Back to Front Page

ኣሜሪካን ግብፅን ቅድሚ 135 ዓመታት ካብዝተርኣየ ጥልመት እንታይ ይመሃራ?

ኣሜሪካን ግብፅን ቅድሚ 135 ዓመታት ካብዝተርኣየ ጥልመት እንታይ ይመሃራ?

ማይክል ምናሴ 3-3-20

 

ጥልመታት ሓያላት ሃገራት ሕዚ ኣይኮነን ተጀሚሮም፡፡ ብዛዕባቲ ቅድሚ 135 ዓመታት ዝተፈፀመ ሓደ ዓብዪ ጥልመት እስቲ ክነዉግዕ፡፡ ብኣቆፃፅራ ፈረንጂ ብ1885 ዓ.ም. (ኣስታት 11 ዓመታት ቅድሚ ኲናት ዓድዋ) እንግሊዛዉያን ዉዕል ኣፍሪሶም፣ ቃሎም በሊዖም ከዲዖምና፤ ፀላእቲ ኣብ ድርኩኺት መሬትናን ገማግም ባሕርናን ክቆናጠጡዉን ገይሮም፡፡ ብዙሕ መዘዝ - ክሳብ ሎሚ ዘይዛረየ ኣበር ዝወለደ ጥልመት ነይሩ፡፡

 

እቲ ጉዳይ ከምዚ እዩ ነይሩ፡- ኣብ ኣፍሪካን ኤስያን ባዕዳዊ መግዛእታ እተስፋሕፍሕ ዝነበረት እንግሊዝ ብ1882 ንግብፂ ተቖፃፂራ፡፡ ኣብኡ እንተላ ድማ ኣብትሕቲ ባዕዳዊ መግዛእቲ ግብፂ ንዝነበረት ሱዳን ጠቕሊላ ሒዛታ፡፡ እዚ መግዛእቲ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ኣብ ታሪኽ ስምምዕ ኮንዶሚኒየም ይበሃል፡፡ ይኹንምበር፣ እንግሊዝ ንሱዳን ተረጋጊኣ ክትገዝኣ ኣይከኣለትን፡፡ ኣንፃር ባዕዳዊ መግዛእቲ ግብፂ ይንቀሳቐሱ ዝነበሩ ብማህዲ መሓመድ ኣሕመድ ይምርሑ ዝነበሩ ሓይልታት ሓርነት ሱዳን ወይ ድማ ማህዳዉያን (ንሕና ብልምዲ ደርቡሽ እንብሎም) ኣብልዕሊ እታ ሓዳሽ ገባቲት ዝኾነት እንግሊዝ እዉን ተለዓሉ፡፡ ማህዳዉያን ንቶም ብሓይሊ ክጎብጥዎም ዝመፁ እንግሊዛዉያን ዝረግፁዋ ስድሪ መሬት ኣስኣኑዎም፡፡ እንግሊዝ ሓይልታታ ካብ ሱዳን ክተዉፅእ ወሲና፡፡ እንተኾነ ግና ካሊእ ከቢድ ፀበባ ገጢሙዋ፡፡ ማህዳዉያን ኣብ ብዙሓት ቦታታት ሱዳን ነቚጦም ንዝነበሩ ባዕዳዉያን ሰራዊት እንግሊዝን ሃፍቲ እማቶም ክወሩ ንዘስፈረቶም ሲቪላት ዜጋታታን ኣብ ክባ ኣእትዮዉዎም ነይሮም፡፡ መሽሎኺ ተስኣነ፡፡ ሽዑ ነይሩ እንግሊዝ ንሃፀይ ዮሃንስ ርድኡኒ ዝበለት፡፡

Videos From Around The World

 

