Back to Front Page

ኣነ ብህይወት ክሳብ ዘለኹ ህወሓት እየ። ህወሓት [ዳይናሚክ] ገስጋሳይ ክኸውን እየ ዝደልዮ። ድማ ገስጋሳይ ውድብ እዩ ኢለ እየ ዝኣምን።

ኣነ ብህይወት ክሳብ ዘለኹ ህወሓት እየ። ህወሓት [ዳይናሚክ] ገስጋሳይ ክኸውን እየ ዝደልዮ። ድማ ገስጋሳይ ውድብ እዩ ኢለ እየ ዝኣምን። ተጋዳላይ ወልደስላሰ ወልደሚካኤል!

 

woldeselassie.jpgቢቢሲ፦ ሃገራዊ መረዳእታን ድሕነትን ብተጋሩ [ህወሓት] ዝተዓብለለ ከም ዝነበረ'ዩ ዝግለጽ'ሞ፡ ሓቃውነቱ ክሳብ ክንደይ እዩ?
ኣቶ ወልደስላሰ ወልደሚካኤል፦ ኣነ ኣብቲ ሃገራዊ መረዳእታን ድሕነትን ዋና ዳይሬክተር ሓለዋን ድሕነትን ውሽጢ ሃገር ኮይነ ንነዊሕ እዋን ሰሪሐ እየ። ናይቲ ትካል ዝዓበየ ክፍሊ እውን ንሱ እዩ።
ናይ ሃገራዊ መረዳእታን ድሕነትን ሓፈሻዊ ቁጽሪ ስታፍ እንተወሲድና እቲ ዝበዝሕ፡ ብሄር ኣምሓራ እዩ። ቀጺሉ ተወለድቲ ብሄራት ኦሮሞን ትግራይን ተቐራራቢ ቁጽሪ ይሕዙ። ከምኡ እናበለ ድማ ይቕጽል።
እዚ ብቐሊሉ ኣብ ሰነድ ዘሎ ሓበሬታ እዩ። ብስሩ'ውን ካብ ቀደም ኣትሒዙ እዚ ኣጀንዳ ተደጋጋሚ ይለዓል ስለ ዝነበረ መርሚርና ኣረጋጊጽናዮ ኢና። ቅድሚኡ እውን [ቅድሚ ስርዓት ኢህወዴግ] ካብኣቶም ይብዝሑ ነይሮም።ድሕሪ ለውጢ'ውን እንተኾነ ብብዝሒ ዝተመልመለ ካብ ብሄረ ኣምሓራ እዩ። ሕዚ እውን እዚ ቁጽሪ ካብቲ ትካል ናይ ሰራሕተኛታት ፋይል ገንጺልካ ክረጋገጽ ዝኽእል ሓበሬታ እዩ።

 

ቢቢሲ፦ እዚ ሓበሬታ ግን ብሚእታዊት ምግላጽ'ዶ ይከኣል?

ኣቶ ወልደስላሰ ወልደሚካኤል፦ ብትኽኽል ንምግማት ዘጽግመለይ እኳ እንተኾነ ግን ልዕሊ 40 ሚእታዊት ከም ዝነበረ ይዝክር እየ። እታ ልክዕ ዝኾነት ሚእታዊት ክትፈልጣ እንተደሊኻ ግን ካብቲ ትካል ምርግጋጽ ይከኣል እዩ።

 

ቢቢሲ፦ ከምኡ እንድሕር ኮይኑ እቲ ቤት ጽሕፈት ብተጋሩ ጥራይ ከም ዝተመልአን ብካልኦት ብሄራት ብዓይኒ ጥርጣረ ክረአ ዝኸኣለሉ ምኽንያት እንታይ'ዩ?

 

