Back to Front Page

መፃኢ መረፃ 2012 ብዝምልከት ዝቐረበ ርኢቶ

መፃኢ መረፃ 2012 ብዝምልከት ዝቐረበ ርኢቶ

 

አረጋዊ ካብ ጀርመን 05-27-20

 

1.  መእተዊ

 

ኢትዮጵያ ሕገ መንግስታዊ ከይዲ ካብ ትጅምር ንነዘ ስልጣን ብምረፃ ይስዕር ኣብዝነበረ ኢህወደግ ምፅንሑ ይፍለጥ። ዝሓለፉ 5 መረፃታት ሕገ መንግስቲ ብዝእዝዞ መሰረት ኣብ እዋኑ እንተተኻየደ ፀኒሑ እዩ፡፡ ኣብ ከይዲ ሓምሻይ ዘበን ግን ዓበይቲ ቅልውላዋት ተፈጢሮም ኣለው። እዞም ቅልውላዋት እዚኦም ስልጣን ብዕሊ ዝተረከበ ኢህወደግ ሃለዋቱ ብዘይ ሕጋዊ ከይዲ ክጠፍእን ዘይሕጋዊ ውድብ ስልጣን ክሕዝን ኣብ ልዕሊ ምግባሮም ምክያድ ሻድሻይ ሃገራዊ መረፃ ኣጠራጣሪ ክኾን ዝገብሩ ኹነታት ክፍጠር ’ውን ገይሩ ኣሎ። ኣብ ዝሓለፉ እዋናት መረፃ ኣብ ወርሒ ጉንበት ዝካየድ እንተነበረው’ን ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ከምዝካየድ ወሲኑ ድሕሪ ምፅናሕ ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ብልበዳ ሕማም ኮረና ምኽንያት መረፃ ከምዝተሓሰቦ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ከምዘይካየድ ገሊፁ ኣሎ። ካብዙይ ሓሊፉ ድማ እቲ ኣብ ስልጣን ዝርከብ ጉጅለ ብልፅግና ሕማም ኮረናን ካልኦት ምኽንያታትን ብምድርዳር መረፃ ኣብዚ ዓመት ንዘይምክያድ ላዕልን ታሕትን እናበለ ይርከብ። 

 

ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ሃገርና ህዝብብታት መሰል ዓርሰ ምምሕዳር ስለዘለዎም፥ ስልጣን ናይ ህዝቢ ብምዃኑን በብሓሙሽተ ዓመቱ ብዝገበር መረፃ ሰዓራይ ንዝኾነ ፓርቲ ብውክልና ዝወሃብ ብምዃኑን ኣብክሊዞም ተፈጢሮም ዘለዉ ኩነታት ብዝሕ ዝበሉ ሕገ መንግስታዊ ሕቶታት ክለዓሉን ክዝተየሎምን ምግባር ኣድላዪ እዩ።  ብልፅግናን ካልኦት ፖለቲካ ውድባትን ከምዝብልዎ መረፃ ብእዋኑ ምክያድ እንድሕር ዘይተኻኢሉ ተፈጢሩ ዘሎ ሕገ መንግስታዊ ቅልውላው constitutional crisis ናብ ክብ ዝበለ ብርኪ ክበፅሕን ሃገራዊ ኩነታት ተመሊሱ ክዕረይ ናብዘይኽእል ናይ መወዳእታ ብርኪ ዘብፅሖ ብምዃኑ መንግስቲ ትግራይን መራሒ ውድቡ ህወሓትን ኣብቱ ዋኒን ግልፅን ፁኑዕን ቕዋም ክህልዎም ግድን እዩ። መረፃ ምክያድ ዘይምክያድ መግለፂ ባህርያቱን ውፅኢቱን ብመንፅር ብርክት ዝበሉ መለክዒታት ምምዛን ዋላ እንተተኽኣለ ብኣውሩኡ ግን ሕገ መንግስታዊ ዋኒን እዩ። ስለዝኾነ እቲ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት በመንፅር ሕገ መንግስቲ ሃገርና ከመይ ይረአ? ታይ ሳዕቤን ይህልዎ? ዝብሉን ካልኦት ተመሳሰልቲ ሕቶታትን ዝምልከት ርኢቶ ምሃብ እቲ ዋኒን ብኹሉ ገፁ ንምርኣይን ጥቕምን ድልየትን ህዝቢ ትግራይ መሰረት ኣብዝገበረ ውሳነ ንምብፃሕን ንምሃብ ይጠቅም ካብ ዝብል ሓሳብ ብምልዓል እዙ ፅሑፍ’ዙይ ተዳልዩ ኣሎ። 

 

2.  መረፃን ሕገ መንግስትናን

Videos From Around The World

ሕገ መንግስቲ ሃገርና ዲሞክራሲያዊ ስርዓተ መንግስቲ ንምህናፅ መሰረት ዝተቐመጠ ሕገ መንግስቲ እዩ። በዚ ምኽንያት ናይ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት መግለፂ ዝኾኑ ዓበይቲ ሓሳባት ሒዙ እዩ። ካብዚኦም ምስቲ ሕዚ ዝተልዓልናሉ ዋኒን ዝተታሓሓዙ እቶም ክልተ ዛዕባታት ስልጣን ናይ መን ምዃኑን ብመን ኣብ ግብሪ ከምዝውዕልን ምውሳን እዩ። ሕገ መንግስቲ ኢፌዲሪ አብ ዓንቀፅ 8 ብግልፂ ስልጣን ናይ ብሄር ብሄረሰባት ህዝብታት ጥራሕ ምዃኑ በዘየማትእ ኣቐሚጡ እዩ። ሰብ ስልጣን ንሳቶም ስለዝኾኑውን ኣብ ቀፃሊ ከይዲን መፃኢ ዕድልን እዛዓዲ  ናይ ምውሳን ሓላፊነት ዘለዎም ንሳቶም እዮም።  ሕገ መንግስታዊ ቅልውላው ከይፍጠርን እንተተፈጢሩውን ካብኡ ንምውፃእ መገዲ ክሕብሩ ዝኽእሉን ንሳቶምን ንሳቶም ዘቐመጡዎ ስርዓትን ጥራሕ እዩ። ብኻሊእ ገፅ ብሄር ብሄረሰባት መዓልታዊ ስልጣን ኣብ ተግባር ምውዓል ስለዘይኽእሉ ብናቶም ድልየት ዝተቓነየ ሕገ መንግስቲ ቀሪፆምን ትካላት መንግስቲ ኣጣይሾምን እዩም። ስልጣንን ካልኦት ዋኒናትን ብዝምልከት ድልየት ብሄራት ብሄረሰባትን ህዝብታትን ታይ ምዃኑ ምፍላጥ ዝከኣል እምበኣር እቲ ሕገ መንግስቲ ዘቐመጦ ኣንፈት ብምርኣይ ጥራሕ እዩ። ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ኢፌዲሪ አብ ዓንቀፅ 8 (2) (3)ሰብ ዋና ዝኾኑ ብሄር ብሄረሰባት ድማ ስልጣኖም ኣብ ተግባር ዝውዕለሉ ኣንፈት ሕገ መንግስቲ ብዘቐመጦ ስርዓት ጥራሕ ንዓዓቶም ብዝውክሉ ውልቀሰባት ብምሃብ ከምዝኾነ ንፁር እዩ።  ስለዝኾነ እቲ ናይ ህዝቢ ዝኾነ ስልጣን ኣብ ተፈላላዩ ትካላት ስልጣን ብዝተሾሙ ወይ ዝሽወሙ ሓለፍቲ ኢድ ክህልው ዝኽእል እቲ ሕገ መንግስቲ ብዝፈቕዶ መጠን ጥራሕ እዩ። እቱ ሕገ መንግስቲ ኣብ ፌዴራል ይኹን ኣብ ክልል ስልጣን መንግስቲ ኣብ ግብሪ ከውዕሉ ዝኽእሉ ትካላት እንመን ከምዝኾኑ፥ ስልጣኖም ታይ ምዃኑን ንኽንደይ ግዜ ኣብ ስልጣን ከምዝፀንሑን ብሕገ መንግስቲ ክቕመጥ ብዝግበኦ መጠን ብግልፂ ኣቐሚጡ እዩ።  ሕገ መንግስቲና እዙይ ብዝምልከት ግልፂ ዘይኮነን ትርጉም ዝደልን ጉዳይየብሉን።

 

 

 

3.  መረፃ ምንዋሕ ይከኣልዶ?

