ሙሉጌታ በሪሁ 09-15-20 mba1277@gmail.com
አቐዲመ አንታ ኩሩዕ ህዝበይ ህዝቢ ትግራይ ፦እንዃዕ ንሓዱሽ ዓመት ብሰላም አብፃሓካ፤መፃኢ ዓመት ናይ ሰላም፣ናይ ፍቕሪ፣ ናይ ራህዋን ናይ ዕቤትን ንክኾነልካ እናተመነይኩልካ፦ብተወሳኪም፣መግለፂ ድርብ ሓጎስ ዝኾነ ዘኹርዕ መሰል ዓርሰ ውሳነኻ ብማንም ዝውሃብን፦ዝኽላእን ኸምዘይኮነ አብ ቕድሚ ህዝቢ ዓለም ፣ዘኹርዕ መረፃ ብምግባር ኸማሓድረኒ ይኽእል እዩ ኢልካ ዝአመንካሉ መራሂ ውድብ ብምምራፅኻ፤ አብ ደገ አብ ስደት ዘለና ደቕኻ ዝተሰማዓና ኹርዓትን ሓጎስን፣ ብሽም ኩሉ ትግራዋይ ዳያስፖራ፣ ደጊመ እንዃዕ ደስ በለኻ ኽብል ይፈትው።
ዝኸበርኹምን ፣ዝኸበርኽንን እሕዋት ፡ ቕድሚ ናብ ሓሳባውን ፣ ትምኒታዊን ባህገይ ምእታወይ ፣ እዚ ዘቕርቦ ዘለኩ ፅሑፍ ብዓይኒ ፖለቲካ ፣ ሃይማኖት ወይኻዓ ድርጅታዊ ፣አሰራርሓን ፣ አመራርሓ ማሕበረሰብ እንተይኮነስ ፣ ኸም ማሕበረሰብ እሞኻዓ ፣ ኸም ተጋሩ ፣ ፀገምና ብዓይኒ ሕድሕድ ትግሯዋይ ፡ ሪዒናን ተረዲእናን ፣ኹላህና ባዕልና ሓቲትና ፣ ባዕልና ኸንምልሶሞ ናይቲ መፍትሒ አካል ኽንከውን እዩ ድሌተይ።
አብዝቐረባ እዋን ፣ ብኒ ባዓል ጀነራል ተ/ብርሃን ፣ ሌ/ኮነሬል ቢንያም ፣ ሻለቓ ይኩኖን ዶ/ር ሳሙኤልን ፣ አብርሆት (ኢንላይትመንት)ብዝብል መድረኽ ዝውሃብ ዘሎ ትምህርቲ፣ ሙሉእ ብሙሉእ አነም ዝአምነሉ ስለዝኾነ ፣ኻፍቲ እዞም ሙሁራት እዚዖም ዘቕርቡሉ ሙያዊ ትሕዝቶ አገላልፃን ፣ ቅልል ብዝበለ ኹሉ ትግራዋይ፣ ኻብ ምሁር ኽሳብ ሓረስታይ፣ ኻብ ዓብይ ኽሳብ ንኢሽተይ ፣ ኽርድኦ ብዝኽእል ቛንቛን አገላልፃን ምስ ዕለታዊ መነባብሮና እናታሓሓዝኩ ኸቕርቦ ኽፍትን እምበር፣ ትሕዝትኡን ዓላሙኡን ብዙሕ ፍልልይ አለዎ ኢለ አይአምንን እየ።እቲ ምንታይ እታ ዋና ነጥቢ፦ትግራዎት ላዕሊ ነይርና ፤ንምንታይ ኻብ ዝነበርናዮ ብርኪ ወሪድና ? እዚዓ እያ እታ ዋና ነጥቢ፣ነዚዓ ተረዲእና ድማ ኸም ትግራዎት፣ ውሽጣዊ ህሊናናን ተጋብርናን ብምፍታሽ ፣ፅቡቕነትና ብምድንፋዕ ፣ድኽመትና አፍልጦ ብምሃብ፣ አብ ዕቤትን መፃኢ ብሩህ ተስፋን ትግራይን እጃምና ንኽነውፍይ እዩ ድሌተይ ። እቲ ምንታይ ድማ ?
ማሕበረሰብ ማለት ፣ እኽብካብ ወልቀሰባት ስለዝኾነ ። ውልቀ ሰብ እንትድመር ውልቀሰብ ይኸውን ቤተሰብ ። ቤተሰብ እንትድመር ቤተሰብ ይኸውን ማሕበረሰብ ። ናይቲ ማሕበረሰብ አፀዋውዓ ኸከም በዝሑ ቑሸት ፣ ወረዳ ፣ ዞባ ፣ ኽልል ። ሃገር ፣ እናበለ ይቕፅል ማለት እዩ ። ስለዝኾነ ድማ ሽግራትና አብ ክንዲ እናዘለልና ፣ መንግስትን ድርጅታትን ምውቃስ ፣ ንሕና ኸ ኸም ውልቀሰብን ኸምትግራዎት ግዴናን ፣ ግዴታናን ዶ ንፍፅም አለና ? ግደይ ዶ እፍፅም አለኹ ብዛዕባ ብሕታዊ ተጋብርናን ስራሕትናን ቕኑዓት ዲና ? ቕኑዕ ድየ ዝወሃበና ሓላፍነት፡ እንሰርሖም ስራሕቲ፡ ንውስኖም ውሳነታት፣ ሕሊናዊ ዶስ ? ስምዒታዊ ? አነ መን እየ ? እንታበይ መፂኤ ? አበይ እንሄኹ ? ናበይ ኸ እኸይድ አለኹ ?አብ ዕቤት መፃኢት ብርህቲ ትግራይ አስተዋጽኦይን፣ ግዴታይከ እዋፃእ ዶ አለኹ? ኢልና ነብስና ጠይቕና ዶ ንፈልጥ ? እቲ መልሲ ምሳኻ፣ምሳኺ፣ ምሳይ፣ ምስኹላህና አብ ውሽጥና ምንዳድን ምብራዕን ይጀምር ። ሽዑ ለውጢ ሓደ ሰብ ፣ለውጢ ጅማሮ አብርሆት(ኢንላይትመንት) ትግራይ ይኸውን ኢለ ይአምን።
ሓቂ ኻባኻን,ኻባኺን, ኻባይን ይጅምር ። ኸም ተጋሩ ብትግራዋይነት ኸንምልሶ ዘለና ሕቶ እዙይ እዩ ኢለ ይአምን። እዙይ እንትንምልስ ሽግራትናን፦ ድኽመታትናን ስለንፈልጥን፣ ንርዳእን ፡ መፍትሒ ናብ ምድላይ ኢና ኽነትኹርን ኽንአትውን፣ አብርሆት (ኢንላይትመንት) ማለት እዙይ እዩ። የቐንየለይ እምባአርከስ እቲ ቐንዲ ፀገም ተጋሩ ሕፅር ብዝበለ ቓላት ኽቐምጦ እሞ ፣ አብ ታሕቲ ድማ ብመርትዖ እናታሓሓዝኩ ኽገልፆ ይፈቐደለይ ። ዋና ፀገምና ኸም ተጋሩ ፣ አብ ዕለታዊ መነባብሮና ቅድሚያ እንህቦ አነነት ስለዝኾነ ጥራሕ እዩ ። ንዓይ ይመችወኒ ፡ ናተይ ረብሓ ይማላእ፡ ብዝብል ስሱዕ ስነልቦናን፦ድሌትን ስለዝተዋሓጥናን፣ ስለዝተሸነፍናን ጥራሕ እዩ ኢለ ይአምን። ኾይኑ ግን ፀገማትናን ፣ ድኽነትናን ፣ድሕረትናን ኽንረትዖ እንድሕር ኾይና ፣ ኻብ አነ ፡ ናብ ንሕና ፣ ኻብ ኽሓልፈለይ ፡ ናብ ኽሓልፈልና ፣ ኻብ ንበይነይ ፡ ንኹላትና ፣ ኻብ ውልቃዊ ረብሓና ፡ ሓበራዊ ዕቤትና ፣ ዝሓስብን፣ ዘቕድምን ስነልቦና፣ ምህናፅ ኽንጅምር አለና ኢለ ይአምን። (ኻብ አነነት ዉልቃዊ ድሌት፣ናብ ናተይነት ማሕበራዊ ሓልዮት) ኽንቅይሮ ንኽዕል ኢና ኢለ ይአምን። እዚ ሎሚ ዝንሄናሉ ስነልቦናዊ አተሓሳስባን ፡ እምነትን ፡ ድሌትን፣ ነቲ ዋና ዓንደ ሑቐ ባህሊን ፣ ማንነትን፣ ታሪኽን፣ ዝነበረና ላዕላዋይነት፣ ነይርና እናበልና ንኾርዓሉ ንውዕል ዘለና፣ ናይ አኽሱማዊያን(ትግራዋይነት)ስነልቦናን ታሪክን፣ኸም ተጋሩ ምስዚ ዕዋን እዙይ ይምጥነና ዶ ? አይምጥነናን።ኾይኑ ግን ተጋሩ ኻብ ደቂስናዮ ዝነበርና ኸቢድ ድቃስ፣ ንባራበር ዘለና መሲሉ ይርአየኒሎ።
ኸም ሐደ ትግሯዋይ ፡ ንሃገረይን ንህዝበይን ዘለኒ ባህጊን ትምኒትን ፣ ሰላም ፣ ፍቕሪ ፣ ራህዋ፣ ፍትሂ ፣ ማዕርነት ኮታስ ኸምቲ ህዝበይ ዝምነዮ ሓልዮት ዝመልዖ መነባብሮ ኽርእይ ይምነይ ። ብፍላይ ድማ ታሪኽን ባህልን ህዝበይ ኽርዒ እንተለኹ ፡ ብዝተፈላለየ አንፈት መዚነን አስተውዒለን ፡ ዝረኽቦ መልሲ ምንም ፍታህ ኽረኽበሉ አይኻአልኩን ። እቲ ምንታይ ድማ ፣ ማህበረሰብ ኹሉ ሐደ ዓይነት ፍልጠትን ድሌትን የብሉን። ንአብነት ውልቀ ሰባት ዝተፈላለየ ሞያን ኽእለትን አለዎም ። ሓረስታይ ፣ ነጋዳይ ፣ ጥበበኛ፣ ቐሺ ፣ መምህር ፣ ወታደር ፣ ዳኛ ፣ ምህደራ ፣ፖለቲከኛ ወ.ዘ.ተ ዝመሳሰሉ ሞያታት ፣ ተደሚሮም መነባብሮ ማሕበረሰብ ብሕጋውነት ኽምራሕ፣ ዕቤት ሃገር ብትልሚ ንኽምራህ አንፈት ይህቡ ፤ ።ማንም ዝኾነ ሰብ፣ እናፈለጠ ይኹን እንተይፈለጠ፣ ንዝፍጽሞ ስሕተት ይኹን ሸፈጥን ገበን ድማ ታሓታታይ ዝገብር ስርዓት ይሃንጽ ።
ተጋሩ ድማ ብዚ ታሪኽ እዙይ ፡ አብ ዓለም ኻብ ዘነበሩ ዓበይቲ ነገስታት ኸምኒ ሮማውያን ፣ ቻይናውያን ፣ ህንዳውያን ፣ ፐርሻውያን ፣ ማዕረ አኽሱማውያን ተባሂልና ንፍለጥ ነይርና ኢና። እቲ ብጣዕሚ ዘህዝን ግን ፣ እዞም አህዛብ እዚዖም ፡ ሎሚውን ኻፍቶም ዓለም ዝመርሁ ዘለው ሃፋትም ምዕቡላት ሃገራት ውሽጢ ዝምደቡ እዮም ፣ ንሕና ድማ ብግልብጢት፣ ኻፍቶም ናይ ዓለም ድኻታት ውሽጢ ንምደብ ማሕበረሰብ ኢና። ንምንታይ ?
እዚ ሕቶ ዙይ ንንሕድሕድና ተጋሩ ኽንምልሶ ይግባዕ ኢለ ይአምን ። ምኽንያቱ ድማ ኹላህና ተጋሩ ኸም ተጋሩ ፣ ንውድቐት ትግሯይ ፡ ኾነ ንዕቤት ትግሯይ ዘይሕለፍ ግደ ተፃዊትና ኢና፣ ወይኻዓ ንፃወት አለና ኢና ኢለ ብወገነይ ይአምን ። ልኽዕ እዩ ፡ ድሕሪ ውድቀት አኽሱማውያን ፣ ንአሻሓት ዘመን ባዕዳውያን ዘይ ተጋሩ ባህሊታትናን፣ ታሪኽናን መንዚዖም ወሲዶም፣ ተገልቢጦም እቲ ኻባና ዝወሰድዎ ባህሊን ታሪኽን፣ ኽምህሩናን ኽዕብሉሉናን ፀኒሖም እዮም፣ ሎሚውን ይቕፅሉሉ አለዉ ።ይኹንምበር ፣ ናይ ትግራዎት ፀገም፣ ብትግራዎት ዝተፈጠረ እዩ። ንውድቀትና ድማ ኻባና ኻብ ተጋሩ ንላዕሊ ዝጥየቕ ኻሊዕ ወገን ወይኻዓ አካል የለን፦ርግፅ እጃሞም ተፃዊቶም ኽንብል ንኽዕል ኢና።
ሕፅር ብዝበለት መርትዖ ኽገልፅ፣ተጋሩ ፊደል፣ቛንቛ ግዕዝ ፣ያሬዳዊ ዜማ፣ኽርስትና ሃይማኖት ናህና እዩ ንብል ። ቛንቛና ትግርኛ ኾይኑ ፣ቤተኽርስቲያናትና ግን ብናይ ኻልዖት ቛንቛ አምሓርኛ ይፅልያልና።
ኻሊዕ ሓድግታትን ታሪኽ ትግራይን፣ባዕልና ኽንውስን፣ኽንመርሕ እናተገባአና አዲስ አበባ ብዘለው ሰበስልጣን ይውሰነልና። ንአብነት አብ ላሊበላን አብ ጎንደርን ኻሜራ ሒዝካ አቲኻ ስዕሊ ኽተልዕል ትኽዕል ኢኻ ። አብ መቐለ ሃፀይ ዮውሃንስ ቤተመንግስቲ ስዕሊ ኽተልዕል አይትኽዕልን። ባህሊሚኒስተር ትግራይ ግን ንምንታይ ? ኢሉ ዝጠየቐ የለን፣ ቐቢሮምና ነይሮም ሕዚውን ኽቐብሩና ይደልዩ። ንሕና ኸ ሱቕ ኢልና ዶ ንቀበር ?ሓወልቲ አኽሱም ዝሰርሐ ህዝቢ፣ኸመይ ጌሩ ይልምን ? ንወዲሰብ ፍትሒን ማዕርነትን ዝስዋእ ህዝቢ፣ ኸመይ ጌሩ ፍትሒን ማዕርነትን ይስእን ?
