“ዓንቀጽ 39” “እዚአ ኽሳድ’ያ፤ ካብአ’ኸ፤ ምዕዛር’ያ!” 5/20/2020
ብመጀመርያ፥ ከም ሕዝቢ መጠን ሕሉፍ ታርኽ ክንድህስስ እንተለና፤ ብዙሕ ሕማቕን ጽቡቝን፤ ታሪኻዊ መድረኻት ኃሊፎም፤ ምስ ዕድሎም ከአ አምሊጦም’ዮም። እቲ ታሪኽ፤ ሰፊሕን ነዊሕን ከም ምዃኑ መጠን፤ ካብአቶም ፍልይ አቢልና ዝተወሰኑ ከነልዕል’ና። ንአብነት፤ ብዘመነ ስሑል ሚካኤል፥ ዘመነ ኀፀይ ዮሐንስ፥ ከምኡ’ውን ብኻልአይ ወያነ ዝተኻየዱ ክሕደታትን ዘምለጡ ዕድላትን። ሎሚ’ኸ ናብይ ዝብል’ውን ንርኤ። ከም ሐደ መርአያ፤ ብዘመነ ስሑል ሚካኤል ዘምለጠ ዕዱል ኔሩ። ንሶም አዝዮም ብጅግንነትን መሪሕነትን ዝወጸሎም ቅንዕና ምስ ስብእና ዝተወሐደ ልኅቀት ዝዓሰሎም መራሒ ኔሮም። ታሪኽ ከምዝዝክሮ ግን ነባራውያን ጸላእቲ ሕዝቢ ትግራይ ብጉልባብ ሃይማኖት ቀይዶም ናይ ንግሥነት መሰሎም ዓጽዮሞም ኢዮም። ብሰንኪ’ዙይ ከአ ናይ ትግራይ ንግሥነት ተሰንኪሉ ክተርፍ ጌሮሞ’ዮም። ስሑል ሚካኤል ከአ ነቶም ዘሳናኸልዎም ብኃይሊ ይኹን ብሕጊ ስጉምቲ ወሲዶም ንትግራይ ሀገር ኢሎም ክእውጁ እንዳኸአሉ እንዳሃለው፤ ነታ ወጀብ ዝኾነት ኢትዮጵያ ክብሉ፤ ምስረታ ሀገረ ትግራይ ራሕሪሖም በታ ክሳድ ናይ ጸልማት ተዓዚሮም ከይዶም። ትግራይ ከአ ምስቶም ብቛንቛ፥ ብባህሊ፥ ብስነ ልቦና፥ ብድልየት ዘይማስልዋ ጥራይ ዘይኮነስ ምስቶም ካባ ክሕደትን ክፍአትን ከም መደበኛ ስርሖም ዝገበሩ አብ ዓውዲ ዕንክሊል አትያ ተረፈት። ቀጺሉ፤ ዘምለጠ ዕድል አብ ዘመነ ኃፀይ ዮሐንስ ኢዩ። ኃፀይ ዮሐንስ አብ ታሪኽ ንግሥነት ፍሉይ ምዕራፍ ዝነበሮም፥ ንመጀመርያ ጊዜ አፍታ ሀገር፤ ብሔራት በቢባዕሎም ንኽመሓደሩ፤ ፈደራል ሥርዓት እንኮ መፍትሒ’ዩ ኢሎም ዝፈልሰፉ ንጉሥ ኔሮም። ነቶም ተፈራሕትን ወረርትን ጸዓዱ ብአፍሪካዊ መራሒ ንመጀምርያ ጊዜ ብተደጋጋሚ ስዒሮም ዘሕፈሩ’ዮም። ነቶም ሙሩኻት’ውን ብሰብአዊ ርኅራሄ ክሰድዎም አብዝወሰንሉ ጊዜ፥ ዝረገጽዎ ሓመድ ዓደይ፤ አብ እግሮም ከይወስዱ ማይ ሓጺብካ ስደዶም ኢሎም፤ ይትረፍዶ መሬቶምስ፤ በለላ ሓመዶም’ውን አብ እግሪ ጸላኢ ንኽኸድ ዘየፍቅዱ ዘወጸሎም ጅግናን ታሪኸኛን ንጉሥ’ዮም ኔሮም። እንተኾነ ግዳ ንሶም’ውን በታ ኢትዮጵያ እትበሃል አምልኮ፤ ካብ ናይ ስሑል ሚካኤል ብዘይፍለ፤ ካብቲ መሰናኽል ሃይማኖታዊ ልብሲ ናይ ምትላል ገመድ ከምልጡ አይከአሉን። በዙይ ከአ ኃይሊ ንግሥነት አብ ኢዶም እንዳሃለወ፤ ስመ ንጉሥነቶም’ኳ ንጉሠ ጽዮን እንተተበሃሉ ንትግራይ ሀገራዊ መልክዕ ከይአትሓዝዋ ሓለፉ። ስለ ዝኾነ ኸአ አብቲ ጊዜ እቱይ’ውን ዓብይ ዕድል አምሊጡ ኢዩ።
