Back to Front Page

ብሱሩ′ባ ልምዓታዊ መንግስቲ እንታይ ማለት ድዩ? ልምዓታዊ መንግስቲ ንክፍጠር ኣበርክቶ ዝገብሩ ኩነታት ከ እንታይ እንታይ ድዮም?

ብሱሩባ ልምዓታዊ መንግስቲ እንታይ ማለት ድዩ? ልምዓታዊ መንግስቲ ንክፍጠር ኣበርክቶ ዝገብሩ ኩነታት ከ እንታይ እንታይ ድዮም?

‹‹ዝኾነ ኾይኑ ስገም ተኸናኸኑ›› ዶ በሉ! - እንሆ ፅሟቝ ንባብ ልዕሊ 6ተ ዓመት

ሕሉፍ ሓጎስ[1]

25/12/2012 ዓ.ም.

ንፈለማ ትግራይ ዓድና ኣብ ወሳኒ ኩነታት ኾይና ንኽተካይዶ ተሊማቶ ዘላ 6ይ ዙር ክልላዊ መረፃ ዕውት ንክኾን እናተመነኹ ኣብዚ ታሪካዊ መረፃ ንክሳተፉ ኣብ ሓፂር እዋን ብዝገርም ኩነታት ተወዲቦም ንትግራይ ኣማራፂ ውዳበታት ብምዃን ትግራይ ናብ ዝላዓለ ብርኪ ምዕባለ ክወስዳ ይኽእል እዩ ኢሎም ዝኣመንሉ ሓሳባት ሒዞም ብውሕሉል ኣገባብ ዝገልፁ ዘለው ውድባት ምስጋናይን ኣድናቆተይን ክገልፅ እፎቱ፡፡ እዚ ሓፃር ፅሑፍ ድማ እቲ ፅቡቅ ዝኾነ ጅማሮ መድረክ ክርክር ምረፁኒ መሰረት ዝገበረን እቲ መድረክ ብዝበለፀ ንክምዕብልን ተመሪፁ በትረ-ስልጣን ንዝሕዝ ውድብ/ውድባት ተወሳኺ ሃፍቲ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም ኢለ ዝሓስቦም ነጥብታት ንምምልኻት ዝዓለመ እዩ፡፡ ብኣውርኡ ድማ ልምዓታዊ መንግስቲ እንታይ እዩ? ልምዓታዊ መንግስቲ ንኽፍጠር ኣበርክቶ ዝገብሩ ኩነታት ከ እንታይ እንታይ እዮም ? ኣብ ዝብል ዘድሃበ እንትኾን ሶሻል ዲሞክራስያዊ ልምዓታዊ መንግስቲ ዝበሃል እውን ከምዘሎ እናጠቆምኩ ኣብዚ ፅሑፈይ ግና እቶም ጠቐምቲ ዝኾኑ ቅፅላት ማለት እውን ዲሞክራስያዊ፣ ሶሻል ዲሞክራስያዊን ባይቶኣዊን ዝብሉ ትኹረተይ ከምዘይኾኑን ካሊእ እዋን ዝምለሶም ምዃነይን ክሕብረልኩም ይፈቱ፡፡ 

Videos From Around The World

ነዞም ሕቶታት ንከልዕል ዘኽኣለኒ ቀንዲ ምክንያት ድማ ልምዓታዊ መንግስቲ ዝበሃል ነገር (ነገር ዝብል ቃል ኾነ ኢለ ዝተጠቀምክዎ ምዃነይን ኣብ ታሕቲ ክበርሃልኩም ምዃኑን እናሓበርኩ) ኣብዚ ናይ ምረፁኒ መድረክ ኾነ ቅድሚኡ ኣብ ፖለቲካ ውድብ ዝሳተፍ ይኹን ዘይሳተፍ፣ ተራ ኪኢላ ይኹን ሓላፊ እኹል ጊዜ ሂብና ዘይተረዳእናዮን ንተግባራዊነቱ ብውነ ዘይንነጥፍን ምዃንና ንልዕሊ ሹድሽተ ዓመት ዝገበረ ዝተደመረ ትዕዝብቲ ስለዘለኒ እዮ፡፡ እቲ ዝገርም ድማ ትዕዝብተይ ብዕሊ ዝጀመርኩሉ ከምዚ ሀዚ ወርሒ ነሓሰ ኾይኑ ብ2006 ዓ.ም(2014 ዓ.ም.ፈ) ኣብ ሃገረ ጀርመን እትርኸብ ሊንዳው እትባሃል ንኡሽተይ፣ ፅብቅትን ታሪካዊትን ከተማ እዩ፡፡ እዚ ፍሉይ ቦታ በቢ ዓመቱ ኣብ ዙርያ ተፈጥሮ ሳይንስ ከምኡ ድማ ብኢኮኖሚክስ በቢ ኣርባዕተ ዓመት ብሞይኦም ኣዝዮ ልዑል ኣበርክቶ ዝገበሩ ናይ ኖቤል ሎሬት ተሸለምቲ ዝኾኑ ሙሁራትን ካብ ኩሉ ዓለም ብውድድር ዝተመረፁ መናእሰይ ተመራመርትን ተምሃሮን ተራኺቦም ፍልጠት ዝካፈሉሉን ምዕባለ ዛዕባታት ምርምር ዓለምና ብምምልኻት ተወሳኺ ጉልበት ዝፈጥሩሉን መድረኽ እዩ፡፡ ኣነ ድማ ብታሪክ ኣጋጣሚ ናይዚ በረከት ተካፋሊ ዝነበርኩን ብዛዕባ ናይ ዓድና ናይ ልምዓት ኣንፈት ብዝገርም መልክዑ ካብ ኣንደበት ኖቤል ሎሬት ጆሴፍ ስትግሊቲዝ ዝሰማዕኩሉን መድረክ  እዮ ነይሩ፡፡