እንግሊዝ ላዕለዋይ መኮንን ሓይሊ ባሕራ ንዝነበረ ንሬር ኣድሚራል ሰር ዊልያም ሄዊት ልኡኻ ገይራ ናብ ኢትዮጵያ ሰዲዳ ሃፀይ ዮሃንስ እቶም ኣብ ሱዳን ዝተኸበቡ ሓይልታታ መሽሎኺ ኮሪደር ክኸፍቱሎም ተመሓፀነት፡፡ ሃፀይ ዮሃንስ ብወገኖም እንግሊዝ ክልተ ነገራት ክተማልእ ብምሕታት ክተሓባበሩ ከምዝኽእሉ ገሊፆም፡፡ 1) ቅድም ኢሉ ንዝነበረ ክፍተት ተጠቒሞም ግብፃዉያን ዝሓዙዎ ከባቢ ቦገስ (ከረን) ናብ ኢትዮጵያ ክምለስ፣ 2) ዓሰብ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ኢትዮጵያ ምዃና ኣፍልጦ ክወሃብ፡፡ እቲ ቀዳማይ ሕቶ ተቐባልነት ረኺቡ፡፡ ጉዳይ ወደብ ዓሰብ ብዝምልከት ግን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር እንግሊዝ ክትቅፅል፣ ግን ድማ ኢትዮጵያ ንኣፅዋር ዉግእ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ሸቐጣት ብነፃ ክተመላልሰሉ ምርድዳእ ተገይሩ፡፡ ንዞም ነጥብታት ዝሓዘ ዉዕል ድማ ብኣቆፃፅራ ፈረንጂ ሰነ 1884 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ዓድዋ ኣብ ሞንጎ እንግሊዝን ኢትዮጵያን ተፈሪሙ፡፡ ግብፂ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ እንግሊዝኳ እንተነበረት ከም በዓልቲ ጉዳይ ተቖፂራ 3ይቲ ፈራሚት ኮይና፡፡ እቲ ስሉስ ዉዕል (Tripartite Agreement) ዉዕል ሄዊት፣ ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ዉዕል ዓድዋ እናተብሃለ ይፅዋዕ፡፡ 

 

ብመሰረት እዚ ዉዕል የማናይ ኢድ ሃፀይ ዮሃንስን ናይቲ እዋን ስሙይ ኣፍሪካዊ ጀነራልን ራእሲ ኣሉላ ኣብ ሱዳን ኣብ ሽድሽተ ነቑጣታት ተኸቢቦም ንዝነበሩ እንግሊዛዉያን ኣፍቲሖም፡፡ ግና ሸሞንተ ወርሒ ኣብዘይመልአ ግዜ ብ1885 እንግሊዝ ጠሊማ፡፡ ጣልያን ንምፅዋዕ ክትትሕዛ ገይራ፡፡ ከምኡ ዝገበረት ድማ ንታ ቀንዲ መነሓንሕታ ዝነበረት ፈረንሳይ ናብቲ ከባቢ ከይትቀላቐል ንምክልኻል እዩ፡፡ ሓደ ግዜ መቆናጠጢ ዝረኸበት ጣልያን ካብታ ኣብ ምፅዋዕ 4 ትርብዒት ማይል ዘይትዛይድ መርገፂ እግሪ ሰራዊታ ጥራሕ ሒዛ ካብዝነበረትሉ ሓሊፋ ብምስፍሕፋሕ ሃፀይ ዮሃንስ ኣፅዋር ዘእትዉሉ ቦታታት ዓፂያ፡፡ ካብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ 30 ኪ.ሜ. ንዉሽጢ ኣትያ ንሰሓጢን ዊዓን ተቖፃፂራ፡፡ ጣልያን ኣደብ ክትገዝእን ሰራዊታ ክትስሕብን እንተተለመነት ብብደዐ ኣብተን ሓደሽቲ ቦታታት ዕርድታታ ኣጠናኺራ፡፡ ኣብ ኣስመራ ማእኸሉ ገይሩ ንሉኣላዊ ግዝኣት ኢትዮጵያ ይሕሉ ዝነበረ ራእሲ ኣሉላ ብዚ ተቖጠዐ፡፡ 5000 ሰራዊት ሒዙ ድማ ንቲ ወራሪ ክምክት ተንቀሳቐሰ፡፡ ንቲ ኣብ ሰሓጢ ዝበፅሐ ሓይሎም ዝድግፉ 540 ወተሃደራት እንትልእኹ ኣሉላ ኣብ እምባታት ደጎሊ (ዶግዓሊ) ኣድብዩ ፀኒሑ ሃንደበት ወሪድዎም፡፡ ብዘይካ ዉሑዳት ዘምለጡ ዳርጋ ንኹሎም ኣሕቒቑዎም፡፡ እንትብገሱ ከም መብረቕ እንትበፅሑ ድማ ከም ነጎድጓድ እዮም ነይሮም። ዉሩይ ከያኒ ኣበበ ኣርኣያ ከምዝበሎ 

