Back to Front Page

ልቢ ግበር ኢሮብ! ትዕዝብቲ ዝኾነካ ኣይወሓደካን! (ካልኣይ)

ልቢ ግበር ኢሮብ! ትዕዝብቲ ዝኾነካ ኣይወሓደካን! (ካልኣይ)

 

ዓሣ ዮሓንስ 05-06-20

 

"ጽቡቕ ዝገበረስያ ጽቡቕ እንተዝረክብ ብዕራይ ድቋ ምሰተየ!" "ለ ጋሕቶናየ ካዳድ ጋደ?" (ከዓነ ክትምለሱ ናብ ሩባ ካዳድ?")

ካልኣይ ክፍሊ

ኢሮብ ብሰንኪ ፍቕሪ ዓሲምባ (ኢሕኣፓ) ኣኽቢሩዎ ዝፀንሐ ደረት ዓዱን፤ ባሕሉን፡ ሃይማኖቱን ተደፊሩ።

ቀዳማይ ክፍሊ ናይ ጽሑፈይ ብዛዕባ ኣብ ኢሮብ ዝረገፁ ናይ ፖለቲካ ውድባት ገለግሊኡ ንጥቢታት ተነኻኺፈ ዓሲምባ (ኢሕኣፓ) ብኸመይ፡ ንምንታይ፤ እንታይ እንታይ ብልኃታት ተጠቒማ ንኢሮብ ከምዝተቆጻጸረት ክዝርዝር ፈቲነ ኣሎኹ። ምስኡውን ከምዝረኣናዮ ዓሲምባ (ኢሕኣፓ) ንኢሮብ ካብ ንብረቱ፤ ነብራኡ፡ ሥድራኡ፡ መንፈሱ፤ ክሻብ ልቡ ተቆጻጽራ ኢሮብ ዳርጋ "ሥጋ ዓሲምባይ!" እናበለ ናብ ምምሓል በጺሑ ከምዝነበረውን ተንኪፈ ኣሎኹ። ዓሲምባ (ኢሕኣፓ) ካብ ኢሮብ ብቱ ጊዜቱይ ዝፍለጡ ዝነበሩ ለያቡን፡ ገበነይናታትን፤ ግፍዐይናታትን መሥመር ኣትሒዛ ከምዝነበረትውን ትንክፍክፍ ኣቢለ ኣሎኹ።

ኣብ ካልኣይ ክፋል ናይዙ ጽሑፈይ እምበኣር ዓሲምባ (ኢሕኣፓ) ንኢሮብ ካብ ሰብን ኸልቢን ክሻብ ሑፃኡን ሓመዱን ተቆጻጽራቶ ኢሮብ ዳርጋ "ዓሲምባይ ትሙት" እናበለ ናብ ምምሓል ደረጃ በጺሑ ከምዝነበረ ዝዝከር ኢዩ። ይኹንደኣምበር ዓሲምባ (ኢሕኣፓ) ኣብ ኢሮብ ኣብ ዝነበረትሉ ጊዜ ኣብ ኢሮብ ባሕሊን፡ መነባብሮን፡ መንፈሣዊ ይኹን ሞራላዊ ከይድታትን ብኸመይ ከምእተለወጠን፤ ኣብ ኩለመዳያዊ ነብራን ሕይወትን ኢሮብ እንታይ

 

ዓይነት ጽዒንቶ ከምዘስዓበን ዘመላኽቱ ትዕዝብታተይ ክዝርዝር ክፍትን ኢየ። ምስኡውን ዓሲምባ (ኢሕኣፓ) ዘመናዊ መሣሪዕያ ተሓንጊጣ ብግንፅልየ ብሚኒሽርየ ተጠፍጢፋ እግረይ ኣውጽኢኒ ኢላ እትሃደመሉ ኣብ ዝነበረ ቅንያት ዝተፈፀሙ ሓደ ሓደ ኩነታት ክድህስስ ክፍተን ኢየ።

ኣብ ማእኸል ዝተወሰኑ ቤተሰባትን ዓለታትን ከባቢታትን ብዘመን ዓሲምባ (ኢሕኣፓ) ተተኺሎም ንዓመታት ክፍትሑ ዘይከኣሉ ፀገማት ኣሎዉ።

ኣብ 1960ታት ዓ. ም ብዙኃት መናእሰይ ኢሮብ ንሸቕሊ ናብ ዝተፈላለየ ክፍሊታት ኤርትራ ይስደዱ ነይሮም። እዚኣቶም ምመብዛሕቲኡ ንዝተወሰኑ ኣዋርሕ እንተበሐ ከዓ ንክልተ ዓመት ድሕሪ ምሽቃሎም ናብ ወለዶምን ዓዶምን ይምለሱ ነይሮም። ዝጠፍአ ኣሎ ተባሂሉ ክውረ ኣይፀንሐናን። ብፍላይ ግን ኣብ ታሪክ ኢሮብ ሓደ ወዲ ኢሮብ ካብ ገዝኡ ብሰብ ተወሲዱ ኣብዙይ ነጠበ ከይተብሃለ ጠፊኡ ተሪፉ ክበሃል ንመጀመሪያ ጊዜ ዝተሰምዐ ብዘበን ዓሲምባ (ኢሕኣፓ) ኢዩ። ከምዙይ ዝበለ ቂያ ብኣፈ ታሪክውን ኣይፀንሐናን። ካብ ገዛኡ ካብ ምውሳዱን ምጥፋኡን ዝገድድ ግን እቱ ኣጠፋፍኣኡ ኢዩ። ቤተስብ ጥራሕ ከይኾኑስ ኢሮብ ክምዘሎ ብዛዕባዙ ኩነታት ዘይሓትት ኣይነበረን። ክሻብ ሐዚውን ይሓትት ኢዩ። ክሻብ ሎሚ ብዝፍለጥ ግን ማንም ምንም ዘዕግብ መልሲ ከምዘይተረኸበ ኢዩ። እዙ ኣጥፋፍኣን ተዓቢጡ ምትራፉን ኣብ ማእኸል ኢሮብ ብዙሕ ጥርጠራ ካብ ምሕዳሩ ካልእ፡ ንጽሬት ዓሲምባው (ኢሕኣፓ) ካብዙ ኩነታትውን ናብ ሕቶ ዘእተወ ኢዩ። ስለዙይ ብዘመን ዓሲምባ (ኢሕኣፓ) ኣብ ሓደ ሓደ ዓዲታት ንምዕራዩ ዝሸግር ኩነታት ተዘሪኡ ምትራፉ ግልጺ ኢዩ።

Videos From Around The World

ብርግፅ ሕይወት ሰብ ክቡር ምዃኑ ምንም ኣብ ሕቶ ክኣቱ ዘይኣቱ ነገር ኢዩ። ብተመሣሣሊ መልክዕ ድማ ኣብ ዓድና መረት ወዲ ሰብ እታ መለዋወጢ ዘይብላ ሕይወቱ ዘሕልፈሉ ከምዃኑ ኩሉ ዝፈልጦ ኢዩ። ኣባላት ዓሲምባ (ኢሕኣፓ) ታሪካዊ መዛግብቲ ካብ ተቖሊፉሉ ዝነበረ ሣፁን ወሲዶም ብምጥፋኦም ሐዚ ኣብ ኢሮብ ፀገም ናይ ደረት ኣምጺኡ።

መረትን ደረትን ኣብ ባሕሊ ምዕራባዊያን ፀገም የብሉን። ዝኾነ ሰብ ኣብ ዝደለዮ ቦታ ከም

 

ወዲ ዓዲ ኮይኑ ክነብር ይኽእል ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስን ቁርዓንን መሠረቶም ዝኾኑ ባሕሊ ምሥራቅ ብፍላይ ከዓ እዞም "ሰሚቲክ ካልቸርስ (Semitic Cultures)" ዝመሠረቶም ኅብረተ ሰባት ግን ምስ እምነቶምን ሃይማኖቶምን ዝተተሓሓዘ ብምዃኑ መረት ካብ ሕይወት ንላዕሊምበር ካብኡ ንታሕቲ ኾይኑ አይረአን። ንኣብነት ብብዝሒ ገንዘብ ንዓለም ዝመርሑ በዓል ሳዑዲ ዓረቢያ ምንጪ እዙ ገንዘቦምን ሃብቶምን ብቐጥታ ምስ መረት ዝተተሓሃዘ ኢዩ። ሕዝቢ ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብ ሃገረሰብ ኢትዮጵያ ሕይወት ባዕሉ ምስ መረት ዝተተሓሓዘ ኢዩ። ስለዙይ መረት ነዚኣቶም ሕይወት ኢዩ።

