Back to Front Page

ብባህግን ድልየትን ውድባት ወይ ሰባት’ዶ ደርባዊ ቃልሲ ይፍጠር?

ብባህግን ድልየትን ውድባት ወይ ሰባት’ዶ ደርባዊ ቃልሲ ይፍጠር?

ፍሰሃ ውብነህ ሓድጉ

04/12/12

 

1.  መእተዊ

ካብ ንውሕ ዝበለ እዋናት ጀሚሩ፣ ብፍላይ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ብዝገደደ መልከዑ እናተልዓለ ኣብ ልዕሊ ህወሓት ዝግበር ዘሎ ጠቐነታትን መፀለምታን ንገሊኡ ኣልዒለ ክንዛረበሉ ወይ ክንዝትየሉ ደልየ ኣለኹ፡፡

ህወሓት ወያናይ ዴሞክረሲያዊ ፕሮግራሙ ወይ መስመሩ ኣብ ህዝቢ ንምስራፅን እቲ መስመር ማተርያላዊ ሓይሊ ኮይኑ ድኽነት ከወግድ፣ ሰላምን ምርግጋእን ከንግስ፣ በዙይ ኣቢሉ ድማ ዴሞክረሲያዊ ሂወት ህዝብና ዉሑስ ንኽኸውን ዓሊሙ ኣብ ፖለቲካዊ ስራሕቱ ደርብታት(ማሕበራዊ ክፍልታት)፣ ደርባዊ ኣረኣእያ፣ ደርባዊ ቃልሲ.. ዝብሉ መግለፅታት እንተዘውትር እንተሎ፣ እዞም መግለፅታት ዝሰምዑ ኣገዳሲ ቁፅሪ ዘለዎም ምሁራት (ሊህቃን) ህወሓት ማርክሰ-ሌኒናዊ እዩ እንትብሉ ብዙሕ ግዜ ይስማዕ እዩ፡፡

 በኣንፃርዚህወሓት ማርክሰ-ሌኒናዊ ድዩ ኣይኮነን ዝብል ሕቶምምላስ ኣድላዪ ኮይኑ ረኺበዮ ኣለኹ፡፡  እቲ ዝበሃል ዘሎ ዝያዳ ንምብራህ ማርክስ ብዛዕባ ምስ ደርብታት ዝተዛመደ እንታይ እዩ ኢሉ? እንታይከ እዩ ዘይበለ? ዝብሉ ሕቶታት ምምላስ ከም መበገሲ ወሲደክገልፆ ክፍትን እየ፡፡ ምስዚ ቁምነገርዚ ብምዝማድ ወያናይ ዴሞክራሲ ካብ ማርክሰ-ሌኒንነት ከምዝፍለን፣ እግሪ መንገደይ ድማ ማርክሰ-ሌኒንነት ከም ኣካል ሕብረተሰባዊ ሳይንስ ወሲድካ በቁምነገሩ ዝረአን ዝውሰድን እምበር፣ እዚ ስነሓሳብ እዚ ዘልዕሎ ኩሉ ክፅላእን ክፍንፈንን ዝግበኦን ነውርን ገይርካ ምርኣይ ጌጋ ምዃኑ እትሕብር ሓፃር ፅሕፍቲ  የቕርብ ኣለኹ፡፡

2.  ደርብታትን ደርባዊ ቃልሲን

ደርብታትን ደርባዊ ቃልስን ምስ ምዕባለሕብረተሰብ ብወድዓውነቶም ዝተኸሰቱ ዘይኮኑስ፣ ዝኾኑ ናይ ማሕበራዊን ፖለቲካዊ ሳይንስ ሊቃውንቲ እንትደልዩ ዝፈጥርዎም ወይ እንትፀልኡ ዘወግድዎም ገይርካ ምርኣይ ተጋፊሑ ስለዘሎ፣ ብዛዕባ እንታይነት እዞም ኣምራትን ታሪኻዊ ኣመፃፅኦም መቕማጥ ካፍቲ ዝበሃል ዘሎ ውፃኢ ተኽክለኛ ፍልጠትን ግንዛበን የትሕዝ እዩ ኢለ ስለ ዝኣመንኩሉ እየ ነዙይ ኣቐዲመ ዘቕምጥዘለኹ፡፡

ብሓደ ገፅ፣ ካብ ስርዓት ወናኒ ባርያ ጀሚሩ ክሳብ ርእሰ-ማላዊ (ካፒታስታዊ) ስርዓት ናውቲ እቶት (መሬት፣ ኢንዱስተሪ፣ ወዘተ) ወኒኖም ነቲ ዘይወነነ ሓሳረ-መከርኡ ዘርእዩ፤ በቲ ካሊእ ገፁ ድማ፣ ብጉልበቶም ይኹን ብሞዮኦም እናሰርሑ ናይቶም ስርዓታት ሃፍቲ ዝፈጥሩ፣ ግን ድማ ካፍቲ ሃፍቲ እንትንፋስ መቐፀሊ እንበር ምንም ነገር ዘይካፈሉ ህዝብታት ኣለዉ፡፡ እዚኦም ክልቲኦም እዮም ብዋናነት ደርብታት ወይ ሕብረተሰባዊ ክፍልታት ዝበሃሉ፡፡ ናይዚኦም መሰረታዊ ረብሓታት ኩሉ ግዜ፣ ኣብ ኩሉ ቦታን ኩነታትን ዘይዕረቕን ተፃራርን ስለዝኾነ፣ ናይቶም ብዱላትን ጭቁናትን መሰረታዊ ረብሓ ዝማላእ ኣንፃር በደልቶምን ጨቀንቶምን ብዝገብርዎ ቃልሲ እምበር ብካሊእ ኣገባብ ፈፂሙ ኣይካኣልን፡፡

ኣብዚ ጉዕዞ ሕብረተሰባዊ ምዕባለ፣ ውፁዓት ተቃሊሶም ረብሐኦም ከይረጋገፅ ብዙሕ ተሰቢኾም እዮም፡፡ በቶም ገዛእቶም፣ ንሕና ክንገዝእ ንስኹም ክትግዘኡ ብዝግሄር ዝተበየነ እዩ፤ንስኹም መሬት እናሓረስኩም ንዓና ክትቅልቡን ክተረክቡን ብኣመላኽ ተፈሪዱ ዝሓደረ እዩ፤ድሕሪ ሞት ኣብ ላዕላይ ሰማይ ንዘለኣለም ክሓልፈልኩም እንተደሊኹም፣ ሕዚ ኣብዛ መሬት እዚኣ እናሃለኹም ፀልዩ፣ ተማህለሉ ተባሂሎም ተሰቢኾም እዮም፡፡ ብዛዕባ ደርባዊ ዕርቂ እንታይከ ዘይተሰብከ?

