Back to Front Page

ሰላምን መለስን

ሰላምን መለስን 

 

/ካብ አበበች መስፍን/

05-11-20

 

ሰላም ካብ ሳይንስ ዶ፣ ካብ ፍልጠታት ቃላይ፣

ወይስ ብፀሎት ትቃነ፣ ትወርድ ካብሰማይ፡፡

ከቢድ  ስለዝኾነ፣ ነገረ ሚስጥራ፣

ጥበበኛ መሪሕነት፣ እዩ ዝትግብራ፡፡

ሀገር  ከም ሀገር፣ ህዝብታት ክስዕቡና ፣

እርንብቲ አንደበት፣ ዋሕሳ ሚዛና፣

ይብል፣ መዋእለ ራዕዩ ፣ ህዝብታት ዘዕሰለ፣ 

መለስ፣ ብሰንሰለት ሰላም፣ ሀገር ዝኸለለ፡፡

ምዑዝ አንደበቱ፣ ገይሩ ፀምሪ መዓር፣

ሰም ከየበለ ዓይኑ፣ ተማሂሩ ከምህር፡፡

ህዝባዊ ሓልየቱ፣ ዘይልወ ፅንዓቱ፣

ክዋሳእ ሀረርታ ልቡ፣ ሚስጥር ጥበባቱ፣

ቀዳመይቲ ፀላኢት፣ ድኽነት ረኸባ፣

ብወጽዓ ተቀይዳ፣ ብዕሰለ ፀገማት ተኸቢባ፡፡ 

ተበገሰ ድማ ፣ታሪኽ ክገብራ ሃሪፉ፣

ሓፂርን ነዊሕን፣ ትልምታት ነዲፉ፡፡

 

ልምዓታዊት መርከብ፣ ዲሞክራሲ ቕናታ፣

ካብደምን አዕፅምትን፣ ፍሉይ ስርሓታ፡፡

ጥሙር ሓድነታ፣ ህብረብሄራዊ መትከላ፣ 

ዓወት እተመዝግብ ፣ ብዕብየት ብዝላ፡፡

ክፍልታታ አብትሸዓተ፣ መላኽዕ መቒሉ ፣

ሊቃውንቲ አሳፈረ፣ ክቓንይዋ ስሒሉ፡፡

ሰላማዊ ማሕበረሰብ፣ ናብዕብየት ክሰግር ፣

ኢኮኖሚ ክረግዕ፣ ድኽነት ክትቕብር፣

ግድን እዩ ሰላም፣ መሰረት ክትገብር፡፡

ኢሉ ብሳይንስ ዝምራሕ፣ ሃኒፁ ሰራዊት፣

ጐረባብቲ ዓረቐ፣ አታሓቋቖፈ አሕዋት ፡፡

አፍሪካዊ ሕብረት ፈጢሩ፣ ዝደቀሱ አበራቢሩ ፣

ቅኒቱ ሓምለዋይ፣ ዘመነ ህዳሰ ዕብየት አበሲሩ ፣

መድረኽ ኮፐንሀገን ተዓዊቱ፣ ክርክር ስዒሩ፡፡

ሀገሩ ምሩፅ ወደይ፣ አህጉሩ ወኪለይ ኢላቶ፣

ዓለም ብዓለማ፣ምጡቕ አእምሮ፣ አቦ ሰላም ኢላ ንኢዳቶ፡፡

 

Back to Front Page