Back to Front Page

"ህዝቢ ፀርፀር ዘብል መሪሕነት ይኣክል..." ዶክተር ደብረፅዮ ገብረሚካኤል

"ህዝቢ ፀርፀር ዘብል መሪሕነት ይኣክል..." ዶክተር ደብረፅዮ ገብረሚካኤል

ብስዒድ መሓመድ 09-25-20

እምነት ህዝቢ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ዶር ደብረፅዮ ገብረሚካኤል ተጠናኪሩ፤ ንዝቕፅል ሓሙሽተ ዓመታት ድማ ርእሰ ምምሕዳር ኮይኖም ከገልግሉ ብውድብ ህወሓት ቀሪቦም ብሙሉእ ድምፂ ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ተመሪፆም።

ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ናይ ፈተነ ዓመታት ነይሮም፡፡ ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ፣ መራሕቲ ትግራይ ድማ ከም አመራርሓ ዝተፈተንሉ ብኹሉ ሸነኻት እታ ክልል ዝተኸበበትሉ ኩነታት እዩ ነይሩ፡፡ ነቲ ግዜ ንምስጋር ዋላ ኣፀጋሚ እንተነበረ ብብሉፅ ተግባራት መራሒና / ደብረፅዮን /ሚካኤልን መሳርሕቱን ነቲ ሕማቕ ኩነታት ክንሰግር ክኢልና፡፡ ነቲ ኣብ ውሽጥን ደገን ዝነበረ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘነፀላለወ ሸርሕን ውዲትን ክነፍሽል ክኢልና ኢና።

Videos From Around The World

ኣብ ትግራይ ንነውሕ ግዜ ከይተፈትሑ ዝፀንሑ ውሽጣውን ግዳማውን ፀገማት ብዙሓት እዮም፡፡ ካብዚኦም ማእኸል ናይ ከባቢያውነትን ኔትወርካዊ ኣሰራርሓ፣ ምስፍሕፋሕ፣ ስራሕቲ ልምዓት ምጉታት፣ ፀገም ሰናይ ምምሕዳርን ምጥቃስ ይክኣል። ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ምድሪ ዘየለ ህዝቢ ዝተጠቐመ ኣምሲልካ ሪፖርት ብምቕራብ ካልኦት ህዝብታት ጥርጣረ ከሕድሩ ምግባር፣ ምስዚ ተተሓሒዙ ምፍንቃል ህዝቢ ትግራይ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ምፍንቃል ሰራሕተኛታት ካብ ኣዲስ ኣበባን ፌዴራል ቤት ዕዮታትን ንህዝቢ ትግራይ ክንዕምፅፀኩም ኢና ዝብሉ ፈኸራታትን ሙከራታትን ከበባን ብዋናነት ከም ኣብነት ክውሰዱ ይኽእሉ፡፡

ውሽጢጣዊ ሽግራት ትግራ ብዙሓት እዮም፡፡ ካብዚኣቶም እቲ ሓደ ኔትወርክውነትን ከባቢያውነትን እዩ፡፡ ኣብ ትግራይ ሓዲኡ በዓል ዋና እቲ ካልእ ድማ ጓና ኮይኖም ብዘመድን ብከባባዊነትን ከምኡውን ብጥቕማ ጥቕሚ ተኣሳሲሮም ህዝቢ ዝሃቦም ሓላፊነት ንጎኒ ገዲፎም ንባዕሎም ጥራሕ ኢህን ሚህን እናተበሃሃሉ ኩሉ ጥቕምን ናይ ስራሕን ሓላፊነትን ቦታታት ሒዞም ካልእ ሙሁር ትግራይ ከይፅግዖም ገይሮም እታ ክልል ሓሲዮማ ከምዝነበሩ ኩሉ ህዝቢ ትግራይ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ፡፡