ኣብ ጉኒ ጆሴፍ ስትግሊቲዝ ተቀሚጦም ዝነበሩ መናእሰይ ተመራመርቲ ብዛዕባ ልምዓት እንትሓትዎ ካብ ኣፍሪካ ብተለይ ካብ ኢትዮጵያ፣ቦትስዋና ወይም ሞርሽየስ ወይካዓ ካብ ህንዲ ዝመፃኩም ኣለኩም ዶ? ዝብል ሕቶ ብምልዓል ኣብዚ ሀዚ እዋን ዘይለምዓ ሃገራት ክለምዓሉ ዝኽእላ ኣንፈት ልምዓት ኣብዘን ዝጠቐሰን ሃገራት ዝመላኸት ምዃኑን ንቐፃልነቱ ግና ንቑሕ ክትትልን ጥንቃቀን ዝሓትት ምዃኑ እንትገልፅ ኣነ ብሓደ ወገን ሓበን ብካሊእ ወገን ድማ ኣብ ላዕለዋይ ብርኪ ስልጣን ኢ.ህ.ወ.ደ.ግን ዝመርሖ መንግስትን ዝርከቡ ሰባት ጀሚሩ መብዛሕቲና ክንድቲ ዝድለ ዘይንርድኦን ዝጎደሎ እናወሰክና በቢ ከባቢና ኣናማዕበልና ተጠቀምቲ እንኾነሉ ሃዋህው ኣብ ምፍጣር  ኣዕጋቢ ንጥፈታት ዘይንገብር ምዃና ብዕሊ ዝተዓዘብኩሉን ዘሰክፍ ስምዒት ዝተሰመዐኒን እዋን ነይሩ፡፡ ብድሕሪኡ ነዚ ትዕዝብቲ ብዝተወሰነ መልክዑ ኣብ ዝተወሰነ እዋን ክፈትሕ ይኽእል እዩ ብምባል ዓውደ ትኹረት ተወሳኺ ስርሐይ ብምግባር ኣብ ዙርያ ልምዓታዊ መንግስቲ ዝፀሓፉ ፅሑፋት ንምንባብን ምስ ኩነታት ሃገርና ብፍላይ ድማ ምስ ውድብ ህ.ወ.ሓ.ት ዘለዎ ዝምድና ንምንፅፃርን እናፈተንኩ መፂአ እየ፡፡ ዓውደ ትኩረተይ ድማ መንነትን አመፃፅኣን ልምዓታዊ መንግስቲ፣ ልምዓታዊ መንግስታት አብ 21 ክፍለ ዘመን፣ ኣመራርፃን ህንፀትን ዲሞክራሴያዊ ልምዓታዊ መንግስቲ አብ ኢትዮጵያን ምስ ካልኦት ሃገራት ዘለዎ ርክብን ፍልልይን፣ ልምዓታዊ መንግስቲ ንክፍጠር አስተዋፅኦ ዝገብ(በ)ሩ ኩነታትን ዘድሃበ እንትኾን ኣብዛ ሓፃር ፅሕፍቲ ንመእተዊ ጥራሕ ዝኾን ኣብ ዙርያ ልምዓታዊ መንግስትን ልምዓታዊ መንግስቲ ንክፍጠር ኣበርክቶ ዝገብ(በ)ሩ ኩነታትን ምስ ህሉው ኩነታት ክልልና ብምዝማድ ከመላክት ክፍትን እየ፡፡ ሰናይ ንባብ!

I. ኣብ ዙርያ ልምዓታዊ መንግስቲ ዝለዓሉ ቀንዲ ነጥቢታት፡- ቶዳሮን ስሚዝን ዝበሃሉ ፍሉጣት ፀሓፍቲ መፃሕፍቲ ኢኮኖሚያዊ ልምዓት ከምዝገለፅዎ መርአያ ዝበሃሉ ልምዓታዊ መንግስቲታት ከማልእዎም ዝግበኦም ነጥብታት ብግልፂ ዘቐምጥ ንድፈ-ሓሳብ/theory/ ክሳብ ሎሚ የለን፡፡ ኾይኑ  ግና ሙሁራት ከም ናይ ሓባር መረዳድኢ ገይሮም ዝወስድዎ ነጥቢ ንጡፍ መንግስታዊ  ኢድ ኣእታውነት ዘለዎ ኢኮኖሚ ወይካዓ መንግስቲ ዝመርሖ ከይዲ ህንፀት ኢኮኖሚያዊ ስርዓት ነፃ ዕዳጋ እዮ ክብሉ ይርአዩ፡፡ ፔትን ሃረተቪክን (2009፣63-64) ዝተብሃሉ ሙሁራት ከምዝገለፅዎ  ድማ  ልምዓታዊ መንግሰቲ ጎኒ ንጎኒ ኬይኔዥያኒዝም ምርዳእ ዝከኣል ኮይኑ ብብዙሓት መንገድታት ዝፍለ አመራርሓ ኢኮኖሚያዊ ልምዓት እዩ ይብሉ፡፡ ኬይነስ ዋላኳ መንግስታዊ ሶሻሊዝም ይፃረር እንተነበረ ናይ መንግስቲ ግዴታ ካብ በጀት ምምጥጣን ክሓልፍ አለዎ ብምባል መንግስቲ ኣብ ጊዜ ምዝሕሓል ኢኮኖሚ  በጀት ክውስኽ እምበር ክቕንስ የብሉን ኢሉ ይሙግት ከምዝነበረን  አብ 1944 ዓ.ም.ፈ አብ ዝተገበረ ኮንፈረንስ ብሪተን ውድስ/Bretton –Woods/ ቅቡል ከምዝገበርዎወን ንናይ እንግሊዝ ‹‹welfare state›› ኣበርክቶ ከምዝገበረን ኦሊዋፌሚ ዝተብሃለ ሙሁር ብ2012 ዓ.ም.ፈ “Globalization: The politics of Global Economic Relations and International Business” አብ እትብል ፅሕፍቱ ጠቒስዎ ይርከብ፡፡