ኣቶ ወልደስላሰ ወልደሚካኤል፦ ብታሪኽ ኣጋጣሚ ኣብቲ ዕጥቃዊ ቃልሲ ናይ መረዳእታን ድሕነትን ልምዲ ዝነበሮም ካብ ህወሓት ይበዝሑ ነይሮም። ካብዚ ዝብገስ ኣብቲ ቤት ጽሕፈት ብሓላፍነት ደረጃ ዝመርሑ ዝነበሩ ክሳብ ኣስታት ክልተ ሽሕ ዓ/ም ተጋሩ ይበዝሑ ነይሮም።
ኣነ ዝበልኩኻ ኣብቲ ጠቕላላ ቁጽሪ ስታፍ እየ ክገልጸልካ ጸኒሐ። ድሓር ኣብ 2003/04 ግን ክመጣጠን ኣለዎ ተባሂሉ ኣብቲ ናይ ሓለፍቲ ኮታ እውን ናይ ምምጥጣን ስራሕ ተኻይዱ እዩ።
እቲ ብዓይኒ ጥርጣረ ይረአ ነይሩ ዝብል ግን ኣይቅበሎን። ምኽንያቱ ህዝቢ ይተሓባበረና ነይሩ እዩ። ኣብቶም መብዛሕቲኦም ሃገር ከዕንዉ ዝኽእሉ ዝነበሩ ፍጻመታት ኣብ ምፍሻል ህዝቢ ኣቐዲሙ ሓበሬታ ብምሃብ ይተሓባበረና ከም ዝነበረ ኣርጊጸ ክንግረካ እኽእል እየ።
ኢትዮጵያ የጋጥምዋ ዝነበሩ ናይ ድሕነት ተጻብኦታትን ከምኡ እውን እዚኣቶም ኣብ ምፍሻል ተራ ህዝብን መንግሳታዊ ኣካላትን እንታይ ከም ዝነበረ ኣብ መጽሓፈይ ሰኒደዮ ኣለኹ። ናይ ድሕነት ትካል ብደርጊ ግዜ ኣዝዩ ዝፍራሕ እዩ ነይሩ። ድሓረ ግን ፍጹም ዝኾነ ምምሕያሻት ኣለዎ እኳ እንተዘይበልኩ ካብቲ ብደርጊ ዝነበረ ግን ኣዝዩ ዝተመሓየሸን ህዝቢ ፈቲዩ ዝተሓባበሮ ትካል እዩ ነይሩ።

Videos From Around The World

 

ቢቢሲ፦ ቤት ጽሕፈት ድሕነት ብዙሕ ናይ ሰብኣዊ መሰላት ግህሰት ከም ዝፈጸመ እቲ ሕዚ ብኣብይ ዝምራሕ ዘሎ መንግስቲ ብዝተፈላለዩ ማዕኸናት ዜና እታ ሃገር ኣቃሊሑ ነይሩ። ከም ሓላፊ ነበር፡ ድሕነት ውሽጢ ዓዲ እንታይ ትብል?

 

ኣቶ ወልደስላሰ ወልደሚካኤል፡ ኣብ ግዜ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ፈጻሚት ስራሕ ኢህወዴግ ኣብ ልምዓት ጽቡቅ ስራሕ ከም ዝወገነ ኣብ ሰናይ ምምሕዳርን ዴምክራስን [እቲ ናይ ሰብኣዊ መሰላት ኣብዚ እዩ ዝካተት] ድማ ዓብይ ጉድለት ከም ዝነበሮን ናይዚ ተሓታቲ ከኣ እቲ ፈጻሚት ስራሕ ናይ ኢህወዴግ ከም ዝኾነ ተገምጊሙ እዩ። ስለዚ ካብዚ ተበጊስካ ዝምልከቶም ናይ መንግስቲ ኣብያተ ጽሕፈት ከከም ልእኹትኦም ኣብ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ነናይ ባዕሎም ተራ ይወስዱ።
ብጭቡጥ ግን ዓዲ ንምድሓን ተባሂሉ ኣብ ዝግበር ምንቅስቓስ ብዓይኒ ሰብኣዊ መሰላት ገለ ጉድለታት ክነብሩ ይኽእሉ'ዮም። ኣነ ብጭቡጥ ዝፈልጦ ግን ህይወት ዜጋታትን ንብረቶሙን ንምሕላው ብዝለዓለ ተወፋይነትን ህልኽን ዝሰርሕ ዝነበረ ትካል ምንባሩ እዩ።

 

ቢቢሲ፦ ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ ግን ማዕኸናት ዜና ፌደራል ዘቃልሕኦ ሰናዳዊ ፊልም፡ ኣብ ብልዕቶም ሃይላንድ ማይ ምንጥልጣል፣ ጽፍሪ ምንቃልን ካልኦት ንኽትሰምዖ ዘስካክሕ መግረፍትን በጺሑና ዝበሉ ግዳያት ቀሪቦም ነይሮም። ስለዚ እትመርሕዎ ዝነበርኩም ሃገራዊ መረዳእታን ድሕነትን ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ተግባራት ኣይፈጸመን ድዩ?

 