አብ ሓደ እዋን አብ ናይጄርያ ዩኒቨርስቲ ፣ ብዛዕባ መሸጣ ባሮት እንትኻትዑ ፣ መብዛሕትኦም ተማሃሮ አውሮፓዊያ (ፅዓዱ) ንአፍሪቃውያን ብግዲ አናአሰሩ ብምውሳድ ይሸጥዎም ነይሮም፣ ዝብል መርገፂ እንትሕዙ ፣ ፍርቆም ተማሃሮ ድማ የለን፣ ንቶም ባሮት ዝሸጥዎም መራሕቲ እቲ ኸባቢ ዝኾኑ አፍሪቃዊያን ዳአምበር (ፅዓዱ) አውሮፓዊያ አይኾኑን ፣ ምኽንያቶም እንተርድዑ ድማ አውሮፓዊያን ናብ ዘይፈልጥዎ ዱርን ቦታን በዘይ አፍሪቓዊ ወዲ ሃገር መራሓይን, ሓባራይን ኻብ አውሮፓ ዝመጹ ወረርቲ፣ በይናቶም ኸሳኽዕዎ አይኽእሉን። በዚ ምኽንያት እዙይ ድማ አብ አፍሪቓዊያን ዝተፈፀመ ግፍዒ፡ መሸጣ ባራዩ፤ ኻብ አውሮዻውያን ንላዕሊ፡ ተጠየቕቲ ፀለምቲ አፍሪቓዊያን እዮም ዝብል ነይሩ ። ናተይ ቕዋም ምስቶም ፀለምቲ ኻፍቶም ፅዓዱ አውሮፓውያን ንላዕሊ ተሓተቲ እዮም ዝብሉ እየ ። እቲ ምንታይ ?
ንጠበንጃን ፣ንቕርሽን ንዓብላላይነትን ንስልጣንን፣ ኢሎም እሕዋቶምን ፣ ህዝቦምን ዝሸጡ ዘለዉ አፍሪቓዊያን እምበር አውሮፓዊያን አማ አሚነሙሉስ፣ ወዲስብ ኸምአቕሓ ኽገዝዑ ህያባቶም ሒዞም መፂዖም ። አፍሪቓዊያ እንተዘይድግፍዎም ኔሩ, ኽወግእዎምን, ክከላኸልዎምን ይኽዕሉ ነይሮም እዮም ። ናህና ናይ ተጋሩ ውድቀት ድማ ምስእዚ ኽስተት እዙይ ተማሳሳላይ እዩ። ስለዝኮነ ድማ ፡ በቱይ ይበል በዙይ ፣ቕድሚ ሽሕ ዓመት ይኹን ፣ ቕድሚ ፳ ዓመት ብዘየግድሽ ፣ ነዛ ንርከበላን ፣ዝንሄናላ ትግራይ ፣ ብርኪ ዕቤት ንበሎ ውድቀት ፣ተሓተቲ ባዕልና ፡ ንሕና ተጋሩን ፣ ተጋሩን ጥራሕ ኢና ።
ንአብነት ሓደ ትግሯዋይ ንረብሓ ትግሯይ ኽቓለስን ፣ ኽስዋዕን እንተሎ ፣እቲ ኻሊእ ትግሯዋይ ድማ ፡ ብናይ ባዕሉ ድሌትን ረብሓን ፣ አንፃር ሓው ብምቅላስ ማዕሮ ምቅትታል ይስለፍ ፤ እቲ ሳልሳይ ወገን ድማ ፡ ዋእ አነታይ አእቲኒ ጥራሕ ናተይ ሂወትን ፡ መነባብሮን አይተንከፍምበር ፡ ዝብል ስሱዕ ርድኢት ዘለዎ መነባብሮ ስለዝመራሕና እዩ ። በዚናተይ ናይ ሂወት ተሞክሮ ፣አብ ዝሓለፉ ፶፮ ዓማውቲ ፡ ኻብ ዘበን ሃይለስላሴ ፣ ደርጊ ፣ ኢህወደግን ፡ ሕዚ ድማ ብዘበነ ብልፅግና ፓርቲ ንነብሮ ስለዘለና ፡ ትሕዝቶናን ፣ ስጉምትናን ፣ ኽይድና ፣ ኸም ነበረያ ነበረ ፡ እንተይኮነስ ፣ ጭቡጥ መነባብሮ ሕዝቢ ትግራይ እዩ ።
ልኽዕ እዩ ንውድቀትና ፣ዝተፈላለዩ ምኽንያታት ኽንፅብፅብ ንኽዕል ኢና ፤ኽሳብ ሎሚውን ፣ እወ ንሳቶም ፣ እቲአቶም፣ ፀላእትና እናተባህለ ፪፼፲፪ (2012) በፂሕና እንሄና።
አብዚ ዕዋን እዙይ ኾይና ግን ፣ ብዛዕባ ትማሊ እናቖዘምና ፣ ኽንነብር የብልና ዝብል እምነት አለኒ፣ ትማሊ ንዓና ኻብ ዝሓለፈ ጌጋና እንማሓረሉ ፡ከም ቤት ትምህርቲና ብምቑፃር ፣ በብዝተሰለፍናሉ ሞያ ሃገራዊ አበርክቶናን ግዴታናን ኽንውፃእ አለና ፤ብዙሕ ጊዜ ፀገምናን ሽግርናን ፣ ንመንግስቲን ንፖለቲካ ውድብን ኽነሽኽም እሰምዕ ፤ ብወገነይ ጌጋ እዩ ይብል ። ጌጋ እዩ ማለተይ ግን ንመንግስቲ ኾነ ንፖለቲካዊ ውድብ ደጊፈ ማለት አይኾነን ፤አብዛ ዝንሄናላ ዓለም ኻብ ምዒቲ ሓሙሽተ ዝኸውን ቕኑዕ መንግስቲ የለን ወይኻዓ ናይ ፖለቲኻ ውድብ የለን ፤ ኹሉ ብዝኽእለቱ ሸፊጡ ፣ ሓሲው ፣ ንስልጣን ጥራሕ እዪ ፤ እንትምችዎ ሕብረተሰቡ ይርስዕ ፣ እንትኸፎዖ ድማ ወገነይ ህዝበይ ፣ ንዕኻ እየ ጠጠው ዒለ፣ ናብራኻ ኽቕይረልኻ ፣ ሰላምን ፍቅሪን ልምዓትን ኸፈጥረልካ ፣ ወ.ዘ.ተ ዘይብልዎ የብሎምን ። ዓለም ብጠላማት ፖለቲከኛታት ተዓብሊላን ተወሪሳን ትርከብ ። እዙይ ማለት ግን ንህዝቦምን ንሃገሮምን ለይቲን ቐትርን ዝሰርሑን ዝደኽሙን ፣ ማዕሮ ሂወቶም ዘወፍዩን የለዉን ማለተይ አይኾንኩን ።
መብዛሕቶዖም ጠላማት ስለዝኾኑ እዩ ። ብወገነይ ንመሰለይ ኻባይ ንላዕሊ ዝጣበቐለይ ዝኾነ ሰብ የለን፤ኸምኡውን አባይ ኽፍፀም ዘይደልዮ፦ ግፍዕን በደልን፡ አብ ኻልዖት ኽፍፅም ኾነ ኽርእይ ዝብህግ ሕሊና ኾነ ስነልቦና የብለይን። ርግዕ ኢልና እንተሓሲብና ግን ፣እዞም መንግስቲታትን ፖለቲከኛታትን ፣ ፍረን ውፅኢት ናይቲ ዝመሮሕዎ ዘለዉ ማሕበረሰብ እዮም ። ቕኑዓት መራሕቲ ኻብ ቕኑዕ ማሕበረሰብ እንትፈርዩ ፤ ድኹማት መራሕቲ ድማ ፣ ውፅኢት ድሑር ማሕበረሰብ እዮም ።
