Back to Front Page

እቲ ኩነታት ምስ ተፈጥረ…እቲ ኩነታት ተፈጢሩ ኣሎ!!

 

እቲ ኩነታት ምስ ተፈጥረእቲ ኩነታት ተፈጢሩ ኣሎ!!

 

መፍትሄስራይ

12/10/12

 

 

 

ንዘመናት አበልዕሊ ተጋሩ ሰፍ ዘይብል ናይ መከራን ስቅያትን ስደትን ሕማምን ጥምየትን ድንቁርናን ኮታስ አብዛ ምድሪ ዝወረደ ኩሉ ዓይነት ሕሰም ተሸኪምና ኢና ንዘመናት ፀኒሕና ኩሉ ዓርዑት ሕሠም አብ እንግዳኣ ተጋሩ ተዳዕኒኑ ካብ ምውታት ንእሸተይ ልዕልኢልና ካብ ህልዋት ድማ ትሕት ኢልና ንሐያሎ ዘመናት ካብ ዝነበረናዬ ኩለንተናዊ ብራኸ ኣንከራሪና ናብ ሃው ዝበለ ናይ ዓፀባ ገድል አቲና ዝፀናሕና

እወ!

አብ ሐደ እዋን ነታ ዘለናያ አህጉር ጥራሕ ዘይኮነስ ነታ ዓለም እትባህል እውን ካብተን ብማህብረ ቁጠብአንን ፖለቲካዊ ሐይለንን አስማተን ዝፅርሓ ዝነበራ ሐያላት ዓለምና ሐንቲት ዝነበረት መንግስትና መንግስቲ አክሱምውን  ካብቲ ዝነበርቶ ድሙቁን ልዑልን ብራኸ ማርሽ ቁልቁለት ረጊፃ ናብ ዓሚዮቅ ቋቁራ ምስአተወት ዓለም ዝነበርናዬ ብራኽ ከሒዳ አበይ ከምዘለና ረሲዓትና  ንሕናውን ዓለም አበይ ከምዘለ ረሲዒና ኣብ ዘመነ ውርደትን ፀልማትን ክንነበር ተገድድና ኢና፡፡ እዚ ከይኑውን ድንቁርናን  ሕድሕድ ዓርጭት እናተባረዩ እንትገናዘዩና ንሕና ተጋሩ ካብደገ ዝመፁ ባዕዳውያን ወራራት ከምሐደ ሠብ እናመከትና  ማዕፆ ናይዛ ሃገር ሓሊና ፀኒሕና ኢና፡፡ 

Videos From Around The World

ልዕሊ 25 ጊዜ ዝተኻያደ ዘራይ ኣልቦ ደማዊ ውግእ በይንኖም ተጋሩ ወለድና ተኳሺሐም እዛ ሃገር አፅኒሐም እዩም። እዛ ነዛ ሐዚ ዘላ ሃገር ብደሞምን አዕጽምቶምን ዝነደቅዋ ህዝቢ ተጋሩ ምኳኖም እቶም መጥቃዕቲ ተጋሩ ዘሰንበሮም ባዕዳውያን ፀላእትናውን መስኪሮምዎ እዮም፡፡ 

 ምስረታ ሃገረ መንግስቲ ናይዛ ሞሳ ኣልቦ ሃገር እዚኣ ታሪኽ ንተጋሩ ብምዕዳሉ ተጋሩ አብዚ መስረሕ ዙይ ብተወፋይነትን ብቅዓትን ታሪካዊ ሓላፍነቶምን ንምፍፃም እንትስውዑን እንትዋሥኡን  ሸዋውያን ግን ብቃፃን ተንኮልን ምቹእ ግዜ ብምፅባይ ምስ ባዕዳውያን ፀላእትና  ብምሽራኽ ብመሪሕነት ተጋሩ ኣብምትግባር ዝነበረ ምስረታ ሃገር  ኣብክንዲ ኢዶም ሓዊሶም ተረኦም ምፅዋት፡ ካሕዳም ሽዋዊ ፕሮጀክት ብምሕንፃጽ ጉያ ተጋሩ ኣፈሺሎም እዮም፡