 

ልዕል ኡሉ ከም ዝተገለፀብመሰረት ሕገ መንግስቲ ኢፌዲሪ አብ ዓንቀፅ 54 (1)ን 58 (3)ን ስልጣን በብሓሙሽተ ዓመቱ ብዝግበር መረፃ ስልጣን መንግስቲ ዝርከብ ፓርቲ ኣየናይ ምዃኑ ከምዝፈለ እዩ ዝገልፅ።  ኣብ ሓሙሽተ ዓመት መረፃ ክግበር ከምዝግበኦ ምግልፅ ጥራሕ ዘይኮነስ እቲ መረፃ ነባር ቤት ምኽሪ ስልጣኑ ቅድሚ ምውድኡ ቅድሚ ሓደ ውርሒ ክካየድ ከምዝገብኦ’ውን እዩ ዝገልፅ።  ስልጣን ተወከልቲ ህዝቢ ሓሙሹተ ዓመት ብምዃኑን ምቑፃር ዝጀምር ድማ ስልጣን ካብተረከበሉ ናይ መሰከረም ናይ መወዳእታ ሶኒ ስለዝኸውን ስልጣኑ ዝውዳእ’ውን ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት ኣብ ወርሒ መሰከረም ናይ መወዳእታ ሶኒ እዩ ማለት እዩ። ስለዝኾነ መረፃ ቅድሚ ወርሒ መስከረም ኣብዘሎ ወርሒ ነሓሳ ክውገን ከምዝግበኦ ግልፂ እዩ። ድሒሩ ተተብሃለ ናይ መረፃ ግዜ ፈፂሙ ካብ ወርሒ ነሓሰ መወዳእታ ክሓልፍ ኣይኽእልን።  ስለዝኾነ ቦርድ መረፃ እዛ ሃገር ገደብ ኣልቦ ስልጣን ዘይኮነስ ኣብ ዝተገልፀ ግዜ ውሽጢ መረፃ ናይ ምክያድ ስልጣንን ግድነትን ጥራሕ እዩ ዘለዎ።መረፃ ብዝምልከት ዜጋታት መሰል እንትህልዎም ቦርድ መረፃን ካልኦት ትካላትን ድማ ነዙይ ምፍፃም ግቡኦም እዩ። ብ ሕገ መንግስትን ብኻልኦት ሕግታትን ግቡእ ዘለዎ ትካል መንግስቲ ድማ ግቡአይ ኣይፍፅምን ክብል ኣይኽእልን፡፡ እንድሕር ኢሉው’ን ላዕለዋይ ኣካል መንግስቲ ኣድላዪ ስጉምቲ ክወስድ ይግባእ።

 

ኣብዙይ ዝለዓል ዘሎ ሕቶ ለበዳ ሕማም ኮረና ምኽንያት ብምግባር መረፃ ዝግበረሉ መዓልቲ ምንዋሕ ይከኣልዶ ዝብል ሕቶ እዩ። ለበዳ ኮሮና ኣብ ዓለምና ብጠቕላላን ኣብ ሃገርና ብፍላይን ዘለሉ ኹነታትን ከስዕቦ ዝኽእል ሳዕቤንን ብዝምልከት ብዙሕ ኣፈላልይ ይህሉ ተባሂሉ ስለዘይግመት ኣብዙይ ብዙሕ ምባል ኣድላዪ ኣይኮነን። ኮረና ክንድ ድላዩ ከቢድ ሕማም ይኹን መዓልቲ መረፃ ኢትዮጵያ ክናዋሕ ምኽንያት ክኸውን ይኽእልዶ? ዝብል ሕቶ ግን ብዕሊ ምርኣይ ኣድላዪ እዩ። ቅድም ኢሉ ከምዝተገለፇ መረፃ ሕገ መንግስታዊ ዋኒን እዩ። ክካየድ ዝከኣል’ውን ሕገ መንግስቲ ብዝእዝዞ መገዲ ጥራሕ እዩ። ክፍለጥ ዝግበኦ መረፃ ምንዋሕ ብዝምልከት ክለተ መልክዕ ዝህልዎ ምዃኑ እዩ። እቲ ሓደ ኣብውሽጢ ሕጋዊ ግዜ ኾይኑ መዓልቲ ምልዋጥ እንትኸውን እቲ ካልኣይ ብሱሩ ኣብ ውሽጥ እቲ ተፈቐደ ሓሙሽተ ዓመት ክግበር ዝነበሮ መረፃ ናብቲ ቀፃሊ ሓሙሽተ ዓመት ክኾን ምግባር ዝምልከ እዩ።  እቲ ቀደማይ ናይ መዓልቲታት ምልውዋጥ ጥራሕ ዝምልከት ስለዝኸውን ብዙሕ ሕገ መንግስታዊ ክትዕ ዘምፅእ ኣይኸውንን።እቲ ቀዲሙ ዝተመረፀ መንግስቲ እዋን ስልጣኑ ቅድሚ ምዝዛሙ መረፃ ተኻይዱ ውፅኢቱ’ውን ክፍለጥ ክሳብ ዝኸኣለ መረፃ ኣበየናይ መዓልቲ ይካየድ ዝብል ሕቶ ምምሕዳራዊ ውሳነ ዝደሊ’ምበር ሕገ መንግስታዊ ገደብ ዝተቐመጠሉ ዋኒን ኣይክኮነን። ዘይሩ ዘይሩ ኣብ መወዳእታ መስከረም ስልጣን ናብቱ ብመረፃ ዝሰዓረ ፓርቲን መንግስትን ክሳብ ዝሓለፈ ሕገ መንግስታዊ ቅልውላው ዝፈጥር ነገር ኣይኮነን። ብውሑዱ ቅቡልነት ዘለዎ ኣካል መንግስቲ ከይህሉን ዓዲ ብዘይ ሕጋዊ መራሒ ከተርፍን ኣይገብርን። እቲ ካልአዋይ ምንዋሕ መዓልቲ መረፃ ግን ብኡ ኣቢሉ’ውን ምንዋሕ ዘበን ስራሕ እቲ ቅድም ኢሉ ኣብ ስልጣን ዝነበረ መንግስቲ ዘኸትል ስለዝኸውን ካብ ተራ ናይ መዓልቲ ለውጢ ሓሊፉ ከቢድ ሳዕቤን ዘኸትል እዩ። ብዕላዊ ሽሙ ይፀዋዕ እንድሕር ተባሂሉ’ውን እቲ ዛዕባ ናይ ምንዋሕ መዓልቲ መረፃ ዘይኮነስ ናይ ምንዋሕ ዘበን ስልጣን እዩ። ውዒሉ ሓዲሩ ድማ ሓደ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ናይ ባዕሉ ናይ ስልጣን ዘበን ከናውሕ ሕገ መንግስታዊ ዓቕሚን ስልጣንን ኣለዎ ዶ ናብዝብል እዩ ዝወርድ። ስለዙይ እዚ ዝመፅእ ዘሎ ዘረባ ብልፅግና (ብስሩ’ውን ሕጋዊ ውክልና ዘይብሉ ምዃኑ ሕሉው ኮይኑ) ኣብ ስልጣን ክፀንሕ ወሲነ ኣለኹ ክብል ይኽእልዶ ዝብል ሕቶ እዩ። 

