Back to Front Page

ልቢ ግበር ኢሮብ! ትዕዝብቲ ዝኾነካ ኣይወሓደካን!

ልቢ ግበር ኢሮብ! ትዕዝብቲ ዝኾነካ ኣይወሓደካን!

 

ብዓሣ ዮሓንስ

25 ሚያዚያ 2012 .

 

"ጽቡቕ ዝገበረስያ ጽቡቕ እንተዝረክብ ብዕራይ ድቋ ምሰተየ!"

"ለ ጋሕቶናየ ካዳድ ጋደ?" (ከዓነ ክትምለሱ ናብ ሩባ ካዳድ?")

ቀዳማይ ክፍሊ

ኢሮብ ዳርጋ "ሥጋ ዓሲምባይ" ክሻብ ምባል በጺሖም ነይሮም።

 

ኣብ ዓለም ወዲ ሰብ ኩሉ ብቑዕ ወይ ድማ ሓደ ዓይነት ትዕዝብቲን፡ ግንዛበን ምስትውዓልን ክህልዎ ፈጽሙ ዘይሕሰብ ኢዩ። ብፍላይ ኣብ ናይ ሐዚ ጊዜ ዓለምና ወዲ ሰብ ይትረፍ ኣብ ዓለም ዙሪያ ኢሉውን ኣብ ከባቢኡን ዙሪያኡን ኣብ ውሽጡ ባዕሉ ዝካየዱ ኹነታትውን እናሓደሩ ምሥጢር እናኾኑዎ ናብ ዝመጹሉ ጊዜ በጽሕና ኣሎና። ምሥልጣን ማለት ፍልጠት፤ ዕብየት፤ ምዕብልና፤ ልምዓትን ጽቡቕ ነገራትን ዝርከበሉን እናተመሓየሹ ዝኸደሉን ክኸውን እናተገበኦ ኣብ ከክንድኡ ዘሰቅቑን፡ ዘስካሕክሑን፡ ንክትሰምዖም እንኳን ዘፍርሑን ኩነታት ዝረኣዩሉን፤ ንምእማኑ ዝኸብዱ ከይድታት ክፍጸሙ ዝስተውዓለሉን ጊዜ ኢዩ። እዙይ ከዓ ብስም ጥብቅናን ሓለዋን መብቲ ድኅንነትን ወዲ ሰብ፤ ብስም ነፃነት፡ ብስም ሕጊ ምኽባር፡ ወዘተ ኣብ ኣማልኽቲ ሃገራት በብመዓልቱ ብግልጺ ዝረኣ ዘሎ ነገር ኢዩምበር ክሕባእ ዝኽእል ኣይኮነን።

Videos From Around The World

 

ብፍላይ ኣብ ዘመና ኣብ ናይ ፖለቲካን ኣብ ፖለቲከኛታትን ዓለም ኣካባቢ ይትረፍያ ሰብኣዊ ፍጡር ኣብ ናይ ሃይማኖት ትምህርቲ እንመሃሮም ዲያብሎስን ጭፍራታቱን የህድሙ ኢዮም ክበሃሉ ዝኽእሉ ኩነታትን ሥራሓዊትን ክፍጸሙ ይረኣዩ ኢዮም። ኣብ ዓለም ዙሪያ ንሓደሓደ መራሕቲ ዓለም ብዝተፍላለዩ ኣስማት እናጠመቑ ዝስምዑ ኣብ ሓደሓደ ኣማልኽቲ ሃገራት ዝለዓሉ መራሕቲ ንከምዙይ ዝበለ ኩነታት ፍሉይ ኣብነት ክኾኑ ይኽእሉ ኢዮም። እንተኾነ ግዳ ማዕኸን ክፍኣትን፡ ፈጸምቱን ፈረዱን "ባዕሉ ብባዒሉ!" ከምዝበሃል ሻሂ ዓይነት ስለዝኾነ ናይዞም ከምዙይ ዝበሉ ኣማልኽቲ ሃገራት መራሕቲ ኣብ ምሉእ ዓለም ከም ጽቡቕ ኣብነት ይለዓሉን ከም ኣማልኽቲ ይምለኹን።

 

እምበኣርከስ ኣብ ናይ ሎሚ ዓለምና ወዲ ሰብ ይትረፍ ኣብ ዓለም ኣብ ከባቢ ውልቃዊ ሕይወቱን ነብራኡን እኳ ካብ ዝገሓዱን ካብ ዝፍጸሙን ኩነታትን ጉዳያትን ብጋህዲ ካብ ዝፈልጦምን ካብ ዝርድኦምን ሓንቲ ነገር ዘይፈልጠሎምን ምንም ዘይርድኦምን ብክንደይ ዕጽፊ ይበዝሑ እንተተብሃለ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣይክኸውንን። ብተመሣሣሊ መልክዕ ክንርእዮ ከሎና ድማ ገለገሊኦም ብዛዕባ ዝሓለፈ ሕይወት ታሪኮም ይኹን ነብራኦም፤ ከምኡውን ዝመጽእ ዓላማኦም ኮነ ትልሚታቶም ምንም ከይተፈለጠን ከይተነቕሐን ብቀሊሉ ሽቶኦም ከውቕዑ ይረኣዩ ኢዮም። እዙ ሥዉር ዓላማኦምን ትልሚታቶምን ሽቶ ንኸውቕኡ በብጊዜኡ ዝፍጠሩ ናይ ድኽመት ነዃላት ተጠቕሞም ብጥበብ ምስ ንፋስ እናተንቀሣቀሱን እናተወናጨፉን፤ "እንተሞቐ ብማንካ፤ እንተዘሓለ ከዓ በእድ!" ዓይነት ብልኃት እናተጠቐሙ ዕድመኦም ከናውሑ ዝፍትኑ ውሑዳት ኣይክኾኑን።

 

ኣቐዲመ ክገልጾ ከምዝፈተንኩ ኣብ ዘመና ከምዙይ ዓይነት ባሕሪያት ኣብ ከባቢ ፖለቲካን ፖለቲከኛታትን ብግልጺ ይረአ ኣሎ። ብጣዕሚ ዝገርም ግን እቱ ዓቢይ ፀገም እዞም ባሕሪያት ናይ ፖለቲካን ፖለቲከኛታትን በብመዓልቱ እናተቀያየሩን፤ እናገደዱን እናኸፍኡን ምምጻኦም ኢዩ። ከም ሳዕበኑ ድማ አብ መራሕቱ እምነቱን ተስፋኡን ኣሕዲሩ ኣብ ሕይወቱ ለውጢን ምምሕያሽን ንምርኣይ ሃንቀው ዝብል ሕዝቢ ከምቱ ኣምሓሩ ዝብሉዎ "ታጥቦ ጭቃ" (ከምዙ አድጊ ምሕጻብ ዓይነት) ኾይኑ ክረኽቦ ኸሎ ድንግርግር ይብል፡ ዝገብሮ ይጠፍኦ። ከምዙ ኣብ ኢሮብ "እሲ ናፃላሊህ ያንገዐ!" (ምስ ነፀላኡ ይበኣስ!) እንብሎ ምስ ካሊእ ጥራሕ ከይኾነስ ምስ ባዕሉ ከይተረፈ ይበኣስ።

