Back to Front Page

ልቢ ግበር ኢሮብ! ትዕዝብቲ ዝኾነካ ኣይወሓደካን! (ሣልሣይ)

ልቢ ግበር ኢሮብ! ትዕዝብቲ ዝኾነካ ኣይወሓደካን! (ሣልሣይ)

 

ዓሣ ዮሓንስ 05-08-20

 

"ጽቡቕ ዝገበረስያ ጽቡቕ እንተዝረክብ ብዕራይ ድቋ ምሰተየ!"

"ለ ጋሕቶናየ ካዳድ ጋደ?" (ከዓነ ክትምለሱ ናብ ሩባ ካዳድ?")

ሣልሣይ ክፍሊ

ኢሮብ እቱ "ዓሲምባ ትሙት" ዝብለሉ ዝነበረ መልሓሱ ክቑርጥም ተገደደ።

 

ኣብ ካልኣይ ክፋል ዓሲምባ (ኢሕኣፓ) ንኢሮብ ካብ ሰብን ኸልቢን ክሻብ እምኒን ሓማድን ተቆጻፅራ ኣብ ኩለመዳያዊ ነብራን ኩነታትን ኢሮብ ብቐሊሉ ክግመት ዘይከኣል ጽዒንቶን ፀገማትን ከምዘስፈረት ብዓቕመይ ክዝርዝሮ ፈቲነ ኣሎኹ። ንመከራኸሪየይ ማስረጃ ክኾኑኒ ድማ ብእዉን ዝተፈፀሙ ብቑዕ ኣብነታት ከቕርብ ፈቲነ ኣሉኹ።

 

(ኣብዙይ ኸልቢ ክጠቕስ ከሎኹ ብዘይ ምክንያት ንምግናን ወይ ንዘረባ ንክጥዕመለይ ኢለ ኣይኮንኩን። ናይ ብሓቂ ዋናታቶምን ዓዶምን ገዲፎም ደድሕሪ ሠራዊት ዓሲምባ (ኢሕኣፓ) ዝሽፈቱ ኣኽልብቲ ስለዝነበሩ፡ ከምኡውን ኣባላት ዓሲምባ (ኢሕኣፓ) ንዝደለይዎ ጉዳያት (ጉዳያት?)ካብ ገዛ ናብ ገዛ ክዞሩ ኸሎዉ ኣኽልብቲ ዉሕ ምባል ገዲፎም ጭራኦም እናወዛወዙ ይቕበሉዎም ስለዘነበሩ ኢዩ።)

 

ብኢሮብ "ኣበምኮ ሓበም ቶመ (ትግዲደ)! (ካብ ዝገበሮስ ዝገደፎ ገደደ!)" ከምዝበሃል ዓሲምባ (ኢሕኣፓ) ኣብ ኢሮብ ከላ ካብ ዝገበረቶ ንድሕሪት ዝገደፈቶ ጣጣን ፀገምን ይገድድ። ኣብ ሣልሣይ ክፋል እምበኣርከስ ዓሲምባ (ኢሕኣፓ) ኢሮብ ገዲፋ ከም ትኪ ካብ ዝበነነትሉ ዕለት ጀምሩ ኣብ ኢሮብ ካብ ዝተርኣዩ ኩነታትን ለውጢታትን ዝሰዓቡ ፀገማትን ገለገሊኡ ክድህስስ ክፍትን ኢየ።

Videos From Around The World

 

ኣንበብቲ ኣብዙይ ክርድኡለይ ዝደሊዮ ሓደ ሓደ ነጥቢታት ኣሎዉ። ብናተይ ኣረኣእያ ነፃነት ማለት ከምቱ ዝድመፅ ደስ ዝበለካን ዝደለኻዮን ምግባር ማለት አይኾነን። ኣነ ከምዝርእዮ ነፃነት ማለት ንባዕልኻ ኣብ ኩለመዳያዊ ከባቢኻ (environment) ንባዕልኻ ኣሰማሚዕኻ ክትነብር ምኽኣል ማለት ኢዩ። ምክንያቱ ነፃነት ወይ ብተፈጥሮ ወይ ብሰብ ወይ ብባሕሊ ወይ ብእንስሣ ዝዕገት ተዛማዲ (relative) ኢዩምበር ፍፁም (absolute) ኣይኮነን። ንኣብነት ሓደ ንበይኑ ዝነብር ሰብ ናይለን ኪዳን ተኸዲኑ ኣብ በረድ ክድቅስ ይኸእል ኢዩ። ምናልባት ነፃውን ኢዩ፡: ኣብ ቀረባኡ ወይ ዝርእዮ ወይ ዝሕዞ ዘይክህሉ ይከኣል። ይኹን እምበር ጥዕናን ሓንጎልን ዘሎዎ እንተኾይኑ ከይሓምም ኣይገብሮን፡ እቱ ከስዕበሉ ዘሎዎ ሕማምን ሥቓይን ይዓግቶ። እዙይ ከዓ ክምቱ ኢሮብ ክምስሉ "ጊዘ ሶዳቲ ጊዘ ካረ!" (ጊዜኡ ዘይፈልጥ ናይቱ ጊዜ ኸልቢ ኢዩ (ይኸውን))" ከምዝብሉ ኢዩ።