 

            I.     መረፃ ዘይምክያድ አካል እቲ ብዘይገደብ ዝተረጋገፀ መሰል ዓርሰ ውሳነን ምሕዳርን ምጥሓስ እዩ፡፡

አብ ዓለም ለኸ ቃልኪደን ሰብአዊ መሰላት ይኹን ሕገ መንግስታዊ መትከላት መረፃ አካል ብዘይገደብ ዝተረጋገፀ መሰል ዓርሰ ውሳነን ምሕዳርን እዩ፡፡ ንአብነት UN Charter: The right of a people to self-determination is a cardinal principle in modern international law (commonly regarded as a jus cogens rule), binding, as such, on the United Nations as authoritative interpretation of the Charter's norms. The UN Charter under Chapter 1, Article 1, part 2 states that purpose of the UN Charter is: "To develop friendly relations among nations based on respect for the principle of equal rights and self-determination of peoples, and to take other appropriate measures to strengthen universal peace." ከምኡ እውን Article 1 in both the International Covenant on Civil and Political Rights (ICCPR) and the International Covenant on Economic, Social and Cultural Rights (ICESCR) reads: "All peoples have the right of self-determination. The United Nations Universal Declaration of Human Rights article 15 states that everyone has the right to a nationality and that no one should be arbitrarily deprived of a nationality or denied the right to change nationality. እንትብል ብተወሳኺ ድማ the right to take part in public affairs and elections guarantees the right of citizens to stand for public office, to vote in elections and to have access to positions in public service. The ICCPR recognizes the inherent dignity of each individual and undertakes to promote conditions within states to allow the enjoyment of civil and political rights. Article 25 of the ICCPR explicitly extends the right to vote to “every citizen,” and calls for “universal and equal suffrage.” 3. To further define the right to vote, the Human Rights Committee adopted General Comment 25 to the ICCPR. The ICCPR recognizes the inherent dignity of each individual and undertakes to promote conditions within states to allow the enjoyment of civil and political rights. Countries that have ratified the Covenant are obligated “to protect and preserve basic human rights… [and] “compel[ed] to take administrative, judicial, and legislative measures in order to protect the rights enshrined in the treaty and to provide an effective remedy.”ይብል፡፡

 

ብተወሳኺ Article 5 of the international Convention on the Elimination of All Forms of Racial Discrimination (“CERD”) requires States “to guarantee the right of everyone, without distinction as to race, colour, or national or ethnic origin, … [p]olitical rights, in particular the right to participate in elections-to vote and to stand for election-on the basis of universal and equal suffrage.” Paragraph 3 of the General Comment to the ICCPR also emphasizes that under ICCPR Article 25, “every citizen” is guaranteed the right to vote, and that “no distinctions are permitted between citizens in the enjoyment of these rights on the grounds of race, colour, sex, language, religion, political or other opinion, national or social origin, property, birth or other status.”ይብል፡፡

 

ከምኡ እውን አፍሪካ ሓድነት ቻርተር፤ “Chapter 8 Sanctions in Cases of Unconstitutional Changes of Government Article 23.5 “Any amendment or revision of the constitution or legal instruments, which is an infringement on the principles of democratic change of government.” ከምኡ ድማ፣ “Universal Declaration of Human Rights፤The Declaration was proclaimed by the United Nations General Assembly in Paris on 10 December 1948 Article 21 (1) “Everyone has the right to take part in the government of his country, directly or through freely chosen representatives. Article 21 (3) “The will of the people shall be the basis of the authority of government; this will shall be expressed in periodic and genuine elections which shall be by universal and equal suffrage and shall be held by secret vote or by equivalent free voting procedures.” ብምባል አስፊሩ እዩ፡፡

መሰል ዓርሰ ውሳነን ምሕዳራን ዐለምለኻዊ ሰብአዊ መሰል ምኻኑ ካብዞም ድንጋገታት ዓለምለኻዊ ሰነዳትን ምርዳእ ይካአል፡፡ መሰል ዓርሰ ውሳነን ምሕዳራን መሰረት ሰላም ምኻኑ፣ ኩሎም ህዝብታት አብ ማዕርነት ዝተመስረትን ባዕሎምን ባዕሎም ዘማሓድርሉ፣ኢኮኖሚያዊ ምዕባለ ዘማዕብልሉ ናይክልሎም ፀጋታት ተጠቀምትን ወሰንትን ዝኾንሉ፣ ባህሎምን ቛንቑኦሙን ከማዕብሉ፣ እዚ መሰል ፖለቲካዊ ተሳትፎን መረፃን ከም ዘካትት ካብ ዝርዝር ትሕዝተኦም ምርዳእ ይካአል፡፡ መረፃብ መሰረትሕገ መንግስቲሃ ገራት በዓልዋናነት ስልጣን ህዝቢ ካብ ዝግለፀሎም ተግባራት ሓደ ምዃኑ፣ ህዝቢ ፖለቲካዊ ስልጣን ባዕሉ ዝትግብረሉ መስርሕ ከምዝኾነ ካብዞም ድንጋገታት ዓለምለኻዊ ምግንዛብ ይካአል፡፡ ከም ቻርተር ሓድነት አፍሪካ ድማ ፖለቲካዊ ምሕደራ መግለፂ መሰል ዓርሰ ውሳነ ምኻኑን ዲሞክራሲያዊ መትከል ዝሽርሽር አካይዳ ከምዘይቕበልን ካብ አባልነት ዘእግድ ምኻኑን እውን የገንዝብ፡፡