ዋላ’ኳ ብዙሓት ሃገራት ብመንግስቲ መሪሕነት ኢኮኖሚያዊ ልምዓት ዘረጋገፃ እንተሃለዋ ልምዓታዊ መንግስቲ ዝብል ፅንሰ-ሓሳብ ዝውቱር ዝኾነን ሙሁራዊ ክትዕ ዝማዕበለሉን ግና ናይ ሃገራት ደቡባዊ ምብራቅ ኤስያ ፈጣን ኢኮኖሚያዊ  ልምዓት ንምርዳእ አብ ዝተገበሩ መፅናዕቲታት እዩ፡፡ ልምዓታዊ መንግስቲ ዝብል ፅንሰ-ሓሳባዊ ትንተና ንመጀመርያ ጊዜ ብሳይነሳዊ መንገዲ ፅሒፉ ናብ ሕትመት ዘብቀዐ ሙሁር ድማ ፍርድሪች ሊስት ዝተበሃለ ጀርመናዊ ፖለቲካል ሳይንትስት እንትኾን ብሰፊሑ  ሙሁራት ክጥቀሙሉን  ናይ ምርምር ዛዕባ ኾይኑ ጎሊሁ ዝተርአየሉን ግና  ቻልመርስ  ጆንሳን  ዝተብሃለ ምሁር  "MITI[2] and the Japanese Miracle" ብዝብል ርዕሲ ዝፃሓፋ  ፅሕፍቲ ብ1982 ዓ.ም.ፈ  ካብ  እትሕተም ንዳሓር እዮ፡፡  ብ1904 ዓ.ም.ፈ  ፍርድሪች ሊስት " The national system of political economy" አብ እትብል ፅሑፉ ጀርመን ዓዲ እንግሊዝ ዝበፅሐቶ ምዕባለ  ብሓፂር እዋን ክትበፅሖ እትኽእል  መንግስቲ ዝመርሖ ምሕደራ ልምዓት እንተተኸቲላ  እዩ ዝብል ክትዕ  አቕሪቡ እዩ፡፡ ጆንሳን  ድማ  ብ1982 ዓ.ም.ፈ ጃፓን ልምዓታዊት መንግስቲ ኮይና ትርአ አላ፣ MITIን ግልፂ ዝኾነ ናይ ኢንዱስትሪ ፖሊስን ብምጥቃም አብ መንጎ መንግስትን ሰብ ውልቀ ሃፍትን  ፍሉጥን ስጡምን ርክብ ብምፍጣር ስሉጥ ዕብየት ተመዝግብ አላ ብምባል ንዓለም ኣጋዊሑ እዩ፡፡

ብሓፈሻ ድማ ፔትን ሃረተቪክን (2009 ዓ.ም.ፈ) ከምዝብልዎ ዘይማዕበላ ሃገራት ዝማዕበላ ሃገራት ዝበፅሐኦ ብርኪ ምዕባለ ንምብፃሕ ( in catching-up position) መንግስታት አብ ዝተፈላለዩ ኢንዱስቲሪታት መርአያ ዝኾና ትካላት ብምህናፅን ቀስ ብቐስ ድማ ናብ ውልቀ ሰብ ሃፍቲ ብምምሕልላፍን ከምኡ እውን ዝተፈላለዩ  ሓገዛት ብምሃብ ክጥንክሩ ምግባር ሓዊሱ አብ መንጎ ቁልፊ ዝኾኑ ኢንዱስትሪታት ዘይጠቅም ውድድር  ንምኽልካል፣‹‹economies of scale›› ንምርግጋፅን ሳይነሳዊ ምሕደራ ንምትእትታውን መሰረት ዝገበረ ‹‹cartels and mergers››[3] ዘበረታትዕ ኣንፈት ዝኽተል መንግስቲ ብምባል ንዓለም ኣንቢቦም እዩም፡፡ መረዳእታታትን ሓበሬታታትን ከምዘመላኽትዎ ድማ  ሃገረ ጃፓን ድሕሪ ካልኣይ ኩናት ዓለም ዘርኣየቶ ልምዓትን አብ ምብራቃዊ ኤስያ አብ ቀረባ እዋን ዝማዕበላ ሓደሽቲ ሃገራትን መንግስታተን አብ ናይ ሃገራዊ ህንፀት ሓይሊ ሰብን ምፍጣር ቲክኖሎጂያዊ ዓቅምን ባዕልቶም ዝመርሕዎ ትምህርቲ፣ ስልጠናን ፅንዓትን ምርምርን ሓዊሱ ንውልቀ ትካላት ዝተፈላለዩ ሓገዛት ብምሃብ ልዑል አበርክቶ ገይሮም እዮም(አምሰድን፣2001; ቻንግ፣2002)::   