Videos From Around The World

 ታሪክ ክሳብ ሎሚ ዘምህረና ግና እቲ ምዕባለ ህብረተሰብ ካብ ዝተሓተ ናብ ዝለዓለ እናተሰጋገረ ዝጎዓዝ ዘሎ፣ ብተፃረርቲ ደርብታት ብዝተገበረ መሪር ቃልሲ እንበር “ኣንቱም ጎይቶት ነቶም ፅጉማት መፅዉትዎም (ኣሐርጉትዎም) ኣንቱም ውፁዓት ድኻታት ድማ ነቶም ጎይተትኩም ኣይትቃወምዎም፣ ፀገምኩም ተፃወሩ፣ ደሓር ኣብ ገነት ክተኣትዉ ኢኹም” ብዘብል ስብከተ ዕርቅን ሽምግልናን ኣይነበረን፡፡ ሕዚ እውን ከምኡ ኣይኮነን፡፡

በቶም መራሕቲ ሃይማኖት ዝግበር ዝነበረ ፀሎትን ምህለላን ንጭቁናት ካብ ጭቆነኦም ንምንጋፍ ሓጋዛይ ግደ እንተነይርዎ፣ በቶም ዝምልከቶም እንተተገለፀ ይሐይሽ፡፡ እንተ ኣነ ብዕድመይ ዝፈልጦ ሓደ ተግባራዊን ታሪኻውን ሓቂ፣ ስርዓተ መንግስታት ሃይለ ስላሰን ደርግን ዝወደቑ ብናይ ህዝብታት ዝተዋህለለ ቃልሲ እንበር ብፆምን ፀሎትን ኣይነበረን፡፡ ኣብዙይ ነቲ ዝነበረን ዘሎን ሓቂ ካብ ዝኾነ ድልየትን ትንቢትን ነፃ ኮይንካ ምርአይ መማረፂ ዘለዎ ኣይመስለንን፡፡ ብዝኾነ ኣብዝ ክውን ዓለም  ኣብ ሃገርና ዝተገበረ ወድዓዊ ማሕበረ ሰባዊን ፖለቲካዊን ምንቅስቓስ ይገልፅ ኣለኹ እንበር ብዛዕባ ኣብ ሰማያተ- ሰማይ ኣሎ ዝበሃል ዛዕባታት ሕዚ እውን ንዝምልከቶም ገዲፈዮ ኣለኹ፡፡

ናፍቲ አብዝ እዋንዚ ዝውጋዕ ዘሎ ክምለስሞ፣ ደርብታትን ደርባዊ ቃልስን ብህወሓት ይኹን ወይ ብኢህኣፓ ኣይተፈጠሩን፡፡ ማሕበረ ሰባውን ኢኮነሚያዊ ምዕባለ እንበር ብሄራትን ብሄረሰባትን ከምኡ እውን ብሄራዊ ቃልስንህወሓት ወይ ኦነግ ኣይፈጠርዎምን፡፡ ድልየት፣ንቕሓት፣ ምርምር፣ ወዘተ ብዘየገድሽ ኣብ አትጵያ ዝነበረን ዘሎን ጭቡጥን ወድዓውን ሓቂ እዩ፡፡

ማርክስከ ደርብታትን ደርባዊ ቃልስን ፈጢሩዶ ይኾን? በቲ ኣብ ልዕል ኢለ ዝገለፅክዎ መሰረት ፈፂሙ ኣይፈጠረን ኢልካ ምሕላፍ ይከአል እዩ፡፡ እንተኾነ ግና ነዙይ ንእሽተይ ዝርዝር ኣቢልካ ምቕራብ ዝያዳ ብዝበለፀ ስለዘብርህ ናብኡ ክኣቱ፡፡ ማርክስ ይኹን ሌኒን ደረብታት፣ ብሄራትን ብሄረሰባትን፤ደርባዊ ይኹን ብሄራዊ (ብሄረሰባዊ) ቃልስን ፈጢርናኢሎም ኣይፈልጡን፡፡ እንታይከ ክሳብ ክንድዙይ ኣጣበቐኒ፣ ናፍቲ ማርክስ ባዕሉ ዝበሎ ምሕላፍ ይሕሸኒ፡፡

ካርል ማርክስ ንጆሴፍ ዌድሜር ዝበሃል ፈላስፋን ዴሳዊ ወያናይን ኣብ ዝፀሓፎ ናይ መልሲ ደበዳቤ ከምዙይ ይብል፤

“ቅድመይ ካብ ንውሕ ዝበለ ዘመናት ጀሚሩ ናይ ብርዥዋ ስርዓት ተመራመርቲ ታሪክ፣ ናይዚ ኣብ ሞንጎ ደርብታት ዝግበር ቃልሲ ታሪኻዊ ምዕባለ ብዝግባእ ገሊፆምዎ እዮም፡፡ ናተይ ፍሉይ ኣሰተዋፅኦ ዝብሎ፣ ሓደ፣ ምፍጣር ደርብታት ኣብ ውሽጢ ምዐባለ እቶት (production) ስርዓተ ባርያ ዝተኸሰተ ኮይኑ ኣብ ዝተወሰነ ታሪኻዊ ብርኪ ሕብረተ ሰብ (ካፒታሊስታዊ ስርዓት- ናተይ) ጥራሕ ድማ ከምዝሕፀር፤ ክልተ፣ ደርባዊ ቃልሲ ብግድን ናብ ምልኪ ደርቢ ሸቃላይ (proletariat) ከምዘምርሕን፤እቲ ሳልሳይ ድማ፣ እዚ ምልኪ ብናይ ባዕሉ ከይዲ ደርብታት ናብ ዝጠፍእሉን ብኡ ንብኡ ድማ ናብ ደርቢ ኣልባ ሕብረተሰብ መሰጋገሪ ድልድል ምዃኑ ንምርኣይ እዩ፡፡¨ እኩብ ስራሕቲ ካርል ማርክስ ፍረደሪክ ኢንግልስ ቅፅ 39፣ 1852

ካብ ግልፂ ትንተናን መርገፅን ማርክስን ኢንግልስን ክንርደኦ ዝግባእን ዝከኣልን፣ ማርክስ ይትረፍዶ ባዕሉ ደርብታትን ደርባዊ ቃልስን ፈጢረ ኢሉ ዘይባሃል ክብል፣ ቅድሚኡ ዝነበሩ ናይ ስርዓት ርእሰ-ማልነት (ካፒታሊስታዊ ሰርዓት) ተንተንቲ ታሪኽን ቁጠባን እውን ነቶም ሕግታት ምዕባለ ሕብረተ ሰብ ዝፈጠሮምን ዘማዕበሎምን ደርብታትን ደርባዊ ቃልስን ተንቲኖምን ገለፆምን እንበር ንሕና ፈጢርናዮም ኣይበሉን፡፡

ንማርክስን ማርክሰ-ሌኒንነትን ክነቕፍ ወይ ክድግፍ ዝብገስ እንተሃልዩ፣ ምዕባለ ስርዓት ርእሰ-ማልነት ኣብ ሞንጎ ብርዥዋን ሸቃላይን ዘሎ ጎንፂ ተባሊሑ ብደርባዊ ቃልሲ ኣቢሉ መሰጋገሪ ስርዓት ዴሲነት (socialism) ተኺሉ ናብ ርእሰ-ዴሲነት (communism) ዝበፅሕ  ምዃኑ ዝገልፅ መዳዩ እዩ፡፡ እንተዘየለ፣ ደርብታት፣ብሄራት፣ ደርባዊን ብሄራዊን ቃልሲ ዝበለ ኩሉ ማረኪሰ-ሌኒናዊ እዩ ምባል ጌጋ ምዃኑ  ክመሃር ንዝደሊ ካብ ማርክስ ባዕሉ ክመሃር ይኽእል እዩ፡፡ ዋላ ትንፈር ጤል እያ ንዝብል ድማ ዋላ ሕብሪ ፀባ እውን ፀሊም ኮይኑ እዩ እናበለ መሬተ-ሰማይ ከጣብቕ እንተወዓለ እንታይ ትብሎ?•

3.  ንምንታይ እዮም ብርክት ዝበሉ ምሁራን ንማርክሰ-ሌኒነት ከም ሕንጉጒ ሪኦም ዝፈርሕዎ? Whyrepulsive?