 

ኣንበሳ ዲኻ ብሕኒን ተርዕዶም

ሽላ'ባ መሲልካ ኣድቢኻ ትዓብጦም

ሃንደበት ትወርዶም እዩ ኾይኑ፡፡ 

 

ሽዑ ኣብቲ ቦታ ዝነበረ ሓደ ፀሓፊ ገድሊ ራእሲ ኣሉላ፣ ኣሉላን ሰራዊቱን ናብ ኲናት ጦጒጎም እንትኣትዉ ዝነበሮም ወነ ርእዩ ናብ ጋማኦም/ዳሶም ዝተሙ ዘለዉ መርዑት ይመስሉ ነይሮም ኢሉ ገሊፁዎ፡፡ 

 

ጣልያናዉያን ንኲናት ደጎሊ ምስቲ ኣብ ጥንቲ ግዜ ኣብሞንጎ ስፓርታን ፐርሺያን ዝተገበረን ንጉስ ሊዮኒድስን 300 ስፓርታዉያንን ዝሃለቑሉን ኲናት ተርሞፓይሌ ኣመሳሰሉዎ፡፡ እቲ ኣፈላላይ ኣብ ደጎሊ ዝተወድኡ እቶም ወረርቲ ምዃኖምዩ፡፡

 

ጣልያን ካብ ሰሓጢን ዊዓን ክተንሳሕብ ተገዲዳ፡፡ ሽዑ ናብ ኢትዮጵያ መፂኡ ዝነበረ ኦገስተስ ዋይልድ ዝተብሃለ እንግሊዛዊ መንገደኛ ንጥልመት መንግስቲ ሃገሩ ከምዚ ክብል ነቒፉ፡፡ 

 

ኣብ ልዕሊ ንጉስ ዮሃንስ ዝተኸተልናዮ ኣካይዳ ብዝኾነ መዐቀኒ እስቲ ረኣዩዎ፡፡ ክንዲ ኣድሪ እትኸዉን ቅንዕና ኣየርኣናን፡፡ ካብ ሞንጎ እቶም ኣብ ኣፍሪካ ዝፈፀምናዮም የመና ዝኸፍኡ ገበናት ሓደ እዩ፡፡ እንግሊዝ ንዮሃንስ ተጠቒማ እያ ንበላዒ ደርቢያቶ፡፡ እናፈለጥና ጣልያን ንመሬት ፈታዊናን ሓጋዚናን ክትሕዝ፣ ንምፅዋዕ ክትቆፃፀር ገይርና፡፡ ዮሃንስ ኩሉ ዝኣተዎ ቓል ብእምነት ምስፈፀመ ንሕና ቓልና ስለዝነላዕና ጣልያን እቲ ዝተኣሰረ ዉዕል ክተፍርሶ ፈቒድናላ፡፡ እዚ ህዝቢ እንግሊዝ ኣይፈልጦን፡፡ ክዉን ተዘይኸዉን ምተመነኹ፡፡ እቲ ዘሕዝን ግን እቲ ሓቂ ንሱ እዩ፡፡ ኣብዚ ክፍለዘበን ኣብ ኣፍሪካ ይኹን ኣብ ህንዲ ካብሞንጎ ዝፈፀምናዮም የመና ዝወረዱ ተንኮላት ሓደ እዩ፡፡

 