ሀገራዊ ሕገ መንግስቲ እንትረአ ድማ ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ኢፌዲሪ አብ ዓንቀፅ 38 መሰል መረፃ ዜጋታት ዘለዎም ሕገ መንግስታዊ መሰል እምበር መንግስታዊ ፈቓድ አይኮነን፡፡ሕገ መንግስቲ ኢፌዲሪ አብ ዓንቀፅ 1:ፌደራላዊን ዲሞክራሲያውን ሪፖብሊካዊ መንግስቲ እዩ ዘቕውም። ብዘይካ መረፃ ዲሞክራሲ ዝባሃል የለን፡፡ ባህሪ እቲ መንግስቲ ጠቕሊሉ ዝምሑው አካይዳ እዩ፡፡ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ሪፖብሊካዊ ዝሐውን ሕገ መንግስቲ ኢፌዲሪ አብ ዓንቀፅ 8 ብግልፂ ዘቐመጦ ስልጣን ብሄር ብሄረሰባት ህዝብታት ግብራዊ እንትኸውን ጥራሕ እዩ፡፡ ብሄር ብሄረሰባት ህዝብታት ሰብ ዋና ሉአላዊ ስልጣን ጥራሕ ዘይኮኑስ መረፃ መግለፂ ሉኣላውነቶምን ዲሞክራሲያዊ ውሳነ ወሃብነቶምን ተሳትፎኦምን እውን እዩ፡፡ ብመሰረት ዓንቀፅ 39 (1) እቲ ሕገ መንግስቲ መረፃ አካል እቲ ብዘይገደብ ዝተረጋገፀ መሰል ዓርሰ ውሳነን ምሕዳርን እዩ፡፡ብመሰረት ዓንቀፅ 54 (1)  እቲ ሕገ መንግስቲ ወከልቲ ህዝቢ ንሓሙሽተ ዓመት ጥራሕ እዮም ዝምረፁብመሰረት ዓንቀፅ 58 (3)  እቲ ሕገ መንግስቲ ሓሙሽተ ዓመት ቅድሚ ምውድኡ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ሓዱሽ መረፃ ተኻይዱ ክፍፀም ሕገመንግስታዊ ግቡእ እዩ፡፡ ብመሰረት ዓንቀፅ 61 (2) ን (3)ን  እቲ ሕገ መንግስቲ  ዘበን ስራሕ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንእውን ከምኡ ሓሙሽተ ዓመት ጥራሕ እዩ። ብመሰረት ዓንቀፅ 56  እቲ ሕገ መንግስቲ  ዝተመሰረተን ብመሰረት ዓንቀፅ 72 (2) (3) እቲ ሕገ መንግስቲ ዝተጣየሸ ቤት ምኽሪን ስልጣን ስራሕ ፈፃሚትን ዘበን ስርሑ አብ ዓንቀፅ 54 (1)  እቲ ሕገ መንግስቲ ዝተመስረተን ዘበን ስራሕ ወከልቲ ህዝቢ እዩ። ቦርድ መረፃ ብአዋጅ ቁፅሪ 1162/2011 ዓንቀፅ 7 (1) በቢ ሓሙሽተ ዓመቱ መረፃ ናይ ምክያድ ግቡእ እምበር ናይ ምንዋሕ ስልጣን የብሉን። ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ እውን ከምኡ ብመሰረት ዓንቀፅ 55  እቲ ሕገ መንግስቲ መረፃ ክካድድ ናይ ምክትታል ግቡእ እምበር ናይ ምንዋሕ ስልጣን የብሉን።ብመሰረት ዓንቀፅ 93  እቲ ሕገ መንግስቲ ዝእወጅ ፍሉይ አዋጅ ህፁፅ እዋን አብ ዝተፈቐደልካ ዘበን ስልጣን ዝእወጅ እምበር ዘበን ስራሕ ዝሳገር አይኮነን፡፡ ዘበን ስራሕ መንግስታዊ አካለት ንምንዋሕ ዘይኮነስ ደሕንነት ህዝብን ሀገርን ምሕላው ዝዓለመ እዩ፡፡ ብመሰረት ዓንቀፅ 60  እቲ ሕገ መንግስቲ ቤት ምኽሪ ዝብተን አብ መዋእል ዘበን ስራሕ አቲ ቤት ምኽሪ ምበር ዘበን ስራሕ ዝሳገር አይኮነን፡፡ ብመሰረት ዓንቀፅ 9 እቲ ሕገ መንግስቲ ልዕለነት ሕገ መንግስቲ እመበር ልዕለነት መንግስታዊ አካል አብ ኢትዮጵያ አይሰርሕን። ካብቲ ሕገ መንግስቲ ዘቐመጦ መትከል ወፃኢ እንትውሰን ከሕትት እንተዘይኮይኑ እቲ ውሳነ ዋላ ውን ብባዓል መዚ እነተኾነ ትኽክለኛ አይገብሮን፡፡

 

           II.     ሕማም ለበዳ ዘበን ስልጣን ኣይውስኽን፡፡

በዚ መንፅር ናብቱ ልዕል ኢልና ዘልዐልናዮ ሕቶ እንትንምለስ ብኮሮና ይኹን ብኻልእ ለበዳ ምኽንያት ስልጣን እቲ ሕዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ክናዋሕ ኣይኽእልን።   ለበዳ ኮሮና ከቢድ ሓደጋ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። ግን እቲ ለበዳ ንኹሉ ስራሕ መንግስቲ ጠጠው ከብል ኣይኽእልን። ለበዳ ንምክልኻል ግልግሎት ዝህባ መንግስታዊ ትካላት ስራሕተን  ጠጠው ምባል ይከኣል ዋላ እንተኾነ ቀንዲ ሓላፊነት መንግስቲ ግን ጠጠው ክብል ኣይክኽእልን። ንኣብነት ኮረና ክንዲድላዩ ይኽፋእ ስራሕቲ ፖሊስ ጠጠው ክብልን ገበነኛታት ልዕልና ሕጊ ክጥሕሱን ክፍቀድ ኣይኽእልን። ሰራዊት መከላኸሊ ሃገር’ውን ለበዳ ስለዝገጠመ ስርሑ ክገድፍ ኣይኽእልን። ስራሕቲ ደህንነት ጠጠው ኢሉ ኢዩ ክበሃል እውን ኣይኽእሉን። በዚ መሰረት ነቱ ለበዳ ምግዳድ ምኽንያት ዝኾነ ኣሰራርሓታት ካብ ምስትኽኻል ሓሊፉ እቲ ቀንዲ ሓላፍነት መንግስቲ ከይስራሕ ክገብር የብሉን። መረፃ ብምክያድ ስልጣን ናብቱ ናይ ህዝቢ ድምፂ ዝረኸበ ፓርቲ ምትሕልላፍ ድማ ካብቶም ዓበይቲ ስራሕቲ መንግስቲ እቲ ሓደ ኢዩ። መረፃ ኣብድላዩ ዘፀግም ከቢድ ኩነታትውን ኮይነን ብዙሓት ዓዲታት ክፍፀም ዝግበር ዘይሕለፍ ቀይሕ መስመር ዝለዝኾነ እዩ። ኢትዮጵያውን እንተኾነት ኣብ ኩናት ኣናሃለውት’ውን መረፃ ዘካየደት ምዃና ዝፍለጥ እዩ። ስለዝኾነ መረፃ ቦርድ ሕማም ለበዳ ምኽንያት ብምግባር እቲ መዓልቲ መረፃ ክስረዝ ምግባሩ ብመሰረቱ ተቐባልነት ዘለዎ ኣይኮነን። እቲ ዝገርም ድማ ቦርድ መረፃ እዚ ውሳነ እዙይ ዝሃበ ስለቲሕማም መንግስቲ ሃገርዃ ምንም ውሳነ ኣብዘይሕለፈሉ ኹነታት እዩ። እቲ ክቕድም ዝነበሮ ሕቶ ኣብ ውሽጢ ለበዳ ኾይንናን ዲሞክራሲያዊ ባህርያት እቱ መረፃ እንተይሰሓትናን መረፃ ከመይ ክነካይድ ንኽዕል ዝብል ሕቶ ክኸውን ነይርዎ። እዙይ ዝምልከት ብዙሕ ሃነፅቲ ሓሳባት ምልዓል ምተኽኣለ ነይሩ፤ ሕዝውን ይከኣል እዩ። መረፃ ምክያድ ስፍሕ ዝበለ ናይ ፓርቲታት ፖለቲካ ምንቅስቓስ ዝደሊ ምዃኑ ርዱእ እዩ። ፓርቲታት ስፍሕ ዝበለ ናይ ምረፁኒ ጎስጓስ ምግባር ዝጠልብ እውን እዩ። እቲ ለበዳ ብኻሊእ ገፅ ብዝሕ ዝበለ ሰብ ምትእኽኻብ ዝግደበሉ እዩ። ነዙይ መፍትሒኡ ግን ብዕውር ድምብር መረፃ ምስራዝ ዘይኮነስ ነቲ ኹነታት ኣብ ግምት ውሽጢ ዘእተወ ከይዲ ጎስጓስ ምክያድ እዩ።  ትምህርቲ ንምውሳድ ኣብ  ቤት ትምህርቲ ምኻድ ይደሊ፥ ብሰንኪ ኮሮና ግን ብሬድዮ ይወሃበሎ።  ፀሎት ኣብ ቤት እምነት’ዩ ክወሃብ ዝግበኦ፥ ግን ብኮረና ምኽንያት ናይ መንግስቲ ሚድያ ተይተረፈ ይካየደሎ (መንግስትን እምነትን ምፍልላዮም ግድን ምዃኑ ብዘይግድስ)። ስለዝኾነ ለበዳ ኮሮና ዋላ እንተሃለወ ዝተፈላለዩ ካልኦት መማረፅቲ ብምጥቃም ኣድላዪ ምድላዋት መረፃ 2012 ክዳለው ይከኣል፥ ይግባእውን።  ፓርቲታት ፖለቲካ ለበዳ ኮረና ብዝጠልቦ መጠን ናይ ሚድያን ካልኦት መማረፅቲ ቴክኖሎጂን ብምጥቃም ፕሮግራማቶም ንህዝቢ ከፋልጡ ኹነታት ክመኣቻቸው ይግባእ።  ካልኦት ንመረፃ ኣድላዪ ዝኾኑ ዋኒናት’ውን በተመሳሳሊ ኣንፈት መፍትሒ ክድለየሎም ይግባእ። ብድምር እንትረአ ለበዳ ኮረና መረፃ ዝከያደሉ ኣካይዳ ክንልውጥ የገድደና እምበር መሊእና ክንስርዞ ኣይገብረናን። ማእኸላይ መንግስቲ ጊዜ መረፃ ናብ ካልእ ዘበን ስልጣን ከማሓላልፍ ስልጣን ዘይብሉ ምዃኑ ሕሉው ኮይኑ፥ ብስሩ እኹል ምኽንያት’ውን ኣየቕረበን። 

