Back to Front Page

ህዝቢ ትግራይን ኤርትራን ሓዳሮም ዝወጹ ማናቱ ኣሕዋት እዮም

ህዝቢ ትግራይን ኤርትራን ሓዳሮም ዝወጹ ማናቱ ኣሕዋት እዮም

ምርጫ 2020(2012) ትግራይ ከኣ ምርጫ  ህዝቢ  እምበር

ምርጫ  ውድባት ኣይኮነን

 

ሰላም ኩልኹም ደለይቲ ፍቕርን ሕውነትን፡ኤርትራውያን ኢትዮጵያውያን ብሓፈሻ።ብፍላይ ከኣ 6ይ ክልላዊ ምርጫ ተካይድ ዘለኻ ክቡር ህዝቢ ትግራይ፡ ኣቐዲምና ኣብ ሂወትካ ጥዕና፡ኣብ መዓልታዊ ስራሕካ ኣሳልጦ ኣብ ቃልስኻን ተካይዶ ዘለኻ ምርጫን ከኣ ዓወት ይኹነልካ ንብል፡፡ ቀጺልና ከኣ ከም ኣካል ሕብረተሰብ ዓለም ብሓፈሻ፡ ከም ቀረባ ኣካል ህዝቢ ትግራይ ከኣ ብፍላይ እዋናዊ ጉዳይ ክልላዊ ምርጫ ህዝቢ ትግራይ መዓልታዊ ንከታተሎ ኣሎና። ምርጫ ህዝቢ ትግራይ ብ2ይ ደረጃ ቀጥታ ዝምልከቶ ኣካል እንተሎ ንህዝቢ ኤርትራ እዩ ።ስለዚ ከኣ ጠመተና ሰም ከየበልና ለይትን ቀትርን ንከታተሎ ኣሎና።  ናይ ውሽጢ ሃገርናን ዞባናን ኩነታት ናበይ ገጹ እዩ ኢላና ክንሓስብ ከሎና ከኣ ኩነታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሓፈሻ ኩነታት ኢትዮ-ኤርትራ ከኣ ብፍላይ የገድሰና። እንተ ክትድቅስ ጎረቤትካ ይደቅስ ከምዝበሃል፡ጉዳይ ህዝቢ ትግራይ ኮነ ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ካብዚ ምስላ ንላዕሊ ዝዓሞቐን ዝጸላሎን ስለዝኾነ ነቲ ሓደ ኣልዒልካ ነቲ ካሊእ ክትሰግር ብፍጹም ዝከኣል ኣይኮነን።  ኣብዚ ሳልስቲ ንቤት ምኽሪ ፈደረሽን ፈደራል ኣመልኪቱ ብክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ንህዝቡን ንመላእ ማሕበረሰብ ዓለምን ዘመሓላልፎ መጠንቀውቕታ ሓዘል መልእኽቲ ከኣ፡ ዝያዳ ንጠመተና ስለዝሰሓበ ፡ንሕና ኤርትራውያን ነበርቲ ዝተፈላለየ ሃገራት ኣብ ወጻኢ፡ንነብር ነዛ ንእሽቶ ተበግሶ ናይ ሰናይ ትምኒትን ድጋፍን ንምርጫ ህዝቢ ትግራይ ክንህብ ህልናና ደሪኹና ኣሎ።