ጣልያንን ኢትዮጵያን ኣብ ድርኩኺት ሙሉእ ኲናት ኣትየን፡፡ ቕልፅም ኣሉላ ኣብ ደጉዓሊ ዝጠዓመት ጣልያንን ብዘይ ዉግእ ድልየታ ክተዐዉት ስለዝደለየት እንግሊዝ ምስ ኢትዮጵያ ብሞንጎኝነት ክተደራድራ ሓተተት፡፡ ሽማግለ ኾይኑ ዝነቕዐ ክጭግን ተባሂሉ ኣብ ቅድሚ ሃፀይ ዮሃንስ ዝቐረበ ዲፕሎማሰኛ እንግሊዝ ሰር ጀራልድ ፖርታል ግን ናይ ሽማግለ ስራሕ ኣይሰርሐን፡፡ እኳደኣስ ጣልያናዉያን ተመሊሶም ናብቲ ተደሲቖም ዝለቐቑዎ ሰሓጢን ዊዓን ጥራሕ ዘይኮነስ ግብፂ ንዮሃንስ ኣረኪቦምዎ ናብዝኸዱ ከባቢ ቦገስ (ከረን) እዉን ክምለሱዩ ሓቲቱ፡፡ ከም ካሕሳ እቶም ዝሃለቑዋ 500 ወተሃደራታ ምዃኑዩ፡፡ እንግሊዝ ንዝፈረመቶ ዉዕል ሄዊት ብኸምዚ ኣገባብ ከምዘይነበረ ክትገብሮ ምዉሳና ኣሕዚንዎም፡፡ ንዮሃንስ እቲ ናይ ጣልያን ስሰዐን ቀንጠብጠብን ኣይኮነን ኣግሪሙሎም፡፡ ናይ እንግሊዝ ጥልመት ግን የመና ኣቖጢዑዎም፡፡ ንግስቲ እንግሊዝ ናብዝነበረት ንግስቲ ቪክቶርያ ኣብዝሰደድዎ ደብዳበ ዘሕለፉዎ ቆራፅን ታሪኻዉን መልእኽቲ ድማ ንዚ ናይ ሕዚ ወለዶ ዓብዪ ፅንዓት ዝፈጥር ዉርሲ እዩ፡- ሰላም ክህልወና እንተደሊኺ፣ ቅድም ቀዳድም ልክዕ ከምቲ ንሕና ኢትዮጵያዉያን ኣብ ሃገርና ዘለና፣ ጣልያናዉያን እዉን ኣብ ሃገሮም ይረኸቡ፡፡ 

 

ፖርታል ንሃፀይ ዮሃንስ ቅድሚ ምርካቡ ንኣሉላ ኣብ ኣስመራ ረኺቡዎ ነይሩ፡፡ ሽዑ ናብ ቤተመንግስቲ ኣሉላ እንትኣትዉ ንዝረኣዮ ፖርታል ብኸምዚ ይገልፆ፡- ኣሉላ ካብ 70 ብዘይንእሱ ሓገዝቶም ተኸቢቦም እግሮም ኣመሳቒሎም ኮፍ ኢሎም ነይሮም፡፡ ወይን ጠጅ ዝሕብሩ ሃሪ ለቢሶም ኣብ ጥቕኦም ድማ ማርቲኒ ሄንሪ ዝዓይነታ ብረት ግድም ኢላ ነይራ ይብል፡፡ ካብ ኩሉ ንፖርታል ሃነን ዘበሎ ተክለ ሰዉነት ኣሉላ ኣብ ፀሊም ገፁ ዝረኣዮ ህብረ-ቐለም ኣዒንቱ እዩ፡፡ የመና ስለዝተደመመ እዉን ከምአን ዝበላ ኣዒንቲ ኣብ ርእሲ ነብሪ ወይ ነብሪ ጎልጎል እንተዘይኮይኑ ኣብ ርእሲ ሰብ ኣይረኣኹወንን ብምባል ገሊፁወን፡፡ ዝኾነ ኾይኑ ፖርታል ልፋዕ እንትብሎ እምበር ናብ ዮሃንስ እንተይከደዉን እታ ቅዋም ኢትዮጵያ ወይከ ምንቕ ከምዘይትብል ኣሉላ ነጊሩዎ ነይሩ እዩ፡፡ ጣልያን ንሰሓጢን ዊዓን ከመሓድሩ ዝኽእሉ ኣነ ናብ ሮማ ከይደ ከመሓድር እንተኾይነ ጥራሕ እዩ ብምባል፡፡

