Back to Front Page

ወለደይ ተጋሩ!

ወለደይ ተጋሩ!

 

ያሬድ ሑሉፍ 06-24-20

 

መን እሎ ብድልየቱ

ፀገም መከራ ዝፍቱ

ባዕሉ አብ ጪንቂ ዝዓቱ::

 

ቃልሲ መቂሩኒ 

መስዋእቲ  ናፊቁኒ 

እፈትው ብእዋኑ

ከፍልጥ ዘይምኻኑ:

 

ታይደኣኸምዕድል ኾይኑ

ወለደይ ተጋሩ

Videos From Around The World

ብፀገም መከራ 

መግዝኣት ኣምሓራ

እንጅቶም ሓሪሩ

ተይሞቱ ብደወዎም ተቀበሩ::

 

እሞ ናቶም ኸይአክል ብእዋኑ

እቲ መግዛዕቲ ብዝኸበደ ጎኑ

ተዛመተ ከምሕማም ለብዳ

ናብ ውልድ ወለዶ ተጎንጊኑ::

 

ወለዲ ሓቢኖም

ፀገም ፀይሮም

ኽሳዕ ዕለተ ሞቶም

ኣብ መሬት ሀገሮም 

ስደት ፈንፊኖም 

ነበሩ ቆንቂኖም::

 

ብድሕሪኦም ዝመፀ ወለዶ

ናብራ ምስኸበዶ

ተመነየ ኽሻገር ንማዕዶ:

ድሕሪ ዓቅሊ ፅበት:

ምፍጣርካ ዝሟገት

ሺግር እረ ምስጠዓመ ሓሞት

ዓቅሚ ዘለዎ በዓል ጉልበት

ናብዘንፍልጦ ሀገር ጎርቤት

ፈለስ ኸምዕኮት

ይሕይሽ እንተኾነ ኻብቲ ናብራ ፀልማት

ወለዲ ዝስንከለ ብስቅያት

መፀዕቲ  አይሙውታት አይጥዑያት::

 

ስደት ኣርማጮ:

ወጮ  እንትገልቡጥካዮስ ወጮ

ናብራ ምምሕያሽስ ይቅረ

እትወፅዐእትበደል በኣስ ኸረረ

ኻብቲ መሬት ሓገርና ዝሕረረ::

 

ቃንቆም ተማሒርና

ህጎም አኽቢርና

ገሌና ደቆም እምሒርና

ገሌና ዘብዔኛታት ኾይና

ሽንቲ ቤቶም ፀሪግና

እንትንብር ርእስና አድኒና

ዓመፀኛ እይዓገበን ገና

ጠጠው ኢልና ብምኻድና:

ደለየ ወሲኹ ወሳሲኹ ኽደቑስና::

 

ተገዛኣይ ደልዮም 

ሽሐነ ብርጭቆ ዝሓፅበሎም

ግንከ ህልውና ተገዛኣይ ፀሊኦም:

ለይቲ ምስቀትሪ ነገሩና

ማዕሮ ኸምዘይኾና:

ቅርሲ ኸምዘይብልና:

እንበልኦ ንስትዮ

ንኸዶ ዘይብልና::

 

ታሪኽ ቀቢሮም

ፈጠራ ፊሒሮም

ኽውን ኪሒዶም

ዘይኾነ ሚሒሎም ጢሒሎም

ብዘይግበርዎ ተናኢዶም

ብዘይ ማዐርጎን ተስይሞም

ሕሶት ተኸናኒቦም

ብዘይወዓልዎ ተሞጊሶም

ይግረም ካብ ጦር ሜዳ ሀዲሞም

ሀርቡኛ መድይልያ ተሽሊሞም

ኢትዮጵያ ናሕና

ቃንቃእ ቃንቃና

ባህላ ባህልና

ዝተረፍኩም ሓሺከርና

በሉና::

ዝብኢ አብዘይፈልጥዎ ኸይዱ

ቆርበት አንፅፉልይ በለ!

ኣምሓራይ ዝባኣስ ንባዕሉ ኣታለለ::

 

ፀልማት ዝፈርሕ

ኣብ ቡኽራ ይሓርዕ

መሲልዎ ዘይወግሕ

ኽንዲ መጢኑ ዝበልዕ

ግዕዙይ ቡርጡጥ

ፅርየት ዘይፈልጥ:;

ኽሳዕ መዐዝ እና ንፆሮ

እዚ በስሮ

ንብዓትና ፀንቂቁ ሑቄና እናስበሮ::

 

 

Listen to one more false claim, (we have done it when it was not) and atrocity against upright and principled individuals who exposed it, paying the ultimate price and suffrifice.

 

https://youtu.be/OEXm65Gb0m8

 


Back to Front Page