ኣብ ፌዴራል ዝቐርቡ ፀብፃባት ዘይተሰርሑ ዝተሰርሑ፣ ዘይተጠቐመ ህዝቢ ትግራይ ብመስኖ ልምዓትን ካልኦትን ዝተጠቐመ ብምምሳል ይፅብፀቡ ስለዝነበረ እቲ ካልእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ባያታ ዘየለ አሃዛዊ ፀብፃብ እናሰምዐ ትግራይ ሕልፊ ከምዝወሰደት፣ ህዝቢ ትግራይ ካብ ካልኦት ኢትዮጵያውያን ዝተፈለየ ከምዝተጠቀመ ገይሩ ክውሰድን ፅልኢት ከሕድር ገይሮም እዮም፡፡

ይኹን እምበር ብሉፅ መራሒና / ደብረፅዮን /ሚካኤል ቕድም ቐዳድም ነቲ ንኣስታት 25 ዓመታት ዝገንገነ ኔትወርካዊ ምትርእስሳር ንምብጥጣስ ቐሊል ዘይብሃል ሰራሕ ሰሪሑ እዩ፡፡

ምስ ህዝብ ማዕልታዊ ርክብ ዘለዎም መራሕቲ ጣቢያ ብህዝቢ ክምረፁ ብምግባር ኣብ ላዕሊ ንዘሎ ኔትወርክ መሰረት ከይህልዎ ገይሩ እዩ።

ስለዝኾነ ናይ ሙስናን ስርቂን ስራሕቲ ብቐጥታ ምስ ህዝቢ ኣገልግሎት ኣወሃህባ ዝተሓሐዙ ብምዃኖም ኣብ ጣቢያታት ዘለዉ ናይ ኣመራርሓ ኣመዳድባ ብህዝቢ ምርጫ ክኾን ተገይሩ፡፡ ኣብ ሕድሕድ ጣቢያታት ዘሎ ህዝቢ ኣብኣ ዘለዉ ኣመራርሓ ክግምግምን ካብ ሓላፍነቶም ክወርዱ ንዝደለዮም ከውርድ ንዝደልዮም ድማ ናብ ሓላፍነት ከደይብ ብዝተዘርግሐሉ ኣሰራርሓ ናይ ባዕሉ መራሕቲ ባዕሉ መሪፁ ነቲ ካብ ላዕሊ ናብ ታሕቲ ብኔትወርክን ብዝምድናን እናተመደቡ ዝኸድሉ ዝነበሩ ኣሰራርሓ በጢስዎ እዩ፡፡

ነቶም ኣብ ህዝቢ ዘለዉ ኣመራርሓ ናብ ሓላፊነት ዘደይቦም፣ ዘውርዶምን ዝግምግምን ካልእ ኣብ ክልል ወይ ድማ ኣብ ወረዳ ዘሎ ኣመራርሓ ከይኮነስ ህዝቡ ባዕሉ ስለዝኾነ ንላዕለዋይ ኣመራርሓ ብዘይመትከል ዝእዘዝሉ ኩነታት ከይህሉ ተገይሩ እዩ።

እዚ ድማ ነቲ ካብ ክልል ናብ ጣቢያ ተዘርጊሑ ዝነበረ ኔትወርካዊ ምትእስሳር ባይታ ኣስኢንዎ ኣሎ፡፡ ዋላ ብዙሓት ዝሕግዙ ኣብ ዙርያኡ ኣይሃልዩ ምስ ህዝቢ ኮይኑ ነቲ ናይ ኔትዎርክ ዋና እምነ ኩርናዕ ክብጠስ ገይሩ እዩ፡፡ መራሒና / ደብረፅዮን ገብረሚካኤል፡፡

