|
ERITREAN REVOLUTIONARY DEMOCRATIC FRONT ናይ ዮሃና መግለጺ፦ ዕዉት መስርሕ መረጻ ክልል ትግራይን ውጽኢቱን፡ መሪር ጽፍዒት ኣብ ልዕሊ ርእሰ-ፋሽስት ኢሳያስን ጉጅልኡን እዩ!! ህዝብታት ኤርትራ ምስ ህዝብታት ኢትዮጵያ ብሓፈሻ፡ ምስ ህዝቢ ትግራይ ድማ ብፍላይ፡ በብሸነኾምን ብሓባርን ኣንጻር ገዛእቲ ስርዓታት ኢትዮጵያ፡ ነዊሕን መሪርን ተጋድሎ ኣካይዶም እዮም። ኣንጻር ፋሽስታዊ ስርዓት ደርጊ ኣብ ዘቕነዐ ነዊሕን መሪርን ዕጥቃዊ ቃልሲ ድማ፡ ህዝብታት ኤርትራ ብውድባቶም፡ ህዝቢ ትግራይ ድማ ብውድቡ ህወሓት፡ እናተመርሑ ዘሰላሰሉዎ ጅግንነታዊ ተጋድሎ፡ ኣብ ታሪኽ ቃልስታት ዉጹዓት ህዝብታት ዓለም፡ ብድሙቕ ቀለም ተጻሒፉ እዩ። ኣንጻር ፋሽስታዊ ስርዓት መንግስቱ ሃይለማርያም ዘካየዱዎ ዝተወሃሃደ ቃልሲ ድማ፡ ኣብ መወዳእታ ሰሙን ወርሒ ጉንቦት 1991 ዓ.ም. ብዓወት ዛዚሞሞ እዮም። ዓወት ናጽነታዊ ተጋድሎ ህዝብታት ኤርትራ፡ ብመሪሕነት ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ፡ ፖሎቲካዊ ስልጣን ሃገር ብምብሓት፡ ተዛዚሙ፤ ህወሓት/ኢህወደግ ዝመርሖ ቃልሲ ህዝብታት ኢትዮጵያ ግን፡ ድሕሪ ሓደ ወርሒ ዝዕድሚኡ ስልጣን ጊዝያዊ መንግስቲ ኢህወደግ፡ ሰፊሕ ተሳትፎ ፖሎቲካዊ ሓይልታት ዝሓቖፈ፡ ጊዝያዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ብምቛም፡ ናይ ህዝብታት ኢትዮጵያ ወሳንነት ዘረጋግጽ፡ ቅዋማዊ ስርዓት ንምህናጽ ዝዓለመ ዲሞክራስያዊ ባይታ ኣጣጥሐ። ብውልቀ-መላኺ ኢሳያስ ዝተመርሐ ጉጅለ፡ መስርሕ ሪፈረንደም ኤርትራ፡ ናይ ዝኾነ ይኹን ኤርትራዊ ፖሎቲካዊ ውድብ ተሳትፎ ብምንፋግ፡ ናብ ምቛም መንግስቲ ኤርትራ ተሰጋገረ፤ ብህወሓት/ኢህወደግ ዝተመርሐ መሰጋገሪ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን፡ መስርሕ ምንዳፍን ምጽዳቕን ሕገ-መንግስቲ እታ ሃገር፡ ብሰፊሕ ተሳትፎ ህዝብታትን ወከቶምን ብምዕዋት፡ ንፈለማ እዋን፡ ብግንቦት 1995 ዓ.ም. ብህዝባዊ ምርጫ፡ ኢህወደግ ኣብዛሓ ድምጺ ረኺቡ፡ ፖሎቲካዊ ስልጣን ብደረጃ ሃገር ጨቢጡ፤ ኣባል ኢህወደግ ዝኾነ ህወሓት ድማ፡ ናይ ክልል ትግራይ መንግስቲ ኮይኑ ከመርሕ ጀመረ።