 

ስለዙይ ንገሊኡ ኩነታት ንእግረ መንገደይ ካብ ምትንካፍ ሓሊፈ ብዙሕ ኣዕሙቐ ክዝርዝር ሓሣብ የብለይን። ምክንያቱ ሐዚ ኣብ ልዕለና ካብኡ ዝገደደ ሓደጋ የንፀላሉ ኣሎ። ኣነ ከዓ ዋና ዓላማይ መንእሰይ ኢሮብ ከም ልማዱ ኣብ ከምዙይ ዝበለ ሓደገይና እዋን ጽምብላሊዕ ከይኸውን: ከይበታተን: ከይጠፍእ: ከይጉዳእን ካብ ዝሓለፈ ተማሂሩውን ምእንቲ ክልብምን ንምባል ኢዩ። ኣብዙይ ብጣዕሚ ኣድላዪ እናሃለወ ብግቡእ ከይተዘርዘረ ዝተርፍ እንተልዩ መጀመሪያ ኣብ ልዕሊ ተጋሩን ትግራይን ዘንፀላሉ ዘሎ ሓደጋ ሓሊፉ ሃለዋትና ይረጋገፅሞ ንሱ እዋን ምስ ፈቕደልና ወይ ክዝርዘር ወይ ክፍታሕ ክኸውን ተስፋ ገይርና ንፀበ።

 

ከምቱ ኣቀዲመ ብኢሮብ ይበሃል ኢለ ከምዝጠቐስኩዎ "ኣበምኮ ሓበም ቶመ (ትግዲደ)! (ካብ ዝገበሮስ ዝገደፎ ገደደ!)" ከምዝበሃል ዓሲምባ (ኢሕኣፓ) ኣብ ኢሮብ ከላ ካብ ዝገበረቶ ንድሕሪት ዝገደፈቶ ጣጣን ፀገምን ይገድድ። ዓሲምባ (ኢሕኣፓ) ኣብ ሓፈሻዊ ኣራኣእያ ዓለም ይኹን ምግንዛብ ናይ ሕዝቢ ኢሮብ ይኹን፡ ኣብ ማኅበራዊ፡ ሞራላዊ፡ ሃይማኖታዊ፡ ወዘተ ብሓጺሩ ኩለመዳያዊ ርኽክባትን ምስጓምን ኢሮብ እዙይ ዘይበሃል ለውጢታትን ጽዒንቶታትን ምፍጣራ ምንም ኣብ ሕቶ ዘይኣቱ ኢዩ። እዙይ ከዓ ዓሲምባ (ኢሕኣፓ) ካብ ዓዲ ኢሮብ ከም ትኪ በኒና ድሕሪ ምጥፋኣ ኣብ ልዕሊ ኢሮብን አብ ልዕሊ ሓፈሻዊ ነብራን ኩነታትን ኢሮብን ዝተርኣየ ለውጢታት: ኢሮብ ብድሕሪ ዓሲምባ (ኢሕኣፓ) ምስ ካልኦት ዘርኣዮ ዝምድናታትን፡ ዝወስዶ ሥጉምትታትን ዓቢይቲ ምሥክራት ኢዮም እምበር ብዙሕ ዘከራክር ኣይኮነን። ኣቐዲመ ኽገልጾ ከምዝፈተንኩ እቱ ለውጢ ንልምዓት ምዃኑን ንጥፍኣት ንምርኣይ ኢሮብ ካብ ምውዳቕ ዓሲምባ (ኢሕኣፓ) ጀሚሩ ክሻብ ሎሚ ዝርከበሉ ኩነታት ብግቡእ ተገምጊሙ ክረአ ኣሎዎ።

 

ኣወዳድቓ ዓሲምባ (ኢሕኣፓ) ናይ ብሓቂ ዕሊ ዘይብሉን ምንነት ናይ ዓሲምባ (ኢሕኣፓ) ዝገልፅን ነይሩ።

 

መጀመሪያ ዓሲምባ (ኢሕኣፓ) 1970 . ም ብተሓሕት ተጠፍጢፋ ክትበንን ከላ ኩነታት ኣባላታ ኣብ ትሽዓንተ ክምደብ ይከኣል። ቀዳማይ መደብ ብሰንኪ ኣብ ማእኸል ኣባላት ዓሲምባን (ኢሕኣፓ) ኣባላት ሓፍቲ ውድብ ዝነበረት መኢሶንን ብዝተፈጥረ ናይ ቅንኣትን ናይ ሥሥዕቲ ሥልጣን ሥዉር ጉያ ጉያ ኩነታት ኣብ ቅንዕና ዘሎ መሲሉዎም ኣሎና እናበሉ ብዝኣመኑዎም ኣዕርኽቶም ንደርጊ ተጠቁሞም ሕይወቶም ምእንቲ ሕዝቦምን ዓዶምን ዝሠወኡን ዝተሠወኡን ኢዮም። ካልኣይ መደብ ኣብ ማዕኸል ኣባላት ዓሲምባ (ኢሕኣፓ) ብዝተፈጥረ ሕምፍሽፍሽ ምክንያት ገና ምስ ተሓሕት ከይጀመሩ ብናይ በዓልቶም ኣባላት ዓሲምባ (ኢሕኣፓ) ዝተጨፍጭፉ ብርክት ዝበሉ ኣባላትን ምሁራትን ዓሲምባ (ኢሕኣፓ) ኢዮም። ሣልሣይ ቡድን ምስ ተሓሕት ውግእ ምስ ተጀመረ ኣብ ውሽጢ ትግራይ ዝሞቱ ኢዮም። ራብዓይ ቡድን ድማ እግረይ ኣውጽእኒ ኢሎም ቀጥታ ናብ ሱዳን ኣቲዮም ብኡኡ ናብ ኤውሮጳን ኣሜሪካን ተሰዲዶም ኣብ ምዕርባዊያን ሃገራት ናይ ፖለቲካ መፀጋዕታ ሓቲቶም ዝነብሩ ኢዮም። ሓምሻይ ቡድን ድማ ንደርጊ እዶም ዝሃቡ ኢዮም። ንደርጊ ኢዶም ካብ ዝሃቡ ገሊኦም ምስ ደርጊ እንክቕጽሉ፤ ገሊኦም ድማ ተመሥገን ኢሎም አብ ገዛውቶም ኮፍ ዝበሉ ኢዮም። ናብ ኤውሮጳን ኣሜሪካን ዝተሰደዱውን ኣይሰኣኑን ኢዮም። እቱ ሻድሻይ ቡድን ድማ ሽዑ ንሽዑ ጠመንጃኦም ንተሓሕት ኣረኪቦም ተመስገን ኢሎም ኣብ ዓዶም ዝተቐመጡ ኢዮም። እቱ ሻውዓይ ቡድን ድማ ዓሲምባ (ኢሕኣፓ) ክሻብ እትበታተን ምስ ዓሲምባ (ኢሕኣፓ) ምንባሮምን ሞይቶም ምብሃሎምን እምበር ካብኡ ሓሊፍካ ኣበይ ወይ ብኸመይ ምሟቶም ብዙሕ ዘይፍለጠሎም ኣይሰኣኑን ኢዮም።

 

እቱ ሻሙናይ ቡድን ድማ አብ በረኻታትን ኣግራብን ናይ እኒ ጎጃምን፡ ወሎን ጎንደርን ንዝተወሰነ ጊዜ ተሓቢኦም ድሕሪ ምጽናሖም ከም ብሓዲሽ ተወዲቦም ምስ ተሓሕት ግንባር ፈጢሮም ንደርጊ ሲዒሮም ምስ ተሓሕትን፡ ደቡብ ሕዝቦችን ኦሕዴድን ሓቢሮም ኢሕኣዴግ መሥሪቶም ዝነበሩ ኢዮም። እቱ ታሽዓይ ቡድን ድማ ክሻብ ዝኾነ ዝኸውን ኣብ ኢሮብ ተሓቢኦም ዝተረፉ ደቂ ኢሮብ ኢዮም። እዞም ደቂ ኢሮብ ተራ ናይ ዓዲ ምልሻን መደበኛ ኣባላት ወይ ዕጡቓት ዓሲምባን (ኢሕኣፓ) ዝነበሩ ኢዮም።

 