Videos From Around The World

ኣብ1991 ፣ ህዝቢ ኤርትራን ትግራይን ብናይ ሓባር ዕማም  ዓቲሮሞ ዝነበሩ ዓወት፣ ክልቲኡ ህዝቢ ብዘይፈልጦን ብዘይገመቶን ኩነታት ኣብ 1998 ተዓንቂፉ ጥራይ ዘይኮነ በዚ ክትካእ እዩ ዘይበሃል ክሳራታት ሂወትን ንብረትን ኣብሪሱ ጸሊም ታሪኽ ኣንቢሩ እዩ፡፡ እዚ ክሳብ መኣስ ስለምንታይ ዝብል ዘሎ ህዝቢ ከኣ ካብ ክፍጽሙለይ ኢሉ ዝተጸበዮም ተስፋ ስለዘይረኸበ ነዚ ጸልማት መጋረጃ ክኣሊ መሳኹቲ ሃሰስ ይብል ኣሎ። ህዝብን ፖለቲከኛታትን ኤርትራን ትግራይ ከኣ ድልየታቶም ከም ምዕራብን ምብራቕን ዝተፈላለየ ኣንፈት ምዃኑ ኣብ 2018 ምድረ-ሰማይ ዝቐደደ ሓጎሶም ገይሮም ገሊጸሞ እዮም። ግን ከምቲ ዝቐደመ እዚውን 3 ወርሒ ከይመልኤ ሓጎሱ ኮሊፎም ከምቀደምካ ኢሎሞ ንጸልማት ፈሪዶሞ፤እዮም። እዚ መከራዚ ብስም ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝብል ስም ይጠመቕ እምበር  ካብ ኢትዮጵያ ትግራይ ካብ ኤርትራ ከኣ እቲ ዝለዓለ መንደዓት ተሸካሚ ኮይኑ ዘሎ ግን ኣብ ዶባት እዚ ክልተ ዘሎ ምዃኑ ማንም ዝስሕቶ ኣይኮነን። እዚ ኣብ 2018 ብስም ሰላም ተራእዩ ዝነበረ ለውጢ ዝበሃል ኩነታት ኢትዮጵያ፡ ኣብቲ ፈለማ ንጽቡቕ ዝመሰሎ ሰብ ብዙሕ ነይሩ እይ። ውዕል ሕድር እንዳበለግን ናብ ናይ ምእኩል ኣራት ኪሎ ተቐይሩ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንኢትዮጵያ ዓዲ ቅንጸላን ሽበራን ነቲ ሓደ ዘቕርብ ነቲ ካሊእ ዝራጋሕ ፡ ንኤርትራ ከኣ ንልኣላውነታ ዝደፍር ንዜጋታታ ዕቑባ ዝኽልክል ካብ ንህዝቢ ኤርትራ ንጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ዘድንቕ ኮይኑ ተረኺቡ። ነዚ ዘይሰሓተ ህዝቢ ትግራይ ከኣ ባዕልና ዝመረጽናዮ መሪሕነት ጥራይ ገርና ኢና ንከላኸሎ ንሱ ብዝሸመልና ሓሳቡ ክንፍጽም እምበር ድልየትና ዘፈጽም ኣይኮነን ኢሉ ስለ ዝነቅሓሉ ኣብመንጎ ብዙሕ ከበባ ኮይኑ 6ይ ክልላዊ ምርጫ ከካይድ ምቅርራባቱ ኣጻፊፉ ተወዳደርቲ ሰልፍታት መዝጊቡ፡ ድምጺ መረጽቲ ቀሪቡ ክልሉ ኣውሒሱ ምርጫ ንምግባራብ ምሽብሻብ እዋን ይርከብ ኣሎ፡፡

ንሕና ኤርትራውያን ድማ ተካይድዎ ንዘለኹም ምርጫ ምሉእ ድጋፍና እንዳገለጽና ፡ነቲ ኣብ ነጸላ መንደቑ ዝግበር ዘሎ ዘይፈልጥ ህዝብና ከምዚ ናትኩም ከብቀዖ እዩ ባህግና እንዳበልና ደጊምና ድጋፍና ነረጋግጽ።

 