 

ምስዝኣት ዝመሣሠሉ ነገራት ጉዕዞ ጊዜን፡ ሰማይን ምድሪን ከየድለየና ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዓድና ዝተርኣዩን ዝረኣዩ ዘሎዉን ኩነታት እኹል መረዳእታታት ክኾኑና ይኽእሉ ኢዮም። "ኢትዮጵያ ድኅና" ተባሂሉ ናይ ሰላም ሽልማት ተወፊዩ ኣብ ጽባሕ ናይቱ "ሰላም ሽልማት" ኣብ ርዕሲ ሕይወት ሰብ ናይቱ ዓለት ዋናታት ናይ ሰላም ሽልማት ዝተፈፀመ ግፍዓዊ ቅትለት ነዙይ ዓይነተኛ ኣብነት ክኾነና ይኽእል ኢዩ። ዘሕዝንን ዝሰቅቕን ኢዩ። ግዳ ዘላ ኹ ላ "ጠቅላይ ሚኒስትር? ኣነ! ኢትዮጵያ? ኣነ! መንግሥቲ? ኣነ! ፓርላማ? ኣነ! ምክክር ቤት? ኣነ! ፖሊስ? ኣነ! ወጻኢ ሚኒስትር? ኣነ! ሕዝቢ ኢትዮጵያ? ኣነ!" ወዘተ እንዲሕሪ ኾይኑ ከምቱ ደራፊ "እያዩ ማዘን ነው!" ካብ ዝበሎ ሓሊፍካ ብዙሕ ክግበር ዝከኣል ዘሎ ኣይመስልን።

 

ብተግባር ክምዝረአ እንተኾይኑ ኩነታት ዓለምና ሓደ ፈላጥ ካብ ዝበሎ ብዙሕ ዝሓልፍ ኣይመስልን። "ብሚሊዮናት ዝቑፀሩ እንታይ ይኸውን ከምዘሎ ወረ የብሎምን። በሽሓት ዝቑፀሩ ዝኸውን ነገር (ሱቕ ኢሎም) ይዕዘቡ። ዑኽቲ ዝኾኑ ድማ (እቱ ነገር) ንክኸውን (ንኽፍፀም) ይገብሩዎ። (“Millions know nothing about what is happening. Thousands watch it happen. A handful makes it happen.”)

 

ከምኡ ድማ እንተተዓዘብና ኣብዙ ኸምዙይ ዝበለ ፖለቲካዊ ሕንፍሽፍሽን ምፍሓስን ካብ ኩሉ ንላዕሊ ዝጉዳእ ተራ ሕዝቢ ኢዩ። ብፍላይ ድማ እቱ ናይ ዘመኑ ኩነታት ክድህስስን ነብራኡ ከጣሕጥሕን መዕለቢ ናይ ጽባሕ ሕይወቱ ንኸረጋግፅን ዝጽዕር መንእሰይ ካብ ኩሉ ንላዕሊ ናይዙ ምንቅስቃሳትን ናይዙ ኩሉ ዋና መንቀስቀስቲን: መላዓዓልቲን ቆስቆስቲን እቱ ቀዳማይ ዒላማ ካብ ምዃኑ ሓሊፉ ናይዙ ኩነታት ዋና ሰለባን ተጠቃዒን ይኸውን።

 

ትምኒተይ ስፍሕ ዝበለ ኢዩ። ግን ዓቕመይ ብብዙሕ መዳይ ውሱን ብምዃን ንጊዜኡ ኽሻብዙ ዘሎናዮ ጊዜ ኣብ ኢሮብ ካብ ዝተርኣዩ ኩነታትን ምንቅስቃሳትን እቶም ዝፈልጦምን ብዙ ሰዓትዙይ ብጣዕሚ ኣድለይቲ ኢዮም ናብ ዘበልኩዎን ትኩረት ገይረ ክድህስስ ክፍትን ኢዩ። ናይዙ ህፆ ህፆ ድማ ብፍላይ ካብ 1996 . ም ጀሚሩ ኢሮብ ዘጋጠሞም ፀገማት ኣልዒለ ኢሮብ ካብ ዝሓለፈ ተማሂሩ ብፍላይ ብዙ ሰዓትዙይ ብዝበለፀ ክልብም ከምዘሎዎ ንእሽተይ ምኽሪ መሣሊ ሓሳብ ክልግስ ክፍትን ኢየ። እቱ ዝቕጽል ስፍሕ ዝበለ ክፍሊ ግን ገና ብዙሕ ፍልጠት፡ ክእለት፡ ዓቕሚ፡ ዓቕሊ፡ ፃዕሪ፡ ሓገዝን ጊዜን ዝሓትት ብምዃኑ ትምኒትኳ እንተሃለውኒ ከመይ ከምዝገብር ግን ክሻብ ሐዚ ዝተወድአ ሕንፃፅ የብለይን።

 

ንሐዚ ኣብዞም ዝቕጽሉ ነጥቢታት ከትኩር ኢየ።

1) ካብዙ ናይ 1966 .ም ናይ ኢትዮጵያ ኣብዮት ጀሚሩ ኣብ ምሉእ ኢትዮጵያን ኤርትራን ክንዲ ኢሮብ ብዙሕ ናይ ፖለቲካ ውድባት ዘተኣናገደ ሕዝቢ ከምዘየሎ፡

2) ጋሻ ተቐባሊ ኢሮብ ነዞም ውድባት ኩሎም ብዘይ ሓንቲ ፀገምን ተንኮልን ከምዝተቐበሎም

3) ዓሲምባ (ኢሕኣፓ) ኢሮብ ካብ ልቡ ክሻብ እምኑን ሓመዱን ተቆጻጽራቶ ከምዝነበረት

4) ዓሲምባ (ኢሕኣፓ) አብ ኩለመዳያዊ ኩነታትን ነብራ ኢሮብን ዘበርከተቶ እጃማት

5) ኢሮብ ካብዙ ኩሉ እንታይ ከምዘትረፈ

6) ኢሮብ ካብ ዝሓለፈ ዓመታት ተማሂሩ ክልብም ከምዘሎዎ ብዝከኣለኒ ምኽረይ ክልግስ ክፍትን ኢየ።

 

ከምቱ ኣቐዲመ ዝጠቐስኩዎ ትምኒተኳ ስፍሕ እንተበለ ንሐዚ ናይ ህፆ ህፆ ክገብሮ ኣብ ቀረባ ዝሰዶም ሠለስተ ክፍሊታት ኣሎዉኒ። ኣብ ቀዳማይ ክፍሊ ብዛዕባ አብ ኢሮብ ዝመጻ ዝተፈላለያ ወድባት ቁሩብ ጠቒሰ ብዋናነቱ ግን ዓሲምባ (ኢሕኣፓ) ንኢሮብ ብኸመይ ከምዝተቆጻጸረት ኢዩ። ኣብ ካልኣይ ክፍሊ ኢሮብ ኣብ ትሕቲ ንግሥነት ዓሲምባ (እሕኣፓ) እንታይ እንታይ ከምዘጋጠሞን መወዳእታ ዓሲምባ (ኢሕኣፓ) እንታይ ይመስል ከምዘነበረን ክድህስስ ክፍትን ኢየ።

 

