Back to Front Page

ፊደል ፣ ቋንቋን ፖለቲካን ምፍላይ ዝተስኣኖ ወለዶ

ፊደል ፣ ቋንቋን ፖለቲካን ምፍላይ ዝተስኣኖ ወለዶ

ተክለሚካኤል ኪዳነ  06-05-20

Email: tekle855@yahoo.com

 

ህዝብ ዓለም ዝረዳድአሎም ዘሎ ቋንቋታት ብንግግርን ብፅሑፍን ዝግለፁ እንትኾኑ ፊደላት ዓምድሕቘ እቶም ቋንቋታት ምዃኖም ይፍለጥ፡፡ብኻልእ ወገን ናይ በዓልተን ፊደላት ዘለወን ሃገራት ውሑዳት እንትኾና ኵለን ግና ነናይ ባዕለን ቋንቋ ኣለወን፡፡ናይ ባዓልተን ፊደላት ዘይብለንውን ካብ ዝቐርብን ሃገር ወይ ብዝኾነ ኣጋጣሚ ፊደላት ብምውራስ ወይ ብምልቃሕ እናተጠቐማ ይርከባ፡፡

ኢትዮጵያ ናይ በዓልተን ፊደል ካብ ዘለዎን ብኣፃብዕቲ ዝቑፀራ ሃገራት ዓለም ሓንቲ እንትኮን ብደረጃ ኣፍሪካ ናይ ባዕላ ፊደላት ዘለዋ ብሕታዊት ሃገር እያ (ቅድሚ ኤርትራ ሃገር ምዃና)፡፡እዙይ ስልጣነ ኢተዮጵያ (ኣክሱማውያን) ኣብ ዝለዓለ ጠርዚ በፂሑ ከም ዝነበረት የመላኽተና፡፡

Videos From Around The World

ናይ በዓልተን ፊደል ዘይብለን ካብ ካልእ ወሪሰን እንትበሃል ነቲ ናይ በዓልተን ቋንቋ ዝገልፁ ድምፅታት መሰረት ገይሩ ዘግልግለን እምበር ንቛንቁአን ኣብ ሐቶ ዘአቱ ኣይኮነን፡፡ንኣብነት ፊደላት ግእዝ ኣብ ኣምሓርኛ ፣ ትግርኛ ፣ ኣገውኛ ፡ ኩናምኛ ፣ ሳሆኛ ፣ ቅማንትኛ ወዘተ ዘግልግሉ እንትኾኑ እቶም ብቓል ዝግለፁ ዝነበሩ ድምፅታት ፊደላት ብዝበሃሉ ምስልታት ተተኪኦም ናብ ፅሑፍ ንምስግጋር ዝጠቐሙ እምበር ነፃ ህልውና ቋንቁአን ብዝኾነ መመዘኒ ኣይትንከፍን፡፡

ብደረጃ ዓለም ይኹን ብደረጃ ሃገር ከም ሓባራዊ መረዳድኢ እንጥቀመሎም ዘለና ቋንቋታት ብዝተፈላለየ ኣጋጣሚ ንቕድሚት ብምምፅኦም በዝሒ ህዝቢ ስለ ዝፈልጦም እምበር ዝተፈለየ ፀጋ ሃልይዎም ኣይኮነን፡፡ብተመሳሳሊ ኣብ ሃገርና ብደረጃ ፌደራል እንጥቀመሉ ዘለና ቋንቋ ኣምሓርኛ ቅድም ክብል ክሳብ ዘመነ መንግስቲ ሃፀይ ዮሃንስ ብሓደ ወገን ብሄር ብሄረሰባት በብቋንቁአን እናተጠቐማ ከም ዝፀንሓ እንተመላኽት ብኻልእ ወገን ከይዲ ምፅሕሓፍ መንግስታት ብኣምሓርኛን ግእዝን ከም ዝነበረ ምልክታት ኣለዉ፡፡