ኣብ እኒ ኣሜሪካን ኤውሮጳን ግን መደቀሲ እትኾኖም ገዛ እንዲሕሪ ሒዞም ካብኡ ሓሊፉ መረት ንመዘናገዒን ጊዜ መሕለፊን ንተወሣኺ መተንፈሢኦምን እንተዘይኾይኑ ኣብ ልዕሊ ሕይወቶምን ነብራኦምን ዘስዕቦ ምንም ነገር የብሉን። ስለዝኾነ ድማ ደስ ከምዝበሎም ገይሮም ክድርቱ ስለዝኸእሉ ብናተይ ኣረኣእያ ንምሥራቃዊያን መረቶም ክድረተሎም ናብ ምዕራባዊያን ምኻድ ማለት ኣብ ማዕኸል ጎረባብቲ ሃገራትን: ቁሸታትን ነባሪን ዝገደደ ናዕቢን ደምን ምትካል ማለት ኾይኑ ይረኣየኒ።

ኢሮብ ብወገን ትግራይ/ኢትዮጵያ ኾይኑ ምስ ኤርትራ ናይ ሓባር ደረት ኣሎዎ። ኣብ ማእኸል ኢሮብን ኤርትራን እትርከብ በረኻ ዘገብላ ትበሃል። ካብዞም ኣብ መጀመሪያ ስሞም ካብ ዝጠቐስኩዎም ናይ ፖለቲካ ውድባት ኣብ ማእኸል ዓይጋን ሞኖኩሶይቶን እትርከብ በረኻ ዘገብላ ዘይፈልጥን ዘይረገጸን ክህሉ ዘይሕሰብ ኢዩ። በረኻ ዘገብላ ኣብ ውሽጢ ኢሮብ ብጣዕሚ ደስ ካብ ዝብሉን ንሰብ ብብዙሕ ነገራት ካብ ዝጠቕሙን ቦታት ሓንቲ ኢያ። ዘገብላ ናይ ከባቢን ናይ ርሑቕን ሰብ ንሣዕሪ እንሣሳኡ ይኹን ገዛ ንምሥራሕ ይኹን ንማሕረስን ንካልእን ዘድልዮ ኣእዋም ንምእላሽ ዝጥቀመላ ዝነበረት በረኻ ኢያ። ንኣብነት ኣቦይን ሓውቦይን ኣብ ዘገብላ ንሕቢ ብምርካብ (ድላለት ኒሒሰኒት) ውሩያት ነይሮም። ብዝኾነ ይኹን ምክንያት ዓይጋን መኖክሶይቶን ኣብ ማእኸሎም ብእትርከብ በረኻ ዘገብላ ምክንያት ንነዊሕ ዓመታት እናተባኣሱን ክሻብ ኣዲስ ኣበባን፡ ዓዲ ቐይሕን ኣሥመራን እናተከራኸሩን እናተሟገቱን ምጽናሖም ዝዝከር ኢዩ።

ኣብዙይ ናብ ካልእ ቅድሚ ምሕላፈይ ምስ ዘገብላ ኣተሓሒዘ ብዛዕባ ግራዓናን፡ ኮለትን፡ ሞኖኩሶይቶን ዝሰማዕኹዎ ክዛረብ ። ነበርቲ ግራዓናን ኮለትን ኩሎም ኣብ ኤርትራ ምንም

 

 

ደም ዘይብሎም ኢሮብን ሱሩኩሶን ኢዮም። እዙይ ምንም ሕቶ ዘይብሉ ኢዩ።

ኣብ መወዳእታ 1890ታት ዓ. ም አቢሉ ኣብ ዓድዋ ዝነብር ዝነበረ ካብ ግብፂ ብዝተልኣኸ ብናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ኣቡን ተኣዊጁ ኣብ ልዕሊ ካቶሊካዊያን ኣመንቲ ዘመቻ ስደት ተላዒሉ ነይሩ። ብፍላይ ኣብ ቀረባ ዝነበሩ ናይ ስቡሓ ሣዕሢዕን ጎልዓን ካቶሊካዊያን ኣመንቲ ናይዙ ዘመቻ ሰለባ ኾይኖም ፀገማት በጺሑዎም ነይሩ። ገዛውቶምን ንብረቶምን ኣቃጽሎሙሎም፡ ዝሞቱ ከዓ ሞይቶም። እቶም ብሕይወት ዝተረፉ ድማ ክልተ ዕድል ጥራሕ ነይሩዎም። ቀዳማይ ዕድል፡ እቱ ቅድሚ ሐዚ ዝነበሮም ንብረቶምን መረቶምን ሒዞም ኣብ ዓዶም ክቕመጡ እንተደልዮም እቱ ሒዞሙዎ ዘሎዉ ናይ ካቶሊክ እምነት ከድዖም ናብ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ሃይማኖት ክምለሱ ኣሎዎም። ካልኣይ ዕድል፡ እቱ ዝሓዙዎ እምነት ካቶሊክ ምቕያር ዘይደለዩ እንተኾይኖም ግን ንብረቶምን ዓዶምን ገዲፎም ብቕልጡፍ ካብ ዓዲ ክወጹ ነይሩዎም።

ገሊኦም ናብ ተዋሕዶኦም ከምለሱ ኸሎዉ፡ እቶም ኣብ ጎልዓን ሣዕሢዕን ኩሉ ነብራኦም ርግፍ ኣቢሎም ገዲፎም ክስደዱ ዝመረፁ ናብ ኢሮብ ዓሊተና ተሰደዱ። ሽዑኡ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ጣሊያን ነይራ። ብዛዕባ እዞም ዝተፈናቀሉ ካቶሊካዊያን ናብ ቫቲካን (ሮማ) ይጸሓፍሞ ተኣልሹ ግቡእ ቦታ ንክወሃቦም ንድሕሪ ሐዚ ከዓ ሓደጋን ግፍዒን ከይበፅሖም ግቡእ ምክልኻል ክግበረሎም ካብ ቫቲካን ኣብ ኤርትራ ናብ ዘሎ ኃይሊ ጣሊያን መልዕኽቲ ይለኣኽ። ጣሊያን ድማ ንዞም ዝተሠደዱ ሰብ ጎልዓን ሣዕሢዕን ካብ ፎርቶ ክሳድ ብሩኻ ንምዕራብ ዘሎ ቆላማ ቦታ ይህቦም።

ኣሻዒቱ ከም ሚስለነ ዓይነት ዝፀንሑ ናይ ከባቢ ኣማሓዳሪ እዚኣቶም ከማና ተጋሩ፡ ኢሮብን ኢዮም። ምሣና ድማ ሃይማኖትና ሓደ ኢዩ። ስለዙይ ንክንቀራረብ ኣብ ቀረባና ዘሎ ነፃ ቦታ ይወሃቦም" ኢሎም ንመንግሥቲ ጣሊያን ይልምኑዎም። ኣሻዒቱ ሞኖክሶይቶ ማንም ዘይብላ ነፃ መረት ሱሩኩሶን ኢሮብን ነበረት። መንግሥቲ ጣሊያን ከዓ ነፃ መረት ምስ ረኸበ ሞኖሶይቶ ካብ ጎልዓን ሣዕሢዕን ንዝተሰደዱ ካቶሊካዊያን ተጋሩ ሂቡዎም። ኣሻዒቱ ይትረፍዶ ዘገብላ ዓዲ ሠራው ከይተረፈ ክሻብ ሩባ ዛራ ዘሎ ናይ ኢሮብ (ዓይጋ) መረት ነይሩ። ካብ ሩባ ዛራ ናብ ብሊሕቲን ኣፍ ዋሓኻን ገጽ ዘሎ ድማ መረት ሱሩኩሶ ነይሩ። ግዳ ተሰድዶም ዝመፁ ከም ኢሮብን ሱሩኩሶን ተጋሩን ኢሮብን ስለዘነበሩ ሱሩኩሶ

 

 

ጎልጎል ሞኖክሶይቶ ክሻብ ኮለተ-ግራዓና፤ ኢሮብ ድማ ዓዲ ሠራው ክሻብ ዓላዉማ ምሉእ ብምሉኡ ገዲፎሙሎም።

ካብ ኢሮብ ቀረባ ጎረበት ናይ ሞኖኩሶይቶ ዓይጋ ነይሮም። ኣብ ሞኖኩሶይቶ ድማ ዘገብላ ከም ርስቲ ኣቦኦም ሒዞም ዝነበሩ ወዲ ኢሮብ ስለዝነበሩ፡ ኣብ ማዕኸሎም ድማ ካልኦት ኢሮብን ፈተውቲ ኢሮብንውን ስለዝነበሩ፤ ኣብ ማእኸል ዓይጋን ሞኖሶኩይቶን ዘላ በረኻ ዘገብላ ንኸፍቲ ሓቢሮም ክጥቀሙላ ሱቕ ኢሎሙዎም። (ባድመውን ንኤርትራ ብተመሣሣሊ መልክዕ ንመውፈሪ ኣሓ ተባሂላ ክምዝተውሃበትን ግብሪ ይኽፈለላ ክምዘነበረን ልዑል ራዕሲ መንገሻ ሥዩም አብ ቃለ መሕትት ክዛረቡ ሰምዐ ኣሎኹ።)