ኣቶ ወልደስላሰ ወልደሚካኤል፦ ጽቡቕ ሕቶ እዩ። እቲ እትብሎ ዘለኻ ትካል ስርሑ መረዳእታ ምእካብ እዩ። መረዳእታ ኣኪቡ ንዝምልከቶ መንግስታዊ ኣካል የቕርብ። ነቲ ቀዳማይ ሚኒስትር የቕርብ ማለት እዩ። ድሓር እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ብመሰረት እቲ ዝረኸቦ መረዳእታ ገይሩ ምስ ዝምልከቶ ኣካል ኮይኑ ስጉምቲ ክውሰድ ኣብ ዝግብኦ ነገር ይውስን።
ኣነ ኣብቲ ትካል ብሓላፍነት ክሳብ ዝነበርኩሉ 2003 ዓ/ም መረዳእታ ብምርመራ ናይ ምርካብ ሓላፍነት ዝተውሃቦ ፌደራል ፖሊስን ናይ ክልላት ፖሊስን እዩ ነይሩ። ስለዚ ናይ ሃገራዊ ምረዳእታን ድሕነትን ስራሕን ሓላፍነትን ናይ ህዝቢ ዓቕሚ ተጠቒምካ ሓበሬታ ኣኪብካ ንዝምልከቶ ኣካል ምሃብ እዩ ነይሩ። ስርሑን ሓላፍነቱን ብሕጊ ውሱን እዩ። ጉዳይ ምርመራ ናትና ስራሕ ስለዘይነበረ ምስ እዚ ጉዳይ ተዛሚዱ ዝለዓል ሕቶ ንዓይ ግልጺ ኣይኮነን።

 

ቢቢሲ፦ ስለዚ እቶም ተፈጺሞም ዝበሃሉ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት በየንኡ ናይ መንግስቲ ቤት ዕዮም ተፈጺሞም?

 

ኣቶ ወልደስላሰ ወልደሚካኤል፦ ንሱ ሓበሬታ የብለይን።

ቢቢሲ፦ ብግዕዝይና ተኸሲስካ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣቲኻ ከም ዝነበርካ ዝፍለጥ እዩ። ዝቐረቡልካ ክስታት ትቕበሎም ዶ?

 

ኣቶ ወልደስላሰ ወልደሚካኤል፦ ብዛዕባ እቲ ናይ ግዕዝይና ጉዳይ ቤት ፍርዲ ኣብ መወዳእታ ዝሃቦ ብይን እንታይ ከም ዝኾነ ካባይ ካብ እተረጋግጾ ካብ ቤት ፍርዲ እንተትስምዖ እዩ ዝምረጽ።

ቢቢሲ፦ ብወገንካ ኸ ተቐቢልካዮም'ዶ?

 

ኣቶ ወልደስላሰ ወልደሚካኤል፦ መሰረት ስለ ዘይነበሮም ኣይተቐበልኩዎምን። ቤት ፍርዲ'ውን ኩሎም ውድቂ ገይርዎም እዩ። ክልተ ነገራት ግን ኣይተኸላኸልኩን፤ ብናይ ባዕለይ ምኽንያትን ብዝነበረኒ ናይ ስራሕ ሓላፍነትን ኣይከላኸልን ኢለ ማለት እዩ።


ሓደ ንምንታይ ኣብ ገዛኻ ከላሽንን ሽጉጥን ሒዝካ ተረኺብካ ንዝብል ክሲ ክከላኸል ሞራለይ ስለ ዘይፍቀደለይ ርዱእ ስለ ዝኾነ ኣይተኸላኸልኩን። ካልኣይ፡ ብዛዕባ [ብዘይ ኣግባብ] ናይ ትራንስፖርት ኣገልግሎት ረኺባ ዝተብሃለት ጓልኣነስተይቲ፡ ኣመልኪቱ ዝቐረበለይ ክሲ እውን ብስራሕ ምኽንያት ከም ዝኾነ ርዱእ ስለ ዝነበረ ኣይከላኸልን ኢለ። ብኽልቲኡ እየ ተቐጺዐ።ካልእ ግን መጽሓፉ ኣሐቲሙ ክሸይጥ እንከሎ ስልጣኑ ተጠቒሙን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምንጩ ብዘይፍለጥ ገዛ ሰሪሑን ንዝብሉ ግን ኣገደስቲ መረዳእታት ኣቕሪበ ቤት ፍርዲ ናጻ ኢሉኒ እዩ።

 

ቢቢሲ፦ ግን እኮ ናብ ቤት ማእሰርቲ ክትኣቱ እንከለኻ ካብቲ ሃገራዊ መረዳእታን ድሕነት ወጻኢ ኢኻ ነይርካ እሞ ብኸመይ ኢኻ ክከላኸል ዘይከኣልኩሉ ምኽንያት ምስ ስርሐይ ተዛሚዱ ስለ ዝኾነ ፍሉጥ እዩ ነይሩ ክትብል ዝኸኣልካ?

 

ኣቶ ወልደስላሴ ወልደሚካኤል፦ እታ ናይ ብረትን ሽጉጥን ጉዳይ ዲኻ?

ቢቢሲ፦ እወ

 

ኣቶ ወልደስላሴ ወልደሚካኤል፦ ንምንታይ ብረትን ሽጉጥን ከምኡ እውን መኪና ከም ዘዋፈርኩ ኣብ ቤት ፍርዲ ቐሪበ ከብራህርህ ናይ ስራሕ ዲስፒሊን ኣይፈቅደለይን ነይሩ።
ቢቢሲ፦ ግን እኮ ክትእሰር እንከለኻ ስቪል ኢኻ ነይርካ ዋና ዳይሬክተር ቦርድ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኢኻ ነይርካ?