ብተወሳኺ ካብ ንግስና ሃፀይ ሚንሊክ ጀሚሩ ኵሉ ነገር ቋንቋ ኣምሓርኛ መሰረት ዝገበረ ክኸውን ግድነት ኮይኑ ይፍቶ ይፅላእ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ዘሎ ህዝቢ ኣብ ትምህርቲ ፣ ዳይነትን ካብ ቁሸት ክሳብ ቤተ መንግስቲ ዘሎ ምፅሕሓፍን ዘረባን ምሕደራ ብኣምሓርኛ ጥራሕ ክኸውን ተገይሩ ፀኒሑ፡፡ስለ ዝኾነውን ኣብ 1983 /ም ፌደራላዊ ስርዓት እንትጣየሽ ክልላት ከረዳድእ ዝኽእል ቋንቋ ብተነፃፃሪ ንልዕሊ ምኢቲ ዓመት እናተሰርሐሉ ብምፅንሑ ኣምሓርኛ ምውሳድ ዝሐሸ ስለ ዝነበረ እዩ፡፡

ብኻልእ ወገን ኣብ ብሄር ብሄረሰባት ዝበፅሕ ዝነበረ ብሄራዊ ፀቅጢ ምስ ቋንቋ ኣምሓርኛ ዘተሓሕዝዎ ሓድሓደ ውድባት ፖለቲካ ብቋንቋኻ ናይ ምጥቃም መሰል ብህገ መንግስቲ እንትረጋገፅ ኣምሓርኛ ዝጥቀመሉ ግእዝ ፊደል ክጥቀሙ ኣይደለዩን፡፡ዝወሰድዎ ኣማራፂ ዳርጋ ልዕሊ 30% ህዝቦም ዝፈልጦ ፊደል ግእዝ ብምግዳፍ ፊደላት ላቲን ምጥቃም እንትኾን እዙይ ንምልማድ ኣብ ህዝቦም ዝፈጥሮ ዘሎ ቅልውላው ግና እተገንዘብዎ ኣይመስልን፡፡

እዚ ዓይነት ውሰነ ኣብ ፊደልን ቋንቋን ዘሎ ኣፈላላይ ዘይምርዳእ እንተዘይኮይኑ ካልእ ዘዕግብ ምኽንያት ኣለዎም ዝብል እምነት የብለይን፡፡ሓንቲ ዘቕርብዋ ዒባራ ምኽንያት ንውሱናት ድምፅታት ዝትክእ ፊደል ኣብ ግእዝ ኣይረኸብናን ዝብል እንትኾን ህዝቦም ናብ ደንገርገር ካብ ምእታው ዝጎደሎም ፊደል ምቕራፅ ይቐልል ነይሩ፡፡

ናብ ትግራይ እንትንመፅእ ትግርኛን ኣምሓርኛን ካብ ግእዝ ዝተወለዱ አሕዋት ብምዃኖም ካብ 30% ዘይነኣሰ ተመሳሳሊ ኣጠቓቕማ ስለ ዘለዎም ኣምሓርኛ እዮም እናተብሃለ እምነ ኹርናዕ ቋንቋና ዝኾኑ ቃላት ትግርኛ ብምግዳፍ ናብ ዘይኮነ ስያመታት ጉምብስ ቅንዕ ምባል እናሰፍሐ ይኸይድ ኣሎ፡፡እዚ ኣከያይዳ ጠንቂ ምርግጋፅ ምዕሩይ ቋንቋ ትግርኛ እንትኸውን ዝምልከቶ ኣካል መልክዕ ከትሕዞ እንተዘይ ክኢሉ ናብ ዘይንረዳደአሉ ኣንፈት ክወስዱና ዝኽእሉ ምልክታት እናተርአዩ እዮም፡፡

ብተወሳኺ ከም እዚኦም ዝበሉ ፀገማት ኣብ ትግርኛ ተወሲኖም ዝተርፉ ከም ዘይኮኑ ዘመላኽቱ ተርእዮታት ውጥም ቅልቅል አናበሉ ይርከቡ፡፡ከም ዝፍለጥ ግእዝ ታሪክናን መንነትና ዝተፅሓፈሉ ቋንቋ እንትኾን ካብ ቋንቋታት ትግራይ ሓደ ምዃኑ ብቤት ምኽሪ ብሄራዊ መንግስቲ ትግራይ ኣፍልጦ ምርካቡ ናይ ብዙሓት ሕቶ (ጥያቐ) ዝመለሰ ፍፃመ ምዃኑ ይፍለጥ፡፡