 

          III.     ሰብ ካብ ንይ ባዕሉ ጥፍኣት ክኸስብ ሕጊ ኣይፈቅድን፡፡

 

ሕሉፍ ሓሊፉ ኩነታት ሃገርና ዝተረጋግአ ዘይምዃኑ መረፃ ንምንዋሕ ተወሳኺ ምኽንያት እዩ ዝብል ወረታት’ውን ይናፈስ ኣሎ።  ቅድም ኢሉ’ውን ናብዙይ ዝወስድ ምድላዋት ይግበር ብምንባሩ እዙይ ከምተራ ወረ ክሕለፍ ኣይግበኦን፡፡ የግዳስ እዙይኸ ተኾነ መረፃ ንምንዋሕን ብኡ ኣቡሉ ብልፅግና ኣብ ስልጣን ክፀንሕ ንምግባር እኹል ምኽንያት ድዩ? ዝብል ምምርማር የድሊ። ኢትዮጵያ ብኣንፈት ሰላም ንኻልኦት መርኣያ ዝኾነት ሀገር ምፅናሓ ግልፂ እዩ።ኹነታት ተቐይሮም ናብ ዕግርግርን ምፍንልቓን ዝተኣተወ ሕዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ናብ ስልጣን ካብ ዝወፀሉ ግዜ ጀሚሩ እዩ። ቅድም ኢሉ ዝነበረ ዕግርግር እንተነበረ’ውን እቲ መንግስቲ ክቆፃፀሮን ከዝሕሎን እንተገበአ ኣይከኣለን።  እዙይ ዘርእዮ መንግስቲ ሰላምን ፀጥታን ናይ ምርግጋፅ ሓላፍነቱ ኣብ ምፍፃም ዓብዪ ፀገም ዘለዎ ምዃኑ እዩ። ይኹንምብር ብልፅግና እቲ ባዕሉ ዘጓሃሃሮን ሓልሓሊፉ’ውን ባዕሉ ዝመርሖን ዕግርግር’ዩ ንመናውሒ መረፃ ከም ምኽንያት ተቐበሉኒ ዝብል ዘሎ። ሕዚ ተፈጢሩ ዘሎ ዕግርግርን ፀበባን መረፃ ንምክያድ ተወሳኺ እምበር ንምስራዝን ንምንዋሕን መልዐሊ ክኸውን ኣይኽእልን። ሕዚ ዘሎ መንግስቲ ኣብዛ ሃገር ሰላም ምዕሳል ከምዘይከኣለ እንድሕር ተቐቢሉ መረፃ ተኻይዱ ካልእ ዓቕሚ ዝለዎ ፓርቲ ናብ ስልጣን ክመፅእ ዝኽእለሉ ኹነታት ክፍጠር ይግባእ።  ብልፅግና ናይ ዓዲ ሰላም ምርግጋእ ዝኣበዮ ብናይ ባዕሉ ጥፍኣት እዩ። መንግስትታት ዕግርግር እናፈጠሩ ኣብ ስልጣን ዝፀንሕሉ እዋን ዘናውሑ እንተዳኣ ኾይኖም ዲሞክራሲ ፈፂሙ ትርጉም ኣይህልዎን። ስልጣን ናይ ህዝቢ ምኻኑ’ውን ትርጉም ኣይህልዎን፡፡ እዙይ ኣንፈት እዙይ ጥፍኣት ዝፈፀሙ ኣካላት ብጥፍኣቶም ክሕተቱ ክንድዝግባእ ተሸለምቲ ዝገብር እዩ። ብሕጊ ከምዝበሃል ድማ ማንም ሰብ ካብ ጥፍኣቱ ተጠቃሚ ክኸውን ኣይኽእልን፥ ኣይግባእን።  ብልፅግናውን ዓዲ ናብ ዕግርግር ፈጢሩ መሊሱ ንዕኡ መሰረት ገይሩ ሕገ መንግስቲ ካብዝፈቕዶ ግዜ ንላዕሊ ኣብ ስልጣን ክፀንሕ ክሓትት ኣይኽእልን፡፡ ኣይግበኦንውን። ስለዝኾነ ሰላም ዘይብሉ ኸባቢ ተፈልዩ እኹል ሓለዋን ፍሉይ ምድላውን ገይሩ፥ ኣብ ካልኦት ኸባቢታት’ውን መረፃ ከካይድ ይግባእ።  ኣብ ኩሉ ፀጥታ ምቁፅፃር ኣይከኣልኩን ተይሉ ግን ወይ መንግስቲ ብዕሊ ምፍራሱ ይግለፅ፥ ወይ ድማ ስልጣን ብፍቃዱ ይልቀቕ።

 

          IV.     ቤት ምኽሪ ኮነ ቀዳማይ ሚኒስትር ዘበን ስልጣኑ ባዕሉ ምንዋሕ ኣይኽእልን፡፡

 