ኣብ ሣልሣይ ክፍሊ ድማ ዓሲምባ (ኢሕኣፓ) ካብ ኢሮብ ምስ ወፀት ብዙሕ ከይጸናሕና ብሰንኪ ዓሲምባ (እሕኣፓ) ኣብ ልዕሊ ኢሮብ ዝበፅሐን ኢሮብ ብኸመይን ንምንታይን "ማፃጋዖ ማሊ ሚላደል ያፅጊዐ" (መፀጋዕታ ዝሰኣነሲ (ዘይብሉሲ) ኣብ መላጸዪ ይጽጋዕ!") ዝዓይነት ሥጉምቲ ክወስድ ከምዝተገደደን ብሰፊሑ ከይኾነስ ቆንጢረ ከርኢ ክፍትን ኢየ። ምስዙ ሣልሣይ ክፍሊ ኣተሓሒዘ ድማ ናብቱ ናይ መጀመሪያ "ጽቡቕ ዝገበረስያ ጽቡቕ እንተዝረክብ ብዕራይ ድቋ ምሰተየ!" ነጥበይ ተመሊሰ ምኽሪ ኢለ ብዝገመትኩዎ መልክዕ ክድምድም ክፍትን ኢየ። እቱ ካልኣይ "ለ ጋሕቶናየ ካዳድ ጋደ?" (ከዓነ ክትምለሱ ናብ ሩባ ካዳድ?") ዝብል ነጥቢ ግን ኣብ ዝቕጽል ጊዜ ከቕርብ ቃል እኣቱ።

 

ጊዜ ኣብ ዝረኸብኩሉ ኣብዙ ታሪክን ካባቢ ኢሮብን ክቅጽለሉ ስለዝሓስብ ማንም ብዛዕባ ኢሮብ ዝፈልጥን ዝሓሊን ብመኽሩን ብሓገዙን ኣይፈለየኒ። ንኣብነት "ሱልቁጡም" ወይ "ጩልቁጡም" ኣበ ምዃኑ፡ ትርጉም እንታይ ማለት ምዃኑ፡ ምስ ኢሮብ እንታይ ርኽክብ ከምዘሎዎ፡ ምስ ታሪክ ጣሊያንን መሸጣ ኤርትራንከ እንታይ ርኽክብ ከምዘሎዎ ምላሽ ምርካብ ጽቡቕ ኢዩ። ካልኣይ ታሪክ "ዖና ኢሮብ" ዝፈልጥ እንተሊዩ፡ ቦታኡን ታሪኩን ምእላሽ ግቡእ ኢዩ። እዚኦም ካብ ብዙሕ ኣብነታት ክልተ ጥራሕ ኢዮም።

ካብ 1966 . ም ናይ ኢትዮጵያ ኣብዮት ጀሚሩ ክሻብ ተሓሕት ሥልጣን እትሕዘሉ 1983 .ም በረኻታት ትግራይን ኤርትራን መፀጋዕታ ገይሮም ብርክት ዝበሉ ናይ ፖለቲካ ውድባት ተላዒሎም ከምዝነበሩ ዝፍለጥ ኢዩ። ካብዚኣቶም ኣነ ባዕለይ እዞም ዝኽተሉ እዝክር። ናይ ኢትዮጵያ ዲሞክራሲያዊ ሕብረት ወይ ድማ ኢዲዩ፤ ዓሲምባ ወይ ድማ ናይ ኢትዮጵያ ሕዝባዊ ኣብዮታዊ ፓርቲ (ኢሕኣፓ)፡ ተጋድሎ ሓርነት ትግራይ (ተሓት)፡ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ) ወይ ክዓ ጃብሃ፡ ተጋድሎ ሓርነት ሕዝቢ ትግራይ (ተሓሕት)፤ ሕዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ (ሕግሓኤ)፡ ኡጉጉሞን ያው ኩሉ ዝፈልጦ ን17 ዓመት ኢትዮጵያ ቓላይ ደም ደቃ ገይሩዋ ዝገዝኣ ጎይታ ደርጊ ኢዮም።

 

እምበኣርከስ ኢሮብ ንዚኦም ኩሎም ውድባት ናይ ኢትዮጵያ ይኹኑ ናይ ኤርትራ ወላዲ ኾይኑ ከም ዶርሆ ሓቑፉ ብሰላም ምትእንጋዱ ማንም ዝፈልጦ ሓቂ ኢዩ። ኢሮብ ኣብ ጃብሃን ኣብ ኡጉጉሞን ክንደየናይ ተሣትፎ ከምዝገበረ ብዙሕኳ እንተዘይፈለጥኩ ፎትዩስ ይኹን ብኩነታት ናይቱ ጊዜ ተገዲዱ ግን ኣብቶም ካልኦት ጉጅለታት ነፍሲ ወከፍ ጉጅለ ከከምኣረኣእያኡ ፈሪዱ ወይ ክንእዶ ወይ ክንዕቖ ዝኽእል ተሣትፎ ምግባሩ ፍሉጥ ኢዩ። ኣብ ሻዕቢያኳ ይትረፍዶ ቀደም: ኣብዙ ቀረባ እዋን ሻዕቢያ ዓድና ምስ ወረረት ናብ ኤርትራ ኸይዶም እንክውሕድ ኣነ ክሻብ ዝፈልጦ ክሻብ ሐዚ ምህላዎም ዘይምህላዎም ዘይፍለጡ ደቂ ኢሮብ ከምዘሎዉ ካባና ኣይሥወርን ይኸውን። ይኹን ደኣምበር ኢሮብ ናይ ኢዱ ምርካቡ ዘይምርካቡ ዝረአ ኢዩምበር ሓንቲ ምሥጢር ዝኸውን ነገር የብሉን።

ኻብዞም ኩሎም ውድባት ከም እኒ ወዲ ዓወተ፡ ሸፋቱ፡ ጃብሃ ብዝመሣሠሉ ዝተፈላለዩ ኣስማት ንመጀመሪያ ጊዜ ኢሮብ ዝረገጹ ኣጸላሚቶም ካብ ኤርትራ ዝቀላቀሉ ዝነበሩ ኢዮም። እዚኣቶም ግን ቅድሚ ዕግርግር ናይ ኣብዮት ስለዘነበረ ሰብ ከም ተራ ሸፋቱ ወይ ከዓ ኣብ በረኻታት ተሓቢኦም ከምዝነብሩ ገይሩ ይሓስቦም ስለዝነበረ ኪመፁ ኸሎዉ ዝሓተቱዎ ፈጺሞሙሎም የፋኑዎም ከምዝነበረ ብሕሹኽሹኽ ይዝንቶ ነይሩ። ምክንያቱ ሽዑ ጊዜ ንሸፋቱ ዝሓገዘ፡ ርኢዩ ዝሓብአ መንግሥቲ እንተፈልጡዎ ክሻብ ናይ ሞት ፍርዲ ዘስዕብ ዓቢይ ገበን ነይሩ። መብዛሕቲኡ ከምዙይ ዝበለ ኩነታት ዘጋጥሞም ዝነበረ ናብ ዶባት ኤርትራ ቀረባ ዝነበሩ ገዛውቲን ቁሸታትን ምስ ከፍቶም ናብ ባሕሪ ገፅ ዝገሹ ዝነበሩ ሰባትን ኢዮም። እዞም ከምዙይ ዝበሉ ሸፋቱ ድማ ቐትሪ ቐትሪ ኣብ በዓቲታት፡ ጥቕጥቕ ኣብ ዝበለ ገረብ፡ ሰብ አብ ዘይበዝሐሉ በረኻታት ኢሉውን ኣብ ዝተገደፉ ገዛውቲን ምሕዳራትን ደቂሶም ይውዕሉ ነይሮም። ከም ኣጋጣሚ ሰብ እንትጓነፎም ድማ ንማንም ከይነግሩ ጽኑዕ መጠንቀቕታ ይወሃቦም ነይሩ። ከምዝመስለኒ፤ ከምዝበሃልውን: እዚኣቶም ደሓረ ከም ጃብሃ ናይ ዝተፈለጠ ጉጅለ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ) ኣባላት ዝነበሩ ኢዮም።