ንአብነት ጉቦ ዝህብ እንተዘይ ሃሊዑ ፤ ጉቦ ዝቕበል የለን። ቐሊል መረዳእታ ስለዝኾነ ድማ ፣ ፀገም ማሕበረሰብና ፡ ማሕበረሰብ ትግሯይ ፣ ብዘይ ሽፍንፍን እናቓላዕና ፣ ጥንኩር ዝኾነ ማሕበረሰብ ንኽንሃንፅ ዘለዉ ታሪኻዊን ፣ ባህላዊን ፀጋታትና እናጋዋሕና ፣ አብ ድኽመታትና ማሕበረሰብና ናይ ምምሃር ሓላፍነትን ግዴታን አለና ኢለ ይአምን ። ንምንታይ ጉቦ ዝህብ ፣ ንምንታይ ኸ ጉቦ ዝቕበል ብዘየግድስ ፣ ማሕበረሰብና ሕማቕ ዝኾነ ድሑር አሰራርሕኡ ፣ ሕዚም አይአረሞን ። እሞዳአ እዚ ፀገም ናይ መንግስቲ ዶስ ናይ ሕብረተሰብ ? መንግስቲ ኸም መንግስቲ ኽወስዶ ዝግቦዖ ስጉምትታ ቕድሚ ምውሳዱ ረብሓ ህዝቢ ኸማልእ ቖሪፁ ዝተላዓለ ኽኸውን አለዎ ። እንተዘይ ኮይኑ ብግብሪ ዘይትርጎም ሕጊን ፖሊሲን ፣ ንቲ መንግስቲም አይጠቕሞን ንቲ ህዝብውን አየዕግቦን ። እሞስኪ ብወገነይ ፡ ቕድሚ ናብ መፍትሒ ፀገማትና ምዕታወይ ፡ ሓድግታትን ባህላዊ ሃፍቲ ትግሯዎት እንታይ እዮም ? እንታይኸ ይመስሉ ? ንዝብል ሕቶ ውሽጠይ ዝስምዐኒ ኽገልፅ ፣ዕሕዋተይን አሓተይን ድማ ወስኽሉ ።
ተጋሩ ኻፍቲ ኻሊእ ህዝቢ ዓለም ፍልይ ዘብለና ዋላኳ ብዙሕ ባህላዊን ፣ ታሪካውን መርቶዖታት እንተሃለዉና ፣ ፊደላትና ፣ ቑፅሪታትና ፣ ያሬዳዊ ዜማታትና ፣ ሃይማኖታትና፣ ስዕስዒትና፣አብሓጎስን ሓዘንን ዘለና ማሕበራዊ ሓልዮት፣ አከዳድናና ፣ አበላላዓና ፣ ቑኖ አሰራርሓ አዴታትና ብቐሊሉ ምጥቃስ ይካአል። እወ እዞም አብ ዕለታዊ መነባብሮና ብዙሕ ዘይንግደሸሎም ይኹንምበር መግለጺ ማንነትናን፣ባህልናን ዝኾኑ ሃፍትታትና እዮም ። ዝርዝር አቢለ ብዝተወሰነ መልክዑ ኽገልፆ ኽፍትን። አብዙይ ኽፍለጠለይ ዘለዎ ፤ተጋሩ አስላምን፣ኽርስቲያን ሃይማኖታዊ አፋላላይ ብዘየግድሽ ፤ባህልናን ታሪኽናን ሓደ ምዃኑ ይፈለጥ።ኸምኡውን ትግራይ ትግራዋይ ኽባሃል እንተሎ ፣አብ ዉሽጢ ትግራይ ዝነብር ማሕበረሰብ ምዃኑ ይፈለጥ።
አከዳድና ወለድና ከከም ኸባቢናን፣ እምነታትናን ፃዕዳ ስረ ፡ ፃዕዳ ሰደርያ ፡ ፃዕዳ እጀጠባብ ፡ ሳርያን ምስ ነፀልኡን ጭርዑን ። አዴታትና ድማ ብኢደ ጥበብ ዝማዕረገ ዙርያ ፣ ምስ ነፀልኡ ብልባሶ ቑናኖን ፣ ሒና ሳሱላ ኢደ እግረን አቴን ፣ እምበባ ኽመስላ ምርአይ መግለፂ ባህላዊ ሃፍቲ ተጋሩ አቦታትን ፡ አዴታትን እዩ።
አበላልዓና ፡ አብ ኸተማ ይኹን አብ ሃገረሰብ ፣ አብ ገዛ እንዳ ሃፍታም ይኹን ፣ ገዛ እንዳ ፅጉም ፣ ማአዲ እንትቐርብ ፣ ኹሉ አባል ስድራ ኽሳብ ዝእከብ ይፅናሕ ፣ ስድራ ምስተ አኸበ ፡ አቦ ፀሎት ጌሩ ፡ ባሪኹ ፡ ብራኬ ቖሪሱ ምስሃበ ፣ በሉ ንብላዕ ኢሉ ምስፈቐደ ኹሉ ይበልዕ ። እወ ኽንሰምዖ ቐሊል ይመስል ፣ ግን መሰረት ትግሯዋይነት እዙይ እዩ ። ፍቕሪ ፣ ሓልየት ፣ኽብሪ ማአዲ ፡ ምስ ኽብሪ ስድራ ፣ ጠሚኻ ኸብድኻ ማርማር እናበለ ፡ ሓደ አባል ስድራ ስለዝዘንገዐ ፡ ብትዕግስቲ ትፅበ ፤ ኸም ቆልዓ እንድሕር ጠሚኻ ነይርኻ ድማ ቕድሜኻ ወዲእኻ ናብ ቕድሚ ሓውኻ ፣ ወይ ሓፍትኻ ኢድኻ እንተሰዲድኻ ድማ ፣ ቕድሜኻ ብላዕ ዝብል ናይ ወለዲ ድምፂ ትሰምዕሞ፣ ተዘይተአሪምኻ ድማ ፡ ወስ እንትትብል ፡ በየን መፀ ዘይትርእዮ ፣ ቕድሜኻ ብላዕ ዝብል በትሪ አብ ኢድኻ ይዓርፍ ። ብወገነይ እዚይ እዩ ዋና ዓንዲ መሰረትና ኢለ ይአምን ። ከም ተጋሩ ምሽጢር ፍቕርና ፣ ምሽጢር ርህራሄና ፣ ምሽጢር ዘይናትና ዘይምድላይ ፣ ምሽጢር ትዕግስትናን ፣ ምሽጢር ሓይልናን ምሽጥር ኽብሪ ኻልኦትን ፣ ኢለ ይአምን ።ትግራዋይ ብተፎጥሩኡ ርህሩህ እዩ።ንምሳሌ ሓንቲ ተኽሊ ፣ ኸይትሓርር ፣ ኸይትጎብጥ ምስተኸልካያ ማይ እናስተኻ ፣እናኾስኮስኻ ፣ ኽሳብ እትዐብይ ትንካባኸባ፣ ምስ ጠጠዕት ድማ ባዕላ ትዓቢ ፣ ወለድናም ንደቆም ብቲ ኽቡር ማንነት ትግሯዋይነት ፣ ሃኒፆም አብዙይ አብፂሆምና ።
ንሕና ኸ ? ደቅና ኸመይ አለዉ ? ቤተሰብና ብኸመይ ንሃንፆ አለና ? ባህልናን ሓድጊ ወለድናን፣ ናብ ደቕና ምትሕልላፍ ናይመን ሓላፍነት እዩ ?
