“ኣነ ብህይወት
ክሳብ ዘለኹ ህወሓት
እየ። ህወሓት
[ዳይናሚክ] ገስጋሳይ
ክኸውን እየ ዝደልዮ።
ድማ ገስጋሳይ ውድብ
እዩ ኢለ እየ
ዝኣምን። ” ተጋዳላይ
ወልደስላሰ
ወልደሚካኤል!
ቢቢሲ፦ እዚ ሓበሬታ ግን ብሚእታዊት ምግላጽ'ዶ ይከኣል? ኣቶ ወልደስላሰ ወልደሚካኤል፦ ብትኽኽል ንምግማት ዘጽግመለይ እኳ እንተኾነ ግን ልዕሊ 40 ሚእታዊት ከም ዝነበረ ይዝክር እየ። እታ ልክዕ ዝኾነት ሚእታዊት ክትፈልጣ እንተደሊኻ ግን ካብቲ ትካል ምርግጋጽ ይከኣል እዩ።
ቢቢሲ፦ ከምኡ እንድሕር ኮይኑ እቲ ቤት ጽሕፈት ብተጋሩ ጥራይ ከም ዝተመልአን ብካልኦት ብሄራት ብዓይኒ ጥርጣረ ክረአ ዝኸኣለሉ ምኽንያት እንታይ'ዩ?
ኣቶ
ወልደስላሰ
ወልደሚካኤል፦
ብታሪኽ ኣጋጣሚ ኣብቲ
ዕጥቃዊ ቃልሲ ናይ
መረዳእታን ድሕነትን
ልምዲ ዝነበሮም ካብ
ህወሓት ይበዝሑ
ነይሮም። ካብዚ
ዝብገስ ኣብቲ ቤት
ጽሕፈት ብሓላፍነት
ደረጃ ዝመርሑ ዝነበሩ
ክሳብ ኣስታት ክልተ
ሽሕ ዓ/ም ተጋሩ
ይበዝሑ ነይሮም።
ቢቢሲ፦ ቤት ጽሕፈት ድሕነት ብዙሕ ናይ ሰብኣዊ መሰላት ግህሰት ከም ዝፈጸመ እቲ ሕዚ ብኣብይ ዝምራሕ ዘሎ መንግስቲ ብዝተፈላለዩ ማዕኸናት ዜና እታ ሃገር ኣቃሊሑ ነይሩ። ከም ሓላፊ ነበር፡ ድሕነት ውሽጢ ዓዲ እንታይ ትብል?
ኣቶ
ወልደስላሰ
ወልደሚካኤል፡ ኣብ
ግዜ ቀዳማይ ሚኒስተር
ሃይለማርያም ደሳለኝ
ፈጻሚት ስራሕ
ኢህወዴግ ኣብ ልምዓት
ጽቡቅ ስራሕ ከም
ዝወገነ ኣብ ሰናይ
ምምሕዳርን
ዴምክራስን [እቲ ናይ
ሰብኣዊ መሰላት ኣብዚ
እዩ ዝካተት] ድማ
ዓብይ ጉድለት ከም
ዝነበሮን ናይዚ
ተሓታቲ ከኣ እቲ
ፈጻሚት ስራሕ ናይ
ኢህወዴግ ከም ዝኾነ
ተገምጊሙ እዩ። ስለዚ
ካብዚ ተበጊስካ
ዝምልከቶም ናይ
መንግስቲ ኣብያተ ጽሕፈት
ከከም ልእኹትኦም ኣብ
ግህሰት ሰብኣዊ
መሰላት ነናይ ባዕሎም
ተራ ይወስዱ።
ቢቢሲ፦ ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ ግን ማዕኸናት ዜና ፌደራል ዘቃልሕኦ ሰናዳዊ ፊልም፡ ኣብ ብልዕቶም ሃይላንድ ማይ ምንጥልጣል፣ ጽፍሪ ምንቃልን ካልኦት ንኽትሰምዖ ዘስካክሕ መግረፍትን በጺሑና ዝበሉ ግዳያት ቀሪቦም ነይሮም። ስለዚ እትመርሕዎ ዝነበርኩም ሃገራዊ መረዳእታን ድሕነትን ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ተግባራት ኣይፈጸመን ድዩ?