ቀስ ብቀስ እምበኣር ሥሥዕቲ እናደፍአ ምስከደ ኣብ ማዕኸል ዓይጋን ሞኖኩሶይቶን በብጊዜኡ ክርክርን ባእሲን እናሓየለ ኸደ። ሞጎትን ክርክርን ድማ ክሻብ ኣዲስ ኣበባን፡ ዓዲ ቐይሕን ኣሥመራን እናተስፋፈሐ ኸደ። ዎና ወልደጊዮርጊስ ወልዱ ናይ ሽዑ ጊዜ ጭቃ ሹም ናይ ዓይጋ ዝነበሩ አብ ኣዲስ ኣበባ ይኹን ኣብ ኤርትራ ሰብን ሓገዝን እንተዘይነበሮምኳ ዝተፈለጡን ብርቱዕን ስለዝነበሩ ክሻብ ሎሚ "ዓይጊ ዛጋብላ (ዘገብላ ናይ ዓይጋ)" እትበሃል በረኻ ዘገብላ ገና ካብ እድ ዓይጋ ኣይወፀትን ፀኒሓ።

ወዮ ዓሲምባ (ኢሕኣፓ) ኢሮብ ሒዛ ኸላ ከም ልማዱ ኣብ ማዕኸል ሞኖኩሶይቶን ዓይጋን ኣብ ዘገብላ ዕግርግር ይለዓል። ኣባላት ዓሲምባን (ኢሕኣፓ) ናይ ሽዑ ጊዜ ሃገረሰብን በረኻታትን ኤርትራ ሒዞም ዝነበሩ ጃብሃን እቱ ዕግርግር ብቐሊሉ የረጋገእዎ። ብድሕሪኡ ገሊኦም ኣባላት ዓሲምባ (ኢሕኣፓ) (ክልተ ደቂ ኢሮብ) ናብ ዓርካማለ ናብ ገዛ ናይ ጭቃ ሹም ናይ ዓይጋ ናብ እዳ ዎና ወልደጊዮርጊስ ወልዱ (ወልደጊዮርጊስ ዓይጋ) ኸይዶም ክንከራኸረሉ ኢና ኢሎም መዛግብቲ ካብ ሣንዱቕ አውጽኦም ወሲዶም ኣበይ ከምዘጥፍእዎ ኣይፍለጥን። ካብቶም መዛግብቲ ዝወሰዱ ክልተ ደቂ ኢሮብ ሓደ ብሕይወቱ ኣሎ።

ብዙ ጊዜ ምድራት ወሳስን ኢትዮጵያን ኤርትራን እዙ መዛግብቲ ተሓቲቱ ክርከብ ስለዘይተኽኣለ ብዙሕ ሕንፍሽፍሽ ከምዝፈጠረ ገና ኽሻብ ሐዚውን ፍታሕ ዘይተረኸበሉ ጉዳይ ምዃኑ ኩላትና እንፈልጦ ምሥጢር ኢዩ። እቶም ዓለም ለኸ ደረቲ ከምቱ ኣብ ላዕሊ

 

 

ዝጠቐስኩዎ ካብ ብፎርቶ ናይ ክሳድ ብሩኻ፡ ብመዝባ ገይሩ ናብ ናባ ጋደ (ዓቢይ ሩባ) ናብ ትግራይ ገፅ ዘሎ መረት ኩሉ ኣብ ውሽጢ ክልል ካርታ ናይ ጊዜ መሸጣ ኤርትራ ናይ ሚኒሊክ ተከሊሉ ስለዘይፀንሐ፡ ክልተ ጊዜ ናብ ናይ ኢትዮጵያ ካርታ ተደሪቱ ቐሪቡ ክምዝነበረ ይንገር። እንተኾነ ግን ኢትዮጵያ ቅድሚ ወራር ኣብ ምምሕዳረይ ዘይፅንሐ መረት ኣይደልን ኢላ ከምዝነፀገቶ ይውረ።

እቱ ኣባላት ዓሲምባ (ኢሕኣፓ) ካብ ሣንዱቑ ናይ ዎና ወልደጊዮርጊስ ዓይጋ አውጽኦም ዘጥፍእዎ መዝግብቲ ኩሉ ብዛዕባ እዙ ደረት ዝትርኽን ንዙ ደረት መሠረት ገይሩ ክሣብ ኣዲስ ኣበባን፡ ዓዲ ቀይሕን ኣሥመራን ክርክር ዝግበረሉ ዝነበረን ኢዩ። "እቱ ሓደ ብገርሁ እቱ ሓደን ብጕርሑ!" ከምዝበሃል ካብቶም መዛግብቲ ካብ ሣፁን ናይ ዎና ወልደጊዮርጊስ ዓይጋ ካብ ዝወሰዱ ክልተ እቱ መዛግብቲ ወሲዱ ኣብ ኢድ ደገፍቲ ሞኖኩሶይቶ ዘረከበ ኣባል ዓሲምባ ብሕወይቱ ኣሎ። እቱ ካልኣይ ግን ከምዝበሃል እንተኾይኑ ምስኡ ናብ ደርጊ ብዝኣተዉ ኣባላት ዓሲምባ (ኢሕኣፓ) ተጠቁሙ ብደርጊ ተዓፊኑ ተወሲዱ ደርጊ እንታይ ከምዝገበሮ አይፍለጥን።

እስቲ ልቢ በሉ ኢሮብ! እንታይ ይመስለኩም? ብናተይ ኣረኣእያ እቱ መዛግብቲ እንተዝህሉን: እቱ ዝወሰዶ ኢሮብ ቅንዕናን ከም ኢሮብ ሓቦ እንተዝህልዎን ንባዕሉኳ ከም ኢሮብታይ ሓቦ እንተዘይበለ እዙ ክርክር ዶብ ክለዓል ከሎ ንቶም ምስኡ ንዝነብሩ እዙ መዛግብቲ ዝምልከቶም ደቂ ኢሮብ ከረክብ ምተገበኦ ነይሩ:: ግን አይተገብረን! ካብታ ዝወሰደላ መዓልቲ ንደሓር ብዛዕባ እዞም መዛግብቲ ኣልዒሉኳን ኣይፍለጥን። ሐዚማ ብዝገደደ ኣይፈልጦ፡ ኣይተንከፍኩዎ ከምዝበሃል ወይ ናብቱ ብሕይወት ዘየለ ሰብ ከምዝሳበብ ጥርጥር የብሉን።

ይኹንደኣምበር ካልእ ምንም ዘይጠራጠረሉ ነጥቢ ከዓ እቱ ምስኡ ዝነበረ ኢሮብታይ ሎሚ ብሕይወቱ እንተዝህሉ እዙ ዘረባ ዶብ ክለዓል መዓልቲ ንቱ መዛግብቲ ዋላ ካብ ስኒ ሓርግጽን ዋዕሮን ስሒቡ ኣውጽኡ መቕረበ ነይሩ። ወይ ከዓ ፀገም ክፍጠር ነይሩ።

እዙ ካብ ሣፁን ዎና ወልደጊዮርጊስ ዓይጋ ዝጠፍአ መዛግብቲ ብዛዕባ ዘገብላ ጥራሕ

 

 

ኣይኮነን ዝነበረ። ከምቱ ኣቐዲመ ከምዘገለጽኩዎን እቶም ዓለም ለኸ ደረቲ ወሰንውን ከምዝበሉዎን ይትረፍያ ዘገብላ ሞኖኩሶይቶን ከባቢኣን እውን መረት ኢሮብን ሱሩኩሶን ከምዝነበረ ዝከራኸሩሉ ኢዩ ነይሩ። ሎሚ እዙ መዛግብቲ ብምጥፋኡ ፍርቂ ምድርባ፡ ፍርቂ ሰበያ፡ ፍርቂ ዓጋራለኮማ ዘበለ መረት ኢሮብን ሱሩኩሶን ንኤርትራ ተወፊዩ ኣሎ። እቱ አባላት ዓሲምባ (እሕኣፓ) ዘጥፍኡዎ መዛግብቲ እንተዘፀንሕ ሚኒሊክ ኤርትራ ንጣሊያን ክሸይጥ ከሎ ናብ ካርታ ኤርትራ ዘይተከለለ ካብ ፎርቶ ክሳድ ብሩኻ ቀጥ ኢሉ ናብ ናባ ጋደ ተሓዊሱ ካብኡ ናብ ትግራይ ግፅ ዘሎ መረት ናብ ዓዱ ናብ ትግራዩ ምተመለሰ ነይሩ። መረዳእታ ክኸውን ዝነበረ መዛግብቲ ኣባላት ዓሲምባ (ኢሕኣፓ) ስለዝጥፍእዎ ግን ህንኩም ውሰዱ እናተብሃለ ዘይናትና አይንደሊን ተባሂሉ ተሪፉ። ባሕሊ ኢሮብ ብዓሲምባ (ኢሕኣፓ) ተጋሂሱ፡ ጠቕላላኡ ቁልቁል ኣፉ ተድፊኡ።