ክሕሰብ ከሎ ሓደ ንዓዲን ንሕዝቢን ጠጠው ኢሉ ክንዲዙይ ሰፊሕ ሓገዝ ዘሎዎ ፓርቲ (ውድብ) ብኸምዙይ ርጋፅ ከይገደፈ ተበታቲኑ ክጠፍእ ክረአ ኸሎ ፅንዓት ኣባላት ናይቱ ፓርቲ ክሻብ ክንደይ ልሕሉሕ ምንባሩ ብግልጺ የርኢ። ፅንዓት ዝነበሮ ዶ/ር ተስፋይ ደበሣይማ ኣመስኪሩ። ምስኡ ንዞም ናይዙ ውድብ ኣባላት ዘተኣሣሥር ምንም ዓይነት ሓባራዊ ዝበሃል ዓላማ ወይ ካልእ ነገር ከምዘይነበረ የርኢ። እዙይ ዘይተረድአ ድማ ከምቱ ዝበልኩዎ እቱ ገሊኡ ሕይወቱ ሲኢኑ፡ እቱ ዝተረፈ ድማ ተጎዲኡ ተሪፉ። ኣብዙይ ድማ ብኹሉ መዳይ ካብ ኩሉ ንላዕሊ ዝተጎድአ ኢሮብ ኢዩ።

 

ንኢሮብ ዓሲምባ ብከምዙይ ትጠፍእ ኢሉ ክኣምን ወይ ክሓስብ ናይ ብሓቂ ከምዙ ሰማይን ምድሪን ንኽጣበቑ ዓይነት ዘይሕሰብ ነገር ኢዩ ነይሩ።

 

ሓቂ ሓቂ ኢዩ። እቱ ሓቂ ሓቂ ምንም ክቕየር አይከኣልን። ክትሓብኦ እንተፈተንካውን ጸኒሑ ጸኒሑ የጋልጸካ ኢዩ። ስለዝኾነ ድማ እቲ ሓቂ ክንዛረብ እንተኾና ኽሻብ 1970 . ም ዓሲምባ (ኢሕኣፓ) ብኸምዙይ ከም ትኪ ትበንን ኢሉ ዝሓሰበ ወዲ ኢሮብ አይነበረን። ዓቢይ ኢሮብ ኣይሓሰቦ፡ ምሁር ኢሮብ ኣይሓሰቦ፤ መንእሰይ ኢሮብ ኣይሓሰቦ፡ ሃረስታይ ኢሮብ ኣይሓሰቦ። ብሓጺሩ ንሓደ ኢሮብታይ ዓሲምባ (ኢሕኣፓ) ብኸምዙይ ትጠፍእ ኢልካ ምግማት ብሱሩ ናይ ቀትሪ ሕልሚ ነይሩ። ፍርቂ ዘመን ድሕሪ ምሕላፉ ለይቲ ብሕልሚ ዓሲምባ! ዓሲምባ! ዓሲምባ! እናበለ ዝብህርር ኢሮብ እንተሃለወ እንታይ ይፍለጥ? ኣነ ብሓቂ እንተሃለወ ኣይምገረመኒን!

 

ስለዙይ ገሊኦም ናይ ዓሲምባ (ኢሕኣፓ) ኣባላት ኣብ ኢሮብ ዝተረፉሉ ዋና ምክንያት እቶም ገዲፎሙዎም እግረይ ኣውጽኢኒ ኢሎም ዝሃደሙ መቓልስቶም ኣብ እኒ ወሎ፤ ጎጃም፤ ጎንደር እንደገና ተጠናኺሮም ክምለሱ ተስፋ ስለዝነበሮም ኢዩ። ሓቁ ንምዝራብ ግን ንኢሮብ እቶም ተሪፎም ዝነበሩ ኣባላት ዓሲምባ (ኢሕኣፓ) ደቂ ኢሮብውን ምስ ብፆቶም ከይዶሙሎም እንቶዝኾኑ ምሓሸ ነይሩ።

 

ኢሮብ ዓሲምባ ትሙት ምባልን ንዓሲምባ (ኢሕኣፓ) ምድራፍን ጥራሕ ከይኾነስ ብደርፊ ከይተረፈ ንተሓሕት ክፀርፉ ፀኒሖም ኢዮም።

 