ኾይኑ ግና ብዛዕባ ልምዓታዊ መንግሰቲ ዝድህስሱ ብዙሓት ፅሑፋት ‘‘ልምዓት’’ ዝብል ፅንሰ-ሓሳብ/concept/  ብልምዓታዊ መንግስቲ መነፅር እንታይ እንታይ ዘማልአ መንግስቲ ምዃኑ ብዙሕ ትኩረት አይህብሉን ነይሮም፡፡  ከም ስምምዕ ግና ንነዊሕ እዋን ቀፃልነት ዘለዋ ኢኮኖሚያዊ  ዕብየት ዘረጋገፀ መንግስቲ ልምዓታዊ  መንግስቲ  ኢሎም ክፀርሕዎን “growth, living standards, legitimacy”  ዝብሉ ቃላት  ክጥቀሙን ብሰፊሑ ይስማዕ ነይሩ እዩ ፡፡  እዚ ዓይነት አረዳድኣ ድማ መንግስታት ልምዓታዊ እዮም ወይም አይኾኑን ኢልካ አቀዲምካ እትርደአሉ መንገዲ ከምዘይብሉ ብምሕባር ሳይነሳዊ ትንተና ንምሃብ ዘኽእል አረዳድኣ ማለት እውን መንግስታት ልምዓታዊ ኾይኖም ነገር ግና ብዝተፈላለዩ ካብ ቁፅፅሮም ወፃኢ ዝኾኑ ምክንያታት  ኢኮኖሚያዊ ልምዓት ከረጋግፁ ዘይከአሉ መንግስታት ዘጠቓልል ትርጉም ዝሓዘ ክኾን  ከምዘለዎ ሙሁራት የረድኡ ( ፍሪትዝን መኖካልን 2007፣ 534፤ ምካነዳዌር 2001፣ 290)፡፡ ከምዚ ዓይነት አረዳድኣንግስታት ልምዓታዊ ፖሊስታት ንምኽታል ዘለወን ፖለቲካዊ ውፍይነትንዞም ፖሊሲታት ውፂኢታማዝኾነ መልክዑ ንምምራሕ ዘለወን ናይ ምፍፃም ዓቕመንን አወዳድበአንን ፈላሊካ ምርኣይ ከምዘኽእል ይእመን (ሮውትለይ 2012) ፡፡ በዚ መሰረት ሃገራት ልምዓታዊ መንግሰታት ዘረጋገፃ ወይም ከረጋግፃ ዘይኽእላ መንግስታት ኢልካ ንምውሳን የኽእል እዩ፡፡

ንኣብነት መንግስታት ልምዓታዊን ዘይልምዓታዊን ምዃነን ክትፈልየሉ እትኽእል ሓደ ረቋሒ  ሃገራት ናይ ኢኮኖሚ ምንቅስቓሰን ካብ ትሑት ዋጋ ናብ ዝለዓለ ዋጋ ዘለዎ ንጥፈታት ንምስግጋር(‘upgrade’) ዘለወን ዓቕሚ ምዃኑ ተሓቢሩ እዩ፡፡ ዶነር፣ ሪቺኤና ስላተርን (2005328) ከም ዝሕብርዎ ደቡብ ኮርያ፣ ሲንጋፖርን ታይዋንን ካብ ብሓያል ፍጥነት ዝዓብያ ዝነበራ ኣርባዕተ ሃገራት ሕብረት ደቡብ ኤስያ ማለት እውን ማሌዥያ፣ ታይላንድ፣ ፊሊፒንስን ኢንዶኔዝያን ዝፈልየን አከያይዳን ዕውታት ልምዓታዊ መንግስቲ  ዝገበረንን ካብ ትሑት ዋጋ ናብ ዝለዓለ ዋጋ ዘለዎ ንጥፈታት ኢኮኖሚ ንምስግጋር (‘upgrade’) ዝገበረኦ ምርብራብ እዩ፡፡ ብኻሊእ አበሃህላ  ኢቫንስ (19957-8) ከምዝጠቐሶ  ናይ ልምዓታዊ  መንግስቲ ዓላማ አብ ላዕለዋይ ብርኪ ዓለም ለኸ  ሰንሰለት ክፍፍል ሓይሊ ሰብ ምርካብ እዩ፡፡ ብኻሊእ ወገን ግና ታይሎር (200554) ከምዝሕብሮ ከምዚ ዓይነት ትርጉም ምሃብ ዋላኳ ናይ  “upgrading” ጥቅሚ እንተተሓረየን ፅቡቕ እንተኾነን ትርጉም ልምዓታዊ  መንግስቲ  ከምዘፅብቦ  ምርዳእ የድሊ፡፡ በዚ ትርጉም  ከምኒ ቦትስዋና  ዝመሰላ ሃገራት እውን  ከም ልምዓታዊ መንግስቲ አይረአያን፡፡ እንኳን “upgrade”  ክገብራስ  መሰረት ኢኮኖሚ ዕብየተን ዝተፈላለየ ንጥፈታት ኢኮኖሚ ዝነገሶ  /diversify / ንክገብራ  አብ ሓያል ጦርነት እየን ዝርከባ፡፡

ብኻልእ ወገን ድማ ልምዓታዊ መንግስቲ ካብ ፅንሰ-ሓሳብ (concept) ሓሊፉ ብሞዴል መልክዑ ክግለፅ ከምዝክእል  ጆንሳን 1999 .. "The Developmental State: Odyssey of a Concept" አብ እትብል ፅሑፉ አመላኪቱ እዩ፡- ‹‹…In the abstract the developmental state refers to the synthesis of otherwise very particular specifics of each East Asian case into a model, an ideal type, of the developmental state››.