 

      ማርክሰ-ሌኒንነት ኣካል ማሕበራዊ ሳይንስ ስለዝኾነ፣ ሳይንስ እዩ እትበሃል ብዙሕ ተቓውሞ ዝለዓለሉ ኣይመስለንን፡፡ ስለዝኾነ ምስ ኣየናይ ግዜ፣ ኩነታትን ቦታን ኣዛሚድካ ይትግበር ዝብል ሕቶ ኣልዒልካ ኣብ ምምላስ ናፍቶም ኩሉ ዓይነት ሃፍቲ ናብ ረብሓን ምዕባለን ዝልዉጡ ውፁዓት ምውጋንን ኣብዙይ ተመስሪትካ እኹል ፍልጠት ምሓዝን ይሓትት እንበር ከም ሳይንስ ንኹሎም ብዱላት ህዝብታት ነፃ ዘውፅሳይንስ እዩ፡፡

 

       ስለዝኾነ እውን እዩ ሙሁራትን ተመራመርትን ፖለቲካዊ ሳይንስ፣ ስነ-ቁጠባ፣ ሶሾሎጂ፣ወዘተ ክመሃሩ ወይ ክመራመሩ እንተለዉ ኣብዞም ዓይነት ትምህርትታትብፅሒት (ኣበርክቶ) ማርክስ ወይ ማርክሰ-ሌኒንነት ዓብዪ ከምዝነበረን ከምዝኾነን ተቐቢሎም ከምዝኸዱ ዘጠራጥር ዘይብሉ፡፡ ኣብዙይ ኣየነኦም ብእምነትን ብሓቅን ይቕበልዎ፣ ኣየነኦም ድማ ከም ንኣካዳመያዊ ጠቐሜታ ይርእይዎ ዝብል ቁምነገር ምፍላይ ዘድሊኳ እንተኾነ፣ ኩሎም ግና ከም ኣካል ማሕበራዊ ሳይንስ ወሲዶም ቅቡልነቱ ኣይነፅግዎን፡፡

 

       መለለዪ እምነት ማርክሰ-ሌኒንነት ብዴስነት ኣቢልካ ናብ ርእሰ-ዴስነት ምስጋርኳ እንተኾነ፣ ካብዙይ ብተወሳኺ ከም ሳይንስ መጠን ኣብ ቅድመ ርእሰ-ማልነት ዘለዉ ስርዓታት በየናይ መሰጋገሪ መንገዲ ኣቢሎም ናብ ርእሰ-ማልነት ምህናፅ ከምዘኸዱ ሐደ ዓብዪ ሓቀኛ መተንተኒ መሳርሒ እውን እዩ፡፡ ብርግፅ እዚ ትንተናዚ መጨረሻ መዕለቢኡ ርእሰ-ማልነት ምህናፅ ዘይኮነስ ነዚ ስርዓት ኣብ እዋኑን መድረኹን ከራቲምካ ብምድርባይ ናብ ደርቢ ኣልባ ስርዓት ምስጋር እውን ስለዝሓውስ ፈላሊኻ ምሓዙ ከይጠቀመ ኣይተርፍን፡፡ ኣበዙይ እቲ ዝጠቕመካን ምስ ናይ ሃገርካ ፖለቲካዊ ኣጀንዳታት ኣግባብነትን ተዛማድነትን ዘለዎ ነፊኻ ምውሳድ ይምረፅ፡፡ ብኣንፃሩ ኣእምሮኻ ኣቐዲምካ ዓፂኻ ብዛዕባ እዚ ስነ-ሓሳብዚ ኣይተስምዑኒምባል ግና ፈሊጥካ ንምንቃፍ ይኹን ንምቕባል ንኸይትኽእል በርኻ ሃርሂርካ ምዕፃው ስለዝኾነ እዙይ ድማ ካብ መንገዲ ምሁራዊ ባህሊ ዝወፀ እዩ ዝመስለኒ፡፡

 

       ካብ ምፍታው ወይ ካብ ምፅላእ ዘይብገስ ኣበዛ ርእይትን ሓቀኛን ዓለም እዚኣ ደርባዊ ቃልሲ ከም መዋለዲ ሓዲሽ ዝማዕበለ ሕብረተ-ሰብ (እቲ ስርዓትፍትሓዊ ይኹን ወይ ኣይኹን ብዘየገድሽ) ኮይኑ እዩ ዝረአ ዘሎ፡፡ ካብ ደርባዊ ክፍፍል ወፃኢ ሰብ ብሰብነቱ ኣበዝ ዓለምዚ ብማዕርነትን ነፃነትን ዝረአየሉን ዝብየነሉን ዓለም ዛጊድ ዝተርአየ ኣይኮንን፡፡ ከምነበረ ነዙይ ዘይመርፅ ሰብኣዊ ፍጡር ኣይመሃለወን፡፡

       እቲ ሓቂ ከምቲ ልዕል ኢሉ ዝተቐመጠ ኮይኑ እናሃለወ፣ ንምንታይ ደኣ እዩ ማርክሰ-ሌኒንነትን ደሲነትን ብዓለም ደረጃ ይኹን ብሃገር ደረጃ ዝፅላእ ዘሎ?

 

        ኣብ ሶቬት ሕብረት፣ ስርዓት ዴስነት (ብዋናነት ናይ ሎሚ ሩስያ) ብትኽክል ተተግቢሩ ንልዕሊ 20 ዓመት ምዕባለ ሶቬት ሕብረት ኣሜሪካ ኣብ ዳርጋ 100 ዓመት  ምስ ዘመዘገበቶ ምዕባለ ተወዳደራይ ዝኾነ ምዕባለ ኣመዝጊባ ምንባራ ታረኻዊ ሓቂ ስለዝኾነ፣ ካሊእ ምስክር ኣየድልዮን፡፡ እንተኾነ ግና ካብ ማርኪሰ-ሌኒንነት ባዕሉ (inherently) ዘይብገስግንከ ናይ ሶቬት ሕብረት ቦልሸቪክ ፓርትን ንሱ ዝመረሖ መንግስትን ኮይኖም ዝፈፀምዎ ታሪኻዊ ገይጋ ነቲ ስርዓት ከም ቁንቁነ ውሽጣውሽጡ እናበለዐ ምስተጉዓዘ፣ኣሜሪካ ናብዙይ ኢዳ ኣእትያ ኣብ ልዕሊ እቲ ረይረይ ዝብል ዝነበረ ስርዓት ዴስነት ቤንዚን ምስ ኣርከፍከፈትሉ፣ እታ ዓዲ ተባሪዓ ድሕሪ 1982 ዓ/ም ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ተመቓቒላ ብትንተና ወፂኣ፡፡ምብታና ብሰላማዊ መንገዲ ምዃኑ እዩ እንበር እንባ ከም ኳና ክፈርስ ካብ ምርኣይ ዝኸፍአ ተሞክሮን ታሪኽን ዘሎ ኣይመስለንን፡፡