ነቲ ኣብ ጣቢያታት ዝተኻየደ ናይ ህዝቢ ተሳትፎ ስዒቡ ኣብ ወረዳታታት ትግራይ እውን ብተመሳሳሊ መንገዲ ብህዝቢ ክኸውን ተገይሩ እዩ፡፡ ኣብ ሕድሕድ ወረዳታት ዘለዉ ኣመራርሓ ካብ ክልል እናተመደቡ ዝኸድሉ ኣሰራርሓ ብምግዳፍ ብህዝቢ ክምረፁ ተገይሩ ኣሎ፡፡ እዚ ኹሉ ኣሰራርሓ ነቲ ኣብ ክልልና ስር ሰዲዱ ዝነበረ ኔትወርካዊ ናይ ዝምድናን ምትእስሳርን ስራሕቲ ንምብጥጣስ ዘኽእለ እዩ፡፡

እቲ ካልእ ፀገም ኣብ ልምዓት ዝነበረ ምጉታት እንትኾን ነዚውን ብዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ብዝተገበረ ውሕሉል ኣመራርሓን ፃዕሪን ኣብ ጎልጎል ራያ ንብዙሕ ዓመታት ተዓፅዮም ዝነበሩ ናይ መስኖ ጎዳጉድ ክኽፈቱ፣ ኣብ መቐለ መንገድን ካልኦት ልምዓታት ክሳለጡ፣ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ትግራይውን ዝለዓለ ህንፀት ናይ ልምዓት ብቕልጡፍ ክካየድ ከምዝተገበረ ኩሉ ዝፈልጦ እዩ፡፡ ብርግፅ ሐዚውን ኣብ ልምዓት ሽግር የለን እንተዘይብሃል በዘን ዝሓለፋ ውሑዳት ዓመታት ብመሪሕነት ዶክተር ደብረፅዮን ዝተሰርሐ ስራሕቲ ልምዓት ግን ብሓቂ ዘተባብዕ ተስፋ ዘውሕስን እዩ፡፡

ኣብ ክልሉ ዝነበረ ናይ ወረዳታት ኣወዳድባ እውን ሓደ ፀገም ኮይኑ ዝፀንሐ ብምዃኑ ብህዝቢ ድልየትን ከባቢታት ብዘለወን ሃፍተ ገነት መሰረት እንደገና ክጣየሽ ተገይሩ ብህዝቢ ድልየት ናይ ሕድሕድ ወረዳ ተወከልቲ ህዝቢ ብዝወሰንዎ መሰረት ክፍፀም ተገይሩ እዩ፡፡ እዚ እውን ሰናይ ምምሕዳር ንምስፋን ናይ ባዕሉ ግደ ከምዘለዎ ይፍለጥ፡፡

ኣብ ሰናይ ምምሕዳር ክልተ ነገራት ፈሊኻ ምርኣይ ይግባእ፡፡ ሓደ ፍትሓዊ ተጠቃሚነት መሰረት ልምዓት ክኾን እንከሎ እቲ ካልእ ድማ ኣወሃህባ ግልጋሎት እዩ፡፡ እቲ ፍትሓዊ ልምዓት ብዝተወሰነ ደረጃ ፅቡቕ ይኸይድ ከምዘሎ ምዝራብ ይክኣል፡፡ እቲ ኣወሃህባ ግልጋሎት ግና ካብ ቦታ ቦታ ፍልልይ ስለዘለዎ ብዝተማልአ መልክዕ ኣይተመለሰን፡፡

እዚ ቐፃሊ ስራሕቲ ዘድልዮ ይኸውን፡፡ ኣወሃህባ ግልጋሎት ምስ ኣተሓሳስባ መገልገላይ ዝተተሓሐዘ ስለዝኾነ ነዚ ምቕያር እውን ግዘ ከምዝወስድ ርዱእ እዩ፡፡ ብዝኾነ ግን ወሃብቲ ግልጋሎት ብህዝቢ እቲ ከባቢ ዝተሓረዩ ስለዝኾኑ ህዝቢ እናገምገመ ከውርድን ከደይብን ኣሰራርሓ ተሰርቱ ኣሎ፡፡

