Back to Front Page

ሕማም ኮሮና

ሕማም ኮሮና

 

ጸጋይ ሃይሉ

03-29-20

 

 

ኣብቻይና ዝጀመረ ሕማም ኮሮና

 

ዐለም ተባሪዑ በጺሑ አባና

 

ዓለም ዝለበደ ናይ ኮሮና ሕማም

 

ብዙሕ ዝቀተለ ከይተረፈ ሓኪም::

 

 

ዝሰልጠኑ ሃገራት ኣይረከቡን መድሓኒቱ

 

ንረባረብ ክንዓግቶ ገና ብጉሓቱ

 

ንተግብሮ መምርሒ ናይ ፈላጣት ጥዒና

 

ከይንልከፍ ብሕማም ኮሮና

 

ኢድና ንተሓጸብ ብሳሙና::

 

 

ዋዕላ ብዙሓት የብሉን ጥዒና

 

ይትረፍ ሕውስውስ ክሳብ ዝሃልፈልና

 

ኢድ ምጭባጥ ምስዓዓም ይትረፈና

 

ብርሑቁ ዒድ ንንሳእ ከም ነባር ባህልና::

 

 

ከይንልከፍ ብሕማም ኮሮና

 

ኢድና ንተሓጸብ ብሳሙና::

 

 

ኢድ ይጹም ብሳሙና ክሳብ ዝጸሪ

 

ኣይንንካእ ዐይኒ፤አፍንጫ፤አፍ ናይ ኮሮና በሪ

 

ዕቅን ንግበረሉ ሓዘን ሓጎስ ፌስታና

 

ንተሓላለ ክንሕሉ ሂወትና::

 

 

ካብ ኮሮና ንውሰድ ምህሮ

 

ጽሬት ነብስና ልሙድ ንግበሮ

 

ከይንልከፍ ብሕማም ኮሮና

 

ኢድና ንተሓጸብ ብሳሙና::

Videos From Around The World

Back to Front Page