 

ኣቶ ወልደስላሰ ወልደሚካኤል፦ ንሱ [ናይ ማሕበር ልምዓት ትግራይ] ብተደራብነት እየ ዝሰርሖ ነይረ። ቅድሚ ምእሳረይ ክልተ ወርሒ ካብ ስራሕኻ ተላዒልካ ተባሂለ ካልእ ምድብ ክወሃበኒ እናተጸበኹ እንከለኹ እዩ እቲ ኩነታት ኣጋጢሙ።

ቢቢሲ፦ ሓላፊ ሃገራዊ መረዳእታን ድሕነትን ኢትዮጵያ ነበር ኣቶ ጌታቸው ኣሰፋ ከም መጠን ናይ ቀረባ ሓለቓኻ ዝነበረ ሰብ ብባህሪ ይኹን ብስራሕ ከመይ ኢኻ እትገልጾ? ዝነበረኩም ናይ ስራሕ ርክብ ከ እንታይ ይመስል ነይሩ?

 

ኣቶ ወልደስላሰ ወልደሚካኤል፦ ኣብዚ እዋን እዚ ኣገዳሲ እዩ ዝብል እምነት የብለይን። ዝነበሮ ሓላፍነት ይፍለጥ እዩ። ናይቲ ስራሕ ባህሪ ይፍለጥ እዩ። ከምዚ ዝበለ ናይ ስራሕ ሓላፍነት ዝነበሮ ሰብ ብሚድያ ክግምገም ግቡእ እዩ ኢለ ኣይኣምንን። ካልኣይ ኣብቲ ናተይ ርእይቶ ካሊእ ርእይቶ ክወሃበሉ ኣብ ዘይኽእለሉ ሃዋህው እሞ ድማ ኣብዚ እዋን እዚ ግቡእ እዩ ኢለ ኣይኣምንን።

 

ቢቢሲ፦ ሕዚ ኣበይን እንታይን ኢኻ እትሰርሕ ዘለኻ?

 

ኣቶ ወልደስላሰ ወልደሚካኤል፦ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባን ዩኒቨርስቲ ስቪል ሰርቪስን ጎና ጎኒ ስርሐይ እምህር ነይረ እየ። ናይ ምምሃር ድልየት ነይሩኒ እዩ።ሕዚ ድማ ዩኒቨርስቲ ኣኽሱም መምሃራን ንምቑጽጻር ብዘውጽኦ ናይ ስራሕ ምልክታ ተወዳዲረ በቶም መምዘንታት በቒዐ ስለ ዝተረኸብኩ ሓሊፈ ኣብ ክፍሊ ትምህርቲ ፖለቲካል ሳይንስ እምህር ኣለኹ።ናይ ትምህርቲ ድሕረ ባይታይ እውን ብሰላምን ጸጥታን ከምኡ እውን ዓለም ለኻዊ ርክባትን ክልተ ማስተርስ ዲግሪ ኣለኒ። ዝምህሮም ኮርስታት እውን ምስ እዚኦም ዝተዛመዱ እዮም።

 

ቢቢሲ፦ ካብ ቤት ማእሰርቲ ተፈቲሕኻ ናብ ትግራይ ምስ ከድካ ሰባት ናይ ማእከላይ መንግስቲ 'ሰላሊ' ኮይኑ እዩ ተላኢኹ ዝብል ዘይጠለለ ወረታት ነይሩ እሞ ሓቂ ድዩ?

 

ኣቶ ወልደስላሰ ወልደሚካኤል፦ እዚ እኳ ድኻም እዩ፡ ወረ እዩ ክኸውን ዝኽእል። ኮነ ተባሂሉ ክኸውን ይኽእል'ዩ፣ ድንቁርና ዘበገሶ እውን ክኸውን ይኽእል እዩ። ስለዚ ወረ እዩ ኢልና ወሲድና ኣብዚ ግዜና እንተዘይንጥፍእ እዩ ዝምረጽ።

 

ቢቢሲ፦ ከም መጠን ነባር መሪሕነት ሃገራዊ መረዳእታን ድሕነትን እቲ ሕዚ ዘሎ መሪሕነት ናይቲ ትካል ብኸመይ ኢኻ እትግምግሞ?