ድሕሪ’ዙይ ኸአ አብልዕሊ ሕዝቢ ትግራይ ማአለያ ዘይብሉ ግፍዕታትን መከራን ወረደ። ንምንታይ አብ ዜጋታተይ እትብሎም ፍጡራት እዚ ኵሉ ግፍዕን ድከትን ወረደ እንተተበሃለ? መልሱ ኸአ፥ ኃይሊ ሕዝቢ ትግራይ ዳግም ተንሢኡ ድምጹ ከየስምዕ፤ ርእሱ ከየቕንዕ፤ ብፕላን ኃፀይ ምንሊክ ተቐሚሩ ዝተሰረሐ ፕሮጀክት ኢዩ። ንምሳለ፤ ኃይሊ ትግራይ ንምስባር ፍርቂ ሕቝኡ ቖሪጽካ ንስግር ባሕሪ ምሻጥ። ከሙኡ’ውን ብዘመነ ሸ ተባሂሉ ዝፍለጥ በርባር ሕዝቢ፤ ምሉእ ናይ ኢትዮጵያ ሰራዊትን ነጭለባሽን ስንቂ ዘይብሉ አብ ትግራይ መጺኡ ንዓመታት ዘአክል ብምቕማጥ ቤቱን ንብረቱን አፍሪሶምን ወሪሶምን፤ ነታ ዓዲ አማሲኖማ ተመሊሶም’ዮም። ቀጺሉ ዝመጸ፤ ናይ ኃፀይ ኃይለ ሥላሴ ንግሥነት’ዩ። ንሶም’ውን ካብቲ ናይ ምንሊክ ብዝኸበደ መልክዑ እታ ብምንሊክ ተቖሪጻ ዝተረፈት ትግራይ፥ እንደገና ብምዕራብ ርእሳ ንቤገምድር፤ ብደቡብ እግራ ንወሎ ቆራሪጾም፤ መውጽእን መእተውን ዘይብላ ጉቡጥሽ አምሲሎም፤ ምድኻማ ከይአኽሎም ተወጺዐ መሰለይ ይተሓለወለይ ንዝበለ ዜጋ፤ ናይ እንግሊዝ ተዋጋእቲ አየር ጽዒኖም ብቦምብ አሕሪሮም፤ ፍጹም ኢሰብአዊ ግፍዕን ጭፍጨፋን አካየዱ። አብ ልዕሊኡ ከአ፤ ንትግራይ ቀጸላይ ውድቀት ዝኸውን፤ ዕላማ ጌሮም ዝሓዝዎም ሰለስተ ነገራት ኔሮም። ንሳቶም’ውን፤ አጥሚኻ፥ አደንቝርካ፤ አሕሚምካን ግዛእ ዝብል’ዩ። ክሳብ ዕለተ ሕልፈቶም ከአ ተግቢሮሞም’ዮም። ካብዙይ ዝተለዓለ’ውን ዓበይቲ ትግራይ፤ ክሳብ አዲስ አበባ ብእግሪ ተጓዒዞም ኬዶም፤ ጃነሆይ በይዛዅም ደቅና እነምህረሉ ቤ/ት ሥርሑልና እንተበልዎም፤ ከመይ’ሉ ትግራይ ዝአክል ዓዲ ሃይማኖትስ፤ ትምህርቲ አስኳላ ይሰረሐልና ትብሉ? እንተገደደስ ከአ ፈለገ ሕይወት ነስፋሕፈሐሉ’ምበር ኢሎም እታ ኵሉ ጊዜ ዝጥቀሙላ ሃይማኖት ዝለበሰት እከይነት አምሓራ ጌሮም መሊሶሞም ይበሃል። እዚ ዓይነት ግፍዕን መከራን ወጽዓን፤ ሰፍ ዘይብል አሥራት ግብርን፤ ብውሽጢ ብነጭለባሽ፤ ብደገ ብሸፋቱ ኮይኖም ናይ ኽልተ ዓመጽቲ ግዝአት ንትግራውያን ምስካም አንገሽግሽዎም፤ ብ1966 ዓ/ም ካልአይ ወያነ እንደገና ክለዓል ክኢሉ ኢዩ። ካልአይ ወያነ ካልአይ ወያነ እንክጅመር እንከሎ፤ ከምቶም ዝሓለፉ ወያነታት አብ ሓደ ጫፍ ትግራይ ወይ አብ ሓደ ጫፍ ኦሮሞ ዘይኮነስ፤ አብ ሙሉእ ኢትዮጵያ ክበሃል ብዝኽእል፤ ተመሃራይን ሓረስታይን ዓሚጹ ንሥራዓት ጃነሆይ ናብ ሓሳር ለዊጡ፤ ናብ አናጹ’ውን ከሰፍራሉ ዘይምነየኦ ጕድጓድ ጕሒፉ ደርበዮም። ቀጻላይ ናይቲ ሥርዓት ግን ሕጅውን ካብ ናይ አምሓራይ ጨፍጨፋ አይሓለፈን። ንናይ ሓፋሽ መስመር ጨውዩ፤ እቲ ወታደራዊ ኃይሊ ካብቶም ዝሓለፉ ሥርዓታት፤ ናብ ዝኸፈኤ አሳጊሩ፤ ደመ ዜጋታት ብጥይት ከዓወን ቀንጸለን። ንቤተ ሰብኩም ዝቐተልኩሉ ናይ ጥይት ዋጋ ኢሉ አኽፈለ። አብ ሬሳ ደቅኹም ተለሃዩ ዝብል አብ ዓለምና ተራእዩን ተሰሚዑን ዘይፈልጥ እከይ ግብሪ፤ ካብ ሄሮድስ ቀታሌ ኅፃናት ዝበአሰ፤ ግፍዒ ፈጸመ። አብታ ብዙሓት ተግራውያን ብፍቕራ ከም ሽምዓ ዝመኸዅላ ኢትዮጵያ እትበሃል ወጀብ፤ ትግራዊ ከም ሰሰሓን ጤለ በዱን ተሃደነ። ገመድ ግፍዒ’ውን ረጎደ። ንትግራይ ከጽንት፤ አብ ዕዳጋታት ዝተአከበ እንስሳን ሰብን ብዘይፈሊ፤ አብ ከምኒ ጭላ፤ ሓውዜንን ካለኦትን፤ ፀሓይ ቀትሪ ክሳብ ዝጽልምት ጭፍጨፋ አካየደ። እዙይ ከአ ንትግራውያን ከርዕዶም ተሪፉስ፤ ሙቖት ቃልሲ ዓሚሩ ናብቲ ዘይተርፍ ናይ ደርጊ ግብአተ መሬት ክዛዝም፤ መንእሰይ ናብ ግንባራት ተመመ። ብዙሓት መላምል በሊዑ ግን እቲ ኃያል መስመር ምስ ትግራዊ ወታደራዊ ጥበብ ተቐሚሩ፤ ስረ ተጋሩ አብ መድረኽ ወያነታት ዓለም ብወርቅ ደሙ ጸሐፈን አሐደሰን። ይኹን ደአምበር አብዚ ጊዜ’ዙይ’ውን እንተኾነ ነታ ኽሳድ ጥሒስካ ምዕዛርስ አይተረፈን። ምኽንያቱ፥ እቲ ዝተኸፈለ ደም ንሐደ ጊዜን ንሓዋሩን ሓራ ሀገረ መንግሥት ትግራይ ከይመስረተ፥ ወይ ከአ ስሕበት ማእኸል ናይቲ ሥልጣን ዓውዱ፤ ትግራይ ከይገበረ ሎሚ’ውን ከም ወለዱ ነታ ኽሳድ፤ ብሸውሃትን ተስፋን ተዓዚሩ፤ ናብታ አቐዲማ ብዙሓት ጀጋኑን ሊቃውንትን ትግራውያን ዝወሓጠት ምድረ ገሃነም ሽዋ፤ አርባዕተ ኪሎ ጠሓለ። ካብቶም ቀዳሞት ወለዱ ዝሓሸ ግን፤ አሸበሸብ ኢሉ አንቀጽ 39 ውሕስነት ንዅሎም ብሔርን፤ ብሔረ ሰባትን መሠረት አንበረ። ብፍላይ ከአ ንትግራውያን አንቀጽ 39 ብደም ዕሸላት ዝተዓደገት፤ ቀያሕ መስመር ኢያ። ካብዙይ ንደሓር መራሕቲ ወያነ፤ ነቲ ዓዲ ይጠቅም’ዩ ዝበልዎ ኩሉ፤ ብኸብዲ ኢዶም ገዲፎም ብዝባን ኢዶም ለይትን ቀትርን ብዘይ ዕረፍቲ ሰሪሖም፤ ብሀገር ደረጃ ዘይኮነስ ብአህጉርን ብዓለምን ደረጃ፤ ተአምራዊ ዝኾን ዕብየት አመስከሩ። እቲ ዕብየት ተአማሚኖም ከአ ትኻስን ድቃስን ኮነ። ወዲ ድሙ አይገድፍ ግብረ እሙ ከምዝበሃል፤ ደቂ ድሙ ምንሊካውያን ከአ፤ ትኽስታን ድቃስን ትግራውያን ተጸናትዮም ነታ ተስፋ ብዙሓት ዝነበረት ናጽነት ሕዝቢ ጨውዮም ቃል ኪዳን ክሕደት ግብሪ ወለዶ ፈጽሙ። እዙይስ ኮነ፤ ሎሚኸ ናበይ? እንዳረአየ ዝሞተስ እንዳሰመዐ ቕበሮ (Fool me once shame on you. Fool me twice shame on me) ሓደ ጊዜ አታሊልካኒ፤ ተሕፍር ሰብ ኢኻ። ካልአይ ጊዜ ከተታልለኒ ግን ዘሕፍር ሰብ’የ ይብሉ አበው። እቲ ናይ ሎሚ አጋጢሙ ዘሎ ሓደጋ ካብቶም ናይቀዳሞት ብዙሕ ዘይፍለ ሓደጋ’ዩ። እቶም ቀዳሞት ምንሊክ፥ ኃይለ ሥላሴን ደርግን፤ ንሕዝቢ ትግራይ ክወቕዑ እንተለው በይኖም ወቒዖሞ አይፈልጡን። ምንሊክ ምስ ጥልያን፥ ኃይለ ሥላሴ ምስ እንግሊዝ፥ ደርጊ ከአ ምስ ሶቤት ኮይኖም’ዮም ወጊኦሞ። እቶም ክልተ ቀዳሞት ቀኒዑዎም ኔሩ። ደርግ ግን አጽዋር ይሰከም፤ ዝኾነ ዓይነት ወታደራዊ ጠበብት የምጽእ፤ አብ ትሕቲ ፀሓይ፤ ንብልሕን ጅግንነት ተግራውያን ዝዓጽፍ ክረክብ ብዘይምኽአሉ ናብታ ዓሟቕ ሥፍራ ንዘለአለም አርሒቑ ከይዱ። እቲ ናይ ሎሚ ምንሊካዊ’ውን፤ ፕሮግራም ናይ አቦሓጎታቱ ኸፈጽም፤ ደገፍቲ ሒዙ’ዩ ትልኽ ዝብል ዘሎ። እቶም ደገፍቱ ኸአ፤ አብ 17 ዓመት ዕጥቃዊ ቃልሲ፥ አብ 27 ዓመታት መንግሥትነት፤ ካብ ትግራውያን፤ ንሓንቲ ፖሊሲ ከለውጡ’ውን አይከአሉን። በዙይን፤ ብእኒ ካሌብ፥ ብእኒ ዮሐንስ ዝበጸሖም ዝነበረ ስዕረትን ዝሓደሮም ቒም ክብቀሉ፤ ካብ ወዲ ምንሊክ ዝሓይሽ ስለ ዘይብሎም፤ ዶላር እንተ አሕዘሉ፤ ኖቨል ሽልማት እንተሃቡ፤ አብ ትሕቲ ሰማይ ዘሎ ኵሉ ግብረ ሰይጣን አዕጢቖም በል ተጎዓዝ ይብልዎ አለው። እቲ አብ ማዕዶ ዝርከብ ዓነገሪባ’ውን ተወሳኺ መሳርሒ ኾይኑ፤ ገልጠም ይብል’ሎ። እዚ ኵሉ ዝበጽሕ ዘሎ መከራ ኸአ፤ ትግራይ ካብ ኤርትራ ወይ ካብ ጁቡቲ ስለ ዝነአሰት፥ ወይ ስለ ዝሰነፈት አይኮነን። እንታይ ደአ ንታሪኹን ጅግንነቱን ዝዕቅበሉ፥ ልዑላዊ ሀገር መሥሪቱ ጎይታ ባዕሉ ንኽኸውን ብዘይምውሳኑ’ዩ ወንጀሉ። እሞ ከምቶም ቀዳሞት ወለድና፤ ኵሉ አብኢዶም እንዳሃለወ ዘላቒ መፍትሒ ገዲፎም፤ መደንዘዚ ቝስሊ እንዳገበሩ አብ ከምዙይ ዘመሰለ ናይ ጥፍአት ዕንክሊል ዘገደፉናዶ፤ ንደቅና’ውን አብ አፍ ልሙጽ ተመን ንግደፎም? ወይስ ንመወዳእታ፤ አብ ሀገረ ሰላም ዝጉዓዝሉ ናይ ሓርነት ፓይለት መሥሪትና፤ ኵሩዓት አባላት ማኅበረስበ ዓለም ኮይኖም ንግደፎም’ዩ እቲ ትነጥቢ። ኻሕሳ ስወአትና ንስወአትናን ጕዱአትናን፥ ብዝኾነ ዓይነት መስፈሪ፤ ዋጋ ክኽፈል አይከአልን። እንታይ ደአ፤ ውላድን ሓድግን ስውአት ዝኾነት ዓንቀጽ 39 ተጠቒምካ፤ ዘለአለማዊ ሓርነት ምወሐድ’ዩ ዋጋኦም። ነዛ ሓድጊ ስውአት ጸጋና አንቀጽ 39 መሠረት ጌርካ፤ ቅድሚ መስከረም፤ መረጻ ምክያድ ግድን ይኸውን። ምስታ መረጻ ጕድኒ ንጕድኒ ከአ ናይ ፍትሕ ሪፍረንደም ምክያድ ወሰናይ ምዕራፍ’ዩ። ውሉደ ምንሊክን ለአኽቱን ነታ አንቀጽ ከይሓኸኽዋ ቀዲምካ ብናይ ሕዝቢ ድምጺ ገመድ አሲርካ ናብ ገደሎም ደርቢኻ፥ ትግራዊ ጎይታ ባዕሉ ኮይኑ ነሐደን ንሓዋሩን ፍሥሐ ወሰላም ለቢሱ፤ ንደቁ አብዝለዓለ ክብርን ብራኸን ክሓድጎም አለዎ። እንተዘይ ኮይኑ፥ ትግራዊ፥ ነዛ ናይ ክሳዳት ክሳድ ጥሒሱ ዓርሰ ቅትለት ክፍጽም ከቶ አይግባእን። መሰልካ ምጥቃም ሕዝቢ ትግራይ መሰሉ ንምጥቃም ሎሚ ሓድሽ ጀማሪ አይኮነን። መዘውር ታሪኽ ዝቐየረ። ሰብ ዘይኸዶ ዝኸደ፥ ሰብ ዘይድይቦ ዝደየበ፥ ሰብ ዘይወርዶ ቝልቝለት ዝወረደ፥ ፍጹም ሰረሓይ ታሪኽ ባዓል ምጡቕ አእምሮ፥ ኅጸጽ ዘይብሉ፤ ባሕሪ ጥበባት ዝወነነ፤ ስነ ሓሳብ ነዲፉ ዝትግብር (አኒመይትድ) ዝኾነ ሕብረተ ሰብ’ዩ። አብ ትሕቲ ኵሉ ዓይነት ጸገማት ኮይኑ ዕማማቱ እንዳ’ካየደ ዝመጸ፤ ሙዑትን በሪኽን ሕዝቢ’ዩ። አይኮነንዶ ሎሚ መንግስታዊ ቅርጺ አብ ዝመሥረተሉ ዘመን ኮይኑ፥ አብትሕቲ ዝዓበዩ ወራራት ደርጊ ኮይኑ፤ ብሰማይ በረርቲ ቑምብላታት እንዳወረደ፥ ምድሪ’ውን ብተሸከርከርቲ ታንክታትን መድፍዓትን ከም ጓህሪ እንዳነደደ፥ አብ እግሪ ቖጥቛጥ ተጸጊዑ እንዳ’ለፈ፥ መራሕቲ ቝሸት፥ ኳደረ፥ ማሕበር መናእሰይ፥ ደቂ አንስትዮ፥ ፍርድ ባይቶ፥ ይግባይ ሰማዕቲ፥ ሕዝባዊ ባይቶን ዳያኑ መራሕቱን እንዳመረጸ፤ ይምራሕን ይመርሕን ኔሩ። አብ ትሕቲ ጽንኩር ወራራት ኮይኑ፤ መሬት መቐሎ የካይድ ኔሩ። ፍትሒን ርትዕን ማንም ክፈቕደሉ ከይተፈበየ አብ ትሕቲ ዳዕሮን ሳግላን፥ አብ ትሕቲ ዓየን ዓላን፤ ኮይኑ ዲሞክራሲኡ የስተማቕርን የዕንብብን ኔሩ’ዩ። ደም ደቍ አብ ግንባራት ይፈስስ፤ አትክልቲ ምምሕዳራቱ ከአ ሱር እንዳሰደደ ይልስልስ ኔሩ። ፍትሕን ርትዕን በቶም ሓድጊ ስወአቱ ዝኾኑ ቅዋማት እንዳተቛደሰ ዝመጸ ፍሉይ ሕብረተ ሰብ’ዩ። ከም እኒ ሻዕብያ፤ ንቐድም ናጽነት፤ ደሓር ዲሞክራሲ ኢሉ ብዛዕባ ናይ መሬት ሓርነት’ምበር ናይ ሕዝቢ ፍትሒ ዘይግድሶ፤ ብስምዒት ንሕብረተ ሰብ አደንዚዙ ዝመጸ ውድብ ወይ ከአ ሕዝቢ አይኮነን። ናይ ደገ ጸላእን ናይ ውሽጢ ጨቛንን ብኽልተ ዝአፉ መስመር ጕራደ ጌሩ፤ እንዳቖረጸ ዝመጸ ሕብረተ ሰብ’ዩ። ሎሚ ግን፤ አብይን ለአኽቱን፤ ኮቪድ 19 ምኽንያት ተጌሩ እታ ነይ ሓርነቱ nucleus (ማእኽል ጅማት) ዝኾነት አንቀጽ 39 ንምሕኻኽ፤ ደው በሉለይ’ሞ ክቕድመኩም ይብለና’ሎ። ዕውርስያ ብቕሙጡ ሰበይቱ ይስዕሙሉ ከምዝበሃል ምስላ አበው፤ እዙይ አብ ትግራውያን ክፍጸም ኢልካ ምሕላን ናይ ጥዕና ዘይኮነስ ጽላለ ኢዩ ክበሃል ዝኽእል። እኳደአስ አሕዋትና ነዛ ወጀብ ሀገር እዚአ አሚኖም ውንዙፍ ዝገደፍዎ ሥራሕ ሓርነት፤ ከም ዝደቀስካ ተባራበር መጸዋዕታ ሓያል ደወል ጌርካ’ዩ ኸረኤ ዘለዎ። ነታ ሥልጣኑ ኸንውሕስ ግብጺ ከይትወረና ንጠንቐቕ ክብል ሞኵሩ። ዘገርም’ዩ! ምኽሪ ግብጽን ካለኦት ልአኽቱን’ዩ እምበር ግብጺ ካብ አቢይ አሕመድ ዝበለጸ፤ ብሰማይን ብምድርን ብአላህ ምሒሉ ቃል ኪዳን ዝአተወሎም ያ’ኔሩስ ከም ቖልዓ ንሕዝቢ ክጻወተሉ ሞኵሩ’ሎ። ሕዝቢ ትጠንቀቕ! አብ ምድላው ጊዜ ክግበሩ ዝግበኦም። ምስቲ ኵሉ ዓይነት ምድላዋት፤ ዓቢይ ቑም ነገር ክወሰኾ አለዎ። ሰመዕታት ደቂ ሕዝቢ ዘምጽእዎ መሰል ተጠቒምካ ምሥረታ ሓርነት አብዝካየደሉ፤ ሰማዕታትና ቅሰኑ ዘብል፤ ንምሉእ ታሪኽን ጅግንነትን ትግራይ ዝውክል ዲዛይን ተጌሩ ሀገራዊ ባንደይራ አጽዲቕካ፥ ነቶም ዘለው ብዓይንን ብእዝንን፥ ነቶም ዝሓለፉ ኸአ ንሰማይ ናይ ሓርነትና ኽታም ክለአኸሎም ይግባእ። ምኽንያቱ፤ እቲ ዘሎ ባንደይራ ውድባዊ አርማ ኢዩ። አብትሕቲ እቲ ሀገራዊ ባንደይራ ብኽብሪ ንዘለአላም ክስቀል’ዩ። ካለኦት ናይ ባዓልቶም አርማ ንውድቦም ዝውክል እንተ አምጽኡ እዙይ’ባ እዙይ አየባሃህልን’ዩ። ትሓደ ብዝሰዓረ ናይቲ ሓደ አርማ ከጓኒ አይኽእልን’ዩ። ናይ ሰማዕታትና ጻማ ዝኾነ ሀገራዊ ባንደይራ፤ ንምቕማር፤ ብቑዓት ናይ ታሪኽን ናይ ስነ ስእልን ሽማግለ ተቛቚሙ፤ ዓብይ አትኵረት ክወሀቦ ይግባእ። ምስ እዙይ ተወሳኺ፤ አብ ኵለን ቝሽእታት፥ እንተዝእየለ ኸአ ንጊዚኡ አብ ኵለን ከተማታት ትግራይ፤ ብሕይወት ዘለው ዝቕበርሉ፤ መቓብር ሃርበኛታት ተፈልዩ፤ ካብ ኵሉ ከባቢታት አፍቲ ቃልሲ ዝተሰውኡ፤ አካሎም ተአርዩ አብ መካነ መቓብሮም ዓረፈሉ። እቶም ዝዓረፉሉ ቦታ ዘይተፈለጠ’ውን ብኽብሪ ስሞም ተጻሒፉ ዝቕመጠሉ ይገበር። ዋሕዲ ሕዝቢንትግራይ ናይ ጸጽታ ስግአት ዝብል ሕቶ ይለዓል’ዩ። መልሱ፥ ናይ ብዝሓት ዘይኮነስ ናይ ጽሬት’ዩ። እስራኤል ካብ አዕራብ በዚሓ አይኮነትን አንቀጥቂጣቶም እትነብር ዘላ። ጽሬታን ብልሓታን’ዩ። በቲ ሓደ ገጽ ከአ ዋሕዲ ሕዝቢ ምርቓት ዝኾነሉ ዘመን’ዩ ሎሚ። አብ ስሉስ ዓለም በዝሒ ሕዝቢ በረከት አይኮነን። ምኽንያቱ ሰብአዊ ቍጽርኻን ተፈጥሮአዊ ሃፍትኻን፤ እተቕርቦ መአድኻን፤ ዘይማጣጠን እንድሕር ኮይኑ፤ በረከት ዘይኮነስ ጕዳአት’ዩ ዝኸውን። እሞ ትግራይ ተፈጥረአዊ ኀፍታ መዝሚዛ ሕብረተ ሰባ አብ ቀዳማይ ደረጃ እቶት ክሳብ እተበጽሕ በዝሒ ወሳናይ አይኮነን። ጸጽታ ሀገራ ውሑስ ዝኸውን፤ ጽርየትን