ምርጫ ህዝቢ ትግራይ ምስ ብዙሕ ዝተሓላለኹ ጸገማት እዩ ዝካየድ ዘሎ ፡፡ካብቶም ቀንዲ  ብድሆታት ከኣ ብዘይመረጽዎ ሓይሊ ከይመሓደሩ ፡ተላባዒ ሕማም ኮሮና ከም ዓለሞም እንዳመከቱ፡ጸረ ዘራእቲ ኣንበጣ እንዳተኸላኸሉ፡ክቡር ነፍሲሄር 1ይ ሚ\መለስ ዜናዊ ዝደጋግማ 1ይ ጸላኢ ህዝብና  ድኽነት እዩ ከምኡውን ፡ካብ ኩለን ክልልታ ኢትዮጵያ ንበይኑ ዝገብሮ ዘሎ ምርጫ ምዃኑን ተወሰኽቲ ብድሆታት ተጻዊሩ እዩ 6ይ ክልላዊ ምርጫ ዝገብር ዘሎ። ካብዚ ኣእላፍ ብድሆታት ንመሃሮ ከኣ ሓድነት ሒዝካ ንኹሉ ዝከኣል ምዃኑ እዩ።

 እምበኣር ንሕና ኤርትራውያን ፈተውቲ ህዝቢ ትግራይ ነዚ ተካይድዎ ዘለኹም 6ይ ክልላዊ  ምርጫ ካብቲ ኣብ ሃገርና ብ1993 ዝተገብረ  ርእሰ-ውሳንያዊ  ምርጫ  ዘመሳስል ኣለዎ ንብል። ብርግጽ ህዝቢ ኤርትራ ናብ ዓለም ዝተጸምበረሉ ምርጫ ረፈረንዱም የካይድ እምበር ወናኒ ስልጣኑ ክኸውንስ ይትረፍ ኣብ ውሻጠኡ ከይተረፈ ምንቅስቓስ ዝተኣገደ ህዝቢ ኮይኑ ይርከብ ኣሎ።

እዚ ከምዘለዎ ኮይኑ፡ምስዚ ሕጂ ኣብ ትግራይ ዝግበር ዘሎ ምርጫ እቲ ናይ1993 ኣብ ሃገርና ዝተኻየደ ብህዝቢ ዝወሃቦ ሚዛንን ተመሳሲሉ ክበሃል ይከኣል። ዘመሳስሎ ነገር ከኣ፡

1-ሕቶ ህዝቢ ትግራይ ናይ ኩሉ ባዕሉ ክመሓደር ዝደሊ ህዝቢ ሕቶን ጠለብን ስለዝኾነ፡ህዝቢ ኤርትራውን ቀንዲ ሕቶኡ ንሳ ነይራን ኣላን።

2- ህዝቢ ኤርትራ ይሕመቕ ይጸብቕ ኣብ ታሪኹ ንመጀመርያ ጊዜ ናይ ርእሰ ውሳኔ ምርጫ 1993 ኣካይዱ፡ ኣብ ትግራይውን ናይ መጀምርታ ካብ ትሕቲ ኣራት ኪሉ ወጻኢ እዩ ዘካይድ ዘሎ ።

3- ህዝቢ ኤርትራ ሃገር ንምዃን ከድምጽ ከሎ ህዝቢ ትግራይ ከኣ ዋላኳ ክልላዊ ምርጫ ይበሃል እምበር፡ሕገ-መንግስታዊ መሰል ተጠቂሞም ትግራይ ከም ሃገር ንምቛም ዝቃለሱ ፖለቲካዊ ሰልፊ ኣብ ምርጫ ሓዊሱ ዝኸይድ ዘሎ ኮይኑ፡ትግራይ ከም ሃገር ትቑም ከም ክልል ብዘየገድስ ዘይቕየር ሓውና እዩ፡ ምኽንያቱ ሓውኻ ሰፈር ኮነ ቅርጸ-መሬት ብዝቐየሮ ኣይትቕይሮን ኢኻ፡ ነዚ ረዚን ነጥቢ ምስትርዳእ ከኣ ህዝቢ ኤርትራን ትግራይ ዝኾነ ተኣምር ዘይፈልዮም ኣሕዋት ህዝቢ እዮም።

4- ህዝቢ ትግራይ ኣብ ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ህዝቢ ኤርትራውን ኣብ ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ፡ ናይ ሓባር ፍሉይ ምዕራፋት ዘለዎም  ዘይነጻጸሉ ኣሕዋት እዮም።