ኣቶ
ወልደስላሰ
ወልደሚካኤል፦ ጽቡቕ
ሕቶ እዩ። እቲ
እትብሎ ዘለኻ ትካል
ስርሑ መረዳእታ
ምእካብ እዩ።
መረዳእታ ኣኪቡ
ንዝምልከቶ መንግስታዊ
ኣካል የቕርብ። ነቲ
ቀዳማይ ሚኒስትር
የቕርብ ማለት እዩ።
ድሓር እቲ ቀዳማይ
ሚኒስተር ብመሰረት
እቲ ዝረኸቦ መረዳእታ
ገይሩ ምስ ዝምልከቶ
ኣካል ኮይኑ ስጉምቲ
ክውሰድ ኣብ ዝግብኦ
ነገር ይውስን።
ቢቢሲ፦ ስለዚ እቶም ተፈጺሞም ዝበሃሉ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት በየንኡ ናይ መንግስቲ ቤት ዕዮም ተፈጺሞም?
ኣቶ ወልደስላሰ ወልደሚካኤል፦ ንሱ ሓበሬታ የብለይን። ቢቢሲ፦ ብግዕዝይና ተኸሲስካ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣቲኻ ከም ዝነበርካ ዝፍለጥ እዩ። ዝቐረቡልካ ክስታት ትቕበሎም ዶ?
ኣቶ
ወልደስላሰ
ወልደሚካኤል፦
ብዛዕባ እቲ ናይ
ግዕዝይና ጉዳይ ቤት
ፍርዲ ኣብ መወዳእታ
ዝሃቦ ብይን እንታይ
ከም ዝኾነ ካባይ ካብ
እተረጋግጾ ካብ ቤት
ፍርዲ እንተትስምዖ
እዩ ዝምረጽ። ቢቢሲ፦ ብወገንካ ኸ ተቐቢልካዮም'ዶ?
ኣቶ ወልደስላሰ ወልደሚካኤል፦ መሰረት ስለ ዘይነበሮም ኣይተቐበልኩዎምን። ቤት ፍርዲ'ውን ኩሎም ውድቂ ገይርዎም እዩ። ክልተ ነገራት ግን ኣይተኸላኸልኩን፤ ብናይ ባዕለይ ምኽንያትን ብዝነበረኒ ናይ ስራሕ ሓላፍነትን ኣይከላኸልን ኢለ ማለት እዩ።
ቢቢሲ፦ ግን እኮ ናብ ቤት ማእሰርቲ ክትኣቱ እንከለኻ ካብቲ ሃገራዊ መረዳእታን ድሕነት ወጻኢ ኢኻ ነይርካ እሞ ብኸመይ ኢኻ ክከላኸል ዘይከኣልኩሉ ምኽንያት ምስ ስርሐይ ተዛሚዱ ስለ ዝኾነ ፍሉጥ እዩ ነይሩ ክትብል ዝኸኣልካ?
ኣቶ
ወልደስላሴ
ወልደሚካኤል፦ እታ
ናይ ብረትን ሽጉጥን
ጉዳይ ዲኻ? ቢቢሲ፦ እወ
ኣቶ ወልደስላሴ
ወልደሚካኤል፦
ንምንታይ ብረትን
ሽጉጥን ከምኡ እውን
መኪና ከም ዘዋፈርኩ
ኣብ ቤት ፍርዲ ቐሪበ
ከብራህርህ ናይ ስራሕ
ዲስፒሊን ኣይፈቅደለይን
ነይሩ።
ኣቶ ወልደስላሰ ወልደሚካኤል፦ ንሱ [ናይ ማሕበር ልምዓት ትግራይ] ብተደራብነት እየ ዝሰርሖ ነይረ። ቅድሚ ምእሳረይ ክልተ ወርሒ ካብ ስራሕኻ ተላዒልካ ተባሂለ ካልእ ምድብ ክወሃበኒ እናተጸበኹ እንከለኹ እዩ እቲ ኩነታት ኣጋጢሙ። ቢቢሲ፦ ሓላፊ ሃገራዊ መረዳእታን ድሕነትን ኢትዮጵያ ነበር ኣቶ ጌታቸው ኣሰፋ ከም መጠን ናይ ቀረባ ሓለቓኻ ዝነበረ ሰብ ብባህሪ ይኹን ብስራሕ ከመይ ኢኻ እትገልጾ? ዝነበረኩም ናይ ስራሕ ርክብ ከ እንታይ ይመስል ነይሩ?