 

ካብ ናይ 1966 . ም ናይ ኢትዮጵያ ኣብዮት ንደሓር ግን እዞም በረኻ በረኻ ዝብሉ ሕብኦ ገዲፎም ብግልጺ ሰብ ኣብ መንግዲ ጠጠው እናበሉ ካበይ ከምዝመጹ፡ ኣብ ዝገደፉዎ ኩነታት ከመይ ከምዝነበረ፡ ኣብ መንገዶም እንታይ ከምዘጓነፎምን ብፍላይ ብከተማ ኣቢሎም እንተኾይኖም ኣብ ቀረባታት ወታሃደራት ደርጊ ኣጓንፎሙዎም እንተነይሮም ይሓቱዎም ነይሮም። ብድሕሪኡ ናብ በረኻ እንታይ ዓላማ ሒዞም ከምዝወጹ ቁሩብ ኣስተምህሮ ሂቦም ይሰዱዎም ነይሮም ። ናብ ከተማ እንተኾይኖም ግን እዙይ ረኣና እዙይ ሰማዕና ከይብሉ የጠንቅቑዎም ነይሮም። ኣነ ንባዕለይ ከምዙይ ዝበለ አስተምህሮ ንመጀመሪያ ጊዜ ዝገጠመኒ ካብ ዓዲግራት ንዕረፍት ናብ ኢሮብ እናኸድና አብ እኒ ተንከተም ዝመሣሠሉ መንግድታት ነይሩ።

 

ውድባት ኤርትራ ሓሓሊፎም ኣጋጣሚ ክቕልቀሉ ወይ ክሓልፉ እንተዘይኮይኑ ኣብ ኢሮብ ምንም ዓይነት ምዱብ ቦታ ወይ መንበሪ ወይ ሠፈር አይነበሮምን። ቅድሚ ኩሉ ተጋደልቲ ናይ ተጋድሎ ሓርነት ትግራይ (ተሓት) ካብ ኢሮብ ኣብ ዘገብላን ዓይጋን እንክጽግዑ፡ ኢሕኣፓ ድማ ዓሲምባ ዝብል ስም ሒዛ ዓዲ ኢሮብ ከም መንበሪ ገበረቶ። ብፍላይ ኣብ ሓደ ሓደ ገዛውቲ ኢሮብ ተጋደልቲ ዓሲምባ ዳርጋ ከም ኣባላት ሥድራ ይረኣዩ ነይሮም ኢዮም። ተጋድሎ ሓርነት ሕዝቢ ትግራይ (ተሓሕት) ድማ ብምዕራብ ትግራይ አቢላ ከም እኒ ግርሁ ሥርናይ ዝመሣሠሉ ዶባት ዓድዋን ዓጋመን፡ ከምኡውን ብዶባት ኤርትራ እናተቐላቐለት ቀስ ብቀስ ዓይጋን ወርዓትለን ሓዘት።

 

ካብ 1966 . ም ክሻብ 1983 .ም ኣብ ምሉእ ኢትዮጵያን ኤርትራን ክንዲ ሕዝቢ ኢሮብ ብዙሓት እሞ ዝጻልኡን፡ ነንብዓልቶም ዝፋሓሱን ዝበኣሱን ናይ ፖለቲካ ውድባት ሓቁፉ ዝሓዘ ከባቢን ሕዝቢን ነይሩ እንተተባሂሉ ካብ ሓቂ ይርሕቕ። ዝገርም ነገር እንተሃለወ ድማ ናይዞም ኩሎም ናይ ፖለቲካ ውድባትን ግንባራትን መሥረቲን መራሕቲን ኩሎም ተጋሩን ኤርትራዊያንን ነይሮም። ያው ዞይሩ ዞይሩ ዋናታት ታሪኽ ኢትዮጵያን ኤርትራን ነይሮም ማለት ኢዩ። ንሓፀይ ሚኒሊክ እናመሥገና ኣሕጽርና ተጋሩ ነይሮም እንተበልናውን ብዙሕ ጣጣን ኣፈላላይን ኣይምሃለዎን።

 

እቱ ሓቁ ንምግሃድ ካብዞም ኩሎም አብ ልብን ተግባራዊ ነብራን ተሣትፎን ኢሮብ እቱ ዝለዓለ እጃምን ላዕለዋይ ኢድን ዝነበራ ዓሲምባ (ኢሕኣፓ) ነይራ። ዓሲምባ ኣበይ ከምእትርከብ ዘይፈልጥ ኢሮብታይ ይህሉ ኢለ አይጠራጠርን። እንተኾነ ግን ምናልባት ብዛዕባ ርኽክብ ዓሲምባን ኢሕኣፓን ዝተወሰኑ ሕቶታት ዘሎዎ ኣይሰኣንን ይኸውን ዝብል እምነት ኣሎኒ።

 

ኢሮብታይ ኩሉ ከምዝፈልጦ ዓሲምባ ኣብ ኣራዕ-ሓሣባላ ዝርከብ ኣብ ኢሮብ እቱ ዝለዓለን ዝመልከዐን ጎቦ ኢዩ። ዓሲምባ "ዓሣ" "እምባ" ን ካብ ዝብሉ ክልተ ቃላት ኢሮብ ሣሆ ዝመፀ ቃል ኢዩ። ትርጉሙ "ዓሣ" ማለት ብትግራይ "ቀይሕ" እንክኸውን "እምባ" ድማ ብትግራይ ከምዘሎ እምባ ኾይኑ "ዓሣ እምባ" ክሓጽር ከሎ "ዓሲምባ" ይኸውን። ኣነ ክሻብ ዝፈልጦ ካልእ ምሥጢራዊ ወይ ድማ ወርቃዊ ትርጉም የብሉን። ዓሲምባ ብርሑቕስ ይኹን ብቐረባ ኣማዕዲኻ ክትረእያ ብጣዕሚ ተደንቕ ኢያ። ሎሚ ሎሚ ዋናኣ በዚሑ እናተደፈረት መጺአ እምበር መእተዊ መንገድታታ ዝተወሠነ ኣብ ዝነበረሉ ጊዜ ዓሲምባ ካብ ምድናቕ ሓሊፋ ብጣዕሚ እተፍርሕ ቦታ ነይራ።

 