 

ኣቶ ወልደስላሰ ወልደሚካኤል፦ ሓቂ ንምዝራብ ሓበሬታ የብለይን። እንታይ ፈተናታት'ዩ ዝገጥሞም ዘሎ? ነቲ ፈተናታት ከመይ ኣቐዲሞም ይፈልጥዎ ኣለዉ? ብዝነኣሰ ዋጋ ብኸመይ ይኣልይዎ ኣለዉ? ዝብሉ መረዳእታት ስለዘይብለይ ኣብዚ ርእሰ ጉዳይ ርእይቶ ንምሃብ ቅሩብ የጸገምለይ እዩ።

 

ቢቢሲ፦ መጻኢ ፖለቲካዊ ኩነታት ዘይተገማታይን ዝተሓዋወሰን ከም ዝኾነ ተንተንቲ ፖለቲካ ክዛረቡ ይስምዑ'ዮም እሞ ንስኻ ከም መጠን ናይ ሕዚ መምህር ፖለቲካል ሳይንስ ናትካ ርእይቶ ኣብዚ እንታይ'ዩ?

 

ኣቶ ወልደስላሰ ወልደሚካኤል፦ ከም ናተይ እምነት ናይ ኢትዮጵያ ፖለቲካ predictable [ተገማታይ] እዩ። ተጋግየ ክኸውን ይኽእል እየ ግን ብዝነበረኒ ናይ ስራሕ ኣጋጣምታት እዚ ዓዲ እፈልጦ እየ ኢለ እየ ዝኣምን። ድሕሪ 1983 ዓ/ም ናይ ኢትዮጵያ ፖለቲካ መልክዑ ተቐይሩ እዩ። ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ባዕሎም ንባዕሎም ከማሓድሩ ጀሚሮም።


ናይ ገዛእ ርእሶም ሃብቲ ከማሓድሩ፣ ፖለቲካውን ማሕበረ ቁጠባውን ክልሎም ባዕሎም ክኣልዩ ጀሚሮም። በዚ ድማ ኣብ ታሪኾም ርእዮምዎ ዘይፈልጡ ረብሓታት ረኺቦም። ዝተወሰኑ ሊሂቃን ካብ ናይ ባዕሎም ብሄራዊ ዛዕባ ሓሊፎም ብዛዕባ ካልኦት ዘውግዑ እንተዘይኮይኑ እቲ ዝበዝሕ ግን ናብ ውሽጣዊ ብሄራዊ ዛዕባታቱ ክጥምት ክኢሉ እዩ።


ኣብዚ ሕዚ እዋን ሓደ ብሄር ኣብ ላዕሊ ካሊእ ብሄር ክተለዓዕሎ ኣይትኽእልን። ስለዚ ኣብዚ መሰረታዊ ለውጢ ኣሎ እዩ ኢለ እየ ዝኣምን። ንኣብነት ሕቶ ህዝቢ ኦሮሞ "ብታሪኽ ተበዲልና ኢና፣ ብብሄርተኛታት ደቅና ክንመሓደር ኢና እንደሊ፣ ካብ ናይ ተፈጥሮ ሃብትና ተጠቐምቲ ኣይኮናን፣ ቋንቋና ክንድቲ ዝድለ ኣይማዕበለን" ዝብሉ ፍትሓዊ ሕቶታት እዩ ዘልዕል ዘሎ እምበር ዛዕባ ትግራይን ኣምሓራን ዋኒኖም ኣይኮነን።


ናይ ህዝቢ ኣምሓራ እንተሪኢና እውን እቲ ህዝቢ ሕትኡ ሕቶ ልምዓት፣ ፍትሕን ዴሞክራስን እዩ። ብስራሕ ጉዳይ ተንቀሳቒሰ ስለ ዝፈልጦ እየ ዝነግረካ ዘለኹ። ናይ ህዝቢ ትግራይ ሕቶ እውን ተመሳሳሊ እዩ። ስለዚ ድሕሪ ደጊም ኣብ ኢትዮጵያ እቲ ዘሎ ሕገ ምንግስታውን ፌደራላዊ ስርዓትን ክዓሙቕ እንተዘይኮይኑ ነዚ ክትቅይሮ ኣይትኽእልን። ስለዚ መጻኢ ፖለቲካዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ተገማታይ እዩ በሃላይ እየ።

 

ቢቢሲ፦ ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብ ክልላት ኦሮምያን ትግራይ ሚዛን እናደፍአ ዝመጽእ ዘሎ ክቱር ብሄራዊ ስምዒት በቲ ካልእ ገጽ ድማ ኣሃዳዊት ኢትዮጵያ ናይ ምፍጣር ባህጊ ዘለዎም ሓይልታት ዝፈሓፍሕሉ ኩነታት እውን ኣሎ እሞ ኢትዮጵያ ናይ ዩጎዝላቭያ ጽሕፍቶ ከይገጥማ ስግኣታት ዘለዎም ሰባት ኣለዉ። ምስ ናትካ ሓሳብ ኣይጋጨውን ዶ?