እወ ኸምታ ዝተኸልናያ ተኽሊ ፍረ ውፅኢት ፃዕርና ንሓፍስ ኸምዘለና ንረዳዕ ። ዝንሄ መንእሰይ ወለዶ ትግራይ ብፖለቲካ ፣ ብባህሊ ፣ ብታሪክን ፣ ብቴክኖለጂ ፣ብማሕበራዊ ርድኢቱ ውፅኢት ፍረ ወለዱ እዩ ።
ንአብነት አብዚ ሕዚ እዋን ፣ አብ ትግራይና ፡ ገሬ እሙን ብዝብል ድራማ ፡ ዝማሓላለፍ መዘናግኢ ምርኢት አሎ ። አፍቲ ገፀ ባህርይ እቱይ ዝዋስኡ ቆልዑ ዘሕልፍዎ መልእኽቲ ቐሊል አይኾነን ፣ ብፍላይ ድማ ዳንኤልን ፣ ልዋምን ኽንደይናይ ባህልና ፣ ቛንቛና ፣ አባላላዓና ፣ አከዳድናና ኻብ መስመር ይወፅእ ኸምዘሎ ዘሕልፍዎ ዘለዉ መልእኽቲ ቐሊል አይኾነን ። ርግጽ እዩ ፣ ዕቤትን ስልጣኔን ኽነርእይ ፤ ኾይኑ ግን ዕቤትን ስልጣኔን አፍቲ ዘለና እናወሰኽና ፣ ነቲ ናህና ምርጏድ እምበር ፣ ናህና ዝኾነ ፀጋ እናናአስና ብናይ ኻልዖት ምትካዕ ግን እቤት እንተይኾነስ ውድቀት እዩ ኢለ ይአምን ።
አብ ገሬ እሙን ፡ ዳንኤል ሓንቲ እንጀራ ፡ ብሰለስተ ኹላሶ ኽውሕጦ እንተሎ ፣ አይተ ዘርአብሩኽን ፣ ለምለም ዓይነይን ፣ ብእዋኑ ኸም ባህልና ፡ ቐስ ኢልኻ ብላዕ ፣ ኢሎም ኽግስጽዎ ምተገበዐ ። ሕዚ ዝርዐ ዘሎ ብርሰት ፡ ባህሊ ትግራይ ፡ ምትሕንፋፅ ቛንቛ ትግርኛ ፣ አከዳድና ባህሊ ተጋሩ ። ስድራን መንግስትን ፣ ፖለቲካዊ መርሕነት ትግራይ ፣ናይ ምስትኽኻል ዓብይ ሓላፍነት አለዎም፣ ኹላህና አለና ። ብመንነቱ ዝሕበን ፣ ብባህሉን ብታሪኩ ዝኾርዕ ፣ሕብረተሰብ ምስ ግዚኡ ዝምጥን ፣ ዓለማዊ ኸይዲ ዝርዳእን ፡ ተረዲኡ ኽትግብር ፡ ብቕዓት ዘለዎ መርሕነት ይደልይ ። ማሕበረሰብ ብሕግን ፣ ሕግን ጥራሕ ኽማሓዳደር አለዎ ፣ እንተዘይኮይኑ ሕጊ ብገንዘቦምን ፣ ብስልጣኖምን ዝገዝኡ ስብ ግዜ አብዝበርከቱላ ትግራይ ፣ ታንምነያን ንብህጋን ትግራይ ከይሃነፅናያ ዘረባ ጥራሕ ኸይንኸውን ንጠንቀቕ ።
ኸም ውልቀ ሰብ፣ መንግስቲ ኽልል ትግራይ ኽገብሮምን ኽትግብሮምን አለዎ ጥራሕ እንተይኮነስ ግዴትኡ እዮም ኢለ ዝአምነሎም አገደስቲ ነጥብታት ኸቐምጥ።
መንግስታዊ ሓላፍነትን ግዴትኡን ፩ መንግስቲ ኽልል ትግራይ ኸም መንግስቲ ኻብ ዝሓለፈ ስሕተቱ ተማሂሩ ፣ ህዝቡ ማዕረነት ዝመልዖ ናይ ፍትሓዊ ምሕደራ ኸረጋግፅ አለዎ ኢለ ይአምን ። ንድሕሪት እናኸድና ነገር ኻብ ምድግጋም ፣ ዝሓለፈ ይአክል ።
፪ መንግስቲ ትግራይ ስልጣን ናይ ህዝቢ እዩ ኢሉ እንድሕር ዝአምን ? ቁሸታት፣ ወረዳዳት፣ ዞባታትን መማሓደርቶም ባዕሎም ብምምራጽ ፖለቲካዊ ኸይዶም በቲ ዓብላላይ ውድብ ፖለቲካዊ መስመር ይመራህ ። እዙይ ማለት ድማ መንግስታዊን ፣ ፖለቲካውን ሓምዞቕ ዞቕ ይእረምሎ ማለት ጥራህ እንተይኮነስ ሕብረተሰብ ንዝመረፆም ሓለፍቲ አብ ዘጥፍኡዎ እዋን ኸስዕሮም ስልጣን አለዎ ማለት እዩ ።
፫ ሓላፍነት ምሕደራ ህዝቢ ብብቕዓትን ብፍልጠትን ኽኸውን አለዎ ፣ ብኡ ልኽዕውን ተሓታትነት ኽህልው አለዎ ። ተሞኩሮ ምሕደራ ህዝቢ ትግራይ ፣ ዝኸፍዐ ወገናዊነትን ዝዓብለሎ ስለዝኾነ ፣አብ ሓደ መማሓዳሪ ወረዳ ወይ ቑሸት ሕብረተሰብ ቕሬታ እንተስምዕ ፣ አብ ኽንዲ ፍርዲ ቤትን ፡ ወኽንን ፣ ምትብባእ ግስሩጥ ምሕደራ ብዝመስል መልክኡ፡ ኻብ ቦታ ናብ ቦታ እናቐያየርኻ ፡ ኸምዘይ ርአይካ ምሕላፍ ዝተለመደ ድሁር አሰራርሓ ኽእረም አለዎ ። ትግራዋይነት ዝድምስስ መንሸሮ ተግባር እዩ ። ሕጊ ንኹሉ ማዕረ እዩ እንቴልና ፣ ብዓይኒ ሕጊ ድማ ሓንቲ ቕርሺ ዝሰረቐን ፣ ሚልየን ቕርሺ ዝሰረቐን ማዕረ ለያቡ እዮም ። ህዝቢ ትግራይ ሌብነት ኽፅየፍ እንድሕር ንደልይን ንብህግን ኮይና፣ ሌያቡ ብዕሊ ናብ ህዝቢ ነቃልዕ ፣ ሌብነት ድማ አብ ታሪክ ትግራይ ይበርስ ።
አብ ትግራይ ተጀሚሩ ዝነበረ ፕሮግራም ቴሌቭዥን አብዚአማ ፣ ዋላ መማሓደርቲን ፣ሓለፍቲን ኽሕተቱ እንተዘይርአይና ፣ ህዝብና ቕሬትኡ እናስመዐ ፖለቲካዊ መሰሉ ኽጥቀም ጀሚሩ ስለዝነበረ ፣ መንግስቲ ኽልል ትግራይ ፣ ብናይ ህዝቢ ወፃእ ዝማሓዳደር ቴሌቭዥን ትግራይ ፣ ኻብ ዘተሓላልፎ ፕሮግራማቱ ሓደ ኽኸዉን እንተዝትልም። ፅቡቕ ሃዋሁው ዲሞክራሲ እዩሞ እንተዝቕፅል ይብል።