ኢሮብ ዓሲምባ ትሙት ጥራሕ ኣይኮነን ክብሉ ዝጀመሩ። ንዓሲምባ (ኢሕኣፓ) ቀየስቲን ትርጉም-ሓዘልን ደርፊታት ኣውጺኦም ብድምቀት ይደርፉላ ነይሮም። ኣነ ባዕለይ ካብ ዝዝክረን ሠለስተ ክጠቅስ። እታ ቀዳመይቲ መጀመሪያ በቦ ዕጡቕ ዓሲምባ (ኢሕኣፓ) ዝተደረፈት ኢያ። "ሠራዊት ሓዊ ሓዘለየ ዓሲምባ ኾይኑ ዓለለየ።" እተን ክልተ ግን ኣበይ ከምዝተጀመራ ኣይፈልጥን። ካባኣተን ሓንቲ፡"መብራህቲ ላምባ ዓላማ() ከም ደቂ ዓኢምባ።" እታ ሣልሠይቲ ግን እንተተደሊዩ ተፈሊያ ንዓሲምባ ትኸውን፤ እንተዘየሎ ሓፈሻዊ ትኸውን። "ኣይደልንየ ወርቅ ወምበር ተጋድሎይ ደኣምበር።" ወይ ድማ "ኣይደልንየ ወርቅ ወምበር ኢሕኣፓይ ደኣምበር።" ሓደ ሓደ ጊዜ ስም ናይ ኢሕኣፓ "ኢሕኣሠ" (የኢትዮጵያ ሕዝባዊ ኣብዮታዊ ሠራዊት) ትበሃል ነይራ። እታ ደርፊ ድማ "ኣይደልንየ ወርቅ ወምበር ኢሕኣሠይ ደኣምበር።" ተባሂላውን ትድረፍ ነይራ።

 

ፀገሙ ንሱ ጥራሕ ኣይነበረን። መንእሰይ ኢሮብ ንተሓሕት ብደርፊ ገይሩ ይፀርፉዋ ነበሩ። ሐዚ ኣነ ባዕለይ ክዝክረን ዝከኣልኩ ሓንቲ ብኢሮብ ክልተ ድማ ብትግራይ ከቕርብ። እታ ናይ ኢሮብ ሣሆ፡ "ትግራይ ገድሊኮ ኣባሐ ባላሶ ኣክ-ክሒዮ። (ካብ ገድሊ ትግራይስ ዝበስበሰ በለስ እፎቱ።)" እተን ክልተ ድማ ወይ እናተቐባበልካ ወይ ድማ ነንበይንተን ገይሪኻ ዝድረፋ ዝነበራ ኢየን። "እስኪ ኣማኽረኒ ንዓሲምባይዶ ትግራይ ይሕሸኒ"። እታ መልሳ ድማ "ኣነ መኺረካ ንዓሲምባኻ ምኻድ ይሕሸካ"::

ኢሮብ ብሓደ ወገን ዓሲምባ (ኢሕኣፓ) ገዲፋቶም ምብትታና ምንም ኣይተረደኦን። ተከዲዑ ምህላዉ መገመቲ ነዃል ከይርኢ ድማ ወረ ተስፋ ዘይቆረፁ ኣባላት ዓሲምባ (ኢሕኣፓ) ናይ ዝነበሩ ደቆም ለይቲ ምስ መዓልቲ ይረኽቡ ኣሎዉ። ስለዙይ ሕዝቢ ኢሮብ ንተሓሕት ምሉእ ብምሉኡ ገፅ ኸሊኡዋ። ኢሮብ ከዓ ክምስሉ "ባሶት ኑማህ ፋይላ ባሶቲያሊህ ኩማገይሲሳ፡ ሳራቲያሊህ ኩሚታይሰነየ" (ናእዳ ናይ ቀዳመይቲ ሰበይቲ ምስ ቀዳመይቲ ኣየራኽበካ፤ ምስ ካልአይቲ ኣየሳኒየካ (ኣየሰማምዐካ)!" ይብሉ። ሐዚውን ልክዕ ከምኡ ኢዩ ኾይኑ። ስለዙይ ተሓሕት ዝነበራ መማረጺ ኣብ ኢሮብ ተሓቢኦም ዝንቀሣቐሱ ዝነበሩ ኣባላትን ምልሻን ናይ ዓሲምባ (ኢሕኣፓ) ሥራሕ ኢልካ ምህዳን ነይሩ። ኣብ ኢሮብ ተሓቢኦም ዝንቀሣቐሱ ዝነበሩ ናይ ዓሲምባ (ኢሕኣፓ) ኣባላት ዝኾኑ ደቂ ኢሮብን ተሓሕትን ብምግጫዎም ኣብ ማእኸል ኢሮብን ተሓሕትን ዓቢይ ፀገም ተፈጢሩ።

 