ኣቶ ወልደስላሰ ወልደሚካኤል፦ ኣብዚ እዋን እዚ ኣገዳሲ እዩ ዝብል እምነት የብለይን። ዝነበሮ ሓላፍነት ይፍለጥ እዩ። ናይቲ ስራሕ ባህሪ ይፍለጥ እዩ። ከምዚ ዝበለ ናይ ስራሕ ሓላፍነት ዝነበሮ ሰብ ብሚድያ ክግምገም ግቡእ እዩ ኢለ ኣይኣምንን። ካልኣይ ኣብቲ ናተይ ርእይቶ ካሊእ ርእይቶ ክወሃበሉ ኣብ ዘይኽእለሉ ሃዋህው እሞ ድማ ኣብዚ እዋን እዚ ግቡእ እዩ ኢለ ኣይኣምንን።
ቢቢሲ፦ ሕዚ ኣበይን እንታይን ኢኻ እትሰርሕ ዘለኻ?
ኣቶ ወልደስላሰ ወልደሚካኤል፦ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባን ዩኒቨርስቲ ስቪል ሰርቪስን ጎና ጎኒ ስርሐይ እምህር ነይረ እየ። ናይ ምምሃር ድልየት ነይሩኒ እዩ።ሕዚ ድማ ዩኒቨርስቲ ኣኽሱም መምሃራን ንምቑጽጻር ብዘውጽኦ ናይ ስራሕ ምልክታ ተወዳዲረ በቶም መምዘንታት በቒዐ ስለ ዝተረኸብኩ ሓሊፈ ኣብ ክፍሊ ትምህርቲ ፖለቲካል ሳይንስ እምህር ኣለኹ።ናይ ትምህርቲ ድሕረ ባይታይ እውን ብሰላምን ጸጥታን ከምኡ እውን ዓለም ለኻዊ ርክባትን ክልተ ማስተርስ ዲግሪ ኣለኒ። ዝምህሮም ኮርስታት እውን ምስ እዚኦም ዝተዛመዱ እዮም።
ቢቢሲ፦ ካብ ቤት ማእሰርቲ ተፈቲሕኻ ናብ ትግራይ ምስ ከድካ ሰባት ናይ ማእከላይ መንግስቲ 'ሰላሊ' ኮይኑ እዩ ተላኢኹ ዝብል ዘይጠለለ ወረታት ነይሩ እሞ ሓቂ ድዩ?
ኣቶ ወልደስላሰ ወልደሚካኤል፦ እዚ እኳ ድኻም እዩ፡ ወረ እዩ ክኸውን ዝኽእል። ኮነ ተባሂሉ ክኸውን ይኽእል'ዩ፣ ድንቁርና ዘበገሶ እውን ክኸውን ይኽእል እዩ። ስለዚ ወረ እዩ ኢልና ወሲድና ኣብዚ ግዜና እንተዘይንጥፍእ እዩ ዝምረጽ።
ቢቢሲ፦ ከም መጠን ነባር መሪሕነት ሃገራዊ መረዳእታን ድሕነትን እቲ ሕዚ ዘሎ መሪሕነት ናይቲ ትካል ብኸመይ ኢኻ እትግምግሞ?
ኣቶ ወልደስላሰ ወልደሚካኤል፦ ሓቂ ንምዝራብ ሓበሬታ የብለይን። እንታይ ፈተናታት'ዩ ዝገጥሞም ዘሎ? ነቲ ፈተናታት ከመይ ኣቐዲሞም ይፈልጥዎ ኣለዉ? ብዝነኣሰ ዋጋ ብኸመይ ይኣልይዎ ኣለዉ? ዝብሉ መረዳእታት ስለዘይብለይ ኣብዚ ርእሰ ጉዳይ ርእይቶ ንምሃብ ቅሩብ የጸገምለይ እዩ።
ቢቢሲ፦ መጻኢ ፖለቲካዊ ኩነታት ዘይተገማታይን ዝተሓዋወሰን ከም ዝኾነ ተንተንቲ ፖለቲካ ክዛረቡ ይስምዑ'ዮም እሞ ንስኻ ከም መጠን ናይ ሕዚ መምህር ፖለቲካል ሳይንስ ናትካ ርእይቶ ኣብዚ እንታይ'ዩ?