ስለዚ ብሓፈሻ እንትርአ ዝርዝር መግለፂ መንነት ልምዓታዊ መንግስቲ ወይም ምስ ልምዓታዊ መንግስቲ ዝዛመዱ ሓሳባት ዋላ ካብ ሙሁር ናብ ሙሁር ዝፈላለዩ እንተኾኑን "ሰናይ-ምምሕዳር" ዝብል ፅንሰ-ሓሳብ አብ ቀረባ እዋን "buzzword" እናበሉ ከምዝገልፅዎ ከይኾን ስግአት እንተሃለወ  አብ ዙርያ  ልምዓታዊ መንግስቲ ዝተፅሓፉ ፅሑፋት ብምድህሳስ መግለፂ መንነት ልምዓታዊ መንግስቲ ኣርባዕተ (4) ነጥብታት ክምዘን ከምዝካኣል ላውራ ሮውትለይ 2012 ዓ.ም.ፈ ኣቅሪባ እያ፡፡ ንሳቶም እውን ፡- ( 1)ብቁዕን ገለልተኛን  ነገር ግ  ምስ ማሕበረሰብ  ጥቡቅ ርክብ  ዘለዎ  ቢሮክራሲ  (ኢቫንስ፣1995)፣ (2) ፖለቲካዊ ምሕደራኡ ናብ ልምዓት ዘድሃበ መንግስቲ( ሙሳምባ 2010፣ ፍሪትዝና መኖካልን 2007)፣ (3) አብ መንጎ ዝተወሰኑ መንግስታዊ ትካላትን ዋና ኢንዳስትሪያል ሰብ ሃፍትን ጥቡቅ ርክብን መብዛሕቲኡ ግዜ ክሊቲኦም ወገናት (መንግስትን በዓል ሃፍትን) ተጠቀምቲ ዝኾንሉ ኩነታት ምፍጣርን (ጆንሳን፣1982፣1987)ን (4) ዕብየት ዘተባብዑ ዕውታት ናይ ፖሊሲ ለውጥታትን ( ዋደ 1990፣በኢሶነ፣2004) እዮም፡፡ ካብዞም ኣርባዕተ (4) ነጥብታት ብምብጋስ  ላውራ ሮውትለይ (2012) ልምዓታዊ መንግስቲ ማለት ብሓፂሩ ከምዚ ዝስዕብ  ትገልፆ፡ - ልምዓታዊ መንግስቲ ማለት ልምዓታዊ ራዕይ ዝሰነቐን አነፂሩ አብ ዝሓዞም ዘርፈታት ውፂኢታዊ ክገብሮ ዝክእል እኹል ዝኾነ ናይ መንግሰቲ ዓቅሚ ዘለዎን እዚ ዓቅሚ ድማ  ኢኮኖሚያዊ ዕብየት ንምርግጋፅ ፀንቂቁ ክጥቀመሉ ዝወሰነን ዘተግብርን መንግስቲ እዩ፡፡

II. ልምዓታዊ መንግስቲ ንክፍጠር ኣበርክቶ ዝገብ(በ)ሩ ኩነታት፡- ልምዓታዊ መንግስቲ ሰፊኑለን ተባሂሉ ዝእመነለን ሃገራትዝተፈላለየ መንገዲ ስለዘርአያን ዝተበገሳሉ ኩነታት ዝተፈላለየ ስለዝኾነን ንኩሉ ብሓደ ድምፂ ዘሰማምዕ የለን፡፡ ነገር ግና እቶም ቀንዲ ቅድመ ኩነት ነይሮም ዝባሃሉ እዞም ዝስዕቡ እዮም፡፡

1. ብወፃኢ ሓይልታት ተገዚአን ምንባረን/The colonial experience/

ደቡብርያን ታይዋንን በዚ ተጠቀስቲ እየን፡፡ ጃፓን ሒዛትለንመፀት ትካላዊ መስርሕን ልምምድን በተለይ ድማ መንግስታዊ መዋቅርን ትካላትን/state structure and institutions / ሰንሰለት ርክብ ቢዝነስን መንግስትን /the pattern of business-government relations/ ምቅፃሉ ተጠቃሲ እዩ(ሃጋርድ፣ካንግን ሞንን፣867)፡፡ ነገር ግና (200731) ኔዘርረላንድ አብ ኢንዶኔዥያ ብዙሕ ልምዓታዊ ዝባሃል ትካላዊ መስርሕ ከይተከለት ምኻዳ ብምጥቃስ እዚ ነገር ብጥንቃቄ ክንነሪኦ ከምዘለና ይሕብር፡፡ ከምዝብሎ ደቡብ ኮርያ እውን እንተኾነ ዋላ እቲ ግዝኣት አበርክቶ እንተሃለዎ እቲ ቀንዲ አበርክቶ ልምዓት ኮርያ ናይ ኮርያ ሙሁራት/ሊህቃን/ እብ መንጎኦምን ምስ ሓፋሽ ህዝብን ድሕሪ ነፃነት ምርካቦም ዝገበርዎ ስጡም ርክብ እዩ፡፡

2. ጂኦ-ፖለቲካዊ ኩነታት/Geo-political context – the Cold War/

ብዙሓት ሙሁራት ከምዝሰማምዕሉ ዕውት ዝኾነ ልምዓታዊ መንግሰቲ ዝወነና ናይ ምብራቅ ኤስያ ሃገራት/ታይዋን፣ደቡብ ኮርያን ጃፓንን/ አብ ጊዜ ዝሑል ኵናት ዓለም ንኣሜሪካ ስትራቴጂክ ጠቀሜታ ስለዝነበረን ናይ ዲፕሎማቲክ፣ፋይናሲሻልን ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ናይ ወታደራዊ ሓገዛትን ይረኽባ ነይረን እየን፡፡ ብኣውርኡ ድማ እዘን ሃገራት ዘፍረይኦ ምህርቲ እብ ናይ ኣሜሪካ ዕዳጋ ንክሸጠኦ ሓገዝ ረኺበን እየን(ፕመፕል 1999177)፡፡ ንኮርያን ታይዋንን ድማ ናይ ጃፓን ዕዳጋ ተወሲኹወን እዩ፡፡ ብተወሳኺ ዋላ ማዕረ ዝኾነ ጂኦ-ፖለቲካዊ ትሕዝቶ አይሃልዎ ሞርሽየስ ምስ አውሮፓ ሕብረት ብምድርዳር ዝረኸበቶ ናይ ዕዳጋ ተጠቃምነት ብአንፃራዊ ዕውት ዝኾነ ኢንድስትሪያላይዜሽን ንክህልዋ ከምዝሓገዛ ሜይስንሄለድር (1997283) ይገልፅ፡፡

ብተወሳኺ ዋላ ተሓሲብሉ እንተዘይኾነ ክም ውግእ ኮርያን ቪትናምን ንጃፓን፤ውግእ ቬትናምን አብ ማእከላይ ምብራቅ ዝተፈጠረ ናይ ምህርቲ ምስሳን ዘይቲን ንደቡብ ኮርያ ከምኡ እውን የን/yen/ ምጥንካሩን ምስኡ ተተሓሒዙ ዝመፀ ጥቅምን ንደቡብ ኮርያን ታይዋንን አዐዊትወን እዩ( ሞንን ፕራሳድን 1994370)፡፡