እቲ ሕገ መንግስቲ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ፓርላማ በቲኑ ኣብ ውሽጢ 6 ወርሒ መረፃ ምግባር ከምዝከኣል ይሕብር።  ስለዝኾነ እቲ መራሒ ፈደራል መንግስቲ ኣብ ከይዲ መረፃ ዝኾነ ስልጣን ከምዘለዎ ምርኣይ ይከኣል።  ይኹን እምበር እቲ ቀዳማይ  ሚኒስትር እዙይ ምግባር ዝኽእል እሱ ባዕሉ ስልጣን ኣብዘለዎ ጊዜ እዩ። በዚ መሰረት እቲ ጠቕላላ ሚኒስትር ፓርላማ በቲኑ ሓዱሽ መረፃ ክካየድ ዝግበር ኣብ ውሽጢ 5 ዓመት ዘበን ስልጣኑ እዩ።  ካብኡ ብተወሳኺ እዙ ቀዳማይ  ሚኒስትር እዙይ ምግባር ዝኽእል ብሕገ መንግስቲ ብግልፂ ዝተዘርዘሩ ምክንያታት እንተጓንፉ ጥራሕ እዩ። እቲ ቀዳማይ  ሚስኒተር ስልጣን ኣለኒሞ ፓርላማ በቲነለኹ እንተበለውን እቲ መረፃ ናይ ግድን ነሓሰ ክግበር ይግባእ። ስለዝኾነ እቲ ኣብ ሕገ መንግስቲ ዝተውሃበ 6 ወርሒ እቲ ዝለዓለ እዩ እምበር ከም ኣድላይነቱ ካብኡ ንታሕቲ ኣብዝኾነ ግዜ መረፃ ክግበር’ውን ግድነት ክኸውን ይኽእል እዩ።  ውዒሉ ሓዲሩ ፓርላማ እንድሕር ተበቲኑ እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ሕጊ ከውፅእ፥ ከማሓይሽ ድንጋገ ከውፅእ ስለዘይፍቀደሉ ብዝመገዲ እዙይ ዓዲ ብዕሊ ዝመርሐሉ ዕድል የለን።

 

4.   መረፃ ብእዋኑ እንድሕር ዘይተኻይዱ ውፅኢቱ ታይ ይኸውን?

 

ገለገለ ፈላጣት ሕጊ ኢና በሃልቲ መረፃ ብእዋኑ እንድሕር ዘይተኻይዱ ውፅኢቱ ታይ ከምዝኸውን ኣብ ሕገ መንግስቲ ኣይተገለፀን ብምባል ብልፅግና ኣብ ስልጣን ክፀንሕ ከዝምኽእል ወይ ድማ መንግስቲ ሽግግር ክምስረት ከምዝኽእል ርኢቶታት የቕርቡ አለዉ።  እዙ ትርጉም እዙይ መሕዘንን መሕፈርን ትርጉም ሕጊ ምዃኑ ሕሉው ኮይኑ መንግስቲ ክፈርስ ብዕሊ ካብ ምእዋጅ ዘይንእስ ምኳኑ ክፍለጥ ይግባእ። 

 

ብመሰረት ዓንቀፅ 54 እቲ ሕገ መንግስቲ ኣባላት ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ዝምረፁ ንሓሙሽተ ዓመት ጥራሕ እዩ። ብርግፅ እቲ ሕገ መንግስቲ 5 ዓመት እንድሕር ሓሊፉ ታይ ይኾን ዝብል ዓንቀፅ ኣይሓዘን፡፡ ውፅኢት ጥሕሰት ሕገ መንግስቲ ኣብ ሕገ መንግስቲ ምቕማጥ ኣድላዪ ስለዘይኮነ!  ክፍለጥ ዝግባእ ግን ስልጣን ክትሓዝ ዝከኣል ናይቲ ስልጣን ፍልፍል ዝኾነ ሕጊ ወይ ውዕል ክሳብ ዝፈቐደ ጥራሕ እዩ። ስለዝኾነ ኣባላት ተወከልቲ ህዝቢ ኣባላት ኮይኖም ዝፀንሑ ንሓሙሽተ ዓመት ጥራሕ እዩ።  ናይ ስራሕ ዘመኖም እንተተውዲኡ ኣብታ እተወደአትላ መዓልቲ ኣባላት ተወከልቲ ህዝቢ ምዃኖም ጠጠው ይብል። ምስኡውን ብኣባልነቱም ዝነበሮም ናይ ምውሳን ስልጣን ይጠፍእ ማለት እዩ።  ሕዚ ዘለዉ ኣባላት ቤት ምኽሪ ኣባላት ኮይኖም ዝፀንሑ ክሳዕ ወርሒ መስከረም ናይ መወዳእታ ሶኒ ጥራሕ እዩ።  ሕድ ሕድ ኣባላት ጥራሕ ዘይኮነስ ብኣቶም ኣቢሉ ስልጣን ተረኪቡ ዝነበረ መንግስቲ’ውን ስልጣኑ ዘብቅዕ ኣብዙ ጊዜ እዙይ እዩ።ብድምሩ እንትረአ ድሕሪ ጊዜ እዙይ ስልጣን ዘለዎ ቤት ምኽሪ ኣይህሉን፡፡ ፈፃሚ አካል’ውን መንግስቲ ናይ ምምራሕ ስልጣን ኣይህልዎን።  ስለዝኾነ ምንዋሕ መረፃ ዝህልዎ ዝዓበየ ውፅዒት ዓዲ ብዘይመራሒ መንግስቲ ክትተርፍ ምግባር እዩ። መረፃ እንድሕር ዘይሃልዩ ዓዲ ንምምራሕ ሕጋዊ ስልጣን ዘለዎ መንግስቲ government ኣይህሉን። ስለዝኾነ ስልጣኖም ካብ መረፃ ዝፍልፍል ኩሎም ሰበ ስልጣን መንግስቲ ወኪሎም ናይ ምስራሕ ስልጣን ኣይህልዎምን። ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ኢፌዲሪ ዓንቀፅ 9 (3)ን ካብ ዓንቀፅ 238 ቀፂሎም ብዝርከቡ ድንጋገታት ገበን ሕጊ ስልጣን እንተዘይሃለወካ ዋኒናት መንግስቲ ምምራሕ ድማ ብሕጊ ዘሕትት ዓብዪ ገበን ምዃኑ ክፍለጥ ይግባእ።  

 

ሕገ መንግስታዊ ደውታ ኣብዙጉዳይ እዙይ ግልፂ እዩ፡፡ መረፃ እንድሕር ዘይተኻይዱ ኢትዮጵያ ክመርሕ ዝኽእል ሕጋዊ ኣካል ኣይህሉን።  እዙይ ዝኾን እቲ ሕገ መንግስቲ ስለዘይፈቅድ እዩ።  ሕገ መንግስቲ ዘይፈቕዶ ድማ ብኻሊእ መገዲ ምርካብ ኣይከኣልን።  ስለዝኾነውን እዚ ጥሕሰት ሕጊ እዙይ ብምንም መንገዲ’ውን እንተኾነ ክሕከም ኣይክኽእልን።  እዙይ ክስተኻኸል ዝኽእል እቲ ሕገ መንግስቲ ብምቕያር ጥራሕ እዩ። ሕገ መንግስቲ ድማ ክቕየር ዝኽእል በቱ ሕገ መንግስቲ ብባዕሉ ዝተቐመጠ ስርዓት ብምኽታል ጥራሕ እዩ።  ካብዙይ ወፃኢ ማንም ሓይሊ እቲ ኹነታት ክልውጦ ኣይኽእልን።  ካሊእስ ይትረፍ ኩለን ክልላት’ውን ብስምምዕ ዘበን ስልጣን ማእኸላይ መንግስቲ ይኹን ናይ ባዕለን ክውስኻ ኣይኽእላን።  ኣለዉ ዝበሃሉ ውድባት ፖለቲካ’ውን ተኣኪቦም እዙይ ክልውጡ ኣይኽእሉን።  ኣብዙይ ክፍለጥ ዝግበኦ ኻልእ ነጥቢ እቲ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ጉጅለ ዘይሕጋዊን ቅቡልነት ዘይብሉን ምዃኑ እዩ። ስለዝኾነውን እቲ ሕገ መንግስቲ እንተተለዊጡ እውን ኣብቱ ሕዚ ዘሎ ዘይሕጋዊነት ዘምፅኦ ለውጢ የለን።  ቅድም ኢሉ ስልጣን ዝሓዘ ኢህወደግ እምበር ብልፅግና ኣይኮነን። ስለዝኾነ ብልፅግና ክናዋሕ ዝኽእል ሕጋዊ ስልጣን’ውን ኣይብሉን። 

 

ሕዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ ጉጅለ ድሕሪ መወዳእታ መስከረም 2013 ኣብ ስልጣን ክፀንሕ እየ እንድሕር ኢሉ ግልፂ ዝኾነ ጥሕሰት ሕገ መንግስቲ እዩ።  ፃንሒቱ’ውን ተኾነ ሕገ መንግስቲ ዘይቕበሎ እዩ።   ሕገ መንግስቲ ኣብ መንጎ መንግስቲን መሰል ተሓዝቲን (ውልቀሰባትን ጉጅለታትን) ማእኸል ዝግበር ስምምዕነት እዩ።  እቱ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ከምዝተሓሰበሉ ክቕፅል ዝኽእል ስልጣን ዝሓዙ ጉጅለታት በቲ ሕገ መንግስቲ መሰረት ምስራሕ እንተኽኢሎም ጥራሕ እዩ።  ሕገ መንግስቲ ንምጥሓስ ጀመርቲ እንተኾይኖም ካልኦት ክልላትን ኣካላት ሕገ መንግስቲን ሕገ መንግስቲ ኣሎ ካብዝብል ክለዓሉ ኣይግደዱን። በዚ ምኽንያት ኣብ ወርሒ መስከረም ስልጣን ዘይምርካብ (ቅድሚኡ መረፃ ጌርካ) እቲ ሃገር ዝተኣሳሰረሉ ገመድ ምብጥጣስ እዩ።  ስለዝኸነ መረፃ ናይዘይምክያድ ውፅኢት ምፍራስ ፌደራላዊ ስርዓትን ሕገ መንግስታዊ ኣንፈትናን እዩ።

 

5.  ትርጉም ሕገ መንግስቲ ዝደልዩ ዛዕባታትኸ ኣለዉዶ?

መረፃ ኣብ 5 ዓመት ሓደ ግዜ ክካየድ ግድን እዩ። ካብዙይ ወፃኢ መረፃ ብዘምይክያድ ኣብ ስልጣን ንምፅናሕ ዝግበር ፃዕሪ ምፍራስ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ካብ ምኽታል ዝሐሸ ውፅኢት ኣይህልዎን። ሓደ ሓደ ወገናት ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ናይ ሕገ መንግስቲ ትርጉም ብምሃብ እቲ ኹነታት መልክዕ ምትሓዝ ከምዝከኣል ይገልፁ።  ይኹን ደኣምበር እዙይ’ውን እንተኾነ ዝኽይድ ኣይኮነን፤ ብኽለተ ምኽንያት። እቲ ቐዳማይ ምኽንያት ቴክኒካል እዩ። ከምዝፍለጥ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ዘለዎ ስልጣን ሕገ መንግስታዊ ዘይምቅድዳው እንተሃልዩ ውሳነ ምሃብ እዩ። ስለዝኾነ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ዝተውሃበ ውሳነ ምስ ሕገ መንግስቲ ዝፃባእ ምዃን ዘይምዃኑ ምውሳን እንተድሊ መርሚሩ ውሳኔ ይህብ እምበር ገና ውሳኔ ኣብዘይረኸበ ዋኒን ምኽሪ ኣይህብን።  እዙይ ምዃኑ እቲ ብሕጊ ትርጉም ናይ ውሳነ ሓሳብ ዝህብ ጉባኤ መፃረዪ ሕገ መንግስታዊ ጉዳያት ቅድም ክብል ውሳነ ኣብዘይ ዓለበሎም ዋኒናት ናይ ሕገ መንግስቲ ምኽሪ ከምዘይህብ ወሲኑ እዩ።  ቅድም ክብልሕጊ ቤተሰብ ስልጣን ፌደራል ድዩ ወይስ ስልጣን ክልል ዝብል ክትዕ ነይሩ።  እዚ ክትዕ ብቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ምኽሪ ክወሃበሉ ብምሕሳብ ርኢቱኡ ክልእኽ ይጥይቕ። ይኹን እምበር እቲ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ገና ናይ ሕጊ መልክዕ ኣብዘይሓዘ ጉዳይ ምኽሪ ምሃብ ከምዘይኽእል ገሊፁ፡፡ ስለዝኾነውን ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ሕጋዊ እዩ ኢሉ ብዝኣምነሉ መንገዲ ሕጊ ምውፃእ ከምዝኽእል፥ እቲ ዝወፅእ ሕጊ ሕገ መንግስቲ ይጥሕስ ኢሉ ዝኣምን ወገን ዳሕራይ ሕቶ ምልዓል ከምዝኽእል ብምጥቃስ ቀሪቡ ዝነበረ ናይ ምኽሪ ይወሃበኒ ፃውዒት ተየተቐበለ ተሪፉ እዩ።  ስለዚህ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ምኽሪ ወሃቢ ስለዘይኾነ ኣብዝሐዚ ዝለዓል ዘሎ ዋኒን ምኽሪ ክህብ ኣይኽእልን። ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን እዙይ ምልዋጥ ዝኽእል ዋላ እንተኸነ እቲ ሕገ መንግስቲ ተኽቲሉ ውሳነ እንተሂቡ ግን ካብዙይ ዝተፈለየ ውሳነ ክህብ ኣይግባእን።  ከምዝፍለጥ ሕገ መንግስቲ ትርጉም ዝህቡ ቤት ፍርዲ ይኹኑ ካልኦት ተመሳሳሊ ስልጣን ዘለዎም ኣካላት ምኽሪ ሕጊ (advisory opinion) ናይ ምሃብ ስልጣን የብሎምን፡፡

 

ውዒሉ ሓዲሩ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ሕገ መንግስቲ ናይ ምትርጓም’ምበር ሕገ መንግስቲ ናይ ምቕያር ስልጣን የብሉን፡፡  ንውሱን ጊዜ ዝተመረፀ ኣካል መንግስቲ ዘበን ስልጣን ከናውሕ ኣይኽእልን። እዚ ዋኒን ብዝምልከት እቲ ሕገ መንግስቲ ንማንም ዝሃቦ ስልጣን የለን። መረፃ ኣብ ሓሙሽተ ዓመት ክካየድ ኣለዎ፡፡ እዙይ ማንም ክልውጦ ኣይኽእልን። ስለዝኸነ ፌዴሬሽን ቤት ምኽሪ’ውን እንተኾነ እዙይ ብዝምልከት ካብካልኦት ዝሐሸ  ዕድል ኣይህልዎን። 

 

6.  መረፃ እንድሕር ብእዋኑ ዘይተገይሩ ትግራይ ከምክልል ታይ ምግባር ይኽእል?