5-እዚ ታሪኻዊ 6ይ ክልላዊ ምርጫ ህዝቢ ትግራይ ንስለ ምርጫ ጥራይ ዘይኮነ ንዓቕሚን ውህደትን ህዝቢ ትግራይ ኣበይ ነይሩ ሕጂኸ ኣበይ ኣሎ ዳህሲሱ፡ ናበይከ እዩ ክቕጽል ዘመላኸተ ምርጫውን ስለዝኾነ ተወሳኺ ፍሉይነት ኣለዎ ኢልና ንኣምን፡፡

ኣብዚ ዝሓለፈ 29 ዓመታት ህዝቢ ትግራይ ዘፍረዮም መናእሰያት መራሕቲ ውድባት ኮይኖም ብኣካዳምያውን ኣካላውን ብቕዓቶም ትግራይ ኣብ ምቕያር ዘርእይው ዘለው ተሳትፎን ውኒን ከኣ ጽቡቕ ኣብነት ምዃኑ ንከታተሎ ዘለና ደስ ዘብል ጉዳይ እዩ።

እዚ ዋላኳ ከምቲ ባህጊ ህዝቢ ትግራይ ኣይኹን እምበር ምስ ህሉው ኩነታት ዞባና ብፍላይ ከኣ ምስቲ ፍላይ ማንታኹም ህዝቢ ኤርትራ ክረኤ እንከሎ ዕድለኛታት ክንብለኩም ንደሊ። ስለምንታይ? መንግስትኹም ክትቃወሙ  ወይ ክትድግፉ ብሕጊ ዝተገደበ መሰልን ግዴታን ስለዝጠቐመጠልኩም ምዃኑ ክሰሓት የብሉን።  ነዚ ዕድል ዘይረኸበ ህዝብና ከኣ ንኣፉ ዓቢሱ ዩኒቨርስቲ ኣፍሪሱ ኩሉ ህዝቢ ወተሃደርን ዓስከርን ብምግባር  ሓላዊ ሓደ ፓርቲ ንምግባር ንዝወረዶ ኣደራዕ ናብዚ ቅዱስ ናይ ፍልጠት መኣዲ ክበቅዕ ዕድል ኣይረኸበን። ስድራቤታዊ መሳርዕ ገመዱ በታቲኾም፡ክብርን መንነትን ህዝቢ ኤርትራ ትሕቲ መቓብር ኣውሪዶም፡ሎሚ ኣብ ኤርትራ ንኣብነት ትኸውን ኣብ ሓንቲ ገዛ ጥርንፍቲ ስድራ ሃሰስ ኢልካ ኣብዘይ ትረኽበሉ ግዜ ተበጺሑ ኣሎ፡፡

 ተዋዘይቲ ከምዝብልዎ ካብ ሓቂውን ዘይረሓቐ ኣብ ኤርትራ ሓንቲ  ምልእቲ ስድራ ዝሓዘት ገዛ ኣላ እንተተባሂላ፡ስድራቤት ፕረስደንት ኢሳይያስ ጥራሕ እያ ዝበሃሎ ዘበን ኢና በጺሕና ዘሎና ። ነዚ ክምለስ ሕውየት ክግበረሉ እንተኾይኑ ከኣ ካብቲ ኣብ ሕቁፊ ህዝቢ ትግራይ ኣጽሊሉ ዘሎ ስደተኛ ጀሚሩ ኣብ ኩሉ ዓለም ሕውነትን ሰላምን ምስ ህዝቢ ትግራይ ምግባር ከኣ ፈላሚ ስጉምቲ ገርካ ክውሰድ ኣለዎ ዝብል እምንቶ ኣሎና።