እተ 18- . ብምዕራብ ኣንፈት ዝመፀ ባዕዳዊ ወራሪ ድርቡሽ ጎንደር ኣትዩ ካህናት እንትትሓረድ; ታቦትን ቅርስን እንትፈርስ ምእመናን  ኣጋዲሙ ከም መዓሳ እንትዝልዝሎም  ብአውያትን ብኽያትን ጎንደር እትትሕመስ  ንጉስ ሚኒሊክን ተከለሃይማኖትን ከም ሽሻዮም ብምርኣይ ርእሶም ኣድኒኖም እንተድብዩ ንጉሰ ነገስት ሀፀይ ዮውሃንስ ግን ድቃስ ከልኦም ንተጋሩ  ድማ ርእሲ ሕማም ኮኖም፡ እምበኣር ኣውያት ህዝቢ ጎንደር ክረድኡ ሰራዊት ትግራይ ክተት አዋጅ ኣዊጆም መሪሖም መተማ ኲናት ኣንፃር ድርቡሽ ብጀግንነት እናዋግኡን  እናተዋግኡን ተሰውኡ :: ብድሕሪኡ እዩ እምበኣር ንያት ተጋሩ ዝወደቀ ብደሕሪኡ እዩ እምበኣር ኣብ ሬሳ ተጋሩ ወለድና ዝተጣየሸ ፕሮጀክት ሽዋ  ንተጋሩ ናይምንፃት ስራሕ ሓደ ኢሉ ዝተጀመረ፡፡ወዮ መሬት ዓዲ ኣቦ ከይድፈር ዝተከፍለ ናይ ኣሚት ኣሻሓት ደም ተጋሩ ንበለል ኣትረፍዎ ጥራሕ ዘይኮነስ መጠነ ሰፊሕ ሚኒሊካዊ ዓፀባት ኣብርእሴና ብምውራድ ኣፅነቱና፡፡ ፖለቲካዊ ሓይልና ኣልሚሶም ካብ-ፖለቲካዊ ደምበ ኣግለሱና፤ ብማሕበራዊ ምህንድስኖኦም ኣቢሎም ባህልናን ቋንቋን ኣናሺዮም ካልኣይ ዜጋ ገበሩና፤ ፊደልናን ቅርስናን ልሙዕ መሬትናን ብጉልበት ወሰድዎ ፡፡ ካብ ሪምናን ሕጓናን ነቂሎም ልሙዕን ተሓራሳይ መሬትናን መንጢሎም ወዮ ዓዲ ዝመስረትና ሰብናይ ፋሕ ጭንግራሕ ኣቢሎም ትሕቲ ህልዋት ገበሩና ፡፡ ድሕሪ ውድቀት ኣኸሱም እንደገና 2 ምዕራፍ ማርሺ ቁልቁለት ኣርጊፆም ኣብ ምድራዊ ሲኦል ኣእተውና፡፡ 

ኩነታት ከምዚ ኮይኑ እናሃለወ አብ ጊዜ ሚኒሊክ ዝመፀ ባዕዳዊ ወራር ጥልያንውን ወለድና ተጠሊምና ኢሎሞ ኮርዮም  ርእሶም አየድነኑን  እኳድኣስ ብመሪሐነት መሳፍንቲ ትግራይ ህልክ ዘመልኦ ኩናት ጣልያን  ገበሩ። ሚኒልክ  ዓቀይቶቱን ካብ ማእከል ሃገር ክሳብ ዝመፁ  አሻሓት ወለድና ብጀግንነት ተሠውኡ። ሚኒልክ ምስ ሰንቂ አልቦ ሠራዊቱ አበቲ ኲናት ክበፅሕ እንከሎ ከም ዮውሀንስ 4 እናተዋገአ ከዋግእ ትፅቢት እኳ እንተተገበረሉ ኣብ መሐደሪ ዝብኢ ተሐቢኡ እዩ  ኣሕሊፍዎ፡፡እቲ ኩናት ዓወት  ናይታ ሀገር ክዛዘም  እንተሎ ከም አመሎም  ዓወት ወለድና መንጢሎም ነንርእሰም ክሸያየሙ እንተለው ሃርበኛታት ተጋሩ ግን ገፅ ተኸሊኦም ዳግም ንስደትን ሽግርን ተዳረጉ ካብ ቶም ዝበፅህዎም  ግፍዕታት ገሊኦም ካብቶም ውሕዳት ነዚኦም ይመስሉ፡፡

ካብቶም በደላት ውሕዳት

1.     ክፋል መሠንገልና ዝኾነ ሓውና ትግራዋይ ህዝቢ መረብ ምላሽን ስግርን ብምባል ንኣፅዋርን  ገንዘብን ሸይጡ ሕቆና ሰበሮ -

