ሻውዓይ እዝ! ያሬድ ሑሉፍ 10-30-20
ምጵኣት ፈጣሪ ቁጣዕ ኣንበጣ ወይስ ስብ ዝፈልፈሎ ፌጣ ኣብ ዓረብ በረኻ ጋቤጣ ስራዊት ጎቨጣ ኣሻኹ እግሩ ጋረጣ
በሊዑ ዘይፀግብ ቃቄጣ መሬት ኸም መላፀ ዝግሺላጣ ስማይ ጠቐር ዝሕንገጣ
ኢፍ መስቀል ተኻሒላ ካብ ምሼላ ናብ ምሼላ ኸይትዘልል ዓሊላ ኣስኩኑ ዝደሃላ መጨረሻ ኽትብበርር ኣማሪራ: ጉዕዞኣ ጠቅሊላ::
ቆቓሕ በል ዛግራ ሺላ በል ኣሞራ ኣባሮም በብተራ ስማይ ጠቄር ኸዲኑ ኸምኣቦራ::
አንበጣ ኣንታ ቃቔጣ እንታይ ኣምፀኤካ ዳግማይ ነላማጣ: ተምቤን ምስድቆጣ: ፍቅሪ ኸምዝሓዞ ምስዘን ጎርዞታት ዝሕምብጣ:
ኣንታ ባንዳ ኣሽከር ዓማፅያን ጎሚዳ ኃይሊ ኣይሐብካ መዓልቲ ቆፂርካ ንስኻውን ወጊንካ እግሪ እግፍሪ ሲዕብካ ዳግማይ ደበኽ በልካ ንትግራይ ኽትሓልካ::
እንታይዳኣ አምፀኤካ ንትግራይ ተኸቲልካ እሱብ መሪሕ ስብኣይ ዝበልዔሉ እድ ነኻሳይ: ዝቨልዎ እሺ ሕራህ::
ጉደኛ ፈሻል ደፍተራ ነቀዝ ጎተራ ኹልሳዕ ጉያ ጉያ: ንራያ ናብ ትግራይ ጏያ ኸምዝፈተኻያ:: ኸምቡኻርያ ደቃ ንኽትምንጥል ኻብጏያ: ወይከዶ ካሊእ ሞያ: ብዘካ ቀውሲ ቅያ::
እንታይ መኸሩኻ አብ ዓረብ በረኻ ፈሎኽሌኽ እንትትብልኾለኻ: ዓለም ብገፊሑ መንገዲ ብስፊሑ መን ስደደካ ንትግራይ መሪሑ::
|