ሰናይ ምምሕዳር ሕዚ እውን ብቐፃልነት ዝሰርሕሉ ስለዝኾነ በዚ ዓመት ፍሉይ ጠመተ ተዋሂብዎ ከምዝስራሕውን ዶክተር ደብረፅዮን ተዛሪቦም ኦዮም። "ኣብ ቀረባ ናይ ኣመራርሓን ኣሰራርሓን ሪፎርም ከምዝግበር ኣፍሊጦም እዮም።

በቲ ናይ ጳጉሜ 4/2012 ዓም ታሪኻዊ ምርጫ ህዝቢ ትግራይ ንህውሓት ሙሉእ ድምፁ ሂብዎ ኣሎ፡፡ ብቐፃሊ ሓሙሽተ ዓመታት ጭቡጥ ዝኾነ ምምሕያሻትን ልምዓታዊ ስራሕቲ ዕውት ክገብር ከምኡውን ዘለዉ ካልኦት ውሽጣዊ ይኹን ግዲማዊ ፀገማት ብምውጋድ መፃኢ ክልልና ህዝብናን ብሩህ ንክኾን ተስፋ ብምግባር ከምዝኾነ ፍሉጥ እዩ፡፡

ኣብዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ጎኒ ንጎኒ ስራሕቲ ልምዓት ናይ ውሽጢ ሓይሊ ንመኸተ ኣብ ምጥንካር ቐሊል ዘይብሃል ስራሕውን ተፈፂሙ እዩ፡፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኣንፀላልዩ ዝነበረ ሓደጋ ብውሕሉል መንገዲ ኣብ ምእላይ ዓብዪ ተራ ዝነበሮ መሪሕነት ዶክተር ደብረፅዮን ኣብ ቐፃሊውን ሰላም ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምርግጋፅ፣ ክጭፍልቐኩም እየ ንዝብል ኣብ ምምካት፣ ልምዓት ኣብ ምርግጋፅ ዝህሉ ፃዕሪ ተጠናኺሩ ንክቕፅል ዝህልዮ እጃም ዓብይ እዩ፡፡ ናይ ደገን ናይ ውሽጥን ፀገማት ንምውጋድ ብዝተሰርሑ ስራሕቲ ብህዝቢ ተሳትፎ ናብ ባይታ ክወርድን ክዕወትን ዝኽኣለ እዩ፡፡

እዞም ፍፃመታት ኣብ መሪሕነት ዶክተር ደብረፅዮን ዝተርኣዩ ፍልይ ዝበሉ ናይ ውልቆም ስብእናታት ዝተመስረቱ እዮም። እቲ ውልቃዊ ስብእና፣ ፍልጠትን ተሞክሮን ነዚ ዕውት ስራሕቲ ዋና ሞተር ኮይኑ ከምዘገልገለ ኣየጠራጥርን፡፡ ካብቶም ፍልይ ዝበሉ ውህብቶታት ዶክተር ደብረፅዮን እዞም ዝስዕቡ ከምኣብነት ምጥቓስ ይክኣል።

ቀዳማይ ዶክተር ደብረፅዮን ተፃዋራይን ትዕግስትን ዘለዎም መራሒ ምዃኖም እዩ። እቲ ካልኣይ ፍልጠት፣ ብቕዓትን ተኽእሎን ስለዘለዎም ኩሉ ነገር ብሳይንሳዊ መንገዲ ብዘላቒነት ክፍታሕ ኣብ ምግባር ዝለዓለ እጃም ነይርዎም።

እቲ ሳልሳይ ድማ ኣተሓሳስባ ከባቢያዊነት ዘይብሎም ንኹሉ ትግራይዋ ብማዕረ ዝርኢዩ ብምዃኖም ህዝቢ ትግራይ ተሓጋግዙ ነቲ ክፋእ ኩነታት ክሰግሮ ሓጊዙ እዩ፡፡