ዓሲምባ (ኢሕኣፓ) ኣብ ኢሮብ ኣብ ማዕኸል ዓቢይን መንእሰይን፤ ኣብ ማዕኸል ኣንስትን ሰብኡትን፡ ኢሉውን ኣብ ማዕኸል ውሉድን ወላዲን ዝነበረ ናይ ተኣዝዞን፡ ምትሕፍፋርን ምክብባርን ናይ ምትሕግጋዝን ምትሕልላይን መንፈስ ጠቕላላኡ ንክጠፍእ ገይራቶ። ምስኡ ድማ ዓበይቲን ፈላጣትን ኢሮብ ብሱሩ መድሓርሓርቲ፡ ከበርቴ፡ ፊውዳል፡ ወዘተ ወዘተ ዝመሣሠሉ አስማት ተለጢፉሎም ዓባሣት ኮይኖም ተሪፎም ነይሮም። ኣሻዒቱ በጣዕሚ ገኒኖም ካብ ዝነበሩ ምስላታት ኣነ ባዕለይ ዝዝክሮምን ብጣዕሚ ዝፈትዎምን ኣብዙይ ከልዕሎም።

እታ ናይ መጀመሪያ ሓደ ዓቢይ ሰብኣይ ኣብ ዓደይ ክዛረቡዎ ብእዝነይ ዝሰማዕኹዎ ኢዩ። "ካፊት ዳላያ ኣፋህለ ኣባ ያ(ድሐ)፡ ኤልያሚንትንጉለ ኖባ(ያ)(ንኦባያ) ያ(ድሐ) (ውላድ ናይ ሎሚሲ ብኣፉ ኣባባ (ኣቦይ) ይብል፡ ክትመጾ ከሎኻ ግን ስምዑኒ ይብል)"። እታ ካልኣይቲ ድማ ሓደ ዓቢይ ሰብኣይ ዝነገሩኒ ኢያ። ሓደ ጊዜ ሓደ ሕፃን ቆልዓን ብምርኩስ ዝኸዱ ሽማግለን ኣብ መንግዲ ተራኺቦም። መፀፀ ቆልዓ "ኣቦይ ዓቢይ፡ በዓል ንስኻትኩም እናሃሎኹም ንምንታይ ኢያ እዛ ሞት ነዓና መንጢላትና እትኸይድ" ይብሎም። እቶም ሽማግለ ድማ "ቅድሞትካ እዙ ወደይ! እዙይዶ ፈሊጥካለይ? ሞት ነዓና ክትወስድ ትመፅእሞ ኣብ ወምበርና ኮፍ ኢልኩም ስለትጸንሑዋ መንጢላትኩም ትኸይድ" ይብሉዎ።

 

ዓሲምባ (ኢሕኣፓ) መብቲን ማዕርነትን ትኣውጅ ደኣምበር ደቂ ኣንስቲዮ ኢሮብ ካብ ኣብ ድሕሪ-ዓሲምባ (ኢሕኣፓ) ባሕሊ ኢሮብ ብዝበለፀ ኣብ ቕድሚ-ዓሲምባ (ኢሕኣፓ) ባሕሊ ኢሮብ ይኸብራ ነይረን።

ብባሕሊ ኢሮብ "አህ! ኣዱዋ ባዳ ማዳሊናክ! (አህ! ጓል ኣይትውለዱ!)፡ ማለት ዓቢይ ርግማን ኢዩ። ኣብ ኢሮብ ደቂ ኣንስቲዮ ብርግጽ ናይ ገዛ ሥራሕ ይበዝሐን ኢዩ። ግን ኣብ ኢሮብ ጓል አንስተይቲ ክብርቲ ኢያ። ከምዝጸንሐና ባሕሊ ኢሮብ እንተኾይኑ ደቂ ኣንስቲዮ እቱ ዝገበአን ቦታን ነኣታተን ተባሂሉ ዝተወሰነ ቦታ ብኣወዳት ኣይድፈርን: ኣይገሃስን ኢዩ።

ንኣብነት ዓሲምባ (ኢሕኣፓ) ኣብ ኢሮብ ክሻብ እትነግሥ ሠፈር ደቂ ኣንስቲዮን ደቂ ተባእቲዮን ነንበይኑ ነይሩ። መብዛሕቲኡ ጊዜ ሠፈር ደቂ ኣንስቲዮ ጽንዕ ዝበለ ወይ ማዕጾ መሣሊ ዘሎዎ ነይሩ። ብዘይ ሓዳር ወይ ካብ ሓዳር ወጻኢ ምውላድ ብፍላይ ንጓል ኣንስተይቲኳ እንተገደደ ኣብ ኅብረተሰብ ንወዲውን ኸቢድ ነይሩ። ክንዳኡ ቅድሚ ንግሥና ናይ ዓሲምባ (ኢሕኣፓ) ሓዳር ከይገበራ ዝወልዳ ኣዋልድ ቁጽረን ብጣዕሚ ንእሽተይ ነይሩ። ካብ ዘበን ንግሥና ናይ ዓሲምባ (ኢሕኣፓ) ብስም ማዕርነትን መብቲን ኣንስቲዮ እዙ ኩሉ ተገለባቢጡ።

ክሻብ ዘበን ንግሥና ናይ ዓሲምባ (ኢሕኣፓ) ኣብ ኢሮብ "ዳተ (ዘተ)" (ዳትተይኖየ! እስቲ ንዛተ!) ናይ ብሓቂ ዓቢይ መሣርሒን ባሕሊን ነይሩ።

ኣብ ታሪክ ኢሮብ ዝኾነ ይኹን ዘተ ዘድሊ ነገር ክርከብ ከሎ ዓለት ወይ ሰብ ኩሉ ከከም ኣድላይነቱን ኩነታቱን ተኣኪቡ ዘቲዩ (ዳትተህ) ንዓበይቲ ዓዲ ተዛረቡልና ይበሃልሞ እቶም ሽማግለ ዓዲ ብኣፍ ዓለት ወይ ዘታዪ ኾይኖም "ይብሉ ኣሎው፤" ወይ ተሰማሚዕና ኣሎና" እናበሉ መልእኽቶም የመሓላልፉ ነይሮም። እምበኣርከስ እዙ ባሕሊ ካብ ማዕኸል ኢሮብ ምሉእ ብምሉኡ ዝተቀንጠጠ ብዘበን ንግሥና ናይ ዓሲምባ (ኢሕኣፓ) ኢዩ።

 

 

ዓሲምባ (ኢሕኣፓ) ኣብ ማእኸል ኢሮብን መሠረት ባሕሉ ምስ ዝነበረ እምነቱን፤ ዳርጋ ንዘመንን ፈርቓን (137 ዓመት) ኩርዓቱን ዓምዲ ሕቖኡን ምስ ዝነበረ ካቶሊክ ቤተ ክርስቲያንን ኢዳ ኣእተወት።

ምናልባት ዕድመ ዝተዓደሉ ብዝበለፀ ከምዝፈልጡዎ: ካልኦትናውን ገለገሊኡ ከምዘርከብናሉ ንሕና ኢሮብ አብ መላእ ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ኢሉውን ኣብ ሮማ ከይተረፈ ኣብ ሃማኖታዊ ይኹን ኣብ መንግሥታዊን ሥራሓትን መሥሪያ ቤታትን ንክንወዳደርን ቦታ ክንሕዝን ዘብቀዑና ዝነበሩ ትምህርቲ ቤታት ናይ ካቶሊክ ቤተ ክርስቲያን ኢዮም። ቀዳማይ ልደታ ማርያም ዓሊተና እንክኸውን እቱ ካልኣይ ከዓ ፅንሠታ ማርያም ዓዲግራት ኢዩ። ቀዳማይ ልደታ ማርያም ዓሊተና ኣበሃሂላይ ልደታ ማርያም ሓዳሪ ትምህርቲ ቤት ናይ ዓሊተና እንተዘይህሉ ካብ ኢሮብ ክንዲቱይ ዝበዝሕ ምሁር ኣይምወጸን ነይሩ።