እቱ መረቱ ናይ ኣኮታተይ ኢዩ። ኣነ ቦኽሪ ገዛ ብምንባረይ ከምቱ ዝፀንሐ ባሕሊ ኢሮብ መሠረት ኣብኡ ኢየ ተወሊደ። እንተኾነኳ ብዛዕባ ጎቦ ዓሲምባ ባዕላ ብዙሕ አይፈልጥን። ገና ንሽተይ እንከሎኹ ግን ክሻብ ፍርቂ በጺሐ ምስ ረኣኹዎ ብጣዕሚ ኣፍሪሑኒ።

 

ስም ኢሕኣፓ ዓሲምባ ንክኸውን ዝተመረፀሉ ዋና ምክንያት ምስ ኢሮብ ጥራሕ ዝተተሓሓዘ ከይኾነስ ምስ መላእ ኢትዮጵያ ዝተተሓሓዘ ናይ ባዕሉ ታሪክ ስለዘሎዎ ኢዩ። ብዛዕባ ኢሮብ ብኣፍ ወለዲ ከም ነበረያ ነበረ ክዝንቶ ጸኒሑ ከይተጽሓፈ ዝሓለፈና ብዙሕ ታሪክ ኣሎ። ብጣዕሚ ካብ ዝገርም ኣብ ኢትዮጵያ አብ ዝተገብረ ማንም ዓይነት ውግእን ጦርነትን ደቂ ኢሮብ ዘይተሣተፉሉን ሕይወቶም ዘየወፈዩሉን ሓደ እንኳን ኣይህሉን እንተበልና ምንም ጌጋ ኣይኸውንን።

 

ጣሊያን ኤርትራ ተጎዝጕዙ ንኢትዮጵያ ክወርር ከሎ መኳንንቲን መራሕቲን ኢሮብ ሰብኡትን ኣጓብዝን ኢሮብ ኣስዕቦም ናብ ዓሲምባ ሸፊቶም ኣብ ርዕሲ ወታሃደር ጣሊያን ሓደጋ የብጽሑ ነበሩ። ሽዑ ጊዜ ጣሊያን ነዞም ሸፋቱ ክሕዝ ብዙሕ እኳ እንተጸዓረ ክረኽቦም ኣይኸኣለን። ጣሊያን ሸፋቱ ኢሮብ ኣብ ላዲኖ ኣሎዉ ተባሂሉ ተነጊሩ ካብ ኤርትራ ወታሃደር ልኢኹ ኣብ ላዲኖ ዝተጨፍጨፉ ሰላማዊያን ኢሮብ ታሪኮም ምስዙይ ዝተተሓሓዘ ኢዩ። ስለዙይ ከምቱ እሥራኤላዊያን ብጊዜ ወራር ዝጽግዑላ ዝነበሩ ጎቦ "ፅዮን"" ከምዝብሉዋ ኩሉ፡ ንኢሮብ ድማ ዓሲምባ ናይ ጊዜ ወራርን ፀገምን መፀጋዕታኦም ወይ ድማ ፅዮኖም ኢያ።

 

ኩላትና ከምእንፈልጦ ዶ/ር ተስፋይ ደበሣይ ወዲ ኢሮብ፤ ካበ ኢሮብ ከዓ ወዲ ዓሊተና፡ ካብ ዓሊተና ድማ ወዲ ዋይላለሱዳ ነይሩ። ስለዙይ ዓሲምባ ከምቱ ብጊዜ ወራር ጣሊያን ንክብሪ ኢትዮጵያ ዓዶም ናይ ዝተዋግኡ ሸፋቱ ኢሮብ ጽዮንን (መፀጋዕታ) መሸፈቲን ከምዝዝኾንኪዮም፡ ሎሚውን ከምልማድኪ ፅዮን ናይ ሓለይቲ ኢትዮጵያ ኩኒ ብምባል ዝተውሃባ ስም ነይሩ። ስለዙይ ዓሲምባ ኢሮብ ብመልክዓን ብቁመታን ጥራሕ ዝሕበኑላ ጎቦ ከይኾነትስ አብ ታሪክ ኢትዮጵያን ትግራይን ካብ ናይ ካልኦት ግደ እኳ ድኣ እንተዘይሓሊፉ እንክውሕድ ከክንዲ እቶም ሓላዪቲ ዓዲ ዝሕበኑላ ታሪክ ዝሓዘለት ጎቦ ኢያ። ዶ/ር ተስፋይ ደበሣይ ድማ ከም ወዲ ኢሮብ እዙ ዘሕብን ታሪክን ግደን ናይ ዓሲምባን ኢሮብን ኣብ ታሪክ ኢትዮጵያ ኣፀቢቑ ይፈልጥ ስለዝነበረ ንኢሕኣፓ ዓሲምባ ኢሉ ክስይማ ክሎ ምስዙ ታሪክ ናይ ኢትዮጵያ ኣተሓሒዙ ኢዩ።

 

ኣብ መላእ ዓለም ነገሥታት ሥልጣኖምን ኃይሎምን ቀጥታ ካብ መንግሥተ ሰማያት ዝወረደሎም መንፈሣዊ ሥጦታ ከምዝኾነ ተገይሩ ይሕሰብ ነይሩ። ኣብ ታሪክ ኢሮብ ግን ሕዝቢ ባዕሉ ዘቲዩ መን እንተመርሐና ይሓይሽ ኢሉ ንዋዕላ ኣብ ዝተኣከበሉ አብ ርዕሲ እቱ ዘቲዩ ዝመረፆ ወዲ ዓዲ "ጨንፈር ኣውሊዕ" የንብረሉ እሞ "እምበኣር ክትመርሐና መሪፅናካ ኣሎና" ኢሉ ሾይሙ ይእዘዘሉ ነይሩ። ብናተይ ኣረኣእያ እቱ "ኣውሊዕ" ከምቱ ኣብ ብሉይ ኪዳን ንጉሥ ዳዊት ብልኡኽ እግዚኣብሔር ብ "ዘይቲ ኣውሊዕ" ዝተቐብዐ ሐዚውን መራሒ ሕዝቢ እግዚኣብሔር ብሕዝቢ እግዚኣብሔር ተመሪፁ ይቕባዕ ምህላዉ ዘመላኽት ኢዩ ይመስለኒ።

 

ዝኾነ ኾይኑ ክዝንቶ ከምዝፀንሐና ኣብ ታሪክ ኢሮብ ክሻብ ቀረባ ጊዜ አብ ሥልጣን ደም ምፍሳስን ምጭፍላቕን አይፀንሐናን። እዙይ ብኸምዙይ እናሃለወ ግን ወዮ ደሓር ደሓር ብነገሥታት ኢትዮጵያ ህርፊ ሥልጣንን ክብሪን እናደፍአ: ኢሮብውን ኣብ ኩነታት ኢትዮጵያ እጃሙ እናበርከተምስ መፀ፤ ኢሮብ ከዓ ሃገሩ ክመስልን ኣብ ኩነታት ናይ ጊዜኡ ክሣተፍን እጃሙ ከበርክትን ተግዲዱ። ስለዙይ ከም ሃገሩ ብዛዕባ ነገሥታት ተመሣሣሊ ኣረኣእያ ከሕድር እናተገደደ መጺኡ። እዙይ ከዓ ክሻብ ሐዚ አብ ማዕኸል ኅብረተስብ ኢሮብና ክንፀባረቕ ዝረአ ኢዩምበር ጉድ ዝኸውን ነገር ኣይኮነን።