፬ ዕቤትን ልምዓትን ትግራይ ብፍላይ ድማ አብዘን ዝሓለፋ ፪ ዓማውቲ ዝግበር ዘሎ ኹለመዳይ ዕቤት ትግራይ ዘኹርዕን ዘሕብን ስለዝኮነ በርትዑ እናበልኹ ፤ ኽዕረሙ አለዎም ዝብሎም ሓሳባት ኽጠቅስ፣ አብ አወፃጽአ ትልምን ፣ አተገባብራን አፈፃፅማን ስራሕቲ ፕሮጀክትታት፣ ብፍላይ ድማ አብ ኮንስትራክሽንን ህንፃታት፣ መንገዲ ፣ ግድባት ፣ ህንፀት ቤት ትምህርቲን ፣ ዃዕቲ ቐረብ ዝስተይ ማይን ዝርአይ ዘሎ ዓይኑ ዘፍጠጠ ብልሽው ምጉታት ልምዓትን ፣ ምብኻን ሃፍቲ ን ንብረት ህዝብን ፣ ግልፂ ዝኾነ ሌብነትን ፡ ጉዕዙይ ምሕደራን፣ ኽሕለፍ ዘይብሉ ጥሕሰት ሕጊ እዩ ።ኸምቲ አብ ላዕሊ ዝገለፅኽዎ ተሓታትነት ዘይብሉ ግልፂ ዘረፋን ብኽነት ሃፍቲ ህዝብን እዩ ፤ ተናቢብካ ዘይምስራሕ ንሌብነትን ፣ ንሙስናን ዋና በሪ ዝኸፍት ስለዝኾነ ፣ ሓለፍቲን መራሕትን ብዝኸፍትዎ ነዃል ፡ ናይ ጥቕሚ ተኻፈልቲ ስለዝዀኑ ግዲ የብሎምን ። እዙይ ኽዕረም ዝኽእል ድማ ንኹሉን ፣ አብኹሉን ዝትግበር መማሓዳደሪ ሕጊ ብተግባር እንትፍፀም ጥራሕ እዩ ።
ንአብነት አብዚ ዝነብረሉ ሃገር ካናዳ ፣ አብ ሓደ እዋን ሚኒስተር ባህሊ ዝነበረት ሃላፊት ብስራሕ መንግስቲ ንጃፓን ትኸይድሞ ፣ አፍታ እዋን እቲአ አብ ኢዳ ናይ ብሕታ ገንዘብ ስለዘይነበራ ፣ በታ መንግስቲ ካናዳ ዝሃባ መጥቀሚት ካርድ ጌራ ናይ ፳ (20)ቕርሺ ዝውድእ ብሕታዊ ድሌታ ትዕድግ ፣ ብወገና ንኻናዳ ምስተመለሰት ኸምትመልኦ ስለዝፈለጠት እዩ ። ብዓይኒ ሕጊ ግን ጥሕሰት ሕጊ ፈፂማላ ስርሓ ወዲአ ምስተመለሰት ፣ አብ ፓርላማ ተሓቲታ ፣ ሕጊ ስለዝኾነ ድማ ብዝገበረቶ ጥሕሰት ሕጊ ኻብ ስርሓ ተአልያ ። ሕጊ ኽኽበር አለዎ ፣ ወከልቲ ህዝቢ ንሕጊ ተገዛዕቲ ኽኾኑ አለዎም።
ኻልአይቲ ምሳሌ ኽጠቅስ ፣ አብ ኻናዳ መንግስቲ ማንም ነባሪ ኻናዳ ኻብ ወርሂ የካቲት ኽሳብ ወርሂ ሚያዝያ ፴ ፈተወ አይፈተወ ፣ ዓመታዊ እቶቱ አስሪሑ ንመንግስቲ ናይምፍላጥ ግዴታ አለዎ ፣ እዚአ እንተዘይጌሩ ዝኾነ ይኹን መንግስታዊ ግልጋሎት አይረክብን ፣ እቲምንታይ አብ መብዛሕትኡ ቤትዕዮ መንግስቲ ፣ ዓመታዊ ኽፍሊት ግብሪ ስለዝሓትት እዩ ። ስለዝኾነ መንግስቲ ትግራይ ፣ ትግራይ ንምቕያር ኻብ ልቢ ብቕንዕና እንድሕር ዝደልይ ኾይኑ ፣ ንኹሉ ትግራዋይ ማዕረ ዘገልግል አፈፃፅምኡን አተገባብርኡን ማዕረ ዝኾነ ሕጊ ይዘርግሕ ይብል ።
፭ ተናቢብካ ምስራሕ ፣ ኸምተዓዘብኽዎ ኻፍቲ ዋና ሽግር አፈፃፅማ ኸይዲ ፕሮጀክታት ትግራይ ፣ ዋና ጠንቂ ማሕለኻ ድርጅታት ፣ መሓውራዊ ምርድዳእን ፣ ሕፅረት ድልውነትን እዩ ኢለ ይአምን ፣ በዘፈቀደን ብዘይፅንዓትን ፣ ንፖለቲካዊ ኸስቢ ኽባሃል ተጀሚሮም ዘይተወድኡን ፣ ጭራሽ ዝተረስኡን ልምዓታዊ ህንፀታት ፣ ሆስፒታላት ፣ ቤት ትምህርቲ ፣ መንገድታት ማዓት እዮም ። መብዛሕቶኦም ሕዝም አይተወድኡን፣ ፀገማቶም ድማ እቲ ዝተለመደ ናይ ሽፈጥ አመኽንዮ ፣ ግምት ስለዘይተውሃበ ፣ ቴሌ ስለዝደንጎየ ፣ ማይ ስለዘይአተወ፣ መብራህቲ ሃይሊ ስለዘይወደዐ ፣ ትራንስፎርመር ስለዝደንጎየ ወ.ዘ.ተ ዝብሉ ናይ ሽፈጥ ማእለያ ዘይብሎም ስንኩላት ምኽንያት እዮም ።
ህዝቢ ትግራይ ፍረፃምኡ እዙይ አይኾነን ብሓፂሩ ፣ ብቕዓት ዘይብሎም መራሕትን ፣ ብግበረለይ ኽገብረልካን ፣ ጥቐመኒ ኽጠቕመካን ፣ ዝስራሕ ኸይዲ አፈፃፅማ ስራህ ፣ ልምዲ ስለዝኾነ እዩ ይታአረም። ኽኸውን ዘለዎ መንግስቲ ብዘውፅኦ መመዘኒ ፣ ነትቦታ ብቕዓት ዘለዎም ውልቀሰባት፣ ተወዳዲሮም ኽሕዝዎ እንተተጌሩ ፣ እዞም ሰባት እዚዖም ድማ ኸጥፍኡ እንተለዉ ኽህተቱ አለዎም ። ኢለ ይአምን
፮ መንግስቲ ነቲ ስዋስ ሳውኛ ዝብል አመሉ ይግደፎ። እዙይኸ እንታይ ማለትዩ ? ንትብሉ እሕዋተይን አሓተይን ንምብራህ ፣ ኸምንፈልጦ ንዝሓለፉ ፲(10) ዓማውቲ ሙስና፥ ኽራይ አካብነት፦ ጸገም ሰናይ ምሕደራ፣ እናተባሃለ ህዝብና ብለያቡን ሰረቕትን ሓሳድ መከርኡ እናርአየ፡ ንሌብነት ሹም እናፀባበቕኻ ምሕላፍ ዓገብ እዩ ።ንዝሰረቐ ሌባ ፣ናይ ህዝቢ ረብሓ ገዲፉ፣ አብናይ ብሕቱ ምእኻብ ሃፍቲ ዝተሰለፈ፡ ሌባ ዳአምበር ሙሰኛ አይኮነን፤ እዚ ፀያፍ ተጋብር ኽዕገት ዝኽዕል ድማ፡ ነቲ ሌባን ሓሳዊን፡ በታ ዝፈፀማ ተጋብሩ፡ ኸምዘላ ዳሕዲሕኻ፡ ንባዕሉን ንስድርኡን፡ ሕሊናዊን፣ መንፈሳዊን ሕፍረት ኽተሸክሞ እንተለኻ፣ እቲ ኻሊእ ሌባ ኽማሃረሉ ምግባር የድልይ። እናፈለጠ ኻብ አፍ ድኻ ማሕበረሰብ፣ ሰሪቑ ፎቓትን፣ ቪላታትን ዝሃንፅ ሌባ, ንምንታይ እዩ ዝሕዘነሉ ? ንሱዃ ንስድርኡን ንደቑን ዘይሓዘነሎምስ ህዝቢ ትግራይን መንግስቲ ትግራይን ሹማት እናፀባበቕኻ ሙስናዬ ሰናይ ምምሕዳርየ ማለት ነውሪ።