እቲ ብጣዕሚ ዝገርም ከዓ ሃፍታም ይኹን ድኻ፣ ነጋዳይ ይኹን ገባር፣ ምሁር ይኹን ዘይተምሃረ፣ ዓብዪ ይኹን መንእሰይ ንኹሉ ትግራዋይ ብትግራዋይነቱ ማዕረ ዝርኢዩ ማዕረ ዘተኣናግዱን መሪሕነት ምዃኖም ህዝቢ ትግራይ ሙሉእ እምነት ከሕድርን ናብ ሓደ መፂኡ ከሕግዝ ገይርዎ ኣሎ።

ኣብ ላዕሊ ከምእትጠቐሰ ኩሉ ትግራዋይ ኣብ ዶክተር ደብረፅዮን ልዑል ዝኾነ እምነት ከሕድር ክኢሉ ኣሎ፡፡ ኣብ መሪሕነት እምነት ዘሕደረ ህዝቢ ሒዝካ ንቕድሚት ንምግስጋስ ምቹእ ኩነታት ስለዝፈጥር መፃኢ ክልልና ዝያዳ ብሩህን ተስፋ ዘለዎን ከምዝኾን ተንተንቲ ፖለቲካ ይናገሩ፡፡

ንኹሉ ዓይነት ስራሕቲ ዋና መሰረቱ ቕንዕና እዩ፡፡ ቕንዕና ዘይብሉ ኣመራርሓ ረብሓ ህዝቡ ከረጋግፅ ኣይክእልን፡፡ ቕንዕና ዘይብሉ መሪሕነት ሰናይ ምምሕዳር ከረጋግፅውን ኣይክእልን፡፡ እቲ ሓደ ዓብዪ መለለዪ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ድማ ቕንዕና እዩ፡፡ ቕንዕና መሊኣ ዝፈሰሰቶ ሰብ ከምኦም ብህይወተይ ኣይረኣኹን፡፡

ትዕቢት መሳለጢ ውድቐት እዩ፡፡ ድንቑርና እምበር ፍልጠት ከምዘይኮነውን እሙን እዩ፡፡ መብዛሕቲኦም ኣመራርሓ ሃገርና ይኹን ክልልና በዚ ምኽንያት ምንም ዝጠቅም ስራሕቲ ከይሰርሑ ሓሊፎም እዮም፡፡ እቲ ሓደ ዋና መለለዪ መራሒና ደብረፅዮን ትሕትናን ምዕዙዝነትን ከምዝኾነ ዝቕርብዎም ሰባት ኩሎም ይዛረቡ፡፡ ብዙሕ ዝፈልጡ ግን ድማ ዘይጀሃሩ መሪሕ እዮም፡፡ ኣብ ተግባር ዘተኩሩ ብዙሕ ብዘረባ ዘይኣምኑ ጭቡጥ ስራሕቲ መሰረት ገይሮም ዝመርሑን ንተጋሩ ኣብ ፀበባ እዋን ዝተውሃበቡ ናይ ፈጣሪ ውህብቶ ምባል ይክኣል እዩ፡፡

ህዝቢ ትግራይ ቕልውላው ኣብ ዝኣተየሉ እዋን ነዞም ትዕግስትን ፍልጠትን ብልሓትን ዘለዎም መራሒ ብምርካቡ ዕድለኛ እዩ፡፡

እዚ መሪሕነት እዚ ንቐፃሊ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ጭቡጥ ለውጢ ከምዘምፅእ ሙሉእ ተስፋ ዘለዎ ህዝቢ ትግራይ ንህወሓት መሪፁ ኣሎ፡፡ ንዝቕፅል ሓሙሽተ ዓመታት ትግራይ ንምቕያርን ንምልማዕን ኹላትና ገንዘብ ዘለና ብገንዘብና፣ ፍልጠት ዘለና ብፍልጠትና ጉልበት ዘለና ብጉልበትና ክንሕግዝ ይግባእ፡፡