 

       ፓርቲን መንግሰትን ሶቨየት ሕብረት ካብ መንገዲ ዴስነት እናግለሱ ንድሕሪት ናብ ርእሰማልነት እናተመለሱ ኣብ ዝኸድሉ ግዜ፣ ብሽም ዴስነት ድኽነት እናወረሮም ስለዝኸደ፣ ብሽም ነፃ ሃገራዊ ኢኮኖሚ ናብ እዚ ኢኮኖሚ ስለዝጠሓሉ፣ ብሽም ዴስነት ምልከነት እናነገሰ ስለዘኸደ፣ ኣብዙይ እዚ ኩሉ ሓጥያት ዝተፈጠረ ብሰንኪ ዴስነት እዩ ተባሂሉ ብዙሕ ዘንባዕ ፖለቲካዊ ስራሕ ስለዝተሰርሐሉ እውን ዴሲነትን ማሌን ብዘይ ሓጥያቶም ከም ሓጥያተኛ ተቖፂሮም ብዘሓት ምሁራትን ውፁዓት ህዝብታት ዓለምን እዚ ስርዐትን ስነ ሓሳብን እዙይ ኣይተርእዩና አይተስምዑና እናበሉ ከም ሕንጉጊ ይፀልእዎ ኣለዉ፡፡

 

       ብተመሳሳሊ ኩነትን መንገድን ኣብ ኢትዮጵያ እውን አንተኾነ፣ ብስም ዴስነት ምልክነትን ድኽነትን ነጊሱ ስለዝፀንሐ፣  እቲ ህዝቢ ይኹን ብፍላይ እቲ ምሁር እቲ ውድቀተን ፀገምን ኣብ ተግበርቱ ባዕላዊ ሓይልታት (ኢሰፓን ፋሽታዊ መንገስቲ ደርግን) እንበር ኣብቲ ስነሓሳብን ስርዓትን ዘይምዃኑ ፈልዩ ክሳብ ዘይተረደአን ነዙ ድማ ብእምነት ክሳብ ዘይሓዘን፣ ፅልኢቱ ክሳብ ሎሚ ክበሊ ዘይምኽኣሉ ንቡር እንበር ብዙሕ ዘግርም ኣይኮነን፡፡

 

       ብምጥቕላል ብዓለም ደረጃ ይኹን ብፍላይ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ቅደሚ 1983 ዓ/ም ብሽም ዴስነትን ማረክሰ-ሌኒንነትንፋሸስታዊ ስርዓት ተተኺሉ ፀረ ዴሞክረሲን ፀረ ሰላምን ኩነታት ክነግስ ተገይሩ ስለዝፀንሐ፣ ከም ሳዕቤን ናይዚ ኩነታት ንኹሉ ድሕረትን መከራን ፈጠርቲ እንማርክስ እዮም ዝብል ዘንባዕን ዘይትኽክለኛን ኣተሓሳስባ እናተወቐረ ብምፅንሑ እዩ፡፡

 

       እቲ ካሊእ መልክዕ ምፅልእላእ ድማ ካልኦት ቁምነገራት ካብ ደገ ብኣዎንታ እናተቐበልካ ማሌ ተንከፍ እንትኾን ግና ናይ ደገ ጓና እዩ ኢልካ ብምንፃግ ዝግለፅ እዩ፡፡

 

       ብዙሕ ሰብ መፃሕፍቲ ከንብብ እንተሎ፣ ኣፍቶም መፃሕፍቲ ዘለዉ ገለ መሰረታዊ ዝኾኑ ኣምራትን ሓሳባትን መበቆሎም ካብ ግሪክ ወይ ካልኦት ሃገራት ወይ ሰባት ምዃኖም ተጠቒሶም እንትሪኦም፣ ብዘይ ገለ ምምንታእ ጠቐምቲ እዮም ኢሉ እዩ ዝቕበሎም፡፡ ናይ ደገ እዮም፤ ኣየንብቦም፤ ክፀግዑኒ የብሎምን ኢሉ ኣየርሕቖምን፡፡ ንዕላማ ንባቡ ክሳብ ዝደገፍዎ፣ ብታሕጓስ እዩ ዝቕበሎም፡፡ኣብ ባዕልና ጥራሕ ተሓፂርና  ነቶም ናይ ደገ ክንቅበል የብልናን ኣይብልን፡፡ ብወገነይ እውን ነዚ ሓሳብ ደጊፈ ይቕበሎ እየ፡፡ ምኽንያቱ እቲ ዝጥቀስ ወይ ዝውሰድ ዘሎ ሳይንስ እንተኾይኑ፣ ምስ ኩነታትካ ወይ ኩነታት ሃገርካ ኣዛሚድካ፣ ዝትግበረሉ እዋንን ኩነታትን ገምጊምካ ምውሳድ፣ ናይ ውሽጥኻ ወሳናይነት ኣቐዲምካ፣ ካብ ደገ ነቲ ናይ ውሽጢ ዘጎልብት ሓሰብን ተሞክሮን ምውሳድ ምሉእነት ዘለዎ ቁምነገር ንምሓዝመማረፂ ዘየብሉ ጉዳይ ስለዝኾነ፡፡

 

       ይኹን እንበር ማረክሰ-ሌኒንነት እንትለዓል፣ ነቲ ልዕል ኢሉ ዝተቐመጠ ትንተና ምፅራር ልሙድ እናኾነ ይኽይድ ኣሎ፡፡ መበገሲኡ ናይ ውሽጥና እንበር ናይ ደገ ኣየድልናን ዝብል ሓሳብ እዩ፡፡ ብዛዕባ ለዋጣይ ምሕደራ ክልልና ኣልዒልካ ንመጎልበትን ንመገወድን ዝሕግዝ ካብ ደገ ተሞክሮ ወይ ሳይንሳዊ ቁምነገራት ንምውሳድ ኢልካ ሓሳብ እንትዋሃብ፣ ናይ ገ/ሂወት ባይከዳኝ እኹል እዩ ይባሃል፡፡ ብርግፅ ባዕልኻ ኮይንካ፣ ዓንዲ ሒዝካ ምቑፃይ ዝመስልዎ የለን፡፡ ነዙይ ብደገ እንተተደገፈኸ እንታይ ዘነውር አለዎ?