ነዚ ኣብነት ክኾነና ከይተጠቕሰ ዘይሕለፍ ከኣ ብግዱሳት ዜጋታት ተጋሩን ኤርትራውያንን ዝነቀለ ልዕሊ 2 ዓመት ዘቑጸረ ወፍሪ ሰላም ኢትዮ\ኤርትራ ዝብል ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ወግዓዊ ማሕበር መስሪቶም ዝነኣድ ተበግሶታት እንዳወሰዱ ፡ መሰረታቶም ኣብ መላእ ዓለም ብልዑል ተቀባልነት ኣብ ምዝርጋሕ ዝርከቡ ኣሕዋት ክልቲኡ ህዝብታት ዘቀራርቡ ኣሕዋት  ምህላውም እውን ተስፋ ዝህብ ስለዝኾነ በዚ ኣጋጣሚ ከነመስግኖም ንደሊ።ኣጆኹም ኣብ ጎንኹም ኣሎና ከኣ ንብሎም። 

ኣብ መደምደምታ 6ይ ክልላዊ ምርጫ ህዝቢ ትግራይ ንህዝቢ ኤርትራ ዝህቦ ትርጉም ልዑል ኮይኑ ነቲ ዝተዓወተ ጥራይ ዘይኮነ ንዝተሳዕረውን ዘሳትፍ ዕድል ብዝህብ ሓድሽ ኣፍደገ ዝኸፍት ፍሉይን ኣገዳሲ ስጉምትን ንብል፡፡፡ እዚን ካሊእን ኣብ ግምት ብም እታው ጥራይ ዘይኮነ፡ክልላዊ 6ይ ምርጫ ህዝቢ ትግራይ  ሙሉእ መሰሉ እዪ ኢልና ስለንኣምን፡ ልባዊ ድጋፍና ንገልጽ። ነዚ መሰል ህዝቢ ዝቃወም  ከኣ ንህዝቢ ትግራይ ጥራይ ዘይኮነ  ንመሰል ባዕሉ ክመሓደር ንዝደሊ ዝኾነ ህዝቢ ዝግህስ ስለዝኾነ፡ንኹንኖ።

ስለዚ ትገብርዎ ምርጫ ነጻ፡ ፍትሓዊን ሰላማዊን መዔቀኒ ኣማሊኡ ክዛዘም ዘለና ባህጊ ክንገልጽ ንፈቱ።

 -ህዝቢ ትግራይን ኤርትራን ሓዳሮም ዝወጹ ማናቱ ኣሕዋት እዮም

-ምርጫ 2020(2012) ትግራይ ከኣ ምርጫ ፍላይ ማንታና ህዝቢ ትግራይ እምበር

ምርጫ  ውድባት ኣይኮነን። 

-ምድግጋፍ ህዝቢ ኤርትራን ትግራይን ዘየቋርጽ ዛራ ማይ

-ንግሆ ንግሆ ትበርቕ ጸሓይ

-ድሕሪቱን ቅድሚቱን ሓደ ዝዕጫኡ ዝህቢ እዩ

-ርሑስ ሓድሽ ዓመትን በዓል ኣዱስ ዮሃንስ ይግበረልና ኣሜን።

8 መስከረ 2020\ምፈ

ኣድለውቲ ግዱሳት ኤርትራውያን ስምና ኣሰኒና ኣሎና።

 