ብ1967 ዓ. ም ኢሕኣፓ ክትጅምር ከላ ካብ ዓሠርተ ሓደ ክፍሊ ንላዕሊ ክሻብ ፍልስፍና ካብ ዝነበሩ ተምሃሮ ደቂ ኢሮብ ካብ ናይ ደርጊ "ዕድገት በኅብረት መሠረተ ትምህርት ዘመቻ" ናብ ማኅበሮም ዝተመለሱ ብጣዕሚ ውሑዳት ነይሮም። ዝተወሠኑ ድማ ካብቱ ዘመቻ ናብ ዓሲምባ ተሓዊሶም። ስለዙይ ዓሲምባ (ኢሕኣፓ) ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስቲያና ዓቢይ ጽዕንቶ ፈጢራ ነይራ ኢያ። ካብኡ ብዝገደደ ድማ በፍላይ መንእሰይ ኢሮብ ባሕሉ ረሲዑ ካብ ሃይማኖቱን ቤተክርስቲያኑን ንክርሕቕ ዓሲምባ (ኢሕኣፓ) ዓቢይ ግደ ተጻዊታ ኢያ። ወዮ ዓሲምባ (ኢሕኣፓ) ንፋስ ዝረኸቦ ትኪ ምስ ኮነት ዓብይቲ ኢሮብ "ድሮኡ ምስ እግዚኣብሔር ተቓልስካዶ ዓወት ኣሊዩ ኾይኑዋ ግደፉና" ይብሉ ነበሩ።

ዓሲምባ (ኢሕኣፓ) ኣብየካባቢኡ ካቶሊካዊያን ንቁምስናታቶምን ንካህናቶምን ፈሊዮሙዎም ዝነበሩ መረትን: ግርሁ ናይ ቤተክርስቲያንን ግብሪ ካህናትን ንገባር ክዕድልዎ ተገደዱ።

ኣብ ኢሮብ ዓሲምባ (ኢሕኣፓ) ክሻብ እትነግሥ ካትሊካዊያን ቁምስናታትን ካህናትን

 

 

ኣበየካባቢኡ ብሕዝቢ ዝተፈለየሎም መረትን ግርሁን ነይሩዎም። ንቤተክርስቲያን "ሞሶዓሪ ዳገግ (ዓርበይቲት)" (ግርሁ ቤተክርስቲያን) ተባሂለን ዝተፈለያ ግርሁ፡ ንካህናት ድማ ከም ኩሉ ገባር ዝሕረስ ግብሪ ግራት ይወሃቦም ነይሩ። ዋና ዓላማ ናይዘን ግርሁ ናይ ቤተክርስቲያን ድማ ነፍሲውከፍ ቁምስና ናይ ባዕላ ዓመታዊ በዓል ኣሎዋ። እቱ በዓል ድማ ናይ ሕዝቢ ኢዩምበር ናይ ቆሞስ ኣይኮነን። ሽዑ እቱ ቆሞስ ድማ ክሕግዙን በዓል ከኽብሩን ንዝመፁ ካህናትን መዘምራንን፡ ካብ ርሑቕ ንዝመፁ ዓበይቲ ኣጋይሽን ንዓበይቲ ዓዲን ክብል ብልዒን መስተን ከሰናዱ ኣሎዎ። እቱ ህዝቢ ናይ ቁምስና ድማ ብኻልእ ክሕግዝ ዓቕሚ ስለዘይብሉ እዘን ግርሁ ናይ ቤተክርስቲያን ነዙይ ዓላማ ተባሂለን ዝውፈያ ኢየን። እቱ ናይ ከባቢ ሕዝቢን ተራ ኣጋይሽን ድማ ብቱ ሕዝቢ ካብ ዝእከብ መግደፍ ተቛድሶም ናብ ሥድራታት ናይ ቁምስና ኸይዶም ብደንቢ ይምገቡ።

ዓሲምባ (ኢሕኣፓ) ኣብ ኢሮብ ምስ ነገሠት ግን ብዘይካ ሓደ ቁሸት አብ ምሉእ ኢሮብ ዝነበረ መረትን ግራትን ናይ ካቶሊክ ቁምስና ቤተክርስቲያናትን ካህናትን ብሙሉኡ ሕዝቢ ተገዲዱ ንገባር ክዕድሎ ተገይሩ። ኣብ ዓይጋ ግን እተን ግርሁ ናይ ቤተክርስቲያንን ካህናትን ኣብ ነፍሲወከፍ ጉጅለ ከም ትርፊ ተዓዲለን እተን ጉጅለታት ብድሌተን ከም ሥጦታ ዘወፈያ ኣምሲለን ከይተተንከፋ ተሪፈን። ብዙይ ከዓ ኣሻዒቱ ናይ ዓዲግራት ጳጳስ ዝነበሩ ኣቡነ ስብሓትለኣብ ወርቁ ኣብ ስብከቶም ንሕዝቢ ዓይጋ ዓው ኢሎም ምሥጋናኦም ኣቕሪቦም ከምዝነበሩ ዝዝከር ኢዩ።

ዓሲምባ (እሕኣፓ) ካብ ኢሮብ ነዞም ዝፍለጡ ዝነበሩ ነባር ለያቡን፡ ገበነይናታትን፤ ግፍዐይናታትን፡ ጥፍኣተይናታ መሥመር ኣትሒዛኳ እንተነበረት እቱ ሌብነትን፡ ሥርቂን፡ ግፊኢን፡ ገበንን ኣብ ኢሮብ ካብ እዋን ዓሲምባ (እሕኣፓ) ቐስ ብቐስ ጀሚሩ ብድሕርኣ ከምብሓዲሽ ገዲዱ ከም ሓዊ ተባረዐምበር አይተመሓየሸን።

ዓሲምባ (እሕኣፓ) ካብ ኢሮብ ነዞም ዝፍለጡ ዝነበሩን ነባርን ለያቡን፡ ገበነይናታትን፤ ግፍዐይናታትን፡ ጥፍኣተይናታ መሥመር ኣትሒዛኳ እንተነበረት ካብ ፍቓድ ወለዶም ወጺኦም ዝለኣኣኹዋ ዝነበሩ ምሉቕሉቕ በሃልቲ (ሞላጫታት) ክንደየናይ ካብ ገበንን ጥፍኣትን ነፃ ምንባሮም ምንም እትፈልጦ ነገር ኣይነበራን። እቶም ተለኣኣኽቲ ምስ ኣባላት

 

ዓሲምባ (እሕኣፓ) ሕስይስይ ይበሉ ደኣምበር ወዮ ካብ ቁጽጽር ወለዶም ወጺኦም ስለዝነበሩ ኣበይ ወዓሉ፡ ኣበይ ሓደሩ፡ እንታይ ገበሩ፡ እንታይ ኣጕደሉ ዝበሃል ነገር ኣይነበሮምን። ንኣብነት ኣብ ሓደ ሓደ ማዕኸላት ናይ ዓሲምባ (እሕኣፓ) ዝነበሩ ቁሸታት ኢሮብ ቅድሚ ዓሲምባ (ኢሕኣፓ) ምምጻኣ ፈጺሙ ዘይፍለጥ ዝነበረ ሥርቂ ብጊዜ ዓሲምባ (ኢሕኣፓ) ተወጢኑ ክሻብ ሎሚ እናሸገረ ከምዘሎ ግልጺ ኢዩ። ሐዚ ኣብዞም ቁሸታት ሥርቂ ብሱሩ ገርጊሩ በርባዕተ እግሩ ከይዱ ኢዩ። ዋና ፀገሙ ምስ ዓሲምባ (ኢሕኣፓ) ሕስይስይ ዝብሉ ዝነበሩ ጥራሕ ከይኾነስ ብሓፈሻኡ ወላዲ ንውላዱ መውዓሊኡን መሕደሪኡን እንሓተተ ኣብ ፀገም ከይኣቱ ወይ ድማ ውላዱ ከይስእን እናሓዘነ ኣፉ ክሕዝ ይግደድ ነይሩ።

ምስኡ ድማ ኣባላት ዓሲምባ (ኢሕኣፓ) በዓልቶም ካብ ሓደ ሓደ ገበናትን ነውሪታትን ኣእዳዎም ምሉእ ብምሉኡ ሕፁብ ነይሩ ንምባል ብጣዕሚ ዘሸግሩ ሓደ ሓደ ኩነታት ከምዝነብሩ ድማ ፍሉጥ ኢዩ። ወዮ ንኢሮብ ፎቲኻ ምፅላእ ኣፀጋሚ ስለዝኾነምበር ዓሲምባ (ኢሕኣፓ) ኣብ ኢሮብ ኣሻዒቱ ብደንቢ ዘይተስተውዓሉን ንደገ ዘይወፁን ጉድኣታት አብጺሓ ኢያ።

ዓሲምባ (ኢሕኣፓ) ንኢሮብ ካብ ኢሮብን ኢትዮጵያን ሓሊፉ ብዓለም ደረጃ ተፈላጢነት ዘትረፈ "ኣብ ምእቲ ዓመት ዘይርከብ ኮኾብ ናይ ምሥራቕ ኣፍሪቃ" ተባሂሉ ብቢቢሲ ዝተመሥከረሉ ዶ/ር ተስፋይ ደበሣይን፡ መሰል ጀጋኑን ዘስኣነት ውድብ ኢያ።