ይኹን እምበር ብፍፁም መንፈሳውን ዓለማውን ፍልጠት ምዕሩይነቱ ተረጋጊፁ ብደረጃ ዓለም ኣፍልጦ ዝረኸበ ስነ ፅሐፍ ግእዝ ናብ ቅልውላው ንምእታው ኣብ ግእዝ ድምፂ ጎረሮ እንተዘይ ተጠቐምና ዝብሉ ሰባት ላዕላይ ታሕታይ እንትብሉ ይረአዩ ኣለዉ፡፡ ብፍላይ ምስ እዚ ሕዚ ኣብ ማእኸል ሃገር ተፈጠሩ ዘሎ ቅልውላው ፖለቲካ ብምትሕሓዝ ኣብ ግእዝ ይኹን ኣብ ትግርኛ ንውክልና ድምፂ ዘፋልሱ ፊደላት እናምፃእኻ ኣብ ኣገልግሎት ክውዕሉ ዝግበር ምንቅስቓስ ሓድነትና ዝፈታተን ምዃኑ ክርሳዕ የብሉን፡፡

ትግርኛን ግእዝን ብድምፂ ዝራኽብሉ ብርክት ዘበለ ኣጠቓቕማ ከም ዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ ነናይ ባዕሎም ቆመናን ኣፈፃፅማን ዘለዎም ክልተ ዝተፈላለዩ ቋንቋታት ምዃኖም ምግንዛብ ኣገዳሲ ይኸውን፡፡ነገር ግን ፊደላት ግእዝ ዝጥቀም ቋንቋ ትግርኛ ውክልና ድምፂ መሰረት ዝገበረ ጥራሕ እንትኾን ግእዝ ግና ሕድሕድ ፊደላት ምስጢረ መለኮት መሰረት ዝገበሩ ኮይኖም ምስ ቁፅሪ ዝተኣሳሰር ካልእ ምስጢርውን አለዎም፡፡

ኵሉ ትግራዋይ ብፍላይ ኣብ ዓውደ ልሳናት ዝተዋፈሩ ምሁራት ቋንቋ ግእዝ ካብ ቀረፃ ፊደላት ጀሚሩ ክሳብ ምርግጋፅ ምዕሩይን ምእኹልን ስነ ፅሑፍ ኣብ ሓደ ወለዶ ዝተፈፀመ ከም ዘይኮነ ክግንዘቡ ዝግባእ ይመስለኒ፡፡እዙይ ናይ ወለዶታት ዘመን ወሲዱ ዝተፈላለዩ መፅናዕትታትን ፅሑፋትን በብደረጅኡ እናተኣረሙ ድሕሪ ነዊሕ ጊዜ ዕልባት ዝረኸበ ምዕሩይን ምእኹልን ከም ዝኾነ ይእመን፡፡ብምዃኑ ካብቶም ቅድሚ ዕልባት ምርካቡ ዝቐርቡ ዝነበሩ ሙከራታት እናወሰድካ ንድሕሪት ምምላስ ከይህሉ ምድህሳስ የድሊ፡፡ እንተዘይ ኮይኑ ኣብ ግእዝ ድምፅታት ጎረሮ ምእታው ዘየድሊ ቅልውላው እምበር እዙይ ዝበሃል ረብሓ ኣለዎ ዝብል እምነት የብለይን፡፡

ግእዝ ኣብ ስርዓተ ትምህርቲ ኣትዩ ዝድለ ፍልጠት ብምቕሳም ጎድኒ ንጎድኒ እናተሓማዘቘ ዝርከብ ትግርኛ ምዕሩይነቱ ክነረጋግፀሉ እንተኾይና እቲ ሕዚ ዝረአ ዘሎ ሰብ ዋና ዘግለለ ኣከያይዳ ክእረም ይግባእ፡፡እዙይ ማለት ሓድግታትናን ታሪክናን ዓቂባ ዘፅንሐት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ዘፍረየቶም ሰብ ሞያ ዘማእኸለ ክኸውን ትፅቢት ይግበር፡፡ብፍላይ ሰብ ሞያ ቅኔን ትርጉም መፅሓፍን ምሉእ ብምሉእ ኣሳቲፍካ ዝድለ ኣግባብ ክረጋገፅ ከም ዝኽእል ዘጠራጥር የብሉን፡፡

ስለዚ ፊደልን ቋንቋን ፣ ቋንቋን ፖለቲካን ዝተፈላለየ ህልውና ሒዞም ንሕብረተሰብ ዘግልግሉ እንትኾኑ ርክብ ድምፂ ፣ ፊደልን ቋንቋን ካብ ፅላኣትን ቅልውላው ፖለቲካን ነፃ ብዝኾነ ኣግባብ ክተኣናገዱ ይግባእ ዝብል እምነት ኣለኒ፡፡

 


Back to Front Page