ብርእሰ-ፋሽስት ኢሳያስ ዝምራሕ ጉጅለ፡ ንይምሰል ብ1997 ዓ.ም. ጸዲቑ ዝበሎ ሃገራዊ ቅዋም ኤርትራ፡ ን15 ዓመታት ኣብ ከብሒ ዓሺጉዎ ጸኒሑ፡ ብ2015 ዓ.ም. 'ሞይቱ እዩ' ተባሂሉ፡ ንህዝብታትና መርድእ ተነገሮም፤ ህወሓት/ኢህወደግ ዝመርሖ ፌደራላዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ኢትዮጵያ ድማ፡ መስርሕ ህዝባዊ መረጻ፡ ብደረጃ ሃገር ይኹን ክልል፡ ኣብ ነብሲ ወከፍ ሓሙሽተ ዓመት፡ ኣብ ዝተተለመሉ ዕለት፡ ንሓሙሽተ እዋናት፡ ከምዝተኻየደ፡ ኩሉ ዓለም ብዓለሙ ዝፈልጦ እዩ። ርእሰ-ፋሽስት ኢሳያስ ምስ ጉጅልኡ፡ ንሃገርን ህዝብን ኤርትራ፡ ብዘይ ሃገራዊ ቅዋም እናገዝአ፡ በብእዋኑ ናብ ከቢድ ማሕበረ-ቁጠባዊ ቅልውላው ሸሚሙዎም፤ ከም ሕሱም ተናኻሲ ከልቢ፡ ኣብ ልዕሊ ጎረባብቲ ሃገራት ኲናት እናባርዐ፡ ሰብኣዊ ሓይልን ቁጠባዊ ዓቕምን ሃገር፡ ንከቢድ ዕንወት ኣቃሊዑዎ። ብኣንጻሩ ብህወሓት/ኢህወደግ ዝምራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ'ዘን ዝሓለፋ 27 ዓመታት፡ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ዝመስከረሉ፣ ዝድህሰስ ለውጢ ከመዝግብ ጸኒሑ እዩ። ካብ 12 ጉንቦት 1998 ዓ.ም. ጀሚሩ፡ ኣብ ሞንጎ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ብሰበብ ዶብ፡ ዝተባርዐ ኣዕናዊ ኲናት፡ ኣብ ልዕሊ ሂወትን ንብረትን ክልቲአን ሃገራት፡ ከቢድ ዕንወት ኣውሪዱ፤ ይኹን'ምበር፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተጀመረ መስርሕ ምዕባለ፡ ብተዛማዲ ዝሓሸ ኣንፈት ሒዙ ቀጺሉ፤ ኤርትራ ሃገርና ግን፡ ዝነበራ ስኢና፡ ናብ ከቢድ ማሕበረ-ቁጠባዊ ውድቀት ተሸመመት፤፡ መንእሰይ ሓይላ፡ ናብ ፎቖዶ ስደት ዛሕዛሕ ክብልን፡ ኣደዳ ማእሰርቲ፣ ገንዘባዊ መቕጻዕትን ሞትን ክዳረግ ጸኒሑን ኣሎን። ብቐረባ ከም ዝተኸታተልናዮ፡ ኣብ ውሽጢ መንግስቲ ኢህወደግ ዝማዕበለ፡ ንድልየትን ባህግን ህዝብታት ዘየማልእ ተርእዮ፡ እናገዘፈ ብምኻዱ፡ ዝተኸሰተ ፖሎቲካዊ ቅልውላው ተደፊኡ፡ ብመጋቢት 2018 ዓ.ም.፡ ሓድሽ መሪሕነት፡ ፖሎቲካዊ ስልጣን ኢትዮጵያ ተቖጻጸረ። እዚ ለውጢ'ዚ፡ ህዝብታት ኤርትራ፡ ከም ዓቢ ጸጋ ገይሮም ዝረኣዩዎ፡ እቲ ንልዕሊ 16 ዓመታት ኣይ-ሰላም ኣይኲናት ሃዋሁው ብምፍጣሩ፡ ዝወረዶም ከቢድ ፖሎቲካዊ፣ ማሕበረ-ቁጠባዊ ዕንወትን ምዝንባልን ኣብ ምቅላል፡ ጥጡሕ ሃዋሁው ክፈጥር ዝተተስፈዉሉ፡ ''ውሳኔ ኮምሽን ዶብ፡ ብዘይ ቅድመ ኩነት ክትግበር ድሉዋት ኢና'' ዝብል ኣዋጅ ፈጻሚት ኢህወደግ እዩ ነይሩ። በዚ ምኽንያት፡ ነዚ ውሳኔ'ዚ ብፊርማኡ ከረጋግጽ ናብ ኣስመራ ከምዝገሸ ዝተገመተ፡ መራሒ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ብህዝቢ ኣስመራ፡ ዝተገበረሉ ድሙቕን ሕውነታውን ኣቀባብላ፡ ካብ'ዚ ሰናይ ትጽቢት ዝብገስ ምንባሩ፡ ካብ ማንም ዝተኸወለ ኣይነበረን። ይኹን'ምበር፡ ርእሰ-ፋሽስት ኢሳያስ፡ ብምኽንያት መዓልቲ ሰማእታት 20 ሰነ 2018 ዓ.ም. ዘስመዖ መደረ ይኹን፡ ናይ መራሒ መንግስቲ ኢትዮጵያ መግለጺ፡ ኣብ ቤተ-መንግስቲ ኣስመራ፡ ብድምር ክረአ እንከሎ፡ መጻኢ ዕድል ክልቲኦም ህዝብታትና፡ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ዝተሓብአ ሸርሒ ምህላዉ ዝእምት ነይሩ። ብርግጽ ከኣ፡ ርእሰ-ፋሽስት ኢሳያስ፡ ቅድሚ ናብ ኣዲስ-ኣበባ ምጋሹ፡ ምስ መንእሰያት ህግደፍ ኣብ ማዓስከር ሳዋ ዘካየዶ ሰሚናር፡ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ፡ ኢዱ ኣእትዩ ክሕንክር፡ ትልሚ ሓንጺጹ ምህላዉ ኣተንቢሁ እዩ። ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ከተማ ሃዋሳ ይኹን፡ ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ሚሊኔም ኣዳራሽ፡ ዘማሓላለፎም መልእኽታት፡ ንልዑላውነትን ናጽነትን ሃገርናን ክብሪ ህዝብታትናን ዘዋርዱ ምንባሮም፡ ኩሉ ዝሰምዖ፡ ንህዝብታትና ዘቖጠዐ እዩ። ኣብ መወዳእታ ወርሒ ታሕሳስ 2019 ዓ.ም. ናብ ኣዲስ-ኣበባ ዳግም ገይሹ፡ ዘስመዖ መደረ፡ ''ሰለስተ ወለዶታት ብዘይምኽንያት ተራሓሒቕና ጸኒሕና፤ ሰለስተ ወለዶ ከሲርና'' ዝብል ድማ፡ ብርግጽ፡ ህዝብታት ኤርትራ፡ ምእንቲ ሃገራዊ ናጽነቶም ዘካየዱዎ ተጋድሎን ዝኸፈሉዎ መስዋእትን፡ ንብላሽ ኢዩ ነይሩ ኢሉ፡ ርእሰ-ፋሽስት ኢሳያስ ከምዝኣምን፡ ከም ጸሓይ ቀትሪ በሪሁ እዩ። ኣብ ጽባሕ ሓድሽ ዓመት 2020 ዓ.