       ብኣንፃሩ ናይ እኒ ማርክስ ፖለቲካዊ ሳይንስ መሰረት ገይርካ ብምትንታን ናብ ዓድኻ ከተዛምዶ ምፍታንካ ሳይንስ ምዃኑ ይተርፍሞ ገና ክለዓል እንተሎ ልክዕ ከምዚ እሾኽ ቆንጠፍጠፈ ኩለ-መናኻ እናወግአ የማነ ፀጋም ከይትንቀሳቐስ ዝኸልእ ብርሑቑ ከይጠብቀካ ምፅላእ ዝልመድ ዘሎ እዩ፡፡

 

       ብሓፂሩ ማሌ ናይ ባዕዲ እዩ ኢልካ ትነፅጎ፡፡ ካልኦት ካብ ደገእንትትወሰዶም ግና ከየኾምሳዕኻን ከየስተማቐርካንትውሕጦም፡፡ ኣብዙይ ናይ ውሽጥን ደገን ዝብል ዝንተ-ሞጎታዊ (dialectical interrelationship) ተዛምዶ እናፋለስና እንተዘይረአይናዮ ይምረፅ፡፡ ናይ ውሽጢ ወሳናይ ቁምነገር ክረአ እንተኾይኑ፣ ናይ ደገ ሓጋዛይ ወይ መዐንቀፋይ ግደ ምህላዉ ግድን ይግበር፡፡

 

       ናብ ካሊእ ዛዕባ ቕድሚ ምሕላፈይ ሓደ ነገር ኢለ ከጠቐልል፡፡ ከምዝፍለጥ ንሓደ ነገር ቕድሚ ምንቃፍካን ምንፃግካን፣ ነዙይ ዘኽእል ኣብቲ ጉዳይ እኹል ፍልጠት ምሓዝ ኣቐዲሙ ክመፅእ ዘለዎ እዩ፡፡ በዙይ መሰረት ሓደ ምሁር ብዘይ ፍልጦ ወይ ብቕንጥብጣብ ፍልጦ ኣቐዲሙ ኣእምርኡ ሃርሂሩ ብምዕፃው ንማሌ ኣይተርእዩኒ ኣይተስምዑኒ ካብ ዝብል ድርቅና (rigidity) ተላቒቒ ብዝግባእ ኣንቢቡን ኣፅኒዑን ክነቕፎን ክነፅጎን ወይ ድማ ዝቕበሎ መዳይ እንተልዩ ንምፍታሽ ኣቐዲሙ እኹል ፍልጠት ክሕዝ እየ ዝምዕዶ፡፡

 

4.  ካብ ደርብታት ወፃኢ ሰብ ዝበሃል ፍጡር ኣሎዶ?

ኩሉ ሰብ እንትውለድ፤ ማዕረ ኮይኑ፣ ጥራሕ ዝባኑ፣ ማዕረ ኣካላት ሰውነት ዝሓዘ ኮይኑ እዩ ምስዛ ዓለም ዚኣ ተላልዩ፡፡ አብዚ ሓቂዙይ ሃይማኖት ይኹን ሳይንስ ብዙሕ ኣፈላላይ ዘለዎም ኣይመስለንን፡፡ኣብዛ ብርኪ እዚኣ ጥራሕ እዩ ወዲ ሰብ ማዕረ ነይሩ ክበሃል ዝከኣል፡፡ እቲ ወድዓዊ ጉዕዞ ሕብረተ ሰብ ናብ ናውቲ እቶት ዝወነነን ዘይወነነን ክፋል ሕብረተ ሰብ እናወለደ ምስ ከደ ግና ወዲ ሰብ ካብ ማዕርነታዊ ሂወት ወፂኡ ናብ ሓዲኡ ክፋል ሕብረተ ሰብ (ደርቢ) እንዳተፀምበረ ተጓዒዙ እዩ፡፡ ኣብ ስርዓተ ባርያ፣ወናኒ ባርያ ወይ ባርያ (ገይላ) ኮይኑ፡፡ ኣብ መስፍናዊ ስርዓት፣ መስፍን ወይ ገባርኮይኑ፡፡ ኣብ ካፒታሊስታዊ ስርዓት ድማ ገሊኡ ናብ ብርዥዋ ገሊኡ ድማ ናብ ሸቃላይ ተፀምቢሩ፡፡ እዙይ ማለት እቲ ባርያ፣ ገባርን  ሸቃላይን ናብ መቑሕ ጭቆና ይኣተዉ፤ እቶም ገዛእትን መዝመዝትን ድማ ብደርባዊ ቃልሲ ክሳብ ዝውገዱ፣ ገዛእትን ጨቆንትን ኮይኖም ይቕፅሉ፡፡ ስለዚ ሰብ ድሕሪ ምውላዱ ካብ ባርያ ሥረዓት ንዳሓር፣ እቲ ማእቶታዊ ክፍፍል ዕዮ ብዝፈጠሮ ምኽንያት ናብ ጨቛኒ ወይ ተጨቛኒ ደርቢ ይቕየር እንበር ነፃ ሰብ፣ማዕረ ሰብ ኮይኑ ኣይቕፅልን፡፡

ነዚ ድልየት፣ ፍልጠትን ትንቢትን ዘይልውጦ ብወድዓዊ ጉዕዝኡ ናብ ገዛእን ተገዛእን ዝመቓቐል ዘሎ ሕብረተ ሰብ ተዓዚቡ ኣብ 18 ክፍለ ዘመን ዝተንተነ ጂን ጃኩስ ሩሶ ዝተብሃለ ፈረንሳዊ ሊቅ ፖለቲካዊ ፍልስፍና

“ወድ ሰብ ነፃኮይኑ እዩ ተወሊዱ፡፡ ናብዚ ማሕበራዊ መስተጋብር ምስተፀምበረ ግና ኣብ ኩሉ ቦታ ብሸንሸላትእዩ ተመቚሑ ዝርከብ”

ኢሉ ቅደሚ እኒ ማርክስ፣ ሰባት ኣብ ደርብታት ተመቓቒሎም ገሊኦም ጨቆንቲ ገሊኦም ድማ ተጨቆንቲ ከምዘኾኑSocial Contract (1762) ኣብ ዝብል ተዘውቲሩ ዝጥቀስ መፅሓፉ ተንቲኑ ኣቐሚጥዎ ኣሎ፡፡

በዚ ትንተና መሰረት ናብቲ ብዶር. ዓብዪ ኣሕመድ ዝምራሕ ዘሎ ትምክሕተኛ ፅግዕተኛ ሓይሊ ዝብሎ ዘሎ ፃዕዳ ሓሶት ኣልዒለ ሓሳብ ክህብ፡፡ እዚ ኣሃዳዊ ሓይሊዚ ኣብ ኢትዮጵያ ነቲ ሕብረተ ሰብ ብደርብታት እናኸፋፈልካ ሓድነቱ ኣይረጋገፅን፤ ሰብ ብሰብነቱ ጥራሕ ወሲድካ ክጥቀምን ክምዕብለን ክንፅዕር ይግባእ፤ እናበለ እዩ ወግሐ ፀብሐ ዝሰብኽ ዘሎ፡፡ ኣብ መፅሓፉ እውን ኣካቲትዎ ኣሎ፡፡ ኣብዛ ቀረባ እዋን ድማ ብትግርኛ ክድስኩር እንተሎ፣  ቅድሚኡ ንመራሕቲ ህወሓት ባንዳታት ከምዘይበለ፣ እቶም ነባራት መራሕቲ ህወሓት ነቲ ህዝቢ ደርብታት፣ ባንዳታት እናበሉ ይመቓቕልዎ ኣለዉ እናበለ ዳግም ክሰብኽ ሰሚዐዮ ኣለኹ፡፡