ቆራጽነትን ብልሓትን ዘለዎ ሕዝቢ’ዩ ዘድልያ። ምሥጋና! ትግራውያን ንአብይ አሐመድ እነመስግነላ ሓንቲ ነገር አላ። ንሳ’ውን ትግራውያን ካብጥንቲ ብኽረምቲ ምንሊካውያን ነታ ትኽክለኛ ኢትዮጵያ አፍሪሶም፤ ሀገር ኢሎም ዝጎጀልዋ ወጀብ እንተኾነ’ውን፥ ሀገር ኮይና ንኽትቅጽል፥ ካብ ትግራውያን ንላዕሊ ዝተሰወአላ የለን። መራሕቲ ወያነ’ውን ነዛ ሀገር እዚአ ክብሉ፥ ዝወጽሉ ዓላማ ረሲዖም ጥራይ ዘይኮነስ ነታ ብቓልሱ ዘምጸአ ፍትሕን ርትዕን እውን ናብታ ናይ ሸወዳ መንደር፤ አራት ኪሎ ወሲዶም አብ ምንሊክ ቤተ መንግሥቲ አሲሮም ብሐንቲ ቀጣን ትእዛዝ ናይ ውድብ፥ ካውኡ ኃሊፉ’ውን ናይ ውልቀሰባት፤ ካብ ላዕሊ፤ ክሳብ ታሕቲ ብሹም/ስዕር፤ እትእዘዝ ትግራይ ጌሮማ ኔሮም’ዮም። ምምጻእ አብይ አሕመድ ግን ንትግራውያን ክሕግዝ ኢሉ ዘይኮነስ፤ ካብቲ ናይ አዘዝቱ ተልእኾ ተላዒሉ ንመራሕቲ ወያነ ናብ መረበቶም ተመሊሶም ክአትው ገይሩ’ዩ። እግዚአብሔር ይመስገን! ሎሚ እቲ ውድብ አብ ጽቡቕ ጅማሮ ኅንጸት ሀገር ይርከብ አሎ። እታ ንወለድና ዘዕዘረት ክሳድ ከይደግማ ግን፥ ሎሚ በታ ውጽኢት ቃልሲ ዝኾነት ክብርቲ ዓንቀጽ 39 መሠረት ጌሩ ዘውዲ ሓርነቱ ኽዓትር፤ ካብ ምፍጻም ሓሊፉ ካሊእ ማንታ ሓሳባት እንዳፈጠረ፥ ንሕዝቢ ትግራይ አብ ሓደጋ ከየውድቖ፤ ብልዑል ደመ ሰማዕታትን ህዝብን፤ ንምሕጸን። ምኽንያቱ ኸአ ፍረ ነፍሲ ዘይብሉ ሰብአይ አይወልድን። ሙሉእ ሓርንተ ዘይብሉ ሙዑት ሕዝቢ’ውን፤ ፖለቲካዊ፥ ወታደራዊ፥ ትምህርታዊ፥ማሕበረ ሰባዊ፥ ሃይማኖታዊ፥ ሳይነሳዊ ይዅን ኢኮኖሚ ፈጺሙ ክምዕብል አይኽእልን። ንምንታይ፥ ዝውንኖ ሀገር ስለ ዘይብሉ እንተደለየ’ውን አስናኑ እንዳሓርቀመ፥ ብሓይሊ ወይከአ ብድምጺ እንዳተደቖሰ ንባዕሉ ዘይኸውን ፓራሳይት (ጽግዕተኛ) ኮይኑ’ዩ ዝነብር። ንመን ተባሂሉ? አብ ክንድምንታይ’ዩ’እዙይ? ፍቕሪ ኢትዮጵያ እዋእ! እዛ ኢትዮጵያ’ኮ ምድራዊት ናይ ፖለቲካ ሀገር’ያ’ምበር ድሕሪ ምጽአት እንጽበያ ገነት አይኮነትን። ገነት እንተትኸውን ብተስፋ፤ ደሓን በእንተ ስማን አብዚ ዓለም ይኽፈአና’ሞ፤ አብ ካልአይ ዓለም ናይ ሕይወት መንበሪ ክትኮነና ምተበሃለ። ግን አይኮነትን። ምድራዊት ሀገር’ያ። ሀገራ፤ ንሀገራ’ኳስ ብዙሐት ከሓድቲ፥ ሓሰውቲ፥ ጠንቖልቲ ዘለውዋ ዓዲ’ያ። ዝሐለፈስ ሓለፈ መሓረኒ ብዝተረፈ’ዩ’ሞ እዛ ኽሳድ’ዚአ ናይ መጨረሻ ክትከውን ናይ ኵሉ ትግራዊ ጸዓትን ልፍዓትን፥ ክግበር አለዎ። ትግራይ ሓርነት ይግበአ ድዩ? ሓርነት ትግራይ፤ ሓድሽ አይነበረን። ምስ ቀተልቲ ተስፋ ዝኾኑ ሕዝቢ፤ ምስ ተቖረነ ግን፤ አብትሕቲ ፍርሕን ጽልእን ኮይኑ፥ መሓዛ ሞት ዝኾነ ሕይወት ካብ ምንባር ዝኸፍእ የለን። ወቀደምትኒ ይከውኑ ድኅረ እናኾነ’ምበር፤ ንትግራይ ሓርነት በአማን ይግቦኦ! ትግራይ ንባዕላ ጥራይ ዘይኮነስ ንማሕበረ ሰብ ዓለም ዝኸውን’ውን ታሪኻዊ አበርክቶ ዝለገሰ ሕብረተሰብ ዝወነነት’ያ። ካብ ማንም ከይደለየ ናይ ባዕሉ ዝኾኑ ተቅዋማት ዘለውዎ ሕብረተ ሰብ’ዩ። ንሳቶም ከአ፡ - ፊደል ዝቀረጸ - ሥርዓተ እምነቱን ዜምኡን