ም. ወርሒ ለካቲት፡ ምስ ጋዜጠኛታቱ ኣብ ዘካየዶ ቃለ ምልልስ ድማ፡ ንጉዳይ ኢትዮጵያ ብዝምልከት፡ ዝሰማዕናዮም መልስታት፡ ሓቀኛ መንነት ርእሰ-ፋሽስት ኢሳያስ ዘቃልዑ ነይሮም። እዚ ውልቀ-መላኺ'ዚ፡ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ተሓባቢሩ፡ ንፌደራላዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓትን ሕገ-መንግስቲ እታ ሃገር፡ ከፍርስ ከምዝቃለስ ኣመልኪቱ እዩ። ብደረጃ ኢትዮጵያ፡ ንመበል 6ይ-ጊዜ ክሰላሰል ዝነበሮ ሃገራውን ክልላውን መረጻ፡ ''ትርጉም የብሉን፤ ለውጢ እንተኾይኑ፡ ኩሉ ነገር ተጸሪጉ ብሓድሽ ክትካእ ኣለዎ፤ ኣብ ኩሉ መዳይ፡ ምስ ፌደራል መንግስቲ ክንደጋገፍ ድሉዋት ኢና'' ብምባል፡ ከም ዝፈከረ ኩሉ ዝተዓዘቦ እዩ። ቀንዲ ዕላማ ናይ'ዚ መልእኽቲ'ዚ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ'ቲ ዓንዲ ማእከል ፌደራላዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓትን ሕገ-መንግስት ኢትዮጵያ ዝኾነ ህዝቢ ትግራይን መሪሕ ውድቡ ህወሓትን ዘነጻጸረ እዩ ነይሩ። እዚ ድማ፡ ብቕሉዕ ዳንኬራ ኲናት ምእዋጅ እዩ፤ ንህዝብታት ኤርትራ ድማ፡ ጸቢብ ረብሓታቱ ከማልእ፡ ናብ ዳግም ሃልሃልታ ኲናት ክጠብሶም ይህንጦ ምህላዉ ዘመልክት ነበረ። ከም እንዝክሮ፡ ካብ ጽባሕ ስምምዕ ሰላም ጀሚሩ፡ ህዝብታት ኤርትራ ዝተጸበዩዎም መሰረታዊ ረብሓታት ነይሮም እዮም። ቅድም ቀዳድም፡ በቲ ንክልተ ዓመታት፡ ዝተኻየደ ኣዕናዊ ኩናትን፡ ን16 ዓመታት ድማ፡ ብኣይ-ሰላም ኣይ-ኲናት፡ ካብ ዝወረዶም፡ ሰብኣዊ፣ ማሕበረ-ቁጠባዊ ዕንወት፣ ምዝንባልን ከቢድ ተነጽሎነትን፡ ነባሪ መፍትሒ ዝእንፍት፡ ውሳነ ኮምሽን ዶብ፡ ብህጹጽ ኣብ ባይታ ክምልከት እዩ ዝብል ትጽቢት ነበሮም። ምስ ህዝብታት ኢትዮጵያ ብሓፈሻ፡ ምስ ህዝቢ ትግራይን ዓፋርን ድማ ብፍላይ፡ ማሕበራዊ ዝምድንኦም ናብ ንቡር ክምለስ፡ ንግዳዊ ንጥፈታት ተጠናኺሩ፡ ተጠቀምቲ ክኾኑ ባህጎም ነበረ። ብደረጃ ሃገር ድማ፡ ህንጸት ቅዋማዊ ስርዓት፣ መረጻ መንግስቲ፣ ምፍታሕ ፖሎቲካዊ እሱራት፣ ምብቃዕ ዘይተገደበ ሃገራዊ ''ኣገልግሎትን' ካልኦት ማሕበረ ቁጠባዊ ሕቶታትን፡ ደረጃ ብደረጃ ክምለሱ፡ ብሃንቀውታ ይጽበዩ ነበሩ። እንተኾነ ግን፡ ካብ'ታ ብልጭ ኢላ ድርግም ዝበለት፡ ግን ከኣ ዓቢይ ትርጉም ዝነበራ፡ ምኽፋት