 ብተግባር ግና ኣብዚ ዘለናዮ መድረኽ እታ ሃገር ብፅግዕተኛ ሓይሊ ትምክሕቲ (ሓደ መላኺ ደርቢ) ንህዝብታት ኢትዮጵያ ማለት ነቲ ገባር፣ሸቃላይ ምሁር፣ ንኡስ  ወናኒ ከተመኛ ኣብ ክትገልፆ ዘፀግም ሞቚሕ ሓሳረ መከራ ኣእትዩ የጋፍዕ ከምዘሎህዝብታት ኢትዮጵያ ዘስካኽሕሉ ዘለዉ ሓቂ እዩ፡፡ስለዚ ብቋንቋ ትምከሕተኛ ሓይሊ፣ ካብ ደገን ውሽጢ ሃገርን ንኣባላት ኢህኣፓ፣ ደርግ፣ መኢሶንን ልኡላን ቤተሰብን ኣኻኺብካ ምስ ኩሎም ህዝብታት ኢትዮጵያ ብምድማር፣ እዚኦም ኩሎም ማዕረ ሰባት እዮም፣ ብደርብታት ኣይምቀሉን እናበልካ ምብጫው ደፋር ምልካዊ ሓይሊ ምዃኑ ጥራሕ የብርህ እንበር ካሊእ ትርጉም ኣይህብን፡፡ እንታይሞ ክበሃል? ታዃሉን ኣጣልን ብሓደ ኣኻኺብካ ኣብ ሓደ ደንበ  ተሳኒኽን ንበራ ከም ምባል እዩ ዝቑፀር፡፡

ፈተና ፀላእና ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኣሰላለፋ ደርብታት ካብ ናይ ኣብዪ ስብከተ ዕርቂ፣ ፍቕሪ፣ ድልየት፣ ሕልሚ፣መደመር፣ ወፃኢ ብሓደ ገፅ፣ ንብሄርን ብሄረሰባትን ኢትዮጵያ መሰል ዓርሰ-ውሳነ ምምሕዳሮም በምርግጋፅ ብማዕርነተ ዝንደቕ ሓድነት ዘለዋ ሃገር ከይትህሉ ለይትን ቀትርን ዝፅዕሩ ብፀላእቲ ዝምደቡ ሓይልታት ፅግዕተኛ ትምክሕቲ ምህላዎም፤

በቲ ካሊእ ገፅ ድማ ሓረስቶት፣ንኡሳን ወነንቲ ከተመኛታት ምስ ምሁራን ዝሓውስ ኣብ ወገን ፈታዊ ዝስለፉ ምዃኖም፤ ኣብ ሞንጎ እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተገለፁ ሓይልታት (ደርብታት) እናተሓቖኑ ዝነብሩ ተወላወልቲ እንብሎም ድማ ልምዓታዊ ሰብ ሃብቲ እዮም፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ ይኹን ኣብ ካልኦት ሃገራት ካብ ደርብታት ረብሓ ወፃኢ ንኹሉ ሰብ ብሰብነቱ ማዕረ ዘተኣናግድ ስርዓት ከምዘየለ እናረአይና መፂና፡፡ እስቲ ብዛዕባ እታ ብዙሕ ዝዝረበላ ኣሜሪካ ንእሽተይ ክብል፡፡ እታ ዝለዓለ ኢኮኖሚያውን ወታደራውን ምዕባለ ዘረጋገፀት ኣሜሪካ ንኹሉ ሰብ ዝሓቁፍን ዝረብሕን ዴሞክራሲን ቁጠባን  ከምዘሎ እዩ ዝዝረበላ፡፡ ብተግባር ኣብ ባይታ ኣሜሪካ እንትረአ እንተሎ ግና ብግልባጡ ኮይኑ እዩ ዝረአ፡፡ ነቶም ታሕተዎት ደርብታት ሸቃሎ እናመዝመዙን እናጨቆኑን ኩሉ መዳያዊ ረብሓ ዝረኽቡ ካፍቲ ጠቕላላ ህዝቢ 1% ዝኾኑ ብረዥዋታትን ወይ ሚሊዮነራት እዮም፡፡

ነዙይ ኣብ ምሉእ ዓለም መሉእ ካብ ማንም ደርቢ ወይ ወድ ሰብ ቁፅፅር ወፃኢ ተኸሲቱ ዘሎ ሕማም ኮቪድ-19 (ኮሮላ) ከም ሐደ ነጥቢ ወሲድና ኣብ ኣሜሪካ ንርአዮ፡፡ እዚ ሕማም ይትረፍዶ ደርብታት እናፈለየ ክሕዝ፣ ኣብ ወድ ሰብ ዘሎ ተፈጠሮኣዊ ፍልልይ እውን ጥሒሱ ንኹሉ የሕምምን ይቐትልን ኣሎ፡፡ ንከይትሓምም ዝግበር ምክልኻል ወሳናይ ነገር ኮይኑ፣ነዙይ ሰጊሩ ሰብ እንተሓምም እንተሎ፣ ሕክምና ረኺቡ፣ብቕዓት ብዘለዎም ሓኻይም ተሓኪሙ ኣብ ምድሓን ዘሎ ደርባዊ ፍልልይ ግና ሰባት ዘለልይዎ ዘለዉ ኣይመስለንን፡፡

 እቲ ሕማም ነቶም ርኹባትን (the haves) ነቶም ስኡናትን (the have nots) እንትሕዞም እንተሎ፣ እቶም ሃፍቲ ዘለዎም ርኹባት (1-3% ዝኾኑ) ብገንዞቦም ኣብ ብጣዕሚ ብሉፅ ዝበሃል ሕክምና ብብሉፃት ሓኻይም ተሓኪሞም ይድሕኑ ኣለዉ፡፡ እቶም ዘይርኹባት ዜጋታት (ኣብነት ፀለምቲ ኣሜሪካውያን) ግና ብነፃ ወይ ብትሑት ዋጋ ዝሕክም መንግስታዊ ሕክምናዊትካል ስለዘየለ፣ መሐከሚ ዶላር ሲኢኖም ብኣልማሚት ይዕፀዱ ኣለዉ፡፡ ናይቶም ብርዥዋታት ጭካነ ድማ ወሰን የብሉን፡፡ካብዙይ ዘኸፍአ ደርባዊ ጭካነ ዘሎ ኣይመስለንን፡፡ እዙይ ማርክስ ይኹን ሌኒን ከይጠቐስካ ኮለል ኢሉ ዝረአ ዘሎ ደርባዊ ፍልልይን ናይ እዙይ ሳዕቤን ድማ ውፁዓት ደርብታት ዝሃልቅሉ ዘለዉ መስደመም ክስተት እዩ፡፡

እዞም ሰብ ሰብ እዩ ደርባዊ ኣፈላላይ ዝበሃል የለን ዝብሉ ዘለዉ እኒ ኣብይ እዚ ሓቂዚ ዋላ እንተፈለጥዎ ኣይቕበልዎን፡፡ ምኽንያቱ ን7 ዓመት ኣብ ንግስና ዘፅንሕ (ጥንቆላ ኣብይ) ጫፍ ዝረገፀ ፃምእ ስልጣን ክትግበር እዩ ኢሎም ዝሓልምዎ፣ ኩሎም ናይ ትማልን ናይ ሎምን ትምክሕተኛ ሓይልታትን ምስ ህዝብታት ደሚርካ ኣብ ሓደ ደንበ ኣእቲኻ ኣንታ ድኻ ፅባሕ ክሓልፈልካ እዩ ብዝብል ስብከተ ሓሶትን ምጭብርባርን ብምግፋሕ ስለዝኾነ፡፡