ደሓን እቱ ዝኾነ ነገር ሎሚ አብዙይ ስለዘይጠቕመና ተንክፍና ንሕለፎ። ዝኾነ ኾይኑ ክምሰል "ክልተ ሓርማዝ እንክበኣሱ፤ ዝጕዳእ ሣዕሪ ኢዩ" ይበሃል። ዓሲምባ (ኢሕኣፓ) ምስ ተበታተነት ተሓሕት ነዞም ኣብ ኢሮብ ተሪፎም ዝንቀሳቀሱ ዝነበሩ ናይ ዓሲምባ (ኢሕኣፓ) ኣባላት ትእልሾም ከምዝነበረት ግልጺ ኢዩ። ስለዝኾነ ድማ ብ1970 . ም ኣባላት ተሓሕትን ብሕቡእ ኣብ ኢሮብ ዝንቀሳቀሱ ዝነበሩ ደቂ ዓዲ ኣባላት ዓሲምባን (ኢሕኣፓ) ብፕሮጋራም ይኹን ወይ ብሃንደበታዊ ጎጎፍታ ወይ ድማ ብ"እዝኒ ጦባዪ" ምስ ተራኸቡ ይጋጨዉ። ብሰንኪዙይ ብሓዲሽ ዓመት ናይ 1971 . ም ብናይ ሽዑ ጊዜ ኣቦ ወምበር ናይ ተሓሕትን ናይ ሎሚ ዶ/ር ኣረጋዊ በርሀን ብዝተመርሐት ተሓሕት ብተፈጠረ ዘሕዝን ኩነታት እቱ ፀገም ኣብ ማእኸል ተሓሕትን ሕዝቢ ኢሮብን ይመሓላለፍ። ኣምሓሩ ክምስሉ "እንኳን ዘንቦብሽ ድሮውም ጤዛ ነሽ" (እንኳን ማይ ወቒዑኪስ ብዓንተቦውን ዘብዒ (ጥልቂይቲ) ኢኺ") ከምዝብሉ ብዓንተቦ እንቶ እንቶ ዝፀንሐ ርኽክብ ናይ ተሓሕትን ኢሮብን ናብ ሕማቕ ደረጃ ይበጽሕ።

 

"ክልተ ሓርማዝ እንክበኣሱ፤ ዝጕዳእ ሣዕሪ ኢዩ" ከምዝበሃል ኾይኑ ኣብ ማዕኸል ኣባላት ተሓሕት ኣባላት ዓሲምባን (እሕኣፓ) ብዝተፈጥረ ፀገም ምክንያት ተሓሕትን ሕዝቢ ኢሮብን ዓቢይ ፀገም ይፍጠር። ብዝመስል ኣብ ሓንጎል ሕዝቢ ኢሮብ ኣብ ገዛ ዓደይ ተገፋዕኹ ዝብል ትዕቢት ሓደረ፡ ኣብ ሓንጎል ብናይ ሎሚ ዶ/ር ኣረጋዊ በርሀ እትምራሕ ተሓሕት ድማ ምስ ዕጥቐይ ተደፈርኩ ዝበሃል ትዕቢት ሓደረ ዘብህል ኢዩ። በዓልቶም ኢሮብ ክምስሉ "ማፃጋዖ ማሊ ሚላደል ያፅጊዐ" (መፀጋዕታ ዝሰኣነሲ (ዘይብሉሲ) ኣብ መላጸዪ ይጽጋዕ!") ከምዝብሉ ብቱ ዝተፈጠረ ኩነታት ዝሓረረ መንእሰይ ኢሮብ ብ1971 . ም ምስ ደርጊ ኾይኑ ምስ ተሓሕት ክዋጋእ ይለዓል።

 

መንእሰይ ኢሮብ ምስ ደርጊ ኾይኑ ምስ ተሓሕት ክዋጋእ ይለዓል ደኣምበር እዙይውን ዞይሩ ዞይሩ "ክልተ ሓርማዝ እንክበኣሱ፤ ዝጕዳእ ሣዕሪ ኢዩ" ከምዝበሃል ኾይኑ ካብ ዓሲምባ (እሕኣፓ) ተሪፎም ዝነበሩ ቁሩባት መናእሰይ ኢሮብ ኣጥፊአምበር ካብዙይ ኢሮብ ዝረኸቦ ረብሓ ዋላ ሓንቲ ኣይነበረን። ስለሓቁ እንተበልና ኢሮብ ብኽንዲዙይ ብቐሊሉ ከም ትኪ በኒኑ ክጠፍእ ዘሎዎ ውድብ ክብል ገዛኢኡን ገዛኢ ምሉእ ኢትዮጵያን ክኸውን ምስ ዘሎዎ ውድብ አዳመዮ። ንኢሮብ ዘምጸኦ ረብሓ እንተሃለወ ካብቱ ዓሲምባ ተሪፉሉ ዝነበረ ቁሩብ ኣጥፊኡ ኣብ ናይ ጽባሕ መንገዱ እሾኽ ምትካል ኢዩ።

 