 

ምስዚኣት ተታሒዙ ክለዓል ዝግብኦ እንተሃለወ ሃይማኖት ኣብ ፖለቲካ ዝነበሮ ግደ ኢዩ። ገለገሊኡ ሃይማኖት ንነገሥታት ሕዝቢ ንምፅቃጥን፤ ንምጭቋንን ንምቁፅጻርን ዋና መሣርሒ ኮይኑ ምጽንሑ ዘይዝንጋዕ ኢዩ። ሃይማኖት ኣብ ልዕሊ ኣማኒ ሕዝቢ ከሕድሮ ዝኸእል ጽዕንቶ ክንደየናይ ከቢድን ኃዪልን ምዃኑን: ናይ ፖለቲካ ሰባት ድማ ክሻብ ክንደይ ትኩረት ከምዝህቡዎን ነዊሕ ዓመታት ንድሕሪት ከይኽድና አብዙ ትማሊታት ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈፀሙን ገና እናተፈፀሙ ዘሎዉን ነገራት ምዕዛብ ካብ ብቁዕ ዝሓለፉ መረዳእታታት ክኾኑ ይኽእሉ ኢዮም። ኢሮብ ድማ ብኢትዮጵያዊነቱን ትግራዋይነቱን ኩሩዕ ብምዃኑ ኣብ ኢትዮጵያን ኣብ ትግራይን ካብ ዘሎ ኩነታት ከምልጥ ስለዘይኸኣለ ሃገሩ ክመስል ናይ ግድን ኢዩ። እምበኣርከስ ኢሮብ ኣብ ልዕሊ ነገሥታትን፡ መሣፍንቲን፡ መኳንንቲን ሹማምንቲን ዝነበሮ ኣረኣእያን ክብሪን ካብ ካልኦት ዓዲታት ዝለዓለ ኢዩ ነይሩ።

 

ወዮ ብዙሕ ዘይሰጎመ ሥርዓት ደሲነት (Communism) አንፃር እምነት፡ አንፃር ሃይማኖት፡ አንፃር ነገሥታት፡አንፃር ከበርቴታ፡አንፃር መሣፍንቲ፡ ወዘተ ምስ ዝኾነ ፍልስፍና ዝተልዓለ ሥርዓት ኢዩ ነይሩ። ዓሲምባ (እሕኣፓ) ድማ ንዙ ሥርዓት ዋና ዓምዳ ገይራ ኢያ ተላዒላ ዝነበረት። ዓሲምባ (ኢሕኣፓ) አብዙ ዝረኣናዮም ሃይማኖትን ትምህርቲ መለኮት መሣፍንቲን ኃያልን ጽኑዕን እምነት ናይ ዝነበሮ ልቢ ሕዝቢ ኢሮብ ከመይ ገይራ ብቐሊሉ ክትሰልቦ ምኽኣላ ንብዙኃት ዘገረመ ሕቶ ነይሩ። እዙይ ዕምቕ ዝበለ ነዊሕ ዘተን ዕላልን ዘድሊ ኢዩ። ኣነ ግን ንሱ ንዘተ ገዲፈ ሐዚ ኣብዙይ ዝደለኹዎም ነጥብታት ክወቅዕ እደሊ።

 

ኣብዙይ ከልዕሎም ካብ ዝደልዮም ነጥቢታት ገለገሊኦም እኒሆዉ።

 

ቅድም ንቐዳድም ከምቱ ኣብ መጀመሪያ ተሓሕት ሥልጣን ክትሕዝ ከላ ከምዝበተብሃለ እንተኾይኑ ካባቢ 85% ኢሮብ ክጽሕፍን ከንብብን ይኽእል ነይሩ። እዙይ ከዓ ብሻላ ካቶሊክ ቤተክርስቲያን ከምዘነበረ ዘይከሓድ ኢዩ። ስልዙይ ኣሻዒቱ መብዛሕቲኡ ኢሮብ ዝተምሃረ ብምንባሩ ምስቱ ዘሎ ጊዜያዊ ኩነታት ብቐሊሉ ክመሣሠልን ክኸይድን ይኽእል ነይሩ። ካልኣይ እቱ ዝመሃር ይመሃር ነይሩ፡ እቱ ዝሓርስ ይሓርስ ነይሩ፡ እቱ ዘምህር የምህር ነይሩ፡ እቱ ዝዳንን ዝሽምግልን ይዳንን ይሽምግልን ይዓርቕን ነይሩ። ብሓጺሩ ኢሮብታይ እታ እትግብኦን እትምልከቶን ሥራሁ ይፍጽም ነይሩ።

 

ሣልሣይ ድማ ዝተምሃረ ይኹን ዘይተምሃረ ኢሮብታይ አድላዪ ነገር ክርከብ ብሓደ ዘትዩን መኺሩን ምእንቲ ዓዱን ሕዝቡን ሓቢሩ ይዋፈርን ይለዓልን ነይሩ። ራብዓይ ናይ ሽዑ ጊዜ ምሁር ኢሮብታይ ንባዕሉ አኽቢሩ፤ ንዓዱን ንሕዝቡን ዝሓሊን ዘኽብርን ስለዝነበረ ኣብ ዓዲ ብጣዕሚ ክቡር ነይሩ። ዓሲምባ (ኢሕኣፓ) እምበኣረ ካብ ዓዱ ሓሊፉ ብዓለም ደረጃ ብዝፍለጥን ብዝኽበርን ዝነበረ ወዲ ኢሮብ ዶ/ር ተስፋይ ደበሣይ ተመሪሓ ልቢ ናይ ምሁርን ንትምህርቲ ዝሃርፍ ዓቢይን መንእሠይን ኢሮብ ስለዝሓዘት ኢሮብ ምንምኳ ኣንፃር ሃይማኖት ዝኾነ ትምህርቲን ስብከትን ናይ ዓሲምባ (ኢሕኣፓ) እንተነቐፉ መሊኦም ክነፅጉዋ ኣይካኣሉን።

 

ዓሲምባ (ኢሕኣፓ) ልቢ ኢሮብ ንምሥዓር ዝተጠቐመትሎም ብልኃታት ብዙኃት ኢዮም። እተኾነ ኩሎም ንምዝርዛር ብቕዓት፤ ክእለት፡ ጊዜ፡ ኃይሊ ስለንእሰኒ ዓሲምባ (እሕኣፓ) ኢሮብ ንምሽናፍ ዝተጠቐመትሉ ዝተወሰኑ ቐንዲ ቐንዲ ብልኃታት ኣሎዉ። መጀመሪያ ዓሲምባ (ኢሕኣፓ) ካብ ኢሮብ ብቱ ጊዜቱይ ዝፍለጡ ዝነበሩ ለያቡን፡ ገበነይናታትን፤ ግፍዐይናታትን ጠቕሊላ ካብ እከይ ኣናጊፋ መሥመር ኣትሒዛቶም። ካልኣይ ዓሲምባ (ኢሕኣፓ) ንለያቡን፡ ንገበነይናታትን፤ ንግፍዐይናታትን ንእንተዘይኾይኑ ንወዲ ኢሮብ ዋላ ሓንቲ መዓልቲ ዱላን ኣፈሙዝን ኣይተጠቐመትን። ከም ካልእ ትግራዋይ ኩሉ ኢሮብ ዱላን፡ ምፍርራሕን ኣፈሙዝን ስለዘይለመዶ እዙ ኣፈራራሕን ድፊኢትን ዘይብሉ ኣቀራርባ ናይ ዓሲምባ (ኢሕኣፓ) ኢሮብ ካብ ኩሉ ዝደሊዮን ዝፈትዎን ስለዘነበረ ዓሲምባ (ኢሕኣፓ) ብኢሮብ ብዝበለጸ ንኽትፍቶ ገይሩዋ። ሣልሣይ ዓሲምባ (ኢሕኣፓ) ወዮ ዝነበሩ ምሁራት ሒዛ ስለዝነበረት ኣብ ኢሮብ ንፖለቲካ ይኹን ንዘድሊ ኩሉ ምሉእ ብምሉኡ ደቂ ዓዲ (ኢሮብ) ኢያ ተጠቒማ።