5.  ህወሓትን ደርባዊ ቃልሲን

ኣብ ኢትዮጵያ ቅድሚ ውድቀት ደርግ፣ መሬት ዝወነነ ግን ድማ ናይ ፍርያቱ ነፃ ተጠቃማይ ዘይኮነ፣ ዳርጋ ክልተ ሲሶ ፍርያቱ ብድርግ ዝንጠቕ ዝነበረ፣ሰብኣዊን ዴመክረሲዊን መሰሉ ተገፊፉ፣ሰላም ሲኢኑ ብኲናት ሰንሰን ዝበለ ገባር ምስ ካልኦት ጭቁናት ከተመኛታትን ወየንቲ ምሁራትን ኮይኑ ነቲ ናብ ሓሳረ መከራ ዘእተዎ ደርግ ኣብ ጉንቦት 1983 ዓ/ም ብቓልሱ ከምዘቃበፆ ብዙሕ ትንተና ዘየድልዮ ናይ ትማሊ ሓቂ እዩ፡፡

እዚ ሓቂዚ ደርግ ባዕሉ ንባዕሉ ኣብ ጉንቦት 81 ዓ/ም ብዝገበሮ መፈንቅለ መንግስቲ ወዲቑ እንበር ብህወሓት/ኢህወደግ እናተመርሑ ህዝብታት ኢትዮጵያ በታቲኾም ደርብየምዎ እዮም ዝብል መርገፂ የብሉን ኣብይን ባዕሉ ዝመርሖ ፓርቲ ብልፅግናን፡፡ ስለምንታይ? እዚ መላኺ ኣሃዳዊ ገዛኢ ደርቢ ፣ እቶም ትማሊ ብህወሓት ኢህወዴግ ዝወደቑን ዝተስዓሩን ተረፍ መረፍ ሓይልታት ትምክሕቲ ኣብ ጎኑ ኣሰሊፉ ኣብ ስልጣን ክፀንሕ እንተኾይኑ ሰማይን መሬትን ዘጣብቕ ሓሶት ብምንዛሕ እዩ፡፡ እቲ ዝገርም ካብ ኩሎም ሕሉፋት ገዛእቲ ብዝገደደ መልክዑ ብሓሶት፣ብምጭብርባርን ሽርሕን ዝነብር ዘሎ እዚ ጉዳም ሰብኣይን ስርዓቱን እዮም፡፡

ናፍቲ ምስ ደርብታት ዘተተሓዘ ቁምነገር ክምለስሞ ፣ ገባር ይኹን ካልኦት ደርብታት ኢተዮጵያ ከም ሕበረተሰባዊ ክፍልታት ወይ ደርብታት በቲሕብረተ ሰባዊ ምዕባለ ተፈጢሮም ዝማዕበሉ እምበር ህወሓት ኢህወዴግ ወይ ካልኦት ፓርትታት ጠፍጢፎም ኣይፈጠርዎምን፡፡

በቲ ካሊእ ገፁ እንትረአ እንተሎ ድማ፣ ህወሓት ብሄራዊ ሕቶ ብቁምነገሩ ደርባዊ ሕቶ እዩ ኢሉ ምብጋሱ ጥራሕ ዘይኮነስ እቲ ቐንዲ መልክዕን መግለፅን ደርባዊ ጎንፂ እውን ከምዝነበረ ተንቲኑ ብተግባር እቲ በሄራዊ ጭቆና እናጋለሃ ብትግራይ ደረጃ ከይተሓፀረ ብሃገር ደረጃ እውን ምስ መሓዝቱ ዴሞክረሲያውያን ውድባት ኮይኑ ደርባዊ ፀላእቱ ቆራሪፁደረብይዎም እዩ፡፡ እቲ ደርባዊ ቁምነገርን መልክዕን ዝኾነ ብሄራዊ ሕቶ ድማ ብቓልሲ ምላሽ ረኺቡ በሃገር ደረጃ ኩሎም ብሄራት፣ ብሄረ ሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ተሳንዮምን ብፍቓዶምን ማዕርነታዊ ሓድነት  ዝተረጋገፀላ ሓዳሽ ሃገር መስሪቶም ተሓጉሶም ምንባር ጀሚሮም ነይሮም እዮም፡፡

በየናይ መመዘንን ምኽንያትን ደኣ እዩ ትምክሕተኛታት ኣሃዳውያን ኣብ ኢትዮጵያ ህወሓት/ ኢህወዴግ ትግራይ፣ ኣምሓራ፣ ኦሮሞ፣ ሲዳማ፣ዓፋር፣ ወዘተ ዘበሃሉ ሕብረተ ሰባዊ ቅረፅታት (social structures) ባዕሉ ፈጢሩ (ክፈጥር እየ እንተዝብል እውን ዘይከኣል) ናብ ኲናትን ጎነፅን ኣእትዩ ኣብ ዓሌታዊ ጎጀታት መቓቒልዋ ይርከብእናበሉ ፃዕዳ ሓሶት እናነዝሑ ዝነብሩ ዘለዉ?

የግዳስ ብግልባጡ ዘየለ ከምዘሎ ገይርካ ምፍጣርን ነዙይ ኣብቲ ሕብረተ ሰብ ብግጉይን ዘንባዕን ንቐሓተ ህሊና (false conciousness) ኣስሪፅካ ነቶምዝተጠቐሱ ህልዋት ብሄራትን በሄረ ሰባትን ከምዘየለዉ ከዲዕኻ ንሳቶም ዘየብላ ሓንቲ ኢትዮጵያ፣ሓደ ባህሊ፣ ሓደ ታሪኽ፣ ሓደ ቋንቋ፣ ሓደ ሃይማኖት፣ ዘለዋ ሃገር እያ ነይራትና፣ ሕዝ እውን ዘለትና ዝብሉ ዘለዉ ኣሃዳውያን(ትምክሕተኛታት) እዮም ነውራማት ክበሃሉ ዝግባእ፡፡ ኣብ ኢትዮጵያ ህንፀተ-ሃገር ኣብ ዝሓለፉ ሰርዓታት ንብሄር ብሄረ ሰባት ብመብስቦ (intremarriage) መንነቶም ክዘራረግ፣ ከምሐርሕሩ፣ ተገዲዶም ሓበሻዊ ባህሊ ክህልዎም፣ ተገዲዶም ሃይማኖተ ኦረቶዶክስ ክርስትያን ክኽተሉ ብዙሕ ወፍሪ  ተገይሩ ኣይተሳኸዐሎምን፡፡ እዞም ነባራትን ሓደሽትን ኣሃዳውያን ትምክሕተኛታት ሕዚ እውን ኣይቀበፁን ፡፡