ኻብዙይ ብምቕፃል ድማ ማሕበረሰባዊ ሓላፍነትን ግዴታን ኽገልፅ ፩ ሃገር ማለት ህዝቢ እንድሕር ኾይኑ፣ ህዝቢ ድማ ብሕጊ ይምራሕ ፣ መንግስቲ መነባብሮን ፣ ድሌት እቲ ዝመርሖ ህዝቢ ኸማልእ ሃፍቲን ጥረ ገንዘብን የድልዮ፣ እዚ ሃፍቲን ገንዘብን ድማ ፣ ኻብ ማሕበረሰብ ብመልኽዕ ግብሪ ይእክብ ፣ሓንቲ ሃገር ሕዝባ ብዝኸፍሎ ግብሪ፡ መንግስታዊ ማሓውርን፡ ሃገራዊ ልምዓትን፡ ትሃንጽ። እዙይ ማለት ድማ ፡ሃይሊ ስራዊት፣ ደሕንነት፣ ፖሊስ፣ ቤት ፍርዲ፣ ሕክምና ፣ትምህርቲ፣ መብራህቲ፣ መንገዲን፣ ወ.ዘ.ተ ዘመሳሰሉ ማህበራዊ ግልጋሎት ንረኽበሎም ትካላት ብመዳይ መንግስቲ እናተመርሑ ህዝባዊ ግልጋሎት ይህቡ። ሕብረተሰብ ግብሪ እንድሕር ዘይኸፍል ድማ አብድሑር መነባብሮ ይነብር። ጽቡቕ አብነት ብዘበን መሳፍንቲ ዝነበረ መነባብሮ ትግራይ ምርአይ ይአክል እዩ። ግልፂ ብዝኾነ አዘራርባ ፡ መንግስቲ ብቲ ንሕና እንህቦን፡ ንኸፍሎን ግብሪ፣ ንዐና ንመነባብሮና ዝጠቕሙን ዘድሉዩናን ማሕበራዊ ግልጋሎት ይህበናን ይዝርገሐልናን ማለት እዩ። እምባአርከስ ምኽንያት ናይ ግብሪ ምኽፋል እዙይ እንታብ ኾነ ፣ ትግራይና ናፍት ንደልያን ንምነያን ብርኪ ንኽትበፅሓልና ፣አነ፡ ንስኻ፡ ንስኺ፡ ኸም ትግራዎት ብዘይ ምንም ጎስጓስ ዓመታዊ ግብርና ብቕንዕና ኽንከፍል ይግባዕ ።
፪ ማሕበራዊ ግልጋሎት አብ ምሃብ ዘለና ተጋሩ ፣ ትግራይና አብ ምቕያር ዐብይ እጃም አለና ።ብፍላይ ድማ አብ ዝኾነ ናይ መንግስታዊ ትካላት ተቆፂርና ንሰርሕ ስራሕተኛታት። ምኽንያቱ መንግስቲ ማለት ህዝቢ እዩ ኢልና እንድሕር ንአምን፣ ተቆፀርቲ ሰራሕተኛታት ድማ ስርሖም ህዝቢ ምግልጋል እንድሕር ኾይኑ፣ ቖፂሩ ዘስርሓኹም ዘሎ ህዝቢ ምዃኑ አሚንኩም ፣ኽብርን ቅንዕናን ዘወረሶ ማሕበራዊ ግደኹም ብምውፋይ ንዕቤት ትግራይ እጃምኹም ፈፅሙ።እዙይ አርጊፀ ኽዛረበሉ ዝደልይ ነጥቢ እዩ ።ብዝተፈላለየ እዋን ትግራይ አብዝኸድኩሉ ፡ ዓማውቲ፣ ብዙሕ ዘስክፍ፣ ዘሕዝን፣ዘሕፍር አፈፃፅማ ስራሕን ሃላፊነት ዘይስምዖም ሓለፍቲም መሊዖም እዮም፣ ብግለይ ርኤ እየ። ኹሉ ብናተይነት ንማሕበራዊ ዕቤት ቖሪጹ ኽሰርሕ አለዎ ኢለ ይአምን ። ኹላህና በቢ ዝተዋፈርናሉ ሞያን ኽዕለትን፣ ብንገብሮን ብንህቦን ግልጋሎት፣ አብ ኸይዲ ምህናፅ ዓባይ ትግራይ ታሪኻዊ ዕጃምና ነወፊ ።የቐንየለይ
፫ አብናይ ግሊ ኢንቨስትመንትን ንግዲን ዝተዋፈርና ተጋሩ፣ ልኽዕ እዩ ነጋዳይ ዘውፅዖ ወፃእ ሸፊኑ ፍረፃምኡ ብምሕሳብ ተመን አውፂዑ ይሸይጥ፣ ነጋዳይ ንመኽሰብ ይሰርሕ። ንኸስቢ ኢልካ ስጋ ሓውኻ ምምንጫት ግን ዓገብ። ህዝብና ብፍላይ አብዚ ሕዚ እዋን ማንነት ተጋሩ ብላዕሊን ብታሕቲን አብ ዝተወጠረሉ እዋን፣ኮሮና ዝባሃል ሕማም መፂኡ ስራህቲ አብዝዛሓለሉ እዋን ፣አብ ጎኒ ህዝብኹም ኾይንኹም ቕኑዕ ዝኾነ ፍረፃማኹም አብክንዲ ምሕፋስ ዘይግባዕ ሰሰዐ ዝመልዖ ዘይትግራዋይነት ባህሊ ይራአይ አሎ፣ ወጊድ።ርግፅ እዩ ኹሉ ነጋዳይ ዋላ እንተዘይተባሃለ ንህዝቦምን ንትግራይን ብቕንዕና ግብሮም እናኸፈሉ ህዝቦም ዘገልግሉ አለው ።የቐንየልና ድማ ንብሎም። ይኹንምበር ምስዞም ሰብ ጊዜ ተፀጊዖም ንዜናን ንምርኢትን ዝቕድሞም ዘየለ አፈኛታት ግን ሕሊና ይሃቦም ንብል። እዛ ጊዜ እዚዓ ኽትሓልፍ እያ።
፬ ከም ማሕበረሰብ፡ እሞ ድማ ኸም ተጋሩ ፣ እቲ ኽሳብ ሎሚ ጠፊሩ ሒዙና ዝንሄ ንዓይነት ፤ናብ ናተይነት ናይ ምቕያር ወፍሪ የድልየና።
ዝህነፅ ሆስፒታል ናተይ እዩ ፣ዝዝርጋሕ መንገዲ ናተይ እዩ ፣ዝወፅእ ዝኾነ ይኹን መንግስታዊ ወፃእ ናተይ እዩ፣ፖሊስ ናተይ እዩ ፣መምህር ናተይ እዩ ፣ሓኪም ናተይ እዩ፤ አብ ውሽጢ ትግራይ ዝፈስሥ ወፃእ ልምዓት ገንዘበይ እዩ፦ ብዝብል መንፈስ ኽንሓስብን ኽንሰርሕን አለና ።ድማ ኸምቲ አብላዕሊ ዝገለጽክዎ ኻብ ጁባ ተጋሩ ብመልክዕ ግብሪ ዝተአከበ ገንዘብ ስለዝኾነ ናትካ፣ናትክን ሃፍቲ እዩ። ስለዝኾነም የእትወካን፣ የእትወኺን ስለዝኾነ፥ ናተይ ብዝብል መንፈስ ንዕሰል።
እቲምንታይ ዝኾነ ይኹን ሰብ ንብረቱ እንትውሰድ፣እንትባላሸው፣ እንትዝረፍ ስለዝካላኸል፣ ሃፍትኻን ንብረትኻን ፣እንትስረቕ ስለዝሕመካ ሰለዝሕመኺ፣ እዙይውን ዘውፃእኻዮን፣ዘውፃእኽዮን ንብረትኩም ስለዝኾነ ንምንታይ? ኸመይ ? መንኢሉ ? ማዐዝ ? ብምባል ንብረት ህዝብኹምን ብርሃን መፃኢ ዕድል ደቕኹምን ሓልዉ።
ኸይብለንን፣ኸይትብለንን ዝብል ሕማቕ ባህሊ ተጋሩ