ኣፍ-ደገ ዶብ ወጻኢ፡ ሕቶታቶም ዝኾነ ይኹን መልሲ ኣይረኸቡን። ካብኡ ዝኸፍአ ድማ፡ ክልቲኦም መራሕቲ መንግስታት ዘካይዱዎም ርክባት፡ ምምስጣሮም ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ነታ ከም ብሌን ዓይኖም ዝርእዩዋ፡ ናጽነትን ልዕላውነትን ሃገሮም፡ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ሸርሕታት ክፍጸሙ ሰሚዖምን ርእዮምን ኢዮም። ህዝብታት ኤርትራ፡ ነቲ ደረቱ ዝሓለፈ ናይ ጥልመት ዝምባለ፡ ክጻወሩዎ ኣይካኣሉን። እኳ ደኣስ፡ ብደረጃ ዓለም ይኣክል ዝብል ሃገራዊ ጭርሖ ክብ ኣቢሎም፡ ኣንጻር ርእሰ-ፋሽስት ኢሳያስን ጉጅልኡን ክቃለሱ ጸኒሖምን ኣሎዉን። ህዝቢ ትግራይ ድማ፡ እቲ ካብ ጽባሕ ስምምዕ ሰላም ጀሚሩ ብውዲት ዝተቓነየ ተጻብኦ፡ ብንቕሓት ኣለልዩ፡ ምስ ውድቡን ክልላዊ መንግስቱን ረቢቡ፡ 'ፌደራላዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓትን ሕገ መንግስትን ይከበር! . .'' ወዘተ ዝብሉ ጭርሖታት ኣልዒሉ ክቃለስ ጸኒሑ። ካብ ሕገ-መንግስታዊ መሰሉ፡ ሓደን ወሳንን ድማ፡ እቲ በብሓሙሽተ ዓመት ዝካየድ ሃገራውን ክልላውን መረጻ እዩ። ነዚ ሕገ-መንግስታዊ መሰል'ዚ ድማ፡ ርእሰ ፋሽስት ኢሳያስን ጉጅልኡን፡ ምስ መንግስቲ ፌደራልን ሓይልታት ትምክሕትን ተዋዲዶም፡ ንኸይትግበር ክዕንቅፉዎ ከምዝጸንሑ፡ ብቐረባ ክንከታተሎ ዝጸናሕና ኢዩ። ፌደራል መንግስቲ፡ ብምኽንያት ለበዳ ኮሮና፡ ሃገራውን ክልላውን መረጻ፡ ንዘይተወሰነ እዋን ከሰጋግሮ ካብ ዝወሰነላ ዕለት ድማ፡ ህዝቢ ትግራይ፣ መሪሕ ውድቡ ህወሓትን ክልላዊ መንግስቱን፡ ምስ መሰል ርእሰ-ውሳኔኦም ብቐጥታ ዝተኣሳሰረ፡ ናይ ህልውናኦም ሕቶ፡ ኣብ ቅድሚኦም ከም ዝተገተረ ተገንዚቦም፡ ክቃወሙዎ ተኸታቲልና ኢና። እዚ ሕገ-መንግስታዊ መሰል'ዚ ድማ፡ ነቲ ን17 ዓመታት፡ ምእንቲ መሰል-ርእሰ ውሳኔኡ፡ ከቢድ ኩሉ-መዳያዊ መስዋእቲ ዝኸፈለ ህዝቢ ትግራይ፡ ብቐሊሉ ዝስገር ጉዳይ ኣይነበረን። ህወሓት፣ ክልላዊ መንግስቱን ካልኦት ፖሎቲካዊ ውድባት ትግራይን ዝሓዙዎ መርገጺ ድማ፡ ሕገ-መንግስታዊ መሰል ህዝቢ ትግራይ፡ ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን እዋን፡ ንማንም ሓይሊ፡ ኣሕሊፎም ከምዘይህቡ፡ ብዓውታ ምግላጾም፡ ኣብ ንቕሓትን ውደባን ህዝቦም ዘለዎም ጽኑዕ እምነት ዘመስክር እዩ። ንዓና ኣብ ዲሞክራስያዊ ቃልሲ እንርከብ ዉጹዓት፡ ዘማሓላልፎ መልእኽቲ ድማ ዓብይ እዩ። ብተግባር ድማ፡ ብሰሜን ብርእሰ ፋሽስት ኢሳያስን ጉጅልኡን ዝወጣወጥ በትሪ፡ ብደቡብ ድማ፡ ብፌደራላዊ መንግስቲ ክድርጓሕ ዝሰማዕናዮ መጠንቀቕታ መኪቶም፡ ኣብ ሓጺር እዋን፡ ኩሉ መዳያዊ ምድላው ብምግባር፡ ናብ ክልላዊ መረጻ ክኣትዉ ብምውሳን፡ መስርሕ ምዝገባ ይኹን፡ ክልላዊ መረጻ፡ ብናይ ፖሎቲካዊ ውድባት ትግራይ ዲሞክራስያዊ ውድድር ማዕሪጉ፡ ብሰፊሕ ተሳትፎ ህዝቢ ትግራይ ተኻይዱ፡ ብዓወት ተዛዚሙ። ህዝቢ ትግራይ ብውድቡ ህወሓት እናተመርሐ፡ ኣብ ዘካየዶ ዕጥቃዊ ተጋድሎ፡ ብሓይሊ ሚዛን ጸላእቲ ከይተሾቕረረ፣ ብዝወርዶ ዘሰቕቕ ግፍዕን ዕንወትን ከይተንበርከኽ፣ ብሓለንጊ ጥሜት ከይተሰኮነ ዝተቓለሰ ህዝቢ ምዃኑ፡ ኣብ ናይ 17 ዓመታት ተጋድሎኡ ኣመስኪሩ እዩ። ኣብ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ቃልሲ፡ ተደላይነት ንቕሓትን ስጡም ውደባን ወሳኒ ምዃኑ፡ ዝተረደአ ህዝቢ'ውን እዩ። ስለዚ ድማ፡ በዝሑ ዋላ ዉሑድ ይኹን፡ ረብሕኡ ብንቕሓት ዘለለየ፣ ኣብ ክሊ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ መስመራቱ፡ ብጉቡእ ዝተወደበ ህዝቢ ብምዃኑ፡ ኣብ'ታ ወሳኒት ናይ ህልውናን ቀጻልነትን ሕቶ፡ ብትብዓት ተቓሊሱ ከምዝዕወት ዘጠራጥር ኣይነበረናን። ብተግባር ድማ፡ ብ09 መስከረም 2020 ዓ.ም. ዘካየዶ ክልላዊ መረጻ፡ ብሰላማዊ መንገዲ ኣዐዊቱ፤ ኣብ'ዚ ጥራሕ ከይተወሰነ፡ ብመሰረት ሕገ-መንግስቱ፡ ብ24 መስከረም 2020 ዓ.ም.፡ ንምቛም ክልላዊ መንግስቲ ዝዓለመ፡ ታሪኻዊ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ኣካይዱ፡ ብድሙቕ ዓወት ክዛዝም ምብቅዑ፡ እንቋዕ ኣሐጎሰካ፤ እንቋዕ ናይ ልብኻ ገበርካ፡ ክንብሎ እንከሎና፡ ልዑል ክብርን ፍናንን ይስማዓና። ህዝቢ ትግራይ፡ ኣብ መሪሕ ውድቡን ክልላዊ መንግስቱን እናረኣዮምን እናሓተተሎምን ዝመጸ ሕጽረታት፡ መሊኦም ከይተቐረፉ እንከሎዉ፡ ንህወሓት፡ ንመበል 6ይ-ዘበን፡ ፖሎቲካዊ ስልጣን ኣረኪቡ፡ ከማተሓድሮ ምምራጹ፡ ብጊዝያዊ ጸገም ዘይዕጸፍ፣ ናይ ርሑቕ ራህዋን ምዕባለን ብሓፈሻ፡ ጉዳይ ድሕንነቱ ድማ ብፍላይ፡ ኣነጺሩ ዝግንዘብ፡ ንቑሕን መስተውዓልን ህዝቢ ምዃኑ፡ ንፈተውቱ ጸባ ዘስተየ፡ ንጸላእቱ ድማ፡ ሕቖኦም ዝሰበረ፡ ታሪኻዊ ዓወት ከመዝግብ ብምብቅዑ፡ ደጊምና እንቋዕ ደስ በለካ፤ ዮሃና ንብሎ። ውድብ ህወሓት ድማ፡ ኣብ'ዚ ዝተሓላለኸን ወሳንን እዋን፡ ብህዝባ ዝላዓለ እምነት ተነቢሩላ፡ ነዚ ዝመጽእ ሓሙሽተ ዓመታት፡ ክተማሓድር ዕድል ስለዝረኸበት፡ ንመሪሕነታን መላእ ኣባላታን እንቋዕ ኣሐጎሰኩም፤ ኣሐጎሰና ንብል። ህወሓት፡ ኣብ'ቲ ነዊሕን መሪርን ዕጥቃዊ ተጋድሎ፡ ዘደንቕ ታሪኽ ዝሰርሐት ውድብ እያ። ከም ኣባል ኢህወደግ፡ ን27 ዓመታት ሃገር ኣብ ምምሕዳር፡ ዘመዝገበቶም ዓወታት ድማ፡ ኣብ ቃልሲ ዘሎና ዉጹዓት ንሕበነሎም ፍረ-ቃልሲ እዮም፤ በቲ ካልእ ሸነኽ፡ ንዝተኸለቶ ፌደራላውን ዲሞክራስያውን ስርዓትን ሕገ-መንግስትን ኣብ ምዕቃብ ይኹን ኣብ ምህናጽ፡ ዓበይቲ ጉድለታት ብምፍጻማ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ይኹን፡ ኣብ ባዕላ፡ ከቢድ ዋጋ ክትከፍል ከምዝተገደደት ንግንዘብ። ስለዚ ድማ፡ ንመጻኢ ሓሙሽተ ዓመታት ናይ ስልጣን ዕድሚኣ፡ ካብ ሕሉፋት ጉድለታታ ተማሂራ፡ ንህዝቢ ትግራይ ክትክሕስን፡ ንካልኦት ፖሎቲካዊ ሓይልታት ኣብነት ክትከውንን ተስፋ ይንበረላ። ኣብ ጉዳይ ሃገርና ኤርትራ ብዝምልከት፡ ውድብ ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ከም ኮር ሓይሊ ኢህወደግ ኮይና፡ ኣብ ናጽነት ኤርትራ ብዝሓዘቶ ቅኑዕን ዘይዕጸፍን መርገጺ፡ ብኢትዮጵያ ደረጃ ዝተጻወተቶ ኣወንታዊ ተራ ልዑል ኣድናቖት ኣሎና፤ ኣብተን 27 ዓመታት ናይ ስልጣን ዕድሚኣ፡ ኣብ ውሽጣ ኮይኖም ዝቃለሱ ዝነበሩ ዓበይቲ መራሕቲ፡ ካብኣ ምስ ተፈለዩ፡ ኣብ ሕቶ ናጽነትናን ልዑላውነትናን ዘንጸባረቑዎ ተጻራሪ ኣረኣእያ፡ ኣብ ስምዒት ኤርትራውያን ኣሉታዊ ጽልዋ ከምዘዕረፈ ዘይንስሕቶ እዩ፤ ይኹን'ምበር፡ ህወሓት ከም ውድብ ኣብ ነጻነትን ልዑላውነትን ሃገርና፡ ኣብ ጽንኩር መድረኽ ከይተረፈ፡ ዘይዕጸፍ መርገጺ ሒዛ ምቕጻላ ኣዐሪና ከምንግንዘብን ምስጋናና ልዑል ምዃኑን ክነረጋግጽ ንደሊ። በዚ ኣጋጣሚ፡ ሓደ ኣገዳሲ ነጥቢ ክነዘኻኽር። ቃልሲ ህዝብታት ኤርትራ፡ ወለዶታት እናተቐባበሉ ተሸኪሞሞ ዝጓዓዙ ዘለዉ፣ ገና ካብ እንግድዖኦም ዘይወረደ፡ ከቢድ ጾር ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ። ኣብ ዝሓለፉ ልዕሊ ሰብዓ ዓመታት፡ ኣንጻር ዝተፈላለዩ ባዕዳውያን ገዛእትን ጨቆንትን፡ ብዘይ-ዕረፍቲ ዝተቓለሱ፡ ዝተሰውኡ፡ ሎሚ'ውን ዝቕጽሉ ዘሎዉ ህዝብታት እዮም። ኣብ ዘበነ ኣርባዓታትን ሓምሳታትን ዘካየዱዎ ሰላማዊ ተጋድሎ፡ ንግዝይኡ ኣጽኒሕና፡ ካብ 1961 ዓ.ም. ጀሚሩ ብኣፈ-ሙዝ ብረት፡ ኣንጻር መስፍነ ሃጸያዊ ስርዓት ሃይለስላሴ ን13 ዓመታት፣ ኣንጻር ፋሽስታዊ ስርዓት ደርጊ፡ ን17 ዓመታት፣ ካብ 1991 ዓ.ም. ክሳብ ሎሚ ድማ፡ ንከባቢ 30 ዓመታት፡ ነዊሕን መሪርን ቃልሲ እናካየዱ ዝጸንሑን ዘሎዉን እዮም። እዞም ብዘይ-ምቁራጽ፡ ብዘይ-ዕረፍቲ፡ ኣንጻር ሰለስተ ስርዓታት ዝተጋደሉ፡ ሎሚ'ውን ዝቃለሱ ዘሎዉ ህዝብታት ኤርትራን ፖሎቲካዊ ሓይልታቶምን፡ ዝሓልፉዎም ዘሎዉ ጽንኩር ናይ ቃልሲ መድረኻት፡ ብዕምቆትን ብስፍሓትን ምግንዛብ፡ ኣብ'ዚ እዋን'ዚ ዘካይዱዎ ዘለዉ ዲሞክራስያዊ ቃልሲ፡ ክግበረሎም ዝግባእ፡ ምትሕብባር፡ ዓብይ ትርጉም ከምዘለዎ ንኣምን። ኣብ መወዳእታ፡ ህዝቢ ትግራይን ፖሎቲካዊ ውድባቱን፡ መሰል-ርእሰ ውሳኔኹም፡ ብዘይ-ምሽርራፍ ንምኽባርን ንምትግባርን ዘካየድኩሞ ዘይሕለል፡ ሕጋውን ዲሞክራስያውን ቃልሲ፡ ንዓና ንዉጹዓት ህዝብታት ኤርትራን ደለይቲ ለውጢ ፖሎቲካዊ ሓይልታትን፡ ዓቢ ትምህርቲ ዘቕሰመና፡ ኣዚና ዝኾራዕናሉ፡ ታሪኻዊ ዓወት እዩ፤ ብኣንጻሩ ድማ፡ ነቲ ብትምክሕትን ምሒር ቂምን ዓዊሩ፡ ንፌደራላዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓትኩም፡ መሰል ርእሰ ውሳኔኹም ዘኽብር ሕገ-መንግስትኹም፡ ንምፍራስ ተዓጢቑ፡ ኣብ ጎድኒ'ቶም ነባራት ጸላእቲ ህዝብታት ኤርትራ ዝኾኑ ሓይልታት ትምክሕቲ ተሰሊፉ፡ ተዋፊሩ ዝጸንሐ፡ ርእሰ-ፋሽሽት ኢሳያስ፡ ማይ ዓሚኹ፣ ተዋሪዱ ዝተረፈሉ ታሪኻዊ ዓወት፡ ናይ ሓባር ዓወትና ብምዃኑ፡ ደጊምና እንቋዕ ኣሐጎሰና ንብል።
ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑ ሰማእታትና!! ሓድነትን ምሕነትን ዉጹዓት ህዝብታት ይደልድል!!
ፖሎቲካዊ ቤት-ጽሕፈት፡ ሰውራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ(ሰደግኤ) 27 መስከረም 2020 ዓ.ም.
|