 

ሎሚ ሎሚ እንዲዒ! ከም ካብ ወለድና ዝፀንሐና እንተኾይኑ ኢሮብ ሓደ ጊዜ ኣሚኑ ዓርኪ እንተገይሩካ ወይ ኣብ ኢድካ እንዲሕሪ ኣቲዩ ንዘለዓለም ዓርክኻን እሙንካን ኢዩ። ኣብዙይ ቅድሚ ሽድሽተ ሸውዓተ ዓመት ሓደ ክረምቲ ዘጓነፈኒ ታሪክ ከዘንትወልኩም። ሰብ ካብ ኣሜሪካ ናብ ደብረ ማርቆስ ዩኒቨርስቲ ልኢኹኒ ናብኡ እኽይድ። እቱ ዝደለኹዎ ሰብ ኣብ ደብረ ማርቆስ ዩኒቨርስቲ እረኽቦሞ መልእኽተይ ኣብጽሐ ናብ ትግራይ ክምለስ ናብ ሽረ ቲኬት ናይ ኣውቶቡስ ቆሪፀ ኣብ ጎንደር እሓድር። ንግሆ ኣብ መናኸሪያ ናብ አውቶቡስ እናኣቶኹ ሓደ ትግራዋይ ብትግራይ ሰላም ኢሉ "እገለ እበሃል" ይብለኒ። ኣነውን ሰላም ኢለ "እገለ እበሃል" እብሎ። ንሱ ከዓ መሊሱ "እዚኣ እነይ ኢያ። ቆቢዕ ክትገብር መጺኣ ኣብዙይ ፀኒሓስ ሐዚ ናብ ዓዳ ትምለስ ኣላሞ ሓደራ ክብለካ ደሊየ ነይረ እንተኪኢልካ" ይብለኒ። ኣነ ድማ "ኣነ አብ ሽረ ክቕኒ ኢየ። ኽሻቡ ግን ዋላ ፀገም የለን" እብሎ። ንሱ ድማ "ደሓን ደሓን፡ ኣብ ሽረ ምስ ኣተወት ኣብቱ መንኸሪያታት መንግዲ ጠፊኡዋ ድንግርግር ከይትብል ከትሕግዛምበር ኣብ ሽረስ ዝቕበላ ሰብ ኣሎ። ጥራሕ ምስቱ ሰብ ክሻብ እትራኸቡ ሓግዛ" ይብለኒ። "ኽሻቡሞ ዋላ ሓንቲ ፀገም የለን" እብሎሞ ምስ እናቴ ተፋሊጥና ምስኡ ሰላም ሰላም ተባሃሂልና ንሰናበት።

 

ምስ እናቴ ኣብ ኣውቶቡስ ብሓደ ኮፍ ንብልሞ ዕላል ንጅምር። "ናበይ ደኣ ይኸዳ ኣሎዋ?" እብለን። ንሰን ድማ "ኣነ ካብ ስንቓጣ (ፍሬወይኒ) ኢየ። ደጊም ቖቢዕ ኽገብር ደሊየስ ኣብዙይ አብ ጎንደር ጸኒሐስ ሐዚ ንዓደይ እምለስ ኣሎኹ። ንስኻኸ ካበይ ኢኻ?" ይብላኒ። "ኣነ ኢሮብ ኢየ" ኢለ ምስ መለስኩለን፡ ወየን እናቴ ከምዙ ድንግጽ ኢለን "ዋይ ዋይ! ኢሮብ ኢኻ? ኢሮብ ፈታዊ እንዲሕሪ ገይሩካ ንዘለዓለም ፈታዊኻ ኢዩ። ንሕና ፈተውቲና ደቂ ኢሮብ ነይሮምስ ብዙይ ክሓልፉ ከይተቐልቐሉና ምንም ኣይሓልፉን ነይሮም። ክቕልቐሉና ከዓ ኩሉ ጊዜ መዓርን ጠስሚን ሒዞሙልና ይመፁ ነይሮም። እሞ ኣብ ኢድ ሕያዋይ ሰብ ኢየ ዘሎኹ?" ይብላኒ እናሰሓቓ። ኣነ ዝብሎ ጠፊኡኒ ፈዚዘ ክብል እኽእል።

 

ታሪክን ባሕሊን ኢሮብ እምበኣር ክሻብ ክንዲዙይ ዝገነነን ዝተፈለጠን ኢዩ ነይሩ። ኢሮብ ብተኣማኒነት ዖቕባ ዝሓተቶን አብ ኢዱ ንዝኣተወን ሰብ ሕይወቱ እንኳን ከይሰሰዐ ከሕልፈሉ ኢዩ ጽኒሑ። ዶ/ር ተስፋይ ደበሣይ ምእንቲ ሕዝቢ ኢትዮጵያን ሕዝቢ ኤርትራን ውድቡን ዓይኑ እናረኣየ ሕይወቱ ዝሠውዐ ካብዙ ደም ኢሮብ ተውሊዱ ኸምዙይ ዝመሠለ ባሕሊ ኢሮብ ሒዙ ስለዝዓበየ ኢዩ። እማሆይ ከምዝበላኦ ቀደም ቀደም ኢሮብ ሓደ ጊዜ ዓርኪ እንድእሕሪ ገይሩካ ምንም ኣይግልበጥን ነይሩ። ኢሮብ ብደም ዝተኣላለሹ ክልተ ፀላእቲ ኣብ ሓደ ገዛ ተቐቢሉ፡ ንሓደ ኣብ ህድሞ ወይ ኣብ ኣጉዶ፤ ንቱ ካልኣይ ድማ ኣብ ደምባ ተቐቢሉ ኣስቲዩ፡ ኣብሊዑ፡ ኣጽጊቡ እቱ ሓደ ናይቱ ካልእ ምህልው ከይፈለጠን ከየራኸቦምን ዘፋኑ ህዝቢ ምዃኑ ሓደ ኣባል ማዕከላይ ኮሚቴ ተሓሕት ዝመስከሮ ኢዩ።

 

 

መዛዘሚ ናይ ቀዳማይ ክፍሊ

 