ንኢሮብ ከም እኒ ዶ/ር ተስፋይ ደበሣይ ዝመሠሉ ሎሚ እንተዝጸንሑ ክመርሑናን፡ ክመኽሩናን ክምህሩናን ዝነበሩ ሊቃውንቲ ዘስኣነት ዓሲምባ (ኢሕኣፓ) ኢያ። መቼም ንኃይሊን ንሥልጣንን ንጥቕማ ጥቕምን ዝህምፍፍ ሰብ ንሱታት ንምሓዝን ንምርካብን ዕንቅፋት ክኾነኒ ኢዩ ወይ ክጫረተኒ ኢዩ ኢሉ ንዝገመቶ ሰብ ንምጥፋእ ምንም ሰጋእ ኣይብልን። ካብ ኩሉ ዝገድድን ዝኸፍአን ግን ድሌት ናይቱ ህምፉፍ ሰብ ንምዕጋብ ወይ ተሓቢኡ ወይ ዓርኪን ሓላዪን ቤተሰብን መሲሉ ዝዋፈር ሰብ ኢዩ። ብናተይ ኣረኣእያ ከምዙይ ዝበለ ሰብ ካብ ቀታሊ ዝፍለየሉ ምክንያት የለን።

 

ሞት ዶ/ር ተስፋይ ደበሣይ ኣብቱ ዕለቱ ይኹን ብድሕሪኡ ብዙሕ ዘሕዝኑ ኩነታት ዝሓዘን ዘስዓበን ኢዩ። ንዶ/ር ተስፋይ ደበሣይ ብኣካል ዝፈልጡዎ ይኹን ብወረ ዝሰምዑዎ ኢሮብ: ብፍላይ ድማ ቤተሰቡ ንድሕሪት ምልስ ኢልና ክንሓስቦ ከሎና ሞት ዶ/ር ተስፋይ ደበሣይ ልብና ከምዘቃጽለናን መዓናጡና ከምዝቆርጸናን ዘየጠራጥር ኢዩ።

መጀመሪያ ንዶ/ር ተስፋይ ደበሣይ ዝወቕዐ ጥይት ብምልሻ ናይ ደርጊ ይተኮስ ደኣምበር ዶ/ር ተስፋይ ብልማዱ ዝኽተሎ ዝነበረ መንገዱን ሥራሑን ዘቐየሶ ምክንያትን ሰብን ከምዝነበረ ምንም ዘየጠራጥር ኢዩ። እዙይ ድማ ቦታኡ ክወስዱ ዝድለዩ ኣብ መኢሶን ዝሠርሑ ዝነበሩ ኣባላት ኢሕኣፓ ምንባሮም ብግልጺ ተጻሒፉ ይርከብ ኢዩ። ካብ ደም ዶ/ር ተስፋይ ደበሣይ ነፃ ከምዝኾኑ ንኸምስሉ ናይ ምዕራብ ዜግነት ሒዞም ዝመጻደቑን ዝጽሕፉን መሊኦም ኣሎዉ። ስለዙይ መሥዋዕቲ ዶ/ር ተስፋይ ደበሣይ ገና ዋና ረኺቡ የለን።

ኣብ ከባቢ ኣማውታ ዶ/ር ተስፋይ ደበሣይ ብቅኑዕ ካብ ዝንገር ንላዕሊ ዝጠዋወን ዝሕባእን ዝበዝሕ ኾይኑ ይረኣየኒ። ሐዚ ሐዚ ብዛዕባ ኣማውታ ዶ/ር ተስፋይ ደበሣይ ብደቂ ኢሮብ ዝተጽሓፈ ሓደ ሓደ ጽሑፋት ሓሓሊፈ አንብብ። ምስኡውን ገለገሊኦም ኢሮብ ብዛዕባ ዶ/ር ተስፋይ ብዝፀሓፍ ነገር ተሓጕሶም ብስምዒት ክሳተፉ ኣብ ፈይስቡክ አንብብ። ብጣዕሚ ደስ ዝብል ተበግሶ ኢዩ። የኽእለና! ብቕድሚኡውን ብኢድ ፈተውቱ ዝተጽሓፈ ካልእ ጽሑፍ ኣንቢበ ኣሎኹ። ኣሎኒ ምሣይ። ግዳ ብዛዕባ ኣማውታ ዶ/ር ተስፋይ ደበሣይ ገና ክዓግብ ስለዘይከኣልኩ ናይ ብሓቂ ብዛዕባ ኣማውታ ዶ/ር ተስፋይ ደበሣይ ውሽጠ ምሥጢሩ በዝግባእ ዝፈልጥ እንተዝረክብ ኣነ ናይ ብልበይ ምተሓጎስኩ።

ኢትዮጵያ ወይ ብሰንኪ ዓሲምባ (እሕኣፓ)፡ ከም ብእኒ ቐይሕ ራዕዲ ናይ ደርጊ፤ ወይ ድማ ብባዕላ ብዓሲምባ (እሕኣፓ): ከም እኒ መቓብራት ሰንገደ፡ ክንደይ ፈላጣትን፡ ምሁራትን ሊቃውንቲን (doctors and expertise) ሲኢና ኢያ።

ድሕሪ ሞት ዶ/ር ተስፋይ ደበሣይ ብዙሕ ከይጸናሕና ዓሲምባ (ኢሕኣፓ) ኣብ ኢሮብ

 

 

ዝፈፀመቶም ግፍዒታትን ምውዳም ንብረትን ንክትሰምዖም ዘስከንክኑ ነይሮም። ዶ/ር ተስፋይ ደበሣይ ምስ ሞተ "ሎሚ ኣብ ኢትዮጵያ ምሥራቅ ኣፍሪቃ ኣብ ውሽጢ ምእቲ ዓመት ክተፍሪዮ ዘይትኽእል ሓደ ሊቅ ሞይቱ ኣሎ" ዝብል ወረ ብቢቢሲ ረዲዮ ተመሓላሊፉ ነይሩ። ኢትዮጵያ እዙይ ከይኣኽላ፡ ኣብ ሰንገደ ኣብ ሓደ መዓልቲ ናይ ዶክተረይት ዲግሪ ዘሎዎም ሠላሣ ኢትዮጵያዊያን ተረሽኖም ምስ መሣርዕያ ከምዝተቐበሩ ይውረ።

ክሻብ ዓሲምባ (እሕኣፓ) ኢሮብ እትቆጻፀር ኣብ ኢሮብ ዝፀንሐ ባሕሊ እንተኾይኑ ኣብ ኢድ ኢሮብ ዝተዓቖበ ማንም ሰብ እንኳንያ ክቕተልስ ክቐትሎ ንዝመፀ ፀላኢውን ሕይወት ከይተረፈ ተወፊዩ ይሕሎ ነይሩ። እዞም ሃብቲ ኢትዮጵያ ግን ብእምነት ኣብ ዝተዓቖቡሉ ብዘይ ምሕረት ተጨፍጭፎም ኣብ ሓንቲ ጕድጓድ ተዳጕኖም። ምናልባት ክሻብ ሎሚ ኢሮብ ዝሓፍሶ ዘሎ ምሕርቲ ሳዕበን ናይዙ ደምዶ ይኸውን? ከይኾነ አይተርፍን። ግዳ ይምሓረና!

ንዶ/ር ተስፋይ ደበሣይ ኣሕሊፎም ሂቦም ተባሂሎም ዝሕመዩ ዝነበሩ ኣባላት ዓሲምባን (እሕኣፓ) መኢሶንን ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ጎንደር ከይዶም ቦታኡ ተኪኦም መሪሒነት ናይ ዓሲምባ (እሕኣፓ) ክሕዙ ምስ ፈተኑ ከምዝተገጠሙ ፈሊጦም ብኡኡ ናብ ምዕራብ ምህዳሞም ይስማዕ። ካብ ዝተዓቖቡሉ ድማ ካበ ደም ዶ/ር ተስፋይ ደበሣይ ኣእዳውና ንፁሕ ኢዩ እናበሉ መመጻደቒ ጽሑፋት ከምዘውጽኡ ንሰምዕ። ደርጊ ድማ ብሰንኪ ዓሲምባ (ኢሕኣፓ) ንኢትዮጵያ ቃላይ ደም ደቃ ገይሩዋ። ስለዙይ ብሓፈሻኡ ኢትዮጵያ ካብ ብደርጊ ብሰንኪ ዓሲምባ (ኢሕኣፓ) ብዙሕ ዕጽፊ ተጎድኣ ክበሃል ይከኣል። ኣብዙይ ኣብ ኢሮብ ብጣዕሚ ዝኽበሩ ዝነበሩ ሓደ ፈላጥ ዝበሉዎ ማሠነ (ማሠ) ክደግም።