እምባዓርከስ ኸም ተጋሩ ውሽጥና ንርአይ ኽንብል እንተለና ፣ፀገምና ብቕንዕና አፍልጦ ምስእንህቦ ንመፍትሒኡውን ውሽጥና ምሕታት የድልይ፣ብመርትዖ ንምግላፅ ዝአክል ፣ኸም ፀገም ዘይውሰድ ግን ድማ ዕለታዊ መነባብሮ ማሕበረሰብና ብዘሰክፍ መንገዲ ናብ ሽግርን ሓደጋን ዘቃልዖ ፈፀመታት ንተዓዘብ። ሓደ ውልቐ ሰብ አብወሰን መንገዲ ህዝቢ ገዛ እንድሕር ዝሰርሕ፣ብዘይ ምንም ስኽፍታ ንቲ ህንፀት ገዛ ዝኸውን ጃህያይ፣ ሑፃ፣ እምኒ፣ ዓእዋም፣ አፍቲ መንገዲ መተሓላለፊ ህዝቢ የራግፎሞ ፣ብዛዕባ እቲ ሃላዋትን ደሕንነትን እቲ ህዝቢ ብዘየግድሽ፣ ንአዋርሕ ኽሳብ ስርሑ ዝውድእ የራጥጥ። አብዚ ኸይዲ እዙይ ማሕበረሰብ መተሓላለፊ ፅርጊያ ይፀቦ፣ ባጃጅ፣ መኺና ይዕገታ፤ ኻብኡ ሓሊፉ ፀልማት እንትኾን፣ ህፃዉንትን ወለድን ይሽገሩ፣ ብሕም ኢሉ ዝዛረብ ሰብ ይኹን አልዕሎ ኢሉ ዝቐፅእ ቤት መዛገጃ የለን ።በዚ ምኽንያት እዙይ ንዝበጽሕ አካላዊ ይኹን፣ ገንዘባዊ ኽሳራ ድማ ዝጥየቕ ሓላፊ ይኩን ባዓል ሃፍቲ የለን ።ብሕጊ ኸምዘጥይቕ ድማ እቲ ማሕበረሰብ ዝፈልጥ አይመስለኒን ።ንመሰሉ ዘይጣበቕ ሕብረተሰብ ኹሉ ይዕንድረሉ እዩሞ መሰልና ንፍለጥ።
ፅሬትን፡ ፅባቐ ኸተማታትና ኽርአይ እንተሎ መንግስቲ ብዝዓቕሙ፣ መዐከቢ ላስቲካትን፡ ርስሓትን በቢኸተመዐን ኸምዘቐመጠ አነውን ብዓይነይ ሪኤ አለኹ።ይኹንምበር ሕብረተሰብና ብጣዕሚ ብዘሕዝንን ፣ብዘስክፍን ረሳህ ብዝመፀሉ ይድርብይ ፣ዋእ አቱም ሰብ፡ መንግስቲ በብገዛና እናመፀ ኸኹልሰና ዲና ንፅበ ኻብ ገዝኦም አውፂዖም፡ አብ ደገአፎም ዝኽዕዉ ሰባት ዝበዝሖ ማሕበረሰብ እንሄናኮ፣ በብኸተምኡ ዝተጣየሹ መናፈሻታትን፣ ጎደናታትና እንዶ ንርአይ። መንግስቲ መኽየዲ ሕብረተሰብ ኢሉ ዝሰርሆም ናይ እግሪ መንገድታት ብናይ ውልቐ ሰባት ንብረት ተመሊዖም፣ ሕብረተሰብ ተደፊኡ ናብ ዋና ፅርጊያ አቲዩ ምስ መኪናን፣ ባጃጅን እንትዳፋእ ምርአይ ዓገብ ።ሕጊ ይተግበር እንትባሃል መምሃራይ ስጉምቲ ምስ ዝውሰድ እኮ እዩ ለውጢ ዝመፅእ።
ናተይነት ዝስመዖ ማሕበረሰብ ድማ ኸይብሉኒ ኸይብላኒ አይዓግቶን። ፅርይቲ፣ ምዕብልቲ፣ ፍትሓዊት፣ ሰላማ ዝተሓለወ፣ ኽብርቲ ትግራይ ንደቅናን ደቒ ደቕናን እንድሕር ንምነየሎም ኮይና፣ ንጀምረሎምሞ ደቕና ኻዓ ኽውድእዎ።
መጠቓለሊ ዝኸበርኩም እሕዋተይን አሓተይን ትግራዋይነት ፣ እትዕደሎ ኽቡር ማንነት እዩ ፤አሜሪካ እቶ ካናዳ፣ጀርመን ንበር እንግሊዝ ፣አብ መሬት ንበር አብ ማርስ የትም ኸይድኻ ዘይፍለየኻ ማንነት። ህወሓት ኹን ባይቶና፣ ሳወት ኹን ዉናት ዓዴፖ ብዘየግድሽ፣ አስላማይ ኹን ኽርስቲያን፣ ኩናማ ኹን ኢሮብ፣ ራዩማ ኹን ተምቤናይ፣ ኻብ ውሽጥኻ ዘይጠፍእ ማንንት ትግራዋይነት፦ ዓቒብና ንቐፃላይ ወለዶ ንምሕላፍ እማም ኹላህና ተጋሩ ስለዝኾነ፣ አነም ኸም ሓደ ፈታዊ ትግራይ እጃመይ ዳአምበር ኻባኹም ኻብ እሕዋተይን አሓተይን ፈሊጠ አይኾንኹን። ኾይኑ ድማ ብፍላይ አብዘን ዝሓለፋ ኽልተ ዓመታት ፡ ህዝቢ ትግራይ ጀሚርዎ ዝንሄ ፍሉይ ምብርባር ፡ ተበግሶ ውልቀ ሰባት፡ ኻብ ልቢ ፍቕሪ ህዝቦም ብቕንዕናን ብሙሉእ ተአማንነት ስሪሆም ብግብሪ ዘርአዩ፡ ኸም ኽቡር መራሒና ዶ/ር ደብረፄን ገሚካኤል፣ ኽቡር ሓውና ኢንጅነር ታደሰ የማነ፣ አቦ ወንበር ቦርድ ማ.ል.ት፣ ኸም ሓውና መምህር ሙሉ ሃይለ ስላሴ ዉሻጠና ሚድያ፣ሓፍትና ወሮ ኬርያ ኢብራሂም ዝመሳሰሉ ሓበን ኩርዓት ህዝቦም፣ ሰሪሆም ብግብሪ ለውጢ ዘምፅኡ አሰራቶም ብምኽታል ኸም ውልቀ ሰብን፣ ኸም ማሕበረሰብን፣ አነኸ ግደይ እንታይ እዩ? ብምባል እጃምና ነውፍይ ።ትግራይ አብዝሃለና ንሃሉ፣ ማዕረ ሰለ ትብፀሓና፣ ግዴታናም ስለዝኾነ፣ ሃየ ንውፈር ንበገስ፣ እብል። አብ ማሕበራዊ ሚዲያ ኸምኒ ዶ/ር ዘፅአት፣ ኸምኒ ሚኪ ራያ፡ ዝበሉ ተጋሩ፤ ዘሕልፍዎ መልእኽቲ፡ርግእ ኢልና ነዳምፆም። ከም ተጋሩ ስነ ሃሳባዊያን ኾይና ንረብሓ ትግራይ ንቃለስ ሓሳብ መሰረት ዕቤት እዩ።ንሌባ ብመርትዖ ሌባ ምባል ንልመድ ። ብፍላይ ኻብ ንፈልጦ ልሙድ አሰራርሓ ወፃእ ንዝመፁ ሓሳባት አቐዲምና እንተይተረዳአና፣ ወይኻዓ ንኽንርድኦ እንተይፈተና ፣ኻብ ምንፃግን ምርጋምን ፣ኸመይ ? ንምንታይ ? በበይ ? ብምባል ተኻቲዕና ኽነዕምን ወይኻዐ ኽንአምን ልምምድ ንግበር። ዝተጋገኹዎ እንተሃሊዑ ኽእረም ድልዊ እየ። የቐንየለይ
Back to Front Page |