 ጂኦግራፍያዊ ፈደራሊዝም ዝብል ሓዲሸ ስም ንዝሞተ ኣሃዳዊ ስርዓት ኣውፂኦም ካብ መቓብሩ ክትስእ ፀዓርዓር ይብሉ ኣለዉ፡፡ዘይቀብፅስያ ዓይኒ ሬሳ ይቕንፍፅ፤ ዝብል ምስላ ብትኽክል ይገልፆም እዩ፡፡ በዙይ በለ በቱይ ኣብ ሕብረ ብሄራዊ ፍደራላዊት ኢተዮጵያ ሃገራዊ ህንፀት ወይ ሓደ ፖለቲካዊን ኢኮኖሚያዊን ማሕበረ ሰብ ክፍጠር ዝከኣል ብሄራውን ብሄረ ሰባውን ማንነት ብጂኦግራፈ ጨፈላሊቕካ ዘይኮነስ፣ ብሄራትን ብሄረ ሰባትን ኣብ ክልለን ባዕለን ንባዕለን ዘማሓድራሉ ብሃገር ደረጃ ድማ ብማዕርነት ዝነብራሉን ስልጣን ብሓባር ተማቒለን ዝሕዛሉን ፌደራላዊ ስርዓት ብምህናፅ ጥራሕ ምዃኑ ክስመረሉ ይግባእ፡፡ እዙይ ኢለ ዋልልኝ መኮነን ብዛዕባ ጉዳይ እዚ ዝበሎ ኣልዒለ ናብ ካሊእ መርገፂ ህወሓት ክሓልፍ፡፡

ምስ ሕብረ ብሄራውነት ዝተትሓዘ፣ ዋልልኝ መኮነን ኢትዮጵያ ብዋናነት ብምኽንያት ገዛእቲ ደርብታት ኣምሓራ ናይ ብሄራትን ብሄረሰባትን ቤት ማእሰርቲ ኮይና ኣላ ኢሉ ነቲ ብእዋኑ ዝነበረ ወድዓዊ ኩነታት ስርዓት ሃይለ ስላሰ ምትንታኑ  ፀሓይ ዝወቕዖ ሓቂ ነይሩ፡፡ ነዙይ ከዲዕኻ ከም ንፀረ-ኢትየጵያውነት ዝሞገተ ገይርካ ምውሳድ ነቲ ናይ ትማሊ ብሄራዊ ጭቆና እንደገና ክጥጥዕ ዝፅዕሩ ዘለዉ ናይ ትምክሕተኛታትን ኣሃዳውያንን ውዲት እዩ፡፡

ካሊእ መርገፂ ህወሓት ወያናይ ዴሞክረሲ ዝብል ፕሮግራም ሒዙ ይቕፅል ምህላዉ እዩ፡፡ እዚ መስመርዚ ኣብ ቅድመ-ርእሰማላዊ ምዕባለ እትርከብ ትግራይ ትኹን አትዮጵያ እቲ ኣብ ውሽጣ ዘሎ ልዕሊ 85% ዝኾን ገባር፣ ብትምህርትን ቴክኖሎጅን እናተሓገዘ ኣብ በቢውልቁ ዝሓርሶ መሬት ብዝለዓለ መፍረይነት ውፂኢታዊ እናኾነ ካብዙይ ሰጊሩ ድማ ብዘበናዊ ሓረስታይነት(commercial farming) ኣቢሉ ገሊኡ ክፋል ኣብ ናይ ገጠር ኢንዱስትሪ ገሊኡ ኣብ  ናይ ከተማ ኢንዱስትሪሸቃላይ ዝኾነሉ፣ ገሊኡ ድማ እናሃፍተመ ዓብዪ በዓል ሃፍቲ ዝኾነሉ ኩነታት ምፍጣር እንትኾን፣ በቲ ካሊእ ገፁ ድማ ነቲ አብ ከተማ ኣብ ደቀቕትን ኣናእሽተይን ትካላት፣ ከምኡ እውን ኣብ ማእኸለዎትን ዓበይትን  ኢንዱስትሪታት ተዋፊሩ ዘሎ ሕብረተሰባዊ ክፋል በቲ ልዕል ኢሉ ዘተገለፀ ኣገባብ ናብ ርእሰ ማልነት ዝሰጋገረሉ ኩነታት ምፍጣር እዩ፡፡

ናብዚ ኩነታትዚ ንምስጋር ሕቶ መሪሕነት ይለዓል እዩ፡፡ ኣብ ኢሮጳ ጉዕዞ ርእሰማልነት ብወያናይ መንገዲ ዝመርሕ ዝነበረ ብርዥዋ (ርእሰ ማላዊ) ድሕሪ 1850ታት ሐደ ግዜ እናተወላለ ሓደ ግዜ ድማ ምስቶም ወኪላት ድሕረት ዝኾኑ መሳፍንቲ እናተመሓዘወ ግደ መሪሕነቱ እናኻሓደ ስለዝተጉዓዘ፣ ዘይወየነ ንወያናይ ዴሞክራሲ ክመርሕ ኣይተዓደለን፡፡ ስለዝኾነ ኣብዚ ስግግርዚ ነቲ ርእሰ ማላዊ ብምውካል (ክሳብ ናብ በዓል ዋንኡ ዘረክብ) ነቲ ወያናይ ዴሞክራሲ ክመርሕ ታሪኻዊ ሓላፍነት ዝተሸከመ ወያናይ ምሁር ይኸውን ኣሎ፡፡ ሕወሓት እውን ናብዚ ርእሰ ማላዊ ስርዓት ንምብፃሕ  በዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገለፀ መንገዲ (መስመር) እያ ትኸይድ ዘላ፡፡ ብሊበራል ወይ ብንዮ- ሊበራል መንገዲ ካብ ቅድመ ርእሰ-ማላዊ ስርዓት ናብ ርእሰ-ማልነት ምስግጋር ዘይከኣል ምዃኑ ታሪኽ ኣፍሪካውያን ጥራሕ ምጥቃስ እኹል እዩ፡፡

 በዙይ መሰረት ወያናይ ዴሞክራሲከም ፕሮግራም ሒዝካ ምቅላስ፣ ገባርን ንኡስ ወናኒ ከተመኛን ክህፈትም ምቅላስ፣ ካፒታሊስታዊ ስርዓት ንምትካል ምቅላስ፣ ህወሓት ማሌ እዩ’ዶ የብሎ? ደርባዊ ቃልሲ እንትንርኢ እንተለና፣ ኣየናይ እዩ ማርክሲነት ኣየናይ ድማ እዩ ዘይማርክሲነት ዝብል ኣብ ላዕሊ ተቐሚጡ ስለዘሎ በዙይ ክሓልፎ፡፡ እቲ ዝገርመኒ ግና እቲ ሓቂ ካሊእ እንዳሃለወ፣ ህወሓት ደርባዊ ቃልሲ፣ ደርባዊ ኣረአእያ ስለዝብል በቶም ኣብ ትግራይ ዝንቀሳቐሱ ዘለዉ ገለ ተወዳደርቲ ውድባት ከየተረፉ እውን ህወሓት ማሌ እያ ምባሎም (ዘይኮነቶ ኮይና እያ ምባሎም) ተጋግዮም ጥራሕ ዘይኮነስ ርእሰ ማልነት ንምትካል ዝንቀሳቐስ ወይ ገባር ናብ ርእሰ ማላዊ ትራነስፎርምድ ክኾን ዓሊሙ ዝንቀሳቐስ ማርክሰ ሌኒናዊ ሓይሊ ትማሊ ኣይነበረን፤ ሎሚ የለን፤ ፅባሕ እውን ኣይህሉን፤ ኢለ ከጠቓልል፡፡

 

     

 

 

         

 


Back to Front Page