ዝሓንጸጸ - ማኅበረ-ሰባዊ-ምሕደራን -ሥርዓተ መንግሥትን ቅድመ ዓለማት ዝተኸለ - ፍልስፍና-ናይ-አነባብራ ባህሊ ምስ ማእቶቱ ዝመሥረተ፤ ልዑል ሕዝቢ ሀገር ዘይኸውን ከመይ? ሀገረ ሳባ! ሀገረ ካሊኤብ! ሀገረ ጽዮን! ናፅነት አይጥይቕን። ንመን ክጥይቖ? ዓውደ ሸፈጥን ጥልመትን ዝኾነት ኢትዮጵያ እትበሃል ሀገር፥ ሀገርነታ ቢ1983 ዓ/ም አብቂዑ’ዩ። ድሕሪኡ ዘላ ኤትዮጵያ ግን ብውዕል፤ ብስምምዕ፥ ናይ ኢኮነምን ናይ ሕብረትን ሀገር’ያ። ብውዕል ክትቅጽል ዝኸአለት’ውን ብመስዋእቲ ትግራውያን’ያ። ትግራውያን፤ ልቢ አዕቢዮም፤ ምናልባት’ውን ዓዲ ካብ ዝሓለፈ ተማሂሮም ኵሉ ብማዕረ፤ ብሕብረት፤ ንኽነብርን ንኽዓብን ፍጹም ምስጋና ዘለዎ ፍቓድ ከንብሩ ይኾኑ’ዮም ኢሎም ሓሲቦም ዝፈጸምዎ ውዕል’ዩ። ወያነ፥ ድሕሪ 17 ዓመታት ናይ ሞትን ሕየትን ቃልሲ፥ አብ ዋዜማ ሓመደ ድቨ ናይ ደርጊ፥ ኢህአደግ መስሪቶም አትዮም። ነቲ ናይ ሕብረት (ዩኒዮን) ንዅሎም ብሔርን ብሔረ ሰባትን ብማዕረ ዝጠምር ቃል ኪዳን ሕገ መንግሥቲ አቛቒሞም ን27 አመታት እጹብ! ዝኾነ ናይ ሀገር ለውጢ አካይዶም። ነታ ናይ ሕብረት ዝኾነት ኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነስ ንሙሉእ አፍሪካውያን ጽላልን ኵርዓትን ዝኸውን አመራራሓ ፈጢሮም። እታ ሀገር አብ ናይ ዓለም መድረኽ በሪኽ ስፍራ ንኽትሕዝ ጌሮም። ነዚ ተረኽቦ’ዙይ ግን አብ ክንዲ ምስጋናን ክብርን፤ ነቲ ናይ ቃል ኪዳን ሕገ መንግሥቲ ጠሪሱ ዘጥፍእ መንገዲ፥ በቲ ልማዳዊ ኽሕደት፤ ዓበይቲ ናይ ምፍራስ ሥራሕቲ ተፈጺሞም።
1) ትግራይ ምስ ፈደራል ዘራኽብ መንገዲ ክዕጾ እንተሎ ፈዳራል መንፍሥቲ አፉ ዕጽው። 2) ሕገ መንግሥት ጥሒሱ ፈደራል መንግሥቲ ልዑላዊ ናይ ክልላት ናይ ሥልጣን መሠረታት ግልበጣ አካይዱ። 3) ካብ ሕጊ ወጻእ ነተን ናይ ቃልኪዳን ዝኾና ብሔራዊ ውድባት ብመን’ለኒ በሃላይነት፤ አፍሪሱ ብሓደ ጣዕዋ ጎልጎል ዝዝወር አሃዳዊ ውድብ ምቝቛሙ። 4) ወከልቲ ሕዝቢ ትግራይ ዝኾኑ ናይ ካብኔ ምኒስተራት ካብ ፈደራል ብዘይ ሕጊ ምስተ ለዓሉ፤ ፓርላማ ሀገር ስቕ ምስበለ፤ እቲ ክልል ከአ አብቲ ፈደራል ብዘይ ውክልና ተረፈ። 5) ነቶም አብታ ሀገር ኅንጸት ፍሉይ ተኽእሎን አበርክቶን ዝነበሮም ሲቭላዊን፤ ወታደራዊን ሓለፍቲ ትግራይ እንዳፈለኻ ክእሰሩን ክቕተሉን ምግባር። 6) ብበዝሒ ካብ ጎንደርን፥ ካብ ካለኦት ክፍላተ ኢትዮጵያን፤ ትግራውያን እንዳተሃደኑ ክእሰሩ፥ ክቕተሉ፥ ክውረሱን፥ ዝተረፉ ኸአ ከም ደመኛ ጸላኢ ተቖጺሮም ካብታ ናይ ውዕል ዓዶም ምብራር። 7) ናይ ፈደረሽን ሥራሕ ሓሊፍካ፤ ብደረት አመኻኒኻ ናይ ምንሊካውያን መልክአ ምድራዊ አከላለል ዘዛጋጁ፤ ሕገ መንግሥቲ ብዘይፈቕዶ ኮሚሽን ምቝቛም። 8) ፈደራል መንግሥቲ ንትግራይ ዘይሓወሰ ወሰን ዝምልከት፤ ምስ ኤርትራ ናይ ሰላም ሓሸውየ ምባልን፥ ምስ ዓነገሪባ ኢሳያስ ሸሪኽካ አብ ልዕሊ ሕዝቢ ትግራይ ብደዐን ምክያድ። 9) ጀንራላት፥ ብዘይካ ትግራውያን ምዃን ካሊእ ወንጀል ዘይብሎም ብጸሓይ ቀትሪ አብ ቤቶም ምርሻን። 