2.     ልሙዕን ሠፊሕን መሬትና ንኻሊእ ሂቡ ንስደትን ጥሜትን ዳሪጉ ፋሕጭንግራሕ ኣበለና፡-

3.     ካብ ማእኸል  ሀገር ዘምፅኦ ስንቂ  አልቦ ዐቀይታይ ሠራዊት እብ እንግድዓ  ትግራዋይ ክሕንገር ብምግባር ከፍቱን ጥሪቱን  ተግራዋይ  ተሓረዳን ተበልዓን፡- ምህርቲ ካብ ጎተራ ተዘርፈ፡ አንስቲ ካህናትን ሰብ ሓዳራትን ኣብ ግንባር ሰብኡተን ተደፈራ ኮታስ ወዲ ኣዳም ምኳንካ ዘፅልእ  ግፍዒ ተፈጺሙእዩ፡፡ ብአጠቃላሊ ንያትን ንዋትን ተጋሩ  ንቁልቁል አፉ ደፊኦም ተበቀልዎ መወደእታ ዘይብሉ ሠለሎ ከዓ አተየና 

ብድሐሪኡ ዘመፀ ጋላቢ(ሃደሚ) ንጉስ ሃይለስላሴውን ናይ አኩኡ ሚኒሊክ ፕሮጀክት ኣሐይሉ ቀፀሎ፡፡ ተጋሩ እንደገና መዳርግቲ አልቦ ዝኾነ አርዑት ገዝእቲ አብ ዝባን ወለድና ኣጥቢቆም ዳዕኒኖም  ረይረይ አበልዎ እዚ ሰብአይዙይውን ኩለን ናይ ሚኒሊክ ተግባራት አጠናኪሩ ቀፂለሉ። ኩሎም ፖሊሲታቱ ህዝቢ ትግራይ ዘፅንት ቅኒት ቃነዩ  ድበ ምድሪ ኣእተይዎ፡፡ ሐዝውን ኩነታት ከምዚ እናሃለወ ባዕዳዊ ወራር ጣለያን ዓድና እንትወርር  ብዓል ልማድ ሕንጊድ ሃረበኛ ትግረዋይ ኣብ ቅድሚት ተሰርዐ መዘና ኣልቦ ጅግንነት ብምፍፃም ከዓን ተኳሸሐ፡፡ እቲ ኣብ ስልጣን ዝነበረ ኣረመኔ ፀላእ ተጋሩ ዓድን ህዝብን ኣረኪሱ ዓዲ እንግሊዝ ሃደመ፡፡ድሕሪ ናይ ሓሙሽተ ዓመት ናይ ሀርበኝነት ተጋድሎ እቲ ዝሃደመ ንጉስ  ዓዱ እንትምለስ ናይ መጀመርያ ቂሙ ዝገበረ እቶም ብጀግንነት ኣንፃር ጣልያን ዝተዋግኡ ህዝብን ውለቀሰባትን እዮም ነይሮም፡ ካብዞም ግዳያት እዚኦም ከዓን ህዝቢ ትግራይ ቀዳማይ ነይሩ፡፡ ሐዝውን ከምልማዶም ነንርእሶም እንትሸያየሙ ባንዳታት እንትምጎሱ ተጋሩ ግን ዳግም ተጓነዩ፡፡ሰፍ ዘይብል ግብሪ ከኸፍሉ ኣገደድዎም ብምስሌነ ከግዝኡ ፈረደሎም፡፡ ተጋሩ ግን ግፍዒ ዙይ ተሸኪሞም ክፀንሑ ኣይፈቀዱን ዝተፈላለዩ ተባራዕቲ ሕቶታት  ብምልዓል ኣንፃር  ንጉስ ሃይለስላሴ ቅልፅሞም ኣልዓሉ፡፡ ካብቶም ሕቶታት ገሊኦም -

        ንሕና ተጋሩ ሰብ ዋና ታሪክ ናይዛ ሃገር ኢና  ጎይታ ባዕልና ኮይና ብዓልና-ንባዕልና ክንማሓደር ኢና ምስሌነ ኣየድልየናን፤  

        ዕርያ ፍትሒ ርትዒ ዝዓሰላ ትግራይ ሃኒፅና ብዓልና ንባዕልና ንማሓደር ዝበሉ ጉዳያት ኣልዒሉ ትግራይ ሓራ ንምውፃእ ብረቱ ኣልዒሉ ዓመፀ፡፡