 

ኣቶ ወልደስላሰ ወልደሚካኤል፦ እቲ ሕዚ ዘሎ ፖለቲካዊ ምዕባለ ናብቲ ናይ ድሕረ 1983 ዓ/ም ዝነበረ ፖለቲካዊ ባይታ ክመልስዎ ኣይኽእሉን። ካብ ሕዚ ንደሓር ዝኾነ ብሄር ዋላ እውን እቲ ዝሽቀጠሉ ብሄረ ኣምሓራ ናብ ኣሃዳዊ ስርዓት ክመልስዎ ኣይኽእሉን። ምስ ናይ ኣምሓራ ፖለቲካ ተዛሚዱ ዝለዓል ሓደ ቅቡል ተገይሩ ክውሰድ ዝግብኦ ሕቶ ኣሎ።


ብሚልዮን ዝቑጸሩ ተወለድቲ ኣምሓራ ካብ ክልል ኣምሓራ ወጻኢ ይነብሩ። እዚ ህዝቢ እዚ መሰሉ ተሓልዩ ዝነበርሉ ሃዋህው ክፍጠረሉ ኣለዎ። እዚ እቲ ዝዓበየ ሕቶ ህዝቢ ኣምሓራ እዩ። ብዝኸድናዮ ንውቃዕ ኣለና። ስግኣት ኣለና እዩ ዝብል ዘሎ። ኣብዚ ኣብ ኣተገባብራ ጸገም ኣይነበሮን ማለት ኣይኮነን። ህዝቢ ኦሮሞ እውን ሕቶታቱ ንጹራት እየን ሕቶታቱ እሞ ይመለሰሉ ብድሕሪኡ ጸቢብነት ኣሎ ዶ የለን ክንርእዮ።


ህዝቢ ትግራይ'ውን እንተኾነ ኣብ ማዕርነት ዝተመስረተ ሓድነት ዝኣምንን ነዚ ስርዓት ንምምጻእ እውን ረዚን ዋጋ ዝኸፈለ ህዝቢ እምበር ጸቢብ ኣይኮነን። ኣብ ልዕሊ መንነቱ ንዝመጽኦ ሓይሊ ግን ዘይጻወር እንተይኮነስ ግቡእ ምላሽ ዝህብ ህዝቢ እዩ። ስለዚ ጸቢብነት ንህዝቢ ትግራይ ኣይገልጾን በሃላይ እየ።

 

ቢቢሲ፦ ህወሓት ቅድሚ ሕዚ ጸቢብነት ዝብል ከም ሓደ መገምገሚ ነጥቢ ትጥቀመሉ ነይራ እያ። ብሄርተኛታት ተጋሩ፡ "ኢትዮጵያ ኣጋፊዓትና እያ፡ ትብደለና ኣላ፡ ስለዚ ሃገር ክንምስርት እዩ ዘለና" ብዝብል ካብቶም ናታትኩም ነባራት ተጋደልቲ ህወሓት ዝተፈለየ ኣተሓሳስባ'ዮም ዘሰጉሙ ዘለዉ። እሞ እዚ ምባሎም ጸበብቲ'ዶ የብሎም?

 

ኣቶ ወልደስላሰ ወልደሚካኤል፦ እዚ ሕቶ እማ ሕገ መንግስታዊ መሰል እዩ እምበር ጸቢብነት ኣይኮነን። 'ነዛ ሃገር ንምቛም ብዙሕ ዋጋ ከፊልና እናሃለና ፍረጻማና ኣይረኸብናን ስለዚ ነብስና ክንክእል ኣለና' ዝብሉ ሰባት ከምዘለዉ እኮ ይፈልጥ'የ። እዚ ድማ ጸቢብነት ኣየብልን። ግን እዚ ንዓይ ኣብ 'ዲስኮርስ' ዘሎ ነገር እዩ ኢለ እየ ዝወስድ።


ኢትዮጵያ ብትን ከይትብል ሒዝዋ ዘሎ እቲ ህዝቢ እዩ። ርግጽ እዩ ብሰንኪ እቲ ሕዚ ኣብ ኢትዮጵኣ ኣጋጢሙ ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላው ኣብ ልምዓት ዕንቅፋት ፈጢሩ ኣሎ። ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ብውሽጣውን ግዳማውን ሓይልታት ኣብ ፈተና ይኣቱ ኣሎ። ስዒሩ ከምዝወጽእ ግን ጥርጥር የብለይን። ኣብዚ ግን እንታይ የድሊ እቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ጸገም ብዝነኣሰ ዋጋ ክሕለፍ ኢትዮጵያውያን ጥንቃቐ ክገብሩ ኣለዎም።

 

ቢቢሲ፦ ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ርእሰ ምምሕዳር ትግራይ ዶ/ር ደብረጽዮን ኣብ ክብረ በዓል ለካቲት 11 ንህዝቢ ኣብ ዘስምዖ መደረ "ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ እቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ፖለቲካዊ ጸገማት ንኽፍታሕ ጻዕሪ ግበሩ እንተዘይኮይኑ ግን 'ትግራይ ሃገር እያ' ኢልኩም ኣውጁ" ምስበለ ካብ ህዝቢ ናይ ይደገም ድምጺ ተጋዊሑ ክደግሞ ተገዲዱ ነይሩ። እዚ ንዓኻ ዝህበካ ፖለቲካዊ ትርጉም እንታይ'ዩ?