እዙ ጕድኣት እንታይ ነይሩ ምባል ኣድላዪ ጥራሕ ከይኾነስ ግቡእ ኢዩ። ብዛዕባዙይ ካባይ ብዝበለፀ ኣብ ኩነታቱ ብኣካል ነባራይ ዝኾነ ማንም ኢሮብታይ ክዝርዝሮ ጥራሕ ከይኾነስ መዓት መጻሕፍቲ ክጽሕፈሉ ዝኽእል ጉዳያት ኢዩ። ግዳ ክምቱ ኣብ መጀመሪያ ናይዙ ሣልሣይ ክፋል ከምዝበልኩዎ ንሱታት ንምፍትፋት ሐዚ ሓሣብ የብለይን። ኣድላዪ ስለዘይኮኑ ኣይኮነን። ብጣዕሚ ኣድላዪ ኢዩ። ወይ ስለዘይሕመኒ ኣይኮነን። ብጣዕሚ ይሕመኒ ኢዩ። ንኢሮብ ዝትንክፍ ነገር ኩሉ ነዓይ ብጣዕሚ ኣድላዪ ስለዝኾነን ብጣዕሚ ስለዝሕመኒን ኢየ እዙይ ዝጽሕፍ ዘሎኹ። ግንከ ከምቱ ኣቀዲመ ዘልዓልኩዎ ኣብዙ ሐዚ ሰዓት ካብኡ ንላዕሊ ኣፀጋሚ ዝኾነ ኩላትና መዓንጣና ሸጥ ኣቢልና ክንዕጠቐሉ ዘሎና ካልእ ነገር ስለዘሎ እዚኣት ንቱ ዝደሊዮ ነጥቢ ኣየርጉደለይን። ምናልባት ኣድላዪ እንተኾይኑ ኮምፒዩተር ካብ ዘሎዎም ንላዕሊ ንዘይብሎም ስልዝምልክትን ስለዝትንክፍን ብሥነ ሥርዓት ኩሉ ምስተረጋገአ ምስ ዝምልከቶም ክዝተ ዝከኣል ኢዩ። ኣድላዪ እንተዘኾይኑን ካብኡ ዝሐፈስ ምህርቲ ዘይምህላዉ እንተርኣየን ከዓ ይሕለፍ። ምናልባት ንታሪክ እንተተደሊዩ ድማ ሽዑ ይረአ።

 

 

መዛዘሚ ናይ ሣልሣይ ክፍሊ

 

ኣወዳድቓ ዓሲምባ (ኢሕኣፓ) ናይ ብሓቂ ዕሊ ዘይብሉ ነይሩ።እቱ መወዳእታ ኩነታት ናይ ኣባላት ዓሲምባ (እሕኣፓ) ክረአ ከሎ ዓሲምባ (እሕኣፓ) ከም ናይ ፖለቲካ ውድብ ንኣባላታ ዘተኣሣስር ካብ ሥቡቕ ትምኒት ዝሓልፍ ምንም ከምዘይነበራ ብግልጺ ዘርኢ ኢዩ። ብሓጺሩስ ከምዙ "ዑምቡሉክ ጾቕላ (ኳና ዕንጉለ)" ከምዝበሃል ዓይነት ማለት ኢዩ። ንኢሮብ ዓሲምባ ብኸምዙይ ትጠፍእ ኢሉ ክኣምን ወይ ክሓስብ ናይ ብሓቂ ከምዙ ሰማይን ምድሪን ንኽጣበቑ ዓይነት ትንግርት ነገር ኢዩ ነይሩ።

 

ኢሮብ ዓሲምባ (ኢሕኣፓ) ትሙት ምባል ጥራሕ ከይኾነስ ብደርፊ ከይተረፈ ንተሓሕት ክፀርፉ ፀኒሖም ኢዮም።ኣነ ባዕለይ እንኳን ዝዝክረን እኒሆዋ። ሓንቲ ቢሮብ ሣሆ ኢያ።"ትግራይ ገድሊኮ ኣባሐ ባላሶ ኣክ-ክሒዮኡ። (ካብ ገድሊ ትግራይስ ዝበስበሰ በለስ እፎቱ።) እተን ናይ ትግራይ ድማ፡ ወይ እንተቐባባልካ ወይ ድማ ነንበይኑ፡ "እስኪ ኣማኽረኒ ንዓሲምባዶ ትግራይ ይሕሸኒ"። እታ መልሳ ድማ "ኣነ መኺረካ ንዓሲምባኻ ምካድ ይሕሸካ"::

 