1-ኣስፋሃ ገብረመድህን ሕ\መ ኣመሪካ  

2-ፋና ተስፋልደት ሕ\\ኣመሪካ                       

3-ፍቅረ ኣጽብሃ ሽወደን                                                              

  4-ገብረሂወት ሃድጉ ነርወይ                                 

 5-የማነ የውሃንስ ስዊዘርላንድ                                                   

  6-ጠዓመ ገብረ ሕ\\ኣመሪካ

7-ተሸመ መሓሪ ሕ\\ኣመሪካ                                                

8-ሓጀር ባህረ ሕ\\ኣመሪካ                                     

9-ጸጋይ ሃይለ ሕ\\ኣመሪካ                                                  

 10-ቢንያም ካሕሳይ ስራኤል                                  

11-ሃይለ በየነ ሆላንድ                                                                  

 12-ንጉሰ ሃይለ

13-ረዘነ ዮሃንስ ሕ\\ኣመሪካ                                                  

14-ይርጋው ሃብተማርያም ስራኤል                   

 15-ከሰተ ተስፋ ስራኤል                                                                

16-ጎምበል መብራህቶም ጀርመን                    

 17-ሙሉ ገብረማርያም ነርወይ                                             

 18-ዮሃንስ ስብሃቱ ነርዋይ

19-ሉላ ኣየለ ነዘርላንድ                                                                

20-ኣማኑእል ኣንገሶም ሽወደን                              

21-ከፈተብርሃን ኣብራሃ እስራኤል                                           

22-ሓድሽ ኣብርሃ ኣውስትራሊያ                            

23-ገብረሂወት ነጋሽ ሕ\\ኣመሪካ                                     

  24-ሙሉእ ጭሮም እስራኤል

25-ኣማን ተወልደ እስራኤል                                                    

 26-ሽሻይ ሓየሎም ሕ\\ኣመሪካ                       

27-ተወልደ ሃኢለ ሆላንድ                                                     

28-ሃይለ ኣብራሃ ሕ\\ኣመሪካ                              

29-ኣማን ንግጉስ ተኽሎም ሕ\\ኣመሪካ                      

30-ፊደል መኮነን

31- ኣዜብ በርሀ ዓዲ-ጣልያን                                            

32-ዮዲት  ገብረመስቀል ሕ\መንግስታት ኣመሪካ

33- ኣለም ተኽለ ተስፋይ ሕ\\ኣመሪካ                         

34-ዳኒኤል ኣለም ተኽለ ሕ\\ኣመሪካ

35-መሓሪ ዕቁባይ ገብረስላሴ ሕ\\ኣመሪካ              

 36-መሓሪ ኣረጋይ ገብረማትያም ሕ\\ኣመሪካ

37- መንግስ ከሰተ ገ\ሊባኖስ ሕ\\ኣመሪካ         

  38-ሓይለኣብ ጥዑም ገብረእግዚኣቢሄር ሕ\\ኣመሪካ

39- ታሕጓስ ሃይለማርያም ኣብራሃ ሕ\\ኣመሪካ   

  40-ኣዜብ ኣረጋዊ ተስፋይ ሕ\\ኣመሪካ

41-ርግኣት ጥዑም ሕ\\ኣመሪካ                          

 42-ሰናይት ሓጎስ ካብ ነርወይ

43-ሳሙእል የውሃንስ መሃንዘል ሕ\\ኣመሪካ    

 44-ኣምለሰት ካሕሳይ ሃይሉ ሕ\\ኣመሪካ

45-ዳዊት ኣበበ ሕ\\ኣመሪካ                       

 46-ዘርኣይ ኣብርሃ ወልደሚካኤል ሃገረ ነርወይ   

47-ሓበን ብርሃነ ሃገረ ነርዋይ                         

48-ገብረሂወት ሓጎስ ነርወይ     

49-ነጋሲ ሃብተ ነርወይ                               

 50-ደስበለ ሃብተማርያም ሃገረ እስራኤል

51- ሻም ተስፋማርያም ሃገረ እስራኤል              

52-ኣማኑእል ሓድገምበስ ሃገረ ጀርመን

53-ዳዊት ይብራህ ኢትዮጵያ ትግራይ               

 54-ተመስገን ኪዳነ ነርወይ     

55-ክብሮም ተወልደ ሆላንድ                         

 56-ተስፋይ ተስፋዝጊ ሕ\\ኣመሪካ      

57-እስቲፋኖስ ኣርኣያ                                  

58-ገብረሂወት ተስፋ ሕ\\ኣመሪካ

59-ሓጎስ ቀሺ ገብረመስቀል  ሕ\\ኣመሪካ        

 60-ሃብቶም ተስፋይ ሕ\\ኣመሪካ

61-ድራር ብርሃነ ሕ\\ኣመሪካ                      

62-ጸጋይ ጥዑምዝጊ ሕ\\ኣመሪካ

63-ኣስመሮም ደመወዝ ሕ\\ኣመሪካ               

64-ኣበባ ዘርኡ ሓለፈ ነርወይ


Back to Front Page