 

ኣቶ ወልደስላሰ ወልደሚካኤል፦ ህዝቢ ትግራይ ካብ ቀደሙ ብህወሓት እናተመርሐ ኣብ ማዕርነት ዝተመሰረት ስርዓት መስሪትና ክንነብር ኢና እንደሊ ነዚ ድማ ክንቃለስ ኢና፡ እንተዘይኮይኑ ግና ብሰላም ተፈላሊና በበይንትና ተኸባቢርና ንነብር ዝብል ቅዋም እዩ ነይርዎ። ስለዚ ህዝቢ ትግራይ ዝብል ዘሎ ተኸባቢርና ንንበር እዩ። ናይ ማእኸላይ መንግስቲ ትካላት ብማዕረ ዓይኒ ይረኣያናን ናይ ደገ ሓይልታት ኢድ ኣታውነት ደው ይበል እዩ ዝብል ዘሎ። ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘነጻጸሩ ሓሰባት ካብ ናይ ደገ ሓይልታት ይወሃቡ ስለዘለዉ ትግራይ ኣካል ኢትዮጵያ ስለዝኾነት ዝምልከቶም ናይ ፌደራል መንግስቲ ትካላት ግቡእ ግብረ መልሲ ክህቡ ኣለዎም ዝብል ሓሳብ እዩ።

 

ቢቢሲ፦ እቶም ሓይልታት እኒ መን'ዮም?

 

ኣቶ ወልደስላሰ ወልደሚካኤል፦ ንኣብነት ኣብ ቀረባ ግዜ ናይ ኤርትራ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብቲ ናይታ ሃገር መራኸብቲ ሓፋሻት ኣብ ዘካየደ ቃለ መሕትት እቲ ዝበዝሕ ዝተዛረቦ ብዛዕባ ትግራይ እዩ። ኣሽንኳይ'ዶ ብዛዕባ ሓንቲ ክልልስ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ክዛረብ ልእኹቶ የብሉን። እዚ ኣብ ልዕሊ ካሊእ ሃገር ኢድካ ምእታው እዩ። ነዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ ማእኸላይ መንግስቲ ሽዑ ንሽኡ ግቡእ ምላሽ ክህበሉ ምተገብአ ነይሩ። ሽዑ ንሽዑ ምላሽ ዘይምሃቡ ንህዝብን መንግስትን ትግራይ ክህቦ ዝግባእ ኣገልግሎት ኣይሃበን ማለት እዩ። ስለዚ እቲ ሕቶ ምላሽ ሃቡሉ ዘይትህቡ እንተኾይኑኩም ሓዲኡ ኣፍልጡና እዩ እዚ ድማ ልክዕ እዩ። እዚ ማለት ግን ክንንጸል ኢና ማለት ኣይኮነን። ግን ድማ ናይ ፌደራል መንግስቲ ዝኾነ ነገር እንተዘይገይሩ ድማ ናትና ህልውና ይጠፍእ እዩ ማለት ኣይኮነን። ህዝቢ ትግራይ ከጋጥምዎ ንዝኽእሉ ግዳማውያን ሓይልታት ናይ ምምካት ሓላፍነት ኣለዎ፡ እኹል ዓቕሚ ኣለዎ'ውን ኢለ እየ ዝኣምን። ስለዚ እቲ መንእሰይ ንናይ ዶክተር ደብረጽዮን ዘጣቐዐሉ ልክዕ ሓሳብ ስለዝኾነ እዩ።

 

ቢቢሲ፦ ኣብ ቀረባ እዋን ህወሓት ኣፍልጦ ሂባትካ ነይራ እሞ ሎሚ'ውን ኣባል ህወሓት ኢኻ መላት ድዩ?

 

ኣቶ ወልደስላሰ ወልደሚካኤል፦ እቲ ኣፍልጦ ንዓይ ጥራይ እንተይኮነስ ንብዙሓት ገዳይም ተጋደልቲ'ውን ዝተውሃበ እዩ። ኣነ ብህይወት ክሳብ ዘለኹ ህወሓት እየ። ህወሓት [ዳይናሚክ] ገስጋሳይ ክኸውን እየ ዝደልዮ። ድማ ገስጋሳይ ውድብ እዩ ኢለ እየ ዝኣምን። [ዳይናሚክ] ክኸውን ዝገበሮ ግን ናይ ህዝቢ ትግራይ ፖለቲካዊ ንቕሓት እዩ። ገለ ሰባት ህዝቢ ትግራይን ህወሓትን ሓደ ኣይኮኑን ክብሉ እሰምዕ እየ። ንዓይ ግን ሓደ እዮም።

 

ቢቢሲ፦ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ትግራይ ብዙሓት ውድባት ፖለቲካ ኣለዋ። ስለዚ ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ሓደ እዮም ምባል ብፖለቲካዊ ስነ ሞገት ከመይ ኣቢሉ ርትዓውነት ይህልዎ?

