ ተፈከርካ ሕደግ ኣይፋልካን: ተጋጊኻ ኣይኾንካን::
ጀግና ተወለደ ሓቂ ምስነደደ ፍትሒ መንሚኑ ምስንጎደ ናብራ ምስኸበደ
ኣማራፂ የለ ነቨረ ኣይነቨረ ሞት ኣብ ጎኑ ምስዓስለ ጀግና መሗለ እናዐለለ ነቀለ ደሗን ኹኑ በለ::
Back to Front Page |