3. ስግአት ብሄራዊ ድሕንነት/ National security threats/

መብዛሕቲኡ ጊዜ ብዝሐሸ ደረጃ ሙሁራት/ሊሂቃን/ ነኒባዕልቶም ክተሓባበሩን ንልምዓት ውፉያት ክኾኑን ዝርአዩ በሰንኪ ውሽጣውን ደጋዊን ሓይልታት ብሄራዊ ድሕንነት አብ ስግኣት እንቲአቱን ናይ ሃፍቲ ውስንነት እንትህሉን እዩ (ዶነር፣ሪትቼን ስላተረን 2005፣ ሌፍትዊች 2008፣12ን ፍሪትዝን መኖካልን 2007፣534) ፡፡ ነገር ግና ከምዚኦም ዝበሉ ነገራት ምፍጣሮም ጥራሕ ዘይኾነስ መንግስትን ሙሁራትን/ሊህቃንን/ ዝሃብዎ ግብረ-መልሲ ወሳናይ ምዃኑ (2007) ጠቂሱ እዩ፡፡ እንታይ ዓይነት ፖለቲካዊ ጥምረት/political coalition/ ወይም እዚ ሲዒቡ ዝተፈጠረ ርክብ ሙሁራትን/ሊሂቃትን/ መንግስትን ወሳኒ ከም ምዃኑ ሙሁራት ይጠቕሱ፡፡

4. ናይ ሕርሻ ፖሊስን ናይ መሬት ሪፎርምን/Agricultural policies and land reform/

ኬስ ቫን ዶንጌ፣ሄነለይን ለዊስ 2009 .. አብ ዝገበርዎ መፅናዕቲ ንፅፅር ከይዲ ልምዓት አፍሪካን ምብራቅ ኤስያን ከም ዝሕብርዎ ውፂኢታማ ፖሊሲ ርሻን  ሪፎርም አጠቃቅማ መሬትንህላው ልምዓታዊ ኢንዳስትርያል መንግስቲ ንክፍጠር ወሳኒ ግደ አለዎ፡፡ አብ ምብራቅ ኤስያ ፖሊሲ ሕርሻን ገጠር ልምዓትን ናይ ገጠር እታወትን ኩነታት መነባብሮን ብቀጥታ ክዓቢ ብምግባር ድክነት ብሰፊሑ ከምዝቀነሰን ብተዘዋዋሪ ድማ ንኢንዱስትሪ ልምዓት ምቹው ኩነታት ፈጢሩ እዩ፡፡ ነገር ግና  ፖሊሲ ሕርሻን ገጠር ልምዓትን ውፂኢታማ ንክኾን ግዴታ  ምርግጋእ ማክሮ ኢኮኖሚን ሰለስተ (3ተ) ናይ አተገባብራ ስትራቴጅን - “Outreach”, “urgency”, and “expediency” ክህሉ ከምዝግብኦን እዚ ድማ አብ ምብራቅ ኤስያ ከምዝተርአየን አቶም ሙሁራት ሓቢረሮም እዮም፡፡

III. ልምዓታዊ መንግስቲ አብ ክልልናን ኢትዮጵያን ብሓፂሩ፡- ወይስ ዝተብሃለ ፃሓፊ 2016 ዓ.ም.ፈ ክምዝሰነዶ ድሌት ምንጋስ ልምዓታዊ መንግስቲ አብ ኢትዮጵያ ዝጅምር ናይ ደርጊ ስርዓት እንትወድቅ ከባቢ ኾይኑ ብህ... መሪሕነት አብ ሃገረ-ሰላም ናይ ቢዝነስ ኮሌጅ ክምስረት አብ ዝተወሰነሉ እዋን ምዃኑ ተሰኒዱ እዩ፡፡ እቲ ኮለጅ ድማ ብዙሓት ስራሕቲ ሌኒን፣ ዝተፈላለዩ ውፂኢታት መፅናዕቲ ሶሻሊስት አብዮት አልባኒያን ፖሊሲ ኢንዱስትሪ ደቡብ ኮርያን ንንባብ ከምዘቅረበ እውን ተጠቂሱ  እዮ፡፡ ኢትዮጵያ ናይ ቀረባ እዋን ታሪክ ዝኾነ ምዕባለ ቻይና ግልፂ አብነት ብምግባርን ካብ ከይዲ ልምዓት ደቡብ ኮርያ፣ታይዋንን ጃፓንን ዝተፈላለዩ ልምድታት ምስ ሃገራዊ ኩነታታ ክተጣዓዕም እናፈተነት ካብ 1994 ዓ.ም ንዳሓር ፖሊስታት፣ስትራቴጂታትን ትልምታትን እናሓንፀፀት ስሉጥ ልምዓት ድማ እናሳለጠት መፂኣ እያ፡፡ ክልላት እውን ዋላኳ  ፊደራል መንግስቲ ዘውፀኦም መብዛሕቲኦም ፖሊሲታት፣ስትራቴጂታትን ትልምታትን ከም ማዕቀፍ ጥራሕ ገይርካ ኣብ ምውሳድን ንክልለን ዝመስል መረዳእታ መሰረት ዝገበረ ፖሊሲታት፣ስትራቴጂታትን ትልምታትን ኣብ ምውፃእን ምትግባርን ዓብዩ ክፈተት ዝነበረ ምዃኑን ካብቲ ፈተነ ግና ፅቡቃት ተሞክሮታት ዝወሰዳሉ ምኳነንን መብዛሕትና እናተሰማማዕናሉ ዝመፃና ሓቂ እዩ፡፡