        ነዚ ተጋድሎ ዝገረሕ መስርሕ ድማ ወያነ ዓረና እዩ በልዎ በዚ መሰረት ድማ አንፃር /ስላሴ ተኳሸሑ ወለድና ብዘገርምን ብዘደንቅንብዙሕ ቦታታት ተቆፃፀሩ  እንተኾነ ግና ሰኣን መሪሕ ውድብ ኣያን ከም ኣቡኡ ሚኒሊክ ምስ ባዕዳውያን ብምሽራኽ ምስ እንግሊዝ ብምኳን  ብመሬት ክሳብ ኣፍንጭኡ ዘተዓጠቀ ሰራዊትብምዝማትብሰማይ ከዓን ናፓልን መርዛም ጋዛት ዘፃዓና ደብደብቲ ነፈርቲ ብምውፋር   ጨፍጨፍዎም 1 ወያነ ትግራይ  ብኸምዚ ኣፍሸልዎ ድሕሪ ውድቀት ቀዳማይ ወያነ ትገራይ እተን ኩለን ሚኒሊክ ዝፈፀመን ናይ ብቀላ ቅፅዓታት ብምፍፃም  ንደቂ ሠባት ዘይግባእ ቅፅዓትን መከራን ተጋሩተቀበሉ።  ካብዚ ብውሕዱ፡-

Ø    ልሙዕን ገዚፍ ተሓራሳይ መሬት  ንካሊእ ተውሃበ፡

Ø    ሠፍ ዘይብል ግብሪ ተዳዕናኖም 

Ø    ከይንማሃር ክንድንቁር ክንስደድ ጥርጡራት ፅሉኣትን ክንኮን ተገብረ ክንሓምም ክንጠሚ ክንደኪ መጠን አልቦ ተንኮል ተፈፂሞም እዮም፡፡

 ነታ ሀገር ዝኸፈልናዬ ዓዲ ናይ ምሕላው ሃርበኝነትን ልክዕ ዘይበሉ መስዋእትነትን ነዛ ሃገር ዘበርከትናዬ ጥበብ ቅርሲ ፊደል ሃይማኖትን ታሪክ መንጠሎም ናይ ባዕሎም ገይሮም 2 ዜጋ ዳሪጎምና፡፡እነደገና 3 ናይ ቁልቁለት ማረሺ ረጊፅና ተዓዘርና

 

                ህዝቢ ትግራይ እዚአ እምብአር እታ ሞሣ አልቦ ቃፀም ሃገር

 ከይኑ ግን ህዝቢ ትግራይ ናብዛ መሬት እዚአ ክምፅእ ተሎ ብዕላማ እዩ እቶም ትማሊ ንሪሞም ዝተኳሸሑ ጀጋኑ ወለድና  ዘለዐልዎ ሕቶ ግን ድማ ብዘራይ ዝተጨፍለቀ ቅዱስ ዕላማ ንፍሽለቱ ምክንያት ብምምርማር ሳይንሳዊ መልሲ ብምቅማጥ  ብዕምቆት  ገምጊሙ፡- ንምንታይፕሮጀክት ሚኒልክ  ትግራይን ተጋሩን ብቀፃልነት ዝጠፍእሉ ማእከል ገይሩ? ንምንታይ ኩሎም ስርዓታት ንትግራዋይ ተበቂሎምዎ? ንምንታይ ብዓልና ዝሃነፅናያ ዓዲ ትበቀለና አላ?

ንምንታይ  ወለድና ዘለዕልዎ ሕቶ ብጭፈፍጨፋ ተመሊሡ?  ንምንታይ ከም-2 ዜጋ ክንነብር ተፈሪዱና?