 

ጥልመት እንግሊዝ ደሓር ብዙሕ ጣጣ እዩ ወሊዱ፡- ምስፍሕፋሕ ጣልያንን ምስ ዉሽጣዊ ሓይልታት ዝኣለሙዎ ሽርሕታትን ሓይሊ ሰራዊት ዮሃንስ ኣብ ሰለስተ ቦታ ክከፋፈልን ክዉጠርን፣ ንዚ ኽፍተት ተጠቒሞም ማህዳዉያን ዝኸፈትዎ መጥቃዕቲ ሕነ ምፍዳይ፣ ጥልመት ንጉስ ሚኒሊክን ንጉስ ተ/ሃይማኖትን፣ ሞት ሃፀይ ዮሃንስ፣ ሙሉእ ጎበጣ ኤርትራ፣ ምድኻም ትግራይን ዘብዒ ሉኣላዉነትን ፋስት ፎርወርድ ሕዚ ዘለናሉ ኩነታት፡፡  

 

ጣልያናዉያን ንሕነ ስለዝደልዩዎ ንቶም ኣብ ኲናት ደጎሊ ዝሃለቑ 500 ወተሃደራቶም ኣብ ርእሰ ኸተማኦም ኣብ ሮማ ሓወልቲ ተኺሎሙሎም፡፡ ሻዕቢያ ግን ንዝኽሪ ኣፍሪካዊ ጀነራል ንራእሲ ኣሉላ ኣብ ደጎሊ ዝቖመ ሓወልቲ ከፍርስ ግዜ ኣይወሰደን፡፡ ኤርትራዊ ፀሓፍን ፖለቲከኛን ዮሴፍ ገ/ሂወት ንዚ ግልብጥሽ ስራሕ ሻዕቢያ እንትገልፅ ኣንፃር ባዕዳዊ መግዛእቲ ናይዝተጋደለ ጅግና ዝረኣይ ሓወልቲ ብምፍራስ ናይ ባዕዳዉያን ገዛእቲ ዘይረኣይ ሓወልቲ ተኺሎም ኢሉ፡፡ እዛ ናይ ሎምቕነ - ንዝኽሪ ዓወት ዓድዋ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ዶስ ታይዶ በይዶስ - እትብል መግለፂ ሻዕቢያ ዳኣ ነጥሮ ቦቀል ኣይመሰለትኩምንዶ? ንሱ ካሊእ ግዜ ክንምለሶዋ፣ እንተ እንግሊዝሞ፣ ንእምነት ኢትዮጵያ እንተዘይትጠልምሞ ብመሰረት ዉዕል ሄዊት ንጣልያን ኣደብ ደኣ ግዝኢ፣ ኣይፋልክን ምስ ኢትዮጵያዉያን ብሓይሊ ኣየዋፅእን እንተዝብሉዋ ጣልያናዉያን ኣይምተዋረዱን፡፡ እንግሊዛዉያን ናብቲ ኣብ ሮማ ዘሎ ሓወልቲ ቹንኴ ቼንቶ (ሓወልቲ 500 ስዉኣት) ከም ዑደተኛታት እናኸዱ ካብ ምርኣይ ሓሊፎም ንጣልያን ዝጠቐሙዋ ነገር የለን፡፡ 

 

ኣሜሪካዉያንን ግብፃዉያንን ካብዚ ቅድሚ 135 ዓመታት ዘጋጠመ ጥልመት ክመሃርዎ ዝግበኦም ነገር ኣይህሉንዶ ትብሉ?

Back to Front Page