ዶክተር ደብረፅዮን መስከረም 14/2013 ዓም ብሙሉእ ድምፂ ንዝቕፅል ሓሙሽተ ዓመታት ንክልል ትግራይ ፕሬዚደንት ኮይኖም ከገልግሉ ድሕር ምምራፆም ብዘተሓላለፍዎ መልእኽቲ ህዝቢ ትግራይን ውድብ ህወሓት ኣብልዕለይ እምነት ኣሕዲርኩም ነዚ ሓላፊነት ስለዘሓረኹምኒ የመስግን ተሓጋግዝና ዘይንፈትሖ ፀገም የለን ኢሎም።

ከምኡውን ደጊም ንህዝቢ እናንፀርፀርካ ኣብ ስልጣን ምፅናሕ ክሕሰብ ጥራሕ እንተይኮነ ክሕለም እውን ከምዘይብሉ ኩሉ ክፈልጥ ኣለዎ ዝበሉ ዶክተር ደብረፅዮን ህዝቢ ብዝተፈላለዩ ሰንካላ ምኽንያታት ኣብ እዋኖም ዘይተፈፀሙ ናይ ትማልን ናይ ሎምን ዙርያ መለሽ ጠለባት ክምለስሉ፣ ብጎተት መተት ዝጠፍእ ጊዜን ወፃእን እውን ቀልጢፉ ክስተኻኸለሉ፣ ካብ ታሕቲ ክሳብ ላዕሊ ዘለው ናይ ምሕደራ በሰራት ክእለይሉን ፍትሒ ክነግሰሉን ትፅቢት ይገብር፣ይግባእ እውን ኢሎም።

ስለዝኾነ መላእ ኣመራርሓን ኣባላትን ህወሓት ብህዝብና ዝተውሃበና ሕድሪ ብግቡእ ክንፍፅም፣ ብቓል እንተይኮነ ብተግባር ኩሉ ዓይነት ጠለባቱ ክንምልስ ለይትን ቀትርን ክንሰርሕ፥ ካብዙይ ሓሊፉ ዝተሰከሞ ህዝባዊ ሓላፍነት ንናይ ውልቀ ረብሓ ከውዕል ዝርከብ ኣካል በቲ ዝፀንሐ ሕጊ ጥራሕ እንተይኮነስ ውፅእ ብዝበለ ሕጊ እውን ከምንቐፅዕ፣ ደጊም ንህዝቢ እናንፀርፀርካ ኣብ ስልጣን ምፅናሕ ክሕሰብ ጥራሕ እንተይኮነስ ክሕለም እውን ከምዘይብሉ ኩሉ ክፈልጥ ኣለዎ፣ ይኣክል እውን ክበሃል ይግባእ እዮም ዝበሉ።

ይትረፍ ሕዚ ህዝቢ ትግራይ ግዳማውን ውሽጣውን ተፃብኦታት ኣብ ዝሓየለሉ መድረኽ፣ ኣብ ካልእ ጊዜ እውን ክፍፀሙ ዘይግብኦም ሕማቓት ተግባራት ደርቢና፣ ተግባርናን ኣተሓሳስባና ኣመዓራሪና ሕድሪ ህዝብና ክንፍፅም ድሉዋት ኾይና ንረኸብ ዝበሉ እቶም ርእሰ ምምሕዳር ህዝብና ዝሃበና ዕድል ተጠቒምና ኮንትራትና ብዘዕግብ ኣግባብ ክንፍፅም፣ ሓለቓና ህዝቢ ትግራይ ዘሰከመና ድርብ ሕድሪ ኣኽቢርና ከምንሰርሕን፣ ቅድሚ ኹሉን ልዕሊ ኹሉን ጉድለት ከይንፍፅም ተጠንቂቕና ክንሰርሕ፣ ጉድለት እንትንፍፅም ከኣ ብዘይጋእ መጋእ ጉድለትና እናኣረምናና ዝበለፀ ስራሕ ሰሪሕና ትግራይና ክንልውጥ ከምንኽእል ብግብሪ እነረጋግፀሉ መድረኽ ምዃኑ ተረድእና ብዓፀፈ ክንሰርሕ ኣለና ክብሉ ኣንፈትን መምርሕን ኣመሓላልፎም።

Back to Front Page