 ዝበሉ ዝዓባታት ብዕምቆት ብምርኣይ እዞም ሐደ ቋንቋ ሐደ ሃይማኖት ሐደ ባህሊ ዝበል ወነንቲ ሠረኛ ፕሮጀክት ነቶም እናተባራዩ ዝገናዘዩና ዘለው ሽዋውያን ንሐደን ንሓዋሩ ስዒርና ኣቦትኡ ባዕልና ንባዕልና ክነማሓድር ዘፍቅድ ስርኣት ንምትካልን መፍትሒኡ ድማ ዝተናወሐ ናይ ገጠር ዕጥቂ ቃልሲ እዩ  ብምባል ነቲ ብዓል ዋና  ህዝቢ ትግራይ አዕሲልካ ምቐላስ እቲ ቀንዲ ውራይ ብምግባር ብረታዊ ተጋድሎ ተጀመረ። እዚ እዩምበርኣ 2-ወያነ  መንቀሊ ኮይኑ ህዝቢ ትግራይ ከምሓደሠብ አብዚ ቅዱስ ትግራዋይ መስርሕ  ዝዓሰለ፡፡እተን መረርቲ ትሕቲ ወዲ-ኣዳም ዘትረፋና ውድቀታትን ሠለስተ  ናይ ቁልቁለት ማርሺ ማለትውን ማርሺ- ኣኽሱም ማርሺ -ዮውሃንስ ማርሺ 1 ወያነ ከይድገማሞ ንሓንሳእን ንሓዋሩን ነበረያነበረ ከይንኾን ኣንፃር እቲ ብበለፅ ናብ ስልጣን ኮረቻ መፅዩ ዘሎ ናይ ደርጊ ሓይሊውንከም ኣቦታቱ ጨና ሰብኣውን ዴሞክራሳውን መሰላት  ከምዘይብሉ ካብ ብጓሓቱ ዘፍለጠ ንሱውን ከምኣቦታቱ ጎይታ ነብስና ከይነኾን መሓውራቱን ምሰሌነታቱን ዘርገሐ፡፡   እቲ ኩነታት ከምዚ እናሃለወ እቶም ናይ ሸዑ ናዛ ሀገር ተምሃሮ ተቃዉምቲ ነዚ አብ ስልጣን ዝደየበ ሐይሊ እናጠበርካ ምፅናሕ ወይውን አብ ከተማ ብዝውላዕ ዓመፅ ክድምሰስ ዝብሉ ሕቶ ኣልዒሎም እንትቃለሡ ምሁራት ተጋሩግን እዚ ኣብ ስልጣን ዘሎሓይሊናይቲ ንዘመናት እናተባረየ ዝተጋናዘየና መግዛእቲ መቀፀልታን ንበይንና ጥራሕ ተይኮነስ ነታ ሀገርውን ሒዝዋ ዘጠፍእ ዲያብሎስ እዩ ዝብል ቅዋም ሓዙ  በዚ መሰረት ተጋሩ ምሁራት ናብ በረኻታት ትግራይ ዝወፈሩ፡፡ እቶም ምጥባርን አብ ከተማ ቃልሲ ኣጒድና ክነቃፅሎም ኢና ዝበሉ ስሑታን  ንገሊኦም ቁርሲ ንገሊኦም ድማ ምሳሕ ኢሉ እንትውሕጦም  ወያነ ትግራይ ግን ብነዊሕን መሪርን ቃልሲ ደርጊ  ድበ ምድሪ አእተዬ እቲ ኩነታት ሐዜ ብቃል ንምግላፁ ቀሊል እኳተኾነ እቲ ተግባር ተጋሩ ግን ከቢድእዩሞ ዝንተ አለም አብ ወርቂ ማህደር  ክዝግብ ግድንዩ፡፡ 

ህዘቢ ትግራይ እቲ ናይኩሉ ሽግራትና ጠበቃ ዝነበረ ደርጊ ንምድምሳስ ዝገበሮ ደማዊ ውግእ ኣዙዩ ከቢድ ነይሩ ቃልስና ንምጉዕፃፅ ተንኮል አቦታቶም ንምትግባርትግሬ ገዳይዝበሉ ተደጋጋሚ ወራራት ብምክያድ ዘርኢ ናይ ምፅናት ፕሮጀክት አካይዶምልና እዩም እዚ ንምብዳህ ግን ኩሎም ዓይነት ክፍሊት ከፊልና ኢና  አንቱም  ወለዲ፡ አሕዋት፡ አሓት፡ ደቀይ