ኢትዮጰያ  ትልሚ ቀዳማይ  ዕብየትን ስግግርን ንምድላው እብ እትሸባሸበሉ እዋን  መለስን ናይ ኢኮኖሚ አማከርቱን ምስ ካብ ጃፓን ዝመፁ ልኡኻት ኪኢላታት ኢንዱስትሪ ፖሊሲ ስሩዕ ዝኾነ ምክክር ይገብር ከምዝነበረ እውን ይግለፅ እዩ፡፡ መለስ አብ ቶክዮ መሰረቱ ዝገበረ ‹‹National Graduate Institute for Policy Studies (GRIPS)›› ምስ ዝሰርሑ ኪኢላታት ፖሊኢ ኢንዱስተሪ  ክቀራረብ ዝኸአለ ድማ ናይ ኖቤል ሎሬት ተሸላሚ ኢኮኖሚስት ጆሴፍ ስትግሊትዝ ኣብ ዘዳለዎ ዎርክሾፕ ካብ ዝራከቡ ንዳሓር እዩ፡፡ በዚ መሰረት ድማ ካብ 2009 ክሳብ 2011 ካብ GRIPS  ብዝመፁ ኪኢላታት በቢ 3 ወርሒ ምይይጥ ይግብር ከም ዝነበረ ወይስ ዝተብሃለ ፀሓፊ 2016  ሰኒድዎ ይርከብ፡፡

ናይ ምይይጥ ዛዕበኦም ድማ ናይ ኢኮኖሚ ማስተር ፕላን አብ ምድላው ዝዓለመ ዝነበረ ኾይኑ አብ መወዳእታ ድማ ኣካል እቲ ቀዳማይ ትልሚ  5ተ ዓመት ዕብየትን ስግግርን ኾይኑ እየ፡፡ 2011 .. መለስ ምስ ‹‹New African›› ብዝገበሮ ቃለ-መሕትት ድማ ናይ ኢትዮጰያ ሞዴል ልምዓታዊ መንግስቲ ከምዚ ዝስዕብ ከጠቃልሎ ፈቲኑ እዩ፡፡ ብቀጥታ እንትውሰድ፡- “Essentially, the concept hangs on the prudent combination of market forces and state intervention, where the state plays a leading role not only in providing infrastructure and basic services, but also in providing the right conducive environment for the development of productive and manufacturing capacities. For sure, the experience of a number of East Asian countries supports the validity of our approach”. (New African 2011:2)

ኢኮኖሚስት ጆሴፍ ስትግሊቲዝ ድማ “Globalization and Its Discontents” (2002) አብ እትብል መፅሓፉ ምስ መለስ 1997 ዝገበሮ ዝርዝር ምይይጥ አቀሚጡ እዮ፡፡ ብወቅቱ ስትግሊቲዝ አብ ዓለም ባንክ ስራሕ ዝጀመረሉ ዓመት እዩ ነይሩ፡፡ ኣብቲ ግዜ  IMF ኢትዮጵያ ዝተረጋገዐ ፊስካል እቶት ክተፈልፍል ስለዘይካአለት ብዝብል ምክንያት ልቃሕ ዘቋረፀትሉ ግዜ እዩ ነይሩ፡፡ IMF ኢትዮጵያ ናይ መዋቅራዊ ለውጢ በተለይ ናይ ፋይናንስ ዘርፊ ሊበራላይዝ ክትገብር ከምዘለዋ አጥቢቁ ከምዝሓተተን መለስ ድማ ሙሉእ ብሙሉእ ከምዝነፀጎን ሰኒድዎ እዮ፡፡ ኢኮኖሚስት ስትግሊትዝ ድማ ባዕሉ ብዝተረደኣሉ መልክዕ ፈለማ ንዓለም ባንክ ብምቅፃል IMF ብምእማን ናይ ልምዓት ሓገዝ መሊሱ ንክወሃባ አክኢሉ እዩ፡፡

ዘ-ኢኮኖሚስት ዝተብሃለ መፂሄት ድማ ኣብ ናይ ግንቦት 20 2004 ዓ.ም.ፈ. ሕትመቱ ‘’Meles Zenawi, the prime minister of Ethiopia, has the most insightful, indeed ingenious, ideas about rural development of any leader in that country's modern history’’[4] ብምባል ዘንበበ እንትኾ ብፖለቲካ ዓይኒ እንትርአ ድማ ዶናል ያማሞቶ ዝተብሃለ ነባር ኣምባሳደር አሜሪካ ንመለስን መሪሕነቱን ብከምዚ ዝስዕብ ገሊፅዎ እዩ፡፡

“To understand Prime Minister Meles Zenawi is to understand one underlying, the inviolable premise of his leadership philosophy — Ethiopia would not be governed from outside. Whether it was the Ambassadors Group in Addis, the U.S. Congress in Washington, D.C. or the European Union in Brussels, Meles would not submit to international pressure to sacrifice Ethiopia’s long term democratic development for the mob justice of international public opinion. On his point, he was steadfast”[5].