 

ኣቶ ወልደስላሰ ወልደሚካኤል፦ ብዓይኒ ፖለቲካዊ መነጸር እንተሪኢናዮ ሓቂ እዩ። ህወሓት ሕጋዊ ሰብነት ዘለዎ ፖለቲካው ውድብ እዩ። እንተኾነ ግን እተን ናይ ህወሓት ፖለቲካዊ፣ ማሕበረ ቁጠባውን መደባት ህዝቢ ትግራይ ናሃቱ ገይርወን እዩ። እዚ ብመጽናዕቲ እውን ክተረጋግጾ ትኽእል ኢኻ። ፖለቲካዊ እምነት ህዝቢ ትግራይ እንተሓቲትካዮ እተን ናይ ህወሓት መደባት እኳድኣስ ኣዕሙቑ እዩ ዝገልጸልካ። ነዚ ዝቃወምዎ ሰባት የለውን ማለት ግን ኣይኮነን።

 

ቢቢሲ፦ ህዝቢ ትግራይን ህወሓትን ሓደ እዮም ምባል ነቶም ካብ ህወሓት ዝሓሸ ፖለቲካዊ ስትራቴጂታት ሓንጺጽና መጺኢና ኣለና ኢሎም ኣብ ትግራይ ንዝንቀሳቐሱ ውድባት ፖለቲካ ምዕፋን ዶ ኣይኮነን እዩ? ብስሩ'ኸ ከምኡ ዝበላ ሓሳብ ንህዝቢ ትግራይ ዝጠቅም ድዩ ኮይኑ?

 

ኣቶ ወልደስላሰ ወልደሚካኤል፦ ኣብ ትግራይ ኩሉ ዓይነት ሓሳብን ማሕበራትን ብናጻ ክንቀሳቐሱ ኣለዎም። ዝተፈለየ ፖለቲካዊ መርገጺ ዘለዎም ሰባት ብናጽነት ክውደቡ ኣለዎም። ዋላ ሓንቲ ገደብ ተጽዕኖን ክግበረሎም የብሉን። እዚኣቶም መሰረታዊ ናይ ዴሞክራሲ ባእታት ስለዝኾኑ ክስመረሉ ኣለዎ። ኣነ ዝብል ዘለኹ እቶም ህወሓት ዝምራሓሎም ዘሎ መደባት ብእቲ ዝበዝሕ ህዝቢ ትግራይ ተቐባልነት ኣለዎም ጥራይ እንተይኮነስ ዝሰረጹ'ዮም ኢለ እየ ዝኣምን። ነዚ እዩ ድማ ህወሓት ዓንቀፍቀፍ ክገጥማ እንተሎ ዋላ ካብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ጀሚርካ እቲ ህዝቢ ብድድ ኢሉ እዩ ዘድሕና። እዚ ማለት ግን ካልኦት ውድባትን ኣተሓሳስባን ክመጽእ የብሉን ዝብል ርእይቶ የብለይን። እኳድኣስ ካሊእ ኣማራጺ ትመጽእ እንተሎ እዩ ህወሓት ገስጋሲት ክትከውን እትኽእል ኢለ እየ ዝኣምን።

 

ቢቢሲ፦ ኣቶ ወልደስላሰ መምህር ኮይኑ ድዩ ክቕጽል ወይስ ናብ ፖለቲካ ክኣቱ እዩ?

 

ኣቶ ወልደስላሰ ወልደሚካኤል፦ ኣይፈለጥን። ግን ምምሃር ብጣዕሚ እየ ዝፎቱ። ኣብ ባይታ ዘሎ ወድዓዊ ሓቂ ክትርዳእ እንተኾይንካ ካብ ኣብ መንግስታዊ ሓላፍነት ኮይንካ ኣብ ናይ ኣካዳሚክ ቦታ ኮይንካ መጽናዕቲ እናካየድካ ነቲ ሓድሽ ወለዶ ተሞክሮ እናካፈልካ ባዕሉ ዓዱ ከማሓድር ኣብ ምግባር ዝነጥፍ እዩ ዝመስለኒ።


ፍልፍል፤- ቢቢሲ ትግርኛ

 

 

Top of Form

Bottom of Form

 

Back to Front Page