ንገሊኲም ውሉድኩም ንገሊኲም ድማ ሓውኩም ንገሊኲም ከዓን ኣያኲም ስለዝኾንኩ እየ፡፡

 አዕፅምትና   አብ ኩሉ ጎበታት ናይዛ ሃገ ተዘሪኡ፡  ደምና አብ ኩሉ ፅርግያታት  ናይ ከተማታትን ሸንጥሮ ናይታ ሃገርን ተኻዕዩ  ውሕጁ እዩ፡፡  ቁሽታትና ባዲመን እየን ዓበይቲ ሽማግለታቲ አቦታትን አዴታትን ተዋሪዶምን ተሓሪዶምን እዮም  ነፍሠፁር አሐትና እቶም ዝወልደኦም ዕሽላት ዓብዮም  ወያነ ከይኾኑ  ብምባል ከብደን ብሣንጃ ቀዲዶም ዕሸል አብ ጫፍ ሣንጀኦም ሰኲዖም ወያነ ገዳይ እንዳበሉ ጫዲሮም እዮም  ዘስካሕክሕ ጭፈፍጨፋ ዘርኢ ናይ ምፅናት በደል ተፈፂሙና እዩ ብቀይሕ-ራዕዲ ሽም ለግለጋት  መናእሰይ አብ ጎዳናታት ተረሺኖም እዩም ወላዲ ግደያት አብሬሣ ደቆም ክስዕስዑ ውላዶም ዝቀተለት ጥይት ክትክኡን ገንዘብ ይኸፍሉን ከምዝነበሩ ናይ ቀረባ ተዘኽሮና እዩ እዚ ኩሉ መስዋእትነትን ተከፊሎዋ በደምናን አዕፅምትናን ዝነደቅናያ ሃገር ሐዚ ሁሩ ከመ ኣረዮስ ኢላ ተሣድደና አላ ተድምየና ኣላ፡፡ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝገለጽክዎ ኣነን ብፆተይን ንሜዳ እንትንወርድ ዝነበረና ዋኒን ህዝብታት ብዓሎም ንባዕሎም ዝማሓደርሉ ስርዓት ንምትካል እዩ ነይሩ እዚ ድማ ተሳኺዑ፡፡ ነዚ ንምስካዕ ድማ ሸዊት ዕድመና ከም ጕዕ ሓሪሩ እዩ እተን ኣረሒቀን ዝሪኣ  ንስሪ ኣዕንትና ዓዊረንየን እተን ደኺሙኒ ዘይፈልጣ ኣብራኽና ተሰንኪለንየን እተን ዝጽሕፋን ቃታ ዝሰሕባን ኣፃብዕቲ ውን ተቆሪፀን የን እተን ቀላፅምናውን  ተሰሊዐን እየን ኮታስ ኣምላክ ንባዕሉ ኣመሲሉ እፁብ ድንቅ ገይሩ ዝሰርሓና ደቂ ሰባት ካብ ንቡር መልከዕ ወፂና ወይ ኣርባቲዑ ማሓውርና ተሰሊዑ ከም ኩዕሶ እናንከላለና ንከድ አለና ወይ ዓይነ ብረሃና  ጠፊአን ብመራሒ ንንቀሳቀሰለና  ብኣጣቃላሊ ካብቲ ፈጣሪና ብኣምሳሉ ዝሰርሓና ወፃእ ኣናቶሚካል ቅርፅና ተመዛቢሉ እዚ ኩሉ ከፊልና ኢና እምበኣር ንበለል ኣትሪፎምዎ ዘለው፡፡ ኣነነዚ ጉዳይ ኣመልኪተ ዝፅሕፍ ዘለኲ ተጋዳላይ ካብቶም ኣብላዕሊ ዘገለፅክዎም  ዓይነት ክፍሊት ዝኸፈሉ ሓደ  እየ ኮይኑ ግና ተረፍ ሞት ዝኾነ ኣካለይውን ካብህልውና ተጋሩን ትግራይን ወፃእ ዝምነዮ ዕድመ የብለይን፡፡

 ከመዮ ክንዲ ዘኾለስኩ ኢደይ ተነኸስኩ ከይኑ 

እታ ትማሊ መላኩ ተፈራ አናሀለወ  ወዲ ከይወለድ የምክነኒ አላ  ዝመሓለት  ኣዶ ጎንደረተይቲ  ምሩፃት ከፊልና  ስርዓት መላኩ ተፈራ ሓምሺሽና ማህፀን ኣዶ ጎንደር ናብ ንቡር ዝመለሰ  ስርአት ወያነ ድሮ ተካሒዱ  ምሶኦም ተወሊዶም ምሶኦም ዝዓበዩ ተጋሩ ብምኳኖም  ጥራሕ ከካብ ዘለውዎ ተሃዲኖም  ብግፍዒ ክሕረዱ ተገይሩ እዩ፡፡ ጎንደርውን  ንካልኣይ ጊዜ ከም ይሁዳ ክሒዳትና እያ ቅድም ክብል ብዮውሃንስ ሐዚ ከዓን ብወያነ፡፡   ኣብ በተክርስትያን ናይ ዓዲ ኣምሓራ ዘገልግሉ ኣገልገልቲ ትገራዋይ ብምኳኖም ብደናጉል ተቀጥቂጦም ተቀቲለምዎ እዮም  ኣብ ዩንቨርስትታት  ዓዲ ኣምሓራ እኮ ተጋሩ ብምኳኖም ጥራሕ ብግፈዒ ተቀቲሎም እዮም፡፡ናይ ግፍዒ ግፍዖምን ብደዐኦምን ግን ናይ ዝቀተልናኩም ጋር ነብሲ ክንከፍለኩም ኢሎምና፡፡