እዙ ቀዳማይ ክፍሊ ክዛዝም ክፍትን ኢየ። ካብዙ ናይ 1966 . ም ውሩይ ኣብዮት ኢትዮጵያ ጀሚሩ ኽሻብ ብ1983 . ም ተሓሕት/ኢሕኣዴግ ንኢትዮጵያ ሻዕቢያ ድማ ንኤርትራ ዝቆጻጸሩ ኣብ ኢትዮጵያን ኣብ ኤርትራን ካብ ዝተልዓሉ ናይ ፖለቲካ ውድባትን ግንባራትን ኣብ ኢሮብ ዘይተዓቖበ ዳርጋ ኣይሓለፈን ክበሃል ይከኣል። ካብ ዝገርም መሥረቲን መራሕቲን ናይዞም ኩሎም ውድባት ተጋሩን ኤርትራዊያንን ኢዮም ነሮም። እዙይ እናሃለወ ኢዩ ብከምዙይ ነንበዓልቶም ዝተዋድኡን ኽሻብውን ዝፋሓሱን ዘሎዉ።

 

እዞም ውድባት እንክመፁ ንጋሻ ምቕባልን ምኽባርን ኣብ ድምን ልቢን ናይ ኢሮብ ብዕምቐት ዝሠረፀ ባሕሊ ነይሩ። ሽዑኡ ብዝፀንሐ ባሕሊ “ዖቕባ” ኢዩ። ሓደ ሰብ ኣብ ኢዱ ኣቲዩ ዖቕባ እንተሓቲቱ ኢሮብ ሕይወቱ እንኳን ከይሰሰዐ ሠዊዑ ይሕልዎ ነይሩ። ንኣብነት ወዮ ሎሚ መቕፃዕቲ ተሪፉምበር ሓደ ቖልዓ ኣጥፊኡ ወይ ከይቐጻዕ ወይ ዋላ እናተቀጽዐ ኣምሊጡ ዖቕባ ሓቲቱ ተዓቑቡ እናሃለወ ከይደግም ቃል ክኣቱ ተሓቲቱ እቱ ቅጽዓቱ ንሽዑ ይሓልፈሉ ነይሩ። ክምኡ ከዓ ኢሮብ ሓንሳብ እነተኣሚኑካን ዓርኪ እንተገይሩካን ኣብ ኢድካ እንዲሕሪ ኣቲዩን ምንም አይግልበጥን ነይሩ። ስለዙይ ከምዙይ ዝበለ ባሕሊ ንኩላቶም ዕድል ሂቡ ማለት ኢዩ።

 

ካብዞም ኩሎም ውድባት ኣብ ሓንጎልን፡ ልቢን፡ ሓሣብን ኢሮብ ብዕምቐት ሠሪፃ ንኢሮብ ካብ ሰቡ ክሻም እምኑን ሓመዱን ዝተቆጻጸረት ኢሕኣፓ ነይራ። መራሒ ኢሕኣፓ ዶ/ር ተስፋይ ደበሣይ ከዓ ባዕሉ ወዲ ዓሊተና ወዲ ኢሮብ ነይሩ። መፀዋዕታ ስም ናይ ኢሕኣፓ ዓሲምባ ነይሩ። ዓሲምባ ኣብ ኢሮብ እታ ዝለዓለትን ዝመልከዐትን ጎቦ ክትከውን ጣሊያን ኤርትራ ሒዙ ንኢትዮጵያ ክወርር ከሎ ኢሮብ ናብ ዓሲምባ ሸፊቶም ኣብ ልዕሊ ወታሃደር ጣሊያን ሓደጋ የብጽሑ ነበሩ። ዶ/ር ተስፋይ ደበሣይ እዙ ምሥጢር ብደንቢ ይፈልጥ ስለዝነበረ ዓሲምባ ከምቱ ብጊዜ ወራር ጣሊያን ንኢሮብ ፅዮን (መዕቖቢ) ዝኾነቶም ሎሚውን ንዛ ሓላዪት ኢትዮጵያ ዝኾነት ኢሕኣፓ ከም ልማዳ ፅዮና (መዕቖቢ) ንኽትኾና እናተመነየ ኢዩ ነይሩ።

 

1931 . ም ኣቢሉ ኣቦና ያዕቆብ ናብ ዓሊተና መጺኦም ኣብ ሠራው ዳሉዕታ ውዕሊ ዝኣተዉላ መዓልቲ ኣብ ታሪክን ሕይወትን ነብራን ኢሮብ ክሻብዛ ሰዓትዚኣ ዓይኒ ዝኾነትን ክምጠን ዘይከኣል ግደ ዝተፃወተትን ታሪካዊ መዓልቲ ኢያ። እዛ መዓልቲዚኣ ንኢሮብ ካብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ሓሊፎም ክሳብ ብዓለም ደረጃ ንምውድዳር ዘብቀዐቶም ዕለት ኢያ። ዶ/ር ተስፋይ ደበሣይ "ምሥራቅ ኣፍሪቃ ኣብ ዝመጽእ ምእቲ ዓመታት እንኳን ክተፍሪዮ ዘይትኽእል ኮኾብ (ሊቅ)" ዘብሃለቶ እዛ መዓልቲዚኣ ኢያ።

 

መናእሰይ ኢሮብ ንዓሲምባ (እሕኣፓ) ንዛ ታሪካዊት መዓልቲ ከይተረፈ ረሲዖም ተሠሊፎሙላ ኢዮም። ካብ ሓዳሪ ቤት ትምህርቲ ፅንሠታ ዓዲግራት ናብ ናይ ደርጊ "ዕድገት በኅብረት ዘመቻ" ኸይዶም ከይተመለሱ ብኡኡ ናብ ዓሲምባ (እሕኣፓ) ዝዓጠቑን ምሉእ ልቦም ኸፊቶም ዝተቐበሉዋን ኢሮብ ውሑዳት ኣይነበሩን። ብሓጺሩ ኢሮብ ንዓሲምባ (እሕኣፓ) ኩሉ፤ ማለት ሕይወቱ ከይተረፈ ረሲዑ ኢዩ ተቐቢሉዋ።

 

ዓሲምባ (ኢሕኣፓ) ከዓ እቱ ብኢሮብ ዝተገበረላ ኣቀባብላን ዝተውሃባ እምነትን ብዝግባእን ብጥበብን ኣብ ጥቕማ ኣዊኢላቶ ኢያ። ዓሲምባ (ኢሕኣፓ) እቱ ኣብ ኢሮብ ኣንፃር ትምህርታን ፖለቲካኣን ዝኾኑ ባሕሊታትን ልምዲታትን ብጥበብ ከምዝልወጡ ገይራቶምበር ብኃይሊ ወይ ብጉልበት ወይ ብዱላን ኣፈሙዝን ጥይትን ክትግህሶም ኣይፈተነትን። እቶም ምሁራን ደቂ ኢሮብ ድማ ኣብ ዓዶም ኣብ ኢሮብ ብዝግባእ ተጠቒማትሎም። ብዙ ምክንያት ድማ ልቢ ኢሮብ ምሉእ ብምሉኡ ሲዒራቶ።

 

ይቕጽል ኢዩ።

 

ኣብ ካልኣይ ክፋል ክሻብ እንራኸብ ደሓን ጽንሑ።

 

 

 

 

 

 

Back to Front Page