ኣብ ፌደራል ብርኪ ኣብ ስልጣን ዘሎ ጉጅለ ሕገ መንግስቲ ካብዝፈቕዶ ስርዓት ወፃኢ ኣብ ስልጣን ንምፅናሕ እንድሕር ወሲኑ (ዝተፈላለዩ ጉልባባት ብምሃብ) ሕገ መንግስቲ ኣኽቢሮም ክኸዱ ዝደልዩ ሓይልታት ብፍላይ ድማ ክልል ትግራይ ዝህልዎ መማረፂ እንታይ ይኸውን? ዝብል ሕቶ ቀፂሉ ክለዓል ዝግበኦ እዩ። መረፃ እንድሕር ዘይተኻይዱ ድሕሪ ወርሒ መስከረም ሕጋዊ ስልጣን ዘለዎ ትካል መንግስቲ ኣይክህሉን።ብኻሊእ ኣገላልፃ ብሕገ መንግስቲ ዝምራሕ ፌደራል መንግስቲ ኣይህሉን።  ቅድሚ ፅባሕ ሓዱሽ ዓመት ድላዩ ዓይነት ውሳነ ይወሰን መረፃ እንድሕር ዘይተኻይዱ እዙ ኣድላዪ ዘይኮነ ኹነት እዙይ ምውጋድ ኣይከኣልን።  ቤት ምኽሪ ፌደራል መረፃ ክናዋሕ ምውሳኑ ነቱ ኹነታት ዝልውጥ ኣይኮነን።  ስልጣን ኣካላት መንግስቲ ካብ ሕገ መንግስቲ’ምበር ካብ ውሳነ ክፍልፍል ኣይኽእልን።  ስለዝኾነ ቅድሚ መስከረም ዝወሃብ ውሳነ ድሕሪኡ ንዝህልው ክፍተት ስልጣን መድፈኒ ክኸውን ኣይኽእልን። ፈፂሙ!

 

ብፍላይ ድማ ቀዲሙ’ውን እንተኾነ ዓዲ ንምምራሕ ስልጣን ዘይብሉ ጉጅለ፥ ንሱ ብዝቆፃፀሮም ትካላት ኣወሲኑ ቅቡልነት ዘለዎ መንግስቲ ክምስርት ኣይኽእልን።  ከምዝፍለጥ ብልፅግና ዝበሃል ፓርቲ ኣብ 5ይ መረፃ ኣይነበረን፡፡ ኣይተወዳደረን’ውን።  ፖሊሲ ኣቕሪቡን ተወዳዲሩን ስልጣን መንግስቲ ዝዓተረ እህወደግ እዩ። ኢህወደግ ሕዚ የለን። ወራሲ’ውን የብሉን። ብልፅግና ንኢህወደግ ዝትክእ ፓርቲ እየ እንተበለውን ተቐባልነት ዘለዎ ኣበሃህላ ኣይኮነን። ስለዝኾነ’ውን ብልፅግና ስልጣን መንግስቲ ሒዙ ዘሎ ሕጋዊ ብዘይኾነ ስርዓት እዩ። ስለዝኾነ መረፃ ከናውሕ ዝፅዕር ዘሎ ብስሩ’ውን ስልጣን ዘይብሉ መንግስቲ እዩ። ታይ ክግበር ኣለዎ ዝብል ሕቶ መልሲ ክወሃቦ ዝግባእ እምበኣር ኣብ ክሊ እዙይ ብምዃን እዩ።  ኻሊእ ኣብ ግምት ውሽጢ ክኣትው ዝግበኦ እቲ ሕቶ ኣብውሽጢ ክሊ ሕገ መንግስቲ ዝለዓል ስለዘይኮነ መፍትሒኡ ኣብ ውሽጢ ሕገ መንግስቲ ኾይንኻ ምሕሳብ ክኸብድ ይኽእል እዩ።  ዝኾነ ኾይኑ እዞም ቀፂሎም ዘልዉ መማርፂታት ክረኣዩ ይግባእ።

 

ሀ/  መረፃ ምንዋሕ ሕገ መንግስታዊ ጥሕሰት ብምዃኑ እቲ ዛዕባ ሕገ መንግስታዊ ትርጉም ዘልዕል ምዃኑ ብምጥቃስ ናብ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ምቅራብ። ሕገ መንግስታዊ መፍትሒታት ይፅንቀቑ ስለዘለዉ ግን እዙ መማረፂ’ዙይ ብዙሕኣወንታዊ ውፅኢት ከምፅእ ይኽእል ኢልካ ምሕሳብ ኣይከኣልን።ድሕሪ መስከረም ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን እውን ስልጣኑ ስለዝስእንን ቅድሚኡ ክውስን እዩ ኢልካ ስለዘይግመትን እዚ መፍትሒ ብዙሕ ውፅኢት ኣይህልዎን። ሕጋዊ መንገዲ ምኽታል ኣድላዪ ስልዘኾነግን እዙይ ምፍታን የድሊ።

 

ለ/ ናይ ብልፅግና ስልጣን ዘይሕጋዊ ምዃኑ ብዕሊ ምግላፅን፥ መንግስቲ ትግራይ ንዙይ ዘይቕበሎ ምዃኑ ምግላፅን። ብልፅግና ብመሰረቱ ሕጋዊ መንግስቲ ኣይኮነን። ዘይሕጋውነቱ ዝጀመረ ቅድም ኢሉ እዩ። ይኹን’ምበር ቅቡልነት ከምዘለዎ መንግስቲ ስሩዕ ስራሕቲ ኣንዳሰረሐ ትግራይ ሓዊሱ ካልኦት ክልላት’ውን ብዘይ ምንም ሕቶ ተቐቢለንኦ ይኸዳ ኣልዋ።  እዙይ ክቕፅል የብሉን። ብልፅግና ሕጋዊ ኣይኮነን ንምባል መስከረም 2013 ክንፅበ ኣይግባእን። ዘይሕጋዊ መንግስቲ ዓዲ ኣብ ገደል የእትው ምህላዉ ኣብ ግምት ውስጥ ብምእታው ትግራይ ግልፂ ቁዋም ክውሰድ ይግባእ።

 

ሐ/ ኣብ ማእኸል ዓዲ ዘሎ መንግስቲ ሕገ መንግስቲ ኣኽርሩ ንምኻድ ድልየት ዘይብሉ ምዃኑን ኣከያይድኡ ድማ መሰል ህዝቢ ትግራይ ግልፂ ዝኾነ ሓደጋ የምፅእ ብምህላውን፥ መረፃ ምስራዝ መሰል ዓርሰ ምምሕዳር ዝሽርሽር ብምዃኑን እቲ ፌደራል መንግስቲ ሕገ መንግስቲ ይጥሕስ ብምህላዉን ህዝቢ ትግራይ ዓንቀፅ 39 ዝህቦ መሰል ክጥቀም ዝኽእለሉ ኸይዲ ምጅማር

 

መ/ ክልላዊ መረፃ ይካየድ ኣይካየድ ኣብዝብል ነጥቢ ክልላው ቤት ምኽሪ ክዝትየሉን ውሳነ ክህበሉን ምግባር። ነዚ ስዒቡ ብዝቕመጥ አንፈት ምምራሕን ትልሚ ምድላውን ውን ግድን ይኸውን፡፡

 

 

Back to Front Page