"ክልተ ሓርማዝ እንክበኣሱ፤ ዝጕዳእ ሣዕሪ ኢዩ" ከምዝበሃል ኾይኑ ኣብ ማዕኸል ኣባላት ተሓሕትን ኣባላት ዓሲምባን (እሕኣፓ) ብዝተፈጥረ ፀገም ምክንያት ተሓሕትን ሕዝቢ ኢሮብን ዓቢይ ፀገም ተፈጢሩ ከምዝነበረ ኩልና እንፈልጦ ኢዩ። በዓልቶም ኢሮብ ክምስሉ "ማፃጋዖ ማሊ ሚላደል ያፅጊዐ" (መፀጋዕታ ዝሰኣነሲ (ዘይብሉሲ) ኣብ መላጸዪ ይጽጋዕ!") ከምዝብሉ ብቱ ዝተፈጠረ ኩነታት ዝሓረረ መንእሰይ ኢሮብ ብ1971 . ም ምስ ደርጊ ኾይኑ ምስ ተሓሕት ክዋጋእ ይለዓል።

 

ብታሪክ ከምእንሰምዖ ኢሮብ ብብዙሕ መልክዕ ንባሕሉን ንመንነቱን ኣሐልዩን ኣኽቢሩን ዝፀንሐ ሕዝቢ ኢዩ። ስለዝኾነ ድማ እቱ ዘጋጠሙዎ ኩነታት ክብሩን መንነቱን ዝገሃሱ ኾይኑ ስለዘተሰመዖ ብዘይመጠን ከምዘኾረዮ ዘየጠራጥር ኢዩ። ዋላ ሐዚውን ምልስ ኢልና ክንርእዮ ኸሎናሞ "ሽዑኡ ኢሮብ እንታይ መማረጺ ነይሩዎ?" ኢልና ክንሓትት ከሎና ኣነ ንባዕለይ ካለእ ዘዕግብ መልሲ ክረኽበሉ ብሓቂ ይጽግመኒ። ምክንያቱ ኣብዙይ ክረአዩ ዘሎዎም ሠለስተ መዳያት ኣሎዉ፡ ቀዳማይ ዓሲምባ (እሕኣፓ) ኣብ ልቢ ሕዝቢ ኢሮብ ሃኒፃ ዝገደፈቶ ስምዒትን ምስ ጠፍአትውን ዘስዓበቶ ፀገም ኢዩ። ካልኣይ ምስቱ ካብ ዓሲምባ (እሕኣፓ) ካብ ዘትረፎ ጽዒንቶ ተወሣኺ ኣብ ገዛ ዓዱ ከምዝተደፈረ ኾይኑ ዝስምዖ ኢሮብ ኢዩ። ሣልሣይ ድማ ኣብ ኤውሮጳ ሠለስት-ዓሠርተ ዓመታት (three decades) ፀኒሖም ናይ ዶክተረይት ዲግሪ ጽዒኖም ንዓዶም ድሕሪ ምምላሶም ንዙ ናይ ሎሚ ጊዜ ትግራይን ተጋሩን "ትማሊ ውሉደይ (ዓደይ)፡ ሎሚ ግን ኣይውሉደይን (ኣይዓደይን)" እናበሉ ሕነ ብዝሓስቡ መራሕቲ ትምራሕ ዝነበረት ተሓሕት ኢያ።ስለዙይ እዚኣቶም ኩሎም ነናይ በዓልቶም እጃም ከምዘወፈዩ ምንም ሕቶ የብሉን። እንተኾነ ግዳ ሐዚውን እሂን ምሂን ተባሂሉ ዘይፍታሕ ክህሉ ነይሩ ክበሃል ኣይከኣልን።

 

መወዳእታኡ ግን ከምቱ ደጋጊመ ዘምጽኦ ዘሎኹ ኢዩ፡ "ክልተ ሓርማዝ እንክበኣሱ፤ ዝጕዳእ ሣዕሪ ኢዩ" ከምዝበሃል ኾይኑ ኣብ ማዕኸል ኣባላት ተሓሕትን ኣባላት ዓሲምባን (እሕኣፓ) ብዝተፈጥረ ፀገም ምክንያት ዝተጎድአ ሕዝቢ ኢሮብ ኢዩ። ከምኡ "ክልተ ሓርማዝ እንክበኣሱ፤ ዝጕዳእ ሣዕሪ ኢዩ" ከምዝበሃል ኾይኑ ኣብ ማዕኸል ተሓሕትን ደርጊን ዝተጎድአ ሐዚውን ሕዝቢ ኢሮብ ኢዩ። ካብ ዓሲምባ (እሕኣፓ) ተሪፎሙሉ ዝነበሩ ዳግም ዘይርከቡ መንእሰይ ካብ ምስኣኑ ሓሊፉ ከም ጊሐ ሠፈሩ ኣርሲሑ።

 

Back to Front Page