ብተመሳሳሊ ዓለም ባንክ ብ2016 ዓ.ም.ፈ “Ethiopia’s Great Run – The Growth Acceleration and How to Pace It” ኣብ ዝብል በዓል 171 ገፅ ፅሁፉ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ልምዓት ጎደና “The Ethiopian Way” ብምባል ገሊፀምዎ እዮም፡፡ ኢትዮጵያ ድማ ኣፍሪካ ሕብረት ኣብ 2063 ክትበፅሖ ዝነደፈቶ ራእይ ህንፀት ዝተወሃሃደት፣ምዕብልቲን ሰላም ዝነገሰላ ክፍለ-ኣህጉር /Integrated, Prosperious and Peacfull Africa/ጋሃድ ንክኾን ኩላትና ኣንፈት ልምዓታዊ መንግሰቲ ክንክተል ኣለና ብምባል ሞጊታ ኣብ ኣጀንዳ 2063 ከተስፍሮ ኪኢላ እያ፡፡ እዚ ኣንፈት ዘይጠዓመንን ዘስገአንን ከምኒ ኣሜሪካ ዝመሰላ ሃገራት ድማ ንመጀመርታ ኣብ ኢትዮጵያ ብምቅፃል ልምዓታዊ መንግስቲ ካብ ልቢ ኣሚነን ኣብቲ ኣጀንዳ ንክካተት ልዑል ኣበርክቶ ዝገበራ ከምኒ ሩዋንዳን ደቡብ ኣፍሪካን ዘይምርግጋእ ብምፍጣር ኣንፈቱ ንምስሓት ይሰርሓ ከምዘለዋ ብዝተፈላለየ መንገዲ እናተገለፀ ዝመፀ ምዃኑ ኩላትና እንምልከቶ ሓቂ እዩ፡፡ ስለዚ ኣብ ክልልና፣ሃገርናን ክፍለ-ኣህጉርናን ኣንፈቱ ከይስሕት ብዝከኣልናዮ ኣብ ምክልካልን ንተግባራዊነቱ ዝሕግዙ ፖሊሲታትን ትልምታትን መሰረት ዝገበረ ክትዕ ምግባርን ድማ ጠቃሚ ይከውን፡፡ 

IV. መጠቃለሊ፡- እዚ ሓፂር ፅሑፍ እቲ ፅቡቅ ዝኾነ ጅማሮ መድረክ ክርክር ምረፁኒ መበገሲ ዝገበረን እቲ መድረክ ብዝበለፀ ንክምዕብልን ተመሪፁ በትረ-ስልጣን ንዝሕዝ ውድብ/ውድባት ተወሳኪ ሃፍቲ ክኾኑ ይኽእሉ እዩም ኢለ ዝሓስቦም ነጥብታት ንምምልኻትን ብኣውርኡ ድማ ልምዓታዊ መንግስቲ እንታይ እዩ? ልምዓታዊ መንግስቲ ንኽፍጠር ኣበርክቶ ዝገብሩ ኩነታት ከ እንታይ እንታይ እዮም ? ኣብ ዝብል ዘድሃበ እዩ፡፡ ብሓፈሻ ድማ ኣይዲዮሎጂና ልምዓታዊ መንግስቲ እዮ? ልምዓታዊ መንግስቲ ዝበሃል ኣይዲዮሎጂ  ከፋፋሊ እዩ? ህ.ወ.ሓ.ት እትክተሎ ልምዓታዊ መንግስቲ ሃገር በቆል ኣይኮነን? ልምዓታዊ መንግስቲ ንኡስ እኩብ ሶሻል ዲሞክራሲ እዩ?  ወ.ዘ.ተ ዝብሉ ሓሳባት ትክክልን ጠቀምትን ዘይኾኑ ሓሳባት ምዃኖም፤ እኳዳኣስ ገና ንድፈ-ሓሳብ/theory/ ዘይበፅሐ ብፅንሰ-ሓሳብን ብሞዴልን ዝግለፅ ብሓፈሻ ግና ንዘይማዕበላ ሃገራት ማዕበል ስሕበት ልምዓት ዝኾነ ናይ ምዕባለ ኣንፈትን ብሃገርናን ብክልልናን ዋላኳ ዘተባብዕ ውፂኢት ዝተመዝገበሉ እንተኾነ ክሳብ ሎሚ ብዝግባእ ከምዘይተጠቀምናሉን ዘመላክቱ ነጥብታት ኣብዘን ኣብ ላዕሊ ዝተጠቐሳ ኣብ እዋን ክርክር ኾነ ድሕረ መረፃ መግለፂ ልምዓታዊ መንግስትን ልምዓታዊ መንግስቲ ክፍጠርን ክምዕብልን ኣበርክቶ ዝገብሩ ኩነታትን ብንቅሓት ብምክትታልን ኩሎም ናይ ልምዓት ዓቅምታት ወዲብናን ኣዋዲድናን ትግራይ ናብቲ እንብህጎ ዝላዓለ ብርኪ ምዕባለ ክወስዳ ዘኽእል መፍቲሒታት ኣብ ምንፃር ኩልና ንክንረባረብ ብምልባውን ‹‹ዝኾነ ኾይኑ ስገም ተኸናኸኑ›› ብምባል ፅሑፈይ ንዘንበብኩምለይ ከመስግነኩም እፈቱ፡፡ የቀንየለይ!

 



[1] ብሓፂሩ ባዕለይ ንባዕይ ንምፍላጥ ቀዳማይ ዲግሪ ብኢኮኖሚክስ ኣብ መቐለ ዩኒቨርስቲ፣ ካልኣይ ዲግሪ ድማ ብፓፕሊክ ኢኮኖሚክስ፣ሕግን ፖለቲካን/ፖሊሲን ኣብ ሃገረ ጀርመን ዝሰራሕኹ ሰብ እየ፡፡ ኢ-ሜል hiluf6hagos@gmail.com  

[2]MITI refers  Ministry of International Trade and Industry.

[3] ኣብ ስርዓት ሊበራሊዝም ዝኽተላ ሃገራት ንኣብነት ኣብ ኣሜሪካ   ‹‹cartels›› ወንጀል፣ኣብ ኣውሮፓ ድማ ዘይሕጋዊ እንትኾን ‹‹ mergers›› ዝፍቀድ ብናይተን ሃገራት ፖሊሲ ( ኣብ  ኣሜሪካ <<anti-trust policy>> ብናይ ኣውሮፓ ድማ <<competition policy>> ዝምልከቶም ኣካላት ጥንቁቕ መፅናዕትን ምይይጥን ምስተገበረ ዝውሰን እዩ፡፡

[4] See http://www.earthinstitute.columbia.edu/sitefiles/file/about/director/pubs/economist052004.pdf

[5] See http://www.strathink.net/, entitled “Understanding Meles Zenawi: Conversations with U.S. Diplomats (Part 2)”.

Back to Front Page