"ማሠነ ማሠነ ማሠነ! ኮሕያው ኢትዮጵያ ዓይኒተ (ኣቱም ሰብ ኢትዮጵያ ተበላሽያ (ተዓይና)) ማንጎ ዶካትር አል ስዊተ (ብዙኃት ዶካትር ተሠዊዖሙላ (ተሠዊሮሙላ)) እድጋ ሊይቲነም ሱሑተ (ፍልጠት ዝነበሮም ተስኩኖም (አስካሕኪሖም)

 

 

ጋዳ ሊይቲነም ባሒተ (ሃብቲ ዝነበሮም ደኺዮም) ኢሮከ አጋቦ አድዋንሲተ (መዛረቢ ቆሉዑን አንስትን ኾይና)

እታ ማሠ ነዋሕ ክትከውን ትከኣል። ኣነ ግን ሰብ ካብ ዝነገረኒ እቱ ብጣዕሚ ዝፈትዎን ልበይ ዝትንክፈኒን ጥራሕ ሒዘ ተሪፈ ክኸውን ይከኣል። ካብቱ ማሠኦም ንላዕሊ ግን እቶም ፈላጥ ማሠኦም ወድኦም ኮፍ ምስ በሉ ኣብቱ ጉዳይ (ዳስ) ዝፀንሐ ሰብ "ቲስተ ቲስተ!" (ይደገም! ይደገም!) ምስ በሎም ዝሃቡዎ ምላሽ ናይቱ ዘበኑ ኩነታት ብዝበለፀ ይገልጽ። ኣብ ከባቢኡ ዘሎ ኩንታት ብጋህዲ እናረኣየ ብኣፉ ተታሒዙ ዘሎ ሕዝቢ እቶም ፈላጥ እቱ ናይ ልቡ ምስ ተኮሱሎም ተገሪሙ "ቲስተ ቲስተ!" (ይደገም! ይደገም!) ምስ በሎም "ሀሀ! አሚህ ይያዖይ!" (ብዝበልኩዎ የውጽአኒ (የዋጽአኒ))! ኢሎም ኮፍ ኢሎም ይበሃል። ፈላጣትን ዓበይቲን ኢሮብ ብመልክዕ ማሠ ብጣዕሚ ኣድለይቲ ዝኾኑ መልዕኽቲታት የመሓላልፉ ነይሮም።

ብሰንኪ ዓሲምባ (ኢሕኣፓ) ብውሽጣ ውሽጢ ዝተሣቐዩን ዝተለከሙን ደቂ ኢሮብ ቁጽሪ የብሎምን። ንዛ "ሀሀ! አሚህ ይያዖይ!" (ብዝበልኩዎ የውጽአኒ (የዋጽአኒ))! ዝበሉዋ ዝድግፍ ሓደ ታሪክን ማሠን አብዙይ ከዘንትወልኩም።

ከምቱ ቅድም ክብሎ ዝፈተንኩዎ ዓሲምባ (ኢሕኣፓ) ገዛውቲ ሓረስታይ ኢሮብ ጥራሕ ከይኾነስ ንከብቲን ንጠለ በግዕን ካብ ማይን ፀሓይን መፅለሊ ዝነበሩ በዓቲታት ከይተረፉ መኻዚኖታት ገይራቶም ነይራ። ኣብ ኢሮብ ቦታኡ ዝፈልጥ ተስኢኑ ብፍልሖን ብምምራትን ዝተበላሸወን ካብ ጥቕሚ ውፃኢ ኾይኑ ዝተረፈን ንብረት ናይ ዓሲምባ (ኢሕኣፓ) ቁጽሪ ከምዘይብሉ ይውረ። እዘን መኻዚኖታት ንብረት ናይ ዓሲምባ (ኢሕኣፓ) ይፈልጡ ይኾኑ ኢዮም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ ሰባት ብዙሕ ገልታዕታዕን ኣፈራራሒን ከምዝበጽሖም ይስማዕ ኢዩ።

ሓደ ብኢሮብ ብጣዕሚ ተፈታዋይ ዝነበሩ ሓደ ፈላጥን ማሠኛን ኢሮብ መኻዚኖ ናይ ንብረት ናይ ዓሲምባ (ኢሕኣፓ) ይፈልጡ ይኾኑ ኢዮም ተባሂሎም ይጥርጠሩ። ሓደ ለይቲ ዝዓጠቁ ሰባት ናብ ገዛ ናይዞም ተፈታዋይ ሰብኣይ ይመጹሞ ኣብ ጥቓ ገዛኦም ናብ ዘሎ

 

 

በረኻ ወሲዶም "መኻዚኖታት ናይ ንብረት ናይ ዓሲምባ (ኢሕኣፓ) ከምዝፈልጡ ሓበሬታ በጺሑና ኢዩሞ ኣብዚኣ እንጡፍ ይበሉ" እናበሉ ብኣፈሙዝ የፈራርሑዎም። እቶም ዓቢይ ሰብኣይ ንቶም ዕጡቓት ምስ ኩሉ ምሥጢሮም ብደንቢ ይፈልጡዎም ጸኒሖም "ኣንታ ንስኻ እገለ ወዲ እገለ ጠመንጃ ክሻብ እትሕዘሉ መዓልቲ ኣጣል ናይ እንዳ እገለ ሠሪቕካ ትቕለብ ከምዝነበርካ ረሲዕኻ ዲኻ ወይ ዘይንፈልጦ መሲሉካ ኢዩ ሎሚ ነዓይ ዋጋ ጠመንጃ ናብ ገዛይ መጺእኻ እተፈራርሐኒ? ንስኻውን ... " እናበሉ በብሓደ ምሥጢሮም ዘርዚሮም ኣጠሚቖሙዎም። ደሓረ ኩሉ ምስ ሓለፈ ካብቶም ዕጡቃት ሓደ ባዕሉ ከምዘውረዮ "ንኩላትና በብሓደ ኣጠሚቖሙና። እቱ ዘውጽኡልና ምሥጢራት ከዓ ሓደ ካብ ሓደ እንተሓባባእ ዝነበርና ብምንባሩ ዓይኒ ንዓይኒ ተረኣእና ኣብቱ ዝነበሩዎ ገዲፍናዮም እናተሓፋፈርና ኸይድና" ይብል።

ሓደ መዓልቲ እዞም ፈላጥ እዚኦም እቶም ዕጡቓት ኣብ ዘሎዉዎ ሓደ ጉዳይ "ማሠነ! ማሠነ! ማሠነ!" እናበሉ ተላዒሎም ከምዙይ ይብሉ። "ሓቀ ኖዋ ራባ የከ፡ ድራብ ኖዋ ጋሃናም የከ! ቃይሲቲ ኣፋክ ቃይሲት ናከ፡ ቆሞስ ኣፋክ ቆሞስ ናከ፤ ፕረዚደንቲ ኣፋክ ፕረዚደንት ናከ፤... (ሃቂ ክንዛረብ ሞት ኾይኑ፡ ሓሦት ክንዛረብ ገሃነም ኾይኑ: ኣብ ጥቓ አቕሽቲ ኣቕሽቲ ንኸውን፡ ኣብ ጥቓ ቆሞስ ቆሞስ ንኸውን፡ ኣብ ጥቓ ፕረዚደንት ፕረዚደንት ንኸውን፡ " ኢሎም። እታ ማሠ ንውሕ ትብል ኢያ። ኣነ ግን እቶም ከትኩረሎም ዝደለኹዎም ነጥቢታት እጠቅስ ኣሎኹ።

ካልእ ካብዙ ኩሉ አብ ላዕሊ ዝጠቐስኩዎም ብዝበለፀ እንታይነት ናይ ዓሲምባ (ኢሕኣፓ) ዝገልጽ ታሪክ ኣሎ። ዓሲምባ (ኢሕኣፓ) ወዮ ተሓሕት ጠፍጢፋ ክተባርራ ኸላ ኣብ መኻዚኖ ናይ ንብረታ ሓዊ መሊሳትሉ። ብጣዕሚ ዝገርም ንቱ ብላይ ጫማታትን ክዳውንታን ከይተረፈ ኢያ ሓዊ ዝመለሰትሉ።

ከምቱ ኣቀዲመ ዝገለጽኩዎ ዓሲምባ (ኢሕኣፓ) ኣብ ኢሮብ ገዛውቲ ሓረስታይ ወሪሳ ሠፈር ኣባላታን መኻዚኖታት ንብረታን ምግባር ጥራሕ ከይኾነስ በረኻታት ከይተረፈ መኻዚኖታት ገይራቶ ከምዝነበረት ዝፍለጥ ኢዩ። ወዮ ኣብ ዓሲምባ (ኢሕኣፓ) ውድባዊ

 

ሕንፍሽፍሽ ምስ ኮነ ዓሲምባ (ኢሕኣፓ) ብተሓሕት ተጠፍጥፋ ካብ ኢትዮጵያ ክትወጽእ ተገደደት። ብኡኡ ድማ ንፋስ ዝረኸቦ ትኪ ኮይና ተረፈት።