ኣቶ ወልደስላሰ ወልደሚካኤል፦ ከም ናተይ እምነት ናይ ኢትዮጵያ ፖለቲካ predictable [ተገማታይ] እዩ። ተጋግየ ክኸውን ይኽእል እየ ግን ብዝነበረኒ ናይ ስራሕ ኣጋጣምታት እዚ ዓዲ እፈልጦ እየ ኢለ እየ ዝኣምን። ድሕሪ 1983 ዓ/ም ናይ ኢትዮጵያ ፖለቲካ መልክዑ ተቐይሩ እዩ። ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ባዕሎም ንባዕሎም ከማሓድሩ ጀሚሮም።
ቢቢሲ፦ ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብ ክልላት ኦሮምያን ትግራይ ሚዛን እናደፍአ ዝመጽእ ዘሎ ክቱር ብሄራዊ ስምዒት በቲ ካልእ ገጽ ድማ ኣሃዳዊት ኢትዮጵያ ናይ ምፍጣር ባህጊ ዘለዎም ሓይልታት ዝፈሓፍሕሉ ኩነታት እውን ኣሎ እሞ ኢትዮጵያ ናይ ዩጎዝላቭያ ጽሕፍቶ ከይገጥማ ስግኣታት ዘለዎም ሰባት ኣለዉ። ምስ ናትካ ሓሳብ ኣይጋጨውን ዶ?
ኣቶ ወልደስላሰ ወልደሚካኤል፦ እቲ ሕዚ ዘሎ ፖለቲካዊ ምዕባለ ናብቲ ናይ ድሕረ 1983 ዓ/ም ዝነበረ ፖለቲካዊ ባይታ ክመልስዎ ኣይኽእሉን። ካብ ሕዚ ንደሓር ዝኾነ ብሄር ዋላ እውን እቲ ዝሽቀጠሉ ብሄረ ኣምሓራ ናብ ኣሃዳዊ ስርዓት ክመልስዎ ኣይኽእሉን። ምስ ናይ ኣምሓራ ፖለቲካ ተዛሚዱ ዝለዓል ሓደ ቅቡል ተገይሩ ክውሰድ ዝግብኦ ሕቶ ኣሎ።
ቢቢሲ፦ ህወሓት ቅድሚ ሕዚ ጸቢብነት ዝብል ከም ሓደ መገምገሚ ነጥቢ ትጥቀመሉ ነይራ እያ። ብሄርተኛታት ተጋሩ፡ "ኢትዮጵያ ኣጋፊዓትና እያ፡ ትብደለና ኣላ፡ ስለዚ ሃገር ክንምስርት እዩ ዘለና" ብዝብል ካብቶም ናታትኩም ነባራት ተጋደልቲ ህወሓት ዝተፈለየ ኣተሓሳስባ'ዮም ዘሰጉሙ ዘለዉ። እሞ እዚ ምባሎም ጸበብቲ'ዶ የብሎም?
ኣቶ ወልደስላሰ ወልደሚካኤል፦ እዚ ሕቶ እማ ሕገ መንግስታዊ መሰል እዩ እምበር ጸቢብነት ኣይኮነን። 'ነዛ ሃገር ንምቛም ብዙሕ ዋጋ ከፊልና እናሃለና ፍረጻማና ኣይረኸብናን ስለዚ ነብስና ክንክእል ኣለና' ዝብሉ ሰባት ከምዘለዉ እኮ ይፈልጥ'የ። እዚ ድማ ጸቢብነት ኣየብልን። ግን እዚ ንዓይ ኣብ 'ዲስኮርስ' ዘሎ ነገር እዩ ኢለ እየ ዝወስድ።
ቢቢሲ፦ ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ርእሰ ምምሕዳር ትግራይ ዶ/ር ደብረጽዮን ኣብ ክብረ በዓል ለካቲት 11 ንህዝቢ ኣብ ዘስምዖ መደረ "ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ እቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ፖለቲካዊ ጸገማት ንኽፍታሕ ጻዕሪ ግበሩ እንተዘይኮይኑ ግን 'ትግራይ ሃገር እያ' ኢልኩም ኣውጁ" ምስበለ ካብ ህዝቢ ናይ ይደገም ድምጺ ተጋዊሑ ክደግሞ ተገዲዱ ነይሩ። እዚ ንዓኻ ዝህበካ ፖለቲካዊ ትርጉም እንታይ'ዩ?