   

 እምብአር እዚኣ እያ  ትመስል እታ ሒንዳ ዘይብላ ሃገር ብደምና ሕጊ ሃኒፅና ዘረከብና ህዝቢ ብሕገ ዐስለ የጥፉኡና ለው፤

ብሂወትና  ተቃቲና (ቀብዲ ሂብና) ዘምጻእናዮ ባይቶ ኩንተራትና ክነሐድሲና እነተበልና ደም ክትበኸዩ ኢኵም  ኢሎምና፤ ደም ዝከፈልና ማይውን ከሊኦምና፤ ዝከፈልናዮ ክፍሊት ሂወት ተጋሩ ስለዝኾነ ደመ ከልቢ ገይሮም እንተንቋሽሽዎ ተዓጊስናዮም፤ እምባኣር እዚኣ እያ ትመስል እታ ሞሳ ኣልቦ ሃገር

ሐዝውን ትግራይ ንምድምሳስ ኣዴታት ንምብካይ መናእሰይ ንምሕራድ ሙሉእ ምድላው ገይርና ኢና ኢሎምና፤

ሠለስቲአን ሰነ (ሰነ 16 ሰነ 15 ሰነ 23) ብግልባጡ መፈራረሒ ተጋሩ ኮይነን ብጥንቆላ ዝኣምን ንጉስ ሰነ ኣአዳው የወጣውጥ ኣሎ፤

ንዓመታት  መንገዲ ዓፅዮም ንብረትና ዘሪፎም ብጥምየት ለሽ ከቡሉና ምሟት ምስ ኣበናዮም ተገንጣዮች ኢሎምና፤ ተጋሩ ኣሲሮም የሳቅይዎም ኣለው ብሕሱም ስቅያት ሽባ ኮይኖም ካብ ጥቅሚ ወፃእ ይገብርዎም ኣለው፤ ብስውርባዕሎም ዘዝቀተልዎም ወያነ ቀቲልዎም ብምባል ስለዚ   ትግሬ ገዳይ ኢልካ ተልዓል ኢሎም ይጉስጉስዎለዉ፡፡

እምበኣር ነዚኦም ኢና ኩለንተናውነትና ዝኸፈልና

እቶም ትማሊ ትግራይ ንምጥፋእ ሕርዲግ ዝብሉ ዝነበሩ ሰበስልጣናት ደርግ ብሕጊ ዳኒና ዝፈታሕናዮም፤ እቶም ትማሊ ማሪኸና ዝማሓርናዮም

እቶም ትማሊ ብቋንቆም  ከይናገሩ  ብባህሎም ክሓፈሩ ሽሞም ቀይሮም ከም ካልኣይ ዜጋ ተቆፂሮም፤   ናብሮም ዝደፍኡ ዝነበሩ ደም ከፊልና ካብ ሰይጣናዊ ደርጊ  ዘገላገልናዮም፤ እንደገና ነዚ ረሲዖም ኣንፃርና ጠጠው ኢሎም ኣለዉ፡፡ እምብኣር እዚኦም እዮም በብዘመኑ ዝክሕዱ ዝበልዕሉ ፃሕሊ ዝሰብሩ ዘይጸርዩ ሽንፍላ!!!

 

  ህዝቢ ትግራይ መናእሰይ ትግራይ ደቂ ስውኣት ኩሉኲም ፖለቲካዊ ፓርቲ ተጋሩ

ሐዚ ንሶም  አብ ዝለዓለ ናይ ፅልኣት ጫፍ ከይኖም ከምዘርኢ ከፀንቱና ምድላዎም ወዲኦም ኣለዉ፡፡ እቲ ኩነታት ምስ ተፈጠረ ድዩ ዝበለ ብፃይ መለስ?

እቲ ኩነታት እምበኣር ተፈጢሩ ኣሎ !