ቅድሚ ምብትታና ግን ናብ ንብረታ ሓዊ ኣጎደትሉ። ኣብ እኒ ዳያን ሰንገደን ዝነበረ ንብረት ክዳውንቲ ይኹን ጫማታት፡ ጠመናጁ፡ ጥያይቲ ኩሉ፤ ኣብ ጕድጓድ ዳጕና ሓዊ መለሰትሉ። ኣብ ሰራጉምበ ሓደ ናይ ዓሲምባ (እሕኣፓ) ተሓዚ ገንዝብ ዝነበረ ተሓሕት ምስ ኣጫነቕትሉ እቱ ሒዙዎ ዝነበረ ብምእትታት ዝተኣሠረ ገንዘብ ቆራሪጹ ብጥስጥስ ኣቢሉዎ። እቱ ቁርጽራጽ ናይ ቅርሺ ከሻብ ደሓር ንፋስ ኣብ በረኻታት ሰራሩምበን ዘገብላን ምስ አቑፅልቲ የገለባብጦ ነይሩ።

ረአይዎ እምበኣር፡ ኸምዙይ ኢሉ እተቓጸለ ንብረት ኢዩ ደሓረ እቶም ኢሮብ "እንጡፍ በሉ!" ክበሃሉ ዘሎዎም። ገለገሊኡ ኣይተረኽበን ማለት ኣይኮነን። ንሱ ግን ወይ ብሓበሬታ ኣባላት ናይ ዓሲምባ (ኢሕኣፓ) ዝነበሩ ወይ ድማ ብቀረባ ኣዕርኽቶም ዝወጸ ኢዩ ነይሩ። ደሓን ዋላ ይኹን! እንታይ ይገበር፤ እሺ እቱ ጦር-ተንከፍ ነገር ፀላኢያ ከይጥቀመሉ ተባሂሉ ይቃፀል፡ እቱ ክዳውንቲን፡ጫማታትን ገንዘብን ሓዊን ሓመድን ካብ ዝበልዖን ዱኽዒ ኾይኑ ካበ ዝተርፍን ንዙ ኩሉ ዓመታት ዘዕቖቦን ደቁ ገዲፉ ዝናነዮን ሕዝብ ኢሮብ እንተዝጥቀመሉ ኣይምሕሸን? ኣየናይ ኢሮብ ክጥቀመሉን ክኽደኖን ነይሩዋ ግን ዝገርም ኢዩ!

ተሓሕት ክዳን ወይ ጫማ ካብ ዝባን ወይ ካብ እግሪ ሓረስታይ ቀንጢጣ ክትክደን ኣይረኣናን፡ ኣይሰማዕናንውን። ተሓሕት ኪስ ወይ ሣፁን ሓረስታይ ክትጉርጉር ኣይገጠመና፡ ክውረውን ኣይሰማዕና። እቱ ክዳውንቲን ጫማን ንምንታይ ደኣ ተቓፀለ? እቱ ገንዘብከ ንምንታይ ተበጣጠሰ? ኣነ ብውልቀይ ክሓስቦ ከሎኹ በጣዕሚ የስደሚመኒ ኢዩ። መዛዘሚ ናይ ካልኣይ ክፍሊ

እምበኣርከስ ካልኣይ ክፋል ክዛዝም ክፍትን ኢየ።

 

ብዘመን ዓሲምባ (እሕኣፓ) ኣብ ማዕኸል ገለገሊኦም ቤተሰብ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዝመሓላለፍ ናዕቢን ጽልኢን ዘይምትእምማንን ተተኺሉ ተሪፉ ኣሎ። ኣባላት ዓሲምባ (እሕኣፓ) ታሪካዊ መዛግብቲ ካብ ቦታኡ ወስዶም ስለዘጥፍኡ ኢሮብ ካብ ጊዜ ጣሊያን ጀሚሩ ናብ ዓሲምባ ሸፊቱ ብምሕላዉ ምንም ሕቶ ዘይነበሮ ዶብ ኢሮብ ሎሚ ኣብ ከመይ ዝበለ ፀገም ኣቲዩ ከምዘሎ ኩልና ንርእዮ ኢዩ። መረዳእታ ክኸውን ዝነበረ መዛግብቲ ኣባላት ዓሲምባ (ኢሕኣፓ) ስለዝጥፍእዎ እቱ ብዘመን ጣሊያን ተወስዱና ዝነበረ መረት ክምልሱልና እናሓተቱ ምቕባል ስለዘይከኣልና እቱ ዝፀንሐ ናትና መረት ሓዊሶም ምስ ሕዝቢ ንኤርትራ ኣወፍዮሙዎ።

ኣብ እምነታዊ ሞራል ተንተርእሱ ዝተመሥረተን ብኡኡ ክመሓደር ዝፀንሐን ባሕሊ ኢሮብ እኒሆ ካብ ምፅኣት ዓሲምባ (እሕኣፓ) ንደሓር ይትረፍያ ተራ ኣማናይ መምህር እቱ ሞራልን እምነትንውን ክንደየናይ ተተንኪፉ ከምዘሎ ዕዉር ዝርእዮን ዝደንቆረ ዝሰምዖን ኢዩ። ከምቱ ክዝርዝሮ ዝፈተንኩዎ ባሕሊ ኢሮብ ብሓፈሻኡ ቁልቁል ኣፉ ተደፊኡ ተሪፉ ኢዩ። ኣብ ማእኸል ሥድራ ዝነበረ ናይ ሓዳርን፡ ውሉድን ወላዲን፡ ሰብኣይን ሰበይቲን ዕሊን ሥርዓትን ባሕሊን ከምዘይዕረ ኮይኑ ተበላሽዩ ነይሩ። ወላዲ ሕፃናት ደቁ ብሥነ ሥርዓት ኸዕቢዮም እንተፈተነ ገዲፎሙዎ እናጠፍኡ ፈሪሑ ወይ ብዓሲምባ (ኢሕኣፓ) ዝስዕቦ ተግሣፅን ምፍርራሕን ፈሪሑ ክዕየኑ እናረኣየ ፋሉል ክሰዶም ተገዲዱ።

ዓበይቲን ፈላጣትን ከይዛረቡ ወይ ዓዲ ይጠፍእ ኣሎ ከይብሉ ብዝተፈላለየ ኣስማት ተጠሚቖም ኣፎም ተዓብሶም። ኣብ ማዕኸል ደቂ ሓዎቦታትን ደቂ ሓደ ዓለትን ጎረባብትን ዝነበረ ናይ ምትሕልላይን ምክብባርን ምትሕግጋዝን ባሕሊ ቀስ ብቀስ ናብ ሥሥዕቲን ምትንኳልን ኣነ-እዓቢ ኣነ-እዓቢ እናበልካ ትርጉምን ዒላማን ሽቶን ናብ ዘይፍለጠሉ ምትህልላኽን ምውድዳርን ተቐየረ።

ብሰንኪ ዓሲምባ (እሕኣፓ) ንኢሮብ ሎሚ እንተዝጸንሑ መራሕቲ፡ ምኽሪን መምህራንን ክኾኑዎም ዝነበሩ ከም እኒ ዶ/ር ተስፋይ ደበሣይ ዝመሠሉ ጀጋኑ ቆራጻትን ደቁ ኣስኣነቶም። ኢትዮጵያ ከዓ ምስ ዶ/ር ተስፋይ ደበሣይ ኣባላት ዓሲምባ (እሕኣፓ) ተባሂሎም ኣብ

 

 

ውሽጢ ዓዲ ብቕይሕ ራዕዲ ናይ ደርጊ፡ ኣብ ባዕላ ኣብ ውሽጢ ዓሲምባ (እሕኣፓ) ከዓ ነንበዓልቶም ብርክት ዝበሉ ምሁራንን ሊቃውንቲን ሲኢና ኢያ። ብሓጺሩ ዓሲምባ (እሕኣፓ) እንተስ ብቀጥታ ወይ በተዘዋዋሪ ንሕዝቢ ኢሮብ ይኹን ሕዝቢ ኢትዮጵያ እንትርፊ ጥፍኣት ዘምጸአቆራጻትሎም ልምዓት የለን።

ኣነ ሐዚ ክሓስቦ ከሎኹ ዓሲምባ (እሕኣፓ) ሒዛቶ ዝነበረት ዓላማ ቅኑዕን ሓቀይናን እንተዝኸውን ብኸምዙይ ኣብ ሓጺር ጊዜ ውሽጢ ከም ትኪ አይምበነነትን በሃላይ ኢየ።

ይቕጽል ኢዩ።

ኣብ ሣልሣይ ክፍሊ ኽሻብ እንራኸብ ደሓን ጽንሑ።

 

Back to Front Page