ኣቶ ወልደስላሰ ወልደሚካኤል፦ ህዝቢ ትግራይ ካብ ቀደሙ ብህወሓት እናተመርሐ ኣብ ማዕርነት ዝተመሰረት ስርዓት መስሪትና ክንነብር ኢና እንደሊ ነዚ ድማ ክንቃለስ ኢና፡ እንተዘይኮይኑ ግና ብሰላም ተፈላሊና በበይንትና ተኸባቢርና ንነብር ዝብል ቅዋም እዩ ነይርዎ። ስለዚ ህዝቢ ትግራይ ዝብል ዘሎ ተኸባቢርና ንንበር እዩ። ናይ ማእኸላይ መንግስቲ ትካላት ብማዕረ ዓይኒ ይረኣያናን ናይ ደገ ሓይልታት ኢድ ኣታውነት ደው ይበል እዩ ዝብል ዘሎ። ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘነጻጸሩ ሓሰባት ካብ ናይ ደገ ሓይልታት ይወሃቡ ስለዘለዉ ትግራይ ኣካል ኢትዮጵያ ስለዝኾነት ዝምልከቶም ናይ ፌደራል መንግስቲ ትካላት ግቡእ ግብረ መልሲ ክህቡ ኣለዎም ዝብል ሓሳብ እዩ።
ቢቢሲ፦ እቶም ሓይልታት እኒ መን'ዮም?
ኣቶ ወልደስላሰ ወልደሚካኤል፦ ንኣብነት ኣብ ቀረባ ግዜ ናይ ኤርትራ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብቲ ናይታ ሃገር መራኸብቲ ሓፋሻት ኣብ ዘካየደ ቃለ መሕትት እቲ ዝበዝሕ ዝተዛረቦ ብዛዕባ ትግራይ እዩ። ኣሽንኳይ'ዶ ብዛዕባ ሓንቲ ክልልስ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ክዛረብ ልእኹቶ የብሉን። እዚ ኣብ ልዕሊ ካሊእ ሃገር ኢድካ ምእታው እዩ። ነዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ ማእኸላይ መንግስቲ ሽዑ ንሽኡ ግቡእ ምላሽ ክህበሉ ምተገብአ ነይሩ። ሽዑ ንሽዑ ምላሽ ዘይምሃቡ ንህዝብን መንግስትን ትግራይ ክህቦ ዝግባእ ኣገልግሎት ኣይሃበን ማለት እዩ። ስለዚ እቲ ሕቶ ምላሽ ሃቡሉ ዘይትህቡ እንተኾይኑኩም ሓዲኡ ኣፍልጡና እዩ እዚ ድማ ልክዕ እዩ። እዚ ማለት ግን ክንንጸል ኢና ማለት ኣይኮነን። ግን ድማ ናይ ፌደራል መንግስቲ ዝኾነ ነገር እንተዘይገይሩ ድማ ናትና ህልውና ይጠፍእ እዩ ማለት ኣይኮነን። ህዝቢ ትግራይ ከጋጥምዎ ንዝኽእሉ ግዳማውያን ሓይልታት ናይ ምምካት ሓላፍነት ኣለዎ፡ እኹል ዓቕሚ ኣለዎ'ውን ኢለ እየ ዝኣምን። ስለዚ እቲ መንእሰይ ንናይ ዶክተር ደብረጽዮን ዘጣቐዐሉ ልክዕ ሓሳብ ስለዝኾነ እዩ።
ቢቢሲ፦ ኣብ ቀረባ እዋን ህወሓት ኣፍልጦ ሂባትካ ነይራ እሞ ሎሚ'ውን ኣባል ህወሓት ኢኻ መላት ድዩ?
ኣቶ ወልደስላሰ ወልደሚካኤል፦ እቲ ኣፍልጦ ንዓይ ጥራይ እንተይኮነስ ንብዙሓት ገዳይም ተጋደልቲ'ውን ዝተውሃበ እዩ። ኣነ ብህይወት ክሳብ ዘለኹ ህወሓት እየ። ህወሓት [ዳይናሚክ] ገስጋሳይ ክኸውን እየ ዝደልዮ። ድማ ገስጋሳይ ውድብ እዩ ኢለ እየ ዝኣምን። [ዳይናሚክ] ክኸውን ዝገበሮ ግን ናይ ህዝቢ ትግራይ ፖለቲካዊ ንቕሓት እዩ። ገለ ሰባት ህዝቢ ትግራይን ህወሓትን ሓደ ኣይኮኑን ክብሉ እሰምዕ እየ። ንዓይ ግን ሓደ እዮም።
ቢቢሲ፦ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ትግራይ ብዙሓት ውድባት ፖለቲካ ኣለዋ። ስለዚ ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ሓደ እዮም ምባል ብፖለቲካዊ ስነ ሞገት ከመይ ኣቢሉ ርትዓውነት ይህልዎ?