ታይ ይመስል አቲ ኩነታት 

 እዚ ግዜ ዙይ  ንዓና ንተጋሩ ናይማን ናይ ተስፋን ፅልመትን እዋን እዩ

እወ ናይ ተስፋ ራህዋ ትምኒተ ተጋሩ ዝሳኸዐሉ ዴሞክራሳዊትፍትሕን ርትዕን ዝዓሰላ ትግራይ ንምህናፅ ግዜና ሐዚ እዩ ፡፡

        ቅኑዕ ዝተወደበ ኣብ ሪሙን መንነቱን ዘይደራደር ህዝቢ ዘለና ኢና 

        ጥዑይን ትግራዋይን ኣእምሮ ዝወነኑ መናእሰያት ዝፈጠርናሉ ሠዓት እዩ

        ሐዝኮ ወያነ ትግራይ በይኑ ኣይኮነን ኣብ ህልውና ትግራይ ዘይደራደሩ ኣሰር ወለዶም ዘየዕብሩ  ዝተወደቡ ኣማራፂ ትግራዋይ ሓሳብ ሒዞም ዝመፁ ወሊድና ኢና፡- ንኣብነት ባይቶና ዓባይ ትግራይ፡ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ሐዚ ከዓን ኣብ ቅነ ሰማእታት ምውላዳ ዘበሰረት ቆልዓ ተወሊዳ ውናት እትባሃል፤ እዛ ህፃን እዚኣ ሐዚ ህፃን ፅባሕ ከዓን ፃምእ ተጋሩ እተርዊ ናይ ናፅነት ቀንዲል እያሞ በዚ ኣጋጣሚ እዚ ዮውሃና እበለካ ህዝቢ ትግራይ ፡፡  ኣብቲ ሀገር ኩሉ ድማ ወድዓዊ ኩነታት ተማሊኡ እዩ ግን ድማ  ህዝቢ ትግራይ  እቲ ግዜ ናይ ፅልመት ዘመን ውን እዩ ክብል ተለኩ እቶም ናወደቅናን እናተልዓልናን እንሸጋገሮም ዝነበርና ሠለስተ ናይ ቁልቁለት ማርሺን  እቲ ናይ ሐዚ ገጢሙና ዘሎን ብባህሪኡ ዝተፈለየ እዩ፡፡ሐዚ እንጋገዮ ጌጋ ንራብዓይ  ጊዜ እንረግፆ ናይ ቁልቁለት ማርሺ ሓመድና ነጊፍና ንላዓለሉ ዘይከነስ ንሓንሳእን ንሓዋሩን ትግራይን ተጋሩን ካብ ምድረ ገፅ እዛ ፕላኔት ዘወግድ እዩ፡፡

        ሠለስቲኦም ኮረና ተናቢቦም ብውሕሉል መንገዲ ይዋጉኡና ኣለዉ እዮም

        ኩሎም ናይ ትምከሕቲ ሚድያታት ዩቲዩብ ሓዊሰካ ኣንፃርና ይረባረቡለዉ እዮም

        ቀሊል ዘይባሃል ህዝቢ ብስብከት ተደናጊሩ እዩ፡፡ ስለዙይ

        ህወሓት፤ ባይቶና፤ ሳወት፤ ውናት ንትግራይ ግን ብዝተፈላለየ መንገዲ ክትዓስሉ ንፅውዕ

        ኣነን ብፆተይን ግን ካብ ብሱል ጥረ ከምዝባሃል ውፃእ መዓት ኢናሞ እታ ብሓይሊ ኣምላክ ዝተረፈት ኣካል  ካብ ትግራይ ወፃእ ከሊእ ዋኒን ስለዘይብልና ናብቶም ሰማእታት  ኣሕዋትናን ኣሓትናን ክንሕወስ ኣብ ቀዳማይ ኦቸለኒ ክንስለፍ ብስመይን ብስም ገዳይም ሃረበኛታት ተጋደልቲ ወያነ ትግራይ ይፅውዕ፡፡

        እቶም ኣብ ቅድሜና ተገቲሮም ዘለው ናይ ድኸነት ዋርድያ ዝኾኑ ሠለስተ ፀላእቲ ኮቪድ 91( ኢሳያስ) ኮቪድ10  (ኣብይ) ኮቪድ 19 (ቫይረስ) ምስዘለዎም ተቀያያሪ ባህሪን ሃደገኝነቶምን ኣዝዩ ከቢድ ስለዘገብሮ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ብልሓትን ጥበብን ዝተመልኦ ሓድነትን ስምረትን ዝገርሖ ቆራፅነትን ውፍይነትን ዝቃነዮ ኣግባብ ቃልሲ ክንክተል ይግባእ፡፡

 

ተፅሓፈ ካብ ኣብ ትሕቲ ፀላኢ ዝነብር ዘሎ ገዲም ተጋዳላይ     

Back to Front Page