|
ኤርትራ...!
ኤርትራ: ድሕሪ ሳውራ! በሊእና ስቲና ረግፁና እግይፁና ሓብቲምና ምቾትን ሥልጣን ፈቲና መስል ሕዝቢ ጏምፂፁና
ኣንዲርናሉ ኾታ እንዳተገላበጥና: ግን ከ ሞት ማኣስ ኸይቀርየልና ደርማእማእ ሗጀውጀው ከይበልና: ኸምሓገርና::
ትፈልጡና ዶ ንሕና መን ኢና._____?
ኤርትራ .. ታሪኽ ቅድመ ሳውራ! ውዕል ትሕቲ ጠረጴዛ ንቁርብ ማርያ ትሬዛ ተሽጠት ንኢታልያ ኸም መጋፍያ ኸደምቶት ኽሕፈሳ ምሕኹልቲ ፃዓዱ ኽሑጉሳ:
ኸምኡ ውን መመላእታ ገንዘብ ሺያጥ ባርያ ማእኸሉ እዳጋ ሽዋ መነሓርያ::
ግን ከ ዝይሓልፍ የልን ኽርሉ ኣላፊ ቂም ጥራሕ ተራፊ::
ፈሊጥኹሞ ም ዶ ንሶም መን ኢዩ ስሞም: ብ tabes dorsales ተተንከፈ ርእሶም_____?
መርሓባ ኾታ ሎሚ መን ኽዛረባ ኤርትራ! ሑቐ ኣማፂ ሴራ እግሩ እሳተ ጏመራ ነኺራ ቁልቁል ተፋሒኻ ኸም ኣባ ጨጏራ ኣቀብ ኸም ነብሪ ስዲራ ብመስዋእቲ ደም ስኺራ ብጽንዓት ተሪራ ድሕሪ ዝኹሉ መከራ ጠጠው ኢላ ብእግራ::
ኤርትራ ምስራቅ ፀሐይ ጮራ ናይ ነፃነት ባንዴራ ፀልማት ተቀንጢጡ ብርሀን ዝስፈራ ቓንቓን ባህሊ ዘኺይራን ኣኽቢራ ሕጂ መን ኽደፈራ: ግና ከ! ሕጂ መን ደፈራ? ኤርትራ! ብጀካ ኢዋላ ናይ ባእላ ድቃላ: ኤ! ነዙይ ዳዓ እንታይ ኽንብላ! ረቢ ምሕረት የውርደላ::
ያሬድ ሑልፍ 10-16-20
Back to Front Page |