ኣቶ ወልደስላሰ ወልደሚካኤል፦ ብዓይኒ ፖለቲካዊ መነጸር እንተሪኢናዮ ሓቂ እዩ። ህወሓት ሕጋዊ ሰብነት ዘለዎ ፖለቲካው ውድብ እዩ። እንተኾነ ግን እተን ናይ ህወሓት ፖለቲካዊ፣ ማሕበረ ቁጠባውን መደባት ህዝቢ ትግራይ ናሃቱ ገይርወን እዩ። እዚ ብመጽናዕቲ እውን ክተረጋግጾ ትኽእል ኢኻ። ፖለቲካዊ እምነት ህዝቢ ትግራይ እንተሓቲትካዮ እተን ናይ ህወሓት መደባት እኳድኣስ ኣዕሙቑ እዩ ዝገልጸልካ። ነዚ ዝቃወምዎ ሰባት የለውን ማለት ግን ኣይኮነን።
ቢቢሲ፦ ህዝቢ ትግራይን ህወሓትን ሓደ እዮም ምባል ነቶም ካብ ህወሓት ዝሓሸ ፖለቲካዊ ስትራቴጂታት ሓንጺጽና መጺኢና ኣለና ኢሎም ኣብ ትግራይ ንዝንቀሳቐሱ ውድባት ፖለቲካ ምዕፋን ዶ ኣይኮነን እዩ? ብስሩ'ኸ ከምኡ ዝበላ ሓሳብ ንህዝቢ ትግራይ ዝጠቅም ድዩ ኮይኑ?
ኣቶ ወልደስላሰ ወልደሚካኤል፦ ኣብ ትግራይ ኩሉ ዓይነት ሓሳብን ማሕበራትን ብናጻ ክንቀሳቐሱ ኣለዎም። ዝተፈለየ ፖለቲካዊ መርገጺ ዘለዎም ሰባት ብናጽነት ክውደቡ ኣለዎም። ዋላ ሓንቲ ገደብ ተጽዕኖን ክግበረሎም የብሉን። እዚኣቶም መሰረታዊ ናይ ዴሞክራሲ ባእታት ስለዝኾኑ ክስመረሉ ኣለዎ። ኣነ ዝብል ዘለኹ እቶም ህወሓት ዝምራሓሎም ዘሎ መደባት ብእቲ ዝበዝሕ ህዝቢ ትግራይ ተቐባልነት ኣለዎም ጥራይ እንተይኮነስ ዝሰረጹ'ዮም ኢለ እየ ዝኣምን። ነዚ እዩ ድማ ህወሓት ዓንቀፍቀፍ ክገጥማ እንተሎ ዋላ ካብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ጀሚርካ እቲ ህዝቢ ብድድ ኢሉ እዩ ዘድሕና። እዚ ማለት ግን ካልኦት ውድባትን ኣተሓሳስባን ክመጽእ የብሉን ዝብል ርእይቶ የብለይን። እኳድኣስ ካሊእ ኣማራጺ ትመጽእ እንተሎ እዩ ህወሓት ገስጋሲት ክትከውን እትኽእል ኢለ እየ ዝኣምን።
ቢቢሲ፦ ኣቶ ወልደስላሰ መምህር ኮይኑ ድዩ ክቕጽል ወይስ ናብ ፖለቲካ ክኣቱ እዩ?
ኣቶ ወልደስላሰ ወልደሚካኤል፦ ኣይፈለጥን። ግን ምምሃር ብጣዕሚ እየ ዝፎቱ። ኣብ ባይታ ዘሎ ወድዓዊ ሓቂ ክትርዳእ እንተኾይንካ ካብ ኣብ መንግስታዊ ሓላፍነት ኮይንካ ኣብ ናይ ኣካዳሚክ ቦታ ኮይንካ መጽናዕቲ እናካየድካ ነቲ ሓድሽ ወለዶ ተሞክሮ እናካፈልካ ባዕሉ ዓዱ ከማሓድር ኣብ ምግባር ዝነጥፍ እዩ ዝመስለኒ።
|