10)ብመጨረሻ ኸአ፥ እዚ እዝነ’ያ ዘሳሕየንስ ዘየቦኸዐ ዘረባ ከስመዓኒ ከምዝበሃለ፥ እታ ብደምኩም ዝወነንኩማ መሰል ድምጺ ምሃብን መረጻን፤ እንተተጠቒምኩሙላ፤ ክቐትለኩም’የ፥ ከሕዝነኩም’የ፥ ከፍርሰኩም’የ ኢልካ ናይ ዕንደራ አዋጅ ምግባር። እምበአር እቲ ናይ ሕብረት ቃልኪዳን በዙይን ወድዙይን፤ ዓንዩ’ዩ። ስለ ዙይ ከአ ሕዝቢ ትግራይ ናይ ባዕሉ ሕርዮት ክመርሕ፥ መረጽኡን ሪፍረንደሙን አሕቢሩ ክዛዝም አለዎ። እዙይ እንድሕር ኮይኑ ደአ ንምንታይ ሪፍረንደም የድሊ ዝብሉ’ውን አይሰአኑን። ሪፍረንደም አድላይ’ዩ። ሓደ፤ ሓደ ጊዜ ወያነ፤ ከምዚ ሕንቑቕ ቖልዓ፤ እቲ ሕብረት ክፍጸም እንተሎ’ኳ ንሕዝቢ ትግራይ ፍቓዱ ዘይሓተተ እንተነበረ፥ እቲ ሕብረት ምስ ጸደቐ ግን ናይቲ ሕብረት አካል ኮይኑ ን27 ዓመታት ጸኒሑ’ዩ። ሎሚ ኸአ እቲ ሕብረት በዓልቶም ስለ ዘፈረስዎ ናይ ባዕሉ መንግሥቲ ብዝጥዕሞ ንኸካይድ፤ ንዘለአለም ዝተማለኤ ሕጊ ክኸውን ሪፍረንደም ኸካይድ ይግባእ። ክግንጸል ድዩ ዝብል ሕቶ ብዙሕ ጊዜ ዝስማዕ’ዩ። ብዙሓት መስተውዓልቲ’ውን ጉቡእ መልሲ ሂቦሙሉ’ዮም። ምግንጻል ዘይኮነስ፥ እቲ አብ 1983 አ/ም ለቛቝሞም ፈጢሮሞ ዝነበሩ ናይ ሕብረት ገመድ፥ እቶም ናይ ክሕደት አመለኛታት ስለ ዝቖረጽዎ፥ ንሳቶም’ዮም ካብ ትግራይ፥ ወይ ከአ ካፍቲ ሕብረት ተገንጺሎም። ነቲ ናይ ሓድነት ተቛዋማት አፍሪሶም ሽሞም ቀይሮም ካብቲ ዘተሓባብረና ዓውዲታት ወጺኦም ተገንጺሎም። ግን አብ ኵሉ ናይ ሕበረት ቃል ኪዳን፥ ናይ ሓዳር ፍትሕ ስለዝኾነ ሕጋዊ ኽኸውን የድልዮ’ዩ። ዝኾነ ናይቲ ሕብረት አባል የፍርሶ ወይከአ ባዕልኻ ከትፍርሶ እንተ ደሊኻ፤ ሪፍረንዶም የድሊ’ዩ። ሪፍረንዶም ዘድሊ ምዃኑ፤ ከም ሓደ ረቛሒ እንተረአና እኳ፤ እንግሊዝ ምስ ሕብረት አውሮጳ ናይ ሓድነት ቓል ኪዳን አትያ ኔራ። ደሐር ከአ፤ ስለ ዘይ ዓገበትሉ፤ ካብቲ ዝአተወቶ ሕብረት ወጺአ ናይ ባዕላ ሀገር ምምሥራት ዘይኮነስ ናይ ባዕላ ፖሊሲ ናጻነት ንኽህልዋ ናይ ሕዝቢ ሪፍረንዶም አካይዳ፤ ዝደለየቶ ፍትሕ ብናይ ሕዝባ ድምጺ አረጋጊጻ ወዲአ። ድምጺ ሕዝቢ ናይ ሓደ ሕብረተ ሰብ ላዕለዋይ ጠቅላይ ፍርድ ቤተ (ሱፕሪም ኮርት) ኢዩ። አብ ልዕሊኡ ጎይታ የለን። ጎይታ ባዕሉ ሕዝቢ’ዩ። ስለ ዝኾነ ኸአ ትግራውያን’ውን እታ ናይ ዘለዓለም ዓርሰ ወናንነት ብድምጺ፤ አንቀጽ 39 ሕጋዊ መሠረት ጌሩ ንሐደን ንመወዳእታን ጊዜ ብሪፈረንዶም ክኽተም ናይ ግድን’ዩ። ድሕሪ ሎሚ፤ አድላይ ኾይኑ ሕብረት ዝፍጠር እንተ’ልዩ እውን መሰረቱን ናይ ስሕበት ማእኸሉን አብ ቤተ መንግሥቲ ሳባን ካሌብን ይኸውን’ሞ ከምቲ ቀደም ዝነበሮ፥ ይትረፍ ንአፍሪካ፤ ንማእኸላይ ምሳርቕ’ውን ዓቢይ ተስፋ ዘለዎ ሀገር ከምዝኸውን ንደቒቓ ክንጠራጠር የብልናን። እቲ ጽሑፍ ብምንውሑ ይቕረታ እንዳሓተትኩ፤ አብ ዝቕጽል አሕጽር እንዳበልኩ ክጽሕፍ’የ። ይቕጽል… ሓሳብ ዘለኩም ጸሐፉ፤ ደግፉ፤ ንቐፉ። ንመሰልና ንካታዕ፤ ንራታዕ፤ ብዘይ ጸርፊ ጽያፍ የለን። ~ ሰላም ወሰናይ ንኹልና ~ |